01/20/2025
መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ኣይሂ መዓትን መከራን ተፈናቐልትን ስዱዳትን ደቂ ብሄረ ትግራይ ናብ ዝኸፍእ ብርኪ ካብ ዝበፅሕ ነዋሕቲ እዋናት ሓሊፎም። መረረት ዝወለዶ ቃልሲ ብዕሊ ካብ ዝጅምር ድማ መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ቃልሲ ተጠናኺሩን ናፅነቱ ሓልዩን ኽቕፅል ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ጎኒ እዚ ምንቅስቓስ ብምዃን ኣብ ምልሰት ተመዛበልትን ስዱዳትናን ከምኡ ድማ ኣብ ምልሰትን ምርግጋፅን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃሙ ኣጠናኺሩ ከምዝዋፃእ የረጋግፅ።
ወረርቲ ሐዚ እውን ምልሰት ተፈናቐልትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ንምዕንቃፍ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ ኣለው። ካብ ፖለቲካዊ ሓገዙ ዝሓለፈ ፌደራል መንግስቲ ብወግዓዊ ኣብቲ ወሪሮሞ ዘለው መሬት ትግራይ ዝበሃሉ ዕጡቃት እስካብ ምስልጣን በፂሑ ኣሎ። እዚ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደጋዊ ኣካላትን ሰብ ዋና እቲ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ውዕሊ ፀቕጡ ካብ ምሕያል ዘየብኮረ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ይኹን ካልኦት ፅንኩራት ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ እቲ ኣውራ ጋግ ኣብ ስእነት ብርቱዕ መንግስቲ ዝተሰረተ ምዃኑ ይኣምን።
እዚ ብመሰረቱ ንምፍታሕ ኩለንታኣዊ ምርብራብ ከምዘድሊ ዝኣምን ውድብና ብመንገዲ ምጥያስ ብሄራዊ ጉባኤ ብህፁፅ ዘድልየና ዓይነት መንግስትነት ንክምስረት ዘቕረብናዮ ተደጋጋሚ ፃውዒት ህዝብና ክድግፎ ድማ ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
12 ጥሪ፥ 2017
ትግራይ፥ መቐለ