MR N M GEBRU

MR N M GEBRU Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from MR N M GEBRU, Digital creator, London.
(1)

ትግራይ: 'ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኻ ዝኸፍአ ወራር ኣንበጣ ኣጋጢምዋ ኣሎ'14 ነሓሰ 2023ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ “ትግራይ ከቢድ ወራር ኣንበጣ በረኻ ኣጋጢምዋ ...
15/08/2023

ትግራይ: 'ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኻ ዝኸፍአ ወራር ኣንበጣ ኣጋጢምዋ ኣሎ'

14 ነሓሰ 2023
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ “ትግራይ ከቢድ ወራር ኣንበጣ በረኻ ኣጋጢምዋ ኣሎ” ክብል ንምሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ገለ ወረዳታት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ንቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ትግራይ ጠቒሱ ጸብጺቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ካብ የመንን ሶማልያን ከምዝተበገሰ ዝግመት ኣንበጣ በረኻ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጫጭሐ ከምዝዀነ መረዳእታት ይሕብሩ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ትማሊ ብትዊተሩ ዝዝርገሖ ሓበሬታ፡ “ህዝቢ ትግራይ፣ ፈተውቲ፣ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እቲ ገዚፍ መጠን ዘለዎ ሓደጋ ንምምካት ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ፃውዒት የቕርብ” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓላፊ ርክብ ርክብ ህዝቢ ሚኪኤለ ምሩጽ ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት፡ ማlት'ውን ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ጉድኣት ከምዘብጸሐ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ካብ ሓምለ 20 ጀሚሩ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከምዝተራእየ ዝሓበረ እቲ በዓል ሞያ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣብ 9 ወረዳታት፣ ኣብተን ካልኦት ዞባታት ድማ ኣብ ነፍሲወከፈን ኣብ ሰሰለስተ ወረዳታት ከምዝኣተወ ሓቢሩ።
ሐዚ ኣብ ሰፋሕቲ ወረዳታት ዘራእቲ ከጥቅዕ ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ በዓል ሞያ፡ ዛጊድ ዝበጽሐ ጉድኣት ንምግላጽ መጻናዕቲ ከምዘድሊ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ዕስለ፡ ቀዲሙ ኣብ ወረዳታት ኣጽቢ ወንበርታ፣ ክልተ-ኣውላዕሎ፣ ሰውሓ-ሳዕሲዕን እንደርታን ብብዝሒ ከምዝተራእየ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኡ፡ እቲ ኣንበጣ በረኻ "ትግራይ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓደጋ’ ክብል ከቢድ ምዃኑ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዛጊድ እንታይ ዝኣክል ጉድኣት ከምዘብጸሐ ኣይጠቐሰን።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 22 ሓምለ 2015 ዓ/ም [ኣግ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣሕሊፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተራእየ ዝገምገመ እቲ ካቢነ፡ ሓይሊ ዕማም ከቕውም ወሲኑ ኣሎ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘራእትን ተፈጥሮን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣንበጣ በረኻ ናብቲ ክልል ብኽልተ ኣንፈት፡ ማለት’ውን ብምብራቕን ደቡብን ኣንፈታት ክኣቱ እዩ ዝረአ።
ስግኣታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ ከሚካልን ብባህላውን መገዲ ንምክልኻል ምድልዋት ተገይሩ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ይገልፅ።

BBC News Tigrinya

 !እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘይ ናይ ክሲ ንክንድዚ ምዓልትታት ክእሰሩ ከለው ንከፍትሖም ዓቕሚ ድዩ ዘይብሉ ኮይኑ ዋላ ዘይሰምዐ እዩ? !
14/07/2023

!

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘይ ናይ ክሲ ንክንድዚ ምዓልትታት ክእሰሩ ከለው ንከፍትሖም ዓቕሚ ድዩ ዘይብሉ ኮይኑ ዋላ ዘይሰምዐ እዩ?

!

14/01/2023

TDF ኩሉ ዘጥዕመሉ!❤️💛😍😍

30/10/2022
24/10/2022

እንካዕ ንዓመታዊ ባዓል ገዳም ኣብነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ ኣብፅሓና።

ህዝብናንን ዓድናን ሓደራ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ፃድቕ በረከትን ረድኤትን ኣይፈለየና።

ንህዝብና ካብ ስቓይን መከራን ይሓልወልና!

10/10/2022

የእግዚአብሔርን ቤተ መቅደስ የሚዳፈር የሚያፈርስ እግዚአብሔር ያፈርሰዋል፤ የእግዚአብሔር ቤተ መቅደስ ቅዱስ ነውና።

በኢትዮጵያ ጦር የወደመው የፀሊሞይ ኪዳነ-ምህረት ቤተክርስቲያን!

03/10/2022

ተጋሩ ነበርቲ ድሬዳዋ!

ጋእ ሰጋእ ከይበሉ ኣራዊት ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮን ዝፍፅሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝድግፍ መልክዑ ሱቕ ምባሉ ኣብ መንጋጋ ኣፍ ፀላኢ ኮይኖም ብግልፂ ተቓዊሞም።

ትግራይ ትስዕር!

01/10/2022

እንተተኻኢሉ ሰበይተይ ኣምፂኤ ኣብዚ ክነበር!

ምኽትል መራሒ ሓይሊ ወታደር ሬርትራ!

01/10/2022

TDF…ወኒ😍. ❤️💛. 🔥🔥🔥

01/10/2022

ብኣልማማ ኩሉ ከይትፀልኦ ከምዚኦም ዝበሉ ኤርትራውያን ሰብ ሕልና እውን ኣለው።

28/09/2022

ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ መዓልቲ መስቀል ብሚግ_29 ዝተካየደ ደብዳብ!💔

28/09/2022

ናይ መበል 11 ክፍለ ሰራዊት መራሒ ዝነበረ ምሩኽ ኮ/ል መኳንንት ደሴ ብትግርኛ ዝገበሮ ቃለ ምሕተት!

ለለዋ..                                                  ለይብላ..
26/09/2022

ለለዋ.. ለይብላ..

26/09/2022

ዝወዓለ ይንገርካ!

ብወገን በርሓለ፡ ዓፋር፡ ዝተማረኹ ሰራዊት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ እንታይ ይብሉ!

https://youtu.be/fFenww9B_Ug

25/09/2022

ንታሪክ ዝግደፍ ካሊእ መረዳእታ ቪድዮ!

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ቃልኪዳን ኣሲሮም ብሓባር ኣብ ወራር ኅተሳተፉሉ ዘርኢ ቪድዮ እዩ።

ፅባሕ ካሊእ እዩ ከምዚኦም ዝመሰሉ ምስልታት ምሓዝ ጠቓሚ እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ወራር ትግራይ!

25/09/2022

ተኣምር እዩ ብራኸ ብቕዓት ☝️👌

25/09/2022

TDF… 🔥

ሆያ..ሆየ... ጀግና ብዓል መትከል ሰራዊትና እንኳዕ ኣብፀሓካ!❤️💛

25/09/2022

ሰራዊትና (TDF) ነዞም ሙሩኻት ቅርሲ ጌርዎም ይሰኣለሎም ኣሎ!?😂🤪

24/09/2022

ኣብ ዓፋር ግንባር በራሕለ ዝተማረኩ ኣራዊት ኤርትራ!

Video: Tigrai Television

24/09/2022

እሙን ዋሕስ ትግራይን ህዝባን፤ ህዝባዊ ሰራዊትና!

24/09/2022

ተጋዳላይ ኣርቲስት ሕሉፍ ኣለሙ፤

ተጋዳላይ ሕሉሉፍ ኣፍቲ ፀልማት እዋን ኣብ ጉዕዞ እንዳሃለወ ፤ ኣጋጣሚ ምስ ሓትንኡ ክራኸቡ ከለው ዝነበረ ናይ ሓትንኡ ልቢ ዝትንክፍ ኣጋጣሚ!❤️

19/07/2022

ዋዕሮ: ብቕዓትን ድፍረትን! ❤️💛

04/07/2022

ህዝብና ካብ ዝኸፍኣ ናብ ዝኸፍኣ እናተሰጋገረ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ።

ልቢ ይሰብር!💔

Address

London

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when MR N M GEBRU posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to MR N M GEBRU:

Videos

Share

  • 457Games

    457Games

    92 the larches, Palmers Green