17/10/2023
ተረፍቲ ሰብ ዕዳ
ብካሌብ
ህይወት ክብርቲ ህያብ ፈጣሪ እያ፤ ንሕና ኣመንቲ ብምዃና ድሕሪ ሥጋዊ ስለ ዘሎ ዘለኣለማዊ ህይወት እምነት ዘለናን ተስፋ ንገብርን ዋላ እንተዀንና ኣብዛ ምድሪ ዘላትና ጻንሒት ኣነዓዒቕና ክንርኢ ግና ፈጺሙ ኣይከኣለናን።
ኣብዛ ምድሪ ዘለና ጻንሒት ካብ ብፈጣሪ ሓይሊን ፍቓድን ወጻኢ ብዓርስና ውሳነ ብኸምኡ ክንስእንኖ ህሊናና ፈጺሙ ኣይእዘዘልናን እዩ።
ምኽንያቱ እዚ ምድራዊ ህይወት እውን ብዓርሱ ክቡር ህይወት ስለ ዝዀነ።
ንሕጋ ተጋሩ ኣብዛ ምድሪ ብምኽንያት ንምኽንያት ካብ ዝተፈጠሩ ደቂ ሰባት ሓደ ኣካል ኢና፤ ዝተፈለና ፍጥረት ኣይኮናን፤ ስለዚ ስለ ህይወት ካብ ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ደቂ ሰባት ዝተፈለየ ስምዒት ክህልወና ኣይኽእልን።
ኵሉ ትግራዋይ ኣብዛ ምድሪ ዝህልዎ ጻንሒት ከስተማቕር ክብህግ ግድን እዩ፤ ብኣንጻሩ ሚዛን ብዘይህበሉ ምኽንያት ጻንሒቱ ከብቅዕ ክፈቅድ ኣይኽእልን።
እቶም ኣብ በረኻ ዝገደፍናዮም ብጾትና ስለ ህይወት ንምርዳእ ስለ ዘይክእሉ ወይ ድማ ንህይወቶም ዋጋ ስለ ዘይህብዋ ኣይኮኑን ዓርሶም ንሞት ኣሕሊፎም ክህቡ ዝኸኣሉ።
ምኽንያት ኣለዎም፤ ተሪር ምኽንያት፦ እቲ መሪር ዋጋ ህይወት ክኸፍሉ ዘኽኣሎም ምኽንያት ባህጊን ተስፋን እዩ።
እዚ ባህጎምን ተስፋኦምን ካብ ተፈጥሮኣዊ ሕርያ ደቂ ሰባት ዝነቅል ጠለብ ምሉእ ነጻነትን ግብረ መልሲ ስቓይን መጥቃዕቲን እዩ።
ብጾትና ነጻነት እናበሃጉ፤ ህዝቦምን ዓዶምን ሰላም ራህዋን ቅሳነትን ከስተማቕር ተስፋ እናገበሩ እዮም ተሰዊኦም።
እቲ ባህጎም ኮነ ተስፍኦም ሞቶም ጥራይ ከም ዘየምጽኣሎም እውን ይፈልጡ እዮም፤ ግና ሞቶም ምኽንያት ነጻንትና ክኸውን እዩ ርድኢቶም።
እዚ ማለት ተረፍቲ ወይ ህዝቢ ወይ መንግሥቲ እቲ ባህጎምን ተስፍኦምን ብናይ ህይወቶም ዋጋ ከረጋግጾ እዩ ርድኢቶም ኢለ ይኣምን።
እዚ እንተዘይኰይኑ ድኣ ከመይ ኢሉ እዩ ሓደ ሰብ ባዕሉ ንዘይብሉ ጉዳይ ተስፋ ዝገብርን ዋጋ ዝኸፍለሉን ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይንረኽበሉን።
ስለዚ እቶም ዝሰኣናዮም ኣብ ተረፍቲ እውን እዮም ተስፋ ገይሮም ሓዲጎምና ከይዶም ዘለዉ።
ንሕና ብህይወት ዘለና ብጾቶም ህይወትና ትርፊ ህይወት ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ ዕዳ እቶም ስውኣት ዝተሰከመት ከም ዝዀነት እውን ክንርዳእ ኣለና ማለት እዩ።
ዕረፈተ ነፍቲ ንዅሎም ስውኣትና።
መቐለ፤ ትግራይ
ጥቅምቲ ፳፻፲፮ ፡ዓ፡ም።