ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna ሓደሽቲ ሓበሬታታት ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣
ፍልይ ዝበሉ ትንታነታት ብቋንቋ ትግርኛ ተኸሺኖም ዝቐርብሉ ናትኩም ኣማራፅን ተወሳኽን ሚድያ!
ላዛ ትግርኛ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንስን

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይኣይሂ መዓትን መከራን  ተፈናቐልትን ስዱዳትን ደቂ ብሄረ ትግራይ ናብ ዝኸፍእ ብርኪ ካብ ዝበፅሕ ነዋሕቲ እዋናት ሓሊፎም። መረረት ዝወለዶ ቃልሲ  ብዕሊ ካብ ዝጅም...
01/20/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ኣይሂ መዓትን መከራን ተፈናቐልትን ስዱዳትን ደቂ ብሄረ ትግራይ ናብ ዝኸፍእ ብርኪ ካብ ዝበፅሕ ነዋሕቲ እዋናት ሓሊፎም። መረረት ዝወለዶ ቃልሲ ብዕሊ ካብ ዝጅምር ድማ መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ቃልሲ ተጠናኺሩን ናፅነቱ ሓልዩን ኽቕፅል ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ጎኒ እዚ ምንቅስቓስ ብምዃን ኣብ ምልሰት ተመዛበልትን ስዱዳትናን ከምኡ ድማ ኣብ ምልሰትን ምርግጋፅን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃሙ ኣጠናኺሩ ከምዝዋፃእ የረጋግፅ።
ወረርቲ ሐዚ እውን ምልሰት ተፈናቐልትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ንምዕንቃፍ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ ኣለው። ካብ ፖለቲካዊ ሓገዙ ዝሓለፈ ፌደራል መንግስቲ ብወግዓዊ ኣብቲ ወሪሮሞ ዘለው መሬት ትግራይ ዝበሃሉ ዕጡቃት እስካብ ምስልጣን በፂሑ ኣሎ። እዚ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደጋዊ ኣካላትን ሰብ ዋና እቲ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ውዕሊ ፀቕጡ ካብ ምሕያል ዘየብኮረ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ይኹን ካልኦት ፅንኩራት ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ እቲ ኣውራ ጋግ ኣብ ስእነት ብርቱዕ መንግስቲ ዝተሰረተ ምዃኑ ይኣምን።
እዚ ብመሰረቱ ንምፍታሕ ኩለንታኣዊ ምርብራብ ከምዘድሊ ዝኣምን ውድብና ብመንገዲ ምጥያስ ብሄራዊ ጉባኤ ብህፁፅ ዘድልየና ዓይነት መንግስትነት ንክምስረት ዘቕረብናዮ ተደጋጋሚ ፃውዒት ህዝብና ክድግፎ ድማ ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
12 ጥሪ፥ 2017
ትግራይ፥ መቐለ

01/20/2025

ዕድመ ምረቃ ፊልሚ ''ኣሌፍ''
ብሳይሞን ገ/ሚካኤል ተደሪሱን ዳሬክት ተገይሩ ዝተስረሐ ''ኣሌፍ'' ዝተሰየመ ፊልሚ ትግርኛ ኣብ ከተማ መቐለ ጥሪ 16/2017 ዓ/ም ኣብ ዘማርያስ ሆቴል ካብ ሳዓት 10:30 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብድምቀት ስለ ዝምረቅ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቃ ክትርከብሎም ኣዳለዉቲ እቲ ፊልሚ ዓዲሞም ኣለው።

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ትኣብቲ ፅባሕ ዕለት 13 ጥሪ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፍ ፀዊዑ።ፕሬዝደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ አ...
01/20/2025

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ትኣብቲ ፅባሕ ዕለት 13 ጥሪ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፍ ፀዊዑ።

ፕሬዝደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ አደም ዓብዱልቃድርን ዋና ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ሓጂ ሙሓመድ ካሕሳይን ሎሚ 12 ጥሪ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ''ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 2ተ ኣዋርሕ ክልል ቢሮ ትምህርትን ናብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣክሱምን ክልተ ሰለስተ ግዜ ደብዳበታት እንተተፀሓፈ ለውጢ ስለዘይመፀ ውሳነ ቤት ፍርድን ቢሮ ትምህርትን ዘተግብር ስለዝሰኣና ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣቲና ኣለና'' ኢሎም።

ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኩሉ ደለይ ፍትሒ ናብቲ ሰልፊ ብምምፃእ ድምፁ ከስምዕ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ዘይመርሖን ዘይፈልጦን ጭርሖን ባነርን ኣብቲ ሰልፊ ንኸይሕወስ ናብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝመፁ ወገናትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ጥንቃቐ ክገብሩ ፃዊዒቱ ኣቕሪቡ።

ላዛ ትግርኛ
12 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ሆስፒታል ዓድዋ ካብ ኣባላት ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ ዝተለኣኸ ኣስታት 70 ሚሊዮን ብር ዝወደአ ናውቲ ሕክምና ከምዝተረከበ ተገሊጹ።ስራሕ ኣካየዲ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ክንፈ ገረዝግሄ...
01/20/2025

ሆስፒታል ዓድዋ ካብ ኣባላት ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ ዝተለኣኸ ኣስታት 70 ሚሊዮን ብር ዝወደአ ናውቲ ሕክምና ከምዝተረከበ ተገሊጹ።

ስራሕ ኣካየዲ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ክንፈ ገረዝግሄር ብቲ ዝነበረ ጆኖሳዳዊ ኺናት ዝዓነወ እቲ ሆስፒታል ፤ብተወለድትን ፈተውትን ዓድዋ ዝተጣየሸ ማሕበር ዓለም ለኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ ናብ ንቡር ንክምለስ ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለው ገሊጾም።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ተወካሊ ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ መምህር ሃሰን ስዒድ፣ሆስፒታል ዓድዋ ንዝበፅሖ ዕንወት መፍትሒ ንምሃብ ብገንዘብን ናውቲ ሕክምና በብእዋኑ ደገፍ ሓገዝ ዝገብር ዘሎ ማሕበር ዓለም ከኸ ምድሓን ሆስፒታል ዓድዋ፣ ሐዚ ድማ ኣስታት 70 ሚሊዮን ብር ዝወድኡ ዝተፈላለዮ ናውቲ ሕኽምና ብሓገዝ ዝመፀ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ስርዓት ርክክብ ብሽም ህዝብን ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ናይ የቕነየልና ምስጋና ዘቕረቡ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ተስፋይ ገብረወልድ፣ ዓበይቲ ዓድን ማሕበረሰብ ሆስፒታል ዓድዋን ንዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ኣመስጊኖም።

ፍልፍል: ሓበሬታ ርክብ ከተማ ዓድዋ

ላዛ ትግርኛ
12 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ስነ ስርዓት ምፍናው ታቦት ቕዱስ ሚካኤል ኣብ መቐለ መቐለhttps://www.youtube.com/watch?v=q9WlOVYH36k
01/20/2025

ስነ ስርዓት ምፍናው ታቦት ቕዱስ ሚካኤል ኣብ መቐለ መቐለhttps://www.youtube.com/watch?v=q9WlOVYH36k

#ላዛ ትግርኛ© Copyright: Laza Tigrigna Media & CommunicationsThis video is property of Laza Tigrgina Media And Communications, managi...

ኣብ ኣሜሪካ ተቛሪፁ ዝነበረ ቲክቶክ ተመሊሱ። ኣብ ኣሜሪካ ንሰዓታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ መተግበሪ ቲክቶክ ሐዚ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ ተገሊፁ።  ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዝተመረፀ ዶናልድ ት...
01/20/2025

ኣብ ኣሜሪካ ተቛሪፁ ዝነበረ ቲክቶክ ተመሊሱ።

ኣብ ኣሜሪካ ንሰዓታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ መተግበሪ ቲክቶክ ሐዚ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዝተመረፀ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ናይ ስልጣን መዓልቶም ቲክቶክ ዋንነቱ ብዝምልከት ውሳነ ክሳብ ዝበፅሕ ክፉት ኮይኑ ክቕፅል ምዃኑ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።

ቲክቶክ ንኣሜሪካዊ ዓዳጊ እንተዘይተሸይጡ፤ ትማሊ ኣብታ ሃገር ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኣገልግሎት ናይቲ መተግበሪ (Application) ክኸውን ተታሒዙ ስለዝነበረ በዚ መሰረት ድማ ኣብ መላእ ሃገር ኣገልግሎት ቲክቶክ ንሰዓታት ተቛሪፁ ምንባሩ ይፍለጥ።

ላዛ ትግርኛ
12 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ንኣይተ ጌታቸው ረዳን ንዶክተር ደብርፅዮን ገብረሚካኤልን ካብ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተኽለሃይማኖት ዝተልኣኸ መ...
01/19/2025

ንኣይተ ጌታቸው ረዳን ንዶክተር ደብርፅዮን ገብረሚካኤልን ካብ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኽሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተኽለሃይማኖት ዝተልኣኸ መልእኽቲ

መልእኽቲ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልሰላም!ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና ክብል ይደሊ።እዚ በዓል እንትነኽብር ካብ ምውቕ ገዝኦም ተፈናቒሎም...
01/18/2025

መልእኽቲ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ሰላም!
ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና ክብል ይደሊ።

እዚ በዓል እንትነኽብር ካብ ምውቕ ገዝኦም ተፈናቒሎም ኣብ ቁርን ፀሓይን ሕሱም ናብራ ክደፍኡ ንዝተገደዱ ወገናት ክንሕግዞምን፣ ክሳብ ናብ መረበቶም ዝምለሱ ሎሚ እውን ከም ወትሩ ናይ 'ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ባህልና ኣጠናኺርና፣ኣብ ጎኖም ክንከውንን ይፅውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ ተመዛበልቲ ወገናትና ብቐፃልነት ኣብ ምሕጋዝን ምትብባዕን ልዑል ግደ እናተፃወትኩም ንዘለኹም ወገናትና ድማ ዘለኒ ናእዳን ምስግናን ክገልፀልኩም ይፈቱ።

ደጊመ ርሑስ በዓል ጥምቀት ክኾነልና ይምነ።

ድሮ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ -  #ላዛትግርኛ  #ጥምቀት
01/18/2025

ድሮ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ -
#ላዛትግርኛ #ጥምቀት

#ላዛ ትግርኛ© Copyright: Laza Tigrigna Media & CommunicationsThis video is property of Laza Tigrgina Media And Communications, managi...

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ፀዊዑ።እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ን ሰሉስ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዝፀወዐ ኮይኑ፤ ነቲ...
01/18/2025

ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ፀዊዑ።

እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ን ሰሉስ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዝፀወዐ ኮይኑ፤ ነቲ ሰልፊ ዝኾን ቅድመ ምድላዋቱ ወጊኑ ከም ዝርከብ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ "ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ወገናትና ሰሉስ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 1:00 ኣብ ጎደና መጅሊስን ሸሪዓ ቤት ፍርድን ተረኺብኩም ናብ ኣደባባይ ሮማናት ብምኻድ ድምፂ ኣሓትኩምን ደቅኹምን ክትኮኑ ንፅውዕ" ክብል ድማ ንህዝቢ ፃውዒት ገይሩ ኣሎ።

ብሄራውያን ፓለቲካዊ ውድባት፣ ሚድያታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተፈላለያ ውዳበታትን እውን ንዕለት 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ኣብ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ድምፀን ከስመዓ ፃውዒት ገይሮም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ
10 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ሲቪክ ማሕበር ፅንዓት ንሰላምን ፍትሕን ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም ፈላማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።ሲቪክ ማሕበር ፅንዓት ንሰላምን ፍትሕን ኣብ ዞባ ምብራቕ ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ምርግጋፅ ሰላምን ...
01/18/2025

ሲቪክ ማሕበር ፅንዓት ንሰላምን ፍትሕን ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም ፈላማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ሲቪክ ማሕበር ፅንዓት ንሰላምን ፍትሕን ኣብ ዞባ ምብራቕ ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ምርግጋፅ ሰላምን ፍትሕን ምጥንኻር ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይ ማእኸል ገይሩ ዝንቀሳቐስ ማሕበር እዩ።

እዚ ማሕበር ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዘለው ተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕን ተወከልቲ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕን ኣብ ዝተዓደሙሉ ሎሚ ጥሪ 10 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል HZ ፈላማይ ጉባኤኡ ዘካየደ እንትኸውን ኣብ መዛዘዘሚ እቲ ዋዕላ መግለፂ ሂቡ ኣሎ። ናይቲ መግለፂ ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ ሊንክ ይከታተሉ።

ላዛ ትግርኛ
10 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

#ላዛ ትግርኛ© Copyright: Laza Tigrigna Media & CommunicationsThis video is property of Laza Tigrgina Media And Communications, managi...

ቦርድ ኣመራርሓ ማሕበር ክንክን ጥዕና ራያ ናይ ዕድመ ልክዕ ናፃ ሕክምና ሽልማት ሂቡ።ምምራቕ ራያ መባእታዊ ሆስፒታል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ባህሊ ራያ ዕብየት ኣበርክቱኦም ዝገበሩ ከያኒ መን...
01/18/2025

ቦርድ ኣመራርሓ ማሕበር ክንክን ጥዕና ራያ ናይ ዕድመ ልክዕ ናፃ ሕክምና ሽልማት ሂቡ።

ምምራቕ ራያ መባእታዊ ሆስፒታል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ባህሊ ራያ ዕብየት ኣበርክቱኦም ዝገበሩ ከያኒ መንገሻ ረዳኢ፥ ተጋዳላይ በርሀ ጉማ፥ ኣርቲስት ሓለፎም ባራንቶ፥ ኣርቲስት በላይ ዘነበ ናዕድመ ልክዕ ነፃ ሕክምና ሂቦምዎም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ
10 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይፈለማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ መላእ ዓለምን ንትርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፅሐኩም ኣብፅሐና ክብል ይፈቱ።ካቢ...
01/18/2025

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ፈለማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ መላእ ዓለምን ንትርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፅሐኩም ኣብፅሐና ክብል ይፈቱ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን ገጢሙና ዘሎ ኩለመዳያዊ ፈተና ንምፍታሕን ፀገም ህዝብና ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ንምፍታሕን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐሉ መፂኡ እዩ።

መሰረታዊ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍፃም ኣቢልካ ሰላም ትግራይ ምዕሟቕን ምዕቃብን፣ ኣብ ትሕቲ ዝትፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ምውፃእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን ናብ ንቡር ህይወቶም ክኣትዉ ምግባርን፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ምምላስ፣ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ንምጥያሽ ዘኽእል ምዕሩይ ፖለቲካዊ ኩነታት ምፍጣርን ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ድማ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ምስላጥን እዩ።

ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፅኡን ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ንምግባር ዘለዉ ዝተሓላለኹ ዕንቅፋታትን ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ኣብ ምርድዳእ በፂሑ እዩ።

ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ እናገምገምካ ንምኻድ ዘኽእል ኣንፈት ብምንፃር እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ማሕበረሰብ ዓለምን ተቐራርብና ብምስራሕ ፀገም ህዝብና ንምቅላል ዝጀመረናዮም መደባት ኣጠናኽርና ክንቕፅል ኢና። ኣብዚ እዋን ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ፍሉይ ቆላሕታ ሂብና ክነሰርሓሉ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ የረጋግፅ።

ኣብዚ መዳይ ተመዛበልቲ ወገናትና ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዝገብሮ ፃዕሪ ተወሳኺ ሓገዝ ምዃኑ ብልቢ ንግንዘብ ኢና።

ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘሎ ፀገም ንምቅላልን ተልእኾኡ ማእኸል ገይሩ ግቡኣቱ ንክዋፃእን ንምግባር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓቕሙ ዝኽኣሎ ንምግባር ድሉው እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝያዳ ብምጥንኻር ኣወዳድባኡ፣ ኣወፋፍራኡ፣ ኣሰራርሓኡን ህንፀቱን ብቐፃልነት ንምምሕያሽ ዘኽእል መደብ ሓንፂፅና ብዝተወደበ መንገዲ ክንሰርሓሉ ኢና።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕግን ስርዓትን ካብ ዝህቦ ተልእኾ ክወፅእን ናይ ዝኾነ ጉጅለ ኣካል ከምዝኾነን ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ዕላምኡ ነዚ ናይ መኸተ ሓይሊ ንምፅላምን ካብ ህዝቢ ንምንፃልን ዝግበር ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ስለዝኾነ ነዚ ተግባር ንምራም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሓሉ እዩ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናልዓልካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከም ኣካልን ኣብ ልዕሊ መራሕቱን ዝግበር ፀለመ ከይዱ ከይዱ ኣብ ልዕሊ መኸተና ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ጉዳይ ከምዘይኮነ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።

ዲዲኣር ንሓይልታት ፀጥታ ኮነ ሰላም ትግራይ ብዘላቕነት ውሑስ ንምግባር ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስራሕቲ ዲዲኣር እንትነካይድ ድማ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ንቐፃሊ ጉዕዞና ብዘጠናኽርን እምበር ከምቲ ገለ ኣካላት ንምድንጋር ዝጥቀሙሉ ሓይልና ንምድኻም ወይ ሰራዊት ንምብታን ከምዘይኮን ከፍለጥ ኣለዎ።

ስለዝኾነ እዚ መደብ ብውነ እናተርኣየን ብዝርዝር እናተገምገመን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።

ፖለቲካ ትግራይ ንምዕራይ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሕዚ እውን ትኹረት ሂብና እናሰራሕናሉ ኢና።

ኩሉም ሓሳባት ብፍትሓውነት ንክድመፁን ትግራይ ማእኸል ናይ ሓሳብ እንካ ሃባ ንምግባርን ኣማኻሪ ካውንስል ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ እዩ። እዚ ካውንስል ንትግራይ ዝጠቅም ሓሳብ ኣለና ዝብሉ ኣካላት ሓሳባቶም ዘቕርብሉን ትግራይ ድማ ካብቶም ሓሳባት ብዝበለፀ ተጠቃምት ንምግባርን ዘኽእል መድረኽ ስለዝኾነ ወድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ሲቪክ ማሕበራት ትግራይን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብዚ መድረኽ ግቡእ ግደ ክፃወቱ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዕተይ የቕርብ።

ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ
ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
10 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ

መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ከተማ ማይጨው ይሳለጥ ኣሎ።ንህንፀት መሰረተ ልምዓት ከተማ ማይጨው ዝውዕል ብፎረም ልምዓት ማይጨው ዝተዳለወ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም...
01/18/2025

መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ከተማ ማይጨው ይሳለጥ ኣሎ።

ንህንፀት መሰረተ ልምዓት ከተማ ማይጨው ዝውዕል ብፎረም ልምዓት ማይጨው ዝተዳለወ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ምትኽኻብ እቶት ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ዝተረኸቡ ኮይኖም፤ "በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ሓድነትናን ማሕበራዊ ምትእስሳርናን ብምጥንኻር ክኸውን ይግባእ" ዝበሉ ኮይኖም፤ ከተማ ማይጨው ብዘላቅነት እትለምዓሉ ኣንፈትን ኩነታትን ክንፀር ምዃኑ ድማ ኣብቲ መድረኽ ኣፈሊጦም ኣለው።

ላዛ ትግርኛ
10 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

መግለፂ ሳልሳ ወያነ ትግራይ ኣብ ህፁፅ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ
01/18/2025

መግለፂ ሳልሳ ወያነ ትግራይ ኣብ ህፁፅ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ

መግለፂ ሳልሳ ወያነ ትግራይ ኣብ ህፁፅ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ #ሳወት #ሳልሳይወያነትግራይ #ላዛ ትግርኛ© Copyright: Laza Tigrigna Media & CommunicationsThis video is p...

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብህፁፅ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ፀዊዑ።ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ "ኣብ ትግራይ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበ...
01/18/2025

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብህፁፅ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ፀዊዑ።

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ 10 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ "ኣብ ትግራይ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቅልውላው ንምፍታሕ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ክጣየሽ ንፅውዕ" ክብሉ ገሊፆም።

ውድብ ሳልዳይ ወያነ ኣብ መግለፂኦም "ሉኣላዊ ስልጣን ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘስኣነና ውዕሊ ፕሪቶርያ ስዒቡ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ከይዲ ክትትልን ቁፅፅርን ዘይብሉ ሙሉእ ስልጣን ንሓደ ፕሬዝዳንት ዘረከበ ብምዃኑ ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ትግራይ ኣብ ክንዲ ምቅላል እናተጋደደን ኣብ ከቢድ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ንርከብ" ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ሓላፊ ክፍሊ ሕግን ስነ መንግስትን ሳወት ኣይተ የማነ ካሳ ኣብቲ ንሚድያታት ዝሃብዎ መግለፂ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ናይዚ ኹሉ መፍትሒ ኢሎም ዝጠቐስዎ ድማ ስርዓት ክትትልን ቁፅፅርን ዘረጋግፅ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብመዓርነት ዝሳተፍሉ ነቲ ብውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ስሩዕ ቤትምኽሪ ተኪኡ ዝሰርሕ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ምጥያሽ እዩ ብምባል ወዓል ሕደር ኣብ ዘይበሃለሉ ብርኪ በፂሕና ንርከብ ክብሉ ገሊፆም።

ላዛ ትግርኛ
10 ጥሪ 2017 ዓ.ም
መቐለ

ሰለማዊ ሰልፊ "ይኣክል" ኣብ ዝተፈላለያ ወፃኢ ሃገራት ክካየድ እዩ።ኣብ ሮማናት ኣደባባይ 05 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ "ይኣክል" ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ከምኡ እውን ኣ...
01/18/2025

ሰለማዊ ሰልፊ "ይኣክል" ኣብ ዝተፈላለያ ወፃኢ ሃገራት ክካየድ እዩ።

ኣብ ሮማናት ኣደባባይ 05 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ "ይኣክል" ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ከምኡ እውን ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ክካየድ እዩ ተባሂሉ።

ኣቲ ብፅላል ሲቭል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ክፋላት ዓለም ክካየድ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከም ዝካየድ ዘሎ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ
01/17/2025

ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

Address

18 Wentworth Ter
Boston, MA
02108

Telephone

+251962190971

Website

http://www.lazatigrigna.com/

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna:

Videos

Share

እዚ ሓድሽ ፌስቡክ ላዛ ትግርኛ እዩ

ቕድም ክብል እቲ ንልዕሊ 2 ዓመት እዋናዊ ሓበሬታ ናባኹም ነብለሉ ዝነበረ ልዕሊ 300 ሽሕ ተኸተልቲ ዝነበሮ ናይ ፌስቡክ ገፅና ብሰረቕቲ ከምዝተመንጠልና ብዝተፈላላዩ መንድገድታት ገሊፅና ነይርና። ነቲ ናይ ቐደም ፔጅ ንምምላስ ዝተኻእለና ኹሉ ንገብር ኣለና። ካብ ሎሚ ጀሚሩ ግን ነዚ ፔጅ ንክትከታተሉ ብኽብሪ ንላቦ።