ኣክሱማይ ሚድያ Aksumai media

ኣክሱማይ ሚድያ Aksumai media ማእደ ጥበብ፤ መልሕቅ ቀርኒ ኣፍሪካ።
(1)

17/10/2023

ተረፍቲ ሰብ ዕዳ
ብካሌብ

ህይወት ክብርቲ ህያብ ፈጣሪ እያ፤ ንሕና ኣመንቲ ብምዃና ድሕሪ ሥጋዊ ስለ ዘሎ ዘለኣለማዊ ህይወት እምነት ዘለናን ተስፋ ንገብርን ዋላ እንተዀንና ኣብዛ ምድሪ ዘላትና ጻንሒት ኣነዓዒቕና ክንርኢ ግና ፈጺሙ ኣይከኣለናን።
ኣብዛ ምድሪ ዘለና ጻንሒት ካብ ብፈጣሪ ሓይሊን ፍቓድን ወጻኢ ብዓርስና ውሳነ ብኸምኡ ክንስእንኖ ህሊናና ፈጺሙ ኣይእዘዘልናን እዩ።
ምኽንያቱ እዚ ምድራዊ ህይወት እውን ብዓርሱ ክቡር ህይወት ስለ ዝዀነ።
ንሕጋ ተጋሩ ኣብዛ ምድሪ ብምኽንያት ንምኽንያት ካብ ዝተፈጠሩ ደቂ ሰባት ሓደ ኣካል ኢና፤ ዝተፈለና ፍጥረት ኣይኮናን፤ ስለዚ ስለ ህይወት ካብ ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ደቂ ሰባት ዝተፈለየ ስምዒት ክህልወና ኣይኽእልን።
ኵሉ ትግራዋይ ኣብዛ ምድሪ ዝህልዎ ጻንሒት ከስተማቕር ክብህግ ግድን እዩ፤ ብኣንጻሩ ሚዛን ብዘይህበሉ ምኽንያት ጻንሒቱ ከብቅዕ ክፈቅድ ኣይኽእልን።
እቶም ኣብ በረኻ ዝገደፍናዮም ብጾትና ስለ ህይወት ንምርዳእ ስለ ዘይክእሉ ወይ ድማ ንህይወቶም ዋጋ ስለ ዘይህብዋ ኣይኮኑን ዓርሶም ንሞት ኣሕሊፎም ክህቡ ዝኸኣሉ።
ምኽንያት ኣለዎም፤ ተሪር ምኽንያት፦ እቲ መሪር ዋጋ ህይወት ክኸፍሉ ዘኽኣሎም ምኽንያት ባህጊን ተስፋን እዩ።
እዚ ባህጎምን ተስፋኦምን ካብ ተፈጥሮኣዊ ሕርያ ደቂ ሰባት ዝነቅል ጠለብ ምሉእ ነጻነትን ግብረ መልሲ ስቓይን መጥቃዕቲን እዩ።
ብጾትና ነጻነት እናበሃጉ፤ ህዝቦምን ዓዶምን ሰላም ራህዋን ቅሳነትን ከስተማቕር ተስፋ እናገበሩ እዮም ተሰዊኦም።
እቲ ባህጎም ኮነ ተስፍኦም ሞቶም ጥራይ ከም ዘየምጽኣሎም እውን ይፈልጡ እዮም፤ ግና ሞቶም ምኽንያት ነጻንትና ክኸውን እዩ ርድኢቶም።
እዚ ማለት ተረፍቲ ወይ ህዝቢ ወይ መንግሥቲ እቲ ባህጎምን ተስፍኦምን ብናይ ህይወቶም ዋጋ ከረጋግጾ እዩ ርድኢቶም ኢለ ይኣምን።
እዚ እንተዘይኰይኑ ድኣ ከመይ ኢሉ እዩ ሓደ ሰብ ባዕሉ ንዘይብሉ ጉዳይ ተስፋ ዝገብርን ዋጋ ዝኸፍለሉን ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይንረኽበሉን።
ስለዚ እቶም ዝሰኣናዮም ኣብ ተረፍቲ እውን እዮም ተስፋ ገይሮም ሓዲጎምና ከይዶም ዘለዉ።
ንሕና ብህይወት ዘለና ብጾቶም ህይወትና ትርፊ ህይወት ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ ዕዳ እቶም ስውኣት ዝተሰከመት ከም ዝዀነት እውን ክንርዳእ ኣለና ማለት እዩ።

ዕረፈተ ነፍቲ ንዅሎም ስውኣትና።
መቐለ፤ ትግራይ
ጥቅምቲ ፳፻፲፮ ፡ዓ፡ም።

17/10/2023
12/09/2023

ዝሓለፈ ፳፻፲፭ ዓመተ ምሕረት ተስፋን ዝቐጸለ ጆኖሳይዳዊ ስቓይን ዝተሓዋወሶ ጊዜ ኰይኑ ሓሊፉ ሎሚ ዕለት ሓዱሽ ዓመት ተቐቢልና ኣለና።
እዚ ሓዱሽ ዓመት ፍትሒን ተሓታትነትን ንምርግጋጽ ዝሓሸ ስዳሮ እንስድረሉ፥ ውሽጣዊ ኩነተ ህላወና እውን ኣብ ፍትሒ ምርግጋጽ ሥልጡን ፖለቲካዊ ምዕባለ መሠረት ዝገበረ ሓበራዊ ዓቕሚ እናገልብተሉ ክኸውን፥ ልዕሊን ቅድሚን ኵሉ ድማ ክሳብ ሐዚ እቶም ናይቲ ኣብ ልዕሌና እናተፈጸመ ዘሎ ሰላሕታዊ ጆኖሳይድ ግዳይ እናዀኑ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወለድናን ተፈናቐልቲ ነናብ መረበቶም ክምለሱን ንቡር ህይወት ንምጅማር ዕድል ክረኽቡ ፈጣሪ ኵሉ ዓለም ክሕግዘና ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ፤
ከም ትካል ንትግራይ ዝምጥን ትካላዊ ቁመና ሒዝና ብኣሓታሚ፥ ቴሌቪዥን ጣቢያ፥ ዋዕላን ግልጋሎታትና ናብ ህዝቢና ነቕርበሉን እዚ ዘመነ መከራን ስቓይን ኣብቂዑ ብሩህ መጻኢና ክንጥምትን ናብ ትንሣኤ ሥልጣነና ከነመዓዱ ዘኽእለና ሥራሕቲ ንምሥራሕ ግቡኡ ንምውጻእ ተበግሶ ከም ዝወስድን መሪሕ ተራ ንምጽዋት ከም ዝጽዕርን ንምርግጋጽ ንፈቱ።

ሠናይ ዓመተ ምሕረት
#ኣክሱማይ
ማእደ ጥበብ

መስከረም ፩ ፡ ፳፻፲፮ ፡ ዓ፡ም።
መቐለ፤ ትግራይ።

02/09/2023
01/09/2023

ጉዕዞ ህይወትና ፍልጠትን ቴክኖሎጂን መሠረት ዝገበረ ክኸውን ኣብ ምዕንባብ ባህሊ ንባብ ትኹረት ምግባር የድልየና።
ሕውየት ኰነ ለውጢ ኢሉ እውን ኵሎም ብሄራዊ ባህጊታትና ኣብ ክሊ ምዕንባብ ባህሊ ንባብ እዮም ዝረጋገጹን ዝፍጸሙን።

ትግራይ እንትተንብብ ብፍልጠት ትጉዓዝ።

#ኣክሱማይ
ማእደ ጥበብ

ኣክሱማይ ኣሓታሚ

31/08/2023

ባህሊ ንባብ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ተካኢ ኣልቦ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ጽልዋ ምስ ማሕበረሰባዊ ዕብየትን ለውጥን እውን ዝተተሓሓዘ እዩ።

እተን ኣብ ዓለም ዝተፈለየ ዕብየትን ለውጥን ዘርአያ ዓዲታት ልዕሊን ቅድሚን ኵሉ ኣብ ባህሊ ንባብ ዝፈጠርኦ ለውጥን ዝሃነጽኦ ዓቕሚን እዩ መሠረተን።

ተጋሩ ህላወና ንምውሓስ ኰነ ብሄራዊ ባህግና ንምስኻዕ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን መሠረት ዝገበረ ዓቕሚ ክንሃንጽ ግድን ይብለና፤ ነዚ ድማ ማእዲ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ንዝኾነ ባህሊ ንባብ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንገብረሉን ክንረባረብን ይግባእ።

ብኣክሱማይ ሚድያ ዝተጣየሸ ኣክሱማይ ኣሓታሚ እዚ ዕዮ ኵለና እዩ ቊልፊ ዕይኡ ገይሩ ተበጊሱ ዘሎ።

ስለዚ ኣብ ህይወቶም ባህሊ ንባብ ክሃንጹን ለውጢ ከምጽኡን ፍልጠት መሠረት ዝገበረ ጉዕዞ ህይወት ክውንኑን ኣባል ማሕበረሰብ ንባብ ኣክሱማይ ይኹኑ።

#ኣክሱማይ
ማእደ ጥበብ

ኣክሱማይ ኣሓታሚ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር

30/08/2023
 እቲ ናይ ፲፱፻፸፯ ዓ፡ም ጥሜት ጉዳይ ድርቂ ዘይኮነስ፣ ልክዕ ኣብ ፲፱፻፴ታት ንሶቭየት ዩክሬይን ከም ዘዕነዋ ጥሜት፣ ንስታሊናዊ ስልቲ ራዕዲ ዝተጠቕመ ማርክሳዊ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ከም...
11/05/2023


እቲ ናይ ፲፱፻፸፯ ዓ፡ም ጥሜት ጉዳይ ድርቂ ዘይኮነስ፣ ልክዕ ኣብ ፲፱፻፴ታት ንሶቭየት ዩክሬይን ከም ዘዕነዋ ጥሜት፣ ንስታሊናዊ ስልቲ ራዕዲ ዝተጠቕመ ማርክሳዊ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ከም ዝኾነ ንምርዳእ ክንዲ ዘኽእለኒ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሥራሕ ጸብጻብ ሠሪሐ እየ።

ሮበርት ዲ ካፕላን፤
ዘካሚንግ ኣናርኪ ኣብ ዝብል መጽሓፉ መቅድም ካብ ዘስፈሮ።

#ኣክሱማይ
ማእደ ጥበብ

 ብመትከል ዘብሔረ ኣግኣዚኣብ ዓለም ብርግፅ ዘይተርፉ ናይ ወዲ ሰብ ዕዳታት ኣለዉ፤ ሞትን ግብሪ መንግሥቲን። ኣብ ትግራይን ተጋሩን ግን ሣልሳይ ኣለዎም፤ ኲናት። አረ ንገሌኦም ተጋሩስ ግብሪ ...
08/05/2023



ብመትከል ዘብሔረ ኣግኣዚ
ኣብ ዓለም ብርግፅ ዘይተርፉ ናይ ወዲ ሰብ ዕዳታት ኣለዉ፤ ሞትን ግብሪ መንግሥቲን። ኣብ ትግራይን ተጋሩን ግን ሣልሳይ ኣለዎም፤ ኲናት። አረ ንገሌኦም ተጋሩስ ግብሪ እውን ኣይዕዳን። እናመጸናን እናምጻእናዮን መዋዕልና እናብረሰናን እናጽነተናን ይርከብ። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ናብታ ሕመረት ትማሊናን መርእዮት፥ መስትያት፥ ጽባሕናን ዝኾነት ኣክሱም መገሻ ገይረ ነይረ። ንስለ መንፈሳዊ ቅሳነተይን ሕሊናዊ ሩፍታይን፡ ኣብ ሕቍፊ ጽዮን ኰይነ ኣንቃዕሪረ ምስ ሓውልቲ ኣክሱም ሓሳባዊ ዕላል ፈለምኩ።

ኣብ ዘበናት ጽንታ፣ ኣብቲ ዘይለኣም ዛንታ

ኣብ ናይ እዋን መንኰራዅር፣ እንታይ እንታይ ትዝክር።

ሕዚ እውን ኣንቃዕሪረ ብግርማኡ ምስ ፈዘዝኩ ሓተትኩዎ።

እኒ ካሌብ ካብ ናግራን፣ እኒ ኢዛና ካብ ቤጃ፣

ብልዕልና ተመሊሶም፣ እንክለብሱ ግምጃ፣

ኣገው ንጉሥ እንትሕባእ፣ ዮሓንስ እንትቕባእ፣

ዮዲት እንትትቕንጽል፣ መሓመድ እንተቃጽል፣

ኣይተ ጥልያን መጺኡ ንሓወይ እንትነቅል፣

ንዅሉ ነይረዮ፤

እንተ ናይ ሎሚ ግን ኣብ ዝኽረይ ስኢነዮ።
በለኒ ብሓዘን።

ኣብ እንዳ ጽዮን ዝነበረኒ ጻንሒት ዛዚመ፣ ሓውልቲ ኣክሱምኳ መቓምርቲ ዝሰኣነሉ ጨፍጫፍ እናስተንተንኩ ብዳዕሮ ዒላ እናወረድኩ ሓደ ጽቡቕ ተኽለ ሰብነት ዘለዎ ጐበዝ ብንኡሽተይ ቈልዓ ተመሪሑ ናብ እንዳ ጽዮን ገጹ እንኪመጽእ ጐፍ ንጐፍ ተጋጠምና፤ ብሓይልታት ጽንተት ክልቴአን ኣዒንቱ ዝሰኣነ ትግራዋይ እዩ።

22/03/2023

#ኣክሱማይ
ማእደ ጥበብ

Address

Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣክሱማይ ሚድያ Aksumai media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ኣክሱማይ ሚድያ Aksumai media:

Videos

Share

Category

Nearby media companies