Tigray 24

Tigray 24 ትግራይ 24 ሚድያ ፍልፍል ፅፁይ ሓበሬታ! Media and News Agency

30/04/2024

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2016 ዓ.ም ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ 3-5 ሓምለ፣ ንተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ካብ 9-11 ሓምለ ብመርበብ ሓበሬታን ብልሙድ ወረቐትን ክወሃብ እዩ።
(ሚኒስቴር ትምህርቲ)

07/01/2024

Tigray 24 ብዝገጠሞ ናይ ሕጊ ምድጓይ ክሳብ ሐጂ ኣብ ከይዲ ምምስራት ይርከብ።

ሩሑስ በዓል ልደት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ!!

ቃለ መሕትት ጅግና ስውእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ (ደጊሙ ዝተለጠፈ)
15/09/2023

ቃለ መሕትት ጅግና ስውእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ (ደጊሙ ዝተለጠፈ)

21/08/2023

በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ፣ ግፍዒ፣ በደልን ክሕደትን ብፅንዓት መክትክን፣ ተቓልስክንን ኣቃልስክንን ነዚ መግለፂ ክብርኽንን መንነትክን ዝኾነ ክቡር በዓል እንኳዕ ኣብፅሓክን ክንብል ንፈቱ።

ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ምልክት ናፃነት፣ ተምሳሌት ማዕርነት፣ ሕብረትን ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ፣ ክብርታትን ሕላገትን ትግራይ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ኣብ ምኻድ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ መፂኡን ኣሎን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን ኣብ ልዕሊ ህልውናና ብዝተኣወጀ ኩናት ምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላትን ሓጎስን ደስታን ክተኽብራን ክተብዕላንስ ይትረፍ መሬት ብብርሃና ፀልሚታትክን፣ ደጊምካ ክተዘንትዎም ኣመና ዝኸብዱ ግፍዕታት ክበፅሐክን ተገይሩ እዩ። ሳላ ፀኒዕኽን ዝተቓለስኩምን ዘቃለስክንን ግን እንተውሓደ ነዚ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ንምብፃሕ መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ፈፂምክን ኢኺን፤ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ እውን ብኣኽን ሕቡናት እዮም።

እዚ በዓል እንትነኽብርን እንትንዝክርን ንመስሪሕ ሰላም ብምጥንኻር ሕቶታትን ድልየታትን ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ከም እትቃለሳ እምነትና ልዑል እዩ። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናብራ ኣብ ዝርከብሉ፣ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝርከብ ህዝብና ሕዚ እውን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናተፈፀመሉ፣ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ድማ ብሓለምጊ ጥምየት እናተገረፈ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነዚ ከቢድ ኩነታት ተፃዊርክን በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን እንትተኽብራ መንፈሳዊ ጥንካረኽን ክንደየናይ ሓያልን ልዑልን ከምዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕቶታትና ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ እናካየደ እንትኾን ሕዚ እውን ተመዛበልቲ ወገናታን ናብ መረቤቶም ንክምለሱ፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ጠቒሊሎም ንክወፅኡ፣ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክጅመር፣ ገበነኛታት ብሕጊ ንክሕተቱ ንምግባር ዘይተሓለለ ቃልሲ ከምዝገብር በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።

ርሑስ በዓል ኣሸንዳ!!
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
15 ነሓሰ 2015ዓ.ም
መቐለ

05/05/2023

ዓበይቲ ዜናታት ሚያዝያ27፣ 2015 ዓ/ም (ትግራይ 24)

1. እታ እንብህጋን እንሓልማን ትግራይ ጋህዲ ንምግባርን ብሳይንስን ምርምርን እትምራሕ ትግራይ ንምፍጣርን ሐዚ እውን ግደ ሙሁር ትግራይ ዝለዓለ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ሳይንቲስት ኣንትሮፖሎጂስት ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ ገሊፁ።

እቲ ዓለምለኻዊ ሙሁር ነዚ ዝገለፀ ምስ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብዘካየዶ ቃለ መሕትት ኮይኑ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ምባሉ ስዒቡ ዝረኣዩ ፀገማት ብትኹረት ክረኣይን ህፁፅ ፍታሕ ክግበረሉን ፀዊዑ።

2. ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ፅቡቓት ምዕባለታት እኳ እንተሃለውዎ ሕዚ እውን ዘይተፈትሑ መሰረታዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ከምዘለዉ ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ፃንሒት ዝገበሩ ተጋሩ ሙሁራን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደሙ ደላይ ሰላም እዩ ዝበሉ እቶም ሙሁራን ሐዚ እውን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ዘላቒ ክኸውን ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስ ኣለዎ ድማ ይብሉ።
3. ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሕዚ እውን ኣብ መሬት ትግራይ ኮይኖም ዝተፈላለዩ ገበናት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ውድብ ነዚ ዝገለፀ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እንትኸውን ገበንን ግፍዕን እቶም ሓይልታት ንከብቕዕ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ፀዊዑ።

4. ዘለዎም ከቢድ ማሕበረ-ቑጠባዊ ቕልውላው ንክቃለል ናብ መረበቶም ብህፁፅ ንክምለሱ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ተመዛበልቲ ወገናት ገሊፆም።

እቶም ተመዛበልቲ ነዚ ዝገለፁ ብፁእ ወቅዱስ ኣብ ማቲያስ ምስ ትካል ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት እንግዶት ቁርስን ምሳሕን ኣብዝገበርሉ እዋን እዩ።

5.ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን 33 ንፁሃት ወገናት ብግፍዒ ከምዝጨፍጨፈ ስድራ ግዳይ ገሊፆም።

ካብተን ግፍዒ ዝተፈፀመለን ጣብያታት ሓንቲ ዝኾነት ጣብያ ገንደብታ ክሃድሙ ዘይክኣሉ ሰብ ፀጋ ዕድመን ሕሙማትን ብበዝሒ ዝርከብዎም 33 ንፁሃት ወገናት በግፍዒ ተቐቲሎም እዮም።

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ካልኣይ ቀብሪ ዝተረኸቡ ስድራ ግዳይ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወገናትና ብግፍዒ ጨፍጪፉልና እዩ ብምባል ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት በሕጊ ክሕተቱን ፍትሒ ክንረክብን ይግባእ ኢሎም።

ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕረዚዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኾኑ ዝተሓረዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣፅዲቑ።
23/03/2023

ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕረዚዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክኾኑ ዝተሓረዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ኣፅዲቑ።

06/03/2023

መቐለ: 27 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዓበይቲ ዜናታት

1. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወለዐ ቅሉዕ ኲናት ዝባደመ መሬትናን ዝዓነዉ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ንምህናፅ ኣብ ዝካየዱ ኩሎም ስራሕቲ ልምዓት ብንቕሓት ክንሳተፍ ድልዋት ኢና ኢሎም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን እዩ።

2. ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘርኣናዮ ፅንዓትን ጅግንነትን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ እውን ብዝለዓለ ውፍይነት ክንረባረብ ኢና ክብሉ ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናነጠፉ ዝረኸብናዮም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም።

በቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝካይድ ዘሎ ወፍሪ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ድማ መርአያ ህዝባውነት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
3. ብሰንኪ ኲናት ዝዓረቑ ጎቦታትና ዳግም ብልምዓት ብምሽፋን ተረበሓይነትና ንምብራኽ እናሰራሕና ኢና ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ እንዳ መኾኒ።

ብስም ጀጋኑ ሰማእታት ተሰይሙ ዝተጀመረ ዓመታዊ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን እታ ወረዳ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ይርከብ።

4. በቲ ዝተፈጠረ ቅሉዕ ኲናት ቁፅሪ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ይበራኸቱ ብምህላዎም ነዚ ንምቅላል ዝሕግዙ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ክስፋሕፈሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ማእኸል መሐብሐቢ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ሕሙማን ኣእምሮን ኣባ ፍሬምናጦስ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ቦታ ቃላሚኖ ንዝተውሃቦ ኣርባዕተ ሄክታር መሬት እምነ ኩርናዕ ኣብ ዝተነበረሉ እዋን እዩ።
5. ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ሕዚ እውን ይፍፀሙ ዘለዉ ገበናትን ጨፍጫፍን ይቕፅሉ ምህላዎም ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀሙን ይፍፀሙ ዘለዉን ገበናት ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፀሎም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽን ፀለውቲ ሰባትን ቅንያቱ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

22/02/2023

መቐለ: ዓበይቲ ዜናታት 15 የካቲት 2015 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ
--------------------------------------------------
1. ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ጠለባት ህዝብን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ዘኽብርን ዝምልስን ክኸውን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣተሓሳሲቦም።ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ምስ ዝተውፃፀኡ ወከልቲ ህዝቢ ዘተ ኣሳሊጡ።እቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ሓቋፋይን ኣሳታፊን ኾይኑ ብቑልጡፍ ክጣየሽ ድማ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሓቲቶም።
2. ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝናኣድ እኻ እንተኾነ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሰፊሕ ፀገምን ጠለብን ህዝቢ እንትነፃፀር ሐዚ እውን እኹል ከምዘይኾነ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሳልሳይ ዙር ሓገዝ ንምዕዳል ምንቅሳቓሳት ይግበር ከምዘሎን ኣብ ሰለጤን፣ ፍትሓውነት፣ ተበፃሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረአ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ትኹረት ሂብካ ይስራሕ ከምዘሎን ኣመልኪቱ።
3. ኣብ ከይዲ ተግባራውነት ስምምዕ ሰላም ሕብረት ኣውሮፓ ሙሉእ ሓገዝ ከምዝገብር ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ሚሽል ገሊፆም። ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልቲኣዊ ርክብ ከምዝገብር እውን ቻርለስ ሚሼል ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ኾይኑ ናብ ውሑስን ዘላቕን ሰላም ንከምርሕ ሕብረት ኣውሮፓ ሙሉእ ሓገዝ ከምዝገብር እውን እቶም ፕረዚደንት ኣረጋጊፆም ኣለዉ።
4. ዘለናሉ ዝተሓላለኸ መድረኽ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝውስን ፈታኒ መድረኽ ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ሓድነትን ውሕሉል ኣከያይዳን ይጠልብ ኢሎም ዶክተር ተኽላይ ተስፋይ። ዶክተር ተኽላይ ነዚ ዝገለፁ ትካል ትራንስ ኢትዮጵያ መበል 48 በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ዘተ እዩ።
5 .ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ዝያዳ ብምጥንኻር ዝተረኸበ ሃዋህው ሰላም ተጠቒሙ ቐፃሊ ህልውንኡ ከውሕስን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ክረባረብን ይግባእ ተባሂሉ።ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብድምቀት ኣኽቢሮም።

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓትካብ ኩሎም ዞባታት፣ ወረዳታትን ኣብያተ ዕዮታትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ተዋፊርና ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሃለዋትን ድሕንነትን ናይ ምርግጋፅ...
03/02/2023

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት

ካብ ኩሎም ዞባታት፣ ወረዳታትን ኣብያተ ዕዮታትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ተዋፊርና ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሃለዋትን ድሕንነትን ናይ ምርግጋፅ ቃልሲ በብደረጅኡ ኣመራርሓ ብምሃብ እጃምና ነወፊ ዘለና ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት እንታይነትን ኣፈፃፅማን ስምምዕ ፕሪቶርያ ማእኸል ጌርና ካብ ጥሪ 24 ክሳብ ጥሪ 26/2015 ዓ/ም ነፃ፣ ኣሳታፋይን ዲሞክራስያውን ብዝኾነ ኣገባብ ተመያይጥና ኣብ ናይ ሓባር ምርድድእ በፂሕና ንተግባራውነቱ እውን ድሉዋት ምዃንናን ሕድሪ ስዉኣት ከምዘይነዕብርን ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና።
ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝተሳተፍና 700 ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲ ዘካየድናዮ ርሱንን ግልፅነት ዝተላበሶን ናይ ክትዕ መድረኽ ቅድም ክብል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ነባር ዓቕሚ፣ በብደረጅኡ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ቢሮታትን ትግራይ ምርድዳእ ዝበፅሑሉ መቐፀልታ መድረኽ እዩ።
ኣገባብ ኣካይዳ እቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ “ንርክበሉ መድረኽን ፍሉይ ባህርያቱን (ስትራተጂታት፣ ስልትታትን) ቀፃሊ መኸተ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ሰነድ መበገሲ ጌርና ውዑይ ምይይጥ ኣካይድና ነቲ ሰነድ ዘዕሙቑን ንቐፃሊ ህዝባዊ ቃልስና እታወት ዝኾኑን ጠቐምቲ ሓሳባት ዝቐርቡሉን ምርድዳእ ዝበፃሕናሉን እዩ።
እዚ ብባህሪኡ ኣዐርዩ ዝተሓላለኸን ሓዱሽን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ክልተ ነናይ ባዕሎም ተልእኾ ዘለዎም ንኡሳን መድረኻት ዘለዉዎ ምዃኑ ብዕሊ ተረዲእና ኣለና። ማለት እውን ቀዳማይ ኲናት ደው ዘብልን ህዝቢ ትግራይ ድሕንነቱ ውሑስ ብዘግብር ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ዝኾነሉ፣ ካልኣይ ነዊሕ ግዜ ክወስደና ዝኽእል ናይቲ ኲናት ምኽንያት ዝፈትሕ ናይ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ንኡስ መድረኽ እዩ። እንተኾነ እዚ ካልኣይ ንኡስ መድረኽ ክዉን ዝኸውን እቲ ቀዳማይ ንኡስ መድረኽ ብዕዉት ኣገባብ እንተተፈፂሙ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ብትኽክል ተረዲእና፣ ኩሉ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ወዲብናን ፀንቂቕናን ንምጥቃም ብጊዜ የለን መንፈስ ከም እንረባረብ ተረዲእና ኣለና።
እዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ንኡስ መድረኽ ቀፃላይ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምንባር ዝውስን ዝተሓላለኸን ከቢድ ጥንቃቐን ዝሓትት ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ውፅኢት ኣብ ውሽጥን ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን ዝነብር ህዝብና፣ መዘና ኣልቦ ሰራዊት ትግራይና፣ ንውድብና ህወሓት ሓዊስካ ኣብ ህዝባዊ መኸተና ዝተሳተፉ ውድባት ትግራይን ኩለመዳያዊ ቃልሲ፣ መስዋእትነትን ሓፂናዊ ሓድነትን እዩ። ስለዝኾነ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘርኣዮ ፅንዓት፣ ተፃዋራይነትን ዓቂብና ዘጋጥሙና ፀገማት እንዳፈታሕና ንቕድሚት ክንምርሽ ኢና። ማለት እውን ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ነቲ ቀዳማይ ንኡስ መድረኽ ዘዐዉቱ ስትራተጂታት፣ ስልትታት ኣብ ቀፃሊ ብትልሚ ዝዝርዘሩ ስራሕቲ ጨቢጥና ሎሚ እውን ከም ወትሩ ቀትርን ለይትን ብወነን ህልኽን ተረባሪብና ተደማሪ ዓወት ንምምዝጋብ ድሉዋት ምዃንና ኣብዚ መድረኽ ተኣማሚንና ኣለና።
ትማሊ፣ ሎሚ ይኩን ፅባሕ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ስነ-ልቦናዊ ግጥምን ቅሉዕ ጀኖሳይዳዊ ወታደራዊ ኲናትን ዝመከተ ተገዲዱን መማረፂ ስኢኑን እምበር ሕርይኡ ኣይኮነን። ሐዚ እውን ቀዳማይ፣ ካልኣይ ይኹን ሳልሳይ ሕርይኡ ኩሎም ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላምን ፖለቲካዊ ዘተን ንክፍትሑ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይዕንቀፍ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ኣሎ።
ብሓፂሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልትታት ዘለናሉ ህልዊ ኩነታት ማለት ኣፈፃፅማን ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ውሽጣዊ ኩነታትና፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት፣ ዕድላትን ብድሆታትን እንታይ ምዃኑ ኣለሊና ተረዲእና ኣለና። ናይቲ ንኡስ መድረኽ ባህርን ምስ ብቕፅበት ዝለዋወጥ ኩነታት እንዳተዓፃፀፍና ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ ዘሎ ብሄራዊ ሓድነትን ኣብ መንነቱ ዘይደራደርን ፅኑዕ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ዓቂብና ብቐንዱ ባህግን ድሌትን ሰላም ህዝቢ ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ዓቕምና ዘፍቀዶ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ንምክያድን ተዳሊና ኣለና። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ 48 ዓመታት ንምእማኑን ንምግማቱን ዘፀግሙ ከበድቲ ብድሆታትን ሕልኽላኻትን ፀገማትን እንዳሓለፈ ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎምን ፅባሕን ገስጋሳይ ውድብና ህወሓት ዝተፃወቶ ግደ መሪሕነት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዕማማት ህዝባዊ መኸተ ንምዕዋት ዝሃቦ መተካእታ ዘይብሉ መሪሕነት ዓቂብና ብምድንፋዕ ነቲ ንኡስ መድረኽ ዘዐንቅፉ ውሽጣዊ ፀገማትና ብዘይምሕረት ንምቅላስ ዘኽእሉ 7ተ ዝቕፅሉ ውሳነታት ወሲንና ንህዝብናን ፈታዊ ህዝባዊ ቃልስናን እንትነበስሮ ብዘይወዓል ሕደር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ከም እንቕይሮም ብምርግጋፅ እዩ። ብምዃኑ ውሳነታት ቅዋምና ከም ዝስዕብ ንገልፅ ኣለና።
1. ስምምዕነት ፕሪቶርያ ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈልናሉ እዩ። ማለት እዉን ፅኑዕ ተቃላሳይ ህዝብና፣ መሪሕ ውድብና ህወሓት፣ መንግስትና፣ ጅግና ሰራዊት ትግራይናን ውፅኢት ቃልሶም እዩ። ስለዚ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህግን ድሌትን ብዘማልእ ኣገባብ ንኽፍፀም ካባና ዝድለ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ንምውፋይ ድሉዋት ምዃንና ቃል ንኣቱ።
2. ኣብ ምትግባር ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣብ ረብሓ፣ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘኽብር ኣገባብ ንተግባራውነቱ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ዓይነት ዋጋ ንምኽፋል ድሉዋት ምዃንና ቃል ንኣቱ።
3. ኣብ ዝሓለፉ 48 ዓመታት በብመድረኹ ንህዝብና ዘጋጠሙ ብድሆታትን ፀገማትን እንዳገምገመን እንዳተዓፃፀፈን ነኒመድረኹ ዝምጥኑ ፖሊሲታት ስትራተጂታትን ስልትታትን እንዳነፀረ ብዕዉት ኣገባብ ዝተጓዓዘ ውድብና ህወሓት ሎሚ እውን ንዓርሱ ፈቲሹ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና ንኡስ መድረኽ ዝምጥን ኩለመዳይ ምትዕርራይ ክግበርን ተግባራዊኽውንን ብምሉእ ድምጺ ወሲንና ኣለና። ንተግባራውነት ውሳነና ከም እንረባረብ ድማ ቃል ንኣቱ።
4. ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያን ውሳነን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘሕለፎ ማለት ንኹሎም ኣካላት ማሕበረሰብ ደቂ ትግራይን ኣብ መኸተ ትግራይ ተሳትፎ ዝነበሮም ውድባት ሓቚፉ ዘሳትፍ ሓዱሽ ምትዕርራይ ፈፃሚ ስራሕ ትግራይ ጊዙኡ ዝጠልቦ እዋናውን ዲሞክራስያውን ከይድና ዘዕሙቕ ሓፂናዊ ሓድነት ህዝብና ብዝበለፀ ዘደንፍዕ ምዃኑ ኣሚንና፣እቲ መስርሕ ኣብ ሙሉእ ግልፅነትን ተኣማንንትን ዝተመስረተ ክኸውንን ከይተሸራረፈ ብምሉእነት ንኽትግበርን እጃምና ከም እነወፊ ቃል ንኣቱ።
5. ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ ቦትኡ እንትምለስ ካባና ዘድልዮ ዓቕሚ ዝፈቐዶ ደገፍ ንምሃብ ብቐንዱ ግን ኩሉ ናይ ሓጋይ ስራሕትና ኣብ ሽቶኦም ንምብፃሕ ግቡእ ኣመራርሓ ንምሃብ ቃል ንኣቱ።
6. ሓፂናዊ ሓድነትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ዝሸራርፉ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ብዝትፈላለየ ኣገባብ ዝግለፁ ሕመቓት ብምውጋድ ብፍላይ ንህዝብና ዘማርሩ ዘለዉ ናይ ፀጥታን ፍትሕን፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ስርቂ ተግባራትን ጉድለት ስነ-ምግባርን ዝኣመሰሉ ፀገማት ብዘይ ምሕረት ተቓሊስና ንምፍታሕ ቃል ንኣቱ።
7. “ለካቲት 11 መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 48 ዓመት እነኽብሮ በዓል ልደት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማትና ብቃልሲ ንምፍታሕ ምቹው ኩነታት ብምፍጣርን ሓጺናዊ ሓድነትና ብምድልዳልን ከም ዝከውን ቃል ንኣቱ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ውሳነታት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት እንፍፅሞም ምስ ህዝቢ ትግራይን መዳርግቲ ኣካላትን ኮይንና እዩ። ብምዃኑ እዚ ዝስዕብ መፀዋዕታ እንትነቕርብ ሓቢርና ከም እንሰርሕ ብምትእምማን እዩ።
- ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን እትነብር በዓል ዋና ህዝባዊ መኸተና ዝኮንካ ህዝቢ ትግራይ፣-
ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሌኻ ዝተኻየደ ኲናት ጄኖሳይድ ንምምካት ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ከፊልካ ኣብ ሃለዋትካን ድሕንነትካን ዘይትደራደር ምዃንካ ዓለም ብዓለሙ ደጋጊሙ ምስክርነት ዝሃበሉ ግሁድ ሓቂ እዩ። ሳላ ዘካየድካዮ ዘይተሓለለ ቃልሲ እውን ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ በፂሕና ኣለና። ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕ ሰላም ብኣወንታ ተቐቢልካ እቲ ኸይዲ ንድሕሪት ከይምለስ ንተግባራውነቱ ትረባረብ ኣለኻ። ብርግፅ እቲ ከይድን ተግባራውነትን እቲ ስምምዕ ልሙፅ ኣይኮነን። ብዙሕ ሓርጎፅጎፅ ዝበዝሖ እዩ። ብምዃኑ ኣብ ህዝብና ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ስግኣታትን ይንፀባረቑ ኣለዉ። እዚኦም እቲ ኩነታት ዝፈጠሮምን ባህርያውን እዮም። እንተኾነ ኣብዚ ንኡስ መድረኽ ዘለና እንኮ መማረፂ ነቶም ዘጋጥሙና ሽግራት ብቓልሲ እንዳፈታሕና ስትራተጂካውን መትከላውን ሕርያኻ ዝኾነ ጉዳይ ሰላም ተግባራዊ ንምግባር ስምምዕነት ሰነድ ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ። ስለዚ ክብርታት ተፃዋራይነትካ ኣሐይልካ ዕማማት እዚ ንኡስ መድረኽ ንምዕዋት ከም ወትሩ ሓፂናዊ ሓድነትካ ከም እምኒ ዓረ ኣጠናኺርካ ንኽትቅፅል ንፅውዕ።
ኣብዚ ኸይዲ ድያስፖራ ትግራይ፣፣ ሓድነትካ ዝኸፋፍሉ የማነ-ፀጋም ዝላግዑ በለካ ለኽዐካ ከይተደናገርካ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሓድሽን ነቲ ንኡስ መድረኽ ዘዐውት ተዓፃፃፍን ስትራተጂን ስልትን ሓንፂፅካ ኣምባሳደር ትግራይ ብምዃን እጃምካ ክተወፊ ፃውዒትና ነቐርብ።
- ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ፣፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብቓላት ንምግላፅ ዘይከኣል ዓለም ብዓለሙ ምስክርነት ዝሃበሉ ፅንዓትን ጅግንነትን ኣርኢኻ፣ ኣብ ቃልስን ጉዕዞን ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ቅያ ሰሪሕኻ ኢኻ። ስለዝኾነ ሳላ መስዋእትኻ ዝተፈረመ ስምምዕነት ፕሮቶርያ ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ ዕማማት ሒዝካ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ክትቃለስ ንፅውዕ።
- ዝኸበርኩም ኣመራርሓ ሲቪል ማሕበራት፣፣ ትካላት ሃይማኖት ሓዊስካ ኩሉኹም ስቪል ማሕበራት ትማሊ ዘርኣኽምዎ ተወፋይነት ዓቂብኩም ኣብዚ ንኡስ መድረኽ እዉን እጃምኩም ክተወፍዩ ንፅዉዕ።
- ዝኸበርኩም ኣብ ህዝባዊ መኸተ ዝተሳተፍኩም ውድባት ትግራይ፣፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መኸተ ትግራይ እጃምኩም ኣወፊኹም ኢኹም። ሎሚ እዉን ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂብኩም ኣብዚ ንኡስ መድረኽ እጃምኩም ክተወፍዩን ነዚ ሓዱሽ መድረኽ ተደጋጊፍና ብሓባር ክንዘልቆ ፃዊዕትና ነቕርብ።
ü ዝኸበርኩም ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፣፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኹሉ ደላይ ሰላም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቅም እዩ። ስለ ዝኾነ ንምዕዋት እዚ ስምምዕነት እጃምኩን ንኽተወፍዩ ንፅዉዕ።
ü ዝኸበርካ ማሕበረሰብ ዓለም፣፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ጠጠው ኢሉ ፖለቲካዊ ፀገም ብዘተን ሰላማዊ ኣገባብን ንኽፍታሕ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይርኩም ኢኹም። ብምኻኑ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘዐንቅፉ ፀገማት ኣብ ምእላይን አብ ምዕዋትን እጃምኩም ክተወፍዩ ፃዊዕትና ነቅርብ።
ሕድሪ ስዉኣትና ኣይነዕብርን!!
ሓፂናዊ ሓድነትና ንሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይና!!
ለካቲት 11 መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን!!
ጥሪ 26/ 2015 ዓ/ም
መቐለ

02/02/2023

መቐለ: ዓበይቲ ዜናታት 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ

1. ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፅምዎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ምህላዎም ንነዊሕ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተኣሲሮም ዝፀንሑ ኣብ ቐረባ እዋን ብሓይሊ ካብቲ ከባቢ ዝተሰጎጉ ወገናት ገሊፆም። ብሰንኪ እዞም ኣረሜናውያን ሓይልታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምድራዊት ሲኦል ኮይና ምህላዋ ዝሓበሩ እቶም ግዳያት፣እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተግባራዊ ኮይኑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ከምዝግባእ ድማ ተላብዮም ኣለዉ።

2. ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ መሬት ኢሮብ ኣብ ክንዲ ምውፃእ ሕዚ እውን ህዝቢ የጋፍዕን ንብረት ይጉሕልን የዑንን ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዘሎ ህዝቢ ኢሮብ ኩሉ ዓይነት መሰረተ-ልምዓት ሓሪኖም ሕሱም ግዜ ኣብ ምሕላፍ ከምዝርከብ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ

3. ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ቅድም ክብል ስግኣት ፀጥታ ዝነበሮም ከባቢታት ምብፃሕ እኳ እንተተኽኣለ ፣ ሕዚ እውን ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሕድ ምዃኑ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ። ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ንሓበሬታ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ፣በቲ ዝተኻየደ ደማውን ጀኖሳይዳውን ኲናት ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ከቢድ ቓልሲ ይርከባ ክብል ገሊፁ።

4. ብኲናት ዝበረሱ ኣግራባትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ መሊስኻ ንምሕዋይ ይካየድ ካብ ዘሎ ስራሕቲ ዳግመ ግረባን ዕቀባ ሓመድን ማይን ብተወሳኺ ፣ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ እውን ብዕቱብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ጣብያ ዓራቶ ገሊፆም።

5. ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ትኹረት ዘይገበረሉ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን እቲ ዝኸፍአ ህልቂትን ሰብኣዊ ቕልውላውን ዝተርኣየሉ ምዃኑ ተገሊፁ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩሎም ዓለምለኻዊ ገበናት ከምዝተፈፀሙ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ኢልፓይስ ፣ግዳይ እቲ ደማዊ ኲናት ዝኾኑ ሰባት ግቡእ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፀሎም ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

01/02/2023

መቐለ: 24 ጥሪ 2015 ዓ/ም ዓበይቲ ዜናታት

1. ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይፀብሪ፣ ወረዳታት ፀለምትን ላዕላይ ፀለምትን መዓልታዊ ከበድቲ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም። ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም እዞም ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ክወፁ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ክፍፅም ከምዝግባእ ድማ ሓቲቶም እቶም ነበርቲ።

2. ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ካብን ናብን ተጓዒዞም መሰረታዊ ሸቐጣት ፅዒኖም ብመስመር ቆቦ ናብ ትግራይ ንምእታው ዝተንቀሳቐሱ ተሽከርከርቲ ብሓይልታት ኣምሓራ፣ ካብ ቆቦ ምሕላፍ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብርክት ዝበለ ገንዘብ እናኸፈሉ ኣብ ቆቦ ከምዝበፅሑ ዝገለፁ እቶም ንድወት ርኢቶኦም ዝሃቡ ወገናት፣ ዝምልከቶም ኣካላት ፍታሕ ክገብርሎም ድማ ሓቲቶም።

3. ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ብሓይሊ ወሪሮም ኣብ ዝሓዝዎም ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ መንነት ህዝቢ ብሓይሊ ንምቕያር ክሳብ ምጭዋይን ምቕታልን ሰላማውያ ዜጋታት ዝበፅሕ ግፍዓዊ ተግባራት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ምምሕዳር ወረዳ ኦፍላ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያን ናይሮቢን፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁን ድሕንነት ዜጋታት ውሑስ ክኸውንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡኡ ክፍፅም እቲ ምምሕዳር ሓቲቱ።


4. ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ቅሉዕ ወራር ነዚ ስዒቡ ዘጋጠመ ዕንወት ትካላት ጥዕናን ሕፅረት ኣፋውስን ክትትል ዝገብረሎም ዝነበረ ልዕሊ 46ሽሕ ተጠቀምቲ መድሓኒት ፀረ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ኢንስትቲዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ውሱን መመርመሪ እቲ ቫይረስ ኣትዩ ዳግም ስራሕ ንምጅማር ከምዝተዳለወ ዝገለፀ እቲ ትካል ፣ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ተላብዩ።

5. ኣብ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ወራር ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ተሳትፎን ከምዝሓትት ተገሊፁ። መርበብ ሓበሬታ ኤል ፓይስ ከምዝፀብፀቦ ፣ኣብ ትግራይ ዳግመ ሕውየት ንምክያድ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር የድሊ። ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ወራር ዓለም ዳግም ክትርእዮ ዘይግባእ ዕንወት ኣጋጢሙ እዩ ዝበለ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት መሊስካ ንምህናፅ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዓለም ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ድማ ፀዊዑ።

26/01/2023

መቐለ:18 ጥሪ 2015 ዓ/ም ዓበይቲ ዜናታት

1. ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዘጋጠምዎ ኩለ-መዳያዊ ፀገማት ብፅንዓት ተፃዊሩ ነታ ፀባብ እዋን ንምስጋር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ዝነኣድ እዩ ኢሎም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ። ንቐፃሊ እውን እቲ ዘለና ጥንኩር ባህሊ ዓርሰ ምርኮሳ ዓቂብና ሕርሻ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኩላትና እጃምና ክንፍፅም ግድን እዩ ድማ ኢሎም።

2. ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ወራር ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ንምልማዕን ንምሕዋይን ኣብ ዝግበር ርብርብ ብፅሒቶም ከምዝፍፅሙ ነበርቲ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ዓራቶ ገሊፆም። እቶም ወገናት ነዙይ ዝገለፁ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብዝፈለሙሉ እዋን እዩ።

3. ልሙዕነት ሓመድ ንምውሳኽን ብኡ ኣቢልካ ማእቶት ንምድንፋዕ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓረስቶት ወረዳ ስሓርቲ ተዛሪቦም። እቶም ሓረስቶት ነዚ ዝገለፁ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብውዕውዕ መንፈስ ኣብዝተጀመረሉ እዋን እዩ።

4 .ብዘላቕነት ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ንቅድሚት ንምስጓምን ዓሊሙ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ዝፀደቐ ምትዕርራይ ካብኔ መንግስቲ ኣዝዩ ወሳንን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ዘረጋግፅን እዩ ኢሎም ድምፂ ወያነ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢቶ። እዚ ዳግመ ምትዕርራይ እዚ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ዝምልስን ዳግመ ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅን ከምዝኸውንን ኣመልኪቶም።

5 .ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዉሱናት ከባቢታት ወረዳ ጎሎመኸዳ ዋላ እንተለቐቐ ሐዚ እውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ዓሪዱ ህዝቢ የሳቕን ንብረት ይጉሕልን ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቕልውላው ንዝርከብ ነባራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ሓገዞም ከጠናኸሩ ድማ ፃውዒት ቐሪቡ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ  ንምጥቃምን ተስትፎ ንምስፋሕን ምትዕርራይ ካቢኔ ክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ::ብተመሳሳሊ እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ግዚ...
24/01/2023

ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ንምጥቃምን ተስትፎ ንምስፋሕን ምትዕርራይ ካቢኔ ክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ::

ብተመሳሳሊ እቲ ቤት ምኽሪ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ግዚኡ የብቅዕ ስለ ዘሎ ክፍተት ሕግን ፀጥታን ከይፍጠር መንግስቲ ትግራይ ሕጊ ኣውፂኡ ክፍፅም ውክልና ተዋሂብዎ ንክፀንሕ ወሲኑ::

11/01/2023

ዓበይቲ ዜናታት ጥሪ 03, 2015 ዓ/ም መቐለ

1. ድሕሪ ነዊሕ እዋን ጭንቅን ፀበባን መሬት ዓደን ብምርጋፀንን ምስ ስደረአን ብምርኻበንን ልዑል ሓጎስ ከምዝፈጠረለን ኮኾባት ተጋሩ ኣትሌታት ተዛሪበን።
እቲ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላምን ምዕባለታቱን ተስፋ ዝህብን ዘሐጉስን እዩ ዝበላ ፕረዚደንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ፤ እቲ ስምምዕ ሰላም ብቐፃልነት ተግባራዊ ንክኸውን ከም ፌዴሬሽን ልዑል ርብርብ ከምዝገብር ሓቢረን።
2. ዘፈር ስፖርት ትግራይ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዘፈራት በዚ ኲናት ዝለዓለ ዕንወት ከምዝበፅሖን ሐዚ ተፈጢሩ ብዘሎ ሃዋህው ሰላም ስፖርት ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክበፅሕ ግደ መዳርግቲ ኣካላት ዝለዓለ ምዃኑ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፀን።
ወ/ሮ ፈትለወርቅ ነዚ ዝገለፃ ንጉጅለ ልኡኽ ፌዴሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቕባለን ንድምፂ ወያነ ኣብ ዝሃበኦ ርኢቶ እዩ።
3. ብፕረዚደንት ፌዴሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሙሽነር ደራርቱ ቱሉ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌትክስ ኢትዮጵያን ጀጋኑ ኣትሌታት ትግራይን ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚከኣል ዘተ ኣሳሊጦም እዮም።
ረዳት ኮሙሽነር ደራርቱ ቱሉ ጀጋኑ ኣትሌታት ትግራይ ኣብ ኣደባባያት ዓለም ተወዳደርቲ ከይኾኑ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝበፅሖም ዝነበረ ዓንቀፍቀፋት በዲሃ ተዓወትቲ ንክኾኑ ዝገበረቶ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ብሽም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ክብሪ ይግበኣ ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።
ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሕዎን የብፅሕዎ ዘለዉን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት በዲሆም ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ተሳቲፎም ዓወት ንዘመዝገቡ ጀጋኑ ኣትሌታት ትግራይ ድማ ፍሉይ ክብርን ምስጋናን ይግበአኩም ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።
ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መከራን ስቓይነ ኣሕሊፉ እዩ ዝበለት ፕረዚደንት ፌዴሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሙሽነር ደራርቱ ቱሉ ብወገና ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኾይኖም ዘመዝገብዎም ዓወታት ክብሪ ይግበኦም ኢላ።
እቲ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዝያዳ ዝድገፍ እዩ ዝበለት ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ሕዚ እውን መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን ኩሉ ዳላዪ ሰላም እጃሙ ከበርክት ፀዊዖም ።
4. በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ቅሉዕ ወራርን ትሉም ክልከላን ህዝቢ ትግራይ ክጠሚ፣ ክመውት፣ ክስደትን ደሃይ መቕርቡ ከይፈለጠ ካብ ዓለም ክንፀል ተገይሩ ኮታስ ዘይረኣዮ ሓሰራ መከራ የለን።

Source: Dimtsi Weyane

ዓበይቲ ዜናታት ታሕሳስ 7,  2015 ዓ.ም 1. ህዝቢ ትግራይ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኹናት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም  ብቅልጡፍ ኣብ ባይታ ተሸሪፉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀ...
16/12/2022

ዓበይቲ ዜናታት ታሕሳስ 7, 2015 ዓ.ም

1. ህዝቢ ትግራይ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኹናት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ብቅልጡፍ ኣብ ባይታ ተሸሪፉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ክፈትሕ ኣለዎ ክብሉ ገለ ነበርቲ ወረዳ ሰቡሓ ሳዕሲዕ ገሊፆም። እቲ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕሊ ስምምዕነት ሰላም ከምዝድግፍዎ ድማ እቶም ነበርቲ ኣረጋጊፆም ኣለዉ።
2. ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ናብ ቐፃሊ ፖለቲካዊ ዘተ ዝሰጋገር ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተፈረሙ ነጥብታት ብህፁፅ ተግባራዊ እንትኾኑ ጥራሕ እዩ ኢሎም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ሙሁር ሕጊ መብራህቶም ፍትዊ። ብዘይካ እዚ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንቕድሚት ዝስጉም ማሕበረ ሰብ ዘማእኸለ ዘተን ርክባትን ክፍጠር እንተኺኢሉን መስርሕ ተሓታትነት ብኣግባቡ እንተተፈፂሙን ምዃኑን ገሊፆም።
3. ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብተግባር ብምሽራፍ ኩለ መዳያዊ ሃሰያ ዝበፅሖ ህዝቢ ትግራይ ስነ ልቦናዊ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ከምዘድልዮ ሙሁር ስነ ልቦና እፀድንግል ሃደራ ገሊፆም።ነቲ ዝበፅሐ ኩለ መደያዊ ሃሰያ ኣብ ምሕዋይ ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ድማ ኣፍሊጦም።
4. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገም ንምፍታሕ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝለዓለ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ኣዴታት ንኣዴታት ምስ ዝተፈላለዩ መደርግቲ ኣካላትን ትካላትን ብሓባር ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ብቐዋሚ ኮምቴ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ዑደት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።
5. ተወለድቲ ሳምረን ፈተውቲ ሳምረን ነበርቲ ኣውስትራልያ ዝለኣኽዎ ልዕሊ 360ሽሕ ቕርሺ ኣብታ ወረዳ ንዝርከቡ ኣዝዮም ዝተፀገሙ ልዕሊ 240 ወገናት ብሓገዝ ተኸፋፊሉ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ሓገዝ ዝተገበረሎም ንግዝያዊ ፀገሞም ዝፈትሕ ምዃኑ ገሊፆም ኣለዉ።

YouTube Channel:

News and Entertainment

13/12/2022

ዓበይቲ ዜናታት እዚ ሰሙን
1. ድሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ቀረብ ኣፋውስ ዝነኣድ ጅማሮ እኳ እንተኾነ ምስቲ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ሕፅረትን ዝለዓለ ጠለብን እንትነፃፀር ግን ዝመጣጠን ከምዘይኾነ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ ነዚ ዘፍለጠ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ።
2. ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ወራር ዝርገሐን ተርእዮን ሕማም ዓሶ ይጋደድ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ዘሎ ፀገም ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ነቲ ኩነታት የጋድዶ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ቢሮ ብሰንኪ ወራር ኣብ ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ወፍሪ ክታበት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅምር እውን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
3 .ድሕሪ ምእካብ ዝራእቲ ቀውዒ ኣብ ዝሳለጥ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ዝሓሸ መፍረያይነት ንምርካብን ተረባሕቲ ንምዃንን ምንቅስቓሳት ይገብሩ ምህላዎም ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ገሊፆም። ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ዝነጥፉ ዘለዉ ሰብ ሞያ ብግደኦም ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላይ ፃዕርታትን ጥንቃቐታትን ክግበሩ ከምዝግበኦም ምዒዶም።
4. ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ኾይኑ ሰላማውያን ሰባተ ሐዚ እውን ይጭፍጭፍ ከም ዘሎ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ከምዘመልከትዎ፣ ንስምምዕነት ሰላም መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ስዒቡ ከይተረፈ ስራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ጨፍጫፍ ይፍፅም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
5. ብሰንኪ ወራሪ ሓይሊ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ዛጊድ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከምዘይተገበረሎም ብመረረት ተዛሪቦም። ዝምልከቶ ኣካል ብወገኑ እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ዘቕረብዎ ጥርዓን ግቡእ ምዃኑ ብምእማን ሓገዝ ምግቢ ዝረኽብሉ ስራሕቲ የፃፍፍ ኣለኹ ክብል ምላሽ ሂብሉ ኣሎ።

ሰሙናዊ ወቅታዊ ዜናዎች ★ የትግራይ ምክር ቤት ውሳኔበትግራይ ህዝብ ላይ አስከፊ ጭፍጨፋ እየፈጸሙ ያሉትን የኤርትራ ሰራዊት እና ሌሎች ታጣቂ ሃይሎች ከትግራይ በማስወጣት የተደረሰው የሰላም ስ...
23/11/2022

ሰሙናዊ ወቅታዊ ዜናዎች

★ የትግራይ ምክር ቤት ውሳኔ
በትግራይ ህዝብ ላይ አስከፊ ጭፍጨፋ እየፈጸሙ ያሉትን የኤርትራ ሰራዊት እና ሌሎች ታጣቂ ሃይሎች ከትግራይ በማስወጣት የተደረሰው የሰላም ስምምነት ተግባራዊ መደረግ አለበት ሲል የትግራይ ምክርቤት ጥሪ አቀረበ።

★ የትግራይ ህዝብ መሳርያ ያነሳበት ምክንያት ህልውናውን ለማረጋገጥ በመሆኑ ህልውናው ከተረጋገጠ ታንክ እና መድፍ ይዞ የሚቀጥልበት ሁኔታ አይኖርም ሲሉ የትግራይ መንግስት ተደራዳሪ ልኡካን አባል አቶ ጌታቸው ረዳ ተናገሩ።

ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ በበኩላቸው የሰላም ስምምነቱ መሬት ላይ ወርዶ የተሳካ ውጤት ይኖረው ዘንድ ሁለቱም መንግስታት ሰላም ስትራተጂካዊ ምርጫቸው አድርገው ለዘላቂ ሰላም ሊሰሩ ይገባል ብለዋል።

★ የትግራይ መንግስት የወከላቸው ተደራዳሪ ልኡካን የሰጡት መግለጫ የትግራይ ህዝብ እና መንግስት ለሰላም ያላቸውን ፍላጎት እና ለተግባራዊነቱ ቁርጠኛ መሆናቸውን ያሳየ ነው ሲሉ የመቐለ ከተማ ነዋሪዎች ተናገሩ።

ነዋሪዎቹ አክለውም የሰላም ስምምነቱ ተግባራዊ ቢደረግ ተጠቀሚ የሚሆነው መላው የኢትዮጵያ ህዝብ ነው ብለዋል።

★ የአምባገነኑ ኢሳይያስ ስርዓት የሰላም ስምምነቱን ለማደፍረስ አሁንም በትግራይ ንፁሀን ላይ ከፍተኛ ግፍ እየፈፀመ ስለመሆኑ ተገለፀ።

ሰራዊቱ በጅምላ ግድያ፣ ንብረት ዘረፋ፣ አስገድዶ መድፈር እና ቅርስ የማውደም እና የመዝረፍ ተግባራት አጠናክሮ ቀጥሎበታል።

★ የአምባገነኑ ኢሳያስ ሰራዊት በጉሎመኸዳ ወረዳ ከገባ ጊዜ ጀምሮ 81 ንጹሃን ዜጎች በጅምላ መጨፍጨፉን እና 48 ወጣቶችም አፍኖ መውሰዱን ተገለጸ።

ከወረዳው ዘጠና ሺህ ህዝብ ተፈናቅሎ በዓዲግራት ከተማ የሚገኝ ሲሆን በርሃብ በብርድ እና በመድሃኒት እጦት ከፍተኛ ስቃይ ውስጥ እንደሚገኝም ተመላክቷል።

★የአፍሪካ ህብረት ማስጠንቀቂያ

በትግራይ ውስጥ የሚገኙት ሁሉም የውጭ ሃይሎች ትግራይን ለቀው መውጣት እንደሚገባቸው የአፍሪካ ህብረት ኮምሽን ሊቀመንበር ሙሳፋቂ ማህማት አስጠነቀቁ።

የኢትዮጵያ እና የትግራይ መንግስታት ችግሮቻቸውን በጠረጴዛ ዙርያ ለመፍታት የሰላም ስምምነት ላይ ለመድረስ ያሳዩት ቁርጠኝነትንም ሊቀ-መንበሩ አድንቀዋል።
የአፍሪካ ህብረት ኮሚሽን ሊቀመንበር ሙሳፋቂ ለፈረንሳይ ኢንተርናሽናል ሬድዮ እና france24 የተባሉት መገናኛ ብዙኃን በጋራ በሰጡት መግለጫ ነው ይህን ሀሳብ ያነሱት።
ሊቀ-መንበሩ ስለ ጉዳዩ ተጠይቀው በሰጡት መልስ ታጣቂ ሃይሎቹ ራሳቸው ስለሚያውቁ ሁለቱም የውጭ ሃይሎች በስምምነቱ መሰረት ትግራይን ለቀው ሊወጡ ይገባል ብለዋል።

በትግራይ እና በኢትዮጵያ መንግስታት በተፈረመው ቶኩስ የማቆም ስምምነት መሰረት እንደተጠቀሰው ማንኛውም የውጭ ሀይል ከትግራይ መሬት መውጣት አለበት ብለዋል።

የውጭ ሀይል የተባለው የኤርትራ ሰራዊት አሁንም ትግራይን ለቆ አልወጣም፤ በዚህ ሁኔታ ስምምነቱን ሊሳካ ይችላል ወይ ለሚለው ግልፅ የጋዜጠኞች ጥያቄ ሙሳ ፋቂ ኤርትራን በስም ባይጠቅሱም ልክ ነው መውጣት አለባቸው ብለዋል።

አክለውም ተደራዳሪዎቹ በሚገባ ያውቋቸዋል፣ የገባው የውጭ ሀይል ራሱም ጭምር ያውቃል በመሆኑም በተገባው ውል መሰረት መውጣት አለባቸው። ስምምነቱም ይህን ያስገድዳል ብለዋል።

★ የተደረሰው የስላም ስምምነት የትግራይ ህዝብ በተደጋጋሚ ሲጠይቀው የነበረ እና የሚደገፍ ነው ቢሆንም ግን ስምምነቱ ከፊርማ በዘለለ ወደ መሬት ወርዶ በርሃብ እና በመድሃኒት እጦት እያለቀ ያለውን ህዝብ ሊታደግ ይገባል ሲሉ የደቡብ እና ምስራቅ ትግራይ ሀገረ ስብከቶች ሊቀ ጳጳስ ቡፁእ አቡነ መርሃ ክርስቶስ ተናገሩ።

ቡፁእነታቸው አክለውም በትግራይ ሃይማኖት ተቋማት እና ቅርሶቻቸው ላይ እየተፈፀመ ያለው ዘረፋ እና ውድመት ሊቆም ይገባል ብለዋል።

★ በመቶ ሺዎች ለህልፈት ሚሊዮኖች ደግሞ ለከፍተኛ ሰብአዊ ቀውስ የዳረገው በዓለማችን አስከፊ ጦርነት ትግራይ ላይ የተከፈተው ቢሆንም የተሰጠው ትኩረት አናሳ መሆኑን ዓለም ልትቆጭበት የሚገባ አሳዛኝ ታሪክ ሆኗል በዩ ኤስ ቱደይ የቀረበ ሀተታ አመላከተ።
የዓለማችን አስከፊው ጦርነት በሚል በቀረበው ሀተታ ባለፉት ሁለት ዓመታት ኤርትራ እና ኢትዮጵያ በጥምረት በትግራይ ላይ በፈፀሙት ጥቃት በርካታ የሰው ልጅ ህይወት የቀጠፈ ቢሆንም አሁንም ዓለም ዩክሬን ላይ ማተኮሯን ያትታል።

የትግራይ ህዝብ ላለፉት ሁለት ዓመታት ጭካኔ በተሞላበት ከበባ ከዓለም ርቆ ለከፋ ሰብአዊ ቀውስ ተዳርጓል። የዓለም መንግስታት ለዚህ መፍትሄ በመስጠት ረገድ የሰጡት ትኩረት ዝቅተኛ ነው፤የጤና ተቋማት ሆን ተብሎ እንዲወድሙ ተደርጓል ያለው ዩኤስ ቱደይ ለሚሊዮኖች አገልግሎት ይሰጡ የነበሩ አምቡላንስ እና የውሀ ተቋማት መውደማቸውን አመላክቷል።

ትግራይ ውስጥ የገባው የኤርትራ ጦር የፈፀማቸው ወንጀሎች ለማውገዝ የተባበሩት መንግስታትም ሆነ ሀያላን ሀገራት አለመቻላቸው አሳዛኝ ታሪክ ሆኖ ተመዝግቧል።

ሆኖም አሁን በአፍሪካ ህብረት አደራዳሪነት የተፈረመው የሰላም ስምምነት ለህዝቡ ተስፋ የሰጠ ሆኗል። የዓለም ማህበረሰብ ከባለፈው ስህተቱ ተምሮ ለዘላቂነቱ በንቃት ሊሳተፍ እንደሚገባም በሀተታው ተመላክቷል።

በተጨማሪም በጦርነቱ የተጎዱ ወገኖች እና ተቋማት መልሶ በመገንባት ተጠያቂነት በማስፈን ላይ ትኩረት ሊሰጠው እንደሚገባ ዩኤስ ቱ ደይ ዘግቧል።

ሕዚ እውን ሓድነትና ዝያዳ ኣስጢምና ንዝበለፀ ቃልሲ ንረባረብ!ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ሰላም ይረጋገፅ፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር፣ መሰል ዓርሰ ውሳነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለዝበለ ጥራሕ ኣብ ልዕሊኡ ...
12/11/2022

ሕዚ እውን ሓድነትና ዝያዳ ኣስጢምና ንዝበለፀ ቃልሲ ንረባረብ!

ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ሰላም ይረጋገፅ፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር፣ መሰል ዓርሰ ውሳነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለዝበለ ጥራሕ ኣብ ልዕሊኡ ታሪክ ይቕረ ክብሎ ዘይግባእ ክሕደት፣ ግፍዕን በደልን እናተፈፀመሉ መፂኡን ኣሎን። እዞም ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዓሊሞም ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ገይሮም ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር እናካየዱ ዝመፅኡ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዘይፈፀሙዎ ዓይነት ገበን የለን።

ይኹን እምበር እዚ ካብ ቅኑዕ፣ ህዝባውን ፍትሓውን ዕላማን ሓፂናዊ ሓድነትን ወፃኢ እዚ እዩ ዝብሃል ወታደራዊ ዓቕሚ ዘይነብሮ ህዝቢ ትግራይ ልፍንታውያን ሓይልታት ዘሰለፉዎ በዝሒ ሓይሊ ሰብን ወታደራዊ ጋዕገልጠምን ከየሰኮኖ ንስለ ህላዌኡ ክብል ሓደ ከም ብዙሓት፣ ብዙሓት ከዓ ከም ሓደ ኮይኑ ብዝገርም ፅንዓትን ጅግንነትን እናመከተ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ሰፍ ዘይብል ክሳራ እናሸከሞም መፂኡ እዩ። መሊኦም ከጥፍኡዎ ቆሪፆም ዝተልዓሉ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን እንተብፅሑ እኳ ሳላ ጠንኪሩ ዝተቓለሰን ፀኒዑ ብትረት ዝመከተን ግን ሕልሚ እዞም ሓይልታት ብዝደለይዎ ብርኪ ከይፍፀም ገይሩ እዩ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅድሚ ኩናት ኮነ ኣብ እዋን ኩናት ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተን ድርድርን ንክፍትሑ ተደጋጋሚ ፃውዒት ዋላ እንተገበሩ በቲ ካልእ ወገን ኣወንታዊ መልሲ ከይረኸቡ ብምምፅኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኩናት ክፀንሑ ተገዲዶም እዮም። ድሕሪ ሓያል መኸተናን ድፍኢት ማሕበረሰብ ዓለምን ግን መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ናብ መስርሕ ዘተ ሰላምን ድርድርን ብምምፃእ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ከምዝተፈራረምና ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን በዘይፍላጥ ዝተዛብዑ ኣጀንዳታት እናፈጠሩ ንህዝብና ከደናግሩን ሓድነቱ ክዘርጉን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ማእኸል እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተበፅሐ ስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባልን ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ምምላስን እንትኾን መንግስቲ ትግራይ ንረብሓ ህዝቡ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከምዘይገብርን ስጉምቲ ከምዘይወስድን ብሙሉእ ልቢ ክስመረሉ ዘለዎ እዩ። ካብ ብጉሓቱ እውን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍትሑ ደጋጊምና እናሓተትና ግን ድማ በቲ ካልእ ወገን ንሕቶታትና ኣወንታዊ መልሲ ክንረክብ ስለዘይክኣልናን ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ዝኣተናዮን እምበር ኩናት ቀዳማይ ሕርያና ከምዘይነበረ ዝፍለጥ እዩ። እቲ መሰረታዊ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ሕዚ ናብ እዚ ስምምዕ ምብፃሕና ድልየት ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ካብ ምባል ብተወሳኺ ሓደ ከይበለ መንግስቲ ትግራይ ንምኽሳስ ዝቀዳደሙ ኣካላት ንዕዘብ ኣለና። ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና በዚ ኣዝዩ ህፁፅን ምስትውዓል ዝጎደሊን መደምደምታ ክደናገርን ብእንገብሮ ዘለና ሰላማዊ ድርድር ስግኣት ክሓድሮን ኣይግባእን። ምኽንያቱ መንግስቲ ትግራይ ናብዚ ዘተ ሰላም ክኣቱ ዝኽኣለ መሰረታዊ ድልየት ህዝቡ ካብ ምምላእ ወፃኢ ካልእ መበገስን መብፅሕን ስለዘይብሉ።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከብ ዲያስፖራ ትግራይን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘርኣናዮ ፅንዓትን ሓድነትን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣሐይልና ክንቕፅልን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ውሑስ ክሳብ ዝኸውን ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ፈታኒ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ብዓወት መሰስ ንክንብል ብዝበለፀ ቃልስና ክነጠናኽርን ይግባእ። ሕዚ እውን ዘተኣማምን ዋሕስ ህልውናና ፍትሓዊ ዕላማና፣ መትከላዊ ፅንዓትናን ሓድነትናን ስለዝኾኑ ዕላማና ክሳብ ዝዕወት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድንነትና ኣጠናኺርና፣ ዓቕምታትና ወዲብና ክሳብ ዝተቓለስና ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዘይተርፍ እዩ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
03 ሕዳር 2015ዓ.ም
መቐለ

09/11/2022

ዓበይቲ ዜናታት ጥቅምቲ 29, 2015 ዓ/ም

1 .እንሰርሖ ስራሕ፣ ምንቅስቓስን እንፍርሞ ስምምዕነትን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ብዘማልእን ዘረጋግፅን እዩ ክብሉ ኣባል ሴንትራል ኮማንድ ትግራይን ጉጅለ ተደራዳሪ ልዝብ ሰላም ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዕላዊ ገፅ ትዊተሮም ከምዝገለፅዎ ፣ ይካየዱ ዘለዉ ኩሎም ምንቅስቓሳት ድሌት ህዝቢ ትግራይ ብዝጠልቦ እዩ ኢሎም። ህዝብና ካብ ዝኾነ ይኹን ንሰላም እዩ ቀዳምነት ዝህብ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ስለዝኾነ እንገብሮም ዘለና ስራሕቲ ንህዝብና ዘዕግቡ ምዃኖም ግዘ ባዕሉ ክምስክር እዩ ክብሉ ድማ ሓቢሮም።

2 .ኻልኣይ ዙርያ ዘተ ሰላም ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ተጀሚሩ። ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ መንግስታት ኽልቲኦም ኣካላት ሓዊሱ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ገሊፆም። ብሸምጋላይነት ሕብረት ኣፍሪካን ተዓዛባይነት ኣሜሪካ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን ዝካየድ ዘሎ እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ተግባራውነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦን ቐፃሊ ዘተ ሰላምን ክዝቲ ምዃኑ ተገሊፁ ክብል ደይሊ ሜይል ፀብፂቡ።

3 .ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ሰላም ብዝግባእ ዝርዳእን ንሰላም ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ተዛሪቦም። እቲ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ሕቶታትን መትከላት ህዝቢ ትግራይ ዝመለሰ እኳ እንተኾነ ብህፁፅ ተግባራዊ ንክኸውን ብዕቱብ ክሰረሐሉ ይግባእ ኢሎም።

4 . ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብህፁፅ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ። ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት መፍትሒ ክረክብ ዕድል ዝህብ እዩ ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቕልውላው ትግራይ ብህፁፅ ክፍታሕ ይግባእ ድማ ኢሉ። ኩሎም ኢትዮጵያውያንን መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክድግፍ ዝፀውዑ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ፣እንተኾነ ግን ኣብ ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝጠልቡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ስለዘለዉ ንተግባራውነቱ ልዑል ተበግሶ ይሓትት ኢሎም።

5 . ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ቡዙሕ ጉድኣትን ህልቂትን የስዕብ ከምዘሎ ኣብ ቐረባ እዋን ካብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ወገናት ተዛሪቦም። እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ናብ ተግባር ተሸሪፉ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሂወቶም ንምምራሕ ልዑል ባህጊ ከምዘለዎም እውን ኣመልኪቶም።

Joint Statement between the Federal Democratic Republic of Ethiopia                 and The Tigray People's Liberation F...
02/11/2022

Joint Statement between the Federal Democratic Republic of Ethiopia
and
The Tigray People's Liberation Front/TPLF/

1. As per Article 3 of the Agreement for Lasting Peace and Permanent Cessation of Hostilities, the Representatives of the Government of the Federal Democratic Republic of Ethiopia and the TPLF have agreed to announce to the people of Ethiopia and the rest of the world that after 10 days of intensive negotiations have concluded a peace agreement.

2. We have agreed to permanently silence the guns and end the two years of conflict in northern Ethiopia.

3. The conflict has brought a tragic degree of loss of lives and livelihoods and it is in the interest of the entire people of Ethiopia to leave this chapter of conflict behind and live in peace and harmony.

4. It is fundamental that we reaffirmed our commitment to safeguarding the sovereignty and territorial integrity of Ethiopia and to upholding the Constitution of the Federal Democratic Republic of Ethiopia.

Thus, Ethiopia has only one national defense force. We have also agreed on a detailed program of disarmament, demobilization, and reintegration for the TPLF combatants, taking into account the security situation on the ground.

5. We have agreed that the Government of Ethiopia will further enhance its collaboration with humanitarian agencies to continue expediting aid to all those in need of assistance.

6. We have agreed to implement transitional measures that include the restoration of Constitutional order in the Tigray region, a framework for the settlement of political differences, and a Transitional Justice Policy framework to ensure accountability, truth, reconciliation, and healing.

7. To start implementing these undertakings without delay, we have agreed to stop all forms of conflicts, and hostile propaganda. We will only make statements that support the expeditious implementation of the Agreement.

We urge Ethiopians in the country and abroad, to support this Agreement, stop voices of division and hate, and mobilize their resources for economic recovery and rehabilitation of social bonds.

8. The Government of Ethiopia will continue the efforts to restore public services and rebuild the infrastructures of all communities affected by the conflict. Students must go to school, farmers, and pastoralists to their fields, and public servants to their offices.

The Agreement requires the support of the public for its smooth implementation. This is a new and hopeful chapter in the history of the country.

9. We express our gratitude to all actors contributing to the success of this endeavor. In particular, the African Union Commission Chairperson, the African High-Level Panel led by His Excellency former President Olusegun Obasanjo, supported by His Excellency former President Uhuru Kenyatta, and Her Excellency Dr. Phumuzile Mlalmbo, former Deputy President of the Republic of South Africa. We thank the Chairperson of the African Union Commission, His Excellency Mr. Moussa Faki Mahamat, Commissioner Bankole Adeoye and his colleagues for their tireless work during these talks.

We rely on their continued support as we implement the Agreement.

10. We thank His Excellency President Cyril Ramaphosa, the President of the Republic of South Africa, and Her Excellency Dr. Naledi Pandor, the Minister for the Department of International Relations and Cooperation of South Africa for the excellent facilities they put at the disposal of these talks and their words of encouragement to the parties towards these successful results.

We are indebted for the hospitality accorded to us by the People and Government of the Republic of South Africa.

11. We are grateful to the people of Ethiopia for encouraging these talks and patiently waiting for the outcome. We are confident that they will embrace the results of these talks and ensure their timely implementation.

12. Finally, we are confident that friends of Ethiopia and members of the diplomatic community will lend their support in rebuilding infrastructures in affected communities and the economic recovery of the country. We call on all types of media outlets to support peace, reconciliation, unity, and prosperity in Ethiopia.

Jointly Delivered at Pretoria, the Republic of South Africa, on 2nd November 2022.

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray 24 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigray 24:

Videos

Share