Tigray ሪመይ

Tigray ሪመይ ነጻ ለእላዊት ሃገረ ትግራይ። ነጻ ላእላዊት ሃገረ ትግራይ

25/08/2021

ኣገዳሲ ሓበሬታ
===========

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓሲሉ ዝርከብ ሓይልታት ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ምስ ካብ ማዕለባ ተበጊሶም ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝኣተዉ ብዙሓት ክፍለሰራዊታት ወረርቲ ኣራዊት ኤርትራ ብምምስጣር ናይ ሓይልታት ትግራይ ክዳን ተኸዲኖም ባንዴራ ትግራይ ሒዞም ኣብ ሑመራን ኩለን ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ክዕልሉ እሞ እቲ ተሪፉ ዘሎ ትግራዋይ ወፂኡ ሓጎሱ እንተደኣገሊፁ ክቕተልን ክእሰርን ትማሊ ኣብዝተገበረ ምስጢራዊ ኣኼባ ወሲኖም ኣለዉ። ነዚ ክፉእ ተግባር ዘተሓባብሩ ድማ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኾኑ ሸፋቱ ተወለድቲ ወልቃይት ሐዚ ምስ ሓይልታታ ኣምሓራ ዝሰርሑን ኤርትራውያንን እዮም። ስለዚ ተወለድቲ እቲ ኸባቢ ዝኾንኩም ኣብቲ ምዕራብ ትግራይ ኮይኑ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ህዝብና ነዚ ሓደጋ ቅድሚ ምቅላዑ ኣቐደምና ሓበሬታ ንኽበፅሖም ንግበር።

የቐንየለይ።


13/12/2020

ጥዑም ሓበሬታ
።።።።።።።።።።።
ሰላም ተኬ ሓወይ ከመይ ቀኒካ ቁሩብ ፉኹስ ዝብል ዜና ሕጂ ደዊለ ጸኔሐ ናብ ዓዲ ብወገን ገርሁስርናይ ዝነበረ ሰራዊት ህግደፍ ይስሕብ ኣሎ ሓደ ጎሮቤትና ድማ ብከባቢ ፋጺ ዓዲግራት ዝነበረ ድማ ናብ ኣዲኡ ደዊሉ ተመለሱ ተባሂልና ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ ሰንዓፈ ክንምለስ ኢና ኢሉዋ ኢላትኒ።

ብገርሁ ስርናይ ዘሎ ህዝቢ እውን ዳሃን ኢዩ ብዘይካ ኣብቲ መጀመርያ ንብረት ካብ ዝወስዱሉ ዝኮነ ምብስባስ የብሉም ኣብ ጾሮና መጽዩ የጥሕንን ኣስቤዝኡ ብዘሎዎ ገንዘብ ይጥቀምን ኣሎ።

ኣጥቢቐ ካብ ዝሓተትክዋ ድማ ንብረት ትወስዱሎም ኣሎኽይም ዲኹም ኢለያ ኖ ወታሃድራት ኢዮም፡ወሲዶምሎም ሰሚዕና እምበር ንሕናስ ንረድኦምን ተሌፎን ናብ ወጻኢ ሰቦም ነደውሎምን ኢና ዘለና ኢላትኒ ሞ ጽቡቕ ስለዝኾነ ኢየ ክነግረካ ደልየ ኣጆና ኣጆኹም ዳርጋ ጸልማት ተቐንጢጡ ይመስል! [ ሽመይ ንዓኻ]
#ተኬ

12/12/2020

👉💪ትግረዋይ ስለዝኮንኩ ጥራይ የ ዝሕጎስ ሄርሞን!
"ጠፊአ ውዒለ ቡፆት !!
ደሃይ ዓዲ ከፀናፅን።
እንሄልኩም ደሞ ሐዚ ትብዓትን ንቅሓትን ወለድኹምን ኣሕዋትኩምን ዘርዚርካ ኣይውዳእን። #ኣብ 21 ክ/ዘመን እመኑ ኣይትእመኑ ከሙዚ ዓይነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዘይ ሙቁራፅ ፍሉይ ዓወትን ጀግንነትን ተሰሪሑ ኣይፈልጥን።ህልኽን ሞራልን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከም ናይ እማትካ ትቀንአሎም፣ትስስዐሎም።

ኮሮም ፣ማይጨው ፣ስሓርቲ ሳምረ ኣለኹም ዶ?

ስልኪ ስለዝሰርሕ ኣውጊዐሙኹም ይኮኑ እዮም ሓሳዊ ክትቡሉኒ ንስኩም ምስክረይ ኢኹም።

ንስኹም ክትሕጎሱ ኢለ ኣብ መሬት ዘየለ ኣይዛረበኩምን ኣበደን ኣበደን በቃ።

#ብኣርባዕተ ፍሉይ ሓይሊ ጥራሕ ሽዱሽተ ሲኖትራክ ፀላኢ ዝፀዓና መካይን ሓመድ ዝኮናሉ ግንባር ኣሎ እዚ ናብ ዝርዝር ከይኣቱ ናሰጋእኩ እየ እምበር ቡዙሕ ካብዚ ዝበልፅ ስርሒታት ኣሎ።

#ፀላኢ ብዝገርም መልኩዑ ይረግፍ ኣሎ ሓደሽቲ ድማ ዘይዓቅሞም ገንዘብ ኣብ #ጀበኦም ናሰከመ ናብ ግንባር ይሰዶም ኣሎ ሒዘሞን ከኣ ይረግፍ ኣለው።
ሓደ ዝተሰወአ ወታደር ብልፅግና ክቅበር ገባራት መናኣሰይ ክወስድዎ ከለው እንተነኣሰ ኣብ ጁቡኡ #ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ይርከቦ።ገለ ገሊኦም ክሳብ #ዓሰርተ ሽሕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝርከቦም እውን ኣለው።
እዚ ሓቂ እዩ።ቶም ዝደወሉ ክረጋግፅዎ ይክእሉ እዮም።

ብሓፂሩ ዓወት ናባና
ዕንወት ናብ ፀላእትና እዩ ዘሎ ትጉዳይ።

ሓርነትና ቀረባእያ
ንፃነትና ከኣ ኣብ ቅልፅምና እያ።"
የቀንየልና ጸጋይ ሓውና።

08/12/2020

European Union ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ላዕሎዎት መራሕቲ ብልጽግና ማዕቀብ ኣጽዲቁ.እዚ ማዕቀብ እዚ ንኣቢ ሓዊሱ ናብ ደገ ንከይገሹ ካልእን ዘጠቃለለ ማዕቀብ ዩ... መክንያት እዚ ማዕቀብ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ትግራይን ስደተኛታት ኤርትራውያንን ንክኣቱ መንግስቲ ብልጽግና ስለዘየፍቀደ ዝመጸ ማዕቀብ ዩ::
ወዲዖቅባይ

"  ኩልኩም ተጋሩ  #ሼር ግበርዎ!!==================…………እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እየ በሃላይ አብይን ኣሕመድን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኣወጅዎ ናይ ዘርኢ ምፅና...
05/12/2020

" ኩልኩም ተጋሩ #ሼር ግበርዎ!!
==================
…………እቲ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እየ በሃላይ አብይን ኣሕመድን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኣወጅዎ ናይ ዘርኢ ምፅናት መጥቃዕቲ ተጠናኽሩ ይቅፅል ኣሎ!!

ኣብይን መሻርክቱን ንህዝብና ንምንብርካክን መንነትና ንምፅናትን ሰላማዊ ሓፋሽ ህዝብና ካብ'ቲ ዝትኣወጀልና ኵናት ዓርሱ ንምድሓን መንበሪ ቤታቱ ሓዲጉ ፈቆዶ ስደት ከርተት ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን
ሕዚ ድማ ሓዱሽ ሽርሒ ወጢኖም ሰራዊት እቶም ፋሽሽታውያን ኣብ መሬት ትግራይ ብፍላይ ድማ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝጓዓዝን ዝስደድን ፅጉም ወገን ከይህሉ ነዚ ሕጊ እዙይ ጥሒሱ ብምፍላጥ ኾነ ብዘይምፍላጥ ናብ ዶባት ሱዳን ንዝጓዓዝ ውፁዕ ህዝብና ናይ'ቶም ብሓሙሽተ እግሮም ናብ መሬትና ዝኣተዉ ትርፍራፍ ምክኳት ሓይሊታት ምልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ብቀጥታ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ስጉምቲ ብምውሳድ ይቅንፅልዎም ኣለዉ !!

እዚ ሽርሒ ክውጠን ዝክኣለ እቲ ናይ ሕሾት ለቆታ ዕሉል ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ ንዓለማት ንጉጅለ ሕቡራት መንግስት " UN " ሕዚ ዝስደድ ዜጋ የብልናን እቲ ዝተሰደደ እውን ናብ መንበሪ ኣብያቱ ንምልሶ ኣለና ኢሉ ብሕሾት ስለዝመስከረ እዙይ ንከይፍሸሎ ድማ ሽርሒ ወጢኑ ንፁሃት ወገናትና ዜጋታትና ግዳይ ናይ'ዚ መከራን ፀበባን ንክኮኑ የብቀዖም ኣሎ!!

ንፀላኢ ግንባር ንግንባር ገጥምና ንኳሸሖምን ንቀብሮምን ኣለና ኢና;
ይኩን 'ምበር ፀላእቲ ናብ መሬትና ብዝኣተዉዎ ኣጋጣሚ ተጠቅሞም ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ብዙሕ ግፍዒታት ይፍፅሙ ኣለዉ እዮም!!

ስለ'ዚ ኣብ መላእ ኩርናዕ ዓለም እትርከቡ ኩልኩም ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን እዚ መልእኽቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዓለም ናብ ኩሉ ዓለም ክተብፅሑን ኣብ ልዕሊ ንፁህ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒታትን ክተቃልሑ ብትሕትና ንምሕፀን!!

እየ ካብ መይዳ ገድሊ [መይዳ ተጋደልቲ]
》ብኩሉ መዳያዊ ቃልሲ መድሒን ህዝብና ንኩን !
》ብቐላፅምና ንሕና ንዕወት!
ሃገር ትግራይ ዝበለ ይዕወት💪✊💪"
ሓድነት ተጋሩ

  ዜና ውዕሎ ወይን!==================          [ ሕዳር 25/2013 ዓ.ም ግዕዝ ]………… ቕድሚ ኣዋርሕ ትግራይ ዓለም ድያ ሃገር ዋላስ ኣህጉር ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኔሩ...
04/12/2020

ዜና ውዕሎ ወይን!
==================
[ ሕዳር 25/2013 ዓ.ም ግዕዝ ]
………… ቕድሚ ኣዋርሕ ትግራይ ዓለም ድያ ሃገር ዋላስ ኣህጉር ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኔሩ ሕዚ ግን እዚ ሕቶ ንዓይ እውን ሕቶ ኾይኑ ረኽበዮ ግን ድማ ልክዕ እዩ ትግራይ ልዕሊ ሃገርን ኣህጉራትን ብሓይሊ ፈጣሪኣን ብቐላፅም ደቓን ንኩሉ ምድራዊ ሓይሊ ዓርመሸሽሽሽሽ እተብል ልዕሊ ዓለም እያ!!

~~ዕሉላት ፋሽሽታውያን ፀላእትና ዋላ 'ኳ ነቲ ዘይሃስስ ታሪኽ ኣያታትና ከህስሱ ነቲ ዘይጠፍእ መንነትና ንከጥፍኡን ላሕ እንተበሉ እቲ ሓቒ ግን እዙይ እዩ "ንሳቶም ናይ ኣያታቶም ኣይሓድጉን ንሕና ካብ ኣያታትና ኣይንንእስን "
እዚ ብሂል ዝዓይነቱ ረዚን ቓል ድማ ኣብ መሬትና ይጭጨፍ ኣሎ እዩ!!

👉ኣብነታዊ ዕለታዊ ረዘንቲ ዓወታትና💪🥰👇

ፀላኢ ኣብ ኩለን ግንባራት ኣብ ኩሉ ዝሓረናዮን ዝመረፅናዮን ኣንፈትን ቦታን ብሓይሊ ኣምላክናን ብቐላፅምናን ከም ቆፅሊ ሓጋይ ይረግፍ ኣሎ!!


~~~ሎሚ ዕለት ሰራዊት ፀላእትና ፋሽሽታውያን ካብ ኮረም ብ 25 ኣውቶብሳት ተፃዒኖም ናብ ማይጨው ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን ሜላ ረዚን ቐላፅም ሰራዊትና ኣብ ከባቢ ጎልጎል ሕጉምርዳ ምስበፅሓ ብዝወሰዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እተን 23 ኣውቶብስ ምስ ምሉእ ሰራዊተንን መካናይዝደንን እንትድምሰሳ ኣብ እተን ክልተ ኣውቶብስ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ፀላኢ ህድማ ፈጢሮም እዮም!!
ነዞም ህድማ ዝፈጠሩ ኣባላት ሰራዊት እውን እንዳሃደና ነቃብፆም ኣለና ኢና!!

~~እቲ ናይ ዕሉል ፈሽሽታዊ ድጋፍ ንምኳንን ሕነ ንምፍዳይን ናብ መሬትና ዝመፀ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ኩለን ግንባራት ነቅ ዘይብል ኪሳራታትን ዕንወትን ሞትን ይገጥሞ ኣሎ
ካፍትን ንብረትን ደም ርሃፅ ህዝብና ናብ ኤርትራ ኣብ ምጉዕዓዝ ተፀሚዱ ዝነበረ ጉሒላ ሰራዊት ህግደፍ ሎሚ ዕለት ኣብ ግንባራት ዓዲ ግራትን ዛላንበሳን ብህዝብን መናእሰይን ናይ'ቲ ከባቢ ምስ ሰራዊትና ብምውህሃድ ብዝወሰድናዮ ስጉምቲ ከብድ ዕንወቶም ዓቲሮም ኣለዉ!!

~~እቲ ዕሉል ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ ብደሮናት ተደግፉ ህዝብን ሃፍቲ ህዝብናን ንከየዕኑ ብፍቓድና ናብ መቐለ ንክኣቱ ዝገበርናዮ ሰራዊት ፀላኢ በቲ ሓዱሽ ወያናይ ሜላ ናብ ዝደለናዮ ኣንፈትን ቦታን እንዳመዘዝና ንድዕኮም ኣለና ኢና!!

~~ትግራዋይነት ሓበን እዩ እምቢ ኣይንብርከክን ዝበለ ሓፋሽ ህዝቢ ከተማታት ትግራይ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ
ኣብ ኩለን ከተማታትና ሓያል ናዕቢ ተወሊዑ ህዝብና ነቶም ፋሽሽታውያን ይቀብሮም ኣሎ ብደንጎላ ይማርኾም ኣሎ 💪🥰



👉 ንሕና እታ ብሕታዊት ህይወትና ኣውፊና በጃ ዓድና ንምኳን ብኩሉ መዳያዊ ቓልሲ ንኳሻሕ ኣለና ኢና ንፀላእትና እውን ንቀብሮም ንድምስሶም ንዕወት ኢና!!

ስለ'ዚ አንቱም ኣብ ፌስቡክ ኾይንኩም እትቑዝሙ በጃኩም ትርጉም ኵናት ፍለጡ ሞይቶምና ተፋናቅሎምና ተሳቕዮምና ኢልካ ምቑዛም ኣየድልን እቲ ኵናት ሓፈሻዊ መንነትና ታሪኽና ንምፅናት ዝተወለዐ እዩ እሞ
ኣንቱም ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዘለኩም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ክትሰርሕዎ ዘለኩም ዕዮ ገዛ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዓለም ፀገም ህዝብኩም ክተቃልሑ ናይ'ዚ ብደምና እንፅሕፎ ዘለና ታሪኽ ተባፃእቲ ክትኮኑ ይግባእ!!

ድሕሪ ፀልማት ብርሃን ኣሎ✊
ድሕሪ መስዋእትና ዓወት ኣሎ✊

ምሽጥራት ዓወትና 3 እየን፦
》 ፅንዓት
》ሓርነት ንናፃነት
》ህዝባዊ መትኸል [ሓቓዊ መትኸል]

እየ ካብ ብረታዊ ዕጥቂ መይዳ ትግራይ ! ንሕና ንዕወት ፤ ትግራይ ትዕወት💪😍
ሃገር ትግራይ ዝበለ ይዕወት💛❤🥰
ሓድነት ተጋሩ

04/12/2020

ሼር ግበርሉ!
ትግራዋይ ተልዓል
=============
ሕዚ ተዘሪፈ፡ ተጨፍጪፈ፡ ተቐቲለ፡ ተሓሪደ፡ ንብረት ተቓፂሉ፡ መሰረተ ልምዓት ዓንዩ ትብለሉ ግዜ ኣይኮነን። ፀላእትኻ ዕድመ ልከዖም ደም ዓይኖም ሰሪቡ ኣብ ልዕሌኻ ዝሃቀንዎ ተግባር እዮም ዝፍፁምልካ ዘለው።
ሕዚ ዘለካ መማረፂ ሓንትን ሓንትን እያ። ባዕልኻ ንባዕልኻ ምክልኻል። ሰማዒ የብልካን። ረዳኢ የብልካን። ካሊእ ተሪፉስ ዝሓዝነልካ እውን የብልካን። በቢውዳበኻ ተልዓል። ተዓጠቕ። ተነኣሰ ቀቲልካ ሙት። ናይ ፀላእትኻ ግፍዒ ርእስኻ ኣዲንንካ ክትቅበል የብልካን። ኣይልማድካን እውን። ባዕልኻ ንምክልኻል ኩሉ ዓይነት መማረፂ ውሰድ።
* ሳዕሪ ይኹን ዕንጨይቲ ተጠቒምካ ተኺእልካ እውን ጠራሙዝ ወይ ሃይላንድ ነዳዲ እናመላእኻ መኻይን እንትመፃ ክብሪት እናወላዕኻ ኣቃፅሎም
* መንገድታት ብደንጎላ ብተቐፃፃሊ ነገራት ዕፀዎ፡ ሓዊ ወላዓዮ
* ኣብ ወሰንቲ ቦታታት መደሮጓሕ ኣዳሉ። ኣብ ዒላማኻ ምስ ኣተዉ ደርጉሓሎም። ማይ መኽደን፡ ነጋሽ፡ ሙጉላትን ከባቢ ፋፂን መደረጓሕ ተጠቒምኩም ዕፀውዎ
* ወሰንቲ ቦታታት ብመደራጉሕን ብዃናን ዕፀዎ
* አዴታት በርበረ ተጠቐማ። እቲ ሕዚ ዘሎ ንፋስ ተጠቒምክን በርበረ በትናሎም
* ኣናሂብ ስደዱሎም። ቆፎታት እናውፃኩም ኣናሂብ ስደዱሎም
* ብኣውያት ዕንፂራር ግበርዋ
* ኩሉ ዝስራሕ ስራሕቲ ናይ ባዕልኻ ይኹን ናይ ፀላኢ ብሞባይልካ ቅረፅ። ቀልጢፍካ ናብ ድምፂ ወያነን ትግራይ ቲቭን ተኺእልካ ድማ ብኢንተርኔት ለኣኮ
* ነዛ ዘይትቐሪ ዓወት ኩሉኻ ተልዓል!
* ሞት ልሞቱ ውን ብኽብሪ ፀላእትኻ እናቐበርካ
ትግራይ ትዕወት
ቀልጢፍኩም ሼር ግበርዎ። ኩለን ሚድያታት፡ ኤፍ ኤማት፡ ራድዮን ቲቭን ክመሓልፍ ግበሩ።

ስሙ ክገልፅ ዘይደለየ ተጋዳላይ ትግራይ!

ቡ @ጓል'ዞም ተኲሶም ዘይስ

Via Inbox -  #ሼር "ብኸባቢ ወረዳ እገላ ፀላኢ ምስ ኣተወ ኩሉ ሰብ ተፈናቂሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምንባር ጀሚሩ ኣሎ እቲ ህዝቢ። መንእሰይ ኩሉ ...
04/12/2020

Via Inbox - #ሼር
"ብኸባቢ ወረዳ እገላ ፀላኢ ምስ ኣተወ ኩሉ ሰብ ተፈናቂሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምንባር ጀሚሩ ኣሎ እቲ ህዝቢ። መንእሰይ ኩሉ ከቲቱ እዩ ናብ ምግዳል፣ ምልሻታት እቲ ከባቢ እውን ተወዲቦም ናይ ባዕሎም ግንባር ፈጢሮም ኣለዉ(ቦታ ኣይጠቅሶን)፣ ሻቅሎት ቀንሱ ደገ ዘለኹም ህዝብና።

እንተኾነ ግን ሕጂ እውን ፀላኢ ንከተማ ገርሁስርናይ ከቢቡዋ ይርከብ። ኣብ ሆያን ሰፍኦን ተባሃላ ቁሸታት ከኣ ካምፕ ሰሪሑ ሰፊሩ ይርከብ ናይ ህግደፍ ሰራዊት። "
@ፍረ-ቃልሲ

03/12/2020

ንሰማማዕ እማ !!
ኣብ ከተማ ውቅሮ ዝኾነ ይኹን ናይ መነኣሰይ ዓመፅ ምንቅስቃስ ኣይወዓለን።
ኮነ ኢሎም ኣብ ተምቤን ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከይተፈለጠ ተሸፍፊኑ ክሓልፍን ፤
ኣብ መላእ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ መቅተልትን ግፍዕን ሽፍን ከይወሃቦ ኮነ ተባሂሉ ብዑሱባት ብልፅግና ዝተቀናባበረ ኣጀንዳ እዩ።
ስለዚ፦
ናይ ትዊተር ነጥፍቲ ትግራዎት ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ናይ ዘርኢ ምጥፍእ ምንቅስቃስ ፍኖ ዝተበሃለ ጭፍጫፊ ጉጅለ ሓቀኛ ምስሊ ብምልጣፍ ንዓለም ከተፍልጡ ሎሚ ፅባሕ ዘይበሃሎ ሃዋኺ ጉዳይ ስለዝኮነ ትኹረትኩም ናብ ትዊተር ግበሩ።

ናብ ኩሎም ተጠቀምቲ ትዊተር ክበፅሕ

ሽር ብምባልሓላፍነትኩም ተዋፅኡ።
gebremedh

02/12/2020

#ህግደፍ !
ህግደፍ ሓደ ወይ ክልተ ክ/ሰራዊት ኣትሪፉ ተዘይኮይኑ ኣብ ኤርትራ ኩሎም ክ/ሰራዊታት ህግደፍ ኣብ ትግራይ ይዋግኡና ኣለዉ፡

ብግንባር ራማ፣ ብግንባር ገርሁስርናይ፣ ብግንባር ዘላንበሳ ብምዕራብን ምስ መከናይዝድ ክ/ሰራዊቶም ተሰሊፎም ኣትዮም ይገጥሙና ኣሎ።
ናይ ፒፒ ሰራዊት ተዳኺሙ እዩ። ሕጂ ምስ ናይ ህግደፍ ሰራዊት እዩ ንዋጋእ ዘለና።

ሰራዊት ህግደፍ ገሊኦም ንብረት ይዘርፉ ኣለዉ፣ ገሊኦም መናእሰያት ይቀትሉ ኣለዉ ፈቀዶ ትግራይ፣ ገሊኦም ድማ ኣብዚ ዉግእ እኒሀዉ ፣ ብሓይልታትና ከኣ ይውቅዑ ኣለው።

ተጋ. ገብረ ገ/ፃድቃን (ወሃቢ ቃል ሰራዊት)

02/12/2020


ጊዘ ዋጋ አለዎ
👌ንፀላኢኻ ጊዘ ኸይሃብካ ተዘይጥቂዕኻ ዝመፁ መዘዛት ብውሑዱ 10 አለው።
👌አብ ኢድካ ዘሎ መሳርሒ ብግዚኡ ተዘይተጠቂምካሉ ፅባሕ ዝገደደ ሰግአታት ኸሰዕብ ኸምዝኽእል አይትሓሰቡን ዲኹም
👌 ህዝቢና ኻብ ሰፈሩ እናወፀ ህዝቢ ፀላኢ መፅዩ እናሰፈርሉ ፕሮፓጋንዳ እናተሰርሐሉ ብድሕሪ እዚ ኹሉ ትወስስዶ ሰጉምቲ ኽንደየናይ መዋፅኢ እዩ? ጊዘ ወይለከ ጊዘ
👌እሺ ንወታደርሰ ጊዘ ሃብካዮ አብ ዓድኻ አእተኻዮ ንህዝቢኸ ኸመይ ገይርካ ኽሳብ ዝሰፍር ሱቅ ኢልካ ትሪኦ።
👌ዝሓዝናዮ ነገር ከ እንታይ ኽሳብ ዝኸውን ኢና ጊዘ ንህቦ ዘለና? አብ ጥቅሚ ዘይነውዕሎ
👌 መጥቃዕቲ ብዙሕ ዓይነት እዩ። ኽሳብ ትዳሎ ብዝተፈላለየ መንገዲ ትገብሮ መጥቃዕቲ እውን ኣሎ። ናብ Full scale ኸይአተኻ ከለኻ ማለት እዩ። ንናይ ፀላኢ ህዝቢ ዝኾነ ሰግአት ተዘይፈጢርካ እኮ መፅዮም አብ ዓድኻ ንኽሰፍሩ ድፍረት ኸምዝህቦም ፍሉጥ እዩ።

አበይ ኢና ዘለና? እንተንአሰ ኽሳብ ሙሉእ ምድላውና ንውድእ አለና አለና ኢና ዘብል አጀንዳ መፍጠሪ ዝኸውን ሸው ዘይነብል ንምንታይ?*
ጊዘ ጊዘ ኸይንኸሰር

02/12/2020

ነዚ ድጅታል ቃልሲ ትግራይ ዝገብር ፔጅ ላይክ በልዎ የሕዋት።

ገርሁስርናይ እገላ-ከተማ ገርሁስርናይ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ውግእ (ሓይልሕታት ትግራይ vs ሰራዊት ህግደፍን ኣብይን) ፀላኢ ተቆፂፂሩዋ። ህዝቢ ፈቀዶ በረኻ ሃዲሙ ኣብ በረኻታት ይነብር ቀንዩ...
02/12/2020

ገርሁስርናይ
እገላ-ከተማ ገርሁስርናይ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ውግእ (ሓይልሕታት ትግራይ vs ሰራዊት ህግደፍን ኣብይን) ፀላኢ ተቆፂፂሩዋ። ህዝቢ ፈቀዶ በረኻ ሃዲሙ ኣብ በረኻታት ይነብር ቀንዩ። ኣደታትን ህፃውንትን ብጥሜት ይሳቀዩ ኣለዉ። ገሊኦም እውን ናብ እንትጮ ከባቢ ከምተሰደዱ ይንገር ኣሎ።
እኽሊ ተዘሪፉ ዝብላዕ የለን፣ ተተረኽበ እውን መብራህቲ ይኹን ጡሑና የለን ብምንተታይ ክጠሓን ! ብጥሜት ህዝቢ ይሳቀ ኣሎ። ወርሒ ኮይኑ ኣሎ፣ በዚ ኩነታት እንተቐፂሉ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ እዩ፡።

ከተማ ገርሁስርናይ ሰራዊት ህግደፍ ይነብሩላ ኣለዉ ባንዴራ ተኺሎም። ንሶም ምስ ኣተዉ ንብረት ህዝቢ ምሉእ ብሙሉእ ገፊፎሞ፣ ብመኻይን ፂዒኖም ወሲዶሞ ናብ ኤርትራ ፀሮና። ዘይተዘረፈ ነገር የለን።

በጃኹም እዚ ህዝብና ዝበፅሖ ዘሎ ፀገም በቢዘለናዮ ዓለም ክፈልጥ፣ ናይ ደገ ሚድየያታት ኣተየን ክዕዘበኦን ገበርቱ ሰናይ ትካላት ኣትዮም ህዝብና ከድሕኑን ፀቅጢ ንፍጠር።
ፍረ- ቃልሲ

ትኩረት ንዓዲግራት➖➖➖➖➖ #ፈለማ ኣንቢብዎ ብምቅፃል ሼር ግበሩዎ ንኩሉ ይባፃሕ!! #ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ከቢድ መስዋእቲ እናከፈለ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ቅያ-ዓወ...
02/12/2020

ትኩረት ንዓዲግራት
➖➖➖➖➖
#ፈለማ ኣንቢብዎ ብምቅፃል ሼር ግበሩዎ ንኩሉ ይባፃሕ!!
#ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ከቢድ መስዋእቲ እናከፈለ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ቅያ-ዓወት የመዝግብ ከም ዘሎ ብዕሊ ይፍለጥ እዩ።

#እንተኮነ ብሰራዊት ሻዕብያን፣ ብፅግዕተኛ ሓይሊ እዛ ሃገርን ኣዝዩ መስካሕክሒን ከቢድ ጭኪነን ዝተመልኦ ወንጀል ኣብ ህዝቢን መንግስትን ከተማ ዓድግራት ይበፅሕ እዩ ዘሎ።

#ጦርነት ዝገጦሞ ህዝቢ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ብመስዋእቲ ክሓልፍ ግድን እኳ እንተኮነ ሐዚ ግን ሰብ ክሓስቦ ዘይክእል ጭካነ ዝተመልኦ ወንጀል ኣብቲ ህዝቢ ይበፅሕ ስለ ዘሎ፤ ጀግና መከላኸሊ ሰራዊት ትግራይ ትኩረቱ ናብ ዞባ ምብራቅ ብምግባር ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ነፃ ብምዉፃእ ንክዕጠቅን ብጅግንነት ንክቃለስን ብምግባር ነቲ ፀላኢ ክሳብ መወዳእታ ክቀብሮን ይግባእ።

#ትኩረት ንህዝቢ ከተማ ዓዲግራት ...

✊ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ትግራይ ትዕወት ✊
🙏 ማህደር ቅያ ሮብዕ 23 - 03 - 2013 ዓ.ም 🙏

" ይሄ ግፍ ለታሪክ ይቀመጥ"አሁን ደሞ የአብይ መከለካያ ሰራዊት ከምዕራብ ትግራይ ጠቅልሎ ወጥተዋል። የትግራይ ህዝብ ለዚህች ሃገር ስባል ትልቅ መስዋዕት ከፍለናል ከኢትዮጵያ ያገኘነው ነገር ...
02/12/2020

" ይሄ ግፍ ለታሪክ ይቀመጥ"

አሁን ደሞ የአብይ መከለካያ ሰራዊት ከምዕራብ ትግራይ ጠቅልሎ ወጥተዋል። የትግራይ ህዝብ ለዚህች ሃገር ስባል ትልቅ መስዋዕት ከፍለናል ከኢትዮጵያ ያገኘነው ነገር ግን ሞት ውርደት ነው።

እነዚህ የምታይዋቸው ነፍጠኛ ወራሪ ናቸው በተጋሩ ርስት እና መሬት በሰቲት ሁሞራ ህዝባችን እያሰቃዩ ሴቶች እየደፈሩ እየዘረፉ ይገኛሉ! ነጋ እያንዳንዳ ስቃይና ግፍ እጥፍ ትከፍላላቹ ቃል ለምድር ለሰማይ!

Payback is bitch ሕኒኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ✊
#ተኬ

ሼር በልዎ!ሼር ምባል እውን ዓባይ ሓገዝ እያ ዳይ እጃም ኩላትና ይኩን የሕዋት።👇👇👇👇👇By Fascist Abi Ahmed and Isaiah Afewerk stillThe horrific act the...
01/12/2020

ሼር በልዎ!ሼር ምባል እውን ዓባይ ሓገዝ እያ ዳይ እጃም ኩላትና ይኩን የሕዋት።
👇👇👇👇👇
By Fascist Abi Ahmed and Isaiah Afewerk still
The horrific act they are committing against the public Stop it.

Dear Commonwealth of Nations, We call on the people of Humora and Wolkait and Dansha to rescue us.

Currently in Tigray (Wolkait "Dansha" Humora)
We call for an immediate end to the genocide perpetrated by the innocent people⛔.

Justice for the people of Wolkait and Dansha and Humora✊
Justice for the innocent people of Tigray✊

Real focus (እዋናዊ ቱኩረት)
ብዝበለፀ ኣቱም ትዊተር(tiwtter) ዘለኩም ኣብ tiwtter ንንጠፍ✊
sher sher ብምባል ልህዝቢ( ሑሞራን ወልቃይትን ዳንሻን) ድምፂ ንኩኖም።
Real focus (እዋናዊ ቱኩረት) ልህዝብና
( For our people) (humora /wolkait /dansha)

ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይት, ዳንሻ, ሑመራ) ዝስማዕ ዘሎ ዘግናኒ ተግባራት መሰከፍቲ እዮም:: ኣብ ደገ ዘለና ዓለም ክፈልጥን ጣልቃ ንክኣቱን ድምፅና ነስምዕ።

United Nations Human Rights
United Nations Careers
Human Rights Watch
Amnesty International USA
Nobel Prize
International Criminal Court - ICC
BBC News
CGTN Africa
BBC News Africa
AFP News Agency
SBS Australia
AJANS FRANS PRES
VOA Afrique
CNN Africa
African Union
HE.Moussa Faki Mahamat
Embassy of European Union
U.S. Embassy Addis Ababa
German Embassy Addis Ababa
UNITED NATIONS - career in international development United Nations Development Programme - UNDP United Nations Development Programme in Afghanistan
Barack Obama
Emmanuel Macron
Scott Morrison (ScoMo)
Embassy of Ethiopia, Beijing
Gladys Berejiklian
Dan Andrews
Steven Marshall
Michael Gunner
Kjetil Tronvoll
Paul Kagame
Cyril Ramaphosa
Uhuru Muigai Kenyatta
Ismail Omar Guelleh
Joe Biden
Vladimir Putin
Chinese Embassy in Ethiopia

27/11/2020

ሃገረ ትግራይ ናፊቅና!

26/11/2020

ዜና ዓወት: ❤️❤️❤️❤️❤️❤️

ግንባር ሓውዜን ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ👏🏽👏🏽👏🏽
ግንባር ዕ/ሓሙስ እውን ዳርጋ ክውዳእ ቀሪቡ ኣሎ!

VIVA ደቂ ትግራይ ዓደይ💪🏾✊🏾

ትግራይ ትስዕር ኣላ
💛❤️
ፍረ- ቃልሲ

25/11/2020

ዘሐጉስ -ዜና
========
ኣብ ስዑዲ ዓረብ እስርቤታት ጂዛን ጅዳ ዝነበሩ
ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ናብ ኤርትራ ወሲደሞም ናበልኩም ብዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ክትሻቁሉ ዝፀናሑኹም ኣሕዋትን ኣሓትን
ሎሚ 16/3/2013 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራጊፍም ኣለው።
ካብቶም ዝተራገፍ እስረኛታት በዕለይ በኣካል ዘዛራረብኩዎም እዞም ትግራወት ጠቅላላ ካለኦት ቤሄራት ሓዊሱ 800 ከም ዝተራገፍ ሓቢረሙለይ።
ቅሰኑ!!

ፀጋይ ገ/መድህን
ኣዲስ ኣበባ።
ሼር በሉዎ ካለኦት ከይሻቅሉ።

25/11/2020

ዜና ዓወት:

ነበለት ዝነበረ ሜካናይዝድ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ👏🏽👏🏽👏🏽

ትግራይ ትስዕር
💛❤️
Muuz

"ካብተን ሎማዕልቲ አብ ወጀራት ብጀግና ምክልኻል ትግራይ ሐመድ ዝኾነት ሄሊኮፕተርን ካብተን አብ ራያ ሐመድ ዝኾና ታንክታትን እታ ሐንቲ። ንዕወት ሕጂ ውን!!!!!!" 👍💪💪💪💪Wejerat tu...
23/11/2020

"ካብተን ሎማዕልቲ አብ ወጀራት ብጀግና ምክልኻል ትግራይ ሐመድ ዝኾነት ሄሊኮፕተርን ካብተን አብ ራያ ሐመድ ዝኾና ታንክታትን እታ ሐንቲ። ንዕወት ሕጂ ውን!!!!!!" 👍💪💪💪💪
Wejerat tube

23/11/2020

"-ኣብ ግንባር ራያ መበል 21 ክፍለ ስራዊት ኣቢይ ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ
-እብዚ ግንባር ተዋጋኢት ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ
-2+ ታንክታት ድማ ተቃፂለን"
14/03/2013ዓ/ም

23/11/2020

የዛሬ ከፍተኛ ድሎች:-

💪በወጀራት በኩል እየገሰገሰ የነበረው 21ኛ የጠላት ክ/ጦር ሙሉ በሙሉ ተደምሰሰ።

💪በዚሁ ግንባር ድጋፍ ለመስጠት የመጣ የውግያ ሆሊኮፕተር እና 2 ታንክ በትግራይ መከላከያ ተቃጥለዋል።

💪የትግራይ መከላከያ ሃይል ዛሬ ጠዋት በባህርዳር በፈፀመው የሚሳኤል ጥቃት በባህርዳር በኣየር ሃይል ከፍተኛ ውድመት አድርሷል።

💪በግንባር ዕ/ሓሙስ የነበረ ሰራዊት ተደምስሶ በመበታተን ይገኛል።

23/11/2020

#ዓርመሸሽሽ
ትግራይና ብዙሓት ሌ/ጀ ፃድቓን ገ/ትንሳኤ ኣፍርያ እያ እነሆ ድማ ሎሚ 'ውን ከም ትማሊ ሓንቲ ንህዝብና ክትድምስስ መፂኣ ዝነበረት ነፋሪት ብቐላፅም ሰራዊትና ሓመኩሽቲ ኾይና ኣላ✊ ብዙሓት ዓወታት 'ውን ንዓትር ኣለና
#ሓድነት ተጋሩ

22/11/2020
እዛ ሪመይ ክበቡለይማንም ከይሕዘለይ!!LikeCommentsShare
22/11/2020

እዛ ሪመይ ክበቡለይ
ማንም ከይሕዘለይ!!

Like
Comments
Share

ሰበር ዜና።።።።።።ብግንባር ኣላማጣ፣ ዓድዋን ዕዳጋ ሓሙስን ዝነበረ ወታደር ዓብይ ኣሕመድን ኢሳያሳስ ኣፈወርቅን ብሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ብዝበፅሖ በርቃዊ መጥቃዕቲ ይበታተን ስለዘሎ ኩሉ በቢ...
22/11/2020

ሰበር ዜና
።።።።።።
ብግንባር ኣላማጣ፣ ዓድዋን ዕዳጋ ሓሙስን ዝነበረ ወታደር ዓብይ ኣሕመድን ኢሳያሳስ ኣፈወርቅን ብሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ብዝበፅሖ በርቃዊ መጥቃዕቲ ይበታተን ስለዘሎ ኩሉ በቢከባቢኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣድሂቡ ፀኒሑ ፀላኢ ከጥቅዕን ክኣርን ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ተጋዳላይ ገብሩ ገብረፃርቃን ኣተሓሳሲቦም።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
13 ሕዳር 2013 ዓ/ም

22/11/2020

ዜና ዓወት

ብሰለስተ ግንባራት ተሃንዲዱ ከተማ መቐለ ንምቁፅፃር ዝመፀ ዕሱብ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ከቢድ ኪሳራ በፂሑዎ ይበታተን ኣሎ፡፡

ብሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ዝበታተን ዘሎ ዕሱብ ሓይሊ ዳግም ተወዲቡ ከየንሳእርር ህዝቢ በቢኸባቢኡ ተወዲቡ ክቃለስን ክሳድ ሒዙ መውፅኢ ከስእኖምን ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ይዕወት!

ትግራይ ቴሌቪዥን
13 ሕዳር 2013 ዓ/ም
መቐለ

NEVER GIVE UP
22/11/2020

NEVER GIVE UP

Address

Khartoum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray ሪመይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share


Other Film & Television Studios in Khartoum

Show All