Woreda Tahtaymaychew Pr/ርክብ ህዝብን መንግስትን ው/ታ/ማይጨው

  • Home
  • Ethiopia
  • Axum
  • Woreda Tahtaymaychew Pr/ርክብ ህዝብን መንግስትን ው/ታ/ማይጨው

Woreda Tahtaymaychew Pr/ርክብ ህዝብን መንግስትን ው/ታ/ማይጨው ዝኾነ ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ግቡእን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰልን ኣለዎ

ምይይጥ ምስ ህዝቢ_________________"ህወሓት ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ "ብዝብል ቴማ መድረኽ ምይይጥ  ብዕለት 01/08/2016 ኣብ ወረዳ ታ/ማይጨው   ተጀሚሩ።_እቲ መ...
09/04/2024

ምይይጥ ምስ ህዝቢ
________________

_"ህወሓት ብምድሓን ንመድረኻዊ ተልእኹኡ ነብቅዕ "ብዝብል ቴማ መድረኽ ምይይጥ ብዕለት 01/08/2016 ኣብ ወረዳ ታ/ማይጨው ተጀሚሩ።

_እቲ መድረኽ ብዝኽሪ ሰማእታት ምስተከፈተ መመያየጢ ሰነድ ቀሪቡ እዩ።
_እቲ ሰነድ መሰረት ዝገበረ ሕቶ ሪኢቶ ህዝቢ ቀሪቡ ምላሽ ዝተውሃበሉ እንትከውን።

_ኣብዝሓ ተሳታፊ እቲ መድረክ በቲ ዝቀረበ ሰነድ ከምዘይዓገበን ናብ ሰብ ዝላገብ ገምጋም ቀሪቡ ዘጥፈአ ብጥፍኣቱ ክቅፃዕን መምሃራይ ስጉምቲ ክውሰደሉን ፅቡቅ ዝሰርሐ ድማ ክተባባዕ ትፅቢት ህዝቢ ከምዝነበረን ነዚ መድረክ ብሃንቀውታ ይፅበዮ ከምዝነበረን ተሳተፍቲ እቲ መድረክ ኣብ ዘቅረብዎ ሕቶን ሪኢቶን ኣመላኺቶም።

ሓበሬታን ርክብን ወ/ታ/ማይጨው
01/08/2016 ዓ/ም

ክካየድ ኣብ  ዝቀነየ ዳርት ሻምፕዮና ትግራይ ጋንታ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው  ናይ ፀባይ ፅዋዕ ተሸላሚት ኮይና ።===============================እቲ ብኣዳላዊ ዳርት ፈደሬሽን ...
16/03/2024

ክካየድ ኣብ ዝቀነየ ዳርት ሻምፕዮና ትግራይ ጋንታ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ናይ ፀባይ ፅዋዕ ተሸላሚት ኮይና ።
===============================
እቲ ብኣዳላዊ ዳርት ፈደሬሽን ክልል ትግራይ ካብ 1-6/07/2016 ዓ/ም ክካየድ ዝቀነየ ፀወታ ዳርት ወረዳታት ትግራይ ትማሊ ዕለት 06/07/2016ዓ/ም ዝተዛዘመ ኮይኑ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ወኪሎም ዝኸዱ ተፃወቲ ብሉፅ ውፅኢት ኣመዝጊቦም እዮም ።

ብዓል ሞያ ስፖርት ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ክብሮም ገ/መድህን ከም ዝገለፅዎ ጋንታ ዳርት ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ብነፀላ ፀወታ ደቂ ኣንስትዮ -ነሃስ ፣ ብፅምዲ ፀወታ ደቂ ተባዕትዮ ብሪ ፣ ብጉጅለ ፀወታ ደቂ ኣንስትዮ ነሃስ ብሓፈሻዊ ውፅኢት 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ፀወትኣ ዛዚማ ከምኡ እውን ብፀባይ ፅዋዕ ተሸላሚት ኮይና እያ ።

ተፃወቲ ጋንታ ዳርት ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ዝረኸብዎ ፅዋዕ ሽልማት ኩሉ ግዜ ብኣካል ንዝተፈለይዎም ብመንፈስ ግና ኣብ ልቦም ንዘለው ፣ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ህዝቦም ካብ ፅንተት ንምድሓን ናብ ቃልሲ ወፊሮም ንዘይተመለሱ ጀጋኑ ስውኣት ተጋደልቲ ማለት እውን መተሓባበሪኦም ንዝነበረ ስዩም ሰገድን ተፃዋቲት ዳርት ንዝነበረት ተጋዳሊት ትዕግስቲ ሓዱሽን መዘከርታ ክኾነሎም ወሲኖም ክብሉ ኣይተ ክብሮም ገብረመድህን ወሲኾም ገሊፆም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምግባር መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ======================================ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ካብ ...
13/03/2024

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምግባር መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ
======================================
ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ካብ ጣብየታት ዝመፃ ተወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ካብ ሕድ ሕድ ኣብያተ ዕዮን ኣመራርሓን ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኸባ ኾይነን ብዙሓት ሕቶታት ተላዒሎም ዕሙቅ ዝበለ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ ።

መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ መመህር ለታይ ገ/ሄር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ወረዳ ብደረጃ ቤት ፅሕፈት ዘይምኳኑ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጣብያ ክሳብ ወረዳ ክዳኸም ፣ ኣመራርሓ ጉዳይ ደቂ አንስትዮ ካብ ወረዳ ክሳብ ልምዓት ጉጅለ ተሳማዕነት ክስእን ፣ መሰላትን ክብርታትን ደቂ ኣንስትዮ ክገሃስን ከይኽበርን ፣ ኩለ መዳይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመራርሓን ክቅንስን ክዳኸምን ጌሩ እዩ ዝብል ድምዳመ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝተመያየጣ ሓቢረን ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ አንስትዮ መሰላት ፣ ፀጋታትን ክብርታትን ደቂ አንስትዮ ተኸቢሮም ብሉፃት ደቂ ኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ብምምፃእ ደቂ አንስትዮ ብሙሉእ ዓርሰ እምነት ኣብ ናይ ዓለም ጎደና ምዕባለ ቁጣባዊ ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝለዓለ ዓሻራ ክህልወን መሰረት ካብ ዝኹኑ ዓለም ለኸ ብዓላት ሓደ ኮይኑ ንሕና እውን እዚ በዓል እንተነብዕል መሰላትናን ግቡኣትናን ፈሊና ንዝገጥሙና ዕንቅፋታት እንዳበዳህና ንብራኸ ዓርስና ፣ ማሕበረሰብናን ትግራይናን ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ሓላፊት ዘፈር ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው መምህር ትብለፅ ተስፋይ ገሊፀን ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

4ይ ዘመን መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ  ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው  ኣፈፃፅማ መደባት 1ይ መንፍቅ ዓመት ብዕምቆት ብምግምጋም ጉባኤኡ ዛዚሙ።=============================...
08/03/2024

4ይ ዘመን መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ኣፈፃፅማ መደባት 1ይ መንፍቅ ዓመት ብዕምቆት ብምግምጋም ጉባኤኡ ዛዚሙ።
====================================
እቲ ካብ ዕለት 27-28/06/2016ዓ/ም ዝተኻየደ ጉባኤ ሕሉፍ ረቂቕ ቃለ-ጉባኤ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ አለምሰገድ ገብረመስቀል ዝቀረበ እንትኸውን ብኣባላት ቤት ምኽሪ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቁ እዩ ። ብምቕፃል ኣፈፃፅማ መደባት 1ይ ፍርቂ ዓመት ብዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገብረመስቀል ቀሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ፡፡

4ይ ዘበን መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ 4ይ ዘመን መበል 34 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣብ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዝኾኑ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝሓቶምን ዝነበረ አብ ጉዳይ እታዎታት ሕርሻ ናብ ተጠቀምቲ ብኣግባቡ ኣብ ምብፃሕ፣ካብ ጣብያ ክሳብ ወረዳ ዘሎ ምሕደራ ሃፍቲ ዘፈር ቁጠባ ፣ ኣብ ብርሰት ደን ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ፣ ኣብ ዘፈር ቁጠባ ዝርከባ ከይዲ ስራሕቲ ተመጣጣኒ ኣፈፃፅማ ክህልወን እናተኸታተልካ እና ገምገምካ ኣብ ምኻድ ዘሎ ጉድለት ዝተገምገመ ክፍተት ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ምክትል ዋና ኣማሓዳሪን እቲ ወረዳ ኣብዚ ጉዳይ ጠመተ ሂቦም እቲ መደብ ኣስተኻኺሎም ንክመፁ ብቤት ምኽሪ ዝተዋህቦም ዕዮ ገዛ ተስተካክሉ ብዘይ ምምፅኡን ከምኡ እውን ኣብ ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎት ኣብ መሓውር መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ዝስርሑ ዘለው ስራሕትታት እናተኸታተልካ እናገምገምካ ኣብ ምኻድ ዘሎ ዓብይ ክፍተት ፣ህዝቢ ዘልዕሎም ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ወዲብካ መፍትሒ ኣብ ምቅማጥ ፣ ዘሎ ዓብይ ክፍተት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ሓይሊ ሰብ ዘይምስትኽኻል ናይዚ መርኣያ ኣብ ስራሕ ንዝየለ ውልቀ ሰብ መሃያ ክኽፈልን ዘይተጋደለ እናሃለወ ዝተጋደለ ኣምሲልካ ጎናዊ ክልተ እርከን ዕቤት ክረክብን ተገይሩ ናይ መንግስቲ በጀት ኣብ ዘይኮነ ክባኽን ከም ዝተገበረን ተገምጊሙ እዩ ።

በዚ መሰረት ኣብተን ሴክተራት ዝተረኣየ ምትሓት አፈፃፅማ መደባት 1ይ ፍረቂ ዓመት 2016 ዓ. ም መንቀሊ ናይ ኣመራርሓ ውድቀት ምኳኑ ዝገምገመ እቲ ቤት ምክሪ ናይዚ ውፅኢት ኣብ ክንዲ ንዝተገምገምካዮ መፍትሒ ምቅማጥን ስጉምቲ ምውሳድን ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ልሙድ ባህሪ ጌሮም ስለዝወሰድዎ ኣዋጅ ቁፅሪ 341/2012ዓ/ም ዓንቀፅ 12 ኮሚቴ ፈፃሚ ወረዳ ተሓታትነቱ ንወረዳ ቤት ምኽሪ ምኳኑ ብጠቀመጦ መሰረት ንዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ንፈፀምቲ ኣካላት ኣጥቢቆም ኣብ ምሓዝ ፣ምግምጋን ምቁፅፃርን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ንዘርኣይዎ ክፍተት መጠንቀቅታ ብምሃብ ኣብ ክልተ ኣመራርሓ ከም ቤት ምከሪ እምነት ስለዝሰኣነን ብተወሳኺ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ' እተን ሴክተራት ብትኽክል ኣይተመርሓን ናይ ኣመራርሓ ውድቀት ኣጋጢምወን እዩ' ዝብል ገምጋም ነቲ ቤት ምኽሪ ስለዘቅረቡ እቲ ቤት ምኽሪ ንሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ምክትል ዋና ኣመሓዳርን እቲ ወረዳ ከምኡ እውን ንሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎት ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ንክላዕሉ ወሲኑ ኣሎ ።

አፈ ጉባኤ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ገብረክርስቶስ ኣርኣያ ከምዝበልዎ ኩሉ ኣመራርሓ ህዝቡ ንምግልጋል ዝኣተዎ ቃል ንምፍፃም ብፍላይ ክዓ ምእንተ ሰላም፣ ምርግጋፅ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳር ኢሎም ኩቡር መሰዋእትነትን መቁሰልትን ንዝኸፈሉ ዕሸላት ደቂ ህዝቢ ሕድሮም ከይዓብር ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝሓቶም ጉዳያት ብትኹረት ክስርሐሉን ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣጋጥሙዎ ዝነበረ ናይ ፅንተት ወራር ተወዲቡ ዝረኸቦ ኣንፃራዊ ሰላም ሕዚ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ከም ፈፀምቲ ኣካላት ወረዳ ሓበራዊ ትልሚ ብዝለዓለ ውፍነትን ቅንዕናን ፍትሓውነትን ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣስሚሮም ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ምስ መደራደርቲ ኣካላት ንምዝታይ መርሃ ግብሪ ተታሒዙ ከምዘሎ  ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።==============================እዚ ዝተገ...
28/02/2024

ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ምስ መደራደርቲ ኣካላት ንምዝታይ መርሃ ግብሪ ተታሒዙ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።
==============================

እዚ ዝተገለፀ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም 19 ለካቲት 2016 ዓ.ም ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንትኾን፣ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ስቓይን ሞትን ህዝቢ ትግራይ ደው ስለዘይበለ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ንትግበርኡ ብዘይምቁራፅ ይዝቲ ከምዘሎ ብምሕባር፣ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት እውን ምስ መደራደርቲ ኣካላት ንምዝታይ መርሃ ግብሪ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

መስርሕ ሰላማዊ፣ዲሞክራስያዊ፣ ፖለቲካውን ኩነታት ተጠቒምካ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ክምለሱ ምምጓት ተመራፂ መማረፂ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ጉዳይ ብጥሜት ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ንምባል መፍትሒ ምንዳይ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ኣፈላላያት ናብ ሓደ ንምምፃእ ከምዝተኸኣለ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ዘላቒ መፍትሒ ዝኾነ ናይ ዓርስኻ ምኽኣል ስራሕቲ እውን ብትኹረት ይስረሐሎም ከምዘሎ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት እናሃለወ ከም ትካል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ዝግበር ዘሎ ዝተዋደደን ዝተወደበን ወፍሪ ፀለመ ጉድኣቱ ከምዘመዝን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሓቢሮም።

ዘለናሉ ህልዊ ኹነታት ትግራይ ተኣፋፊ ስለዝኾነ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብሓድነታዊ መንፈስ ብምምላስ ህዝቢ ትግራይ ምድሓን ወሳኒ እዩ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ፣ ዘለናሉ ኹነታት ከየገናዘቡ ኣብ ፀለመ ዝተዋፈሩ ኣካላት ደው ኢሎም ከገናዝቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም ።

(ፍልፍል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ)

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈረር ውቅሮ ማራይ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ ።====================================== ንልዕሊ 30 ዓመት ግልጋሎት ዕቋርን ...
26/02/2024

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈረር ውቅሮ ማራይ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ ።
======================================
ንልዕሊ 30 ዓመት ግልጋሎት ዕቋርን ልቃሕን ብማንዋል ግልጋሎት እናሃበ ዝፀንሐ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ጨንፈር ውቅሮ ማራይ ግልጋሎት አወሃህብኡ ንምዝማን ቅድሚ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ሰፊሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ብቴክኖሎጂ ግልጋሎት ንምሃብ ኣብ ጫፍ በፂሑ ኔሩ እዩ ።

ኮይኑ ግና በቲ ኣጋጢሙና ዝነበረ ናይ ፅንተት ኩናት ዝነበሩ መሳርሕታት ዓንዮምን ተወሪሮምን እዮም ። በዚ መሰረት ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቃሳት ዳግማይ ሕውየት ከም ትካል ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ውቅሮ ማራይ ዳግም ዝዓነወን ዝተወሰደን መሳርሕታት ብምትካእ ካብ 2015ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 17/06/2016 ዓ/ም 50% ብማንዋል 50% ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣገልግሎት እናሃበ ፀኒሑ እዩ ።

ውፅኢት 11 ለካቲት ዝኾነ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበለ ኣብ ጎደና ልምዓት ዓብይ እጃም ዝፃወተ ናይ ህዝቢ ትካል እዩ ። ብምኳኑ እውን ንተለቃሕቲ ዓማዊል ንምድጋፍ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ መከራ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ ዓመት ልቃሕ ዝነበሮም ዓማዊል ክሳብ 30 ለካቲት 2016ዓ/ም ከከም ደረጃ ፀገም እቶም ዓማዊል እናተረኣየ ካብ 50-100% ናይ ወለድ ምሕረት ጌሩ እዩ ።

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ውቅሮ ማራይ ሎሚ ዕለት 18/06/2016ዓ/ም ካብቲ ዝነበረ ብማንዋል ዝተደገፈ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኤም ብርን ቴሌ ብርን ሓዊሱ ናብ ሙሉእ ብሙሉእ ቴክኖሎጂ ዝወነነ አወሃህባ ግልጋሎት ዝተሰጋገርሉ መዓልቲ ብዕሊ ኣፍሊጦም ኣለው ።

አካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ተኽላይ ዘምቸአል ከም ዝገለፅዎ ነባራት ዓማዊል እቲ ትካል ዝኾንኩም ነበርቲ ፣ነጋዶን መንግስቲ ሰራሕተኛን ከምኡ እውን ኣብቲ ትካል ክትግልገሉ እትደልዩ ክፋል ማሕበረሰብ ትካልኩም ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር ውቅሮ ማራይ ካብ ዝነበሮ ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዓይነት ፣ብመጠንን ብቴክኖሎጂን ኣዝዩ ብዝተመሓየሸ ቅልጥፍን ፅፍፍን መንገዲ ግልጋሎት ክህብ ተዳልዩ ሙሉእ ምድላው ጌሩ ከም ዘሎ ሓቢሮም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ብግብሪ ሓይሊ ዕማም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ናብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ዝመፀ ናይ ረዲኤት እኽሊ ይራገፍ ኣሎ======================================== ግብሪ ሓይሊ ዕማ...
22/02/2024

ብግብሪ ሓይሊ ዕማም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ናብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ዝመፀ ናይ ረዲኤት እኽሊ ይራገፍ ኣሎ
========================================
ግብሪ ሓይሊ ዕማም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ንዝርከቡ ህፁፅ ረዲኤት ዘድልዮም ወገናት ብምሕሳብ ዝለኣኽዎ ልዕሊ 2300 ኩንታል እኽሊ ናብቲ ወረዳ ካብ ዝለኣኽ ዋላኳ ሰለስተ መዓልቲ ይኹን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ማለት እውን ናይቲ ሓይሊ ዕማም ኣለኣእኻ ምስ ወረዳ ዝነበሮ ዘይምንባብ ዝወለዶ ብተወሳኺ እቲ ዝተለኣኸ ኩንታላት እኽሊ ዝኣረገ ስለዝኾነ እቲ እኽሊ ፈሲሱ ንምርካቡ ንምቁፃሩ ንሰራሕተኛታት መኽዚን አፀጋሚ ኮይኑ እዩ ።

በዚ መሰረት ወረዳ ምምሕዳር ምስ ናይ ዘፈር ቁጠባ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ብምርድዳእ እቶም ክፍተታት ዋላ ይሃልው እቲ ሓገዝ እኽሊ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ስለዘለዎ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ከም ወረዳ ሓላፍነት ብምውሳድን ምስ ዝምልከቶ ናይቲ ሓይሊ ዕማም ኣካላት ብምዝርራብን እቲ ሓገዝ እኽሊ ክራገፍ ተገይሩ ኣሎ ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ኣከባብራ መበል 49 ዓመት ብዓል 11 ለካቲት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ማይ ዓፅሚ 11/06/2016 ዓ/ም
20/02/2024

ኣከባብራ መበል 49 ዓመት ብዓል 11
ለካቲት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ማይ ዓፅሚ

11/06/2016 ዓ/ም

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው መበል 49 ዓመት ብዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ተኸቢሩ======================================ኣብ 2016ዓ/ም ዝኽበር ብዓል 11 ለካቲት ብብርኪ...
19/02/2024

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው መበል 49 ዓመት ብዓል 11 ለካቲት ብድምቀት ተኸቢሩ
======================================
ኣብ 2016ዓ/ም ዝኽበር ብዓል 11 ለካቲት ብብርኪ ክልል "ዝኽሪ ለካቲት ንምሕዳስ ቃል ኪዳን ስውኣትና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ ኣብ ወረዳና ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ኩለን ጣብያታት ብድምቀት ተኸቢሩ እዩ ።

ናይ ሎሚ ዘመን ኣከባብራ ብዓል 11 ለካቲት ኣብ ገጠር ጣብያታት ዝነብር ህዝቢ ልምዓት ዕቀባ ሐመድን ማይን እንዳልመዐ ዘኽበሮ እንትኸውን ድሕሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ስራሕቲ በቢ መፋስሱ ተኣኪቡ ነቲ ብዓል ዝተዳለው ምድላዋት ቀሪቦም እዮም ። ብተወሳኺ ኣብቲ በዓል ነቲ በዓል ኣመልኪቱ ብህወሓት ዝወፀ መግለፂ ተነቢቡን ዝተፈፈላለዩ ጭርሖታት ተጨሪሖምን እዮም ።

በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ውቅሮ ማራይ እውን እቲ በዓል ብድምቀት ዝተኸበረ ኮይኑ ኣብቲ ፅምብል ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገ/መስቀል ንኽብሪ ስድራ ስውኣት ንሕድሕዶም ባንዴራ ትግራይ ዝሃቡ ኮይኖም ለካቲት 11 እንትነኽብር ዝሓለፉ ሰማእታትና እናዘከርና እቲ ዝወደቅሉ ዕላማ ሰላም ፣ ዕላማ ልምዓትን ዕላማ ዲሞክራስን እናዘመርናን እናሰራሕናን ክኸውን ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!
ሕድሪ ስውኣትና ብልምዓት ክንድብሶ ኢና!!

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው==============================ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ወፃኢ ሃገርን ውሽጢ ዓድን  ንዝርከ...
17/02/2024

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው
==============================
ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ወፃኢ ሃገርን ውሽጢ ዓድን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ"ዝኽሪ ለካቲት ንምሕዳስ ቃል ኪዳን ስውኣት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንዝኽበር ናይ 2016ዓ/ም መበል 49 ዓመት ብዓል 11 ለካቲት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ክብል ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ ።

እዚ ዕለት ከም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበረ ጭቆና ፣ድኽነትን ድሕረትን ወፂእና በሪ ምዕባለትትን ዲሞክራስያውነትን ዓለም ክንሪኢ መሰረት ንዝኾነ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ካብ ህሊና ሕድ ሕድ ትግረዋይ ዘይጠፍእ ታሪኻዊ ዕለት እዩ ።

ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ብውፅኢት 11 ለካቲት ብዝተረኸበ ሰላም ኣብ ዝሓለፉ 27 ናይ ሰላም ፣ልምዓትን ናይ ዲሞክራስን ዓመታት ብርክት ዝበለ ናይ ልምዓት ስራሕትታት እንዳካየደት ዝፀንሐት ኮይና ብፍላይ ብልምዓት መስኖ ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምክንኻንን ኣብ ናይ ከባቢ ምሕዋይ ስራሕትን ሉዑል ምንቅስቃስ እንዳሰርሐት ዝፀንሐት ወረዳ ምኳና ይፍለጥ ።

ወረዳና ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ትግራይ ኣብ ዘጋጠማ ጆኖሳይዳዊ ወራር ብፀላእቲ ተደጋጋሚ ኩናት ፣መቅተልቲ ፣ መዝረፍቲ ፣ ግፍዕን በደልን ካብ ዘጋጠመን ወረዳታት ሓንቲ ኾይና ዝተጀመሩ አዝዮም ተስፋ ዝነበሮም ምንቅስቃሳት ተኾሊፎም ጥራሕ ዘይኮኑስ ንድሕሪት ተመሊሶም እዮም ። እቲ ኩሉ ግዜ ቃልሲ ዘይሕርብቶ ህዝቢ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣብ ጎኒ መንግስትን መሪሕ ውድብ ህወሓትን ብምኳን መላምል ደቁ መልሚሉ ናብ ቃልሲ ብምልኣኽ ፣ ዕጥቂ ፣ ስንቂን ደጀንን ኮይኑ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ኣብቲ ዝነበረ መኸተ ዘይሕለል እጃሙ ኣወፍዩ እንሆ ክዓ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ዳግም ናብ ልምዓት ተመሊሱ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዓሸርኡ ከንብር ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ይርከብ ።

እዚ ከምዚ እንዳሃለወ ሎሚ ዘመን እዚ ታሪኻዊ ብዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ብጥምየት ፣ብሞት ፣ብሕማምን መከራን ኣብ ቴንዳታት እንዳተሳቐየ ዝነብር ወገና ብምስትዋስ ኮይኑ ከም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕነት ተግባራዊ ንኽኸውን ዝምልከተኩም ኣካላት ብፍላይ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ መሪሕ ውድብ ህወሓት ፣ ፌደራል መንግስቲ ን ኣደራደርቲ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪካን ነዚ ህዝቢ ክትበፅሕሉን ፍታሕ ንኽትህብዎን ንፅውዕ ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ከዓ መንእሰይ ትግራይ ብውፅኢት 11 ለካቲት ብዝረኸብካዮ ጩራ ሰላም ፣ ልምዓት ፣ ዲሞክራሲ ፣ ፍልጠትን ክእለትን ተጠቂምካ ዝሓለፈ ደማዊ ኩናታት ከብቅዕ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ተደሪኽካ ዝሰኣንካዮ ኩሉ ክትረክብ ኣበርቲዕኻ ክትሰርሕ እንዳፀዋዕና ደጊምና እንኳዕ ን2016 ዓ/ም መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ክንብል ንፈቱ ።

ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!!

ርክብን ሓበሬታን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ውቅሮ ማራይ ብ ልዕሊ 148 ሚልየን ብር  ብፕሮግራም ዋን ዋሽ/ONE WASH/ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ይስራሕ ኣሎ=========================...
15/02/2024

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ውቅሮ ማራይ ብ ልዕሊ 148 ሚልየን ብር ብፕሮግራም ዋን ዋሽ/ONE WASH/ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ይስራሕ ኣሎ
=========================================
ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ ዋን ዋሽ/one wash/ ፕሮጀክት ብዝተረኸበ በጀት ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ከተማ ውቅሮ ማራይ ዝነበረ ዓብይ ናይ ማይ ፀገም ንምፍታሕ ብ148,810,560.20 ብር ወፃኢ ቀረብ መስተ ማይ ንምስራሕ ምስ ዩናይትድ ኮንስትራክሽን ውዕል ተኣሲሩ ኣሎ ።

ሎሚ ዕለት 07/06/2016 ዓ/ም ተወከልቲ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ፣ ናይቲ ፕሮጀክት ኣተሓባበርቲ ፣ ወረዳ አመራርሓ ፣ ተወከልቲ ማሕበረ ሰብ ፣ኣመራርሓን ኪኢላትትን ማይ ግልጋሎትን ወረዳ ማይ ሃፍቲ ኪኢላታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ፕሮጀክት ንምስራሕ ውዕል ምስ ዝኣሰረ ዩናይት ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ድርጅት ርኽክብ ሳይት ፕሮጀክት ተፈፂሙ ።

ኣብቲ ርኽክብ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገብረመስቀል ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ንፕሮጀክት ዋን ዋሽ ብሽም ህዝቢ ከተማ ውቅሮ ማራይ ልዑል ምስገነኦም ብምቅራብ ነቲ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ኣብዚ ከተማ ንኽስራሕ ዘጋጥሙ ፀገማት እንዳተኸታተሉ ምስ ሕብረተሰብ እንዳተረዳዳኡ ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዝህቡን ንተግባራውነቱ ጥብቂ ክትትል ከም ዝገብሩን ገሊፆም።

ነቲ ርኽክብ ብዋናነት ዘፈፀሙ ዲዛይነር ዋን ዋሽ ፕሮጀክት ኣይተ ኤፍረም ካሕሳይ ከም ዝገለፅዎ "እዚ ድርጅት ንህዝቢ ከተማ ውቅሮ ማራይ ፀገም ማይ ንምቅራፍ ቀሊል ዘይበሃል በጀት በጂቱ ናብዚ ብርኪ ርኽክብ ንምብፃሕ ክንደይ ሕልኽላኽን ዕንቅፋታትን ሓሊፍ እዩ ። ስለዚ ንተግባራውነቱ ከም ህዝቢ ፣ ከም ምምሕዳር ፣ ከም ቢሮ ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ዩናይትድ ኮንስትራክሽን ዝለዓለ ሓላፍነት ተሸኪምና ክንሰርሖ ይግባእ" ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ከቢድ ገበን ስርቂ ዝፈፀሙ ኣካላት ግቡእ ቅፅዓት ከም ዝተወሃቦም ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣፍሊጡ ።======================================ኣብርሃ ብርሃነ...
09/02/2024

ከቢድ ገበን ስርቂ ዝፈፀሙ ኣካላት ግቡእ ቅፅዓት ከም ዝተወሃቦም ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣፍሊጡ ።
======================================
ኣብርሃ ብርሃነን ኣሸናፊ ሽመንድን ዝተብሃሉ መናእሰይኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ከዋኒት እንዳ ቀ/ሽመንዲ ፀጋይ ብዕራይ ፀልማት ጉልባብ ጌሮም ብለይቲ ናብ ከተማ ኣክሱም እንዳ ስጋ ቤት ወሲዶም ክሸጡ እቶም እንዳስጋ ቤት "ብዕራይ ብለይቲ ዝሽየጥ ንምታይ" ብዝብል ናብ ከባቢኦም ዘሎ ኮሚኒቲ ፖሊስ ምስ ወሰድዎም እቶም ገበነኛታት ከም ዝተተሓዙ ሓላፊ ምፅራይ ገበን ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ተጋዳላይ ብርሃነ ጣሰው ገሊፆም ።

በዚ መሰረት ተጠርጠርቲ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ብዕለት 29/05/2016 ዓ/ም ኣብ እንዳማርያም መጋባእያ ቤት ፍርዲ ብዝወዓለ መጋባእያ ቀዳማይ ተጠርጣሪ መንእሰይ ኣብርሃ ብርሃነ ኣብቲ ገበን ስርቂ ዝነበሮ ዝለዓለ ንገበን ምድፍፋእን ከም ከምኡ እውን ብመሰኻኽር ተመስኪሩ እንዳሃለወ ብዘርአዮ ናይ ዘይምእማንን ዘይምጥዓስን ባህሪ ብሓሙሽተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክእሰር ከም ዝተወሰነሉ ፤ ካልኣይ ተጠርጣሪ ኣሸናፊ ሽመንዲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተደፋፊኡ ዝፈፀሞ ገበን ብምእማኑን ብጥፍኣቱ ስለዝተጠዓሰን ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ምንም ዓይነት ገበን ፈፂሙ ሰለዘይፈልጥ ብገደብ 4 ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ክቅፃዕ ከም ዝተወሰነሉን እቶም መርማሪ ፖሊስ ሓቢሮም ።

ሓላፊ ምፅራይ ገበን ተጋዳላይ ብርሃነ ጣሰው እቲ ዝተሰረቀ ብዕራይ ብለይቲ ንኽገዝኡ ዝተጠየቁ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከቡ እንዳ ስጋ ኣይተ ሃፍቶም ኣበበን ኣይተ ተኽለወይኒ ሰመረን ነቶም ገበነኛትት ንምቅላዕ ዝወሰድዎ ተሪር ስጉምቲ ብምምስጋን እዚ ቅኑዕ ተግባር ኣዝዩ ዝነኣድ ፣ መርኣያን ኩሉ ሕብረተሰብ ከተግብሮ ዘለዎን ተግባር እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብዕሊ ተጀሚሩ ============================ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቂ ቁጠባዊ ውሕስናና" ብዝብል መሪሕ ጭርሖ  ...
06/02/2024

ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብዕሊ ተጀሚሩ
============================
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቂ ቁጠባዊ ውሕስናና" ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ሎሚ ዕለት 28/05/2016 ዓ/ም ናይ ዞባ ተወከልቲ፣ ኣመራርሓን አባላትን ኣርሚ 35 ፣ነበርቲ እቲ ኸባቢ ፣ሰራሕተኛታት ፈልሲ ጣብያ ፣ ናይ ወረዳ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ፣ ተወከልቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ቤተ ክህነት ተምሃሮን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጣብያ ማይበራዝዮ መፋስስ ዕጣን ዘርአ ብዕሊ ብወፍሪ ሰማእታት ተጀሚሩ ኣሎ ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ 11 ጣብያታት እቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዕለት ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብዚ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝተዋፈሩ ኣካላት ሕፅረት መሳርሒ ዓብይ ዕንቅፋት ስለዝኾኖም ዝምልከቶም ኣካላት መፍትሒ ክናድዩ ኣተሓሳሲቦም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

የፌዴራል መንግስት ኮሙዩኒኬሽን የሰጠውን መግለጫ አስመልክቶ ከትግራይ ግዝያዊ አስተዳደር የተሰጠው መግለጫ
05/02/2024

የፌዴራል መንግስት ኮሙዩኒኬሽን የሰጠውን መግለጫ አስመልክቶ ከትግራይ ግዝያዊ አስተዳደር የተሰጠው መግለጫ

"ቅያ ፅንዓት" ዘርእስታ መፅሓፍ ተመሪቃ========================= ኣብ ኣርሚ 35 ኮር 352 ብኽፍለ ሰራዊት ፅንዓት ዝተዳለወት "ቅያ ፅንዓት" ዘርእስታ መፅሓፍ ሎሚ ዕለት 26...
04/02/2024

"ቅያ ፅንዓት" ዘርእስታ መፅሓፍ ተመሪቃ
=========================
ኣብ ኣርሚ 35 ኮር 352 ብኽፍለ ሰራዊት ፅንዓት ዝተዳለወት "ቅያ ፅንዓት" ዘርእስታ መፅሓፍ ሎሚ ዕለት 26/05/2016 ዓ/ም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣርሚ 35 ፣ ኣመራርሓ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ፣ ኣመራርሓ ጣብያታትን ነበርቲ ሕብረተሰብ ማይበራዝዮን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቃ ናብ መንበብቲ በቂዓ ኣላ ።

እታ መፅሓፍ ናይ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥበብ ዝዓረፈላ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ተደሪኻ ዝተፀሓፈት ሰራዊትና ኣብቲ ዝሓለፈ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ዝሰርሖም መስተንክራዊ ቅያ ብግልፂ እተርኢ ታሪኽና ንዝቅፅል ወሎዶ ከይተዛብዐ ክመሓላለፍ ዓብይ እጃም ከም ተበርክት ድማ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቃ ተገሊፁ እዩ ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቃ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገብረመስቀል መፅሓፍ ቅያ ፅንዓት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ክዓ ኣብቲ ዝሓለፈ መሪር ናይ ፅንተት ኩናት ዘካየድናዮ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ፣ እዚ ዝኒሀ ወለዶ ዝሰርሖ ቅያ ንቀፃሊ ትውልዲ ኣብ ምምሕልላፍ ልዑል ተራ ዝፃወት መፅሓፍ ምኳኑ ብምግላፅ ከም ወረዳ ምምሕዳር ነዚ መፅሓፍ ንምሕታም ንዝወድኦ ወፃኢ ሓገዝ ይኸውን እዩ ዝበልዎ 10,000.00/ዓሰርተ ሽሕ/ ብር አወፍዮም እዮም ።

ርክብን ሓበሬታን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ንስድራ ስውኣትን ፅጉማትን ካብ  ገበርቲ ሰናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ተበርኪቱ ========================================ሎሚ ዕለት 25/05/2016...
03/02/2024

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ንስድራ ስውኣትን ፅጉማትን ካብ ገበርቲ ሰናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ተበርኪቱ
========================================
ሎሚ ዕለት 25/05/2016 ዓ/ም ብገባሪ ሰናይ መምህር ሙሉ ሃይለስላሰ ኣተሓባባሪነት ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣትላንታ ኣመሪካ ዝተለኣኸ 1.7 ሚልየን ብር ን170 ንስድራ ስውኣትን ፅጉማት ወገናትን ነበርቲ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ንሕድ ሕዶም 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ/ ብር ሓገዝ ተዋሂቦም ።

ኣብቲ ሓገዝ ምሃብ ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገብረመስቀል ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ንዝርከቡ ስድራ ስውኣትን ፅጉማትን ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣትላንታ ንዝተገበረ ሓገዝ ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ብፍላይ ከዓ ብስም እዞም ስድራ ስውኣትን ፅጉማት ወገናትን ልዑል ምስገንኦም ኣቅሪቦም ። ብተወሳኺ እቶም ኣመሓዳሪ እዚ ሓገዝ ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲ ኢሉ ደኺሙ ካብ ኣትላንታ ናብ ወረዳና ክበፅሕ ዝገበረ ንገባሪ ሰናይ መምህር ሙሉ ሃይለስላሴ ምስገንኦም ወሰን ከም ዝየብሉ ገሊፆም ።

እቶም ሓገዝ ዝተገበረሎም ኣካላት ብወገኖም ገንዘባዊ ሓገዝ ናብ ኢዶም ንኽበፅሕ መምህር ሙሉ ሃይለስላሴ ንዝገበርሎም ሰናይ ተግባር ከምኡ እውን ሰብኣዊ ርህራሄ ሓዲርወን ካብ ኣትላንታ ገንዘብ ንዝለኣኻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣትላንታ ምርቅኦምን ምስገንኦምን ኣቅሪቦም እዮም ።

ርክብን ሓበሬታን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

Monetary Support given to Martyrs Family and needy people.
=========================================
Teacher Mulu Haileslasie, an individual charitable man, has brought 1.7 million Birr donated from Atlanta Women Association aiming to support Martyrs Family and needy people in Woreda Tahtay maychew. Accordingly, 170 people took 10,000.00/ten thousands/ Birr for each as of 3 February, 2024.

Ato Gizachew Gebremeskel; Woreda chief administrator, in his presence of the occasion, gave special thanks behalf of the poor people and family of martrys to Teacher Mulu Haileslasie for his dedication to support the needy people. The chief administrator also send his gratitude to the donors; Atlanta Women Association.

The needy people who received the monetary support in their part heartily thanked to Atlanta Women Association and Teacher Mulu Haileslasie.

Tahtay maychew communication Affairs

ቤት መዛገጃ ከተማ ውቅሮ ማራይ ፅገና ውሽጢ ውሽጢ መንገዲ የሳልጥ ኣሎ========================================= ብምኽንያት ጆኖሳይዳዊ ወራር ትግራይ ህንፀት ዝተፈላለዩ...
03/02/2024

ቤት መዛገጃ ከተማ ውቅሮ ማራይ ፅገና ውሽጢ ውሽጢ መንገዲ የሳልጥ ኣሎ
=========================================
ብምኽንያት ጆኖሳይዳዊ ወራር ትግራይ ህንፀት ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ከተማ ውቅሮ ማራይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ኮይኑ ድሕሪ መሪር ቃልስን መስዋእን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም መዘጋጃ ቤት ከተማ ውቅሮ ማራይ ናብ ስሩዕ ስርሑ ኣትዩ ስራሕቱ እንዳሳለጠ ይርከብ ።
በዚ መሰረት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተበላሽዩ ንኣምቡላንስን ካልኦት ኣገልግሎትን ኣፀጋሚ ኮይኑ ዝፀንሐ ውሽጣ ውሽጢ መንገዲ እቲ ከተማ ፅገና ይካየደሉ ኣሎ ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፅገና ሪኢቶኦም ዝሃቡና ነበርቲ ከተማ ውቅሮ ማራይ እቶም ውሽጣ ውሽጢ መንገድታት ኣዝዮም ተበላሽዮም ንኻልኦት ግልጋሎታት ዕንቅፋት ኮይኖም ምፅነሖምን ሕዚ ዝግበር ዘሎ ፅገና አዝዩ ከምዘሐጎሶምን ገሊፆሙልና ።

መካየዲ ስራሕ መዘጋጃ ቤት ከተማ ውቅሮ ማራይ ቀ/ኣብርሃ ተወለ በወገኖም " እቲ እነካይዶ ዘለና ፅገና እኹል በጀት ሃልዩና እንተይኮነስ ናይ ህዝብና ብፍላይ ናይ ነጋዶ ከተማና ድጋፍን ምትሕብባርን ተስፋ ብምግባር ስለዝኾነ ንቀፃልቲ እንሰርሖም መሰረተ ልምዓታት ሓጋዚ ስለዝኾነ ኩሉ ነባሪ ከተማናን ካልኦት ዝምልከተኩም ወገናትን ሓገዝኩም ክተበርክቱ ይላቦ" ክብሉ ፃዊዒቶም ኣቅሪቦም ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ስራሕ መካየዲ ነቲ ፅገና ውሽጣ ውሽጢ መንገዲ ንምክያድ ንዝተወሃብኦም ሰለስተ ሲኖትራክ ፈቂዶም ንዝሃቡ ናይ ትግራይ ናይ ፀጥታ ኣካላት ልዑል ምስገንኦም ኣቅሪቦም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

ኣብ ነተጉትን ተተኮስትን ዘድሃበ   ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ተዋሂቡ ===================================== ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ዝሓለፈ ጆኖሳይዳዊ ኩናት  ኣብ ሙሉእ ትግራ...
01/02/2024

ኣብ ነተጉትን ተተኮስትን ዘድሃበ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ተዋሂቡ
=====================================
ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ዝሓለፈ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ሙሉእ ትግራይ ዝተፈላለየ ተደጋጋሚ ዓውደ ኹናት ተኻይዱ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ EPSS ዝተብሃለ ሃገር በቀል ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ነተጉትን ተተኮስትን ዘድሃበ ግንዛበ መዕበይ ስልጠናታት እንዳሃበ ይርከብ ።

በዚ መሰረት ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ካብተን ተደጋጋሚ ኩናት ተኻይዱለን ብናይ ኩናት ቅሪት ኣብ ስግኣት ዝርከባ ከባቢታት ስለዝኾነት ሎሚ ዕለት 23/05/2016 ዓ/ም ካብ ጣብያታት ንዝመፁ ሰልጢኖም ከሰልጥኑ ዝኽእሉ ተወከልቲ ሕ/ሰብን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ነታጉን ተተኳስን ዘድሃበ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ብኣሰልጠንቲ EPSS ሰራሕተኛታት ተዋሂቡ ።

ኣብቲ ስልጠና እንታይነት ነታጉን ተተኳስን ፣ ብነታጉን ተተኳስን ብዝበለፀ ዝጥቃዕ ክፋል ሕብረተሰብ ኣየናይ እዩ ፣ናይ ነተጉትን ተተኮስትን ምህላዎም ሓበርቲ ምልክታት እንታይ እንታይ እዮም ፣ነታጉን ተተኳስን ኣበይ ብኸመይ ክርከቡ ይኽእሉ ፣ እንተጋጥሙና ኸ እንታይ ክንገብር ይግባእን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕ/ሰብ ብኸመይ ግንዛበ ክንፈጥር ንኽእልን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዕሙቅ ዝበለ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ ።

ኣብ መወዳእታ መተሓባበሪት እቲ ስልጠና ወይዘሪት ሜሮን በርሀ ንሰልጠንቲ" በቢከባቢኡ ተበቲኖም ዘለው ፀረ ሰብ ዝኾኑ ነተጉትን ተተኮስትን ኣብ ህዝብና ሓደጋ ከይኣብፅሑ ግዜ ዘይሃብና ክንሰርሓሉን ዝረኸብናዮ ስልጠና ብቅልጡፍ ክነተግብሮ ኣብ መሬት ዝተቀበሩን ዝወደቁን ዝኾነ ዓይነት ሓፂን ክንትንክፎ ከምዘይብልናን ንዝምልከቶ ክንሕብርን ከምዘለና ሕብረተሰብና ክግንዘብ ይግባእ " ክብላ ኣተሓሳሲበን ።

ሓበሬታን ርክብን ወ/ታ/ማይጨው

ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምክያድ  ተግባር መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ ።=========================================ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ካብ ዝተፈላለዩ ጣብ...
31/01/2024

ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምክያድ ተግባር መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ ።
=========================================
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ካብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ንዝመፁ ቴክኒክ መራሕቲ ፣ኣመሓደርቲ ጣብያ ፣ ሰብሳቢ ዓ/ሕግን ማሕበራዊ ቤት ፍርድን ፣ ኣመራርሓ ክላስተራት ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ ፣ ወኪልት ልምዓትን ተወካሊ ፀጥታ ጣብያን ዝርከብዎም ሰልጠንቲ ኣብ ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኣድሂቡ ብ ዘፈር ቁጠባ ልምዓት ከ/ስ/ል/ሓ/አጠ/ ስነ ከባቢ ሃፍቲ ተፈጥሮን ምግቢ ውሕስናን ዝተዳለወ ተግባር መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ ።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝምልከት ብሰብ ሞያ ወረዳ ብፕሮጀክቶር ዝተሓገዘ ስልጠና ዝተወሃበ ኮይኑ
ሰልጠንቲ ኣብ ጣብያ ማይ ስየ ኣብ ዝርከብ መፋስስ ዝተሰርሐ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብኣካል ተረኺቦም ዝተዓዘቡ ኮይኖም ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ሕርሻን ጣብያ ማይ ስየ ኣብቶም ህዝቢ ዝሰርሖም ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣሰራርሓትት ዕቀባ ማይን ሓመድን ዕሙቕ መብርሂን ግንዘበን ሂቦም እዮም ።

እቲ ስልጠና ዝመርሑ መተሓባበሪ ከ/ስ/ል/ሓ/አጠ/ ስነ ከባቢ ሃፍቲ ተፈጥሮን ምግቢ ውሕስናን ኣይተ ትካቦ ንጉሰ ብወገኖም "ኣብዚ ስልጠና ዝረኸብክሞ ፍልጠትን ተሞኩሮን ኣብ መሬት ክተተግብርዎ ልዑል እምነተይ እዩ" ክብሉ ንሰልጠንቲ መልእኽቶም ኣስሚሮም ገሊፆም ። ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ልምዓትን ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን እቲ ወረዳ ኣይተ ዜናዊ በዛብህ ብወገኖም እዚ ድሕሪ መሪርን ጨፍጫፍን ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝሕሸ ኣንፃራዊ ሰላም ኮይና እነካይዶ ዘለና ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣካል ደበስ እቶም ሰማእታትና ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ንፁሃት ወገናትናን ምኳኑ ተረዲእኹም ንተግባራውነቱ ተጊህኹም ክትሰርሑ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ።

ሓበሬታን ርክብን ወ/ታ/ማይጨው

ብሉፅ ተሞክሮ========="ወዲ 60 ዓመት ተመዛባሊ ኣብ መስኖ ፤  ኣፍረይቲ ክኾኑ ዝግብኦም  መናእሰይ ኣብ ስርቂ ፣ክትራን ፣ዘይሕጋዊ ስራሕን ዘየድልዩ ወልፍታትን!!"ወርሒ ጥቅምቲ 2013...
22/01/2024

ብሉፅ ተሞክሮ
=========
"ወዲ 60 ዓመት ተመዛባሊ ኣብ መስኖ ፤ ኣፍረይቲ ክኾኑ ዝግብኦም መናእሰይ ኣብ ስርቂ ፣ክትራን ፣ዘይሕጋዊ ስራሕን ዘየድልዩ ወልፍታትን!!"

ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ንብዙሕ ዓመታት እንዳድበንበነ ዝነበረ ሓደጋ ግፍዒ ፀላእቲ ዝዘነቡሉ ወርሒ ኔሩ ። ፀላእቲ ህዝቢ ልፍንታውያን ወረርቲ ዘሎን ዝየሎን ሓይሎም ኣተኣኻኺቦም ናይ ፅንተት ኩናት አዊጆም ኩሉ መራኸቢ መንገድታት ዓፅዮም ትግረዋይ ንምፍጣሩ ዘፅልእ ኩነታት ተፈጢርዎ መሬት ዝሓርበተቶ እዋን እዩ ኔሩ ።

ኣብቲ ግዜ ህዝብና ተጨፍጪፍ ተሓሪዱ ኣዴታት ተዓሚፀን ተቀቲለን ፤ እቲ ብሂወት ዝተረፈ ድማ መፅለሊኡ ዝሰርሖ ገዝኡ ፣ ንዓመታት ዝኣከቦ ሃፍቱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃፅ ኢሉ ተሰዲዱ ፤ ናብራ ስደት ከፊእዎ ዝበልዖ ስኢኑ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ኮይኑ ኣሎ ኸዓ ድፍን ሰለስተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ሓሊፍ ዝምነዮን ዝናፍቆን ሂወቱ ስኢኑ ኣብ ከርተት ናይ ስደት ሂወት ተዘፊቁ ይርከብ ።

ኣይተ ገብረክርስቶስ ያሃንስ ተወላዲ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኮይኖም ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሕሞራ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ብዓል ፀጋ ሓረስታይ እዮም ኔሮም ። እዞም ሓረስታይ ኣብ ሑመራ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ክረምቲ ሰሊጥ እንዳዘርኡ ፣ ኣብ ሓጋይ ጀርዲን እንዳሰርሑ ምግቢ ውሐስነኦም ከቲቶም ፍርያቶም ንዕዳጋ እንዳቅረቡ ፅቡቅ ሂወት ዝመርሑ ዝነበሩ ብዓል ፀጋ ኔሮም ።

ኣይተ ገብረክርስቶስ ያሃንስ ዕፃ ኹሉ ትግረዋይ በፂሕዎም ኣብቲ ናይ ፅንተት ኩናት ካብ ሑመራ ዝነበሮም ሃፍተ ገነት ራሕሪሖም ተፈናቒሎም ናብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው መፂኦም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ግፍዕን ዓፀባን ኣብ ከተማ ው/ማራይ ኮይኖም ኣሕሊፎሞ እዮም ።

እዞም ሓረስታይ ናብራ ስደት ኪኢሎም ነቲ ዝነበረ ወራር ንምምካት ዓቅሞም ዘበለ ኹሉ ሰሪሖም ደጀን ኮይኖም ምስ ህዝቦም ተቃሊሶም ውላዶም እውን ናብ ቃልሲ ኣሰሊፍም ፤ ሕዚ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠቂሞም ኣብ ስደት ኮይኖም ልምዓታዊ ሓረስተይ ኮይኖም ረኺብናዮም ኢና ።

ኣይተ ገ/ክርስቶስ ያሃንስ ካብ ዝነብርሉ ከ/ው/ማራይ ንኣንፈት ምዕራብ ማይሹም ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ንመስኖ ዝኸውን መሬት ተኻርዮም እናልምዑ ኢና ረኺብናዮም ። "ጠሚኻ እንዳሃለኻ ኮፍ ኢልካ ምብካይ ኣይተረኣየንን ፤ ተኾርሚኻ ኮፍ ኢልካ ረዳእታ ምፅባይ ትኽክል ኣይኮነን" ክብሉ ሓሳቦም ዝጀመሩ እዞም መርኣያ ዝኸኑ ሓረስታይ ጉልበቶምን ንብረቶምን ተጠቂሞም ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ብምልማዕ ንባዕልም ዓርሶም ኪኢሎም ንዕዳጋ ቀረብ ዝኸውን ምህርቲ እንዳፍረዩ ይርከቡ ።

ናይዞም ወላዲ ሓቦ ፣ ፃዕሪ ፣ኣይስዓርን ባሃላይነት ፤ "ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሰሪሐ ክነብር ኣለኒ" ዝብል ጠንካራ መንፈስ ትኽክለኛ ናይ ትግረዋይነት ባህሪ ምኳኑን ነዞም ኣፍረይቲ መናእሰይ ኮይኖም ዘስርሕ ጉልበት እንዳሃለዎም ኣብ ዘይኮኑ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝውዕሉን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ወልፍታት ኮይኖም ካብ ሰብ ተፀበይቲ ዘለውን ብሉፅ መርኣያ ተሞኩሮ ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ ይግባእ ።

ብሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው
ጥሪ 2016 ዓ/ም

እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም==============================ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ክዓ ንተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትና ሃይማኖት እንኳዕ ...
20/01/2024

እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም
==============================
ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ክዓ ንተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትና ሃይማኖት እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት 2016 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ።

እዚ በዓል ጥምቀት ዮርዳኖስ ክኾነልና ፤ ኣብ ህዝብና ዘለው ፀገማት ሓፃፂቡ ዘርሕቀልና ኣብ ትግራይ ዳግም ተስፋ ጩራ ሰላምን ራህዋን ክዓስል ትምኒትና ዝለዓለ እዩ ።

ሓበሬታን ርክብን ወ/ታ/ማይጨው

ብማሕበር ሓወልቲ ጀርመን ዝተሰርሐ ቤት ትምህርቲ ተመሪቁ ====================================ማሕበር ሓወልቲ ጀርመን/Hawelti e.V./ ዝተብሃለ ትካል መመሃሪ ክፍሊ ...
18/01/2024

ብማሕበር ሓወልቲ ጀርመን ዝተሰርሐ ቤት ትምህርቲ ተመሪቁ
====================================
ማሕበር ሓወልቲ ጀርመን/Hawelti e.V./ ዝተብሃለ ትካል መመሃሪ ክፍሊ ንዝየብለን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዳስ ናብ ክላስ ብዝብል ፅንሰ ሓሳብ ብዝሓዞ ትልሚ መሰረት ምስ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ቅድሚ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ውዕል ኣሲሩ እኳ እንተነበረ በቲ ኩናት ምኽንያት ከይተሰርሐ ተኣጓጊሉ ፀኒሑ እዩ ።

እዚ ትካል ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ዝጀመሮ ፕሮጀክት ንምዝዛም ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይበራዝዮ ብዓል 6 ክፍሊ ሓደ ብሎክ ምስ ሙሉእ ወናብሩን ፀሊም ሰሌዳን ብልዕሊ 5 ሚልየን ብር ወፃኢ /ኣብ ከይዲ ምስ ዝርከብ ፍኒሺንግን ሩፊንግ ስራሕትን ሓዊሱ/ ብምስራሕ ሎሚ ዕለት 09/05/2016 ዓ/ም ኣብ ምረቓ እቲ ቤት ትምህርቲ ናይቲ ትካል ኣቦወንበር ሚስተር ማርሴል ሄወር ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ምስ ዋና አመሓዳሪ ወ/ታ/ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገ/መስቀል ን አመራርሓ ትምህርቲ እቲ ወረዳን ርኽክብ ፈፂሞም እዮም ።

ኣብቲ ምረቓ ዝተረኸቡ ዋና አመሓዳሪ ወ/ታ/ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገ/መስቀል ከም ዝገለፅዎ ሓወልቲ ኢቭ ጀርመን ብፍላይ ክዓ ኣቦወንበር እቲ ድርጅት ሚስተር ማርሴል ሄወር ምስ መሳርሕቶም ኣብ ወ/ታ/ማይጨው ጣብያ ማይበራዝዮ ቤት ትምህርቲ ተረኺቦም እቲ ዝሰርሕዎ ሓደ ብሎክ ምስ ሙሉእ ወንበርን ፀሊም ሰሌዳን መሪቆም ስለዘረከቡና ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ብፍላይ ክዓ ብስም እቶም ብቁሪ እንዳተቀፍቀፍ ኣብ ዳስ ዝመሃሩ ዝነበሩ ህፃውንቲ ልዑል ምስገና አቅሪቦም ።

ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ሓየሎም ነግሽ ብወገኖም እዚ በቶም ገበርቲ ሰናይ ዝተገበረ ደገፍ ሽዱሽተ ክፍልታት ነቲ ዝነበረ ናይቲ ቤት ተምህርቲ መሰረታዊ ፀገም ዝቀርፍ ስለዝኾነ ንለገስቲ ኣካላት ብስም ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርትን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ልዑል ምስገነኦም ኣቅሪቦም ።

ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው

17/01/2024

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Brhan Haile, ፍቅር ከሌለኝ ከንቱ ነኝ, Ahmed Ali Dawud, Yőŵhaņŝ Abřha Feřaŵň, ግዜ ዕጫ ሰብ ብምርጫ, Mitslal Laul, Haftom Micheal, ማቻ ፍቅር, Lemlem Fseha, Measho Alebachew

15/01/2024
ኣብ ቁፅፅር ዊዒሉ ============ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሓደ ኣርፒጂ ምስ ክልተ ቁምቡልኡ ሒዙ ክንቀሳቀስ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ዊዒሉ ኣሎ ። እዚ ሎሚ ዕለት 06/05/2016 ዓ/...
15/01/2024

ኣብ ቁፅፅር ዊዒሉ
============
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሓደ ኣርፒጂ ምስ ክልተ ቁምቡልኡ ሒዙ ክንቀሳቀስ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ዊዒሉ ኣሎ ።

እዚ ሎሚ ዕለት 06/05/2016 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ታ/ማይጨው ከባቢ ማእኸል ጣብያ ሓዱሽ ዓዲ ብጥቆማን ትሕብብርን ፀጥታ ኣካላትን ማሕበረ ሰብን ዝተተሓዘ ተጋዳላይ ሻምበል ባሻይ ገዛኢ ንርአ ሓጎስ ዝተብሃለ ከም ዝኾነ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ወ/ታሕታይ ማይጨው ኮማንደር ገበየሁ መውጫ ገሊፆም ።

ከምዚኦም ዝበሉ ንሽፍትነትን ስርቅን በሪ ዝኸፍቱ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኩሉ ሕ/ሰብ እንተተሓባቢሩ ካብ ሕጊ ዘየምልጡ ምኳኖምን ክንፅየፎም ከም ዝግባእን እቶም ኣዛዚ ወሲኾም ገሊፆም ።

ርክብን ሓበሬታን ወ/ታ/ማይጨው

ናይ 200 ሽሕ ብር ሓገዝ ጌሮም====================ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ትግራይ ክፀገም ብጥምየት ክመውት ሱቅ ኢልና ኣይንርኢን ኢሎም ካብ ዝተፈላ...
09/01/2024

ናይ 200 ሽሕ ብር ሓገዝ ጌሮም
====================
ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ትግራይ ክፀገም ብጥምየት ክመውት ሱቅ ኢልና ኣይንርኢን ኢሎም ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብሲቦም ዝጀመርዎ ሓገዝ ቀፂለሙሉ አለው ።
በዚ መሰረት እቲ ብፍሉይ ቅድታት ግጥሚ እንፈልጦ ጋዜጠኛ ዓወት ወዳጅ ሎሚ ዕለት 30/04/2016ዓ/ም ካብ መሪሕ እስጢፋኖስን ቦኽረ በየነን ዝበሃሉ ግዱሳት ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተላእኾ 200,000 ብር ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ጣብያ ፈሪማ ብጥሜት እንዳተሳቀዩ ትንፋስ እተዊ ውፂ ኣብ ቃንዛ ንዝርከቡ 80 ፅጉማት ወለዲ ንሕድ ሕዶም 2500 ብር ኣረኪቡ ኣሎ ።

"ኣብዚ ጣብያ ዝነብር ሕ/ሰብ እንኩ እምበር ሃቡኒ ኢሉ ዘይፈልጥ ተቃላሳይን መዕቆባይን ህዝቢ እዩ ኔሩ ።ኮይኑ ግና ሎሚ ዘመን ብዘጋጠሞ ሓደጋ በረድ ዝናብ ዝረኣቱ ናብ ሓመድ ተቀይሩ ከም ቀውዒ ዓውዲ መኼዳ ጌሩ ዝሕፈስ እኽሊ ዘይረኣየ ህዝቢ ስለዝኾነ ምስቲ ዝሓለፈ ተደራራቢ ፀገም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሞት ይርከብ ። እዚ ሎሚ ጋዜጠኛ ዓወት ወዳጅ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተለአኸካ ዋላ እኳ ንኹሎም ኣይኹን እምበር ን 80 ንፅጉማት ወገናትና ትንፋስ ዝሰርዕ ስለ ዝኾነ ንዓኻን ነቶም ዝለኣኹልናን ብስም ህዝቢ ጣብያ ፈሪማ ልዑል ምስገና ይብፃሕኹም " ክብሉ ኣመሓዳሪ እቲ ጣብያ ኣይተ ፀሃየ ገብሪሄት ገሊፆም ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ ወ/ታ/ማይጨው ኣይተ ግዛቸው ገ/መስቀል ብወገኖም ነዚ ብሰንኪ ጥምየት ኣብ ስቃይ ፣ ሞትን ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ፈሪማ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ድማ መተሓባበርቲ መሪሕ እስጢፋኖስን ቦኽረ በየነን ዝገበርዎ ድጋፍ ታሪኽ ዘይርስዖ ፅቡቅ ተግባር ስለዝኾነ ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ልዑል ምስገና የቅርብ ብምባል ሓሳቦም ገሊፆም ።

እዚ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተላእኸ ሓገዝ ካብ ከተማ መቀለ ንኣስታት 300 ኪ/ሜ ተጓዒዙ ኣብ ፈሪማ ንዝርከቡ ፅጉማት ክፋል ሕ/ሰብ ዘከፋፈለልና ጋዜጠኛ ዓወት ወዳጅ ብስም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ኣዚና ነመስግን ።

ሓገዝና ይቀፅል ህዝቢ ፈሪማ ሕዚ እውን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ይርከብ ።

ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምኳን እኹል እዩ!!!

ጉዳይ ኮሙኒኬሽን ወ/ታ/ማይጨው!!!

ፃዊዒት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ዮውሃንስ ው/ማራይ ===============================እንኳዕ ንዓመታዊ በዓል ናይ ኣቦና ቅዱስ ዮውሃንስ ወልደነጎድጓድ ደብረብርሃን ብሰላም ኣብፀሐ...
06/01/2024

ፃዊዒት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ዮውሃንስ ው/ማራይ
===============================
እንኳዕ ንዓመታዊ በዓል ናይ ኣቦና ቅዱስ ዮውሃንስ ወልደነጎድጓድ ደብረብርሃን ብሰላም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ይብሉ ሰበኻ ጉባኤ እቲ ቤተክርስትያን ።
እዚ ቤተ ክርስትያን መጀመርያ ኣብ ከተማ ው/ማራይ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ከም ዝነበረን ኣብ ከባቢ 600 ዓ/ም ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ላዕላይ ወቕሮ ከም ዝደየበን ሊቃውንቲ ናይቲ ቤተክርስትያን ይዛረቡ ።

እዚ ቤተ ክርስትያን ካብ እየሩሳሌም ዝመፀ ታቦተ ፅላት ዝሓዘ ዓብይ ታሪክ ዘለዎ ጥንታዊን ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግልጋሎት ስርዓተ ቤተክርስትያን ዓብይ አበርክቶ ዘለዎ ምኳኑ መመህር የነታ ዘካርያስ በየነ ገሊፆም ።

በቢ ዓመቱ 4 ጥሪ ብድምቀት ዝኽበር በዓል ኣቡነ ዮውሃንስ ው/ማራይ እቶም ቅዱስ ኣቦና ኣብ 99 ዓመቶም ካብ ምድሪ ዝተሰወርሉ ዕለት ምኳኑ እቶም ሊቃውንቲ ወሲኾም ይዛረቡ ።

በዚ መሰረት ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ተወለድቲ ው/ማራይን ከባቢኡን ዝኾንኩም " ሎሚ ዘመን 4 ጥሪ 2016ዓ/ም ኣብ እነኽብሮ ብዓል ኣቡነ ዮውሃንስ ወልደነጎድጓድ ተረኺብኩም በረከት ኣቦና ቅዱስ ዮውሃንስ ክትካፈሉ እንትንፅውዕ ንመተሓዳደሪ እቲ ቤተክርስትያን ንመገልገልቲ ካህናት መሃያ ክሽፍነልና ብምሕሳብ ዝጀመርናዮ ኣብ ከተማ ው/ማራይ ዝርከብ ህንፃ መማልኢ ገንዘብ ሰለዝሓፀረና ዘዝካኣለኩም ክትሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒትና ነቅርብ" ይብሉ ሰበኻ ጉባኤ እቲ ቤተ ክርስትያን ።

"ከመ ትመፅኡ በሰላም ወበዳህና ሃበ ዮውሃንስ ፍቅረ እግዚእ ንዜንወክሙ በስመ ዮውሃንስ ከመ ትንስኡ ፀጋ ወክብረ"

ናብ ኩሉ ክባፃሕ share and like

ጉዳይ ኮሙኒኬሽን ወ/ታ/ማይጨው

ንኣመራርሓ ማሕበራት ስልጠና ተዋሂቡ =========================ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው  ሸሞንተ ጣብያታት ዝሓቆፈ ካልም ዝተብሃለ ድርጅት ሸሞንተ ተፋሰስ ልምዓት ንምልማዕ ኣ...
06/01/2024

ንኣመራርሓ ማሕበራት ስልጠና ተዋሂቡ
=========================
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይ ጨው ሸሞንተ ጣብያታት ዝሓቆፈ ካልም ዝተብሃለ ድርጅት ሸሞንተ ተፋሰስ ልምዓት ንምልማዕ ኣብ ምንቅስቃስ ከም ዝርከብ ዝፍለጥ እዩ ።እዘን ሸሞንተ ተፋሰስ ብሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝተደራጀዋ ሕጋዊ ሰውነት ዘለወን ማሕበራት ኮይነን ብከስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕ/ስራሕ ማሕበርን ኣተሓባባርነት እናተመርሓ ዝንቀሳቀሳ እየን ። ሎሚ ዕለት 26/04/2016 ዓ/ም ካብ ሸሞንቲአን ተፋሰስ ጣብያታት ዝመፁ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንዝተፈላለዩ ኮሚቴ ኣመራርሓ ናይተን ማሕበራት መዕበይ ዓቅሚ ስልጠና ተዋሂቡ ። እቲ ዝተወሃበ ስልጠና ኣብ ከይዲ ትግበራ ፕሮጀክት ምልማዕ ተፋሰስ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ተወዲቦም ንዝሰርሑ ከባቢኦም ንኸልምዑን ናብ ኢኮኖምያዊ ረብሓ ዝቅይሩሉን መንገዲ ዝሕግዝ ኔሩ ።

ዝተኸለለ ተፋስስ ልምዓት ብምግዳብ ተኽልታት ብምትካል ብምክንኻን ዘመናዊ እታወታት ሕርሻ ብምጥቃም ሓረስታይና ንባዕሉ ናይ ምግቢ ወሕስንኡ ኣረጋጊፁ ንዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነ ፍርያት ሕርሻ ብምቅራብ ኢኮኖምያዊ ዓቅሙ ዘዕብየሉ መንገዲ ምፍጣር ዋና ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ምኳኑ ተረዲእና ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ንተግባራውነቱ ክረባረብ ይግባእ ።

ጉዳይ ኮሙኒኬሽን ወ/ታ/ማይጨው

ቤሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብፅቡቅ ኩነታት ይካየድ ኣሎ==================================ኣብ ክልልና ካብ ዕለት 24/04/2016 ዓ/ም ጀሚሩ እናተወሃበ ዝርከብ ብሄራዊ ፈተ...
04/01/2024

ቤሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብፅቡቅ ኩነታት ይካየድ ኣሎ
==================================
ኣብ ክልልና ካብ ዕለት 24/04/2016 ዓ/ም ጀሚሩ እናተወሃበ ዝርከብ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ኣብ ወረዳና ወረዳ ታሕታይ ማይጨው እውን 764 ተባዕትዮ 558 ደቂ አንስትዮ ጠቕላላ ድምር 1322 ተምሃሮ ይፍተኑ ከም ዘለው ሓላፊ ቤ/ፅ ትምህርቲ መምህር ጎይትኦም በየነ ገሊፆም ።

እቲ ብሄራዊ ፈተና ካብ ዝሓለፍ ዓመታት ኣፈታትና ፍልይ ብዝበሉ ሓድሽቲ ቅጥዕታት ይወሃብ ከም ዘሎ እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝገለፁ ኮይኖም ፈተንቲ ምምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ብዝወሰድዎ ስልጠናን ኦረንቴሽንን ንተምሃሮ ግቡእ ኦረንቴሽን ብምሃብ እቲ ፈተና ስለዝተጀመረ ኣብ ተምሃሮ ምንም ዓይነት ምድንጋር ከይፈጠረሎም ብዝተረጋግዐ መንፈስ ይፍተኑ ከምዘለውን ኣብ ኩለን ናይ ፈተና ኣብያተ ትምህርቲ ብፅቡቅ ኩነታት ፈተና ይሳለጥ ምህላውን ወሲኾም ገሊፆም ።

ጉዳይ ኮሙኒኬሽን ወ/ታ/ማይጨው

ማሕበር ምትሕግጋዝ ወ/ታ/ማይጨው ንዝራእቲ መዕፀዲ ዝኸውን 120 ኣልቢን ማዕፂድ ኣወፍዮም----------------------------------------------------------ከም ዝፍለ...
02/11/2020

ማሕበር ምትሕግጋዝ ወ/ታ/ማይጨው ንዝራእቲ መዕፀዲ ዝኸውን 120 ኣልቢን ማዕፂድ ኣወፍዮም
----------------------------------------------------------
ከም ዝፍለጥ ማሕበር ምትሕግጋዝ ወ/ታ/ማይጨው ኣብቲ ወረዳ ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ሓገዛት እንዳገበሩ ዝመፁ ኮይኖም "ሎሚ እውን ኣብ ጎኒ ሓረስታይ ኮይና ፍቅርናን ድጋፍናን ንምግላፅ እዩ" ብምባል 120 ኣልቢን ማዕፂድ ንምምሕዳር ወ/ታ/ማይጨው ኣረኪቦም ኣለው።

ክብረት ይሃበልና ማሕበር ምትሕግጋዝ ወ/ታ/ማይጨው!!!

ር/ህ/መ/ወ/ታ/ማይጨው

Address

Axum

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Woreda Tahtaymaychew Pr/ርክብ ህዝብን መንግስትን ው/ታ/ማይጨው posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Woreda Tahtaymaychew Pr/ርክብ ህዝብን መንግስትን ው/ታ/ማይጨው:

Videos

Share


Other Media/News Companies in Axum

Show All