Eritrea National Newspapers

  • Home
  • Eritrea National Newspapers

Eritrea National Newspapers Meskerem has created this page to post the Daily Eritrean National Newspapers as well as ot

01/11/2024

ንኣሰና: ዋላ እንተዘይ ኣመንዎ ስንባደ ፈጢሩ ታቦት ሒዝካ ተዓረቑ ኮይኑ::

29/10/2024

ጽባሕ ንጉሆ ኩሉ ምስ ተቓልዔ: ኣሰና ንትግራይ ኣድሒኑዋ ክበሃል እዩ::

28/10/2024

Following Assena's exposure, Abiy and Getachew must rethink their actions as Tigray unites to protect its leaders.

28/10/2024

Assena successfully preempted the arrest of prominent Tigray leaders, exposing and halting the plans of those involved.

23/10/2024

ውግእ መጸ ! ውግእ መጸ ! እንዳበሉ እዝም ሚድያ ኣጽሚሞሙናኮ!!
ብርእይቶይ ቶግ ትብል ጥይት ኣይክትህሉን እያ:: እተን መንግስታት: በዚ ኣመኽንዮም ንተቃወምተን ክድክራ እየን::

23/10/2024

All Eritreans in San Jose should go to the opening and make sure it does not become Eritrean government’s service center.

23/10/2024

*ህዝባዊ ግምባር ፡ ብሓገዝ ህዝቢ ናጽነት ኣምጺኡ ክነሱ ፡ ሓርነት ካብ ህዝቢ ግን ዝመንዘዐ ውድብ ?*
ኣለምሰገድ ዘስያትል

ብሓገዝን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ዘመስከረ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኩሉ ዓይነት መሰላት ሓርነቱ መንዚዕዎ ኢዩ ። ኣይፋልን ሓርነት ዝመንዘዐስ ህግደፍ እምበር ህዝባዊ ግምባር ኣይኮነን ዝብል ስነ-ሞገት ዘልዕሉ ከምዘለው ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን ። ኮይኑ ግን ንህግደፍ ዝወለደ ህዝባዊ ግምባር እንተስ ብድሌቱ ወይ ብዘይ ድሌቱ ፡ ህግደፍ ዝበሃል ኣብ ሜዳ ጠኒሱ ኣብ እዋን ድሕሪ ናጽነት ከም ዝወለደ ዝተመስከረ ኢዩ ። ህዝባዊ ግምባር ከም ወላዲ ንውሉዱ ህግደፍ ክእርሞ ካብ ዘይክኣለ ድማ እቲ ብሰሪ ህግደፍ ዝሰዓበን ገና ዝስዕብ ዘሎን ዕዳን ዕንዲዳን ከምዝምልከቶን ከምዝስከሞን ኢሉ ድማ ተሓታቲ ከምዝገብሮን ምግንዛብ የድሊ ።

ስለዝኮነ ድማ ህዝባዊ ግምባር ናጽነት ህዝቢ ኣምጺኡ ክነሱ ከይውዓለ ከይሓደረ ናጽነት ህዝቢ ሕርሕራይ ጌሩ ኣብ ዳርጋ ዂሉ መዳይ መንዚዑና ኢዩ ። ብባህልና ንሕና ኤርትራውያን ኣብ መምብሮ ስድራ-ቤትን ስነ-ምግባርን ዓቢ ቆላሕታ ኣለና ። ኣቦ ዘይባረኾ መኣዲ ምምጋብ ከም ነውሪ ፡ ኣደ ዘይብሉ ገዛ ከም ዘይበርህ ፡ ምእዙዛት ውላድ ዘይብሉ ስድራ ውን ከም ስዲ ፡ ተባሂሉ እንዳተጠቅሰ ስነ-ምግባር ቤተ-ሰብ ንምሕላው ዋላ ብጎረባብቲ ደረጃ ኢዩ መግናሕትን ማዕዳን ዝልገስ ። ኣቦ ኣብ ልዕሊ ደቁ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ንደቁ ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሕ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኮይኑ ፡ ውሉድ ድማ ፍቓድን ትእዛዝን ኣቦ ዘተግብር ውሉድ ኢዩ ዝነበረ ። ኮይኑ ግን ህግደፍ ነቲ ናይ ኣቦ ስራሕን ሓላፍነትን መንዚዑ ንቤተ-ሰብ ባዕሉ ክውንናን ክዝውራን ኢዩ ጀሚሩ ። ውሕጅ እንዳስሓቀ ይወስድ ከምዝበሃል ፡ ቤተሰብ ኤርትራ ክፈርስን በትረስልጣን ኣቦ ክምንዛዕን ኢሉ ድማ ቤተ-ሰባዊ ወግዒ ንክፈርስን ህግደፍ ሻዓ ኢሉ ኢዩ ጀሚርዋ ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ጉልባብ ንመንእሰያት ንገለን ብምትላል ንዝበዝሑ ድማ ብሓይሊን ብግፋን ካብ ስድራ-ቤቶም መናጢሉ ኣብ ዝደለዮ ባርነታዊ ወፍርን ዘይድለ ዂናትን ከዋፍር ሕንኽ ኣይበለን ። ህግደፍ ነዚ ክገብር ከሎ ህዝባዊ ግምባር ዓገብ ኣይበለን ። ስንኹላን ክርሸኑ ዘስቀጠ ውድብ ፡ ገባር (ሲቭል) ተገፊፉ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ባርነት ክቑረን ተቓውሞ ከርኢ ኢልካ ምሕሳብ ዘይመስል ኢዩ ። ደቀንስትዮ ኣብ ባህልን ልምድን ዘይነበረ ኣብ ፈቐዶ በረኻ ከርተት ከምዝብላ ብምግባር ፡ መፍላሕቲ ቡን ሓለፍትን መርወይ ስምዒቶምን ከምዝኾና ጌሮም ጥራይ ዘይኮነስ ኣደዳ ዘይተደልየ ጥንስን ሕርስን ከምኡ ውን ኣደዳ ሕማምን ክኾና ዝፈረድወን ብዙሓት ኢየን ። ከምቲ ንቡር ብወግዕን ብስርዓትን ቤተ-ሰብ መሪቑ ሓዳር ጌረን ከይወጻ ድማ ኣሰናኺሎመን ኢዮም ። ናይ ትምርቲ ዕድለን ተመንዚዐን መጻኢ ሂወተን ዝጸልመተ ደቀንስትዮ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ተወሳኺ ኣደራዕ ፈጢሩሉ ኢዩ ።

ህዝባዊ ግምባር ናጽነት ደቂ ተባዕትዮ ብህግደፍ ክምዛዕ ከሎ ሽሕ እዃ መብዛሕቶም ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ንገዛእ ርእሶም ኣደዳ ማእሰርቲ ይዂኑ እምበር ፡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ከምቲ ዝድለ ተቓውሞ ከስምዑ ኣይክኣሉን ወይ ድማ ኣይተብዑን ። በዚ ምኽንያት ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ካብ ዂናት ናብ ዂናት ብዘይ ዓስቢ እንዳ ተሰጋገሩ ከም ሕሱም ከርቲቶም ኢዮም ። ኣብ እዋን መርዓ ክብረቶም ዝተመንዝዑ ኣብ ግዜ ሕጽኖቶም ኮብሊልኩም እንዳተባህሉ ተተመንጢሎም ናብ ኣሃዱታቶም ተኣሲሮም ዝተመልሱ መንእሰይ ውሑዳት ኣይነበሩን ።

ከም ባህልና ፡ መርዓዊ መርዓቱ ኣኸቲሉ ክሓልፍ ከሎ ንኽብረቱ ተባሂሉ ኣብ ጎደናታት መኻይን ይዂና ብሽግለታ ንኽብሩ ደው ኢለን ኢየን ዘሕልፈኦ ኔረን ። ንመርዓዊ "በዓል መዓልቲ" ተባሂሉ ዝተዋህቦ ክብሪ ግን ብሕጊ ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ ተመንዚዑ ከም ጤለ በጊዕ ኣብ እዋን እታ ክብርቲ ዕለቱ ተጎቲቱ ናብ ኣሃዱታት ክውሰድ ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ባህልን ልምድን ሃገርና ብዘይ ንቡር ተተኪኡ ምህላው ዝሕብር ኢዩ ። ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሃገርና ሬሳ ውን እንተኾነ ናብ መቓብር ክስነ ከሎ ሓላፍ መገዲ ካብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ደው ኢሉ ዕማመት ርእሲ ተኣልዩ ካብ ማኪና ከይተረፈ ተወሪዱ ብኽብሪ ኢዩ ዘሕልፍ ኔሩ ። ውላድ ህዝባዊ ግምባር ዝኾነ ህግደፍ ግን ካብ ሬሳ ከይተረፈ መሰልን ክብርን ክምንጥል ኢዩ ተራእዩ ። ዓዱ ዘፍቅር ህዝብና ሓመድ ዓዱ ክለብስ ካብ ስደት ናብ ዓዲ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ብክብሪ ንኸይቅበር ዝተኸልከለ ውሑድ ኣይኮነን ። መሰልን ክብረትን ሬሳ ምሕራም ክሳብ ክንደይ ሃስያ ኣብ
ልዕሊ ቤተ- ዘመድ መዋቲ ከምዘስዕብ ምግማቱ ዘሸግር ኣይመስለንን ።

ህዝባዊ ግምባርን ህግደፍን ግን ከም ኣቦን ወድን ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝመንዝዕዎ ሓርነት ኣብ ባህልን ልምድን ወግዕን ስርዓትን ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኾነን ። ናጽነት ናይ ምዝራብን ናይ ምእካብን መንዚዖም ኢዮም ። መሰል ናይ ምቅዋም ይዂን ናይ ምድጋፍ ከምኡ ውን መሰል ናይ ምእማን ዝተፈላለዩ ሃይማኖት ውን ብቀንዱ ካብቶም ዓበይቲ መሰላት ህዝብና ምምንዘዖም ምጥቃስ ይከኣል ። መሰል ናይ ምስራሕን ናይ ምንቅስቓስን ከምኡ ውን መሰል ንግዲን ወፍርን ተመንዚዖም ኢዮም ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ኣብ ድሑር መነባብሮ ተኸርዲኑ ይርከብ ኣሎ ። ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣስመራ ቅድሚ ምምጻእ ህግደፍ ልዕሊ ዕስራ ሽሕ ዝግመቱ ህርኲታት ሰራሕተኛ ኣብ ዝተፈላለያ ፋብሪካታት ይሰርሑ ምንባሮም ይፍለጥ ። ኣብ ዘበነ ህግደፍ ግን ሰሪሑ ዝነባበር ዘይኮነስ ኣብ ስደት ብዝነብሩ ኤርትራውያን እንዳትሓወለ ብዝስደድ ገንዘብ ዝነብር ሰብ ኢዩ ዝበዝሕ ። ህግደፍ ነዚ ብመልክዕ ሂያብ ንዝመጽእ ገንዘብ ውን ከይተረፈ ብምቑጽጻር ካብ ተቐባል ገንዘብ ብሽም ሸርፊ ዝምንዘዖ ኣዝዩ ዝተጋነነ ኢዩ ። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ተመጽዋቲ ኮይኑ ንኽተርፍ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን ። ምስ ህዝቢ ኮይኖም ነጻነት ዘምጽኡ እምበኣር እነሆ ዳርጋ ዂሉ ዓይነት መሰላትን ሓርነትን ህዝብና መንዚዖም ባዶ ኣትሪፎምና ።

ሰላም ንዂልና

22 ጥቅምቲ 2024

ኣለምሰገድ/ስያትል

22/10/2024

እቶም ንህግደፍ ወኪሎም :ኣብ ስያትል ኣብ ልዕሊ ንፍትሒ ተቃለስቲ ክሲ ሶም ዘለዉን ዘለዋን መን እዮም? ኣብዚ ሓጺር ግዜ ስእሎም ኣሰኒና ከነላልይኩም ኢና::

21/10/2024

Breaking News!!!
Eritrean-Americans human rights advocates and activists sued by the Eritrean regime in US courts. Well, see you in court.

21/10/2024

ሕጊ ዘይመኽሰባዊ ትካላት: እቲ ትካልን እቶም ቦርድን ክኽሰሱ ይኽእሉ እዮም ይብል:: ማሕበረ-ኮም ስያትል እዚ ኩሉ ዘጥረይዎ ዝናን ጸጋን ዛንዛን ክብል እዪ::

21/10/2024

ንማሕበረ-ኮም ስያትል ህግደፍ ኣብ ጣጣ የእትውዋ ኣለዉ::

06/10/2024

ኣብ ደንማርክ ናይ ህዝቢ ኮሚኒቱ ምምስራቱ ጽቡቕ እዩ:: ሕጂ ንማሕበረ-ኮማት ከመይ ንርእየን? ዘተ?

02/09/2024

ዕልው'ባ!!!

01/09/2024

A non-partisan committee should be created to investigate and find resolution to the dangerous situation in Israel!!

01/09/2024

Eritrean opposition media should report fully the tragic incidences in Israel by mentioning ALL those who felt victims from their side!! So, how many government supporters were killed and wounded?

01/09/2024
01/09/2024

Are some opposition media more dangerous than HGDF as they are mimicking Radio Rwanda?

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eritrea National Newspapers posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Eritrea National Newspapers:

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share