Tigray Press

Tigray Press Tigray Press is the ultimate online media to serve you with vivid and credible information from all

05/02/2024

የኦሮሞ ብልፅግና አያደርጉትም፣ አይናገሩም ማለት አይቻልም!

የፌዴራል መንግስት ኮሙዩኒኬሽን የሰጠውን መግለጫ አስመልክቶ ከትግራይ ግዝያዊ አስተዳደር የተሰጠው መግለጫ
05/02/2024

የፌዴራል መንግስት ኮሙዩኒኬሽን የሰጠውን መግለጫ አስመልክቶ ከትግራይ ግዝያዊ አስተዳደር የተሰጠው መግለጫ

አምባሳዶር ሽፈራው ተክለማሪያም እየቀለዱበት ያለው የረሃብ አደጋ ዓለም አቀፍ ሚዲያዎች ግን እውነታውን ለዓለም ማሕበረሰብ እያጋለጡት ይገኛል። በትግራይ ሆስፒታሎች በዋናነት በዓይደር ሆስፒታል...
05/02/2024

አምባሳዶር ሽፈራው ተክለማሪያም እየቀለዱበት ያለው የረሃብ አደጋ ዓለም አቀፍ ሚዲያዎች ግን እውነታውን ለዓለም ማሕበረሰብ እያጋለጡት ይገኛል። በትግራይ ሆስፒታሎች በዋናነት በዓይደር ሆስፒታል በምግብ እጦት በሞት አፋፍ ላይ የሚገኙ ህፃናትን ሳይቀር የብሪታንያ ሚኒስቴር ዲኤታ የአፍሪካ ጉዳዮችና ልማት ሚኒስትር አንድሪው ሚሸል በዐይናቸው መመልከታቸው ነው ቢቢሲ የዘገበው።

በትግራይ እናቶች፣ ህፃናትና ሽማግሌዎች እየታየ ያለውን የርሃብ አደጋ እጅግ በጣም ከፍተኛ ጉዳት እያደረሰ ስለመሆኑ ቢቢሲ በቦታው ተገኝቶ ምልከታውን አጋርቶናል። ይህንን ጉድ የፌደራሉ ሹማንቶቹ ለመደበቅ ቢሯሯጡም የዓለም ሚዲያዎች ግን መሬት ላይ ያለውን እውነታውን እያጋሩት ነው። shame on Ethiopian authorities, በዚህ በርሃብ ፖለቲካ መስራታችሁ ያሳፍራል!

James Landale travels with the UK Africa minister to northern Ethiopia, where the situation is deteriorating.

04/02/2024

አሁንም ሽፈራው ተክለማሪያም በሰው ህይወት መጥፋት ፖለቲካ እየሰራበት ይገኛል። የጊዜ ጉዳይ እንጂ ብልፅግናም ሽፈራውም መውደቃቸው አይቀሬ ነው። ቢያንስ በትግራይና አማራ ክልል ውስጥ በረሃብ እያለቀ ያለው ህዝብ ሳያየው ቀርቶ አይደለም!

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክፍፀም ህወሓት ይመዓራረውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እዩ። ስለዚ ኣፈፀምቲ እቲ ስምምዕነት ክልቲኦም እዮም ማለት እዩ።ግዝያዊ ምምሕዳር ት...
04/02/2024

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክፍፀም ህወሓት ይመዓራረ

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እዩ። ስለዚ ኣፈፀምቲ እቲ ስምምዕነት ክልቲኦም እዮም ማለት እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውፅኢት ውዕሊ ፕሪቶሪያ እምበር በዓል ዋና ወይከዓ ተደራዳሪ ወይከዓ ፈራሚ እቲ ውዕሊ አይኮነን። ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ውዕሊ ግና መንግስታዊ ስራሕቲ ይሰርሕ።

ኣብ ውዕሊ ዝሰፈሩ ሓሳባት ንክፍፀሙ ከም ኣካል ህወሓት ኮይኑ ይዋሳእ እምበር በይኑ ዝሰርሖ ጉዳይ ክህሉ የብሉን። ኣይግባእን እውን።

ኮይኑ ግና ህወሓትን ግምትን ንባዕሎም ከም ክልተ ኣካል ቆፂሮም እቲ ሓደ በቲ ሓደ እናመኽነዩ ሓግዮም። ኣብ ኣፈፃፅማ ዝገጠሞም ፀገም ኣብ ክንዲ ብሓባር ንክፍታሕ ምስራሕ ንባዕሎም ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ገይሮም ብምንቅስቓሶም ኣብ ኣፈፃፀማ እተን ወሰንቲ ጉዳያት ምድንጓይ ተፈጢሩ፣ ፀገም ህዝብና እውን ተናዊሑ።

ዋና ዓምድታት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝኣት ትግራይ ውሑስ ምግባር፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ፀጥታ ትግራይ ውሑስ ምግባርን ጉዳይ ተሓታትነትን እየን። መንግስቲ ፌደራል ዝፍፅመን እውን እየን። ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ ኣይተፈፀማን።

እዘን ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ምፍፃም ፀገም ፌደራል መንግስቲ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ግምትን ዝነበረ ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽ ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ እዩ። "እዞም ሰባት ነኒባዕሎ ተባሊዖም ክጠፍእሎይ እዮም" ዝብል ተስፋ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ስለዝነበረ ንዚ ዕድል ንምጥቃም ዝተፈላለየ ምኽንያት ብምቕራብ ክሳብ ሐዚ ክፍፅም ኣይከኣል። ድሕሪ ሐዚ እዚ ዕድል ክውሃቦ የብሉን። ህወሓት እውን ተመዓራሪዩ ግምት መሓውሩ ክሳብ ወረዳ ንክህልዎ ብምግባር ጠንካራ መሪሒነት(ዋላኳ ስትራቴጅክ መሪሕነት ፀገም ይሃልው) ከርእይ ይግባእ። ግምት እውን ብተመሳሳሊ።

መንግስቲ ብልፅግና ዝእመን መንግስቲ ኣይኮነን። ብቃሉ ዘይርከብ ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ከም ናተይ እምነት ሊሂቅ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ፤ ህወሓትን ግምትን ንክመዓራረዩ እናሰርሐ ኣንፃር ዋና ፀላኢኡ ዝኾነ ብልፅግና ክሰርሕ ይግባእ። ውሽጣዊ ቃልሲ ግድን እዩ። ኮይኑ ግና ብልክዑ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ዘርኢ ምፅናት ንዝፈፀመ ፀላኢ ተስፉን ሞራልን ዝህብ ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት እውን ኣለኒ።

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተኣናፊ ኩነታት ናብ ረብሓ ንምቕያር ምትዕፅፃፍ እምበር "እቲ ስርዓት ፀሓዩ ትዓርብ ኣላ" ዝብል ኣጉል ትፅቢት ኣየድልይን። ኣብ ጫፍ ገደል ንዘሎ ትደፍኦ እምበር ባዕሉ ክፀድፍ እዩ ኢልካ ምፅባይ ኣይግባእን። ንዚ ድማ ህወሓት ክመዓራረ ኣለዎ። ተዘይ ተመዓራርዩ እሱ እዩ ዝፀድፍ።

ህወሓት ብውሽጣዊ ፀገማቱ ተጠሊፉ እንተቂህሙ እቲ ውዕሊ ዝፈፀመ ሓይሊ የለን ዝብል መርገፅ ብወገን መንግስቲ ብልፅግና ከምዝትሓዝ ኣይትጠራጠሩ(...ሕሩጭ ኮይኖም ምስ መን ንደራደር ..ይበሃል ከምዝነበረ ምዝካር የድሊ)። ስለዚ ህወሓት ይመዓራረ፣ ድሕሪ ሐዚ ግዜ ምውሳድ ኣየድልን።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይፈፀም!

ቴክኒካሊ ዝፈረሰ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም 16 ኣዋርሕ ኣቁፂሩ ኣሎ(ኣብቲ ውዕሊ  ውሽጢ 30 መዓልቲ ይፍፀም ይብል)።እቲ ውዕሊ ኹናት ጠጠው ዘበለ እኳ እንተኾነ ብምሉእ ስ...
04/02/2024

ቴክኒካሊ ዝፈረሰ ውዕሊ ፕሪቶሪያ

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም 16 ኣዋርሕ ኣቁፂሩ ኣሎ(ኣብቲ ውዕሊ ውሽጢ 30 መዓልቲ ይፍፀም ይብል)።

እቲ ውዕሊ ኹናት ጠጠው ዘበለ እኳ እንተኾነ ብምሉእ ስለዘይተፈፀመ ግና ህዝቢ ሐዚ እውን እብ መልክዑ ዝቐየረ ፅንተት ይርከብ። እቲ ፅንተት ብኹናት ዝነበረ በጥሜት ኮይኑ ኣሎ።

ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ህዝቢ ኣንፃራዊ ሰላም ምርካቡ፣ ማሕበራዊ ግልጋሎት ምጅማሮም፣ ይብዛሕ ይውሓድ ዳግመ ህንፀት ዝጅምረሉ ኩነታት ምፍጣሩ፣ ብዕፅዋን ክባን ዝተፈላለየ ሰብ/ስድራ ምርኻብ ምኽኣሉ፣ ሰብ ካብን ናብን ምንቅስቃስ ምኽኣሉ ... ከም ረብሓ ዝጥቀሱ እዩም።

ኮይኑ ግና እተን ብወገን መንግስቲ ፌደራል ክፍፀማ ዝግብአን ምውሓስ ግዝኣታት ትግራይ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ጉዳይ ዓለም ለኸ ተሓታትነትን ምስዚ ዝደሓሓዙ ስራሕቲ ብዘይ ምፍፃሞም ህዝብና ሐዚው ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንኽነብር ኮይኑ ኣሎ። ንጥሜት ተቓሊዑ ኣሎ። እዚ እቲ ፅንተት መልክዑ ቀይሩ ይቕፅል ኣሎ ማለት እዩ።

እዚ ኹሉ ፀገም እንሃለው እቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ውድብ ህወሓት ብውሽጣዊ ፀገሙ ተጠሊፉ ንተደራዳሪኡን ንኣደራደርቱን ፅዕንቶ ምፍጣር ዘይክእል ኮይኑ ሓግዩ እዩ።እቲ ውፅኢት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ(ግምት) እውን ዋላ ካሊእ ገፅ ህወሓት ይኹን ኣብ ክንዲ ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ቀዳምነት ሂቡ ብምሉእ ክፍፀም ክሰርሕ ፓርቲን መንግስትን ክፈሊ እየ ኢሉ (ቅድሚ ፈረስ ጋሪ ኣቐዲሙ) ምስ ባዕሉ ሕልኮ ገጢሙ ኣድማዒ ስራሕ ከይሰርሐ ኩል ግዜ ብመፅብዓ ሓግዩ ኣሎ። እኳ ደኣስ እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ግምትን (ካሊእ ገፅ ህወሓት) ዝነበረ ምስሕሓብን ነዊሕ ኣኼባን ሓይሊ ትግራይ እናዳኸመ መንግስቲ ፌደራል እተን ክፍፅመን ዝግበኣ ንከይፍፅመን ዕድል ረኺቡ ኣሎ። እቲ ስምምዕነት ዘይፈፀሞ ብናቱ ዕንቅፅና ጥራሕ ዘይኮነስ ብድኽመት መሪሕነት ትግራይ ምዃኑ እውን ክፍለጥ ኣለዎ።

መንግስቲ ፌደራል ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ተረባሒ ዝኾነሉ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ተገሊሉ ዝበረሉ ኹነታት ምቕያር ኪኢሉ ኣሎ። ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ካብ ምስታፍ ሓሊፉ ጥሜት እናሃለወ ብውሕስና ምግቢ ተሸላሚ ኣግሪኮላ ፋኦ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ንዕኡ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ።

በአንፃሩ መሪሕነት ትግራይ፣ ፖለቲካ ሊሂቅ ትግራይን ዳያስፖራ ትግራይ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሕቱሕቱሕ ተፀሚዶም ስቃይ ህዝቢ ንክሓፅር፣ ግዝኣታዊ ሐድነት ትግራይ ውሑስ ንክኾን፣ ወረሪቲ ክወፅኡ ዝኽእልሉ ዲፕማሲያዊ ፅዕንቶን ካሊእ ፅዕንቶን ምፍጣር ኣይከኣሉን። እዚ ድማ ንወረርትን ንፌደራል መንግስትን ምችው ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ንዚ ዝልውጥ ስራሕቲን ስልትን ምጥቃም ይግባእ።

ከም ናተይ ሓሳብ
1. ብፍላይ ሚድያን ዳያስፖራ ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ቴክኒካሊ ፈሪሱ ስለዘሎ ካሊእ መማረፂ (ምስቶም ወረርቲ ከሳብ ጎንፂ) አድላይ ዝኾነሉ ምዕራፍ ከምተበፅሐ ብምርዳእ እቲ ውዕሊ ንክፍፀም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ክፈጥሩ ይግባእ።

2.ህወሓት(ፈራሚ እቲ ውዕሊ ስለዝኾነ) በቲ ውዕሊ መሰረት ከይፍፅም ተባሂለን ዝተቐመጣ ነጥብታት ንኣብነት ምስ ወፃኢ ሓይልታት ቀጥታዊ ርክብ ምፍጣርን ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝፃብኡ ሓይልታት ርክብ ምፍጣርን ... ዝብል ንክጥሕስ ይግደድ ከምዘሎ ብዕላዊ መንገዲ ግልፂ ብምፍጣር ኣደራደርቲን መንግስቲ ፌደራልን ግቡኦም ክፍፅሙ ፅዕንቶ ምግባር ዝኣመሰሉን ካልኦት ስልትታት ክጥቀም አለዎ።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፂሙ ዝበሃል ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ውሑስ ኮይኑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም እንትምለሱን ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ተሓተቲ እንትኾኑን ስለዝኾነ ቀፃሊ ቃልሲን ኣንፈትን እዘን ቀንዲ ነጥብታት ንክፍፀማ ኣብ ምስራሕ ክኸውን ይግባእ።

ውሽጣዊ ሕልኮ ይኣክል!
ቀዳምነት ንዝተፀገመ ህዝቢ!

Eritrean soldiers forced dwellers of Eastern zone of Tigray Gulomokeda province to leave their home unless they changed ...
03/02/2024

Eritrean soldiers forced dwellers of Eastern zone of Tigray Gulomokeda province to leave their home unless they changed their citizens to Eritrea.

ሕቶ ውጉኣት ዘይምልስ ድኹም መሪሒነት‼መሪሒነት ትግራይ እቲ ዝቐለለ ሕቶ ውጉኣት ተጋደልቲ ምምላስ ብዘይ ምኽኣሉ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ተደጋጋሚ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም። በዚ ሕቶ ሐዚ ዘሎ መ...
03/02/2024

ሕቶ ውጉኣት ዘይምልስ ድኹም መሪሒነት‼

መሪሒነት ትግራይ እቲ ዝቐለለ ሕቶ ውጉኣት ተጋደልቲ ምምላስ ብዘይ ምኽኣሉ ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ተደጋጋሚ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም። በዚ ሕቶ ሐዚ ዘሎ መሪሒነት ህወሓት፣ ግምትን ሰራዊትን ክሓፍር ይግባእ።

እዞም ተጋደልቲ እቶም ሐዚ ኣብ መሪሕነት ዘለው ብህይወት ንክነብሩ ግቡእ ዋጋ ዝኸፈሉ እዮም። ዋላኳ ቀንዲ ዕላማ እቲ ምግዳሎም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ፅንተት ንምድሓን እንተኾነ፤ ህዝብ ብዘይ መራሒ ከይተርፍ መራሕቶም ካብ ክባ ፀላኢ ንምድሓን (ንኣብነት ኣብ ወርቀዲኖ ካልኦት ከባቢታትን ዝተገበረ ውግእ) ህይወት መላምል መናእሰይ ተኸፊሉ። ኣካል እውን ጎዲሉ እዩ።

ኮይኑ ግና በኣጋጣሚ ውጉኣት ኮይኖም ብህይወት ዝተረፉ ተጋደልቲ ሐዚ ኣብ ፀገም ይርከቡ። መራሕቲ ኣብ ማቻ ኮይኖም ረሲዐምዎም ልዕሊ 60 መዓልቲ ኣብ ኣኼባ ይኸርሙ። እዚ ድማ መሕፈሪ እዩ!

ሕቶ ውግኣት ተጋደልቲ እኹል ሕክምና ምርካብን ኣይትረስዑናን ዝብል እዩ። እዚኣ ኣዚያ ቀላል ሕቶ እያ። ንዚኣ ቀላል ሕቶ ክመልስ ዘይከኣለ መሪሒነት ንትግራይ ካብ ፀገም ኣውፂኡ ከሳግራ እዩ ኢልካ ምሕሳብን ምእማንን ከቢድ እዩ። ንብፃቶም ዘይኮኑ ፖለቲካውን ወታደራዊ ኣመራርሓ ንካልኦት ሓልዮት ክህልዎም እዩ ኢልካ ምሕሳብ አይከኣልን። ትግራይ ኣብ ኢድ ንብፆቱ ሓልዮት ዘይብሉ ለማስ መሪሒነት ወዲቓ ምርኣይ መሕዘኒ እዩ።

ሕቶ ግቡእ ሕክምና ንምምላስ ዝተፈላለዩ ሜላታት ምሕሳብን ምጥቃምን ይከኣል።
ንኣብነት
1. ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወፃኢ ዘለው ተጋሩ ሰብ ሞያ ጥዕና (ሓኻይም) ብምውዳብ ንዝተወሰነ እዋን ግልጋሎት ክህቡ ምግባር ይከኣል። ንዚ ቅዱስ ተግባር ኣወንታዊ መልሲ ዘይህብ ትግራዋይ ሓኪም ኣይህልውን ዝብል እምነት አለኒ።

2. መጠንን ዓይነት ሕክምና ብምፍላይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝሕከም ብምፍሉይ ክሕከሙ ምግባር፣ ናብ ወፃኢ ክኸይድ ዝግብኦ ኮይኑ ግና ምኻድ ዋላ ዘይከኣል እንተኾይኑ ከምዚ ንዓይኒ... ወዘተ ንምሕካም ዝመፅኡ ዓለምለኸ ሓኻይም መፂኦም ዝሕክምሉ ኩነታት ምፍጣር ይከኣል።

3.እታ ቀሊል ምላሽ ዘድልያ ሕክምና ድማ "መፂእኹም ርኣዩና" እያ። ንዚኣ መፍትሒኣ ብፕሮግራም ከይድኻ ምርኣይ እያ።

ብሓፈሻ ሕቶ ውጉኣት ተጋደልቲ ንምላስ ካብዚ ንላዕሊ ምሕሳብን ምትግባርን ይከኣል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብዝኾነ መሪሒነት ትግራይ ግና መሰከፊ ኮይኑ ኣሎ። ብሓቂ እውን ባዕሎም ከምዝኣመንዎን ከምዝገምገምዎን ስትራቴጅክ መሪሒነት የለን። ኮይኑ ግና ሐዚውን ንመሪሒነት ልዕሊ 60 መዓልቲ ይእከቡ። ብሉፅ መራሒ እንተዝህሉ ትግራይ ኣብ መከራን ጥሜትን እናሃለወት እዚ ኹሉ መዓልቲ ኣኼባ ኣይመካየዱን።

ሕቶ ውጉኣት ተጋደልቲ ይሰማዕ!!
ወዳሓንኩም
ካብ ሸገር

ደንባር ዕስለ ዒላማ ዝገበረ መግለፂ ፒፒ(ውልቃዊ ትዕዝብቲ) መግለፂ ህወሓት ስዒቡ ዝወፅአ መግለፂ መንግስቲ ፌደራል(ፒፒ) ንብዙሓት ደንባር ዕስለ ማሕበራዊ ሚድያ ዒላማ ዝገበረ እዩ። እቲ ብህ...
02/02/2024

ደንባር ዕስለ ዒላማ ዝገበረ መግለፂ ፒፒ
(ውልቃዊ ትዕዝብቲ)

መግለፂ ህወሓት ስዒቡ ዝወፅአ መግለፂ መንግስቲ ፌደራል(ፒፒ) ንብዙሓት ደንባር ዕስለ ማሕበራዊ ሚድያ ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እቲ ብህወሓት ዝወፅአ መግለፂ ብፍላይ ኣብ ምፍፃም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝሓዞ ቅዋም ዘሰንበዶ ፒፒ፤ ንደንባር ዕስለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋሩ ዘደናግርን ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ምግምማዕ ንምፍጣር ዝዓለመን መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

እተን ሓሶትን ምጭብርባር ዝተመልአን ነጥብታት ድማ
1.ጉዳይ 37 ቢሊዮን ብር
2.ጉዳይ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ብሪፈረንደም ክፍታሕ ተረዳዳኢና ዝብላ እተን ቀንዲ እየን።

1.ጉዳይ 37 ቢሊዮን ብር

ፒፒ ቅድሚ ሐዚ እውን ብዶክተር ሙሉ ነጋ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እናሃለወ ኣብ ሸሞንተ ወርሒ ውሽጢ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ 100 ቢሊዮን ብር አውፂኢና ክብል ፃዕዳ ሓሶት ምውዛዑ ይፍለጥ። ነዚ ዝፈልጥ ሰብ ድማ ብጉዳይ 37 ቢሊዮን ብር ክድነቕ የብሉን። ስርዓት ፒፒ ሓሶትን ምድንጋርን ንፖለቲካዊ ኸስቢ ይጠቅም እዩ። ብፍላይ ንኽእመን ኢሉ ቁፅሪ ምፅራሕ ብጣሚ ደፋር እዩ ። እኳደአስ እቲ ቁፅሪ ኣውሒድዎ!

ፒፒ እቲ ንነዋሕ እዋን ይካየድ ዝነበረ አኼባ ህወሓት ብባእስን ብምግምማዕን ክዛዘም እዩ ዝብል ትፅቢት ነይርዎ። ኮይኑ ግና ብፍላይ ጥንክር ዝበለ መግለፂ ኣብ ጉዳይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሒዙ ምውፃኡ ስለዘሰንበዶ፣ ገለ ተጋሩ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ክልተ ተመቒሎም ሓሳቦም ይገልፁ ስለዝነበሩ ከም ፅቡቅ አጋጣሚ ወሲዱ እቲ አፈላላይ ንምስፋሕ ዒላማ ገይሩ ሓሶትን መደናገሪ ሓሳባትን ዝሓዘ መግለፂ ወዚዑ ኣሎ። በኣምሓርኛ ዘውፅኦ መግለፂ እውን ድሕሪ 24 ሰዓት ብትግርኛ ተርጊሙ ኣውፅኢዎ ኣሎ።

* መንግስቲ ፌደራል ድጎማ በጀት ዝህብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ብዘፅደቖ ቀመር እምበር ካብ ጁቡኡ ኣውፂኡ ዝህቦ የለን። ብቐመር ድማ ብፂሒት ትግራይ ክንደይ ከምዝኾነ ይፍለጥ እዩ።

ካብዚ ወፃኢ ከም ቴሌ፣ ሓይሊ መብራህቲ፣ መንገዲ... ወዘተ ዝበሉ ትካላት ፌደራል ኣብ መላእ ሃገር ንዝሰርሕዎ ስራሕ በጀቶም ናብ ክልል ከየእተው እዮም ስራሕ ዝሰርሑ። ፒፒ ግና ናይዚኦም እውን ደሚሩ ( ክንዲዚ ዝኣክል ገንዘብ ምጥቃመን ኣብ ሕቶ ሒዝና) ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝተውሃበ ኣምሲሉ ዘቅረቦ ንደንባር ዕስለ ተጋሩ ንምድንጋር እዩ። ዝተወሰኑ እውን ዝረኸበ ይመስል።

2. ጉዳይ ሪፍረንደም ዝምልከት

ጉዳይ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ(አከራኸርቲ ቦታታት እዩ ዝበለን) እውን ብረፍረንደም ንክፍታሕ ተረዳዲኢና ነይርና ዝብል መደናገሪ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኾይኑ ግና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከምኡ አይብልን። ኣብቲ ውዕሊ ብሕገመንግስቲ መሰረት ይፍታሕ እዩ ዝብል። እዚ ማለት ድማ ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ይምለስ ማለት እዩ። እዚኣ ዘፈፅም ድማ መንግስቲ ፌደራል እዩ። እዚ ስለዘይፈፀመን መግለፂ ህወሓት እውን ጥንክር ስለዝበለን እዩ መደናገሪ ሓሳብ ሒዙ ዝመፅአ።

ብመሰረቱ ኣብ ዝኾነ ኸባቢ ሪፈረንደም ዝካየድ ቤት ምኽሪ ወኪላት እቲ ከባቢ ንቤት ምኽሪ ክልል ሕቶ እንተቕርብን ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ድማ ንመረፃ ቦርድ እንትሓትትን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ሐዚ ብዘሎ ኹነታት ዘይፍፀም ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ቤት ምኽሪ የለን። ስለዚ ጉዳይ ሪፈረንደም ኣብ ርክብ ፌደራልን ግምትን አጀንዳ ከምዘይኾን ነቲ ሕገመንግስቲ ዝፈልጥ ሰብ ኣይስሕቶን። ፒፒ እውን ይፈልጦ እዩ። ስለዚ ናይ ሓሶት ዕላማ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ምጥርጣራት ንክፍጠር፣ ህዝቢ እውን ኣብ ኣመራርሓ እምነት ንከይህልዎ ንምግባር ዝተፍሓሰ ሽጣራ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን።

እዚአን ክልተ ነገራት ዝኣምን ትግራዋይ ኣብ ጉዳይ ተሓታትነት ዝበላ እውን ክኣምኖ ኣለዎ ማለት እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ግን ተሓታቲ አይገበረን። ፃዕዳ ሓሶት እዩ። እታ ፍትሒ ስግግር እትብሃል እኳ ገና ኣብ ምይይጥ እዩ ዝነበረ። ሐዚ ሐዚ እኳ ወረኣ እውን የላን።

ብሓፈሻ ሕመቕ መሪሕነት ትግራይ ካብ ፒፒ ብዝውዛዕ ሓሶት መሰረት ገይካ ቅዋም ምውሳድ ጌጋን ገበንን እዩ። ጀኖሳይድ ዝፈፀመን መፍለይ ስርዓቱ ሓሶትን ምድንጋርን ዝኮነ ሓይሊ ምእማን አይግባእን። መራሕቲ ትግራይ ዝቃለስሉ ሽሕን ሚኢቲን ፀገምን ድኽመትን ስለዘሎ ማእኸል ቃልሲና ኣብኡ ይኹን። ፒፒ ንህዝቢ ትግራይ ሓላይ መሲሉ ንክርአይ ዝገብሮ ፃዕሪ እውን ነፍሽል።

ፒፒ ንህዝቢ ትግራይ ሓላይ እንተኾይኑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ይምለስ፣ ግዝኣታት ትግራይ ይመልስ፣ ተሓታትነት ፈፀምቲ ጀኖሳይድ የረጋግፅ...።

ህወሓትን ግምትን ድማ ብሓባር መልሲ ክህብሉ ይግባእ!

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ጉጅለ ዓባይ ብሪታንያ ዘትዮም ኣብ  ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዓባይ ብሪታንያ (UK) ሚኒስተር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ኣንድሪው ሚሸል ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ...
02/02/2024

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ጉጅለ ዓባይ ብሪታንያ ዘትዮም

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዓባይ ብሪታንያ (UK) ሚኒስተር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ኣንድሪው ሚሸል ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም፣ ምጥንኻር ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምዕባለ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ህንፀትን ምስንባትን ሰራዊት ትግራይ (ዲዲኣር)፣ ህልዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ዘትዩ።

ብተወሳኺ ዓባይ ብሪታንያ ንትግራይ ትገብሮም ሓገዛት ዝያዳ ኣብ ምጥንኻር ዝዘተየ ኮይኑ ንዝግበሩ ድጋፋት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፅፈት ከምዘመሓድሮም እውን ተገሊፁ። ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሳልጦም ዘለው ስራሕቲ እናደገፈ ኣብ ግዝኣት ትግራይ ዝርከቡ ካብ መከላኸሊ ሃገር ወፃኢ ዘለው ሓይልታት ለቒቖም ንኽወፁ እውን እቲ ልኡኽ ገሊፁ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ቀልጢፉ ንኽወፅእ እውን እቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ንኣጉላዕ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕደት ዝገበረ ኮይኑ ኣብ ለተማ መቐለ እውን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዘዋዊሩ ምልከታ ኣካይዱ እዩ።

ኣብ  ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዓባይ ብሪታንያ (UK) ሚኒስተር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ኣንድሪው ሚሸል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘተ ንምክያድ ሎሚ 24 ጥሪ 2016 ዓም መቐለ ኣትዮም።...
02/02/2024

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዓባይ ብሪታንያ (UK) ሚኒስተር ልምዓትን ጉዳያት ኣፍሪካን ኣንድሪው ሚሸል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘተ ንምክያድ ሎሚ 24 ጥሪ 2016 ዓም መቐለ ኣትዮም። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣቀባብላ ዝገበርሎም ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እናዘተዩ ይርከብ። ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ!

የፌደራሉ መንግስት ፌዝ!የፌደራሉ መንግስት ለትግራይ 37 ቢሊዮን ብር ከፕሪቶሪያው ስምምነት በኋላ መላኩ፣ በትምህርት፣ ጤናና መሰል መሰረተ ልማቶች ወደ መደበኛ ስራ ስለመመለሳቸው ገልጿል።በመ...
01/02/2024

የፌደራሉ መንግስት ፌዝ!

የፌደራሉ መንግስት ለትግራይ 37 ቢሊዮን ብር ከፕሪቶሪያው ስምምነት በኋላ መላኩ፣ በትምህርት፣ ጤናና መሰል መሰረተ ልማቶች ወደ መደበኛ ስራ ስለመመለሳቸው ገልጿል።

በመንግስት ኮሙኒኬሽን የወጣው ይህንን የፌዝ መግለጫ፤ በጤና ተቋማት "አድርጌዋለሁ" ያለውን ድጋፍ እንተወውና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል፣ ዓዲግራት አጠቃላይ ሆስፒታል፣ አኽሱም ሆስፒታል፣ ዓድዋ ሆስፒታል ወዘተ በመዘጋት አደጋ ላይ እንዲሆኑ ያስደረጋቸው ስለተደገፉ ሳይሆን ድጋፍ ስላጡ ነው።

በሁሉም የትግራይ ትምህርት ቤቶች ተማሪዎች በድንጋይ ላይና በባዶ መሬት ወለል ላይ እየተማሩ የሚገኙም የትምህርት ቤቱ እቃዎች ሙሉ በሙሉ በወራሪ ኃይሎች (መከላከያ ሰራዊት፣ የአማራ ታጣቂዎችና የሻዕብያ ሰራዊት) በመውደማቸው ነው። እነዚህን በጦርነቱ ጊዜ ያወደሟቸው የመተካት አይደለም የሚመለከታቸውም አንድም የፌደራል መንግስት አካል የለም።

ታድያ የኮሙኒኬሽኑ ሰውዬ በተደጋጋሚ ስለትግራይ "በሬ ወለደ" መግለጫ መስጠቱ አንድም የትግራይን ህዝብ ከምድረ ገፅ ለማጥፋት የጀመሩትን ሴራ ማስቀጠል ነው። በሌላው ደግሞ የዓለምን ማሕበረሰብ በማጭበርበር የትግራይን ህዝብ ስቃይና ሰቆቃ እንዳይታወቅ ማድረግና በሌለ ትርክት ላይ ከዓለም ማሕበረሰብ ድጋፍን ለመሸመት ነው።

ኢትዮጵያ አሁንም በትግራይ ላይ የጭካኔ እጇ አላነሳችም‼

01/02/2024

መሰል ኣካል ጉድኣት ብፆት ዘይሕሉ ኣመራርሓ፣ ህልዊ ጥዕናዊ ኩነታት ይኹን ናብርኦም ከስተኻኽል ፃዕሪ ዘይገብር እንተኾይኑ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

እዚ መንእሰይ ኣንፃር ፅንተት ወፊሩ ብጅግንነት ዝመከተ መንእሰይ እዩ። እታ ዝተረፈት ሂወቱ ውሕስ ክግበረሉ ይግባእ።

ተኣኪብካ ስለወንበርካ ጥራሕ ምዝታይ፣ ምንትራክ፣ ምጭቕጫቕ ወዘተ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ክፍይዶ?

ብመሰረቱ "ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ፣ ግዝኣትና ክምለስ፣ ውላዳ ዝሰኣነት ኣዶ ብኣግባቡ ክትድበስ፣ ናይ ሕርሻ ናውቱ ዝሰኣነ ገባር ክካሓስ ወዘተ ክትሰርሑ ኣለኩም" ኢልካ ወጢርካ ኣብ ክንዲምሓዝ "ወንበረይ መልሰለይ" ዝብል ሕቱኽቱኽ ንትግራይ እንታያ እዩ?

ድምፂ ተጋደላይ ይሰማዕ

01/02/2024

ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ዓጋመ 1 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ወረዳ ጉሎመካዳ ንዝርከቡ 400 ዝተፀገሙ ወገናት ነንሕድሕዶም 2500 ብር ሓጊዛ!!

መግለፂ ውድብ ህወሓትካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝወፁ ዝነበሩ መግለፂታት ብትሕዝቶ ዝሐሸ መግለፂ እዩ። ብተግባር ተደጊፉ ንርአ።
31/01/2024

መግለፂ ውድብ ህወሓት
ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝወፁ ዝነበሩ መግለፂታት ብትሕዝቶ ዝሐሸ መግለፂ እዩ። ብተግባር ተደጊፉ ንርአ።

ገዳም እንዳ ማርያም ጉንዳ ጉንዶ ፅገና ተገይርሉኣብ ምፍራስ ሓደጋ ዝነበረ ጥንታዊ ገዳም ጉንዳ ጉንዶ ማርያም፤ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሓ...
31/01/2024

ገዳም እንዳ ማርያም ጉንዳ ጉንዶ ፅገና ተገይርሉ

ኣብ ምፍራስ ሓደጋ ዝነበረ ጥንታዊ ገዳም ጉንዳ ጉንዶ ማርያም፤ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሓለዋን ምሕደራን ሓድግን ዳግመ ህንፀት ተገይርሉ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ።

ኩሉ ግዘ ጥሪ 21 ዝውዕል ክብረ በዓል ንግሲ እቲ ገዳም፤ ሎሚ ዘበን በቲ ዝተገበረሉ ሕድሳት ምእመናን ንፈለማ ግዘ በዓል ኣስተርዮ ጥሪ ብፅቡቕ ኩነታት ከምዘብዓለ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፅበሃ ገ/ሄር (ዶር) ገሊፆም።

30/01/2024

ኣብ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ ጥዕና ሳይነስ ኮለጅ ንሎሚ ለይቲ ዘውግሕ ተፈፂሙ ተባሂሉ ዝውዛዕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ብጋንኡ ክእረም ይግባእ ።
ኣኽሱም ሪፈራል ሆስፒታል መዲካል ዳሪክተር

ፍትሒ ከይተረጋገፀ ዘላቒ ሰላም ዝሕሰብ ኣይኮነን !!                             ፕረዝደንት  ጌታቸው ረዳ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ዓለም ለኸ ማሕበር ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዘዳ...
29/01/2024

ፍትሒ ከይተረጋገፀ ዘላቒ ሰላም ዝሕሰብ ኣይኮነን !!

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ዓለም ለኸ ማሕበር ሰላምን ፍትሕን ኣብ ዘዳለዎ ዘተ ዝተሳተፉ እንትኾን ውዕሊ ፕሪቶርያ ንክፍረም ኣበርክቶ ዘበርከቱ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝንኣዶ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ኣብ ምግባር ፃዕሮም ከጠናኽሩ ድማ ለበዋ ኣቕሪቦም ።

ዘላቒ ሰላም ፡ ፍትሒ ከይተረጋገፀ ዝሕሰብ ኣይኮነን ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብስግግር ፍትሒ ዘይምለሱ ብዓለም ለኸ ሕግታት ክርእዮ ዝግበኦም ገበናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝተፈፀሙ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕንወት ዘይኮነስ ጀኖሳይድ እዩ ተፈፂሙ ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ትግራይን ዝፈረሱ ትካላታን ንምህናፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይጠልብ ኢሎም።

ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዕን መከራን ኣብ ምቅላዕን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ክስማዕ ዝለዓለ እጃም ኣበርኪትኩም ኢኹም ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ 14 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝተማልእ መልክዑ ክትግበር፣ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክረጋገፅ፣ ካብ ሰራዊት ዝምለሱ ክጣየሹ፣ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ምስዝበፅሐ ዕንወት ዝምጥን ስራሕ ክውግን ይግባእ ኢሎም።


ኣብ መወዳእታ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ዲያስፓራ ትግራይ ኣምባሳደር ህዝቢ ትግራይ ኢኹም ብምባል ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ ቃልሶም ከጠናኽሩ ፀዊዖም።

DW

"ካብ ወታደራዊ ፅልዋ ወፃኢ ዝኾነ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣማኻሪ ካውንስል ክጣየሽ ኣለዎ" ፕር መሓሪ ታደለ
29/01/2024

"ካብ ወታደራዊ ፅልዋ ወፃኢ ዝኾነ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣማኻሪ ካውንስል ክጣየሽ ኣለዎ" ፕር መሓሪ ታደለ

"ህዝቢ ኢሮብ ብስደትን ጥምየትን ከይጠፍእ ኩሉ ቆላሕትኡ ናብ ኢሮብ ክገብር ይግባእ" ኣቡነ ሰላማ
27/01/2024

"ህዝቢ ኢሮብ ብስደትን ጥምየትን ከይጠፍእ ኩሉ ቆላሕትኡ ናብ ኢሮብ ክገብር ይግባእ" ኣቡነ ሰላማ

26/01/2024

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ (ኣርሚ 33) "ካብ ባኒ ቀኒሰ ንወገነይ" ብዝብል ቴማ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ ቂሐን ብድርቂ ዝተሃሰዩ 200 ወገናት ንሕድሕድ 50 ኪሎ ፊኖ ሓጊዞም። ብራቮ ኣርሚ33

ማሕበር ሁራ ሰለስተ ሪያድን ከባቢኣን ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ጥምየት ንዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ብር ሰለስተ ሚልዮን ዝዋግኡ 770 ኩንታል ዕፉን ብሓገዝ ኣወፍዮም። ክብረት ይሃብኩም
25/01/2024

ማሕበር ሁራ ሰለስተ ሪያድን ከባቢኣን ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ጥምየት ንዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ብር ሰለስተ ሚልዮን ዝዋግኡ 770 ኩንታል ዕፉን ብሓገዝ ኣወፍዮም። ክብረት ይሃብኩም

25/01/2024

ኣብ ከተማ መቐለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዝተወረረ 250 ሄክታር መሬት፥ ዛጊድ 134.5 ሄክታር መሬት ከም ዝተመለሰ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራ መሬትን ከተማ መቐለ ገሊፁ!
© ርክብ ህዝቢ ከተማ መቐለ

"መማረፂ ዘለዎ እንተተረኺቡ ኣነ ስልጣነይ ከረክብ ይኽእል እየ። ኮይኑ ግና መማረፂ ዘይብሉ ኣብ ታሕቲ ኮይኑ ዝሕምስ ብዙሕ እዩ።" ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር
25/01/2024

"መማረፂ ዘለዎ እንተተረኺቡ ኣነ ስልጣነይ ከረክብ ይኽእል እየ። ኮይኑ ግና መማረፂ ዘይብሉ ኣብ ታሕቲ ኮይኑ ዝሕምስ ብዙሕ እዩ።" ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር

"ድሕሪ ሕዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ውራይ ንላዕሊ ጉዳይ ተመዛበልቲ ህዝብና ቀዳምነት ሂብና፣ እታ ዝቐረየት ግዜ ስቓይኩም ንምሕፃር ዝከኣለና ኩሉ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ካብ ምባል ወፃኢ ካብዚ...
24/01/2024

"ድሕሪ ሕዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ውራይ ንላዕሊ ጉዳይ ተመዛበልቲ ህዝብና ቀዳምነት ሂብና፣ እታ ዝቐረየት ግዜ ስቓይኩም ንምሕፃር ዝከኣለና ኩሉ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ካብ ምባል ወፃኢ ካብዚ ንላዕሊ ዝብሎ ነገር የለን።"ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ :--

* እቲ ሰልፊ ሕዚ ዘይኮነስ ፣ቅድም ኢሉ ክግበር ዝግበኦ'ዩ ነይሩ፣

* ድምፂ ተፈናቐልቲ ፣ ቃንዛኹምን ሕቶታትኩምን ክምለስ ዝግበኦ ዝነበረ ቅድሚ ሰልፊ እኳ እንተነበረ፣ ኮይኑ ግን ፌዴራል መንግስቲ ስርሑ ክፍፅም ብዘይምኽኣሉን ንሕና ብወገና እውን ዝግብኣና ፃዕሪ ክንገብር እናተገበአና ስለዘይሰራሕናን ዝተፈጠረ ምዃኑ ፣

* ኣብዚ ከም ሓላፊ ናይ መንግስቲ ዝገጥመኩም ዘሎ ሽግር ፣ቃንዛ፣ ኩሉ ዓይነት ነገር ዋላ ኩልና ይስመዓና ግን ክንዳኹም ኣይስመዐናን ፣ክንዳኹም ኣይንሓሞን እቲ ዝገጥመኩም ዘሎ ዝተደራረበ ሽግር ናብ መረበትኩም ምምላስኩም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዘለኹምዎ ቦታ ኮይንኩም ብሕማምን ብጥምየትን ትጠፍኡ ምህላውኩም ንፈልጥ ኢና ፤

*ዋላ ናይ ዓቕሚ ውስንነት ይሃሉ ዝኾነ ይኹን ውራይ ካብዚ ንላዕሊ ክህሉ ከምዘይክእል ፈሊጥና ክንገብሮ ዝግበኣና ምግባር እውን ድኽመታት ነይሩ እዩ፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ ናይ ዓቕሚ ሽግር ኣሎ እዩ፡፡ ጭርሖታትኩም ጭርሖታትና እዮም ፡፡ ኩሉ ስራሕ ቅድሚ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ቅድሚ ናይ ጥምየትን ጥዕናን ሽግሮም ምፍታሕ ክመፅእ ኣይኽእልን ፡፡

*ሐዚ እውን ዋላ ይደንጒይ ኩሎም ጭርሖታት ኣብ ዓለም መድረኽ ክስም’ዑ ፣ ፌዴራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፣ንሕና እውን ብወገና ኩሉ ዓይነት መንገዲ ተጠቒምና ስድራ ቤታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ናብ መረበቶም ክሳብ ዝምለሱ ኣብዝህሉ ግዜ ብጥምየትን ስቓይን ዝነብርሉ ግዜ ከብቅዕ ዘለና ሃፍቲ ኣብዚ ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ምዃንና ካብ ምግላፅ ወፃኢ ብዛዕባ ቃንዛኹም ንዓኹም ክነግር ኣይክእልን፡፡

* በቲ ንስኹም ትሳቐይዎ ዘለኩም ደረጃ እውን ዝሳቐ ሰብ የለን፡፡ ኣነ ኣይተሳቐኹን፣ ማንም ኣይተሳቐየን እዚኣ ገሊፀ ሙሉእ ጊዜና ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ክነውዕል ኢና፤ ዝብል ቃል ካብ ምእታው ወፃኢ፡፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ምዕራብ ይኹን ደቡብ ብዙሕ ህዝቢ ኣብዚ ስቓይ እዙይ ይነብር ከምዘሎ ንምርኣይ ክኢልና ኢና፡፡
* እቲ ዝነብረሉ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሰክፍ፣ ካብ ናይ ሰብ መነባብሮ ወፃኢ ዝኾነ ስቓይን መከራን የሕልፍ ከምዘሎ ብደምቢ ንርዳእ ኢና ፡፡

*ድሕሪ ሕዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ውራይ ንላዕሊ ጉዳይ ተመዛበልቲ ህዝብና ቀዳምነት ሂብና፣ እታ ዝቐረየት ግዜ ስቓይኩም ንምሕፃር ዝከኣለና ኩሉ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ካብ ምባል ወፃኢ ካብዚ ንላዕሊ ዝብሎ ነገር የለን።
* ክሳብ ሐዚ ብዘይተሰርሐ ስራሕቲ ዝተሰመዐኒ ሓዘን እውን ክገልፅ ይደሊ ፡፡ ድሕሪ ደጊም ዘለና ግዜ ነዚ ንምፍፃም ዘኽእል ኩሎም ስራሕትና ክንሰርሕ ፣ኣብ ካልኦት ሕኹትኹታት እነሕልፎ ግዜ ብወገነይ ከብቅዕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ከብቅዕ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ካብ ምስራሕ ወፃኢ ካሊእ ህዝብና እንክሕሰሉ መንገዲ የለን፤ ኣብዚኣ ትኹረት ገይርና ከም እንሰርሕ ብስም ምምሕዳርና ክገልፅ ይደሊ፡፡

* እቲ ክግበር ዝግበኦ ገይርና ናይ ህዝብና ስቃይ ክሓፀር ንምግባር ኩሉ ዓይነት ርብርብ ክንገብር ግን በዚ ኣጋጠሚ እዙይ ቃል ክኣቱ ይደሊ ፡፡

* ዓለም ብዓለሙ ክሰምዕ፣ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ፣ ንሕናውን ብወገና ክንሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ክንሰርሕ፣ ህዝብና ደሕንነቱ ተሓልዩ ካብ ጥምየቱ ተናጊፉ ክሳብ ሐዚ ዝከሰርናዮ ኪሳራ ከምዘሎ ኮይኑ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ኩነታት ክንሰርሕ ቁርፀኛታት ኮይና ክንሰርሕ ዘለና ተስፋ ብስመይን ብስም ግዚያዊ ምምሕዳርን ክገልፅ ይደሊ፡፡

*እዚጉዳይ እዚ ናይ ነብሲ ወከፍ ዕለት ጉዳይና ገይርና ምስ ተወከልትኹም እናተራኸብና ምናልባት ካብ ናይ ሽረ ምብፃሕና ጀሚሩ ዝጀመርናዮ ምንቅስቅስ ኣሎ፤ ኣብቲ ዘለኹሞ ኮይንኩም ክሳብ ናብ መረበትኩም ዝግበር ምንቅስቃስ ዝዕወት ፣ብጥምየትን ብሕማምን እትሳቐይሉ ኩነታት ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ይኹን ምስ መንግስቲ ዓቅሚ ዝፈቐዶ መጠን ወፃኢ ብምውፃእ ነዚ ጉዳይ እዙይ ንምክትታል ዝተወሰነ ምዃኑ በዚ ኣጋጠሚ እዙይ ክገልፅ ይደሊ ፡፡

ስቃይኩም ስቃይና እዩ፤ ጭርሖታትኩም ጭርሖታትና እዩ፡፡
የቐንየለይ።

Office of the President-Tigray

እቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ኣኼባ ኣብዚ ሰሙን እዚ ንኽልተ መዓልቲ ክካየድ እዩ። እዚ ምስተዛዘመ ድማ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፀብፂቡ። ዝሮዝሮ ብዕንክሊልኩም ህዝብና ኣይተህልቕዎ!...
24/01/2024

እቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ኣኼባ ኣብዚ ሰሙን እዚ ንኽልተ መዓልቲ ክካየድ እዩ። እዚ ምስተዛዘመ ድማ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፀብፂቡ። ዝሮዝሮ ብዕንክሊልኩም ህዝብና ኣይተህልቕዎ! ኣብ ትግራይ ደሓን ዝበሃል ሰብ የለን ኩሉ ተሸጊሩ እዩ ዘሎ።

"ሕቶ ተመዛበልቲ ንምምላስ ብትኹረት ክስራሕ እዩ"ፕረዚደንት ጌታቸዉ ረዳኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ከባቢን ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ እንትኾን እቲ ሰልፊ ...
24/01/2024

"ሕቶ ተመዛበልቲ ንምምላስ ብትኹረት ክስራሕ እዩ"
ፕረዚደንት ጌታቸዉ ረዳ

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ከባቢን ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ እንትኾን እቲ ሰልፊ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ብምኻድ ምስ ፕረዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ተራኺቦም።

ፕረዝዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ቕድሚ ሕዚ ክንሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ብዘይ ምስራሕና ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ክትኾኑ ጌርና ኢና ነዚ ድማ ይቅርታ እንሓተትኩ ካብ ድሕሪ ሕዚ ቅድሚ ኹሉ፤ ፀገምኩም ብምፍታሕ ናብ መረበትኩም ክትምለሱ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ኩሎም መደባትና ዕለታዊ ርክብና ምስ ተወከልትኹም እናተራኸብና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸ ረዳ ምስ ኣብ ሽረ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝገበርናዮ ዘተ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ዝቕፅል ኮይኑ ፀገማት ተመዛበልቲ ንምፍታሕ ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ኣበርትዕና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ዕለት 15/5/2016  ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ክኻየድ እዩ።ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
23/01/2024

ዕለት 15/5/2016 ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ክኻየድ እዩ።
ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

መንግስቲ ፌደራል ልዕሊ 150 ሚልዮን ዝግመቱ ኣቕሑት ንቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ሓገዝ ጌይሩ።ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ውሕስና ምግብን...
23/01/2024

መንግስቲ ፌደራል ልዕሊ 150 ሚልዮን ዝግመቱ ኣቕሑት ንቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ሓገዝ ጌይሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ውሕስና ምግብን ኢፌደሪ ኣይተ ብርሃኑ ተሾመ ከምዝሓበርዎ፣ ዳግመ ሕውየት ከተማታት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ፈለማ ኣብ ከተማታት ትግራይ እንታይ ከምዘድሊ ብመፅናዕቲ ብምድጋፍ ብትኹረት ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።እቲ ልዕሊ 150 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ቢሮ ድማ ዕላምኡ ንልምዓት ከተማ ፕሮግራም ሴፍቲኔት መሳለጢ ስራሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ድኽነት ንምቕራፍ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ዜጋታት ኣብ ኣናእሽትን ደቀቕትን ንግዲ ትካላት ዝተዋፈሩ ከተማ ሕርሻ ፣ኢሉ እውን ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾኑ ወገናት ናብ ዝሐሸ ብርኪ መነባብሮ ንምብራኽ ብቐፃልነት ክንሰርሕ ኢና ድማ ይብሉ።

ሚንስትር ዲኤታ ሚንስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ሃንታ ደጀን ብግድኦም፤ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝግበሩ ኣድለይቲ ሓገዛት ብቐፃልነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሪተርያት መሰረተ ልምዓት ወይዘሮ ያለም ፀጋይ ብወገነን ፣እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብኲናት ዝዓነው ኣብያተ ዕዮ ከተማታት ትግራይ ነቲ ዝበፀሐ መጠነ ሰፊሕ ዕንወት ዝሽፍን እኳ እንተዘይኾነ ብውሱን መልክዑ ናብ ስራሕ ንምእታው ሓጋዚ'ዩ ኢለን።

ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዝተረከቡ ከንቲባታት ሓሙሽቲአን ከተማታት ማለት እውን ከተማታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ሽረ ፣ዓዲግራትን ዓድዋን ብወገኖም፣ ኣብ ከተማታት ትግራይ ብምኽንያት እቶም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ቢሮታት ዓንዮም እዮም። ህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት ዝረኽበሉ ኩነታት ኣብ ፀገም ምንባሩ ብምግላፅ፣ እቲ ሕዚ ዘሎ ሕፅረት ናውቲ ንምፍታሕ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ነቲ ዕንወት ብውሱን ንምክሕሓስ ሓጋዚ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ህዝብና ቀደሙ እውን ተጠዋሪ ብዘይምዃኑ ዓርሱ ክኢሉ ናብርኡ ዝመርሐሉ ሃዋህው ንምፍጣር እቲ ተገይሩ ዘሎ ሓገዝ ዝተወሰነ ክፍተታት ክሽፍን ከምዝኽእል እምበር እኹል ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ሓሙሽቲአን ከተማታት ንዝርከቡ ኣብያተ ዕዮ ውሕስና ምግቢ ከምኡ እውን ሰለስተ ቢሮታት ክልልን ከምዝውዕል ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
14 ጥሪ 2016 ዓ.ም
መቐለ

ሰበር ዜና!የኦሮምያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሲኖድዮስ "መንበረ ጴጥሮስ" ዛሬ ጥር 14 ቀን 2016 ዓ.ም ተመሰረተ።
23/01/2024

ሰበር ዜና!
የኦሮምያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሲኖድዮስ "መንበረ ጴጥሮስ" ዛሬ ጥር 14 ቀን 2016 ዓ.ም ተመሰረተ።

Address

Mekelle
NO

Telephone

+251978264525

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Press posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share