Tigray Times

Tigray Times Serving the truth!!

13/09/2024

ንምድልዳል ስልጣን መረዳእታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዘጥፍእ ዘሎ ጌታቸው ረዳ

Daniel Berhane ካብ ክትዕ Kamal Harris Vs Donald Trump መረፃ ኣሜሪካ 2024 ካብ ናይ  #ትራምፕ ብዙሕ ቁምነገር ዝወሰድካሉ ምኽንያት ሕቡእ ኣይኮነን። Donal Tr...
13/09/2024

Daniel Berhane ካብ ክትዕ Kamal Harris Vs Donald Trump መረፃ ኣሜሪካ 2024 ካብ ናይ #ትራምፕ ብዙሕ ቁምነገር ዝወሰድካሉ ምኽንያት ሕቡእ ኣይኮነን።

Donal Trump @ JD Vance ክልቲኦ ኣብ ውሽጢ Getachew K Reda ኣለው። ናይ ክልቲኦም ሓሳውነት ተደሚሩ ሓደ እዮም።

1) Donal Trump & JD Vance ኣብዚ መረፃ ክስዕሩ #ዘርኣዊነት መሳርሒ ይገብሩ ኣለው። ከባብያዊነት ኣብ ግ/ም/ት ኣቦወንበር ኮይኑ ክቕፅል ይሰርሐሉ ኣሎ።

2) Donal Trump & JD Vance ብዙሕ ሓሶታት ናይ መጥቃዕቲ ኣፅዋራት ይጥቀሙ ኣለው።
ሀ) ናይ ዩክሬን ራሻ ኩናት ናይ Joe Biden & Kamala Harris ስንፍና እዩ ኢሎም።

ለ) Kamala Harris ክትምረፅ Putin ይደሊ እዩ ኢሎም። ፑቲን ካማላ ሃሪስ ክትምረፅ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ እዩ። ግን ንምምራፅ ዶናልድ ትራምፕ ብሓጋዛይ ምኽንያት እዩ። ትራምፕ ግን ክጥቀመሉ ፈቲኑ።

ሐ) Trump ንካማላ ሃሪስ "ማርክሲስት" እያ ኢሉ።

ናይ #ትራምፕ ሓሶት ናብ ልዕሊ 20ሽሕ ምብፅሑ ኣሜሪካውያን ሚድያታት ነጊሮም እዮም።

2) ዝተጠቐሞም ናይ ሓሶት ኣፅዋራት

ሀ) ግ/ም/ት ከይሰርሕ ህወሓት የዕንቅፍ ኣሎ። ኢሉ።

ለ) ህወሓት ጉባኤ ንክገብር ናይ ደገ ዘይፍለጥ ደጀን ተኣማሚኑ እዩ። ኢሉ።

ሐ) እኒ ደብረፅዮን ንህወሓት በቲ ዝወፅአ ኣዋጅ ከም ሓዱሽ ንክምዝገብ ሓቲቶም። ኢሉ።

መ) #ፃድቃን (ናይ ጌታቸው ረዳ መኻሪ ወይ ገናሒ) ህወሓት ኣብ ናይ ፀጋም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ እዩ ዘሎ። ኢሉ።

ካብ ሓሰውቲ እምበር ካብ #ሓቀኛታት ቁምነገር ክትረክብ የብልካን። ነዚ ተፈጥራዊ ቅሩብነት #ክትንፈግ ምኽንያት ዝኾኑኻ 2 መሰረታት
ሀ) ኣብ እዋን ኩናት ጆኖሳይድ ትግራይ ንድሕንነትን ህልውናን ትግራይ ክሒድካ ተሓቢእኻ ስለዝሓለፍካ ብእኒ ን ተቐባልነት ስለዝሓርመካ እኒ ዘጥፋእኻ ኣጥፍእ: ዝኸሓድካ ክሓድ ንድጋፎም ስለዝደልዩኻ: ሓደ ነጥቢ እዩ

ለ) ኣብ ሓደ ናይ FB መልእኽትኻ ናይ ናብራ ፀገም ከም ዘይብልካ ዘርጊሕኻ ነይርካ። ርኹብ ምዃንካ እዩ ዝገልፅ። ትግራይ ዝነበረቶን ዘለቶን ሕማቕ ምዕራፍ ተበሊፆም ልዕሊ ምቅላስ ውልቃዊ ጅብኦም ክነድቁ ብዙሓት ብዘስደምም ሰሪሖም እዮም። ንስኻ ካብዚኦም ብዙሕ ዘይክትፍለ ትኽእል።
ኣብ ውልቃዊ ህንፋፈ ትግሃትካ ስለዝዓዘዘ: ሽውሃትካ ክዕገስ ዝኽእል ብእኒ እምበር: ብእኒ ከም ዘይመልአልካ ብልክዕ ኣሚንካ ኢኻ።

ዳንኤል ብርሃነ ምስ ዘይኮነስ ከመይ ትጥርነቕ እዩ።

ሓሶት ዘድንቕ ሕማም

ጌታቸው ረዳ ስልጣኑ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ወንጀለኛታት ንዓዶም ሰዲድዎም ኣሎ። ናብ ሕጊ ክቐሮብ ኣለዎ። ክሲ ኣብ ትግራይ ይመስረተሉ።
13/09/2024

ጌታቸው ረዳ ስልጣኑ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ወንጀለኛታት ንዓዶም ሰዲድዎም ኣሎ።

ናብ ሕጊ ክቐሮብ ኣለዎ። ክሲ ኣብ ትግራይ ይመስረተሉ።

11/09/2024

ጉባኤ ዘካየደ ውድብ ህወሓት ሕዚ ቅልጡፍ ምትዕርራይ መሪሕነት ክገብር ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሩ ብሕልምልም ነዛ ውድብ ኣጥፊኡ ዓዲ ከጥፍእ እዩ! ሕዚ ምትዕርራይ!

ኣብዚ ጉዳይ፣ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም ንሓንቲ ሰኮንድ እውን ጊዜ ከምዘየጥፍኡ 100% ርግፀኛ እየ። ህወሓት ተጠናኺራ ትመፅእ ኣላ እሞ እንታይ ንተሓጋገዝ እዮም ዝበሃሃሉ ዘ...
11/09/2024

ኣብዚ ጉዳይ፣ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም ንሓንቲ ሰኮንድ እውን ጊዜ ከምዘየጥፍኡ 100% ርግፀኛ እየ።

ህወሓት ተጠናኺራ ትመፅእ ኣላ እሞ እንታይ ንተሓጋገዝ እዮም ዝበሃሃሉ ዘለው።

ናይ ሸቕሉ ዓስቢ ተዋሂብዎ። ግን ኣይሰርሕን
10/09/2024

ናይ ሸቕሉ ዓስቢ ተዋሂብዎ። ግን ኣይሰርሕን

09/09/2024

ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲ ፌደራል

ቴዲ ርእዮት ንትግራይ ወኪሎም ይካትዑ ኣለው ።

09/09/2024

ኣይተ ጌታቸው ረዳ - መቐለ ኣብ ትሕቲ ፌደራል መንግስቲ ክትመሓደር ፈሪምና ኢና
ቴዲ ርእዮት - ኣነ ኣብቲ ስምምዕ ዘንበብክዎ ግን መንግስቲ ፌደራል ትካላት ፌደራል ይቆፃፀር እዩ ዝብል
ጌታቸው - ኣነ እኮ እየ ፈሪመዮ
:

07/09/2024

ሸበድበድ ኣይትበል ተመለስ ካብ ወርዒ ተጠዊኻ ንመቐለ !

06/09/2024

መንእሰይ ዓድዋን ኣኽሱምን እቲ ዝብተን ዘሎ ቅርሺ ተቐበሎም እናንጨብጨብካ ተቐበለና እንትብሉኻ ግን ዋእ ኣዕፅምቲ ስውኣት ከይወግአካ …

መስዋእቲ ሓውካ ፣ ቃልሲ ወለድኻ ፣ ከባቢኻ ዘዋርድ ፀርፍታት ዋና ሃንደስቱ እቶም ሕዚ ቅርሺ ከፊሎም ከሰልፉኻ ዝደልዩ ዘለው እዮም። እቲ ቕርሺ ተቐበሎም ካብኡ ኣብ ስራሕኻ ወዓል። እዚ ናዬ ክብሪ ጉዳይ እዩ።

 ‼️----------------------------------------"ንዂናት ብምድላው'ዩ ኲናት ዝተርፍ።ስለዝፈራሕኻን ዝተሸቝረርካን ኲናት ኣይተርፍን።እኹል ምድላው ብምግባርን ናይ ምድርዳር ...
06/09/2024

‼️
----------------------------------------
"ንዂናት ብምድላው'ዩ ኲናት ዝተርፍ።ስለዝፈራሕኻን ዝተሸቝረርካን ኲናት ኣይተርፍን።እኹል ምድላው ብምግባርን ናይ ምድርዳር ዓቕምኻ ብምጥንኻርን ኲናት ተትርፍ።ምናልባት ዘይቐሪ ኲናት እንተኾይኑ ድማ እኹል ምድላው ጌርካ ስለዘለኻ ሰዒርካ ትወፅእ።"

ጀነራል ጆን መዲድን ጀነራል ማሾ በየነን ሎሚ ኣብ ሓደ መድረኽ ደጋጊሞም ካብዝተዛረቡዎ ።

ላብ   (Concrete Evidence)ንቃረብ ኣለና ንመስል። => ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ተዋሳእቲ ብሂወት እናሃለዩ   መሊኦም ክወፅኡ ኣይኽእሉን ይብሃል። ግና ሳላ   ዳ ህወሓት (ፖለቲካውን ...
06/09/2024

ላብ (Concrete Evidence)ንቃረብ ኣለና ንመስል።

=> ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ተዋሳእቲ ብሂወት እናሃለዩ መሊኦም ክወፅኡ ኣይኽእሉን ይብሃል። ግና ሳላ ዳ ህወሓት (ፖለቲካውን ወተሃደራውን መሪሕነት) ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣንፃር ረብሓ ትግራይ ዝተቐበረ ፈንጂ ቐልጢፉ ይግህድ ኣሎ።

=> ፍስሃ ሃፍተፅዮን ንዳ ግምት ኣብ #ምስትያት ዘሎ ቐዲሙ እምኒ ኣይድብርን ዝዓይነቱ ኣቀራርባ ሒዙ መፂኡ። ስም ግና #ክደጉሕ ኣይኸኣለን። ስለዚ ዝነፀረን ዘይነፀረን ዛዕባ ከምዚ ክነስጥሖ እሞ ትፈልጥዎ ብምውሳኽ ሓግዙታ (ብሕምየት ይሰምዖ ነይረ እየ። ግና ብዕሊ ዘይተገለፀ ከም መርትዖ ኣብ ፋቶ ከቕርቦ ኣይኽእልን ነይረ ። ከምቲ ዝገብርዎ ዘለው ብዕሊ ትንገር ከሎ እዩ ክቐርብ ዝኽእል ):-

(1) ጌታቸው ረዳን ኣሰፋ ኣብርሃን ዝተናገርዋ : ስለ ዘረጋገፃ እዚኣ መዕለቢ ንግበረላ:-

=> ኣካል ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ዝነበሩ ምክትል ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ብዘዘኻኸርዎ መሰረት (ብዕሊ ኣብ ሚድያ ወፂኦም ተናጊሮም እዮም) :- ኣብ መበል 10ይ ማዓልቲ እቲ ልዝብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተጎበጠ ግዝኣትን ህዝብን ትግራይ ከማሓድረሉ ዝኽእል ሓሳብ ሓንፂፁ ዓንቀፅ ወሲኹ ። ዳሓር ናብ ህወሓት ዝተለወጡ ተላዘብቲ ትግራይ ነዚ ነፂገምዎ። ብሕገ መንግስቲ ይፈታሕ ናብ ዝብል ድማ ተለዊጡ። ወኪላት ህወሓት ኣብዚኣ ጥራይ #ትርር ኢሎም። ሰሚርሎም ድማ። ሰኣን ረብሓ ትግራይ ይህገር ነይሩን ኣሎን ንብሎ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ። የስዕብ ነይሩ: ኣሎ እውን።

=> ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ብሓደ ድምፅን መርገፅን ዝተጎበጠ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ኣይመሓደርን ይበሉ እምበር: ብተግባር ግና መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ፕሪቶሪያ ዘይረኸቦ ዕድል ምስ ግምት መኺሩ (ብናይ ) ትግራይ ከፍርስ ይሰርሕ ኣሎ። ግምት ትግራይ ናይ ምፍራስ ትልሚ ከፈፅም ብሰነድ ሞጊቱ እዩ። ትልሚ ምፍራስ ትግራይ ግምትን ብልፅግናን #ዝነፀገ እውን ናብኣ ሰተት ኢሎም ኣትዮም ገይሮም ይሰርሑ ኣለው።

=> ገዲም ግደ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ብታሪኽን ብሕሊናይ ጥራይ ድዮም ወይስ ሕጋዊ ታሓታትነት ምስራት ይከኣል? ዝብል ክምለስን ናብ ተግባር ክእቶን ኣለዎ።

(2) ኣንቲዕኻ ብምንጋር ክንፅር ዘለዎ ዛዕባ:-

ሀ) ኣብ ናይ መጀመርታ ረቂቕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምጥያሽ ግዚያዊ ምሕደራ ዝብል ከምዘይነበረ ፍስሃ ሃፍተፅዮን ገሊፁ። እዚኣ ዳሓር መን ከምዘበገሳ ክንፅር ኣለዎ። ወኪላት ብልፅግና? ወኪላት ህወሓት? ወይስ መሸማገልቲ?

ለ) ቐዲምኻ #ሸብረኽ ምባልን ህንድኣፍ ተፃባእቲ ሓይልታት ኾይንኻ ምሙጓትን ረብሓ ምህጋርን ተሞክሮ #ህወሓት/ማሌሊት ኣብ ፕሪቶሪያ እውን ተራእዩ ኢሉ ፍስሃ ሃፍተፅዮን። ብስሩ እውን እታ ኣብ ግዝኣትና ብብልፅግና ኣይመሓደርን: ኣይፈርስን ትብል #ትረት ኣብ ኹለን ዛዕባታት ተትፍፀም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከምቲ ዝተኸምብቶ ናይ ንከይኾን ምኽኣለ ኢሉ። ኣነ ባዕለይ ከምኡ እየ ዝኣምን። ወኪላት ህወሓት ዝቐረበሎም ፈሪሞም ተመሊሶም እምበር ኣይሞገቱን።

ሐ) እቲ ልኡኽ ተላዛቢ ጉጅለ ኣብ ኽልተ ከምትሰርዐ ታሓቢሩ ኣሎ።

ሓደ) ብቐረባ ዝላዘብ ። እዚኦም ብምህጋር ዝሕመዩ ዘለው ስሞም ክድጓሕ/ክፅራሕ ኣለዎ።

ኽልተ) በቶም ብቐረባ ዝላዘቡ ዝቐርበሎም ጉዳይ ሓቢሮም ዝዝትዩን ሓባራዊ መርገፂ ዘንብሩን።

መ) ኣብ ናይሮቢ ኣካል ልኡኹ ተገይሮም ብዕሊ ከይተሰደዱ ብውልቆም ዝተረኸቡ እኒመን እዮም? ኣብ ፕሪተሪያ ተላዘብቲ ዝነበሩ ግና ናብ ናይሮቢ ዘትሰደዱ።

ረ) ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ክፈርስ ተገይሩ እዩ ((ዓንቀፅ 10(1))። ግና እታ ዝተልዓለት ለ ኣራጉድዋ። እቲ ብውዕሊ ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ክፀንሕ ንምግባር ፈተነ ከምዝነበረ። ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ሕቶ:-

=> ብዛዕብኡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ክላዘብ ዝኸድ ዝነበረ #ደብረፅዮን በይኑ ድዩ ወይስ ኻልኦት ሓቢረምዎ ዝኸዱ ኣካላት ነይሮም?

ሰ) ምጥያሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት) ካብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ወፂኡ ላብ 2013 ንምንታይ ክኣቲ ተገይሩ? ኣብዚ መን እዩ ሓላፍነት ዝወስድ? ፍስሃ ሃፍተፅዮን ከምኡ ምዃኑ ተቓውሞ ኣለዎ። ግና እቲ ኸይድን ምዕባለን ኣየነፀሮን።

  ...ኣብቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣባላትን ህዝብን መድረኽ ሓደ ሓረስታይ ቃል ብቃል ዝተዛረብዎ "   ኣብ እዋን ብሄራዊ መኸተ ስድራ ስውኣት ኣብ ናይ ሓዘን ዳስ ከፊሎም እናሃለው ካብ መቐ...
06/09/2024

...

ኣብቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣባላትን ህዝብን መድረኽ ሓደ ሓረስታይ ቃል ብቃል ዝተዛረብዎ " ኣብ እዋን ብሄራዊ መኸተ ስድራ ስውኣት ኣብ ናይ ሓዘን ዳስ ከፊሎም እናሃለው ካብ መቐለ ስድርኡ ኣኪቡ ናብ መፅዩ ናይ ሓዘን ዳስ ከይረገፀ ኣብ ጎረቤታ ዝነበረት ውዒሉ ስድርኡ ሒዙ ብመኪንኡ መቐልኡ ከይዱ ፤ ሐዚ እውን ህዝቢ #ኢሮብ ፣ ዘላምበሳን ጉሎመኸዳ ተፈናቒሉ ኣብዳስ እናሃለወ መሬት ኢሮብ ፣ ዘላምበሳን ጉሎመኸዳን #ብሻዕብያ ተወሪሩ እናሃወ ፣ ናብ ምግዳል ዝሰደዶም ደቅና ደሃዮም ዘይረኸብና እናሃለና ፤ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረበቱ ዝተወረረ መሬትና ናብ ግዝኣቱ ይመለስ ኢሉ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዞባ #ምብራቕ ትግራይ ሰልፊ ፀዊዑ #ዘይፈልጥ ናብ ዞባ ምብራቕ ካብ ዝመፅእ ሓንቲ እዚኣ #ትብሃል ርኢቲ ስራሕ ዘይሰርሐ ካፍቲ ካፍቲ ሓቢሉ ካብ መቐለ ክሳብ ዓዲግራት ብጥሩንባን ብዕልልታን ሽሻይ መረሳ ትመስልዶ ኣለኻ እናተብሃለ ብእኒ ጌታቸውን ፃድቃንን #ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዕለት 28/12/2016 ኣ.ግ ብሰልፊ #እናተዘመረሉ ዝውዓለ ሰልፊ ምርሕ ውዒሉ መቐልኡ #ዝሓደረ ህዝቢ ምብራቕ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ሽሻይ እዚ ድዩ ዝግብኦ ? ንሽሻይ መረሳ መኒኻ ስርዓት ሓዝ ዝብሎ የለን ድዩ ? ውልቀ ሰባት ብሰልፊ ንክምጎሱ ዲዮም ደቅና ኣብ በረኻ ተሪፎም " ኢሎም ንቲ ሐዚ በቢ ከተምኡ ዝግበር ዘሎ ንውልቀ መለኽቲ ምጎሳታት ኮኒኖምዎ እቲ #ባይታ ከምዚ እዩ ዘሎ!!

***** !!

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን ንሚድያታት ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣድሂቡ ካብ ዝሃቦ መብርሂ •ኣብቲ ስምምዕ ስለዝነበርኩ ገለ ሱር ዘለዎም ዝመስሉ ኣ...
05/09/2024

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብና ህወሓት ብፃይ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን ንሚድያታት ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣድሂቡ ካብ ዝሃቦ መብርሂ

•ኣብቲ ስምምዕ ስለዝነበርኩ ገለ ሱር ዘለዎም ዝመስሉ ኣፈላላያት ከልዕል ይደሊ ። ገለ ገለ ኣፈላላያት ሽዑ ዝተተኽሉ’ዮም ዝመስሉ። ማለት ገለ ወገናት ነየናይ እዮም ዝከራኸሩ ዘለው ዘብሉ ኔሮም። ኣነ’ውን ኣብኡ ከምዝነበረ ሰብ ንመን’ዮም ዞም ሰባት ዝውግኑ ዘለው? ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ነገራት ይርኢ ነይረ። ብቐንዱ ናይ ሕዚ እዩ ዘገድሰና ግና እቲ ድሕረ ባይትኡ’ውን ግልፅነት ክፍጠር ምእንቲ ማለትዩ።

•ኣብነት ከልዕለልኩም “ ህፁፅ ሓገዝ ዝምልከት ከም ትግራዋይ ክሓስብ ዝኽእል ብዝተኸኣለ መጠን ብዝሓፀረ መንገዲ ንተጋሩ ንክበፅሖም ዝብል ቅዋም ክሕዝ ’ዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ግና ዝከራኸሩና ሰባት ነይሮም ካብ ውሽጥና። “ከምዚ ክብልና እዮም ከምዚ እንተኾነ እዩ ዝምረፅ፤ ንትግራይ ክኣቱ ከሎን ክወፅእ ከሎን ክልተ ኬላ ይሃሉ ክትብል ከለኻ “ኣይ ዘይክቕበሉና ይኽእሉ’ዮም “ ዝብሉና ኣካላት ነይሮም ኣብ ውሽጥና።

•ካልእ ኣብነት ድማ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ተታሓሒዙ “ዕጥቂ ክንፈትሕ እንተኾይንና ተጋሩ ፀጥተኦም ውሑስ ክኾን ኣለዎ።” ዝብል ነገር ክለዓል ግድን’ዩ። ውሕስ ክኾን ድማ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም። ምናልባት ሓይሊ ምክልካል ሃገር ዓዱ ስለዝኾነ ክህሉ ይኽእል’ዩ፤ ካልኦት ግና ክወፁ ኣለዎም!” ክትብል ተለኻ “ኣይኮነን ምናልባት ሻዕቢያ ንናይ ደገ ሓይልታትዮም እሺ ክብሉና ዝኽእሉ’ምበር ንኻልኦቶምስ እሺ ኣይብሉናን” ኢሎም ክሳብ መወዳእታ ኣብ ውሽጥና ዝተሓናነቑና ነይሮም።

•ኣብ ፕሪቶሪያ ዝነበረ ድርድር በሉ ንስኹም ወዲእኹም ኣለኹም ጉዳይ ወተሃደራዊ ስለዝኾነ ንዕኡ ዝምልከቶምን ተወሰነና ሓላፍነት ተዋሂቡና ክንደራደር ክንከድ ተለና ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣብኡ ተረኺቦም ገሊኡ ንሕክምና ገሊኡ ኣብኡ ስለዝነብር ከዕንቅፉ ዝደልዩ ሰባት ነይሮም።

•ሕዚ ግና ብጣዕሚ ጎሊሁ ዝመፅእ ጉዳይ ኣሎ። ንኣብነት እቲ ከይዲ 10 መዓልቲ ዝወደአ ብጣዕሚ ህልኽካ ዘውድእ እዩ ነይሩ። ኩላህና ማዕረ ሓላፍነት ተዋሂቡና ከብቅዕ ገሊኡ ወዲ ገዛ ዝመስል ገሊኡ ዘንጠብጥብ ኣብቲ ጉጅለ ብጣዕሚ ትኽክል ዘይኮነ ኣካይዳ ነይሩ’ዩ። ሽዑ ተሓባቢርካ ብዝለዓለ ረብሓ ትግራይ ምኽባር ይከኣል ነይሩ እዩ። ደሓር ግና ተወሰኑ ሰብ ሰብ ዋና ተወሰኑ ቅርበት ዘለዎም ድላዮም ዝገብሩ ዝተወሰኑ ድማ ብዙሕ ተሳትፎ ዘይገብርሉ ኩነታት እዩ ክፍጠር ተገይሩ። እዚ ኮነ ኢልካ እዩ።
•ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምምስራት ዝምልከት ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሰነዳት ኣይነበረን። ኣብ ከይዲ ግን ወፂኡ። ከመይ ጌሩ ከምዚ ኮይኑ ኢልና ሙጉት ኣቅሪብና። ግን ናይ ምፍራም ሓላፍነት ዘለዎ ዘተሓባብር ስለዝኾነ ተፈሪሙ ማለት እዩ። ሕዚ ኾይንና ክንሰምዕ አለና ክስታት ውን ይቐርቡ እዮም።

•ቅንዕ ኢሎም ወይ ድንን ኢሎም ካብ ክብሮም ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ኣቐዲሞም ንምንባብ ዝሽገሩ ዝነበሩ ሰባት ምንባሮም ኣነ ምስክር እየ። ንኣብነት ዓንቀፅ 10 ንኡስ ሓደ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝጣየሽ ክሳብ ናይ ክልልን ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝምረፁን እዩ ዝብል። ሎሚቅነ ግን ህወሓት እዩ ኣጥፊእዎ ንምባል ይፍተን ኣሎ። እቲ ውዕሊ ኣካታቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክህልዎ ይዛረብ። ኣብቲ ዓንቀፅ ድማ ክሳብ መረፃ ዝካየድ እዩ ዝብል። ዝፈረምናዮ ሰነድ ክልተ ዓመት ምሳና ተቐሚጡስ ንዝኾነ ውድብ ንምውቃዕ ምጥቃም ትኽክል ኣይኮነን፡፡

•ኣብ ዝኾነ ዓዲ ፓለቲካዊ ፓርቲ ንስልጣን እዩ ዝነሓናሕ ወይ ዓብላሊ ድምፂ ዝረክብ ወይ ድማ ፓርትታት ተሓባቢሮም ፓለቲካዊ ፓሊሲ ሒዞም እዮም ዓዲ ዘመሓድሩ። ሕዚ እንሰምዖ ዘለና ግን ውድብ ህወሓት ዝበሃል ፓርቲ ከምዝተስዓረ ካብ ስልጣን ዝተወገደ ዘምስል እዩ ፡፡ ህወሓት ናይ መኸተ ሓይሊ ካብ ላዕለዎት መራሕቱ ክሳብ ኣባላቱ ብዓሰርተ ኣሸሓት ኣባላቱ ኣብ ሰራዊት ኾይኖም መስዋእትን ኣካል መጉደልትን ዝኸፈሉ ሐዚ ውን ኣብ ምግልጋል ዘለው ውድብ እዩ ፡፡

• ኩልና ክንፈልጦ ዝግባእ ኣብ ውሽጣዊ ስምምዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ህወሓት ክመርሖ ኣለዎ ዝብል እዩ።ዋላ ግዚያዊ ምምሕዳር እንተኾነ ሓሳብን ፓሊሲን ዘተግብር ክኸውን ኣለዎ።እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዕድሚኡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ክንደይ ካብ ህወሓት ክንደይ ካብ ሰራዊት ክንደይ ካብ ካልኦት ውድባት ክንደይ ካብ ሙሁራት ከምዝውከሉ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።እዚ ኹሉ ተጣሒሱ ምስቶም ናይ ሰላም መሻርኽትና ኣብ ዝተገበረ ዝርርብ ድማ ዝተገበረ ነገር ኣሎ።በቲ ናይ ውሽጣዊ ስምምዕ ኣይከደን።በቲ ሓደ ወገን በቲ ሓደ ተደራዳሪ ዝተፅሓፋ ደብዳቤታት ኣለው።ብልዝብ ክኸውን እናተገበኦ ዝተሾመ መራሒ ኣሎ።ኣብ ገለገሊኡ ድማ ብዝኸድናዮ ስምምዕነት ዝኸደ ኣሎ።እዚ ኹሉ ንድሕሪት ተገዲፋ ህወሓት ስልጣን ከምዘይምልከቶ ዝቐርቡ ነገራት ኣለው። ካብኡ ሓሊፋ ድማ ከም ተፃባኢ ዝኾነ ፀረ ፕሪቶርያ ዝኾነ ብሕሶትን ብምድንጋርን ዝመፅእ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ናይን ኣቶ እከለ ዝበሃል መንግስቲ የለን።ኣካላት ኣለውዎ ዘጣየሽዎ ዋላ ግዚያዊ ይኹን።

•ኣብ ትግራይ ብግዚያዊነት ስልጣን ዝተቆፃፀረ ኣካል ንዘላቂ ረብሓ ትግራይ ዝኸውን ብዲሞክራሲያዊ ንሕንሕ ህዝባዊ መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ክቃለስ ዝግባእ። ሕዚ እንሪኦ ዘለና ግን መዓዝ ከምዝውዳእ ኣይፍለጥን ኣይትሕተቱኒ ውን እዪ። ህወሓት ዝኣክል ውን ኣየእትዎን እዩ።ብኸምዚ መንገዲ እዚ ክኽየድ ኣይኽእልን።እቲ ዋና ትኹረትና ውዕሊ ፕሪቶርያ ፈፂምና ህዝቢ ትግራይ ዝብህጋ ሰላም ልምዓት ዲሞክራሲን ምስጋር እያ ናይ ህወሓት ድልየት።

ሰብ ዶ አማዉታ ይፅይቀሉተወሊዱ አብ ዝአበየሉአንቱታ አብ ዘትረፍካሉ                ናይ ሎሚ ገደደ                 ሰያብ ዓበደ !
05/09/2024

ሰብ ዶ አማዉታ ይፅይቀሉ
ተወሊዱ አብ ዝአበየሉ
አንቱታ አብ ዘትረፍካሉ
ናይ ሎሚ ገደደ
ሰያብ ዓበደ !

እዚ ኣጀንዳ ናይ ደሲየ ኣሸናፊ ኣይኮነን። እዚ ኣጀንዳ ዝተሓሰበሉን ዝተተለመሉን ደምበኛ መወናበዲ ኣጀንዳ እዩ። ለኣኽቲ ደስየ ዝቐረፅዎ ኣጀንዳ እዩ። ዕላምኡ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሰዓታት መዘክር...
04/09/2024

እዚ ኣጀንዳ ናይ ደሲየ ኣሸናፊ ኣይኮነን። እዚ ኣጀንዳ ዝተሓሰበሉን ዝተተለመሉን ደምበኛ መወናበዲ ኣጀንዳ እዩ። ለኣኽቲ ደስየ ዝቐረፅዎ ኣጀንዳ እዩ።
ዕላምኡ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሰዓታት መዘክር ኣባዲ ዘሙን ዘፀኣትን 13 ሓደሽቲ ተመረፅቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ናብ ዶ/ር ደብረፅዮን መልቀቒ ደብዳቤ ኣእትዮም ተባሂሉ ተቓላሳይ ህዝብና፣ ካድረናን ኣባልናን ንምድንጋርን እንተተኻኢሉ ድማ ተስፋ ንምቑራፅ ተሓሲቡ ዝቐረበ እዩ።

ብዝኾነ እዚ ሓሳብ ንምድንጋር ዝቐረበ ፃዕዳ ሓሶት ኮይኑ ኣብ ገምጋም ዝቐነየ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊትና ምርድዳእ ዝበፅሐሎም ነጥብታትን ዘሕለፎም ውሳነታትን ባዕሉ ክገልፅ ይግባእ።

ነዞም ኮነ ኢሎም ህዝቢ ዘወናብዱ ዘለው ኣካላት ድማ ስርዓት ከትሕዝ ኣለዎ።

ተቓላሳይ ህዝብና፣ ካድረናን ኣባልናን ንዝተለመደ ብዕራይ ወለደ ሓበሬታ እናመከትካ ቃልስኻ ኣበርትዕ! ክትዕወት ኢኻ ድማ !
ብኣባዲ ገ/ስላሴ

ኣብ 2013 ዓ/ም ምስ ፀላኢ ወጊኖም ደም ዘንብዑና ሰብ ዋና ኮይኖም ዝወዓልሉ ውራይጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማታት ዝፅውዖ ዘሎ ዕላምኡ ዘይነፀረ ኣኼባታት ስዒቡ ኣብ ዓድግራት ዝነበረ መድረኽ ሰፊ...
04/09/2024

ኣብ 2013 ዓ/ም ምስ ፀላኢ ወጊኖም ደም ዘንብዑና ሰብ ዋና ኮይኖም ዝወዓልሉ ውራይ

ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማታት ዝፅውዖ ዘሎ ዕላምኡ ዘይነፀረ ኣኼባታት ስዒቡ ኣብ ዓድግራት ዝነበረ መድረኽ ሰፊሕ ተቐባልነት ከምዝነበሮ ንምምሳል ዝተገበረ ፃዕሪ ንነባሪ ዓድግራት ዘገረመ እዩ ። እቲ ብገንዘብን ብኹራን ዝተፀወዐ ኣኼባ ሰብ ዋንኡ ሹመኛታት ብልፅግና ፣ ብግዕዝይና ዝተባሩሩ ሕማቓት ፣ ካብ መኸተ ዝሰረቑ ፣ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባት ፓለቲካን ዒዋሉን ለያቡን እዮም። በዚ ድማ ጌታቸው ረዳ ብህዝቢ ዓድግራት ኣብ ትዕዝብቲዝወደቐሉ እዩ ።
መተሐረባበርቲ መነመን እዮም ንርኧ

ሀ) ናይ ስልጣንን ንዋትን ህሩፋት ዝኾኑ ጉልሓያት ኣመራርሓ ጉልባቦም ተቀሊዖም ዝወፁሉ ውዕሎ ነይሩ።
1. ሰለሙን ሓጎስ ዝተብሃለ ከንቲባ ዓድግራት ናይቲ ከተማን ጣብያን ኣመራርሓ ወዲቡ ክኣቱ መደብ ተዋሂብዎ ፈሺሉዎ ኣሎ።
2. ቀሺ በሪሁ ሓዱሽ ዝተብሃለ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ከተማ ዓድግራት ኮይኑ ምስ ነጋዳይ ሓው ሃለቃ ኣማረ ሓዱሽ ዝተብሃሉ ዕሉላት ክራይ ኣከብቲ ናይ ቤተ ክህነትን ኣፍራስን ምኽታት መደብ ተዋሂብዎም ዝርካቦም ሒዞም ዝኣተዉ።
3. ገ/ሄር ሃ/ስላሴ (ኩናማ) ዝተብሃለ ዋና ሓሽከር ሽሻይ መረሳን ኪዱ ገብረፃድቕን ዝኾነ ሓላፊ ፀጥታ ከተማ ዓድግራት ስልጣን መጥቀሚ ምግባር ኣመል ዘለዎ ናይ ወረዳን ጣብያን ፀፅታን ፖሊስን ወዲቡ መሪሑ ክኣቱ መደብ ተዋሂብዎ ዘይሰለጦ ግን ድማ ነባረት ቀበሌ 01 ኾይና ኣብ እዋን መኸተ 4 ደቃ ከይጋደሉ ንዓፋር ዘኾብለለትን ኣብ 2013 ዓ/ም ንጀነራላት ሻዕብያ ብዕራይ ሓሪዳ ዝኣንገደትን ወይዘሮ ብርዛፍ ሒዙ ዝኣተወ
4. ፀጋይ ኣረጋይ ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታኣፈሹም ተወላዲ ኢሮብ ብምዃኑ ምስ ሽሻይ ብዘለዎ ዝጠበቐ ናይ ክራይ ኣካብነት መርበብ ተወለድቲ ኢሮብ ኣሰባሲቡ ናብቲ መድረኽ ከእቱ መደብ ዝተውሃቦ ግን ድማ ተወለድቲ ኢሮብ ነበርቲ ቀበሌ 04 ዝኾኑ ውሱናት ሒዙ ዝኣተወ።
5. ገረዚሀር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ጋንታኣፈሹም ኮይኑ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ቦታ ንኽወሃቦ ካብ ሽሻይ ብዝተኣተወሉ ቃል መሰረት ነበርቲ ጣብያታት ዙርያ ዓድግራት ዝኾነ ህዝቢ ጋ/ኣፈሹምን መምህራን ሓዊሱ ናይ ማእኸል ስቪል ሰርቫንት ወረዳ ጋንታኣፈሹምን ኣኽቲቱ ከእቱ መደብ ዝተውሃቦ ግን ድማ ዘይሰመረሉ
እዚኦም እቶም ካብ መላእ ኣመራርሓ ናይቲ ዞባ ዓይኑ ዘፍጠጠ ጥልመት ፈፂሞም ኣንፃር ድሌት ህዝቦም ብምንቅስቓሶም ጥራሕ ዘይኮነስ ብውልቀኦም ዓቕምና እዩ ዝብሉዎ ሽልማት እውን ኣዳልዮም " " እንዳበሉ ዘበርከቱዎ ገፀበረከት እውን ብወንጀል ዘሕትቶም እዩ።
ኣብነት
ሰለሙን ሓጎስ ዝበሃል ዘዳለዎ ሽልማት ጋቢ ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓድግራት ኢሉ ዘቕረበ እንትትከውን ይትረፍ ህዝቢ ዓድግራት ናይቲ ከተማ ካቢኔ ምምሕዳር እውን ምንም ፍልጦ የብሉን።
ፀጋይ ኣረጋይ ዝበሃል ዘዳለዎ ሽልማት መዓር ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ኢሮብ ኢሉ ዘቅረበ እንትትከውን ኣብ ደውሃን ዝማእኸሉ ምምሕዳር ወረዳ ኢሮብ ግን ኣይፈልጦን።
ገረዚሀር ዝበሃል ዘዳለዎ ሽልማት ጋሻን ጦርን ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ጋንታኣፈሹም ኢሉ ዘቕረበ እንትትከውን ዓድግራት ዝማእኸሉ ምምሕዳር ወረዳ ጋንታኣፈሹም ግን ኣይፈልጦን።
ተስፋይ ካንደስ ዝበሃል ጥቅመኛ ዘዳለዎ ሽልማት ፍሬም እውን ብሽም መንእሰይ ከተማ ዓድግራት ኢሉ ዘቕረቦ እንትትከውን ይትረፍ መንእሰይ ከተማ ናይቲ መንእሰይ ኣወዳድባታት ዝመርሑ ኣካላት እውን ጠቕሊሎም ኣይፈልጡዎን።

ለ) ፍሉያት ጥቕመኛታት ብምሉእ ዓቕሞም ዝተረባረቡሉ ውዕሎ ነይሩ።
1. ያሬድ ተስፈማርያም ምስ ሓዉ ዮሃንስ ተስፈማርያም
2. ኣንገሶም ተክላይ ዋና መሓዛ ኣብራሃም በላይ
3. ቀሺ ገ/ሄር ምሕረቱ ዋልያ ኣልኮል መከፋፈሊ
4. ኣብርሃ ሃይሉ (ወዲ ምህረይ)
5. ዳዊት ደዋዕ (ሓሙኡ ንኣንገሶም ተኽላይ)
6. ሃ/ቃ ኣማረ ሓዱሽ (ሓዉ ንቐሺ በሪሁ)
7. ነጋሲ መንገሻ (ነጋሲ DS Tv)
8. ፍኖት ሃይሉ (ወዲ ሃይሉ ኹዱም)
እዚኦም እቶም ዋና ናይ ገንዘብን ንብረትን እሰፖንሰራት ነጋዶ ዓዲግራት እዮም።
እዞም ሰብ ሃፍቲ እዚኦም ጥር ዝብል ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሎምን ንውልቀኦም ጥራሕ ዝሓስቡ ጥቕመኛታትን ምዃኖም ዳርጋ ኩሉ ነባራይ ዓጋመ ዝፈልጦም እዩ።
ኣብነት ናይቲ ቑፅሪ ሓደ ዝተቐመጠ ምትእስሳር ንርአ። ልዕሊ 75% ናይ ፋይናንስ ምንጮም ያሬድ ተስፈማርያም ዝበሃል ምስ ምዕባይ ሓው ዮሃንስ ተስፈማርያም 06 ፈልሲ ጣብያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ምስ ናይ ቻይና ኩባንያ ብልፍንቲ ዝሰርሑ ኮይኖም ያሬድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሓፂን መቕለጢ ፋብሪካ ክተክል ይደሊ እየ ኢሉ ሓቲቱ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ቁሸት ፈለግ ዳዕሮ ተወሊዶም ዝዓበዩ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ መናእሰይ መጠሻ ክዕደሉዎ ተዳልዩ ዝነበረ ከባቢ 30 ሄክታር ብመንግስቲ ዝተኽሓሰ መሬት ተዋሂቡዎ ሰረት እምነ ኩርናዕ ከቕምጡ ከይዶም በቶም መናእሰይ ተሰጊጎም ስለዝተዓንቀፉ እቲ ፕሮግራም ቀይሮም ኣብ ገዛ ገርላሰ ናይ project lounching program ኢሎም ብዜና ኣዊጆሙልና። ሎሚ ድማ ከምቲ ሽዑ ንህዝብና ዘየለ ተስፋ ከስንቑዎ ዝፈተኑ እዞም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ ጥቅመኛታት ንጌታቸው ረዳ ሞሳ ክመልሱ ኣብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ምድሪ ዓጋመ ቁፅሪ ስፍሪ ዘይብሉ ገንዘብ እንዳረጨዉ ከምቲ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ዝረኣናዮ ናይ ዕስለ ምንቅስቓስ (mob justice) ከርእዩና ውዒሎም። #የሕፍር!!

ሐ) ኣባላት ባይቶና መተሓባበርቲ ኮይኖም ዝተዋስኡሉ ፕሮግራም ነይሩ።
1, ወለገብርኤል ገብሩ ካብ ዓዲ ግራት
2, ሃፍቶም ወዲ ሓይልና ካብ ዕዳጋ ሓሙስ
3, ዶ/ር ደጀን መዝገቦ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ
4, ኣሰመላሽ ደስታ (ወዲ ደስታ ጊኒ) እዚኦም ኣመራርሓ ባይቶናን ውናትን ካብ ዕዳጋ ሓሙስን ዓድግራት ኣባላቶም ጠርኒፎም ዝመፁ እዮም። እተን 80% ሞተራት ናይ ባዕልቶም እየን።

መ) ኣባላት ብልፅግና ዝነበሩ ከይተረፉ ዘንደኽደኹዎ መድረኽ እዩ ነይሩ።
1, ዳዊት ደዋዕ ናይ ኣንገሶም ተኽላይ ተልእኾ ስርገት ብልፅግና ዋና መፈፀሚ
2, ተስፋይ መሓሪ (ተስ ካንደስ) ምስ ውሑዳት ኣባላት ብልፅግና ብሽም ሕትመት ናይ ሚልዮናት ጥቕሚ ምትእስሳር ዘለዎ
3, ነጋሲ ተወልደ ኣመራርሓ ቦርድ ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ወልዋሎ ጌሮም ሸይሞሙዎ ዘለው መንደራት ዓድግራት ዝብል ፌስ ቡክ ገፅ ዘመሓድር ዘሎ።
4, ኣብርሃ ወላይ (ብመንተርቦ ዝእውጅ ዝነበረ) ኩሉ ጊዜ 500 ቅርሺ እንዳተኸፈሎ ብምእዋጅ ንኹሉ ወገን (ንፈታዊ ይኹን ንፀላኢ እንኮላይ ንብልፅግና) ብማዕረ ናይ ምግልጋል ባህሊ ዘለዎ ገዋሕታ ውልቀ ሰብ
5, ተሰፈማርያም ኪሮስ
6, ዮውሃንስ ከበደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ተሸጕጡ ዋና ሓሽከርን ተለኣኣኽን ስርዓት ብልፅግና ዝኾነ ናይቲ ውዕሎ ዝርዝር ሓበሬታ ብምስልን ድመሰፅን ናብ ናይ ትግራይ ብልፅግና ሪፖርተር (መዘክር) ብቐጥታ ከቐብል ዝወዓለ።
7, ሙሉብርሃን ተ/ማኖት (ሙለር ኦልብራይት) ናይ ብልፅግና ኣባላት ብምምልማልን ናብ ስልጠና ብምልኣኽን ዝዋሳእ ዝነበረ ድሕሪ ኹነታት ምፍጣሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኾብሊሉ ዝፀንሐ ሐዚ ናይዚ ኣኼባ ተሳታፊ ዝኾነ።
8, ሳሙኤል ግርማይ (ሱኪ) ናይ ኣብራሃም በላይ ዋና ተለኣኣኺ፣ ናይ ጌታቸው ረዳ ድማ ዋና መሳሰዪ መስተን መቕረቢ ናይ ለይቲ ገፀ-በረከትን ኮይኑ ብምግልጋል ሂወቱ በዚኣ ዝመርሕ።
እዚኦም ካብ 2011 ዓ/ም ጀሚሮም ነባራት ኣባላት ብልፅግና ዝነበሩ እዮም

ረ) ስርዓት እንተቐፂሉ ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ዓይኑ ዘፍጠጠ ወንጀል ዘለዎም ኣካላት ብምሉእ ዓቕሞም ዝተረባረቡሉ ውዕሎ ነይሩ።
ኣሽማቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ዕሱባትን ወንጀለኛታትን ጥቅመኛታትን ህዝብና ዋጋ ዝኸፈለሉ ስርዓት እንተቐፂሉ ብሕጊ ካብ ምሕታት ዘየምልጡ ምዃኖም ፈሊጦም ኣላታን የብላን ስርዓትና ብምፍራስ ኣቢሎም ጥራሕ ፋይሎም ክዕፆ ይሰርሑ ዘለው ምዃኖም ግልፂ ኾይኑ ናብዚኦም ተወሰኽቲ ድማ
1. ኣብርሃ ተሰማ
2, ሚኪኤለ ኣረጋዊ (ሙጉላት)
3, ዳዊት (ዴቭ ሆቴል)
4, ሙሉ ተስፋይ (ወናኒ ሆቴል 05 ቀበሌ)
እዚኦም ከዓ ናይ ሞተር መሳሰይቲ ኮይኖም ዝወዓሉ ዋና ናይ ጥይትን ዝውውር ኤርትራውያን ደለልቲ ኮይኖም ብቐጥታ ሽሻይ መረሳን ኪዱ ገብረፃድቕን ምስ ዘዋፍሩዎም ኣካላት እንዳተራኸቡ ክብሪ ህዝብና ዘዋርድን ክሳድ ዘድንን ወንጀል ኣብ ምፍፃም ሽሞም ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ ኣካላት እዮም።

ሰ) ኣብቲ ዋዕላ ምንም ፍልጦን ሓበሬታን ዘይብሎም ወገናት ተጎቲቶም ዝኣተውሉ መድረኽ ነይሩ።
እዚ ውዕሎ ደንበ ካብ ምፍላይ ሓሊፉ ኣብዚ ዕለት ዝተርኣየ ካልእ መሕፈሪ ተግባር እውን ነይሩ። ዮሃንስ ከበደን ፅጋብ ኣረጋውን ዝተብሃሉ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ዝኾኑ ዕሱባት ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝተዳለወ መአከቢ ኣዳራሽ ሰብ ውሒዱ ክመልእ ስለዘይከኣለ ናይ ክረምቲ ትምህርቶም ክከታተሉ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ዝኣተዉ ተምሃሮ ሓፊሶም ናብቲ መአከቢ ኣዳራሽ ክኣትው ጌሮም እዮም።

!!

ሽዱሽተ ሓቅታት ኣብ ጉዳይ መፅናዕቲ ሓፂነ መፂን ትግራይ------------------------------------------------ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እስቲ ኣብ ጉዳይ ሓፂን ቁሩብ ንመዝ...
04/09/2024

ሽዱሽተ ሓቅታት ኣብ ጉዳይ መፅናዕቲ ሓፂነ መፂን ትግራይ
------------------------------------------------

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እስቲ ኣብ ጉዳይ ሓፂን ቁሩብ ንመዝን፤

ሓቂ ሓደ፣
ጌታቸው ረዳ ብዝፀሓፎ ደብዳቤ መስፍን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 7000 ቶን ሓፂን ከልዕል ፍቓድ ተዋሂብዎ፤

ሓቂ ክልተ፣
ገለ ዞባታት ብፍላይ ዞባ ዶቡብ ምብራቕ ንመስፍን ኣግባብ ኣይኮነን ኢሎም ስርሑ ካብ ምፍፃም ከልኪሎምዎ፤

ሓቂ ሰለስተ፣
መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅ. ብዘይ ንፁር መለክዒ ንውልቀ ሰባትን ዘተነፀሩ ማሕበራትን መሊሱ ሂብዎም ዳሕራይ ንሶም ክኣ በቢ መንገዶም ንኣምሓራን ዓፋርን ሸይጦም፤

ሓቂ ኣርባዕተ፣
እቲ መፅንዒ ጉጅለ ንመስፍን ዘተኣጋጎሉ ኢሉ ነቶም ዞባን ወረዳን ኮኒንዎም፤

ሓቂ ሓሙሽተ፣
ብዓል ፃድቃን፣ ኣማኑኤል፣ ሊያን ዝርከብዎም ነቲ መፅናዕቲ ክዓሙቕ ጠሊቦም እንተብቅዑ ብዓል ሓጎስ ጎዲፋይ ድማ (እንዳ ጌታችው ረዳ) እቲ ኩነታትና እዩ ከምኡ ጌሩና ፈቲና ኣይኣተናዮን ብምባል እቲ ፅገም ከቃልሉ ፈቲኖም።

ሓቂ ሽድሽተ፣
ወዮ ኣብ መላእ ትግራይ ዝነበረ ሓፃዊን ጭልጥ ኢሉ ተሓንፊፉ እንተሎ (ብዘይካ ደቡብ ምብራቕ) ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዙር ክእከብ ዝተተለመ 7000 ቶን 2000 ቶን ጥራሕ ተእኪቡ። እቲ 5000 ኣብዚ ኣተወ ኣይበሃልን።

እሞ ሕዚስ እቲ ምእካብ ኣብዮምና ኢሉ ነቲ ንሰረቕቲ ፍቓድ ዝሃበ ምምሕዳርን መስፍንን ዶ ወይስ እቲ ኣይህብል ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ ዝሓንገደ እዩ ሰራቒ።
እታይ ኢና ንኾን ዘለና። ትግራይ ካብ ዕስለነት ወፂና ብምኽኑይን መንገዲ ንረብሓኣ እንተዘይ ጠሚትና መዋፅኦና ብቱኽ እዩ።

ብመሰረት እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ኣብዚ ውሳነ ምምሕዳር ጌታችው ረዳን መስፍንን ንዚ ኩሉ ጉሕለት ፋልሞት ተሓተትቲ ይኾኑ። እቶም ኣይነስርቕን ዝበሉ ድማ ልክዕ ይኾኑ።

ተወሳኺ መረዳእታ
*መስፍን ካብ ሓምለ ጅሚሩ ስራሕ ደው ከብል ከምዝተኣዘዝ፣
*ኣብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዝተተለመ ኣብ ቦትኡ ከምዝነበረ፣
* ካብ መስፍን ዝኾነ ኣብቲ ምድረኽ ክሳተፍ ከምዝይተዓደመ
* መስፍን ኣብቲ ዘውፅኦ ናይ 7 መዓልቲ ቅሉዕ ጨረታ መልከቱ ኩሎም ተሳተፍቲ ክሳተፉ ከምዝገበረ

ሓቂ ንምዝራብ እቲ መፅናዕቲ ቅኑዕ ክኸውን እንተኾይኑ ምሉእ መፅናዕቲ ክቐርብ ኔርዎ፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ስራሕ ክህልዉ ኔርዎም፣ ድምዳመ ኣብ ክሊ ሚዛናዊ ሓቂ ምግባር ምተገብአ፣ መፍትሒ ሓሳብን ሱር እቲ ፀገምን ክዘልል ኣይነበሮን፣ ዝፈረሖ ጉጅለ ወይ ከጥቅዖ ዝደሊ ጉጅለ ከምዘየለ ብዘርኢ መልክዑ ክቐርብ ኔርዎ።

ዝስማመዐሉ ግን፣
እቲ ፀገም ስርዓታዊ እዩ። ኣብ ዘዋሪ ስርዓት ዘሎ ኮኾብ ግዲፍካ እግራእግሪ ኣግባብ ኣይኮነን!
ናይ ሓሳብ ሓርነት ይሃልወና።

04/09/2024

ዋዕላ ዓዲግራት ምዝዛሙ ስዒቡ Redae W. Halefom ን30 ነጠፍቲ ማ/ሚዲያ ተጋሩ ብ Zoom Meeting ረኺቡ ዘሕለፎ መልእኽቲ ፦

"...ፖለቲካዊ ሓይሊ ደጊም ፈሪሱ እዩ። ቐጻሊ ግጥም ክኸውን ዘለዎ ምፍራስ ሰራዊት እዩ። ኮይኑ ግና ኣዘዝቲ ሰራዊት ስለዘጸገሙና ነቲ መንእሰይ ኣባል ሰራዊት ኣነቓኒቕና ክንብትኖን ክነፍርሶን ኢና። ነዚ ዝኸውን ኣብውሽጥን ኣብደገን ዝነብር ከባቢ 330 ሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ በጀት ከባቢ 60 ሚልዮን ተመዲቡልና ኣሎ። ስለዚ 12Kን ልዕሊኡን followers ዘለዎም Activists ብቢሮ ርክብ ህዝቢ ዝምራሕን ዝወሃቦ ኣጀንዳ ዝውዝዕን ሰራዊት ማሕበራዊ ሚዲያ መልሚልና ናብ ስራሕ ክነዋፍር ኢና..."

👉 ከም ኣበሃህላ ረዳኢ ሓለፎም እቲ ግጥም ኣብመንጎ ሰራዊት ማሕበራዊ ሚድያን ኣብመንጎ TDFን እዩ ክኸውን ማለት እዩ 😁
ሰብ ዝሰኣነ ሰብ

😡
03/09/2024

😡

🙏🙏🙏
03/09/2024

🙏🙏🙏

እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ኣቀባብላ ዋዕላ ዋዕዋዕ መበገሲኡ እይንታይ እዩ? ሓዱሽ ሹመኛ ድዮም ኮይኖም? ወይስ ካብ ሹመት ድዮም ይስነዩ ሃልዮም? ወይስ ዘመዝገብዎ ፍሉይ ዓወት ሃልዩ አዩ። ብ...
03/09/2024

እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ኣቀባብላ ዋዕላ ዋዕዋዕ መበገሲኡ እይንታይ እዩ? ሓዱሽ ሹመኛ ድዮም ኮይኖም? ወይስ ካብ ሹመት ድዮም ይስነዩ ሃልዮም? ወይስ ዘመዝገብዎ ፍሉይ ዓወት ሃልዩ አዩ።

ብወገነይ ካብ ሰለስቲኡ ኣይኮኑን። እሞ እንታይ ደኣ እዩ?

ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት 😀ኣቦ ወንበር ዘይብሉ ምክትል  😀
03/09/2024

ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓት 😀
ኣቦ ወንበር ዘይብሉ ምክትል 😀

ስውኣት ትግራይ ሕዚ ኣብታ በጃ ዝተሰዋእኹምላ ትግራይ• ትግራይ ሕዚ ብመስዋእትኹም ዘጣየሽናዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ንመደልደሊ ስልጣኑ ክብል ተጋዳላይ ዝሸማቐቐላ  ባንዳታትን ከደዓትን  ዝዕንድሩላ...
03/09/2024

ስውኣት ትግራይ ሕዚ ኣብታ በጃ ዝተሰዋእኹምላ ትግራይ
• ትግራይ ሕዚ ብመስዋእትኹም ዘጣየሽናዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ንመደልደሊ ስልጣኑ ክብል ተጋዳላይ ዝሸማቐቐላ ባንዳታትን ከደዓትን ዝዕንድሩላን ኮይና እንኳዕ ኣይረኣኹማ። ወለዲ ተጋደልቲ መስዋእቲ ደቀን ኮንቱ ምዃኑ ፅብሕ ፅባሕ ብቴለቭዥን እናተነገረን ይሕቆና ኣለዋ። እቶም ደቆም ሓቢኦም ዝነበሩ ብገለ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተፈጠረሎም ዕድል ሕዚ እንተደልዮም ይኣስሩ እንተደልዮም ይፈትሑ ትግራይ ሕዚ ንስድራ ስውኣትን ተጋደልትን ሲኦል ኮይና ኣላ።
• ዝጠለመ ጉጅለ ብመስዋእትኹም ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዋጋ ስልጣኑ ተደራዲሩ መሬት ትግራይ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝተሰማዕመዐስ እንኳዕ ኣይሰማዕኹም። ነዚ ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኹን ኢሉ ዝዕንድር ኣብ ምግዳልን መስዋእትን ዘይነበረ ዕስለ ምርኣይ ክንደይ የሐምም። ገፅ ፀላኢ ኣይንርእን ኢሎም ን4 ዓመታት ሓሳረ መከራ ዝረኣዩ ተመዛበልቲ ሕዚ ብዘይከለላ ናብ ፀላኢ ኪዱ ይበሃሉ ኣለው። መረበቶም ናብ ሪፈረንደም ክቐርብ ይሸባሸብ ኣሎ። እቲ ከዳዕን ጠላምን ፀሓፊ ፣ እቲ ፅግዕተኛ ምሁር ፣ እቲ ባንዳ ተጠቃሚ ፌስቡክ ነዚ ይዕጅብ ኣሎ።
• ትግራይ ሕዚ ንምንታይ ተጋደልካ ተባሂሉ ተጋዳላይ ዝእሰረላ እያ። ምግዳልን ተጋዳላይን ሕዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝህቦ ዘሎ ከለላ ይዋረድ ኣሎ። እቲ ዝቖሰለ ፣ እቲ ካብ ልቡ ዝተጋደለ ሕዚ ብበዝሒ ጫው ጫው ተዓኒዱ ኣሎ። ሕዚ እቲ ትግራይ ክትውረር ኣፅቂጡ ዝነበረ ፣ ገሊኡ ንፀላኢ መንገዲ ዝመርሕ ዝነበረ እዩ ዝዛረብ። እቲ ሬንጀር ተኸዲኑ ዝሰኣል ዝነበረ እዩ ተጋዳላይ ዝብል ኣፍልጦ ዘለዎ። እምበር እቲ ተጋዳላይ እማ ፀርፍን ውርደትን ኮይኑ ኣሎ ዓስቡ።
• እቲ ኣምሪርኩም ዝተቓለስኩሞ መንግስቲ ኢ/ያ ሕዚ መሓውር ትግራይ ንኸዐሪ ዕድመ ከምዝቐረበሉስ እንኳዕ ኣይሰማዕኹም።

 #ከደት
03/09/2024

#ከደት

 #ስራሕ  #ዘይብሎም መናእሰይ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዕዳግ  #ሰራሕ እንተንፈጥረሎም እዩ ትግራዋይነት ዝኸውን።
03/09/2024

#ስራሕ #ዘይብሎም መናእሰይ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዕዳግ #ሰራሕ እንተንፈጥረሎም እዩ ትግራዋይነት ዝኸውን።

ሰለስተ ቂመኛታት!
02/09/2024

ሰለስተ ቂመኛታት!

ነገረ Populist ወ Anarchist 😀ሐዚ ኣብትግራይ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት 2010 ዓ/ም ዝረአ ዝነበረ ኩነታት እዩ። Colour Revol...
02/09/2024

ነገረ Populist ወ Anarchist 😀

ሐዚ ኣብትግራይ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት 2010 ዓ/ም ዝረአ ዝነበረ ኩነታት እዩ። Colour Revolutionists ውልቃውን ፖለቲካውን ባህርይ ዶ/ር Debretsion Gebremichael ተበሊጾምን ንኡ ከም ሃይለማርያም ደሳለኝ ተጠቒሞምን ዕላማኦም ብዝግባእ ይፍጽሙ ኣለዉ። ናይ Abiy Ahmed Ali ገጸ ባህርይ ዝጻወት ዘሎ ጌታቸው ረዳ ኮነ ከም ዝዋሳእ ዘሎ ጀ/ል ፃድቃን 'ውን ማእለያ ዘየብሉ ገንዘብ እናበተኑ ዕላማኦም የሳልጡ ኣለዉ። ሰራዊት ትግራይ 'ውን ትግራይጠዕጫ ኢትዮጵያ እናበጸሓ ዓይኒዓይና ካብምጥማት ዝዘለለ ዛጊድ ዝገበሮ ነገር የለን። እቲ ዝገርም ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ኲናት ሚንስትርን ፈጻሚት ኮሚቴ ህወሓትን ኮይኑ ምስቶም ንኢህወዴግ ኣፍሪሶም ባንኪ ፥ ታንኪን ቤተመንግስትን ንጄኖሳዬደራት ኣረኪቡ ዝመጸ ተሓታቲ ገበን ጄኖሳይድ ኮይኑ እናሃለወ ብውሑዳት ዘይበሃሉ ሙሁራት ኢና በሃልቲ ተጋሩ ከምናይ ለውጢ ሃዋሪያ ገይሮም ንቲ ለዋህ ህዝቢ ትግራይ ክሰብኩዎ ንዕዘብ ኣለና። እዛ ሲስተም ኣብዪ ኣሕመድ 'ውን ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ኣብ ኢህወዴግ ክሳብ ሚንስትርነት ዝበጽሕ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ምንባሩን ደሓር ግና ብቄሮን ፋኖን ኮነ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ ሃዋሪያ ተገይሩ ተሰቢኹ ምንባሩ ይዝከር። ጌታቸው ረዳ ንሱ እዩ ዝደግም ዘሎ። ሐዚ ዝጻወቶ ዘሎ ሓደገኛ ድራማ 'ውን እቲ ናይ ቲም ለማን ናይ ቲም ገዱን ናይ ጥፍኣት Platform እዩ። እሞ ደኣ ሕልና ደቂ ሰባት ዝሰርሕን ዘመዛዝንን እንተኾይኑ ጌታቸው ካብ ደብረጽዮን እንታይ ዝተፈለየ ተኣምር ስለዝሰረሐ እዩ ቲሸርትን ባነርን ኣስሪሑ ብውሑዳት ዘይበሃሉ ወገናት "ኣብይ...ኣብይ..." ዘብል ዘሎ? ኣብ ትግራይ ሓደገኛ ፥ ሕማቕን ሳዕቤናውን [ተዃሳሓይ] ፖለቲካዊ ባህሊ ይንዛሕ ኣሎ። ብሱሩ 'ባ ሰራዊት ትግራይ ዓዲ እንታይ ክሳብ ትኸውን እዩ ተጸሚሙ ዘሎ !?
ሰብ ዝሰኣነ ሰብ

02/09/2024

ቲም በየነ ፍላይ ማንታ ቲም ለማ!!
ስርዓት ኢህወዴግ ብሓሳብ ገጢሞም ከፍርስዎ ዘይከኣሉ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ሸሊኾም ብምእታው ኢህወዴግ ካብ ጉዕዝኡ ሓንኪልኻ ከምዘይትስእ ንምግባር ቲም ለማ ዝብሃል ጉጅለ ፈጢሮም ዕለምኦም ንምስኻዕ ኪኢሎም እዮም። እዚ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ መንገዲታት ሕብራዊ ናዕቢ ብሕታዊ መማረፂ ገይሩ ናብ ስልጣን ዝመፀ ሓይሊ እዩ። እተን ዝተኸተለን ናይ ሕብራዊ ናዕቢ መንገዲታት ብቀንዱ ኣብዘን ዝስዕባ ማእኸል ዝገበራ እየን።
1. ኣብ ዕላማታት ኢህወዴግ ነቕ ዘይብል እምነት ከምዘለዎ መሲሉ ክንቀሳቐስ ፈቲኑ
2. ኩሎም ሚስጥራት ኢህወዴግ ንደገ እናውፅአ ፀላእቲ መውቅዒ በትሪ ረኺቦም ኣብ ልዕሊ ኢህወዴግ ክዘምቱ ኩነታት ፈጢሩ
3. ካብዚ ዝብገስ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ጥርጣረታት : ዘይምትእምማን ከምኡ እዉን ምፍርራጅ ክፍጠር ገይሩ
4. ሲዒቡ ሰፊሕ ናይ መሪሕነት ምጉጅጃልን ምድኻም ሓድነት ኣመራርሓን ፈጢሩ
5. እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ምቁሳል ኣዐርዩ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር ክኸውን ሰፋሕቲ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ ሰሪሑ
6. ብኒ ጅሃርን ስዩም ተሾመን ዝምራሕ ቅልብተኛ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጉጅለ ወዲቡ ኣንፃር ኢህወዴግ ኣሰሊፉ
7. ብሽም ለውጢ ኢህወዴግ ዘግለሎም : ዝተኣሰሩ : ባንዳታት : ናይ ደርጊ መኮነናት ናብ መሪሕነት ኣምፂኡ
8. ብሽም ለውጢ ናይ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ትካላት ኣፍሪሱ
9. ብሽም ሪፎርም ናይ ሚድያ : መከላኸልያን ድሕንነትን ትካላት ኣሽመድሚዱ
10. ንስርዓት ፍትሒ ፉሉይ ጠበቓ ብምምሳል ኮርኮርቲ ኣጀንዳታት ከም ሜይቴክ ተዘሚቱ ዝመስሉ ዛዕባታት ቐሪፁ:ብሄር ተኮር ዝኾኑ ለጠፋት እናፈጠረ ፀረ ህዝቢ ተሰሊፉ። የቀን ጅብ : የድሮዎቹ : ለመድየዎቹ: 11 ወዘተ ኢሉ ኣበሳቢሱ።
11. እቶም ኮርኮርቲ ኣጀንዳታት ከባብያዊ መልክዕ ብዘትሕዝ መልክዑ ዶክመንተሪ ፊልሚ እናተሰርሐ ብኹሉ ዓይነት ሚድያ ደጋጊሙ ኣጋዊሑ
12. ኣብ ኩሉ ከባቢ መበገሲ ዘይብሎም ናዕቢታት ብምውላዕ ሰራዊት በትን-በትን ተወጢሩ ክዳኸምን ብቐሊሉ ዝምእዘዝ ክኸዉንን ገይሩ
13. ዓንታራት ለያቡ ንጎኒ እናገደፈ ንዝወየነ ሓይሊ ሰበብ ኣስባብ እናፈጠረ ኣሲሩ:ኣበሳቢሱን ቐንፂሉን
14. ብዕሊ ስርዓት ኢህወዴግ ኣፍሪሱ ስርዓት ብልፅግና ኣተኣታትዩ። በዚ ከየብቀዐ ድማ ነቲ ማእገር ኢህወዴግ ዝነበረ ህወሓትን ብሄሩን ክሳብ መወዳእታ ንምጥፋእ ዘራያት ኣኪቡ ወራር ፈፂሙ። በቲ ወራር ዕላምኡ ከሳኽዕ ስለዘይከኣለ ድማ ከምታ መንነቱ ህወሓት መሲሉ ህወሓት ዘፍርስ ፍላይ ማንታ ቲም ለማ ዝኾነ ቲም በየነ ሒዙ ኣብ ትግራይ ርሑቕ ዝተጉዓዘ ይመስል። እዚ ፍላይ ማንታ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ስርዓት ብልፅግና ንምትእትታው ዝኸደን ዘሎ መንገዲታት ኸ ከመይ ይግለፃ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ።
1. ቲም በየነ ቁፅሪ ሓደ ጠበቓ ህወሓት መሲሉ ብዛዕባ ኣፍልጦ ህወሓት : ብዛዕባ ጉባኤ ህወሓት : ብዛዕባ ቓልሲ ህወሓት ብሚድያ ናይ ይምሰል ውግንንኡ እናንፀባረቐ ከደናግር ፈቲኑ
2. ኩሉ ዓይነት ሚሽጥር ናይ ኣደባባይ ብምግባር ደጋዊ ፀላእቲ ንውሽጣዊ ኩነታትና ተበሊፆም ስልቶም በቢእዋኑ ከመሓይሹ በትሪ ኣቐቢሉ
3. ናይ መሪሕነት ሓድነት ዝዘርጉ ኣሉባልታት እናምፅአ እቲ መሪሕነት ኣብ ዕንክሊል ክኣቱ ገይሩ።
4. ንምጉጅጃል ብገንዘብን ብሓሳብን ምዕሩይ ባይታ ፈጢሩ።
5. እቲ ዝተዘረገ ሓድነት ከይዕሪ ኣኼባ ከይካየድ እናዓፈነ ትግራይ ብዝተኣከበ ዓቕሚ ከይትምራሕ ብግልባጡ ብዉልቀ መለኽቲ ክትሽክርከር ኩነታት ንምፍጣር ፈቲኑ
6. ኩሉ ዓይነት ሚድያ ተጠቒሙ ሰፊሕ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን መደብ ብሕንፃፅ ኣንፃር ህወሓት ተሰሊፉ።
ከም ብዓል መዘክር ኣባዲ ዝበሉ ብገንዘብ ገዚእኻ : ህዝቢ ኣደናጊርኻ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ናዕቢ ክሰጋገር ዘድሊ ኩሉ ፋሲሊቲ ኣማሊእኻ ንምስረታ ብልፅግና ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ይገዓር ኣሎ።
7. በቢ እዋኑ ሽማ ሽም እናቐረፀ ቅቡልነት ክረክብ : ዝደናገር ማ/ሰብ ከስፍሕ ሕጊጥ ዝብል ዘሎ እዩ። ደለይቲ ኩናት: መሻርኽቲ ሻዕብያ : ቁርዲድ : ፀረ-ለውጢ : እንዳ ኣደመ : እንዳ ሓወልቲ : ደለይቲ ወንበር ወዘተ እናበለ ውድብ ክወቅዕ ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እዩ።
8. ሰብ ሓሳብ ብሓሳብ ተቐላሊሱ ዝጠቅምን ምርድዳእ ዝተበፅሖን ሒዙ ንከይኸይድ ከም ደርጊ መድረኽ : ምይይጥ ዝፈርሕ ኣኼባ ከይግበር ኢሉ ክሳብ ጎጥ ሰርኩላር ዘውርድ እዩ
9. ብሽም ሪፎርም ዝተባረሩ: ፀረ መኸተና ዝተሰለፉ :ቕሬታ ዘለዎም: ብድሕረት ቅድሚት ዝርኣዩ ብላምባዲና እናኣለሸ ኣኻኺቡ ኣንፃር ህወሓት ዘሰልፍ ዘሎ እዩ
10. እዚ ብቕሬታ ዝተኣኻኸበ ሓይሊ ብሕዚ ረኸብክዋ ፅባሕ ሰኣንክዋ ክያዶ ሚልዮናት ዝዘረፉ ኣብ ጓጉኡ ሓቒፋ ንመስመር ህወሓት ወጊኖም ብምቅላሶም ክልተ ኪሎ እኽሊ ኣጠፋፊእኹም ብዝብል ሰበብ ወየንቲ ዝሃድን ዘሎ እዩ።
እዚ ፍላይ ማንታ ሕዚ ካብ ናይ ቲም ለማ ስልቲ ዝፍትነን ዘሎ ግን መሊኡ ዘይተግበረን ተሪፈንኦ ዘለዋ እዘን ዝስዕባ እየን።
11. በዚ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዝምራሕ ድሕረትን ከባብያዊነትን ዝዓብለሎ ሕብራዊ ናዕቢ ምውላዕ በዚ ኣቢልካ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብረት ከቕንዕ ምግባር: ፒፒ ብሽም ምርግጋዕ ሰተት ኢሉ ትግራይ ዝኣትወሉ ዕድል ምፍጣር
12. ህወሓት ብዕሊ ኣፍሪስካ : ምስ ሰራዊት ፒፒ ተሓባቢርካ ዝወየነ መሪሕነት ህወሓት ዝቕንፀል ቐንፂልካ ዝእሰር ኣሲርካ ትግራይ ከም ሀገራ ናብ ፒፒ ደሚርካ ስልጣን ቢሒትካ ን ንጉሰ ነገስት ፒፒ ጉምብሕ ጥልዕ ዝብል ንጉስ ትግራይ ምፍጣር እያ። ነዚኣ ንምብፃሕ እዩ ቲም በየነ ዝጋዓር ዘሎ። ሕዚ እታ ቓልሲ ንሓሳብ ቲም በየነ ወሲድካ ብልፅግና ምቕባል ወይ መስመር ህወሓት ክቕፅል ገይርካ ናይ ንግስነት ኣተሓሳስባ ምፍራስ እያ ትኸውን። ፅቡቕነቱ ህዝቢ ትግራይ ዝነቐሐ ስለዝኾነ እታ ድሌቶም ፈሊጥዋ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ እናሃለወ ህወሓት ይትረፍ ባንዳ ኮይንኻ ታንኪ ተዓጢቕኻ እውን ኣይትፈርስን። ቲም በየነ እዚኣ ምኻና ስለዝፈለጠ ድማ ትግራይ ብድሕረት ኸፋፊሉ ነኒባዕልና ከዋድእ ይሰርሕ ኣሎ። ንቓሕ! ኣስተብህል! ኣቃልዕ! ሞግት! ግጠም!!

Znabu Gebremedhin

ኦህዲድ   ለተከፋይ አክቲቪስቶቹና ካድሬዎቹ  አዲስ የፕሮፖጋንዳ ስልጠና መስጠት ጀምሯል ። በኦህዲድ አዲሱ  የካድሬ ስልጠና  ውስጥ የኦሮሞ ነፃነት ጦርና ህወሓት  በጠላት ተፈርጀዋል ፣ በተ...
02/09/2024

ኦህዲድ ለተከፋይ አክቲቪስቶቹና ካድሬዎቹ አዲስ የፕሮፖጋንዳ ስልጠና መስጠት ጀምሯል ።
በኦህዲድ አዲሱ የካድሬ ስልጠና ውስጥ የኦሮሞ ነፃነት ጦርና ህወሓት በጠላት ተፈርጀዋል ፣ በተለይ ህወሓትን በደብረፅዮን የሚመራው ቡድን በማለት አስቀምጦታል ፣ አማርኛ ተናጋሪ አክቲቪስቶቹ የደብረፅዮን ቡድን የሚል ከፋፋይ ፕሮፓጋንዳ ተከታታይነት ባለው መልክ በአማርኛ ቋንቋ እንዲያሰራጩ ስልጠና እየተሰጣቸው ስለመሆኑ መረጃው ደርሶኛል ።

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Times posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share