Sgem Tig Films ስገም ትግ ፊልምስ

Sgem Tig Films ስገም ትግ ፊልምስ 🎬ንዕብየት ትግርኛ ፊልሚ,
ስገም ሓደ ስጉሚ🎥
❤ካብ ኩሉ ግን ፍቅሪ ይበልፅ!❤

15/04/2024


 ብተጋዳላይ Hailay Haftu ዝተሰርሐት ጨፍጫፍ   እተርኢ ሓቃዊት ፊልሚ ትግርኛ " #ደንገላት" ድሕሪ 2 ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክትምረቕ እያ። እዛ ፊልሚ ልዕ...
15/04/2024



ብተጋዳላይ Hailay Haftu ዝተሰርሐት ጨፍጫፍ እተርኢ ሓቃዊት ፊልሚ ትግርኛ " #ደንገላት" ድሕሪ 2 ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክትምረቕ እያ። እዛ ፊልሚ ልዕሊ 500 ሽሕ ኣብ pre production (ቅድመ ቀረፃ) ከምኡ እውን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ግዜያት ዝወደአት ኮይና፤ ክሳብ ናይ መወዳእታ Production ድማ ከባቢ 3 ሚልዮን ብር ወዲኣ ኣላ። ገና ድሕሪ ምረቓ ዝኽፈሉ ክፍሊታት እውን ኣለዋ። ብሓፈሻ እቲ ወፃኢ ልዕሊ 3 ሚልዮን እዩ። ሐዚ ድማ ንምረቓ በቒዓ ኣላ።

ኮይኑ ግን ናይ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ከባቢ 50 ሽሕ ብር ተሓቲቶም ኣለው። May be ባህልን ቱሪዝምን ስፖንሰር ተገበሮም ኢሎም ሓቲቶም ድማ ብሕፅረት በጀት ምኽንያት ኣይተሳኸዐን። ካብ ሰባት ተለቂሖም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፀሐ " #ፅንተት" ዝሰነዱ ተጋደልቲ ሐዚ ድማ ንኣዳራሽ 50 ሽሕ ብር ንምውፃእ ዓቕሚ ስለዘይብሎም እዘን 2ተ መማረፅታት ክትገብሩ እትኽእሉ ኣሕዋት ተሃሊኹም ቶሎ ኢልኩም ነቶም መዳለውቲ ፊልሚ ርኸብዎም።

1. ድሕሪ ምረቓ ዝኽፈል ናይ 50 ሽሕ ብር ልቓሕ ክተለቅሑ እትኽእሉ ተሃሊኹም።

2. ዝኾነ ይኹን ትካል ወይ ውልቀ ሰባት ነዚ ናይ ኣዳራሽ ወፃኢ ብምሽፋን Sponser ክትገብሩ ትኽእሉ ተሃሊኹም።

ካብዘን ክልተ ነገራት ሓዲአን ክትገብሩ ትኽእሉ ግዱሳት ኣሕዋት ተሃሊኹም በቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ነቲ ደራሲ (ሃይላይ ሃፍቱ) ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ስልኪ ቑፅሪ: +251931313888

ንመዳለውቲ እዚ ፊልሚ ድማ እንኳዕ ናብዚ ኣብቀዐኩም ክብል ይደሊ። ኩሉ ሰብ ድማ ክድግፎም ይግባእ።

!!

ፈታዊ ለውጢ

መምህር ኢንተርናሽናል ሞዴሊንግ፣ተዋሳኢት፣ደራሲት፣ገጣሚት፣ድምፃዊት፣ጅግና ዋዕሮ ብፂት ብርቱካን መብራህቱ ኩሎም ፁሑፋታ ናይ ባዕላ ቅድን፣ትሕዝቶን  ዝተፈለየ ኩርናዕ ኣጠማምታን፣ ርድኢት ሓሳባ...
07/04/2024

መምህር ኢንተርናሽናል ሞዴሊንግ፣ተዋሳኢት፣ደራሲት፣ገጣሚት፣ድምፃዊት፣ጅግና ዋዕሮ ብፂት ብርቱካን መብራህቱ ኩሎም ፁሑፋታ ናይ ባዕላ ቅድን፣ትሕዝቶን ዝተፈለየ ኩርናዕ ኣጠማምታን፣ ርድኢት ሓሳባታን ን እንፈልጥ ናይ ሞያ መሓዙታ ይኹን ፂሒፍ ዝኸዘነቶም ፁሑፍት ከምዘለውዋ ዝፈልጡ ቡዙሓት ወገናታ እንተረኺቡዋ እስካብ መዓዝ ኢኺ እዞም ቡሉፃት ፁሑፋትኪ ተተሪኢስክዮም ክትነብሪ ተሓቲሞም ናብ ሰማዕቲ ክበፅሑ ዘይትገብሪ ኢሉ ዘይማዓዳን ዘይገምገማን ፈታዊኣን ፈታዊ ፁሑፋታን የለን። ወገን እንተስ ክድህስሶ እንተስ ክትርኣሶ ተመስገን እንኳዕማ ካብ መተርኣሳ ኣውፂኣ ኣሐቲማቶ

 #ቀዳም
04/04/2024

#ቀዳም

ካብ  #ትግራይ እስካብ  #ሱዳንካብ  #ሱዳን እስካብ  #ትግራይመረበትና ኣብ ዝሰኣንና ኣተኵሩ ዝተሰርሐ ተዋስኦ ትግርኛ!ካብ ሱዳን ተበጊሱ መቐለ ዝኣተወ ፊልሚ።ቀዳም 28/07/2016 ኣ.ግ ...
03/04/2024

ካብ #ትግራይ እስካብ #ሱዳን
ካብ #ሱዳን እስካብ #ትግራይ
መረበትና ኣብ ዝሰኣንና ኣተኵሩ ዝተሰርሐ ተዋስኦ ትግርኛ!

ካብ ሱዳን ተበጊሱ መቐለ ዝኣተወ ፊልሚ።
ቀዳም 28/07/2016 ኣ.ግ ኣብ ቤት መዘጋጃ መቐለ።

ዋጋ ሓንቲ ትኬት 100 ብር ጥራሕ።

ንተፈናቐልቲ ኾነ ንተጋደልቲ ትኬት ክትዕድግሎም እትደልዩ ን Kewani Tesfay ርኸብዎ።

28/02/2024

12/01/2024

🎬 ዶክተር ነሲብ
ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ክምዕራብ ዝተፈናቐሉ ሰባት ብመወቕር ፊልም ተሓጊዙ ዝፍፅምዎ ግፍዒ ዘርኢ ፊልም ዶክተር ነሲብ ኣብ ፉሉይ ቦታ ገረዓልታ ዝተሰርሐ ኾይኑ እቲ ፊልም ውፃእ ውረድ ነይርዎ ናብ መዛዘሚኡ በፂሑ እቲ ዝነበረ ውፃእ ውረድን ዝወሰዶ ነዊሕ ግዜን ንቲ ፊልም ብውና ንኽስራሕ ጠቕምዋ ይብል
ፊልም ዶክተር ነሲብ ኣብ ቀረባ መዓልቲ መመረቒ ዕለትን ቦታን ፈልይና ናባኹም ክነብሎ ኢና

ክልተ መዓልቲ ቐሪዎሓሙስ ለይቕረ ፊልም ደቂ ሕድርትና
09/01/2024

ክልተ መዓልቲ ቐሪዎ
ሓሙስ ለይቕረ ፊልም ደቂ ሕድርትና

🙏🙏🙏ልባዊ ይቕሬታ 🙏🙏🙏ፊልሚ ምረቓ ማዕነን ኣብ እነካይደሉ እዋን ብዘጋጠመና ናይ መብራህቲ ምጥፋእን ጀነሬተር ብልሽትን እቲ ምረቓ ተቛሪፁ ንኻሊእ መዓልቲ ክነሸጋግሮ ተገዲድና ኣለና 🙏🙏🙏ንዝ...
06/01/2024

🙏🙏🙏ልባዊ ይቕሬታ 🙏🙏🙏
ፊልሚ ምረቓ ማዕነን ኣብ እነካይደሉ እዋን ብዘጋጠመና ናይ መብራህቲ ምጥፋእን ጀነሬተር ብልሽትን እቲ ምረቓ ተቛሪፁ ንኻሊእ መዓልቲ ክነሸጋግሮ ተገዲድና ኣለና 🙏🙏🙏ንዝተፈጠረ ፀገም ይቅርታ ብምሕታት ኣብ ቀረባ መዓልቲ ናብ ተመልከቲ ከምነቕርብ ብዝለዓለ ኣኽብሮት ክንገልፀልኩም ንፎቱ ። ዕድሜና ኣኺብሩ ኣብ ውራይና ንዝተረኸብኩም ብሙለእኹም ኣብቲ ዝግበር ዳግማይ ምረቓና ነፃ ትኬት ብምዕዳል ናይ ክብሪ ቦታ ከምነዳልወልኩም ቃል ንኣቱ🙏🙏🙏 መዳለውቲ ፊልሚ ማዕነን🙏🙏🙏

 ሎሟዓንቲ ===🎬ኣብ ኣዳራሽ ናባር ቤት ማዘጋጃ(ካባቢ ደጀን መናፈሻ)🎬ሰዓት 11:00
05/01/2024


ሎሟዓንቲ
===
🎬ኣብ ኣዳራሽ ናባር ቤት ማዘጋጃ(ካባቢ ደጀን መናፈሻ)
🎬ሰዓት 11:00

ብተጋዳላይ ሰሎሞን ደጀኔ ዝተኣለየት ፊልም ማዕነን ዓርቢ ታሕሳስ 26/2016 ኣብ ነባር ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ክትምረቕ እያ።ፊልም ማዕነን ፍቅርን ገድልን እተዘንቱ ሓቃዊ ፊልም እያ ኣብ'...
04/01/2024

ብተጋዳላይ ሰሎሞን ደጀኔ ዝተኣለየት ፊልም ማዕነን ዓርቢ ታሕሳስ 26/2016 ኣብ ነባር ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ክትምረቕ እያ።ፊልም ማዕነን ፍቅርን ገድልን እተዘንቱ ሓቃዊ ፊልም እያ ኣብ'ዚ ፕሮዳክሽን ዝተሳተፍኩም ኩሉኩም እንኳዕ ኣፈፀመኩም እናበልኩ ንተመልከቲን መፍቀርትን ኪነ ጥበብ ዳማ መእተዊ ትኬት ፊልም ማዕነን ብምግዛእ አብ ዕብየት ኪነ ጥበብ ትግርኛ እጃምኩም ክተወፍዩ ንላቦ።

ሓዱሽ ዉህብቶ ናይ 2024 ንመፍቀርትን መድነቅትን ጥበብ ካብ ኮሽታ ኢንተርቴመንት ዋጋ ዕዳጋ አብ አሜሪካን ትግራይን ዝስራሕ ብቅድን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ሽዉ ሜሮን ምስ ኪዳን/ትሕሽ/አብ ኮሽ...
02/01/2024

ሓዱሽ ዉህብቶ ናይ 2024 ንመፍቀርትን መድነቅትን ጥበብ ካብ ኮሽታ ኢንተርቴመንት ዋጋ ዕዳጋ አብ አሜሪካን ትግራይን ዝስራሕ ብቅድን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ሽዉ ሜሮን ምስ ኪዳን/ትሕሽ/አብ ኮሽታ ኢንተርቴመንትን ኪዳን Tubeን ቀዳም ኩሉ ግዜ ናብ ተመልክቲ ክቀርብ እዩ።ተክታተሉ ሓሳብኩም አካፍሉ

https://youtube.com/?si=2cqvzU9d-r7Uxuro

ታሕሳስ 26 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ንዝመረቕ ፊልሚ ማዕነን 2 መእተዊ ትኬት  ካብ ዕለት 21/4/2016 ዓ/ም ብኦንላይንን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት መቐለ ምሻጥ ክጅመር እዩ።ሼር ሼር ...
02/01/2024

ታሕሳስ 26 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ንዝመረቕ ፊልሚ ማዕነን 2
መእተዊ ትኬት ካብ ዕለት 21/4/2016 ዓ/ም ብኦንላይንን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት መቐለ ምሻጥ ክጅመር እዩ።
ሼር ሼር ንግበሮ ናብ ኩሉ ክባፃሕ🙏🙏🙏

"ግብሪ ደም"~~~~~ብቋንቋን ስነ ፅሑፍን እዮም ዝፍለጡ። በቲ ዓውዲ ክሳብ ሳልሳይ ድግሪ ካብ ዝተምሃሩ ብጣዕሚ ውሑዳት ተጋሩ ሓደ እዮም። ንሶም ዝተምሃርዎ ቋንቋ ወፃኢ ዋላ እንተዀነ ኣብ ቋ...
01/01/2024

"ግብሪ ደም"
~~~~~
ብቋንቋን ስነ ፅሑፍን እዮም ዝፍለጡ። በቲ ዓውዲ ክሳብ ሳልሳይ ድግሪ ካብ ዝተምሃሩ ብጣዕሚ ውሑዳት ተጋሩ ሓደ እዮም። ንሶም ዝተምሃርዎ ቋንቋ ወፃኢ ዋላ እንተዀነ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣበርክቶ ብዙሓት ብኣድናቖት ዘልዕልዎ እዩ።

መምህር፣ ፅሓፋይ፣ ተመራማራይን መራሒ ንቋንቋታት ትግራይ ዝጥምት ትካልን እዮም።

ሕዚ ካብ ባህልን ቋንቋን ኣዕርዩ ብዘይተፈለየ ግን ድማ ኣብ ደረቕ ታሪኽ ዘድሃበ መፅሓፍ ሒዞም መፂኦም ኣለዉ። ደረቕ ታሪኽ ማለትና ኣብ ዓሚቕ ናይ ታሪኽ ምርምር ዝተመስረተ ቅዋም እውን ዝሓዘ ማለትና እዩ። "ሰኽምና ፆር ብዙሓት፡ ነቓዕ ክንልሕም ንውሕድ" ይብሉ እሞ እዚ ከምዚ ዝበለ ከይዲ "ክሳብ መዓዝ?" ብዝብል ሕቶ ክጥምትዎ ይፍትኑ።

እቲ መፅሓፍ ምሉእ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ እዩ። ብዙሓት ምሁራት ርእይተኦም ሂቦምሉ ኣለዉ። ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ክህልውዋ ካብ ዘለዎም ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ነቲ ሓደ ብዝግባእ ዝዓመመ ምዃኑ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሊቃውንቲ ምርዳእ ኪኢልና ኣለና።

"ግብሪ ደም" መፃኢ ሓሙስ 25 ታሕሳስ 2016 ልክዕ ካብ ሰዓት 9 ጀሚሩ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ክሰላሰል እዩ። ተዓዲምኩም ኣለኹም።

ራራ ሚድያ ኣገዳስነት ፅሕፈትን ስነዳ ታሪኽን ካብ ዘገድሶም ትካላት እዩ። ፀሓፍቲ ትግራይ ግቡእ ቦታ ክረኽቡን ስርሓቶም ናብ ዝለዓለ ተነባብነት ክድይብን ይተግህ።

31/12/2023

#ማዕነን

ወሳኒ ምሁራዊ ዋዕላ፡ ኣብ መቐለ~~~~~~~~"ኣድላዪነት ስሩዕ ልሳነ ፅሑፍ  ል  ዘመናዊ ሕብረተሰብ" መሪሕ ቃል እቲ ዋዕላ እዩ።በዝሒ ፊደትላት ትግርኛ ክንደይ እዮም? ስርዓት ቋንቋ ትግርኛ...
30/12/2023

ወሳኒ ምሁራዊ ዋዕላ፡ ኣብ መቐለ
~~~~~~~~
"ኣድላዪነት ስሩዕ ልሳነ ፅሑፍ ል ዘመናዊ ሕብረተሰብ" መሪሕ ቃል እቲ ዋዕላ እዩ።

በዝሒ ፊደትላት ትግርኛ ክንደይ እዮም? ስርዓት ቋንቋ ትግርኛ እንታይ እዩ? ፀሓፈ ዶ ፅሓፈ፥ ወይ ሲ ፃሓፈ?

ኣሉታ ኣብ ትግርኛ ከመይ ይስራዕ? ዙ ዝንጥቀመሉ ቋንቋ ፅሕፈት ሓሳብ ክይሽከም ዝየኽእሎ ዓቕሚ ኣለዎ ዶ? “ኣይበልዕን” እንትንብል፡ ብ ዛዕባ ንሱ ዲና ብ ዛዕባ “ኣነ” እይና ነውግዕ ዘለና? “ዘይበልዑ” እንትንብል ኸ፡ ብ ዛዕባ ሕሉፍ ዲና ወይ ሲ ብ ዛዕባ ህሉው/መፃኢ እይና ነውግዕ ዘለና?

ል ምንታይ እዩ “ኣብ” ፈልይና (ኣብነት፡ ኣብ ዝበሎ)፥ ከም ግን ምስ ካልኦት ቃላት ኣጣቢቕና (ኣብነት፡ ከምዝበሎ) ዝንፅሕፎ? ል ምንታይ እዩ ኮምፒተራዊ ኣራሚ ዘየብልና? ብ ሳእኖ ስሩዕ ቋንቋ ፅሕፈት ከም ህዝቢ እንታይ ንኸስር?

ብ ዛዕባ እዚኣቶምን ካልኦት ዛዕባታት ልሳነ ፅሑፍ ትግርኛን ል ምምሃርን ምዝታይን፡ መደብ ኣስተምህሮን ዘተን ምስ መስራቲ መርምሩ (mermru.com) ዝዀነ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ ተዳሊዉ ኣሎ።

ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ መስራቲ መርምሩን ትግሃትን እዩ። ተመራማራይ ሳይንስ ኮምፒተርን ስነ ልሳንን እዩ።

ኣብዚ ዘተ ክትሳተፉ ንዕድመኩም።

ቦታ፡ ኣደራሽ ፖሊስ ኮምሽን
ዕለት፡ ቀዳም 20 ታሕሳስ 2016
ሰዓት፡ 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ኣሰናዳኢ፡ ራራ ሚድያ ምስ መርምሩ ብምትሕብባር

30/12/2023



ከም ዝፍለጥ ፊልሚ ሕፃፅ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 21 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኦሮሚያ ባህሊ ማእኸል ክትረአ ምድላዋትና ወጊና ትኬት ኣብ ምሻጥ ኔርና ኢና። ካብ ትግራይ ዝተፅሓፈ ድጋፍ ወረቐት ማለት እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳርን ባህልን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ኮሚሽን መፅናዕቲ Genocide ምስ ኦሮሚያ ባህሊ ማእኸል ብምንግጋርን ብምርድዳእን ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ፤ ክራይ ኣዳራሽ ክፍሊት ከይተረፈ ከፊልና ኢና ናብ Promotion ኣቲና።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ቀፃሊ ብእንገልፀልኩም ዝርዝር ምኽንያት ሐዚ ፊልሚ ሕፃፅ ክነርኢ ከም ዘይንኽእል ስለዝተነገረና ንዘይተፈለጠ መዓልቲ ኣናዊሕናዮ ከም ዘለና ክንሕብር ንደሊ። ፊልሚ ሕፃፅ ዝረኣየሉ ዕለት፥ ኣዳራሽን ሰዓትን ድማ ክነፍልጠኩም ኢና። ፊልሚ ሕፃፅ ክትሪኡ ትኬት ቆሪፅኩም ኣብ ምድላው ዝነበርኩም ኩሉኹም ድማ እቲ ፀገም ካባና ዋላ እኳ እንተዘይኮነ፤ ንዝበፅሐኩም ምንግልታዕ ግን ካብ ልቢ ይቕሬታ ክንሓትት ንደሊ።

N.B:

ኩሎም መማረፅታት ተጠቒምና ፊልሚ ሕፃፅ ክነርኢ ተዘይተፈቒዱና ግን ኩላትኩም ትኬት ዝቖረፅኩም ቅርሽኹም ክንምልሰልኩም ምዃና ክነረጋግፀልኩም ንደሊ። ኣብ ዝሓፀረ ፊልሚ ሕፃፅ ንክትረአ ግን ኩሎም መማረፅታት ክንጥቀም ምዃና ንሕብር።

©መዳለውቲ ፊልሚ ሕፃፅ - ኣዲስ ኣበባ
19 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም

"ፍቅሪ'ቲ ደራሲ" ብደራስን ዳይሬክተርን መ/ር ኣታኽልቲ ነጋ(ገይፀ) ዝተዳለወት መፅሓፍ ንጥሪ 03/05/2016 ቀዳም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ብድሙቅ ኪነታዊ ትሕዝቶን ፈተዉትን ኣድነቅትን...
29/12/2023

"ፍቅሪ'ቲ ደራሲ" ብደራስን ዳይሬክተርን መ/ር ኣታኽልቲ ነጋ(ገይፀ) ዝተዳለወት መፅሓፍ ንጥሪ 03/05/2016 ቀዳም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ብድሙቅ ኪነታዊ ትሕዝቶን ፈተዉትን ኣድነቅትን ኣታኽልቲ ነጋ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ናይ ቀደም ራሄል ጋለሪ ሴቶች መናፈሻ ዝነበረ ናይ ሐዚ ኢስት ኣፍሪካ መናፈሻ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥቃ ፖሊስ ኮምሽን ዝርከብ ቦታ ብዕሊ ክትምረቅ እያ ፈተዉትን ኣኽበርትን ኣታኽልቲ ነጋ(ገይፀ) ኣብ'ዚ ምረቃ ስነ ስርዓት ንኽትርከቡ እናዐደምኩ ናብ ካልኦት ኣድነቅቱን ፈተዉቱን እዚ መልእኽቲ ክበፅሕ ድማ ሼር ንበላ።🙏

ፊልሚ ንብዓት ዓጋምሰምበት ታሕሳስ 21/04/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ ሰዓት 10:00 ጀሚሩ ክትረአ እያ።
29/12/2023

ፊልሚ ንብዓት ዓጋም

ሰምበት ታሕሳስ 21/04/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ ሰዓት 10:00 ጀሚሩ ክትረአ እያ።

 #ፊልሚ ንብዓት ዓጋም ሰምበት ታሕሳስ 21/04/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቀለ ካብ ሰዓት 10:00 ጀሚሩ ብድምቀት ክትምረቅ እያ።
27/12/2023

#ፊልሚ ንብዓት ዓጋም ሰምበት ታሕሳስ 21/04/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቀለ ካብ ሰዓት 10:00 ጀሚሩ ብድምቀት ክትምረቅ እያ።

 #ወዲ 40 #ሰማይ ሲነማሰማይ ኢንተርቴይመንት ካብ ሙዚቃ ብተመሳኺ ኣብ ዕቤት ፊልሚ ትግርኛ ክሰርሕ ኣብ ምንቅስቃስ ይርከብ።ወዲ 40 ዘርእስታ ብዘሓት ሰብ ሙያ ዝተሳተፉሉ ብሉፅ ስራሕ ኣብ ...
11/11/2023

#ወዲ 40
#ሰማይ ሲነማ
ሰማይ ኢንተርቴይመንት ካብ ሙዚቃ ብተመሳኺ ኣብ ዕቤት ፊልሚ ትግርኛ ክሰርሕ ኣብ ምንቅስቃስ ይርከብ።
ወዲ 40 ዘርእስታ ብዘሓት ሰብ ሙያ ዝተሳተፉሉ ብሉፅ ስራሕ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ሰማይ ሲነማ ተፀበዩታ።
ሓደሽቲ ስራሕቲ ተሎ ክበፅሓኩም ናይ ሰሰማይ ሲነማ ቻናል ብምጥዋቅ Subscribe

26/09/2023





 #ላህመትቀዳም 11 ሰዓት  ኣብ ነባር ቤተ መዛጋጃ ብድሙቕ ክምረቕ እዩ ከየምልጠኩም።ደስ ዝብል ክያዶ ኪነጥበብ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ  #መርከብ ሐዚ  #ላህመት ቀፃሊ  #ሕፃፅ ዝድነቅ ብጣዕሚ...
20/09/2023

#ላህመት
ቀዳም 11 ሰዓት ኣብ ነባር ቤተ መዛጋጃ ብድሙቕ ክምረቕ እዩ ከየምልጠኩም።
ደስ ዝብል ክያዶ ኪነጥበብ ትግርኛ ኣብ ዝሓለፈ #መርከብ ሐዚ #ላህመት ቀፃሊ #ሕፃፅ ዝድነቅ ብጣዕሚ ንኹለኹም ነመስግን

Address

Ethiopia Tigray
Mekelle

Telephone

+251938804179

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Sgem Tig Films ስገም ትግ ፊልምስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Sgem Tig Films ስገም ትግ ፊልምስ:

Videos

Share


Other Broadcasting & media production in Mekelle

Show All