15/08/2023
Finan Media- ፍናን ሚድያ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ዝፀውዖ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣኺኣባ ተረኺባላ።
ድማ ዝርግሐ ለበዳ ሕማም HIV/AIDS ሕዚ ኣብ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ መተሓሳሰቢ ብርኪ ካብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዝመፁ ዶ/ር ኣርኣያ መበገሲ መምያየጢ ፅሑፍ ኣቅሪቦም።
እቲ ሕማም ብዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዎ ዝርግሐ፡ ቀፂሉ ኣህጉራውን ሃገራውን ዝርግሐኡ ዝተዳህሰሰ እንትኾን ኣብ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ መጠን ዝርግሕኡ ምስቲ ዝነበረን ዘሎን ኲናት ተተሓሒዙ ንሱ ዝፈጠሮ
*ማሕበራዊ ቅልውላው
*ፀላእትና ንፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃሞም
*ፀላእቲ ንHIV/AIDS ከም መሳርሒ ኲናት ገይሮም ምጥቓሞም
*80% ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝፈረሳ ምዃነን እተን ዝየተረፋውን ግልጋሎት ጥዕና ከካይዳ ዘይኽእላ ዝነበራ ምዃነን
*ምርመራ እቲ ቫይረስ ተቛፁ ዝነበረ ምዃኑ
* ስሩዕ ናይ መዳሕኒት ተጠቅምቲ ዝነበሩ ብመዳሕኒት ሕፅረት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝርከቡ ዘይፍለጥ ምስቲ ምዃኑ
*ሰራዊት እዚ ሕማም ንምስርጫው 27% ብፅሒት ዝለዎ ምኽያኑን ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ድማ ምስዚ
ተተሓሒዙ ሕማም HIV AIDS ኣብ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብ ልዑል ናይሓደጋ ኩነታት ከም ዝኾነ ተዳህሲሱ።
መን እንታይ ይግበር? መዓዝ? ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ተሳታፊ እቲ ጉባኤ እዞም ሓሳባት ኣልዒሉ
1/ #መንግስቲ ኲናት ንምምራሕ ብዘርኣያ ቑርፀጭነት ልክዕ ነዚ ሕማም ዝርግሐ ንምዕጋት እውን ማዕረ ቑርፀኝነት ወሲዱ ህዝባዊ ማዕበል ብምፍጣር ክሰርሕ ኣለዎ!
2/ እቲ ኣማኒ ህዝበብ ብዛዕባ ምዕቓብን ማፅናዕን ምንክብኻብን ክምህራ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ቅድስናን ቅዱስነት እምነተን ንመእምነን ኣበርቲዐን ክምህራ። ብኡ ገይረን ትሕማም ክከላኸላ።
3/ #ሚድያታት ኣብዚ ዝርግሐ ሕማም ስሩዕ መደባትን ናይ ምይይጥ ዘተ ምድረኻትን ብምድላው ኣበርቲዐን ክሰርሓሉ ከምዝግባእ። ብሃበ ተረኽበ እግረ መገደን ከይኮነስ ኣንፈት ተዋሂብወን ብወፍሪ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ
4/ #ከየንቲ ብዛዕባ ዝሕማም መሰሪነት፡ ሰላሕታዊ ፅንተት ፈፃምነቱ፡ መከላኸሊ መገድታቱ ዘገንዝቡ ስራሕቲ ብወፍሪ ምልክዑ ብምስራሕ ህዝቦም ከድሕኑ። ኣብታ ኲናት እዋን ዘርኣይዋ ቑርፀኝነት ኣብዚ ክድርግምዋ። ባዕሎም ድማ ብዙሕ ተኸተልትን ኣድነቕትን ከም ዘለዎም ፈሊጦም ኣብዚ ጉዳይ ፅቡቕ ኣብነታዊ መርኣያ ብምዃን ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ።
5/ #መንግስታዊ ይኹን ትካላትን ቤት ዕዮታትን ብፍላይ ቤት ትምህርትታት፡ ዩኒቨርሲቲታት ቐፅሪ ቤት ዕዮአን ነዚ ለበዳ ብዘርኢ መልክዑ ከመላኽዓ፡ ትምህርቲ ክህባ ኣብ ምክልካል HIV ሕብረተሰብ ከነቓቕሓ ይግባእ
6/ 2015 ዓ/ም ተተሓሒዙ እቲ ብዓል ንዝርግሐ HIV/ AIDS ዘጋድድ ምኽንያት ከይኾን ዝምልከቶ ናይ ብህልን ቱሪዝም ቢሮ ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ክሰርሐሉ እኳድኣስ ግንዛበ ብዝፈጥር መልክዑ ናይ HIV/AIDS መከላኸሊ #ሪቫን ገይረን ዝወፃሉ ኩነታት ክፈጥር ይግብኦ። ሚድያታት እውን እዚ ፕሮሞት ክገብራ ኣለወን።
7/ / Activists/ ኣብዚ ጉዳይ ኣዚ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ተዋሂቦም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር እማኑኤል እውን መብርህን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ገዛዕዮታትን ሒዞም ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ቃል ኣትዮም መድረኽውን ብኡ ተዓፅዩ።
#መልእኽቲ
ኣብ ምክልኻል ዝርግሐ ኩሉ ትግራይ ብዝል ስምዒት እዚ ፀላእቲ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝኣለምዎ ስውር ሽርሒ ዳግም ክፍሽ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ይግባእ ዝብል እዩ።
ሰናይ ቅንያት!