13/01/2025
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ።
በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ።
ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣቢሉ ተፃብኦ ደው ክብል ክኢሉ እዩ።
እቲ ውዕሊ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ዕጡቓት ካብ መሬት ትግራይ ክወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ፣ ተሓታትነት ክርጋገፅን ኣፈላላያት ብልዝብ ክፍትሑን ዘገዲድ እኳ እንተኾነ እዞም መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ ሐዚ ኣዕጋቢ መልሲ በዘይምርካቦም ህዝብና ኣብ ከቢድን ዝተሓላለኸን ኩነታት ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዘይተኣደኑ ስቓያት የተኣናግድ ኣሎ።
ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ በዘይምኽኣሎም ንወዲ ሰብ ዘይምጥን ክፉእ ናብራ ክደፍኡ ይግደዱ ኣለዉ። ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ እውን ካብ መንፈስ ናይቲ ውዕሊ ብተቓራኒ ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቐ እዩ።
መሰረታዊ ሕሳቦታት እቲ ውዕሊ ብዝግባእ ስለዘይተፈፀሙ ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፈተና ወዲቑ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ምዝራግን ኣብ ምህዋኽን እውን ርኡይ ግደ ይፃወት ኣሎ።
እዚ ሎሚ ትመዛበልቲ ወገናትና “ይኣክል፣ ናብ መረበትና ምለሱና” ብዝብል ትሕዝቶ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብመሰረቱ ቅኑዕን ዝድገፍን እንትኾን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ሕቶ ከም ዓብይ ሓገዝ ገይሩ እዩ ዝርእዮ።
ንተፈፃምነቱ ድማ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብዝተወደበ መንገዲ ክመርሖን ኣፈፃፅማኡ ብብዋኑ እናገምገመ ንህዝቡ ዕላዊ እናገበረን ክኸይድ እዩ።
ሕዚ እውን መከራ ህዝብና ግቡእ ፍታሕ ኣይረኸበን ዘሎ። መንግስቲ ፌዴራል ክሳዕ ሐዚ ዘይተፈፀሙ ዕማማት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስን ተሓታትነት ክረጋገፅን ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይፅውዕ።
ሕብረት ኣፍሪካ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንክወፅእን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንክፍፀምን ኣድላይ ፀቕጢ ንክትገብሩ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፃውዕቶም የቕርቡ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝብና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንምፍፀምን በዚ ኣቢሉ ስቓይ ህዝብና ንምፍታሕን ኣብ እንገብሮ ርብርብ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንኹም ካባኹም ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ንክትገብሩ ንፅውዕ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
05 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ