Tigray Monitor

Tigray Monitor Tigray Monitor is a Social Platform which disseminates News World wide via Social Media and Website.

እዋናዊ መግለፂ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ 08 ሚያዝያ 2016 ዓ...
16/04/2024

እዋናዊ መግለፂ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ 08 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይቲ ኲናት መበገስን ሳዕቤንን ሕጋዊ ፣ፖለቲካውን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ኲናት ጠጠው ክብል ወይ እውን ኣማራፂ ሓይሊ ጠጠው ክብል ብምግባር ምችዊ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ስምምዕ ኩሉ ነገር ዝፈትሐ ኣይኮነን፤ ግና ምችው ባይታ ከምፅእ ዝከኣላ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ ከም ኩሎም ስምምዓት፣ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን ናይ ክልቲኡ ተሰማማዒ ኣካል ድልየት ሚእቲ ሚእታ ዘማልእ ዋላ ኣይኹን ክንዲ ዝከኣል ክልቲኡ ክቕበሎ ዝኽእል ስምምዕ እዩ ኢሎም፡፡

ብካሊእ ገፅ ኣብ መንጎ ሰዓርን ተስዓርን ዝተገበረ ስምምዕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተኻየደ ስምምዕ ኮይኑ ብወገንና እቲ ስምምዕ ሰላም ዘምፅእ እዩ ብምባል ሰላም ታክቲካዊ ዘይኮነስ ስትራተጂካዊ ሕርያና እዩ ኢልና እንሰርሐሉ ዘለና እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም እንትገልፁ ድማ ኩሎም ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ ምግባር እንትኸውን እቲ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳን ዕጡቕን ክፈርስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ወረዳ ይኹን ኣብ ጣብያ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መፂኦም ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም ብሓዶሽ ከምዝመዓራረን ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ፍትሒ ከም ዝፈርስ፣ ንባንዴራ ሓዊሱ ኣብ ሕድሕድ ቢሮን ከባብታትን ዘሎ ስማትን ዝተፈላለዩ ታፔላታትን ብምውራድ በቲ ንቡር ክቕፅል ምግባር እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡

ከምኡ እውን እቲ ከባቢ ብመንግስቲ ፌደራል ዝሕለው እንትኸውን ንፖሊስ ሓዊሱ ተፈጢሮም ዝፀንሑ ሓይልታት ፀጥታን ኬላታት ብምፍራስ ኣብቲ ከባቢ ዝህልው ኬላ፣ ኬላ መከላኸሊ ሰራዊት ክኸውን ዝብሉ ካብቶም ብቐጥታ ዝትግበሩ ምርድዳኣት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ቀፃሊ ዝፍትሑ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ ጀነራል ታደሰ፣ እተን ስምምዕ ዝተበፅሓለን ይትግበራ ምህላወንን ዘይምህላወንን ዝከታተል፣ ዝቆፃፀርን ዘረጋግፅን ተልእኾ ዝተውሃቦ ኣካል ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም፡፡ እቲ ኣካል ቁፅሩ ውሑድ ዋላ እንተኾነ ግና ብክልቲኦም ኣካላት ሓበራዊ ስምምዕ ዝተበፅሖም ጉጅለታት ክህልዉ ኣለዎም ዝብል እውን ካብቶም ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሖም ምዃኖም ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ምችው ኩነታት ምስተፈጠረ ማለት እውን ተመዛበልቲ ተፈጥራዊ ክብሮም ሓዊሱ ኩሎም ነገራት ምስተማልኡሎምን ውሑስ ከባ ምዃኑ ምስተረጋፀን ናብ ቦትኦም ክምለሱሉ ዝኽእል ዝተመቻወ ባይታ ምጥጥሑ ምስተነፀረ ክምለሱ ይግበር ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ ምምሕዳር ብዝምልከት ድማ ንቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ጣብያን ወረዳን ግዝያዊ ምምሕዳርን መረፃ ብምክያድ ክትግበር ዝብል ክሳብ ሕዚ ዘሎ ምርድዳእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብሓፈሻ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቶም ዝበዝሑ ምርድዳኣት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፣ ኣብ ኣፈላላያት ድማ ሰላማዊ፣ፖለቲካውን ሕጋውን ብዝኾነ ኣገባብ ንክፍትሑ ፅኑዕ መርገፂ ብምሓዝን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
08 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ

መንግስታት ፈረንሳይን ጀርመንን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዊ ገበናት ተሓታትነት ክረጋገፅ ሓቲቶም።----ሚኒስ ትራት ጉዳያት ወፃኢ እተን ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዑደት...
13/01/2023

መንግስታት ፈረንሳይን ጀርመንን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዊ ገበናት ተሓታትነት ክረጋገፅ ሓቲቶም።
----
ሚኒስ ትራት ጉዳያት ወፃኢ እተን ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣብ ዝገበራሉ እዋን እዩ ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዉያን ገበናት ተፃርዮም ተሓታትነት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ገሊፀን ዘለዋ።

ንቕሉዕ ዂናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዉያን ገበናት ተሓታትነት ክረጋገፅ ከሎ እዩ ሕብረት ኣዉሮፓ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ንቡር ዝምለስ ከምዝበላ እዩ ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊፁ ዘሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሊና ቤርቡኩ ኣብ ትግራይ ፆታዊ ጥቕዓት ከም መሳርሒ ኲናት ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ብምግላፅ፣ ኣብ ልዕሊ ነዚ ዓለምለኻዊ ገበን ዝፈፀሙ ተሓታትነት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ሓቢረን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ካትሪን ከለና ብወገነን ፣ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእነት ክትግበር ኣለዎ ድሕሪ ምባለን ፣ዝተፈፀሙ ዓለምለኻዊ ገበናት ግና ተሓታትነት ክረጋገፅ ከምዘለዎ ምሕባረን ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ።

Address

Adi Ha
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Monitor posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Tigray Monitor:

Videos

Share