KIROS Alemayehu

KIROS Alemayehu ለትግራይ ህዝብ ደሕንነት እንታገላለን Tigray First

This week as of 1986 of this month
02/11/2023

This week as of 1986 of this month

ኣማራፂ ውድብ ህወሓት 2 ( ከባቢያውኑ ጀሚራኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ከም ኣማራፂ ክጠቅም ዝኽእል ጥዑይ ዝትግበር ሓሳብ ዘለዎ ውድብ ምጥያሹ ጨለ እዩ።እዞም ሰባት ዝመርሑዎ ውድብ ግን ...
14/05/2023

ኣማራፂ ውድብ ህወሓት 2

( ከባቢያውኑ ጀሚራ
ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ከም ኣማራፂ ክጠቅም ዝኽእል ጥዑይ ዝትግበር ሓሳብ ዘለዎ ውድብ ምጥያሹ ጨለ እዩ።
እዞም ሰባት ዝመርሑዎ ውድብ ግን ህወሓት ቁፅሪ 2 ወይ ናይ ብዓል ኣለም ገብረዋህድ ኣማራፂ ውዳበ ከምዝኾነ ጥርጣረ ኣሎ

13/05/2023

ኣብ ትግራይ ሕማቕ ባህሊ ኣሎ
ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ድማ ይገድድ
ተፀጊሙ ከይመውት ንዝለመነ ሰብ « ይርዳእኻ » ኢሉ እናባረረ ናይ ዝሞተ ሰብ ከፅድቕ ተስካር ዝገብር
ንባዕሉ ዝኽደኖ ስኢኑ ደቁ ኣበ መኣዲ ጎሮቤት ሃነን እናበሉ ናብ መርዓ ግሮቤት ኣረቂ ተኾልኲሉ ክርአ ዝዕጅብ ከይብሃል ተለቂሑ ውራይ ዝገብር ድሑር ህዝቢ እዩ።
= ኣብ ውቕሮ ድማ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ዝተኣታተወ « መረባን ዘይተወድአ ህንፃታትን እናተኻረዩ ካብ ሰብ ገንዘብ ንምሕላብ ዝግበር ምርቓ ዝብሃል ነውራም ባህሊ እሎ። ሕጂ ድማ ተጋዲዱ ኣብዚ ሰሙን ክጅምር ዕድመ ወረቐት ይብተን ኣሎ
ቃልኪዳን ኣብርሃምን ሳራን ይግበረልኩም፣ እንተ ስድራ ከያኒ የውሃንስ ( ኣያ ዘርኢብሩኽ ፍረዩ ጽገዩ

« ሎተሪ ጥምቀት ዝገበረኒ » መወዳእታ  ክፋልሓሙስ ኣብ ቢሮ ውዒለ ንዓርቢ ኣፍቂደ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መቐለ ምስ ኣዕሩኽተይ ኢና ክነሕልፍ። እቲ ዓርከይ ደዊሉ ከይተርፍ ፅቡቕ እንግዶት ከየም...
05/05/2023

« ሎተሪ ጥምቀት ዝገበረኒ »
መወዳእታ ክፋል
ሓሙስ ኣብ ቢሮ ውዒለ ንዓርቢ ኣፍቂደ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መቐለ ምስ ኣዕሩኽተይ ኢና ክነሕልፍ።
እቲ ዓርከይ ደዊሉ ከይተርፍ ፅቡቕ እንግዶት ከየምልጠኒ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ክርከብ ከጠንቅቐኒ ምስ ደወለለይ፣
« ዋይ ሕደጎ ባዕለይ እየ ዝጋብዘካ ፣ ሽሻይ ወሪዱልይ እዩ » ኢለ ዕጉግ ኢለሉ እየ። ስርሐይ ስርሕ ቀንየ ዓርቢ ኣኺላ። ዓርቢ ኣብ ስራሕ ስዓት ገንዘበይ ካብ ባንክ ክቕበል ኢለ እየ እታ ዕለት መሪፀያ። እምበር እቲ ድግስ ቀዳምን ሰንበትን እዩ። መሳርሕተይ 'ውን ኩሎም ሎተሪ ከምዝብፅሐኒ ነጊረዮም ኣርእየዮም ተሓጒሶም እዮም። ንገለገሊኦም 'ውን ናይ ደስደስ ጋቢዘዮም እየ። ብንጉሁኡ ካብ ድቃሰይ ተሲአ ተሓፃፂበ፣ ተጨሓሒመ ክዳውንተይ ቀይረ። ገዛይ ኣፍ ፅርግያ እዩ፣ ወፂአ ናብ መቐለ ትሓልፍ መኪና ክፅበ፣ መመሊአን ይሓልፋ፣ ፀኒሑ ድማ ትሓልፍ ሚኒባስ ስለዝሰኣንኩ፣ ተመሊሰ ቅሩብ ክፀንሕ ናብ ገዛይ ኣትየ። ምስትያት ርኣእየ፣ ፅቡቕ ምዃነይ ኣረጋጊፀ መንበር ስሒበ ኮፍ። ዝገብሮ ስኢነ ነታ ናይ ፈጣን ሎተሪ ካርድ ብጥንቃቐ ሸፋፊነ ካብ ዘቐመጥኩሉ ቦርሳ ጁባይ ኣውፂእ ኣብ ጣውላ ዝነበረ ሓምሳ ሳንቲም ገይረ ነቲ ዝተፋሕፍሐ መሸፈኒ ሚስጥራዊ ቁፅሪ ከፅርዮ ኢለ ብ4ቲኡ መዓዝን እናዘርኩ ፍሕፍሕ ኣበልኩዎ። በዚ ዘይበልኩዋ፣ ዘይሓሰብኩዋ፣ ካበይ ከምዝወፀት ካብ መሬት ድያ ፈሊቓ ካብ ሰማይ ነጢባ እንድዒ፣ ንመንሞ ክነግሮ ? እታ ካርድ ግን ንሳ ባዕላ እያ። ደጊመ ፍሕፍሕ በቃ 2 ቁፅሪ ብቅድሚ እታ 5000 መፂኣ ኮፍ ኢላ። ሰለስተ ናይ 5000 ወይ 3 ናይ 25000 እተዝኸውን እዩ ዝዕወት። እታ መበል 3ይቲ 5000 ብቅድሚት ዘይተፈሓቖት ቁፅሪ 2 መፂኣ 25000 ገይራትለይ፣ እዚ. ኩሉ ሰብ መሪቑኒ ፣ 50 ቅርሺ መስርሒ ቤተክርስቲያን ሂበ ፣ ንሰብ ጋቢዘ፣ መቐለ ከይደ ክጋብዝ ፈኪረ ባዶ ወፂአ። « surprise ድዩ sadprise » እንድዕሉ ደንፅዩኒ በርድግ እየ ዝበልኩ! ደው!! ሽዑ ኣብ ገዛይ ንበይነይ ዝስሓቕኩዎ ሰሓቕ ክሳብ ሎሚ ኣይርስዖን። ብቀጥታ ናብ ቢሮይ እየ ከይደ፣ ኩሎም ብሕጉስ ገፅ ብፍሽኽታ ተቐቢሎምኒ። ብፍላይ እቶም መቓርብተይ ሕጉስ ገፆም ይርኣየኒ። ካብዚ ኩሉ ንታ ካርድ እናተቐባበለ ዝርኣያ ሰብ ሓደዶ ዘስተውዕል ይስኣን???
ተፈፂሙ
By Kiflom Ghirmawi

«  ሎተሪ ጥምቀት » ፪ይ ክፋልማርያም ማርያም ማርያም... ምህልላይ ቀፀልኩ። Yes!!! ዓሽ! ዓሽሽ!! 5000 ብር ታሕጓሰይ ዘካፍሎ ሰብ ደልየ የማነ ፀጋመይ ገምባዕ ተበልኩ ፅርግያ ጭር ...
05/05/2023

« ሎተሪ ጥምቀት » ፪ይ ክፋል
ማርያም ማርያም ማርያም... ምህልላይ ቀፀልኩ። Yes!!! ዓሽ! ዓሽሽ!! 5000 ብር ታሕጓሰይ ዘካፍሎ ሰብ ደልየ የማነ ፀጋመይ ገምባዕ ተበልኩ ፅርግያ ጭር ኢሉ። ብቀረባ ዝነበሩ 3-4 ቆልዑ ጥራሕ ፣ ኣማራፂ ኣይነበረንን፣ « ኣታ ርአዩለይ ሎተሪ በፂሑኒ » ኢለ ዓውዓው እናበልኩ ፀሓይ መሲለ ቀረብኩዎም፣ ከምዛ ሽካ ቆሊባ ካብ ኢደይ መንጢሎም ክፍፍ ኢሎም
« ዋይ ዕድለኛ ያዓኺ 5000 በፂሑዎ » እናበሉ ልዕለይ ክምስምስ በሉ፣ ሎተረይ ምንጥል ኣቢለ ናብ ጥምቀተይ። ኣዕሩኽተይ ከበስሮም ሃፂፀ እየ። ግን ክኣ ስልኪ ኣብዩኒ። ገና 2 - 3 ስጉምቲ ከይከድኩ ሰባት ክኸብቡኒ ጀመሩ፣ ለከ እቶም ቆልዑ ድሮ ንድሮ ‹ ሎተሪ በፂሑዎ › ዝብል ወረ ውጅዕ ኣቢሎምዎ።
« ኣታ ሎተሪ በፂሑኳ? እንኳዕ ሓጎሰካ ፣ እስኪ እስኪ » እናበሉ ተቐቢሎም እናርአዩ እናተቐባበሉ « ዋይ ደስ ዝብል ዕድል፣ ጥምቀት መዓልቲ ርሒሱዎ፣ ዕድለኛ ...» እናበሉ እናመረቑ ንካልእ ዝመፀ እናሃቡ ብዙሓት ሰባት ተቐባበሉዋ።
« ዎዎ ኣታ ሓወይ ፣ ሰብ በዚሑ ኣምሉቕ ከየብሉልካ ሓዝ ሎተሪኻ » ዝብል ምኽሪ ይሰምዕ’ሞ « በሉ በሉ ሃቡ ካርደይ » ኢለ ተቐቢለ መንገደይ እንትቕፅል ናብዛ እንዳ ጥምቀት መጥወዩ ኣብዘላ ጎደና ኣብዛ ኣፍደገ ህዝባዊ ኣዳራሽ ውቕሮ መንፀፍን ፅላልን ዘርጊሖም ዝልምኑ ሰባት
« ህንፃ ቤተክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ነስርሕ ኣለና፣ ንበረከት ክኾነኩም ዘለኩም መፅውቱልና» ክብሉ ሰሚዐ ኣብ ጁባይ ካብ ዝነበረኒ ገንዘብ 10 ብር ፈልየ ከውፅእ እንትብል 50 ቅርሺ ባዕላ ጠፋሕፋሕ ኢላ መሸት ኢላ። እቶም ሎተሪ ከም ዝበፅሐኒ ዝርአዩ ሰባት « በቃ ንሳ ሃቦም ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ እኮ እዩ ብጒሓቱ ሽሻይ ሂቡኳ ዘሎ፣ ሃቦ » ይብሉኒ። እሞኮ ንሳቶም ሳንቲም ኣይሃቡን። ኣነ ግን ደስ ኢሉኒ ‹ ድርኡኸ ንዘየውፅአ ዶ ይትክአሉ?› ኢለ እዛ 50 ቅርሸይ ድርብይ። ኣብቲ ማይ ጥምቀት ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ ካልእ ግዘ ብዙሕ ነይሩ። ፈረንጂ'ኳስ ዳርጋ ሓደ ኢድ ይኾኑ። ብቀረባ ዝፈልጦ ሓጎሰይ ዓው ኢለ ዝነግሮ ስብ ሕልው ክብለኒ ኣይክኣለን። ካልኦት ስባት ግና እናተጠቋቖሙ ናባይ እናመፁ፣ ሎተሪ ካርደይ እናተቐባበሉ « እናኳዕ ሓጎሰካ » ዝብሉ ብዙሓት ነይሮም። ብምንዋሕ እቲ ቅዳሴ ንዝተሃከየ ሰብ ፅቡቕ መዘናግዒ ኮይኑሉ። እንተኣነ ግን ኣብ ልእሊ እቲ ሓለዋ እታ ካርድ ቀልጢፈ ተገፂበ ናብ ገዛይ ምህፃፀይ ፅዕንቶ ፈጠረለይ። እዋይ ኣታ ከመይ እዩ ዝነውሐኒ። እዛ ካርደይ ስውር ከየብሉለይ እሞ ‹ ርኢኹምዶ ኣይርአናን › ከይፃወቱኒ መንጢለ ሓንቲ ኢደይ ኣብዛ ጁባይ ዋርድያ መዲበ ብግደይ ተፀብየ ተጠሚቐ ካብ ማእኸል እቲ ኩሉ ህዝቢ ቅድሚት ንምውፃእ ኣስማት ዘለኒ እየ መሲለ። ብሓውሲ ጉያ ኣብቲ ከባቢ ናብ እትነብር ጓል ሓትነይ ድንብር በልኩዋ። ምስ ሰላምታይ ደሪበ « ጓል ሓፍቲ ጥምቀት ምድሪኮ ቀኒዑኒ 5000 ብር ሎተሪ በፂሑኒ፣ ክሐጉሰኪ እየ ክጋብዘኪ » ይብላ። ገዲሹዋ ድዩ፣
« ኢ¡ ወሪዱኳ¡ በል ኮፍ በል ኣብ ፅቡቕ መፂእኻ ቁርሲ ሰራሪሐልኩም እየ ፀኒሐ » ትብለኒ። ሓቀይ ምዃነይ ደጊመ እንተተዛረብኰስ ታይላ ክትሰምዐኒ ፣ ስለዘይኣመነትኒ። ተስፋ ቆሪፀ፣ ቁርሲሞ ዘይነፈሰለይ ከመይሉ ክወርደለይ። ሓዲገያ ገዛይ። ኣደይ ይኹን ኣሕዋተይ ነጊረዮም ኣይሰምዑንን። እታ ካርድ ርኣዩዋ ኢለዬም ርእዮም ኣየስተውዓሉለይን። ኩሉ ግዜ ዝቕልድ እዩ ዝመስሎም። ስሉስን ረቡዕን ናይ ወፍሪ ስራሕ ስለዝነበረኒ ንሰን ስርሕ ቀንየ። ሓሙስ ኣብ ቢሮ ውዒለ ንዓርቢ ኣፍቂደ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መቐለ ምስ ኣዕሩኽተይ ኢና ክነሕልፍ። ፫ ክፋል ይቕፅል by Kiflom Ghirmawi

« ሎተሪ ጥምቀት ዝገበረትኒ »መዓልቱ ሶኒ ዕለት 11 ጥሪ 2003 ዓም ኮይኑ ብመቑፀሪ ዕለት ( calendar እውን ዝኽበር ብዓል ጥምቀት እዩ ነይሩ። ካብ ናይ ቤት ዕዮ ስራሕ እውን ዕረፍቲ...
05/05/2023

« ሎተሪ ጥምቀት ዝገበረትኒ »
መዓልቱ ሶኒ ዕለት 11 ጥሪ 2003 ዓም ኮይኑ ብመቑፀሪ ዕለት ( calendar እውን ዝኽበር ብዓል ጥምቀት እዩ ነይሩ። ካብ ናይ ቤት ዕዮ ስራሕ እውን ዕረፍቲ ስለዝነበርኩ ምስ መሓዙተይ ኣብ ውቕሮ ክነሕልፎ ብዝተቋፀርናዮ መሰረት ናብ ውቕሮ ኣምሪሐ። ይኹን እምበር ኣብታ ክንራኸበላ ዝተበሃሃልናላ ቦታ ኣይፀንሑንን። በቲ ዕለት ኩሉ ሰብ ናብ ሩባ ገንፈል ስለዝወርድ ፅርግያ ዳርጋ ጭር ኢሉ ነይሩ። ባጃጅ ከይተረፈ ኣብ ፅርግያ ሕልው ዝብል ኣይነበረን።
ብተለምዶ ኣብቲ ከባቢ ሓወልቲ ምስ በፃሕኹ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝመስለኒ ዝነበረ ብሱፍ ዝማዕረገ ቅጥን ንውሕ ዝበለ ወዲ ኣብ ኢዱ ናይ ሎተሪ ካርድ ክሸይጥ እናዘወረ ኣብ ቅድመይ ጎነፈኒ። ተወሳኺ ስራሕ ፅቡቕ ምዃኑ ዝኣምነሉ እኳ እንተኾነ በቲ ግዜ 'ቲ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ስራሕ ክረኽቦ ኣይተፀበኹዎን ነይረ። ብዝኾነ ንከተባብዖ ክልተ ዝፍሓቑ ካርድ ፈጣን ሎትሪ ብሕሳብ ሓደ ቅርሺ ዓዲገ እናፎሓቕኩ ናብ ሜዳ ጥምቀት ሰጎምኩ። ኣብቲ ቅንያት ንሱ ወሳኒ ጉዳይ ስለዝነበረኒ ካብ ልቓሕ ነፃ ዝኾነ ወይ ብህፁፅ ዘይምለስ 4000 ብር የድልየኒ ነይሩ። ሓሳበይ ኩሉ ‹ ከመይ ገይረ ክረክብ ይኽእል?› ኣብ ዝብል ምስትንታን እየ ቀንየ ነይረ። ምስኡ ድማ ሓደ ኣብ ዞባ ማእኸል ዝነብር ዝነበረ ዓርክና ናብ ወፃኢ ክኸይድ ኣብ መቐለ ተረኺብና ክነፋንዎ ክድግሰና ዓዲሙና ስለዝነበረ ናይ ሻሂ ቡንን ናይ መኪናን ዝኸውን ካብ ቀለበይ ነክየ ካልእ ገንዘብ ክሕዝ ኣብ ምድላው እየ ነይረ። ስለዚ በለስ ቀኒዑኒ « ክውሃብ ዝብልስ እናሃበ ይነብር » ከይከውን እናሰጋእኹ ዋላ ብውሑድ መጠን ሎተሪ ክበፅሐኒ እናተመነኹ እየ ነይረ። ካብ ዝነበራ ሓንቲ ፈጣን ሎቶሪ ሓንቲ ነብሳ ክኢላ፣ ሓደ ቅርሺ በፂሓትኒ። ኣብ ከባቢ ዲኦ ወይ ቴለ ምስ በፃሕኹ ድማ ካልእ ሎተሪ ዘዝውር ሰብ ስለዝረኽብኩ እታ ፩ ቅርሺ ዝበፅሐትኒ ካርድ ሂበ ካልእ ካርድ ፈጣን ሎተሪ ሂቡኒ ከይዱ። ኣነ ብዓሰርተ ታሳንቲም ነቲ ዝተሸፈነ ሚስጥራዊ ቁፅሪ ምፍሕፋሕ ቀፀልኩ። ዝተባረኸ ምፍሕፋሕ ክኾነለይ ብሓውሲ ፀሎት ብየማን እየ ጀሚረ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሕቡእ 3 ተመሳሳሊ ቁፅሪ እንተረኺብካ ናይቲ መጠን ተዓዋታይ ምዃን እዩ እቲ ፀወታ። ምፍሕሐይ ቀፂለ 3000 : ወፂኣ ቀፂለ 1000 : ወፂኣ ቀፂለ 5000 : 25000 :ክላእየብላን ግዲ ኢለ ግና ዝፍሕፋሕ ገና ኣይተወድአን ቀፀልኩ 5000 ብር ደጊማ ኣብ ኣፈይ ምራቐይ ክብርክት ፣ ትርግታ ልበይ ክውስኽን እስትንፋሰይ ክቆራረፅን ተሰምዐኒ። ቅድሚ እዛ ዕለት ብዙሕ ግዜ ዝተፈላለዩ ሎተሪታት ዝፈተንኲ'ኳ እንተኾነ እታ ዝዓበየት ኣብ ቢንጎ 500 ብር : ኣብ ፈጣን ሎተሪ 100 ብር ኣብ መደበኛ 10 ብር ኣብ ሓርማዝ ድማ 20 ብር በፂሑኒ ይፈልጥ ነይሩ። ኣብ ናይ ሚለንየም ናይ መጀመርያ ግዘ 1 ሚልየን ብር ሽልማት ኣብ ዝነበረሉ ዓም ኣነ ስኣን ሓንቲ ቁፅሪ ኣምሊጣትኒ እውን ትፍልጥ እያ። ሽዑ ተዓዋታይ ቁፅሪ 212121 ነይሩ ናተይ 212122 ኮይና። ዕድለይ ክጥቀመሉ ምፍታን እየ ዝፈቱ፣ ምኽንያቱ « ኣነ ሎተሪ ኣይበፅሕሐንን፣ ክፍለይ ኣይኮነለይን...» ካብ ዝብሉ ኣይኮንኩን፣ የግዳስ ንዘይፍትን ሰብ ሎተሪ ፈጺሙ ከምዘይበፅሖ ይፈልጥ እየ። ብዝኾነ 3ይቲ 5000 ክትወፀለይ እናፀለኹ ካልእ ቁፅሪ ከይወፅእ እናፈራሕኹ ምፍሕፍሐይ ቀፀልኩ። ብየማናይ ጫፍ ቀስ እናበልኩ ትንክፍ 0 ትንክፍ 0 ድግም 0 ንክዕወት ትቕፅል ቁፅሪ 5 ቁፅሪ ንብሕታ ክትወፀለይ ኣለዋ፣ ማርያም ማርያም ማርያም... ምህልላይ ቀፀልኩ ፪ክፋል ይቕፅል
Kiflom Ghirmawi

« ፅቡቕ ዝገበረ ፅቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ »እቶም ንጌቱ ኣለምሰገድ ካብ ዝገጠሞ ፀገም ንምውፃእ ብገንዘብን ምትሕብባርን ዝተሳተፍኩም ወገናት ኣምላኽ ኣብዚሑ ፅቡቕ ይሃብኩም ሕማቕ ኣይትርከቡ...
30/04/2023

« ፅቡቕ ዝገበረ ፅቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ »
እቶም ንጌቱ ኣለምሰገድ ካብ ዝገጠሞ ፀገም ንምውፃእ ብገንዘብን ምትሕብባርን ዝተሳተፍኩም ወገናት ኣምላኽ ኣብዚሑ ፅቡቕ ይሃብኩም ሕማቕ ኣይትርከቡ።
ግን ድማ ወሳኒ ተበግሶን ሓሳብን ዘንቀለ tadele ቦኽሪ appreciate him

እቲ ትፈትዉዎ ኣቦኹም ኣብ ጎደና ተደርብዩ ዘልዕሎ ስኢኑ ኣሎ » እንተዝብሉኹምእቲ ትፈትዉዎ ሓውኩም ስኣን ሰብ ብሕማምን ጥምየትን ኣብ መረባ ቤተክርስቲያን ወዲቑ ኣሎ እንተዝብሉኹምእቲ ትፈትዉ...
27/04/2023

እቲ ትፈትዉዎ ኣቦኹም ኣብ ጎደና ተደርብዩ ዘልዕሎ ስኢኑ ኣሎ » እንተዝብሉኹም
እቲ ትፈትዉዎ ሓውኩም ስኣን ሰብ ብሕማምን ጥምየትን ኣብ መረባ ቤተክርስቲያን ወዲቑ ኣሎ እንተዝብሉኹም
እቲ ትፈትዉዎ ውላድኩም ስኣን ሓጋዚ፣ ስኣን ኣያ ብዕርቃንን ተደራራቢ ፀገምን ይሳቐ ኣሎ እንተዝብሉኹምስ ክንደይ መዓልቲ፣ ክንደይ ሰዓታት ወይ ክንደይ ደቓይቕ ክትሓስቡ ኮፍ ምበልኩም??
በርደግ ምበልኩም
ተጓይኹም ኣድራሽኡ ምኣለሽኩም እንተዘይህልወኩም እውን ተለቂሕኹም ተመርቂሕኹም ንምሕጋዙ ፣ ናብ ገዛኹም ንምውሳዱ ክንደይ ምተፃደፍኩም
ጌቱ ኣለምሰገድ እው ሓውኩም እዩ። ውላድኩም ዝፍቶ ብፃይኩም እዩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ኢደይ ኢድካ ይሓግዝ
ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምጉያይ ብሂወት እንከሎ እተዘይተሓጋጊዝና እንታይ ይዓብስ

ህፁፅ ሓገዝንነብሱ ዝሓደረ መን ኣሎመስራቲ ሰርከስ መቐለ ካራቴስት ድያቆን ጌቱ ኣለም ሰገድ ኣብ ከመይ ከነታት ኣሎ?ካራቲስት ጌቱ ኣለምሰገድ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለም ብፀብለልታ ክትፍለጥ ስ...
25/04/2023

ህፁፅ ሓገዝ
ንነብሱ ዝሓደረ መን ኣሎ
መስራቲ ሰርከስ መቐለ ካራቴስት ድያቆን ጌቱ ኣለም ሰገድ ኣብ ከመይ ከነታት ኣሎ?
ካራቲስት ጌቱ ኣለምሰገድ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ዓለም ብፀብለልታ ክትፍለጥ ስሙያት ብቑዓት ሰብ ሞያ ዘፍረየላ ግዱስ ፣ ቅኑዕን ምእንቲ ሰብ መስዋእቲ ዝኸፍል ሕያዋይን ሰብ እዩ። ካብቲ ኣብ ሞያ ሰርከስ ዝህቦ ንፁህ ኣገልግሎት ብዘይንኣኣስ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሌቱ ዝንኣድን ውፉይን እዩ። ኣብ ብዓል መስቀል፣ ጥምቀትን ንክብሪ ኣምላኹ መስዋእቲ ዝኽፍል እዩ። ካብ ሰርከስ ሎሚ ቅድሚ ዓመታት ጀሚሩ ብሰንኪ ስእነት ጥዕናን ገንዘብን ናብራን ዕለታዊ ሂወቱን ክመርሕ ተፀጊሙ፣ ኢድ ሰብ ተፀባዪ ኮይኑ መሕደሪኳ ስኢኑ ኣብ ቀፅሪ ቤተክርስቲያን ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ተደርብዩ ይርከብ። ጌቱ ግን ሕያዎት ሰብ ሃፍቲ መቐለ፣ ግዱሳት ዓቕሚ ዘለዎም ዘዕብዮም ሰብ ሞያ ሰርከስን እናሃለዉ ከምዚ ኮይኑ ክተርፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ሕያዋይነት ደቂ መቐለ፣ ፍቕሪ ደቂ መቐለን ምትሕግጋዝን ተጋሩ ኣብ ጌቱ በፂሑ መቸም ኣይመክንን። ጌቱሞ ስኩፍ እዩ፣ ብጥምየትን ሕማምን ይመውት እምበር ኣይልምንን። ስለዚ 50 ለሚን ንሓደ ሸኽሙ ን50 ጨና » ከም ዝተብሃለ እዩሞ። ፅቡቕ ንምግባር ሎሚ ብተግባር ንጀምሮ። ብቀረባ ብኣካል እትረኽቡዎ ወገናት ኣተሓባብሩሉ።

20/03/2023

ትፈልጡ'ዶ?
ኣልበማት ኪሮስ ኣለማየሁ
***********************
1.ብ1975 ዓ.ም.....ፍቕረይ ሸውላለ
2.ብ1979 ዓ.ም.... ኣንጉዐይ ፍስስ
3.ብ1981 ዓ.ም..... ምቕናይ
4.ብ1983 ዓ.ም...... ሰብዶ የለይ
5.ብ1984 ዓ.ም ... ሃቢ ክራር
6.ብ1985 ዓ.ም .... ኣይመነኹዋንን

13/03/2023

“Despite the things people told me prior to coming- It is the friendliest country I’ve ever traveled, and I made friends from all over the world. I resonate with the pain of the people of Lebanon as they face devastation in their country, as it is a pain Tigrayans know too well”

ክመርርርንህዝብኻ ኢልካ ክቡር መስዋእቲ ምኽፋልስ ዋግኡ ክንደይ እዩ
01/03/2023

ክመርርር
ንህዝብኻ ኢልካ ክቡር መስዋእቲ ምኽፋልስ ዋግኡ ክንደይ እዩ

ክመርር 😥🙏ሰብኣውነት ዝሓደሮ ሰብ እዚኣ ሼር ከይብለ ክሓልፍ ኣይእልን #ሰላም ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ቀኒኹም🙏እዚ ኣብ ምስሊ ትሪኢዎ ዘለኹም  #ተጋዳላይ  #ኣማኑኤል  #ኣፅብሃ ጊደና ይበሃ...
01/03/2023

ክመርር 😥🙏
ሰብኣውነት ዝሓደሮ ሰብ እዚኣ ሼር ከይብለ ክሓልፍ ኣይእልን

#ሰላም ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ቀኒኹም🙏
እዚ ኣብ ምስሊ ትሪኢዎ ዘለኹም #ተጋዳላይ #ኣማኑኤል #ኣፅብሃ ጊደና ይበሃል:: ነባሪ ከተማ ኲሓ ኮይኑ #ወዲ 20 #ዓመት እዩ:: ብ 7 ሓምለ 2013 ን በረኻ ወሪዱ ኮማንዶ ሰልጢኑ ይጋደል ኔሩ:: ድሕሪ ብዙሕ ዉግእ ብ 30 ነሓሰ 2014 ብ ምዕራብ ግንባር ኣብ ፀሊሞ ዝነበረ ውግእ ክልተ ዓይኑ ስኢኑ(ተጎዲኡ):: ሐዚ ኣብ መቀለ ኣዋሽ ሕክምና ይከታተልሎ:: እቶም ሓካይም ድማ ዝሐሸ ናይ ዓይኒ ሕክምና ተረኺቡ ኣዕንቱ ናይ ምድሓን ዕድል ኣለዎ ኢሎምዎ:: ይኹን ድኣ ቤተሰቡ ከሐክምዎ ዓቅሚ ስለ ዘይብሎም ፎቆዶ ፀበል ሒዘምዎ ይንከራተትለዉ:: ግቡእ ሕክምና ተረኺቡ ዓይኑ ክድሕን ስለ ዝኽእል በይዛኹም ን መሐከሚ ልኾን ብትኽእልዎ ሓግዙኒ ትብል ወላዲቱ መብርሂት ገብረ ሓለፎም::

#ወለዲት- #መብርሂት ገብረ ሓለፎም #0914155845
#ተጋዳላይ ኣማኑኤል #0975267692

ተጋሩ ሕበሩካብ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ይዓቢ።ድሕንነትን ክብርን ህዝቢ ዘየየተሓሳስቦ ፖለቲካዊ ውዱብ ስልጣኑ ካብ ንውልቃዊ ረብሓ ሓሊፉ ንምንታይ ይጥቀመሉ? ካብ ታሪኽ ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎ...
01/03/2023

ተጋሩ ሕበሩ
ካብ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ይዓቢ።
ድሕንነትን ክብርን ህዝቢ ዘየየተሓሳስቦ ፖለቲካዊ ውዱብ ስልጣኑ ካብ ንውልቃዊ ረብሓ ሓሊፉ ንምንታይ ይጥቀመሉ? ካብ ታሪኽ ራእሲ ኣሉላን ራእሲ ሓጎስን ዘይምሃር ትግራዋይ ወዲ ጎንደር ወይ ወዲ ሸዋ መንዝ ክኸውን ኣለው። ኣብ ስራሕ ንእመን ጥንቆላ ብኽነት እዩ

Address

Mekele
Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when KIROS Alemayehu posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category


Other Music Awards in Addis Ababa

Show All