Tigray Agri News

Tigray Agri News ኣላጀ ሚድያ ብራኸ ህዝቢ ትግራይ!

"ፀባብ መሬትና ብምጥቃም ፤ ዓርስና ንዓርስና ነድሕን!Tigray Agri News
09/03/2024

"ፀባብ መሬትና ብምጥቃም ፤ ዓርስና ንዓርስና ነድሕን!
Tigray Agri News

08/03/2024

ኣብ ሕድሕድ ገዛ ትግራይ ክህሉ ዝግባእ👇
Tigray Agri News

26/12/2023

"ናበይ ተተሰደድና ይሐሽ?

እዘን ኣደ' የን እዛ ቃል ዝተዛረብኣ!

ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኣፅቢ ኸይደ እናሃለኹ ዘውጋዕኽወን ኣደ 'የን... "ናበይ ኸ ይሐሽ ? ኣበይ ኣሎ ስደት ዝኽወዶ!?" ዝበላኒ

ኣደ ውን ንስደት?

ሕፅረት ማይ ዝወለዶ ድርቂ ፤ ብዘላቒ መፍትሒ ይከንበት!

ሕመቕ ዞባታት ትግራይ ኣብ መዳበርያ! ሓረስታይ ትግራይ ዘበናዊ ድኹዒ [መዳበርያ] ስኢኑ ክንደይ ግዘ ተጠሊዑ ሓተተ። 3ተ ዓመት መመላእታ መሬቱ ብዘይ ድኹዒ ሓሪሱ ዘእተዎ ፍርያት ቁንጣር እየ...
06/11/2023

ሕመቕ ዞባታት ትግራይ ኣብ መዳበርያ!

ሓረስታይ ትግራይ ዘበናዊ ድኹዒ [መዳበርያ] ስኢኑ ክንደይ ግዘ ተጠሊዑ ሓተተ። 3ተ ዓመት መመላእታ መሬቱ ብዘይ ድኹዒ ሓሪሱ ዘእተዎ ፍርያት ቁንጣር እየን ንኸብዲ እኳ ኣይመልኣን።

ነዚ መፍትሒ ተረኺቡ ነይሩ። ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም (FAO) ምስ ቢሮ ልምዓት ሕርሻ ትግራይ ብምትሕብባር 85,000 ሽሕ ኩንታል ንጽጉማት ሓረስቶት ብናጻ ዝዕደል ዘበናዊ ድኹዒ ኣዳልዩል : ናብ ዞባታት ኣብጺሑለን ነይሩ።

ቐጺሉ ዝመጽእ ሕቶ : ዞባታት ኸ ታይ ገይረንኦ? ዝብል እዩ!

ዞባ ምብራቕ (ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ዘጋጠሞ ዞባ እዩ)
* 11,010 ኩንታል ተዋሂብዎ ÷ ካብዚኤን
* 1879 ኩንታል ጥራሕ ዓዲሉ

ዞባ ደቡብ (ተመሳሳሊ ድርቂ ዘጋጠሞ ዞባ እዩ)
* 19,895 ኩንታል ተዋሂብዎ
* 2549 ኩንታል ጥራሕ ዓዲሉ

ዞባ ማእኸል
* 31,020 ኩንታል ተዋሂብዎ
* 2039 ኩንታል ጥራሕ ዓዲሉ : 28,981 (ሓቑፍዎ ደቂሱ)

ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ
* 15,680 ኩንታል ተዋሂብዎ
* 712 ኩንታል ጥራሕ ዓዲሉ

ዞባታት ደቡብ ምብራቕ
* 6,940 ኩንታል ተዋሂብዎ
* ዋላ ሓደ ኣይዓደለን

ዞባ መቐለ
* 1,045 ኩንታል ተዋሂብዎ
* ዋላ ሓደ ኣይዓደለን

ዞባ ምዕራብ
* የለን 😢

ብድማር ካብ 85,000 ሽሕ ኩንታል እቲ 7179 ጥራይ እዩ ተዓዲሉ። ሓረስቶት ብፍላይ ብድርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ማይ መስኖ ከይደረቐ ተሎ ሓሪሶም እቶት ክረኽቡ እናተገብአ : መዳበርያ ሒዝኻ ምድቃስ ታይ እዩ መልእኽቱ?

ሓረስታይ መዳበርያ ይብሎ :
ምምሕዳር ሒዝዎ ደቂሱሎ : ሃይላሎ 🎼

ኣብዘን ተገሊጸን ዘለዋ ዞባታት ዓበይቲ ናይ ዕዳጋ መዓልታት ተጸቢኹም ትዕዝብቲ ውሰዱ : ሓረስቶት ዘመናዊ ዱኽዒ ስለ ዝሰኣኑ : በላዕተኛታት ነጋዶ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብኽባር ዋጋ ይሸጡሎም ኣለው።

ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም (FAO) ክሻብ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኩሎም መዳበርያታት ክዕደሉ ይግባእ ክብል መምርሒ ኣውሪዱ ኣሎ። እዚኣ እንተዘይተገይራ ከምታ ዝሓረምናያ "እኽሊ ረድኤት" እዚኣ ለ ንሓርማ።

መበገሲ ሓበሬታ : ጋዜጠኛ ኪዳነማርያም ብርሃነ (ኪዳት)
Kibrom Mulugeta

ንብፀሐሉ ሓረስታይና----ሐዚ እውን ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ቤት ፅሕፈት ስራሕትና ዓፂና ሓረስታይ ትግራይ ነድሕኖ።
28/10/2023

ንብፀሐሉ ሓረስታይና
----
ሐዚ እውን ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ቤት ፅሕፈት ስራሕትና ዓፂና ሓረስታይ ትግራይ ነድሕኖ።

ሕዚ ውን ህፁፅ ዓፂድ ይገበር፣ ኹላትና ናብዙይ ዓፂድ ብዘይ ምቁራፅ ንዋፈር! ብሰንኪ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ውሑጅን በረድን ዝጥቅዑ ዘለው ኣእኻል ውሑዳት ኣይኾኑን።እዙይ ሎሚ ዕለት 15/02/...
26/10/2023

ሕዚ ውን ህፁፅ ዓፂድ ይገበር፣ ኹላትና ናብዙይ ዓፂድ ብዘይ ምቁራፅ ንዋፈር!

ብሰንኪ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ውሑጅን በረድን ዝጥቅዑ ዘለው ኣእኻል ውሑዳት ኣይኾኑን።

እዙይ ሎሚ ዕለት 15/02/2016 ኣብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ብፍላይ አብ ጣብያ ዓዲ ቅማለክ ቁሸት ዓዲ ቀደሶ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብን በረድን'ዩ።

26/10/2023

ውሑጅን በረድን ዘለዎ ዝናብ ክዘንብ ከም ዝኽእል ትንበያ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ'ሎ።

እዙይ ትንበያ ካብ ጥቅምቲ 13-20 ከምዝኾነ'ዩ ዝሕበር ዘሎ ፤ ነዙይ ድማ ብዋናነት ኺሳራ ህይወት ሰብን ንብረትን እኽልን ከየስዕብ ህፁፅ ውዓል ሕደር ዘይብሉ ጥንቃቐን ርብርብን የድሊ።

ብምቕፃል ግን ብፍላይ ብድርቂ ዝተጠቕዓ ከባብታት ኢሉ ውን ዝናብ ዝዘንበለን ከባብታት እቲ ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ናብ ረብሓና ይቅርና ክንድሕነሉ ይግባእ።

እንሆ ዝናብ ዝዘንበለን ከባብታት፦

👉 ዞባ ምዕራብ ትግራይ (ፀገዴ፣ ወልቃይት)፣ ክፋል ሰሜን ምዕራብ ትግራይ (ሽረ፣ ኣሰገደ፣ ታሕታይ ቆራሮን ዓዲ ዳዕሮ)ን ከባቢታት ኣላማጣን ራያ ጨርጨርን ዘካተት እዩ። ብፍላይ ኣብተን ዝተጠቀሳ ውሑጅን በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ክዘንብ ከምዝክእል ተተንቢዩ ኣሎ።

👉 ኣብዛሓ ክፋላት ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ ዞባ ማእኸል፤ ዞባ ምብራቕ (ኢሮብ፣ ዓዲግራት፣ ፍረወይኒ፣ ኣፅቢ)፤ ዞባ ደ/ምብራቕ (እንደርታ፣ ሕንጣሎ፣ 20 ዓዲ ወጀራት) ደቡብ( መደበኛን ልዕሊኡን ዝናብ ከምዝረከባ፣ 🌧🌧

👉ከባቢታት ዞባ ምብራቕ (ሓውዜን፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ገርዓልታ) ዞባ ማእኸል (ነበለት፣ ማይ ቅነጣል፣ ዓብዪ ዓዲን ኣበርገለ የጭላን)፣ ደቡብ ምብራቕ (ሳምረ፣ ሳሓርቲን ደጉዓ ተምቤንን መቐለን)፣ ደቡብ ትግራይ (ዛታ)ን ድማ ካብ ውሑድ ክሳብ ዝናብ ዘይርከባ ከባቢታት ከምዝህልዋ እዩ ተተንቢዩ ዘሎ።

Senait Gebru

ሰሙናዊ ትንበያ ዝናብ (13-20 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም)🚨 ⛈ 1. ኣብዚ ዝተገለፀ ሰሙን ሓያልን ከቢድ ዝናብ ከምዝዘንብ ተተንብዩ ኣሎ። እዚ ዞባ ምዕራብ ትግራይ (ፀገዴ፣ ወልቃይት)፣ ክፋል ...
25/10/2023

ሰሙናዊ ትንበያ ዝናብ (13-20 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም)

🚨 ⛈ 1. ኣብዚ ዝተገለፀ ሰሙን ሓያልን ከቢድ ዝናብ ከምዝዘንብ ተተንብዩ ኣሎ። እዚ ዞባ ምዕራብ ትግራይ (ፀገዴ፣ ወልቃይት)፣ ክፋል ሰሜን ምዕራብ ትግራይ (ሽረ፣ ኣሰገደ፣ ታሕታይ ቆራሮን ዓዲ ዳዕሮ)ን ከባቢታት ኣላማጣን ራያ ጨርጨርን ዘካተት እዩ። ብፍላይ ኣብተን ዝተጠቀሳ ውሑጅን በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ክዘንብ ከምዝክእል ተተንቢዩ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ዘድሊ ምድላው ይገበር። (See the Weekly Exceptional Rainfall map)

2. ኣብዛሓ ክፋላት ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ ዞባ ማእኸል፤ ዞባ ምብራቕ (ኢሮብ፣ ዓዲግራት፣ ፍረወይኒ፣ ኣፅቢ)፤ ዞባ ደ/ምብራቕ (እንደርታ፣ ሕንጣሎ፣ 20 ዓዲ ወጀራት) ደቡብ( መደበኛን ልዕሊኡን ዝናብ ከምዝረከባ፣ 🌧🌧

3. ከባቢታት ዞባ ምብራቕ (ሓውዜን፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ገርዓልታ) ዞባ ማእኸል (ነበለት፣ ማይ ቅነጣል፣ ዓብዪ ዓዲን ኣበርገለ የጭላን)፣ ደቡብ ምብራቕ (ሳምረ፣ ሳሓርቲን ደጉዓ ተምቤንን መቐለን)፣ ደቡብ ትግራይ (ዛታ)ን ድማ ካብ ውሑድ ክሳብ ዝናብ ዘይርከባ ከባቢታት ከምዝህልዋ እዩ ተተንቢዩ ዘሎ። ☀️🌦

ሕዚ ውን ካብ ሕቱኽቱኽ ወፂና፣ ህፁፅ ወፍሪ ብምግባር ፦ዓፂድ ዝኽእል ኹሉ ተወዲቡ፤ናይ ግልን መንግስትን ትካላት መካይን ኹለን ናብዚ ተግባር ተሳቲፈን፤ እተን ዝተረፋ እኽሊ ነድሕነን።እቲ ግዚ...
22/10/2023

ሕዚ ውን ካብ ሕቱኽቱኽ ወፂና፣ ህፁፅ ወፍሪ ብምግባር ፦
ዓፂድ ዝኽእል ኹሉ ተወዲቡ፤
ናይ ግልን መንግስትን ትካላት መካይን ኹለን ናብዚ ተግባር ተሳቲፈን፤ እተን ዝተረፋ እኽሊ ነድሕነን።

እቲ ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብን በረድን ብኸምዙይ የጥቅዖ'ዩ ዘሎ።

ንወፍሪ ዓፂድ ናብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ሰሉስ ንጉሆ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ንራኸብ!

ተመስገኑ!🙏ኣብ ታሕታይ ቆራሮ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር'ዩ! ነዞም ብድርቂ ዝተሃሰዩ ኸባቢታት ብኸምዙይ መልክዑ ሳዕሪ ይተኣኻኸብ ኣሎ።ናይ ጥምየትን ድርቅን ኣጀንዳና ሓቢርና ንዕፀዎ!
21/10/2023

ተመስገኑ!🙏

ኣብ ታሕታይ ቆራሮ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር'ዩ!

ነዞም ብድርቂ ዝተሃሰዩ ኸባቢታት ብኸምዙይ መልክዑ ሳዕሪ ይተኣኻኸብ ኣሎ።

ናይ ጥምየትን ድርቅን ኣጀንዳና ሓቢርና ንዕፀዎ!

21/10/2023

ኣብ ገለ ክፋላት ትግራይ እቲ ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ጀሚሩ ኣሎ!

ብፍላይ ብድርቂ ዝተጠቕዓ ከባብታት ኩድጓድ ብምኲዓት ንዕቆሮ ፣ ናብ ረብሓና ንቐይሮ፣ ንፀገምና (ንጥምየትና)ነሸንፎ!🙏

ክቕፅል ዘለዎ ተግባር!በዓል ገዛይ ተሰዊኡ ኣነ ብሕማም ተታሒዘ  #ግራተይ መን ክዓፅዶ እዩ እናበልኩ ተጋደልቲ መፅዮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዓፂዶም ኣኪበምዎ"  ወ/ሮ ማሾ ገ/ስላሴ ስድራ ስውእ ...
19/10/2023

ክቕፅል ዘለዎ ተግባር!

በዓል ገዛይ ተሰዊኡ ኣነ ብሕማም ተታሒዘ #ግራተይ መን ክዓፅዶ እዩ እናበልኩ ተጋደልቲ መፅዮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዓፂዶም ኣኪበምዎ" ወ/ሮ ማሾ ገ/ስላሴ ስድራ ስውእ !

ገና ብዙሕ ኣሎ፣ ዓፂድ ዘድልዮ ግራት ስድራ ስውእ!

ዝንኣድ ፤ ኹሉ ኣብ ኹሉ ክስዕቦ ዘለዎ ተግባር! TDF ኣብ ዓፂድን ሓገዝን ስድራ ስውኣት!
19/10/2023

ዝንኣድ ፤ ኹሉ ኣብ ኹሉ ክስዕቦ ዘለዎ ተግባር!

TDF ኣብ ዓፂድን ሓገዝን ስድራ ስውኣት!

ወራር ዕስለ አምበጣኣብ ከባቢ ሸራሮ  ወራር ዕስለ ኣንበጣ  አብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድአት የብፅሕ ከምዘሎ  ተገሊፁ። ድንዛ ዝብሃል ሓድሽ  ባልዕ አጋጢሙ ከምዘሎ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።...
23/09/2023

ወራር ዕስለ አምበጣ

ኣብ ከባቢ ሸራሮ ወራር ዕስለ ኣንበጣ አብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድአት የብፅሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ድንዛ ዝብሃል ሓድሽ ባልዕ አጋጢሙ ከምዘሎ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እዞም ባልዕ እዚኦም ነንእሽተይ ይነፍሩ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ጉምቦ መሸላ ካብ 15 -30 ብምዕሳል ብንእሽተይ ደቂቃ ብምብላዕ ጥርሓ የትርፉዋ አለው ተባሂሉ ።

እዚኦም ናብ መላእ ኣድያቦ ከይተስፋሕፍሑ መድሓኒት ንክርከቦም ዝምልከቶም አካላት ንክበፅሕሎም ሓረስቶት እቲ ከባቢ ፃውዒቶም አቅሪቦም።

Weldemhret Gezae

 እዙይ ድማ ጣብያ ሓረሳው'ዩ!ግራት ሙሉእ ዓተር ሓሪሩ ፣ኣይኮነን ንሰብ ንእንስሳ ፣ኣይኮነን ንእንስሳ ንሰብ ውን ንሕስያ ዘይብሉ ድርቂ 'ዩ ኣንፀላልዩ ዘሎ።ካብዙይ ዝተረፈ ድማ ብቪድዮ ክለቀ...
22/09/2023



እዙይ ድማ ጣብያ ሓረሳው'ዩ!
ግራት ሙሉእ ዓተር ሓሪሩ ፣ኣይኮነን ንሰብ ንእንስሳ ፣ኣይኮነን ንእንስሳ ንሰብ ውን ንሕስያ ዘይብሉ ድርቂ 'ዩ ኣንፀላልዩ ዘሎ።

ካብዙይ ዝተረፈ ድማ ብቪድዮ ክለቀልኹም'የ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኹላትና ነድህብ!

 !"ከምዙይዶ ገጢሙ ይፈልጥ?"ፈላማይ ሕቶይ ምስ ሓረስታይ ኣፅቢ ሩባ ፈለግ 'ዩ።"•••እወ ኣብ 76 ከምዙይ ገጢሙ ነይሩ ፣ሕዚ ውን ልክዕ 76 ዓመተምህረት ተደጊሙ ፤ 'ቲ ኽረምቲ ሓጋይ ፤ ...
22/09/2023

!

"ከምዙይዶ ገጢሙ ይፈልጥ?"

ፈላማይ ሕቶይ ምስ ሓረስታይ ኣፅቢ ሩባ ፈለግ 'ዩ።

"•••እወ ኣብ 76 ከምዙይ ገጢሙ ነይሩ ፣ሕዚ ውን ልክዕ 76 ዓመተምህረት ተደጊሙ ፤ 'ቲ ኽረምቲ ሓጋይ ፤ እቲ ሓጋይ ኽረምቲ ይኸውን ከም ዝበሃል።

ድሓር 77 ዓመተ ምህረት ድማ 'ታ ብታሪኽ ዝፀንሐትኩም ተፈጢራ ካብዙይ ካብ ቑሸትና 'ኳ 3 ሰብ ጥራይ 'ዩ ተሪፉ እንበር ኹሉ 'ዩ እግሩ ናብ ዝመርሖ ንብረቱ ራሕሪሑ ተሰዲቱ ፤ ሕዚ ኸ በዙይ ዕድመና ናበይ ክንስደት!? ሱዳን ዝኸዱኳ ዘይተመለሱ?!•••" ይብሉ ግራት ምልእቲ ንቑልቑላ ዝተደፍአቶም ገባር!

ጎጆየ ጎጆየ ውሻጦ ገዛየ
ኣንቲ ኽብረት ናተይ መዓርግ ዕያለየ
ዓውዲ ኣብ ድሕሪ ቤት ከምዘይ ኣኹደድኹልኺ
ኣእዱገይ ፅዒነ ከምዘይ ኣተኹልኺ
ጓጉድ ፀባ ኸፍተይ ከምዘይ መላእኹልኺ
ዳሰይ ደስዲደ መርዓ ደርዓ ደቀይ ከምዘይ ኣሕለፍኹልኺ
ዘመን ኸፊኡዶ ቆቋሕ ደጓሕ ኡሉ ንጋፍ ክስእነልኺ
በሊ ኸድኹ ኣነ ዓኾር ደርብየልኺ
መንገዛ ገዛይዶ ጓና ክኾነልኺ
ዓይነይ እኳ ደም መልአ ቑሊሕ ከይብለኪ
ድዩ ዝበለ ከያኒ እያሱ በርሀ!

መፃኢኦምን መፃኢ ህዝቢ ኣፅብን እናሓሰቡ ፤ እተን ከፍቲ ኣብ ደንበ ዓፅዮም ነተን ኣባጊዕ ኣጓንዮም ዓመት ዝዘርእዎ እኽሊ ፍረ ብዘይምሃቡ ናብ ግራቶም ኣእትዮም እናብልዑ ፤

ሕስብብብብ ድማ የብሉ'ሞ...

ሕዝስ ምንም እኽሊ የለን ፤ ንኸብድና ካብዛ ግራትና ነእትው ነይርና ፤ ካብታ ዝሓረስናያ ድማ ሓሰር ንኸፍቲ (ንጥሪት) ንርብሐሉ ነይርና ፤ እተን ኣብ ኽረምቲ ዝመልኣ ዲጋታት ድማ ንመስተ ከፍቲ ንጥቀመለን ነይርና ሕዚ ምስ ከፍትና ናበይ ንኺድ!? •••

እዚ እናውግዑ ከያኒ እያሱ በርሀ ውን በለኒ፦

"...ብዕራየ ብዕራየ ኣይነዓኻ እንድየ
ኣንታ ቀላብየ ኣንታ ኸዳንየ ፤
ዘበን ከፊኡዶ ሎሚስ ጠሊምኻኒ
ኣካሒዳ ኾይኑ በይነይ ገዲፍኻኒ ፤
ሰኣን ጠሊዶታ ራሕሲ ናይ በረኻ
ኣንጉዕኻ መኺኹ ብልዔምኻ ቀረኻ ፤
ኩሒለይ ጎምበለይ ኣንታ ግርማ ደምበይ
ንዓይ ይስጠሓኒ ተሰጣሕኻ ኣብ ቕድመይ... "

ዝበሎ!

እዙይ ከይመፅእን ኣብ ህዝቢ ኣፅቢ ከይድገምን ዝሰግኡ ኣቦ መፍትሒ ኣለሻ ዓይኖም እናንከራተቱ ፦

"ኣያ ታይኸ ይገበር ትብሉ?" በልክዎም

"ዋእ ንጠመት ይብል ጠመተ የድልየና'ሎ ንዓናን ንጥሪትናን ጠማቲ እንተሃልዩስያ•••!?"

ሰፊሕ ውዕሎይ ኣብ ኣፅቢ ናይዚ ሰሙን መደበይ 'ዩ ክቕፅል 'የ!
..ዘራጊት ስድራና ድርቂ

ኦም ኣምበጣ (Tree locust)  [9 መስከረም 2016 ዓ/ም]ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኦም ዕስለ ኣምበጣ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ኣምበጣ ካብ ዕለት 2/1/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዕለት ይ...
22/09/2023

ኦም ኣምበጣ (Tree locust)
[9 መስከረም 2016 ዓ/ም]

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኦም ዕስለ ኣምበጣ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ኣምበጣ ካብ ዕለት 2/1/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዕለት ይቕፅል አሎ። ብወገን ኤርትራ ገይሩ ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያታት ዓዲ ፀፀር፣ መንጠብጠብ፣ ዓዲ ኣሰር፣ ለምለም፣ ኣደመይቲ፣ ሽምብሊና፣ ማይ ኩሕሊን ገጠር ዝባን ገደናን ከምኡ ውን ኣብ ዙርያ ከተማ ሸራሮ ኣብ ልዕሊ 2761.5 ሄ/ር ዓሪፉ አብ ኣግራባትን ዝራእቲን ጥቅዓት እናፈፀመ ይርከብ።

1)- ባህሪ ናይዚ ኣምበጣ:-
👉🏿መብዛሕቲኡ ኣብ ኣእዋምን ቆጥቋጥን ይዓርፍ፤
👉🏿ኣቀማምጥኡ ብትን ዝበለ ስለ ዝኾነን ስለ ዘይነፍርን ብሓይሊ ሰብ ጨፍጪፍካ ንምጥፋእ ኣፀጋሚ እዩ፤

2)- ዘጥቆዖም ኣእዋምን ዝራእቲን:-
👉🏿ክሳብ ሐዚ ኣብ ልሙዕ ኣእዋም ዝኾኑ ከም ቀንጠብ፣ ጋባን ጫዓን ብስፍሓት የጥቅዕ አሎ። እዚኦም ድማ ቀንዲ ምግቢ እንስሳ እዮም።
👉🏿ኣብ ዝራእትን ኣሕምልትን ድማ ኣብ ኮሚደረ፣ በርበረ፣ ዳጉሻን መሸላን ጥቅዓት ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ኦም ስለ ዝኾነ ኣብ ዝራእትን ኣሕምልትን ኣሻብ በፂሑ ዝብል ከየዕሽወና አብ ዝዓረፎ ኩለ የጥቅዕ ስለ ዘሎ ብትኹረት ፈቲሽና ናብ ስራሕ ንእቶ።

ሐ)- ክሳብ ሐዚ ዝተገበረ ድጋፍ ሰብ ሞያን መከላኸሊ ሜላን
1. ናይ ወረዳ፣ ዞባን ክልልን ሰብ ሞያ ተቀናጅዮም ኣብ ሰራሕ ይርከቡ።
2. ክሳብ ሐዚ ዝኣተወ ኬሚካል ልዕሊ 600 ሊትር ኮይኑ 180 ሊትር አብ 470.5 ሄ/ር ተነፂጉ አሎ።

👉🏿አብዚ ዝኸተተ ሓይሊ ሰብ ብድምር 592፣ መፅዓኛ 37፣ ናፕሳክ 107፣ ሞተራይዝድ ናፕሳከ 3 ኮይኑ ሐዚ ውን ካብዚ ብዝበለፀ ክስራሕ እንተኾይኑ ምልአተ ህዝቢ ክኸትት አለዎ።

አብ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ መንጠብጠብ ቁሸት ማይ ሓንሰ ወሪድና ዝተዓዘብናዮ
።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።
👉🏿ብሚድያታት ድወትን ትግራይ ተለቪዥነንን ሽፋን ክረክብ ሰፊሕ ድሌት ምንባሩ ካብ ዝሃቡዎ መብርሂ ተዓዚብና ።እዚ ድማ መንግስቲ ;ሰብ ሃፍቲ ን ተካላት ክሪኡዎን ረፊሕ ድጋፍ ክግበረልናን ካብ ዘለና ድሌት እዩ ኢሎም አለዉ ። በዚ መሰረት ድማ እቶም ሚድያታት ሽፋን ክህቡዎ ውዒሎም አለዉ ።
👉🏿ካብ መጀመርይኡ እዚ አምበጣ ምፍላይ ተሸዊድና ነይርና ኢና ፋንጣ እዩ ;አየጥቅዕን ወዘተ እናበልና ፀኒሕና ኢና ስለዚ ካልኦት መዳውውቲ ወረዳታት ብዝግባእ ክፍትሻ ምኽሮም ለጊሶም ።
👉🏿እዚአምበጣ መፈልፈሊኡ ፀላኢ(ሻዕብያ) ካብ ዝሓዘን ከባቢታት ስለ ዝኾነ ካብ መፈልፈሊኡ እንተዘይአጥፊእናዮ አብዚ ጥራሕ ብእኒሰርሖ ጥራሕ ካብ ድኻም ሓሊፍና ለውጢ ስለ ዘይነምፅእ ምስ ፈደራል መንግስቲን መከለኸሊ ሃገርን ምርድዳእ ተዝግበር ዝብል ሓበረይታ ሂቦምና
👉🏿 ሐዚ ውን ሓይሊ ሰብ ክንኸትት ኢና ዋሕዲ ናፕሳክን መድሓኒትን ስለ ዘለና ካብ ክልል ይደፍኤልና
👉🏿ሰብሞያን መካይን ተንድገፍ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት አብቲ ምይይጥ ተላዒሎም እዮም ።

ካብዚ ብምብጋስ ታይ ንግበር
።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።።
💜ኩለኹም ወረዳታት ከባቢኹም ብትኹረት ክትፍትሹን ዘሎ ሓበሬታ ብእዋኑ ክትህቡናን አለኩም
💜ጎረቤት ወረዳታት ማለት ውን ማ/አድያቦ፣ ሰየምቲ ኣድያቦ፣ ዓዲ ዳዕሮን ኣስገደን ዘለኩም ሰብ ሞያ፣ ሞተር ሳይክላት፣ ናፕሳካት ወዘተን ኮሚቴ አጣይሽኩም ንወረዳታት ታ/ኣድያቦን ከተማ ሸራሮን ሓገዝ ክትገብሩ ይግባእ።
💜ናይ ክልልን ዝምልከተኩም አካላትን ድማ መድሓኒት፣ መኪና፣ ሰብ ሞያን ፕረዠራይዝድ ናፕሳክን ሓገዝ ክትገብሩልና ፃውዒትና ነቅርብ።

© ሓበሬታ ከላሊ ሓጋዚ [መ/ዘ/ቁ ዞባ ሰ/ምዕራብ]

 መን ክገዝኦ? በላ ሓዊሲ ድንጋፀ ዝተመልኦ ዘረብአን "" እዚ ብዕራይ ክንደይ ይሽየጥ"" ምስ በልክወን!ግራት ሙሉእ ጥሪት ኣትየን ክበልዕኦ ደው ኢለን ዝምልከታ ኣደ ነባሪት ኣፅቢ'የን። እተ...
21/09/2023



መን ክገዝኦ? በላ
ሓዊሲ ድንጋፀ ዝተመልኦ ዘረብአን "" እዚ ብዕራይ ክንደይ ይሽየጥ"" ምስ በልክወን!

ግራት ሙሉእ ጥሪት ኣትየን ክበልዕኦ ደው ኢለን ዝምልከታ ኣደ ነባሪት ኣፅቢ'የን።

እተን እንስሳ ብሕሱም ጥምየት ዓፅመን ወፂኡ ፤ ዝበዕኦ ምስ ሰኣና ብሰንኪ ሕፅረት ማይ ፍረ ዘይሃበ እኽሊ ፤ ግራት ሙሉእ ጥሓሒሰን ኣትየን ክቕለባ ምስ ተመልከትኹ ምስተን ወላዲት ፅግዕ ኢለ ከውግዕ መረፅኹ!

"ኣደ እቲ ግራት ሕሩስዶ ኣይኮነን ፤ ከፍቲ ይበልዕኦ ዘለዋ?

ዋእ ንሱ ውን እንተጠቒምወን'ዩ ፣ብዘመንና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ድርቂ'ዩ ገጢሙና ዘሎ።

ቅድም ክብል ኣብ ግዘ ምሕራስ ብዕራይ ንምግዛእ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ ትፈልጥዮ ትኾኒ ትሕቲ 70,80 ኣይነበረን ፤ ብኽንድኡ ገዚኢና ሕዚ ክንሸጦ ተበልና 15 እናበሉና ዕዳጋ ውን ኣብዮም።

" ሓደ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ብዕራይ ርእየ (እዙይ ክንደይ ይሽየጥ)በልክወን ፤

ሓውሲ ድንጋፀ መን ክገዝኦ ? ታይኸ ዋጋ ከውፅእ በላ ገፀን ሓውሲ ሕርቃንን ተስፋ ምቑራፅን እናተንፀባረቐን።

ንሰብ ኣይኮነን ንእንስሳ ዘየናሕሲ ሕሱም ድርቂ ፣ ዓይነን እናረኣያ ከፍቲ ከይረግፍወን ፤ ክሸጥኦም ንዕዳጋ ኳ እንተውረድኦም ፦
ብሕሱም ጥምየት ሓሚቖም
'ቲ ዝገዝእ ኣካልኸ ታይ የብልዖም
ብዝብል ተደራራቢ ስግኣትን ጭንቅን ዓይኒ ዓይኒ ዝሓረስኦ ፍረ ዘይሃበ ግራተን እናረኣያ መሬት ትመሽየን ትዓርበን።

ናብራ ሓረስታይ ኣፅቢ እዙይ ካብ በልና ፣ሓረስታይ ተዘይሓሪሱ እቲ ህዝቢኸ ........

ዘራጊት ስድራና ድርቂ
ክቕፅል'የ
Senait Gebru

ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!😞    ~~~~~~~~~~  ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!ኣብ ወጀራት 20ዓዲ -መኾኒ ዝነበረኒ ፃንሒት ካብቶም ልቢ ዝሰብሩ ሓደ'ዩ።ፈለማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዘዋወሩ ዝነበሩ...
17/09/2023

ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!😞
~~~~~~~~~~
ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!

ኣብ ወጀራት 20ዓዲ -መኾኒ ዝነበረኒ ፃንሒት ካብቶም ልቢ ዝሰብሩ ሓደ'ዩ።

ፈለማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዘዋወሩ ዝነበሩ ምስልታት ኣዝዩ ዘደንገፀኒ ፣ብኣካል ኸይደ ከረጋግፅ ኣለኒ ብዝብል'የ ናብ ደቡብ ዘቕናዕኹ።

ዋላኳ ካብ መቐለ መውፅኢ ዘለው ዝራእቲ ቑሩብ ደሓን "ይሐሽ'እናበልኹ እንተኸድኹ ኣብ ወጀራት 20 ዓዲ ከተማ ደቡብ ምስ በፃሕኹ ግን ወይኸ እኽሊ!

ቕድም ክብል ብሕፅረት እታወት (ማዳበርያ ፣ ዘርኢ፣ ብዕራይን ካልኦትን )ሕፅረት ዝገጠሞ ሓረስታይ ትግራይ፣ ብዝኽኣሎ እንተስ ብትሕብብር እንተስ ብጭኳሮ እታ መሬት ፍሒሩ ዘለቶን ዝተለቅሖን ዘርኢ ናብታ መሬት በቲንዋ'ዩ!
ሰኣን ምዕሩይ ኣሰራርሓ ድማ ማዳበርያ ኣብ ኢድ ነጋዶ ወዲቑ ካብ 10_12 እንትሽወጥ ፤ ኹሉ ሓረስታይ ትግራይ እናማረረ " ደቀይለ ሂበ ሕልፈትለ ስኢነ" እናበለ ዝሕንዝሕ እንትነብዕ፣ መሬቱ ንቑልቑል ተደፊኑ መብቆሊ ዳንዴር ኾይኑ ክረምቲ ኣሕሊፍዎ'ዩ።

'ቲ ብውሱን መተንፈሲ ዝረኸበ ድማ ሓንቲ ኹንታል ማዳባርያ ብማሕበር ኾይኖም ብምግዛእ ፣ "ነታ ግራት ጥዓም ጥዓም ፀበልኻ" ገይሮምዋ ሓሊፎም'ዮም።

ናብ ጉዕዞይ እንትምለስ ፦
ኣብ መኾኒ ዝረኸብክዎም ሓረስቶት እንተውግዑኒ፣ እዝዩ ልቢ ዝሰብር ፣ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ጥምየት ዘውድቕ ምኳኑ'ዩ ዝሕብር።

¶¶"ኽራማት ከመይ'ሎ"ዝብል ሓውሲ ስክፍታ ዝተመልኦ ሕቶ'የ ኣቕሪበሎም!

ዝናብ ሎሚ ዘበን የኻርናይ፣ ማዳበርያ ድማ ዝናብ ዘይብሉ ኣይኸውንን ፣ይብሉ ፍሽኽታ ዝሓረሞ ገፆም ንዝሓረረ እኽሎም እናማዕደው።

¶¶ኣብ ማእገርኹም ዘሎ እንታይ'ዩ?

ዋእ ብጉንበት ዘሪኤዮ ካብ ግንቦት ናብዙይ ምንም ፍረ ክህብ ኣይኽኣለን፣ ዝናብ ቐዲሙ ጀሚሩ ኹሉ ዝዝዓቕሙ ሓሪሱ "ከምዙይ ተራእዩ ኣይፈልጥን ፅቡቕ ሽሻይ" ንብል ነይርና ኣብቲ ፈለማ ብሓደ ግዜ ፅቡቕ ተስፋ ሂቡና ነይሩ፣ ድሓር ግን ፈፂሙ ዝናብ ዝብሃል ኣይረአናን ፣ከምቲ ትርእዮ ድማ እኽሊ ሓሪሩ እናዓፀድና ንከፍቲ ንህቦም ኣለና።

¶¶ዝናብ ጥራይ ድዩ ፀገሙ ፣ ኣብዚ ኸባቢ መስኖ የለን ድዩ ናብዙይ ግራት ዝተኣታተው?

መስኖ ብዙሕ የለን ፣እቲ ኣለዎ ዝብሃል ኸባቢ ድማ ብዝናብ'ዩ ዝመልእ ፣እተን ውሑድ ዝተጠራቐማ ድማ ናብ ግራት ዋላ እንተኣተዋ ፊንጣን ኣዕዋፍን ብልዕ'ዮም ዝውዕልዎ !
ምንም ዝፈርሑ ኣይኮኑን ኣይድንግፁን፣ ቐሪብኻ ክሳዕ ተባርሮም ካብቲ እኽሊ ነቕ ኣይብሉን፣ ንግራት ሙሉእ'ሞ ከመይ ጌርኻ ትቆፃፀሎ።

¶¶ፀረ ባልዕ የለን ድዩ?

መግዝኢኡኸ ከበይ ይምፃእ ኹላኹሉ'ዩ ተደራሪቡና፣ ሕዚ ተስፋ ቖሪፅና ግራትና ንፊንጣን ኣዕዋፍን ገዲፍናሎም፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ከምዙይ እናቖረፅና ንከፍቲ ምህቦ ኣለና።

ክቕፅል'የ ምስ ኻልኦት ሓረስቶት ዝገበርኽዎ ፃንሒት!

ከም ህዝቢ ዝፅበየና ዘሎ ድርቂ ዘተሓሳስብ'ዩ...

Senait Gebru ካብ ሰንዓለ😍

13/02/2023

ድግሳት ኣብ ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ፅልዋ !
ፅባሕ ኣብ ኣላጀ ሚድያ ክልቀቕ'ዩ፣ ኣብ ዓዲ ዘለኹም ወገናት ድማ ብ ደደቢት TV ክመሓላለፍ'ዩ።
https://youtube.com/

እንጀራ ልማኖ ኣይታቋምተኒሓዘነይ ተበዝሐ ታይ ኢኻ ታግኒ ኣየምበል ሓሸንገ ብሞተ ስልምልም ኣይትበል ሃምልሞተውይ ሰውሒ ኾይንኻ መፅዐኛ ኣይኸተተልኣኸ ሕዘ ዶ ክበልዕ ሸምተ https://yout...
11/12/2022

እንጀራ ልማኖ ኣይታቋምተኒ
ሓዘነይ ተበዝሐ ታይ ኢኻ ታግኒ

ኣየምበል ሓሸንገ ብሞተ
ስልምልም ኣይትበል ሃምልሞተ

ውይ ሰውሒ ኾይንኻ
መፅዐኛ ኣይኸተተ
ልኣኸ ሕዘ ዶ ክበልዕ ሸምተ

https://youtu.be/t_3ZKBbrey0

ንሕዝን ንሓዋሩ  ከምዚ ዝበለ ልምዲ እንተ ኣማዕቢልና ጥዕና ማሕበረሰብ ተሓልዩ ኢኮኖምያዊ ፀገማት እውን ብቐሊሉ ክንፈትሐሉ እንኽእል ከምዝኾነ ንምግማት ኣየፀግምን። ከምዚ ዝበለ ፀገም ዝፈትሕ...
18/11/2022

ንሕዝን ንሓዋሩ ከምዚ ዝበለ ልምዲ እንተ ኣማዕቢልና ጥዕና ማሕበረሰብ ተሓልዩ ኢኮኖምያዊ ፀገማት እውን ብቐሊሉ ክንፈትሐሉ እንኽእል ከምዝኾነ ንምግማት ኣየፀግምን። ከምዚ ዝበለ ፀገም ዝፈትሕ ምህዞ ንማሕበረሰብ ብምምሃር ፀገማትና ብከፊል ንፍታሕ!

Alaje Media ኣላጀ ሚድያ

Subscribe Here:https://www.youtube.com/c/AlajeMediaFollow us on Social Media:https://www.facebook.com/SeniTube ...

ምዕቡል ወለዶ ልምህናፅ ግደ ምግቢ ልዑል'ዩ! ኣብ ናይ  ኣተሓሳስባ ብቕዓትን ኣካላዊ ፀገምን ዘምፅኦ ሳዕቤናትዘይምዕሩይ ስነ_ምግቢ ኣብ ዝብል መደብና Gebremedhin Kidane  ጠቒስዎ ...
17/11/2022

ምዕቡል ወለዶ ልምህናፅ ግደ ምግቢ ልዑል'ዩ!
ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ብቕዓትን ኣካላዊ ፀገምን ዘምፅኦ ሳዕቤናት
ዘይምዕሩይ ስነ_ምግቢ ኣብ ዝብል መደብና Gebremedhin Kidane ጠቒስዎ ነይሩ!

ህዝብና ድማ ብሰንኪ ሓይሊ ዓቕሚ ፀላእትናን ድክመት ናይ ባዕልናን እቲ ዝበዝሕ % ፣ዝኾኖን ዘይኾኖን ምፍላይ ኣብዘይኽእለሉ፣ ዝተብሃሎ ጥራይ እሺ ዝብለሉ ብርኪ በፂሑ'ሎ!

ጥምየት ሕማቕ'ዩ፣ ኢድኻ ጠምዚዙ'ዩ ሓሳብኻ ዘቐይር!

Subscribe Here:https://www.youtube.com/c/AlajeMediaFollow us on Social Media:https://www.facebook.com/SeniTube ...

15/11/2022

ካብተን ትማሊ ብዛዕባ መፍትሒ ጥምየት እንታይ ንግበር ብዝብል ዝለጠፍኹዋ ሕቶ፣ ካብተን ዝተውሃባ መልሲ ሓንቲ'ያ!

(2)
ህጹጽ ውዳበ ተጣይሹ: ናይ ሓጺርን ነዊሕን ትልሚ ተሓንጺጹ ንህዝብና ህይወት ዘሪኡ ከድሕን ዝኽእል ኮማንድ ፖስት ኣብ ትግራይ ምጥያሽ ኣገዳሲ ኰይኑ ይርከብ።

* ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘሎ ትግራዋይ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ስነ ምግቢን ሕርሻን ብቑዕ ፍልጠ ሒዙ ናብ ባይታ ዘውረዶ ልምዲ ዝሓዘ ኩሉ ጻውዒት ተገይሩሉ 'Team' ክፈጥር ይገበር።እዙይ ቲም ብዋናነት እቲ ናይ ትግራይ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣብ ሕርሻ፣ዝራእቲን ስነ-መግብን ዘድሃበ Practically ናብ ባይታ ብዝወርደሉ ቅዲ ተቓንዩ መጽናዕቲ ቀሪጹ የሰናድእ። ብፍላይ ኣብቲ ናይ ሓጺር ትልሚ: ኣብ ዝሓጸረ ግዘ ባጺሑ ህዝብና ክዕንግል ዝኽእል ውጽኢት ሕርሻ ከድህብ ይግባእ።

* ብምቕጻል ኣብዙይ ዙርያ ምስ ዝምልከቶም ዓለም ለኸ ትካላት ጥንኩር ረኽቢ ብምፍጣር 'Grant' ዝርከበሉ መስርሕ ይፍጠር።ዝሓበረ ሓይሊ ኣድማዒ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ።ካብ ላዕለዋይ ኣጽኒዑ ናብ ባይታ ዝወርደሉ ጉጅለ ''ወያናይ-ሕርሻ'' ተዳልዩ ተፈጻምነቱ እውን ብዝተፈለየ ኣካል ክትትል እናተገበሮ ዝስረሐሉ መዳይ ምፍጣር።ሚዲያታት ሓዊሱ ዕዙዝ ግደ ትጽቢት ይግበረለን።

* በዓል ዋና ናይዙይ ህይወት ህዝብና ክዘርእ ዝኽእል ናይ ሓጺር ግዘ ሕርሻ: ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ትግራይና እውን በዓል ዋና ብምግባር ኣብዙይ ስራሕ ምስቲ ምሁር በዓል ሙያ ተላፊኑ ክነጥፍ ምግባር ይከኣል እዩ። ሓረስታይ ትግራይ ኣእምሩኡ ኽፉት ምስቲ ምዃኑ 'Module' እውን ኣዳሊኻ ብቐሊሉ ባዕሉ ወኒኑ ክከታተሎ እውን ዝኽእል እዩ።ኣብዙይ ይሰራሕ።

ተጋሩ ምሁራት ሕርሻን ተተሓሓዚ ሙያን ኣብዙይ መልዓሊ ሓሳብ ዝበለጸ ብምቅጽጻል Focus ብምግባር ካብ ብሐዚኡ ታሪኻዊ ስራሕን ሙያዊ ግደኹምን ምስራሕ ትኽእሉ ኢኹም።ግዘ ዘይህብ ወያናይ ሕርሻ፤ ሎሚ!- ንትግራይ!
( ብ Tsegazeab Abugida)

(መልዓሊ ሓሳብ፥ ኣብ ሚዲያ ኣብ ዙርያ ሕርሻ ላዕሊ ታሕቲ ብምባል ናብ ሓረስታይ ትግራይና ንክባጻሕ ርኡይ ስራሕ እትሰርሕ ዘላ ካብ ሓፍትና ሰናይት ገብሩ ወሲደ እዩ።በዙይ ኣጋጣሚ እውን ብስም ህዝብናን ሓረስታይ ትግራይናን ከመስግና እደልይ።)

[ኣላጀ ሚዲያ
ብራኸ ህዝቢ]

ወቕታዊ መደብ!ምስ ምንቅስቓስ መስኖ ተተሓሒዙ ከመይ ብቐሊሉ ባልዓት ንከላኸል ኣብ ዝብል ፃንሒት ምስ ዶ/ር ካሕሳይ ታደሰ ተኣንገዱታ!ሰብ ሞያ ሕዚ'ዩ ህዝብና ዝደልየኩም ምፁ ምሃርዎ ኣብ ዝደ...
14/11/2022

ወቕታዊ መደብ!
ምስ ምንቅስቓስ መስኖ ተተሓሒዙ ከመይ ብቐሊሉ ባልዓት ንከላኸል ኣብ ዝብል ፃንሒት ምስ ዶ/ር ካሕሳይ ታደሰ ተኣንገዱታ!

ሰብ ሞያ ሕዚ'ዩ ህዝብና ዝደልየኩም ምፁ ምሃርዎ ኣብ ዝደለኽምዎ ሰዓት ኣላጀ ንዓኻትኩም ንምትእንጋድ ድልው'ዩ!

Join this channel to get access to perks:https://www.youtube.com/channel/UCdrAh945KX1_4B6HspAqBTQ/joinSubscribe Here:https://www.youtube.com/c/AlajeMediaFoll...

09/11/2022

እዙይ ክነቃልሕ ይግባእ!
ፀላእትና ሰራዊት ብዘይ ደጀን ከትርፍዎን ህዝብና ብጥምየት ክሃልቕ ፃዕሮም ኣየቋረፁን፣ ምስ ሕፅረት ምሩፅ ዘርእን ሕፅረት ማዳባርያን ተሓናኒቑ ዝረኸበን ምህርቲ ብኸምዙይ ይቃፀል ኣሎ! እቲ ዕርቀሰላም ብወገን ኢትዮጵያ ጠጠው ከምዘይበለ ክነቃልሕን ፣እቲ ውዕሊ ተግባራዊ ክኸውንን ንግበር!

ቓልስና ቐፃሊ'ዩ.......

09/11/2022

ናምግቢ ግብረሓይሊ ኣጣይሹ፣ ናሕርሻ ኲናት ወልዑ!

08/11/2022

ኣብ ትግራይ ብኲናትን ክልከላ መድሓኒትን ሞት ልሙድ ኾይኑ!
©ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ!

እዙይ'ዩ ኣብ ባይታ ዘሎ

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Agri News posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigray Agri News:

Videos

Share

Nearby media companies