TDF Tube

TDF Tube ድምፂ ተጋሩ | Voice Of Tegaru
Tdf Consists News, Music, Movie and Documentary in Tigrgna and other Lan

"እቲ ፖለቲካዊ ምርጋፅ ንማንም ትግራዋይ ኣይምጥንን። ሰራዊት ድማ ናይ ማንም ሓሽከር ኣይኮነን"ኣዛዚ ኣርሚ 33 ተጋዳላይ ጀነራል ወልደጅወርግስ [ሸሪፎ] ቃል ብቃል እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመ...
23/08/2024

"እቲ ፖለቲካዊ ምርጋፅ ንማንም ትግራዋይ ኣይምጥንን። ሰራዊት ድማ ናይ ማንም ሓሽከር ኣይኮነን"

ኣዛዚ ኣርሚ 33 ተጋዳላይ ጀነራል ወልደጅወርግስ [ሸሪፎ] ቃል ብቃል እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

"እቲ ኩነታት ካብ መጀመርትኡ መራሕቲ ዘይኮኑስ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክኢልዎ። ኣብ ቦትኡ ዝፀንሐ ዘይተበረዘ፥ ዘይተዛበዐ እውን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ እዩ። እቲ ተጋዳላይ እውን ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝወፀ እዩ። እዚ ህዝቢ እዩ ነቲ ተጋዳላይ "ኣጆኻ" እናበለ፤ ቆሎ ትኹን ገለስ ትኹን እናሃበ ቡዙሓት ኣሃዱታት ክንፈጥር ዝገበረ እዚ ህዝቢ እዚ እዩ።

እዚ ዝገበረ ህዝቢ፤ እቲ ሐዚ ዘሎ ምርጋፅ ፖለቲካ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝምጥን ኣይኮነን። ዓለም ዘንቀጥቀጡ መራሕትና ዘይኮኑስ ህዝብና እዩ፥ መንእሰይና እዩ። ሐዚ ናይዚ ክሕደት ዝመስል ነገር ይስመዐኒ ኣነ ውሽጠይ። ሐዚ ግን ካብ መፀ ባዕሎም እቶም ፖለቲከኛታት ይወድኡ ናይ ባዕሎም ስራሕ እዩ ንሱ።

ጠቕላላ ሰራዊትና ግን ናይ ማንም ሓሽከር ኣይኮነን። ንሕና ናይ ማንም ኣይኮናን። ህዝብና ሰላም ክኾን ኢና ንደሊ። ሉኣላውነትና ክምለስ ኢና ንደሊ፣ ተመዛባላይና ክምለስ ኢና ንደሊ፥ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝቢ ሓራ ክወፅእ ኢና ንደሊ። ኣብዚኣ ኢና ክንረባረብ ዘለና።

እዚ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ከጋጥም ኣይነበሮን። ንማንም ንዓይ እውን ዝነኽአኒ እዩ፥ ንማንም ተጋዳላይ ዝነክእን ዝስመዖን እዩ። ንዓይ እውን ከም ሓደ ተጋዳላይ ይስመዐኒ እዩ።

እዚ ኹሉ ዋጋ ከፊልና ናብ ከምዚ ዓይነት ሕቱኽቱኽ ክንኣቲ ኣይግመትን ነይሩ። ፀላእትና ብዝፈጠርዎ ፕሮጀክት ወይ Home work ኣውኡ ዓሲልና ኣለና። ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣውኡ ከባቢ ደብረኽረኽ ይብሉ ኣለው። ፀላእቲ ሐዚ ምንም ዝደልይዎ ነገር የለን ነቲ ሓዊ ከይሓዊ ምቑስቋስ ጥራሕ እዮም ዝደልዩ። ካልእ ዘፍርሖም ነገር የለን ሕማቕ ነገር ባዕልና ኣምፂእናሎም ኣለና።

እታ ሕማቕ ነገር ባዕሎም ከምዘምፅእዋ ግን ባዕሎም ከዕርይዋ ኣለዎም። ሰራዊት ኣብዚ ከባቢ ትርሙስሙስ ዝብል እንተሃልዩ ዋጋ ኣይብሉን። ኣይምልከተናን ክትብል ኣይትኽእልን። ግን ንህዝቢ ዝርብሽ ነገር ተሃልዩ ኣይንደልን። ኣብዚ ክርብሽ እየ ዝብል ሓይሊ እንተሃልዩ ኣቸጋሪ እዩ።

እቲ ፖለቲካዊ ምርጋፅ ግን ለሚዶምዎ ኣለው ቀልጢፎም ዘይምስትኽኻሎም፥ ቀልጢፎም ዘይምውድኦም ግን ብኡኡ ኢና እንሓዝን። እዚ ንማንም ትግራዋይ ኣይምጥንን። ኣብ ደገ ዘሎ ሓይሊ እውን ይስሕቕ ይኾን እዩ ብኣና። ዘይገመቶ ነገር ስለዝኾነ።

ጀነራል ወልደጅወርግስ ተኽላይ [ሸሪፎ]

#ርኢቶ:

ወርቂ ዝኾነ መልእኽቲ። ኩሉ ሰራዊትና እዛ መትከል እዚኣ ይተሓንገጣ።

21/08/2024

ህዝቢ ትግራይ ብምስሌነ ብልፅግና ኽምራሕ ክፈቅድ የቡሉን

ተወነስ ተዘርጊሓ አላ
17/08/2024

ተወነስ ተዘርጊሓ አላ

Welcome To Merkeb Bonitua official Youtube Channel: Music, Entertain Videos, Behind The Scenes, Will Upload On My YouTube Channel. Thank You For Your Support

16/08/2024

ሎሚ ምሸት ተወነስ ሙዚቃ ብልጅ በላይ ሓየሎም ማሙሻ fidel production ኣብ Merkeb bonitua YouTube ቻናል ክትዝርጋሕያ https://youtube.com/?si=-423BdawRaFf3oWu

13/08/2024

ሓደ ሓደ ተጋሩ ሙሩኻት እናበሉ አካል እቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ከንቋሹሹ ንሪኢ አለና

11/08/2024

Merkeb Bonitua

ተወነስ መርከብ ቦኒትዋ ኣብ ቀረባ እዋን good luck Bonitua👏👌🙏
11/08/2024

ተወነስ መርከብ ቦኒትዋ ኣብ ቀረባ እዋን good luck Bonitua👏👌🙏

ተወነስ ኣብ ቀረባ መዓልቲ new Guayla hiphop coming soon

ትግራይ ዓደይ ወላዲተይክብረይ ኢኺ መንነተይhttps://youtu.be/kH9YlcnPA5o?si=mEHhmnoOSku7X3k0
10/08/2024

ትግራይ ዓደይ ወላዲተይክብረይ ኢኺ መንነተይhttps://youtu.be/kH9YlcnPA5o?si=mEHhmnoOSku7X3k0

GEM Tv :- Zenawi Hailmaryam - ሓደ ሓደ | Hade Hade - New Tigrigna Music 2024 [Official Video] ሓደ ሓደድምፃዊ...ዜናዊ ሃይለማርያም (ዛኒ)ft. ራሄል ሃይለዜማ......ዜናዊ ሃይለማርያም (ዛኒ)...

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይህዝቢ ትግራይ ብዝጋጥሞ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምምካት ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ስሚሩ ክቡር ዋጋ ኸፊሉ ዓወት ኣመዝጊቡ ናብ ሰላማውን ፖለቲካው...
08/08/2024

መግለፂ ቅዋም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ብዝጋጥሞ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምምካት ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ስሚሩ ክቡር ዋጋ ኸፊሉ ዓወት ኣመዝጊቡ ናብ ሰላማውን ፖለቲካውን ናይ ቃልሲ መድረኽ ተሰጋጊርና ንርከብ ።

ኣብዚ ንርከበሉ መድረኽ ዝጅመርናዮ ሰላማዊ መንገዲ ንምጥንኻር ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ብምትግባር ፣ ኣብ ሉኣላዊነት ምኽባር ፣ ኣብ ፀጥታን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፀጥታ ሓይልና ፣ መኸተና ዘለዎ ብርክን ሕዚ ዘለዎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ፣ ቀፃሊ ተግባራት ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ኩነታት ትግራይን ቀፃሊ ተግባራት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን መንግስቲ ኣብ ዝዳለዎ መድረኽ ብዝርዝር ተመያይጥና ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝበፃሕና እንትኮን ዝተመያይጥናሎም ሓሳባት መሰረት ገይርና ኣብ መወዳእታ ዝስዕብ በዓል 9 ነጥቢ ቅዋም መግለፂ ኣቕረብና ኣለና፡፡

1.ህዝቢ ትግራይ ንህልወንኡ ክብል ካብ ብርሰትን ዝተኣወጀሉ ፅንታት ንምድሓን ኢሉ እዩ ክባር መስዋእቲ ኸፊሉ፡፡ እዚ ዓለም ዘስደመመ ምኽንያታዊ ቃልስን ተጋድሎን ንዘለኣለም እናተኸበረ ክነብር እዩ ። በዚ መዳይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ቃልስን መስዋእትነትን ዘራኸስን ዘመራስሕን ዝኾነ ይኹን ተግባር ይኹን ሓሳብ ፈጺምና ከምዘይንቕበልን ከምንቃልስን ክንገልፅ ንደሊ ።

2.ብቓልስና ካብ ኩናት ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ኣቲና ኣለና፡፡ ዝጀመርናዮ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ዝፀንሑን ዘለዉ ፀገማት ብሰላማውን ሕጋዊ መንገዲን ጥራሕ ክፍፀሙ ዝተረኸበ ሰላም ብዝለዓለ ተጠናኺሩ ንኸቕፅል ኣበርቲዕና ከምንቃልስ ንገልፅ ።

3.ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተጀመረ ሉኣላውነት ናይ ምኽባር ተግባርን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ከምኡ'ውን ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ ዝተጀመረ ኣወንታዊ ተግባር እናነኣድና ተሪፉና ዘሎ ስራሕቲ ኣብ ሓፂር ጊዜ ንኽፍፀም ኩሉ መዳይ ርብርብ ከምንገብር ንገልፅ :

4.ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታን ትግራይን ኣመራርሕኡን ኮነ ተባሂሉ ንምፅላም ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ መኸተ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምኽባስን ካብ ዘሎ ሕዱር ኣጀንዳ ዝብገስ ምዃኑን ፍሉጥ እዩ ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ውሕስና ዘይብሉ ቀፃሊ ቃልሱን መኸተኡን ኣብ ፀገም ንምእታውን በዚ ኣቢሎም ድላዮም ክገብሩ ንምግባር ሓሲቦም ዝገብርዎ ዘሎ ተግባር እዩ ። ብምዃኑ ውን እዚ ምንቅስቓስ ደው ክብል ክግበር ፣ መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ መአረምታ ክገብረሉ ፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይን ትካልናን ኣድላዪ ዘበለ ሕጋዊ ተሓታትነት ከምንወስድን ከምንቃልስን ክንገልፅ ንፈቱ ።

5.ኣብ ቃልስን መኸተን ህዝቢ ትግራይ ብልሒ ጫፍ ናይቲ ቃልሲ ኮይኑ ኩሉ ዓይነት ተኣመራዊ ተጋድሎ ዝፈፀመ ሓይሊ ፀጥታና ብቐፃልነት ንምጥንኻርን ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ዝፍፀሙ ተግባራት ክፍፀሙን ቀፃልነትዝህሉ ተግባራት ዘድሊ ኩሉ ንምምላእ መንግስቲ ዝጅመሮ ልዑል ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ንፅውዕ ።

6. ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ዝተጀመረ ፀረ ግዕዝይና ቃልስን ውሕስ ሰላምን ፀጥታን ንምኽባር ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅልን መላእ ህዝብና ዘሳተፍ ኩሉ መዳይ ርብርብ ክግበርን ተሓታትነት ዘረጋገፅ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ንተግባራውነቱ ካባና ዘድሊ ኩሉ ከምንፍፅም ነረጋግፅ፡፡

7.ንብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃረር፤ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ዝዘርግ ንክብርታትናን ተጋድሎን ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ፣ ብድሕረት ዝተፈላለየ ረብሓታት ንምምላእ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰላምን ፀጥታን ህዝብና ዝዘርግ ዝኾነ ይኹን ተግባር ኣጥቢቕና ከምንቃልሶ ክንገልፅ ንፈቱ ።

8.ኣብ ትግራይ ዝካይድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብዝሰልጠነን ዴሞክራስያውን መንገዲ ንክፍፀም ኩሉ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዕድል ረኺቦም ብዴሞክራስያውን ሕጋውን መንገዲ ምንቅስቓስ ክግበር ፅኑዕ እመነትና እዩ፡፡ ካብዚ ሰጊሩ ንሰላም ፣ ድሕንነትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ዝትንክፍ ከምዘይንቕበሎ እናገለፅና ንሕና ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ናፃ ኮይና ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይንቕርብ፣ ፖለቲካ ትግራይ ብደቂ ትግራይ እመበር ካብ ደገ ዝፀዓን ከምዘይንቕበል እናገለፅና ኣብዚ መዳይ ንዝህሉ ጉድለት ብትረት ከምንቃልስ ቃል ነረጋግፅ

9.ዝጀመርናዮ ውዕል ፕሪቶርያ ናይ ምትግባር ምንቅስቓስ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሓቢርካ ዝግበር ዘሎ ስራሕ እናነኣድና ተሪፎም ዘለው ተግባራት ኣብ ሓፂር ጊዜ ንኸፍፀሙ ዘጋጥሙ ዘለው ዕንቅፋታት ንኸእለዩን በቲ ውዕል መሰረት ንኽፍፀሙን ፃውዒትና ነቕርብ ።
ዝኸበርካ ንኹሉ ብድሆታት ዓፀቦን በዲህኻ ቃልስን ዓወትን ሕላገትካ ዝኾነ ሓላልን ፅንዑን ህዝብና ዕላማና ቀፃሊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገዲ ከም ትማሊ ሓድነትካ ኣስጢምካ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክትቅፅል ፃውዒትና ነቕርብ ፡፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ድማ ንሃላዋትካን ድሕንነተካን ኩሉ ግዘ ኣብ ቅድሚት ምህላውና ክነረጋገፀልካ ንደሊ፡፡

ዝኸበርኩም ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ- ምእንተ ውሑስ ሃላዋት ትግራይና ትኸፍሎ ዘለኻ ክቡር መስዋእቲ ኩሉ ህዝቢ ዝምስክሮን ዝሕበነሉን ተግባር ኮይኑ ሕዚ እውን ከምወትሩኻ ኣብቲ ኣቲናዮ ዘለና ሰለማዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ብዝለዓለ ድስፕሊንን ተወፋይነትን ዝወሃበካ መደባት ክትፍፅም ፃውዒትና ነቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ ዓዲ ልዕሊ ቁፅርኹም ንህልውና ህዝብኹም ፍሉይ ተጋድሎን መስተንክርን ዝፈፀምኩም ዲያስፖራ ተጋሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቃልስኹም ሕዚ እውን ገና እዩ ሓድነትኩም ኣስጢምኩም ቃልስኹም ኣበርቲዕኹም ክትቅፅሉ ፃውዒትና ነቕርብ
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንሰማእታትና
ካብ ድረገፅ Tigray People's Liberation Front/TPLF/ ዝተወሰደ
o
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ
2 ነሓሰ 2016 ዓ/ም
መቐለ

05/08/2024

 #ተጋዳላይ

28/07/2024

ኣቦ-ወንበር ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣድሂቡ ካብ ዝሃቦ መብርሂ

እዚ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት መዛዘሚ’ዩ። ድሕሪ መድረኽ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግና ህወሓት ዝመፁ ዘረባታት ኣለው። ዝሓለፉ መድረኻት ዕውታት ነይሮም። ኣብ ኣመራርሓ ዘሎ ሕመቕ ወፂኡ’ዩ። ባህሪኡ ናይቲ መድረኽ ከምቲ ሕዚ ንሰምዖ ዘለና ድዩ? ክፀሪ ኣለዎ። ብዛዕባ ዴሞክራስያውነቱ ክነልዕል እንተኾይና ሓሳባት ክሳብ ክንደይ ተሸራሺሮም። እዚ መድረኽ ናብ ኣባልን ህዝብን ወሪዱ’ዩ። ክሳብ 1 ሚልዮን ህዝቢ ተሳቲፉሉ’ዩ። ኩሉ ሓሳቡ ዝገልፀሉ ኣብ ውድቡ ዝረኣዮ ሕመቕ ኣብ ኣመራርሓ ዝረአ ፀገም ክኹንነሉ ዝድለየሉ ክልወጥ ዝደለ’ውን ገሊፁ እዩ። መድረኽ ኢሂን ምሂን ማለት እዚ’ዩ። ብዛዕባ ጉባኤ’ውን ኩሉ ህዝቢ ቀልጢፍኩም ኣካይድዋ ‘ዩ ኢሉና። ስለዚ ሽግርና ኣብ ናይ ሓደጋ መፍትሕታት ምርድዳእ እዩ ተገይሩ። ስለዚ ኣብ’ዛ መዛዘሚት መድረኽ ዝጎደለና መሊእናላ ኢና። ስለዚ እቲ መድረኻት ግዜ ዝወሰደ ብጣዕሚ ዴሞክራሲያዊ፣ ግልፅን ኣሳታፍን ዕዉት’ዩ ነይሩ። ውድብ ንባዕሉ ክፍትሕ ኣመራር’ውን ንባዕሉ ክርኢ ንቐፃሊ ሓሳባት’ውን ክወስድ ኣዕርዩ ሓጊዝዎ’ዩ። እዚ መድረኽ መዛዘሚ’ዩ ብዝብል ኣርባዕተ መዓልቲ ኢና ሒዝና ነይርና፤ ግና ካብቲ ተብሃለ ንላዕሊ ወሲዱ፤ ሓሳብ ስለዝበዝሐ ተናዊሑ። 1030 ተሳታፊ መፂኡ ሰፊሕ ዕድል ተዋሂቡ ድላይካ ትዛረበሉ ነይሩ ገሊኡ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓት ዝተዛረበሉ ነይሩ። ይኹን’ምበር ሕዚ ኣብ መኸተ እናሃለና ገሊኡ ዘየድሊ ንመኸተ ዝጎድእ ምሽጥር ኣብ መድረኽ ተነስኒሱ’ዩ። ብልክዑ እንተዝኸውን ምሓሸ ነይሩ ግና ወፂኡ’ዩ። ንምሕዋይ እንተኾይኑ ካብ ተሸፋፊንካ ምዝራብ ይሓይሽ ።እቲ መድረኽ ልቂ ነይሩ።ከምኡ ኢልካ ክትከርም ስለዘይትኽእል ብድምፂ ክዛዘም ብምግባር ካብ 1030 ተሳታፊ ብዜካ ኣርባዕተ ተቓውሞን ሰለስተ ድምፀ ተዓቅቦ ብኣብዘሓ ድምፂ ተዛዚሙ። ብተቓውሞ ዝጀመሩ ኣካላት ግልፂ ኮይኑልና ኢሎም ነቲ መዛዘሚ ሓሳብ ዝደገፍዎ ነይሮም። ሓድነት ኣተሓሳስባ ማለት እዚ’ዩ። ብግዲ ኢዱ ዘውፅእ ሰብ የለን። ነቲ መድረኽ ናይ ካድረ ዘፀልሙ ኣርባዕተ ሰለስተ ይዛረቡ ስለዘለው’የ ሕዚ ዘልዕሎ ዘለኹ። ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ዝፈጠረ ዘይስሙ ምሃብ ስለዘሎ’ዩ። ብምዳይ ድስፕሊን ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ’ኮ ተጣሒሱ እዩ። ካብ ቁፅፅር ኮሚሽንን ካልኦትን ዝተዛረብዎ ብተቓውሞ ዝወፁ’ዮም። ዋእ እዚ ኣብ ሚዲያ ንምንታይ ይወፅእ? ተወዲኣ እንዲያ። “ናተይ ሓሳብ ስለዝይሰዓረን ልዕልነት ዘይረኸበን ነቲ መድረኽ ዴሞክራሲያዊ ኣይነበረን“ ክበሃል እዚ ብጣዕሚ ሓደገኛ’ዩ። እዚ ባዕሉ ፀረ ዴሞክራሲ’ዩ። እዚ ኣብዘሓ ዝወሰኖ ምጥሓስን ቀይዲ በተኽ ኣከያይዳታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ኣመራርሓ ውድብ ‘ኮ ግዚኡ ኣሕሊፉ’ዩ፤ ኣነ’ውን ግዘይ ኣሕሊፈ’የ ግዜና ኣሕሊፍና እናሃለናስ “ንቐፅል” ክበሃል ኣቦ መንበርን ግዛዕን እናተባሃልና ክነቅፅል ኣይንኽእልን። ኣብ ቦርድ መረፃ እንተይኮነስ ብመሰረት ኣብ ውድብ መተሓዳደሪ ደንቢ ። ስለዚ እታ ጉባኤ ኣነ ይደልያ። ዳርጋ ብጉልቦትና ንኸድ ኣለና ማለት እኮ እዩ። ቁፅፅር ኮሚሽን’ውን ከምቲ ካሊእ ወዲኡ እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ይመኻነ ነይሩ ድሕሪ ሰላም ግና ክፀንሕ ኣይነበሮን። ስልዘይተለዓልኩስ “ኣቦ መንበር’የ” እናበልኩ ክኸድ ጌጋ’ዩ። ጉባኤ ብህፁፅ ክክያድ ኣለዎ። ነዚ ዝቃወም ግና ካብ ሓላፍነት ክወርድ ዘይደሊ’ዩ። ስለዚ ጉባኤተኛ ዝመርፆ እናሃለወ ጉባኤ ይካየድ ክበሃል እንተሎ “ስልጣን ክቕፅል ደልዩ እዩ” ክበሃል ጌጋ’ዩ። በቲ ኣሰራርሓ ኣብ እዋን ጉባኤ ኣነ ይኹን ኩሉ ወሪዱ ተራ ኣባል ተሳተፍቲ እዩ ዝኾን ዘሎ። ኩሉ ከከም ስርሑ ይምረፅ ወይ ተነቒፉ ይወርድ። ንሕና’ውን ሓዱሽ ሰብ ኢና ንደሊ። ሓዱሽ ወለዶ ክመፅእ ድማ ስልጣን እቲ ጉባኤ እዩ።

ካልእ ክረአ ዘለዎ ንካድረን መድረኽን “ዕስለ’ ኣይበሃልን ነውሪ’ዩ። “ኣነ ልዕሊ ኩሉ እየ’ውን” ኣይበሃልን። ሓሳበይ ተቐባልነት ስለዝይረኸበ ኢልካ መድረኻት ምፅላም ኣይግባእን፤ ክእረም ይግበኦ። ሓሳብካ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ድማ ስርዓት ትገብር። ኣብ መኸተ መስዋእቲ ዝኸፈለ ካድረ’ውን ምንዕዓቕ ኣሎ። እዚ ካብ መዓት ዝተረፈ ተጋዳላይ ካድረ ብዕስለነት ክፅዋዕ መሕዘኒ’ዩ ነውራም’ዩ፤ እዚ እዩ ፀለመን ፀረ -ዲሞክራስን ክበሃል ዘለዎ።ትካላውነት እናጠሓስካ “ቁፅፅር ኮሚሽን’የ” ክትብል ኣይትኽእልን። ኣብ ውሽጢ ውድብ ክውዳእ እናተገበኦ ፈቖድኡ እናኸድካ ዝንስነስ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ኣፈላላይካ ኣብ መድረኽ ይቐርብ ትካላታዕ ይውሰን። እዚ ህዝቢ ፀገም ዝፈትሕ እንተይኮነስ ተመዛባላይ ከይምለስ ክናዋሕ ዝገብር፣ ህዝቢ ዘሻቕል ዘረባ እንታይ ይጥቀሙ? ጉባኤ ዘድለየና ድማ ኩሉ በቦትኡ ስለዝሕዝ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ክንዲ ንውድብካ ምስዋእ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ንውድቡ ከም “ኣክትቪስት” ከፀልም ምርኣይን ምስማዕን’ዩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ ታይ ገበረ? ስርዓት ግበሩ’ዩ ክበሃል ዘለዎ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ጥራይ እንተይኮነስ ኮሚቴታት ኣጣይሽና ዝተኻየደ ፅሬት ቀሪቡ እዩ። ቀደም ኣብ ውድብና ዋላ ሰብ ዘይረኣዮ ተጋዳላይ ዕጥቁ ፈቲሑ “ኣጥፊአ እየ ቅፅዑኒ” ይብል ነይሩ። ሎሚ ግና ሽሕ ምስክራት ሒዝካ ጥፍኣቱ ዘይቕበል ኣመራርሓ ‘ኮ እዩ ዝንሄና። ካብኡ ከም መርማሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ዝወሰደ ናብ ምፅራይ ክንከድ ተገዲድና። ውድብ ባዕሉ ፈትሹ ብግዕዝይና ዘጠርጥሮመ ዝቐረበ ኣሎ። ኣብ መረዳእታ ተደሪኽካ ስጉምቲ ምውሳድ’ውን ንድሕሪት ክንብል የብልናን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣመራርሓ’ውን ብሕጊ ዝሕተት ይተሓተት። ብስም ካድረን ኣመራርሓ ኣብ ውድብ ተሸፋፊንካ ክትከይድ የብላን፤ ወፂኣ ናብ ተሓታትነት ትስገር። ፖለቲካዊ ተሓታትነትን ምምሕዳራዊ ስጉምትን ንድግፎ ኢና።ሌላን ጉሌላን ምውፃእ ግና ፀገም’ያ ተምፅእ።


27/07/2024

ህወሓት ሓሚቐ እየ ኽፀር እየ ጥዑይ ጌረ ክመርሕ አይኸአልኹይ ናመሪሕነት ዘመነይ ሓሊፉ እዩ ሓዱሽ መሪሕነት ነቲ ዉድብ ዝምጥኑ ከምኡዉን ነቲ ህዝቢ ዉን ካብቲ ዘለዎ ፀበባን ፀገምን ዘዉፅእ ግዝአታዊ ሓድነት ትግራይ በቲ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ መሰረት ዝመልስ ዝተምሃረ ዓቅሚ ዘለዎ ሓይሊ ይተካእ ማለትሲ ታይ እዩ ፀገም ዘለዎ

21/07/2024

christening Nethan Yonas

16/07/2024

#ተጋዳላይ #ብፃይ

Big shout out to my newest top fans! 💎Yordanos Kahsay, Astada Aragewi, Sidona Temsgen, Msgna Michael, Teklay Yirga, Biru...
03/07/2024

Big shout out to my newest top fans! 💎

Yordanos Kahsay, Astada Aragewi, Sidona Temsgen, Msgna Michael, Teklay Yirga, Biruk Workineh, Slas Welehawarya, Kidanu Lebelo, Tsegay zeru, Abduusayid Abduu

Drop a comment to welcome them to our community, fans

01/07/2024

01/07/2024
29/06/2024

#ብፃይ

 #ተጋዳላይ
28/06/2024

#ተጋዳላይ

25/06/2024

Address

London

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TDF Tube posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to TDF Tube:

Videos

Share


Other Broadcasting & media production in London

Show All