Finan Media- ፍናን ሚድያ

Finan Media- ፍናን ሚድያ This page mainly provides new information on art works, entertainment, educational programs

 !
29/11/2023

!



ከመይ ቐኑኹም ዓማዊል ፍናን ሚድያ!ተጠፋፊእና ምቕናይና ሓቒ እዩ። ሕዚ ግን ብሓዱሽ መልክዕ ሓደሽቲ ስራሕቲ ተመሊስናለና። ንዚኦም፡ንምስራሕ እዩ ደማ ማጥፋእና። እምብኣር ሕዚ ብዛ "ሰብ ዋና"...
09/10/2023

ከመይ ቐኑኹም ዓማዊል ፍናን ሚድያ!
ተጠፋፊእና ምቕናይና ሓቒ እዩ። ሕዚ ግን ብሓዱሽ መልክዕ ሓደሽቲ ስራሕቲ ተመሊስናለና። ንዚኦም፡ንምስራሕ እዩ ደማ ማጥፋእና። እምብኣር ሕዚ ብዛ "ሰብ ዋና" ትብል ኩንታዊ ድራማ ተመሊስና ኣለና። ኣብ ቀረባ ደማ ብኻልኦት ተወሰኽቲ ስራሕቲ ክንምለሰኩም ኢና።

እሳ "ሰብ ዋና" ትብል ሲትኮም ተኸታታሊት እያ። ንሕዚ ቀዳማይ ክፋላ እንሆ ኣብ ሚድያና Finan Media- ፍናን ሚድያ ዩቱብ ቻነልና ተዘርጊሓላ። ሓቢርና ንቐፅል።

eritreanmusic ...

 Finan Media- ፍናን ሚድያ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ዝፀውዖ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣኺኣባ ተረኺባላ።  ድማ ዝርግሐ ለበዳ ሕማም HIV/AIDS ሕዚ ኣብ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ መተሓሳሰ...
15/08/2023



Finan Media- ፍናን ሚድያ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ዝፀውዖ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣኺኣባ ተረኺባላ።

ድማ ዝርግሐ ለበዳ ሕማም HIV/AIDS ሕዚ ኣብ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ መተሓሳሰቢ ብርኪ ካብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዝመፁ ዶ/ር ኣርኣያ መበገሲ መምያየጢ ፅሑፍ ኣቅሪቦም።

እቲ ሕማም ብዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዎ ዝርግሐ፡ ቀፂሉ ኣህጉራውን ሃገራውን ዝርግሐኡ ዝተዳህሰሰ እንትኾን ኣብ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ መጠን ዝርግሕኡ ምስቲ ዝነበረን ዘሎን ኲናት ተተሓሒዙ ንሱ ዝፈጠሮ

*ማሕበራዊ ቅልውላው
*ፀላእትና ንፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃሞም
*ፀላእቲ ንHIV/AIDS ከም መሳርሒ ኲናት ገይሮም ምጥቓሞም

*80% ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝፈረሳ ምዃነን እተን ዝየተረፋውን ግልጋሎት ጥዕና ከካይዳ ዘይኽእላ ዝነበራ ምዃነን
*ምርመራ እቲ ቫይረስ ተቛፁ ዝነበረ ምዃኑ
* ስሩዕ ናይ መዳሕኒት ተጠቅምቲ ዝነበሩ ብመዳሕኒት ሕፅረት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝርከቡ ዘይፍለጥ ምስቲ ምዃኑ
*ሰራዊት እዚ ሕማም ንምስርጫው 27% ብፅሒት ዝለዎ ምኽያኑን ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ድማ ምስዚ
ተተሓሒዙ ሕማም HIV AIDS ኣብ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብ ልዑል ናይሓደጋ ኩነታት ከም ዝኾነ ተዳህሲሱ።

መን እንታይ ይግበር? መዓዝ? ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ተሳታፊ እቲ ጉባኤ እዞም ሓሳባት ኣልዒሉ

1/ #መንግስቲ ኲናት ንምምራሕ ብዘርኣያ ቑርፀጭነት ልክዕ ነዚ ሕማም ዝርግሐ ንምዕጋት እውን ማዕረ ቑርፀኝነት ወሲዱ ህዝባዊ ማዕበል ብምፍጣር ክሰርሕ ኣለዎ!

2/ እቲ ኣማኒ ህዝበብ ብዛዕባ ምዕቓብን ማፅናዕን ምንክብኻብን ክምህራ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ቅድስናን ቅዱስነት እምነተን ንመእምነን ኣበርቲዐን ክምህራ። ብኡ ገይረን ትሕማም ክከላኸላ።

3/ #ሚድያታት ኣብዚ ዝርግሐ ሕማም ስሩዕ መደባትን ናይ ምይይጥ ዘተ ምድረኻትን ብምድላው ኣበርቲዐን ክሰርሓሉ ከምዝግባእ። ብሃበ ተረኽበ እግረ መገደን ከይኮነስ ኣንፈት ተዋሂብወን ብወፍሪ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ

4/ #ከየንቲ ብዛዕባ ዝሕማም መሰሪነት፡ ሰላሕታዊ ፅንተት ፈፃምነቱ፡ መከላኸሊ መገድታቱ ዘገንዝቡ ስራሕቲ ብወፍሪ ምልክዑ ብምስራሕ ህዝቦም ከድሕኑ። ኣብታ ኲናት እዋን ዘርኣይዋ ቑርፀኝነት ኣብዚ ክድርግምዋ። ባዕሎም ድማ ብዙሕ ተኸተልትን ኣድነቕትን ከም ዘለዎም ፈሊጦም ኣብዚ ጉዳይ ፅቡቕ ኣብነታዊ መርኣያ ብምዃን ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ።

5/ #መንግስታዊ ይኹን ትካላትን ቤት ዕዮታትን ብፍላይ ቤት ትምህርትታት፡ ዩኒቨርሲቲታት ቐፅሪ ቤት ዕዮአን ነዚ ለበዳ ብዘርኢ መልክዑ ከመላኽዓ፡ ትምህርቲ ክህባ ኣብ ምክልካል HIV ሕብረተሰብ ከነቓቕሓ ይግባእ

6/ 2015 ዓ/ም ተተሓሒዙ እቲ ብዓል ንዝርግሐ HIV/ AIDS ዘጋድድ ምኽንያት ከይኾን ዝምልከቶ ናይ ብህልን ቱሪዝም ቢሮ ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ክሰርሐሉ እኳድኣስ ግንዛበ ብዝፈጥር መልክዑ ናይ HIV/AIDS መከላኸሊ #ሪቫን ገይረን ዝወፃሉ ኩነታት ክፈጥር ይግብኦ። ሚድያታት እውን እዚ ፕሮሞት ክገብራ ኣለወን።

7/ / Activists/ ኣብዚ ጉዳይ ኣዚ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ተዋሂቦም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር እማኑኤል እውን መብርህን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ገዛዕዮታትን ሒዞም ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ቃል ኣትዮም መድረኽውን ብኡ ተዓፅዩ።

#መልእኽቲ

ኣብ ምክልኻል ዝርግሐ ኩሉ ትግራይ ብዝል ስምዒት እዚ ፀላእቲ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝኣለምዎ ስውር ሽርሒ ዳግም ክፍሽ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ይግባእ ዝብል እዩ።

ሰናይ ቅንያት!

ክርአ ዝግባእ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ዕርቂ ኩናማ "ሰንገኒና"
27/07/2023

ክርአ ዝግባእ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ዕርቂ ኩናማ "ሰንገኒና"

...

  ከተመታይ ኣዲስ ኣበባ ውሑድ እዩ! ግን.... #ክንደይና ኢና እዚ ሽም ኣደባባይ ብናይ ሃይለ ገብረስላሴ (ጎያይ) ሽም ዝፅዋዕ ዝመስለና ዝነበረ? #በሉ ኣዚ እደባባይ ብሓደ ትግራዋይ ብዓል...
20/06/2023

ከተመታይ ኣዲስ ኣበባ ውሑድ እዩ! ግን....

#ክንደይና ኢና እዚ ሽም ኣደባባይ ብናይ ሃይለ ገብረስላሴ (ጎያይ) ሽም ዝፅዋዕ ዝመስለና ዝነበረ?

#በሉ ኣዚ እደባባይ ብሓደ ትግራዋይ ብዓል ሃፍቲ እዩ ተሰይሙ ንብለኩም።

ሃፍቲ ድማ ወይም እዩ ዝብሃል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ተባሂሉ ኣብቲ ዝፅዋዕ ኣደባባይ ድማ ናይ ጨርቃጨርቅ ስፌት ፋብሪካ ከፊቱ ብስሙ ኢሉ ሰይምዎ።

ብዙሓት ዘይተነገርሉ ታሪኻት ዘለውዎ ዓለምለኻዊ ሰብ እዩ ነይሩ።

ካብ ፍሉጥ ጎለፍ ተፀዋቲ እስካብ ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ምንባሩ ትፈልጡዲ?

ደማ ናይ ጎልፍ ስፖርት ክጅምር ዝገበረ ደሓር እውን ካብ ተፃዋትነት እስካብ ኣሰልጣንነት ዝበፅሐ፡ኣብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ንኢ/ያ ወኪሉ ብምውድዳር ናይ ዝተፈላለዩ ሽልማት ዘርከበን ምዃኑ ትፈልጡዶ?

ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ወፃኢ ኮይኑ ብምቅላስን ወፈያ ብምትእኽኻብን ንስርዓት ደርጊ ዘወደቐ፡ ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ብሓፋሽ ዳያስፖራ ተመሪፁ ናብ ሜዳ ትግራይ መፅዩ ኣኼባ ዝተሳተፈ ምዃኑኸ?

#ኣብዚ ናይ ሕዚ ናይ #ብልፅግና-መንግስቲ ድማ 2 ግዜ ፋብሪክኡ ዝተዓፀዎ፡ ናብ ወፃኢ ከይወፅእ 2 ግዜ ዝተኸልከለ። ገንዘብ ኣዋፅእ ተባሂሉ ኣየዋፅእን ዘበል ምዃኑ ውን ክንደይናይ ኢና ንፈልጥ?

#ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ናይ ካብ ምዕራብ ተፈናቒሎም፡ንዝመፁን ኣብ ሽረ ንዘፅለሉን ተጋሩ 9ክሻ ክዳውንቲ ብምስፋይ ክበፅሖም ዝገበረ፡ ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ን1600ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ክዳን ብምስፋይ ክበፅሖም ዝገበረ ሓቦኛ ትግራዋይ በዓል ሃፍቲ ምዃኑውን ንፈልጥ ኣይመስለንን።

#ካልኦተ ብዙሓት ዘይተነገሩ ዓበይቲ ኣብነታውያን ስራሕቲ ንትግራይን ንኢ/ያን ዝሰርሐ እዩ ነይሩ። ሃይለ ሚላኖ ኣብ ትግራይ ፋብሪካ ዓለባ ክኸፍት ሕልሙ ነይሩ።


Finan Media- ፍናን ሚድያ ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ተኸታቲልና ናይ ሚድያ ሽፋን ሂብናዮ ንሃይለ ሚላኖ ሓውና!
#ምሉእ ምፅንዕናዕ ንስድርኡ፡ፈተውቱ፡ ኣዕረኽቱን ኣድነቕቱን እናተመነና ምሉእ ታሪኹ ሰሚዕኹም ኣብነት ተሞክሮ ሂወት ክትረኽቡ ብምሕሳብ ድማ ስነስርዓት ቐብሩን ምሉእ ሂወት ታሪኹን ናባሑም እቢልናዮ ኣለና።

እናጠወቕኹም ክትከታተሉ ንዕድም

...

https://youtu.be/XwnxLiiwr6Q" " ፊልም ተለቒቓላ   እናገበርኩም ኣቲኹም ርኣይዋ! ምሉእ ናይ ምግዳል ሂወት፡ ዓውደ ውግኣት፡ መጉዳእቲ፡ መስዋእቲ ዘርእይ ናይ 0፡15 ደቒቓ ...
04/06/2023

https://youtu.be/XwnxLiiwr6Q

" " ፊልም ተለቒቓላ እናገበርኩም ኣቲኹም ርኣይዋ! ምሉእ ናይ ምግዳል ሂወት፡ ዓውደ ውግኣት፡ መጉዳእቲ፡ መስዋእቲ ዘርእይ ናይ 0፡15 ደቒቓ ንውሒ ዘለዋ ምቅርቲ ፊልም እያ።

ብፍላይ ከዓ ዋዕሮታት ተጋደልትና ዝፍፅምኦ ገድልን ዝበፅሐን ተፍጥሮኣውን ሰብ ሰራሕ ማሕለኻታትን ብግልፂ ተርኢ።


# ...

A Film " "  COMING SOON! On Finan Media- ፍናን ሚድያ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ፍናን ሚድያ   ትብል ፊልም   እናገበርኩም ተፀበዩ!
02/06/2023

A Film " "


COMING SOON! On Finan Media- ፍናን ሚድያ

ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ፍናን ሚድያ ትብል ፊልም እናገበርኩም ተፀበዩ!

ኣፍቲ ኣፀጋሚ ግዜ ዝተሰርሐ ፊልም Tdf
25/05/2023

ኣፍቲ ኣፀጋሚ ግዜ ዝተሰርሐ ፊልም Tdf

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Finan Media- ፍናን ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Finan Media- ፍናን ሚድያ:

Share