DW International TV

DW International TV DW International TV is managed by DW International LLC. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.

04/24/2025
04/23/2025
04/23/2025
04/23/2025
04/23/2025
04/23/2025

ሓፀርቲ ዜናታት


★ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዘየሳተፈ ብምዃኑ ከምዘይቕበሎ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ሐዚ ምትዕርራይ ዝተገበረሉ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቋፍን ንኹሉ ዘሳተፈን ክኸውንን ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ጉባኤ ክካየድን ሓቲቱ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካልኦት ሓይልታት ዘየካተተ ብሓደ ሓይሊ ጥራሕ ዝተብሓተ ብምኳኑ ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ውሳነታት ከሕልፍ፣ ዘዐንቅፎ ኣካል ዘይብሉ ባዕሉ ዘውፅኦ ሕጊ ባዕሉ ፈፃሚ ኾይኑ ኣብ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ውልቀ ምልኪ ክትከል ንዝኽእል ኣሰራርሓ በሪ ኸፊቱ እዩ ዝበለ ኣቦ ወንበር ውድብ ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ፣ ቀፃሊ መረፃ ንኹሎም ብመዓረ ከሳትፍ ዝኽእል ፍትሓዊ መረፃ ከካይድ ዝኽእል ዓቕምን ድሌትን ዘይብሉ ካብኔ እዩ ተጣይሹ ዘሎ ክብል ገሊፁ።

★ ኩሉ ዓቕምታት ትግራይ ናብ ሓደ ብምምፃእ ብሓድነት ግዝኣታዊ መሬትናን ተመዛበልትናን ክምለሱ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ከተማ ሓውዜን።

ከምብሓዱሽ ምትዕርራይ መሪሕነት ዝተገበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ልዕሊ ኩሉ ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይን ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ድማ ፀዊዖም።

★ ኣብ ምብራኽ ሕርሻዊ ማእቶት ትግራይ ዕንቅፋት ኾይኑ ዝፀንሐ ሕጽረት ሙሩጽ ዘርኢ ኣሕምልትን ፍራምረን ንምፋታሕ ብሰብ ሃፍቲ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ውጽኢታዊ ለውጢ ይምዝገበሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ዝምዝገምብ ዘሎ ለውጢ መፍረያይነት ሕርሻ ትግራይ ዘበርኽን ዓርሰ ምርኮሳና ዘረጋግጽ እዩ ክብሉ ድማ ኣብ ዓውደ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ዝነጥፉ ዘለው ሓረስቶትን ሰብ ሃፍትን ገሊፆም።

★ ምህርትን መፍረይነትን ሕርሻ እዚ ዓመት ንምዕባይ ብምሩፅ ዘርኢ ዓርስኻ ምኽኣል ከምዘድልን ምእንተ እዚ ተዋዲድኻ ምስራሕ ከምዝጠልብን ማእኸል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ገሊፁ።

እቲ ማእኸል ንፈለማ እዋን ብናይ ሓጋይ መስኖ ስራሕቲ ምርባሕ ምሩፅ ዘርኢ ምሸላ የሳልጥ ምህላዉ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።

04/21/2025

ሃንደበት ዝተሰመዐ ሃንደበታዊ ሕልፈት ኪነጥበባዊ ሰለሞን ተካልኝ

" ሓቂ ካብ ምምስካር ንላዕሊ ዘኽብር እንታይ ኣሎ ? " ኢሉ ይሓትት " ኣነ ድማ ይብል ኣብ ጎኒ እቲ ሓቂ ዝሓዘ ህዝቢ ኣለኹ። በዓል ውዕለታ ሃገር ንዝኾነ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ኮይንካ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ እንታይ ዘኹርዕ ነገርከ ኣሎ። ድማ ኢሉ ነይሩ ኣርቲስት ሰለሞን ተካልኝ ሓደ እዋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ መኸተ ተጋሩ።

ሎሚ ሃንደበታዊ ሕልፈተ ሂወቱ ዝተሰምዐ ውሩይ ኣርቲስት ሰለሙን ተካልኛ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኣወጀ ፅንተታዊ ኩናት ብቕሉዕ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ብምባሉ በቲ ካልእ ኣካልን ደገፍቱን ዝበፅሖ ዝነበረ ፀቕጥን መጥቃዕትን ተፃዊሩ ድምፂ ህዝቢ ክኾን ብምውሳኑ ብብዙሓት ክብሪ ክወሃቦ ኪኢሉ እዩ።

" ንሓቂ ምምስካር ከመይ ክብሪ ይመስለኩም " ይብል ኪነጥበባዊ ስለሞን ተካልኝ መሓሪ ሓደ እዋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝተዳለው መድረኽ ፡ ኣነ ንሓቂ ብምምስካረይ ኩርዓት እዩ ዝስመዓኒ ፡ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ እውን ጋደልቲ ትግራይ ምእንተ ሃገር ክብሉ ዕድመ ንእስነቶም ፡ ኣካሎም ዝገበሩ ደሞም ዘፍሰሱ ተጋደልቲ በታ ሃገር እንትሓስሩ ክብሮም ክቕንጠጥ ፡ ክከላበቱ ብመንነቶ ክህደኑ እናረኣኹ ስቕ ክብል ሕልናይ ኣይፈቕደለይን ። ኣብ ጎኒ እቲ ጅግና ዘፍሪ ማህፀን ዝተዓደለት ክብሪ ዝግብኣ ኣዶ ትግራይ እየ ዝስለፍ ።" ኢሉ ነይሩ ።

ብዛዕባ ትግራይ ሓቂ ምምስካር ኩርዓት እዩ ዝብል እምነት ዝነበሮ ኣርቲስት ሰሎሙን ተካልኝ ፡ ጀግና ዝወልድ ማህፀን ዘለዎ ኣዶ ጀጋኑ ክብራ እንትገሃስ ፡ ሃገር ዝፈጠረ ህዝቢ ካብ ምድረገፅ ንምጥፋእ ቅሉዕ ፅንተታዊ ኩናት እንትእወጆ ኣሰላልፋይ ንፁር እዩ ኣነ ብኩለንተናይ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ እየ ዝስለፍ ብዛዕባ እዚ ውፁዕ ህዝቢ እየ ድምጺ ዝኸውን ብምባል ኣብታ ፀበባ እዋን ብተግባር ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ምንባሩ ይምስክሩ ።

ብምኽንያት ሃንደብታዊ ሕልፈተ ሂወቱ መልእክቲ ፅንዓት ይሃብኩም ካብ ዘመሓላለፉ ሓደ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚክኤል እዩ ።

ዶክተር ደብረፅዮን ብሃንደበታዊ ሕልፈት ሂወት ኣርቲስት ሰለሞን ተካልኝ ዝተሰመዐኒ ሓዘን ብስም ውድብ ህወሓትን ብስመይን እናገለፅኩ፣ ንመላእ ስድራ ቤቱን ኣድነቕቱን ፅንዓት ይምነ ኢሎም።

" ህዝቢ ትግራይ ካብ እዝንን ዓይንን ማሕበረሰብ ዓለም ብምኽዋል ብልፍንቲ ንምፅናት ኣብ ዝተገበረ ርብርብ፣ ኣርቲስት ሰለሞን ተካልኝ ድምፂ ኮይኑን ዘይንርስዖ ታሪኽ ፈፂሙን እዩ። ኣብ ጎድኒ ሓቂን ርትዒን ተሰሊፉ ንዘካየዶ ተጋድሎ ድማ ሕድሕድ ትግራዋይ ኣይርስዖን " ክብሉ ድማ ገሊፆም ።

Address

Washington D.C., DC
20037

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when DW International TV posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to DW International TV:

Share

Category