YPFDJ Israel

YPFDJ Israel ሲቪክ ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል (ደቂ ሓደ ልቢ) Eritrean civic society in Israel ( ECSI)

06/01/2026

ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን ልደትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ዓመተ ራህዋን ምዕባልን ክኮነልና ንምነ ናይ ሎሚ ምሸት ዕለት 06/01/2026 ዘምሰየ ምክባር ብዓል ልደተክሩስቶስ ኣብ ቤተሊኪም።

ኣንበሳ መጸኣገዳሲ ሓበሬታማዕከናት ዜና ሃገርና፡ ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቀረባ...
06/01/2026

ኣንበሳ መጸ

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ማዕከናት ዜና ሃገርና፡ ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት፡ ከምኡ’ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ቃለ-መሕትት ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከካይዳ ምዃነን ንሕብር።

ሚኒስትሪ ዜና

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2026ንዛዝሞ ዘሎና ዓመት፡ ብደረጃ ዞባና፡ ዝሰፍሐ ጎደቦናን ዓለምን፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ሓባራዊ ልምዕታዊ ገስጋስን ዝፈታትኑ፡...
31/12/2025

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2026

ንዛዝሞ ዘሎና ዓመት፡ ብደረጃ ዞባና፡ ዝሰፍሐ ጎደቦናን ዓለምን፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ሓባራዊ ልምዕታዊ ገስጋስን ዝፈታትኑ፡ ዝተሓላለኹ ክስተታት እተጋህደሉ’ዩ ኔሩ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ቅልውላዋት ዝዓበለሎ ሃዋህው፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ንኹሉ ክስተታትን ብድሆታትን፡ ልቦና፡ ዓቕሊን ተጻውርነትን ዓጢቖም ክምክትዎ፥ ሃገራዊ ርግኣትን ልኡላውነትን ከውሕሱ፥ ምስ ኩሉ ማሕለኻታት ድማ፡ ተልእኾ ሃገራዊ ልምዓት ከሰላስሉ በቒዖም እዮም።

ኣብ ዓመተ 2026፡ እዚ ሕላገት’ዚ ብዝያዳ ደሚቑ፡ ገስጋስ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ብዝሓየለ ናህሪ ክቕጽል ሰናይ ትምኒተይ እናገለጽኩ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንምዑታት ሓይልታት ምክልኻሉን “ዮሃና፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን”።

ወዲ ምነይ ኣርኪቡ😭😭😭😭😭መልስሉ ወርሒ ሕዳር ይኣኽለኪ። እቲ ጅግና እቲ ሓላል እቲ ኣቦ እቲ ጥዑም እቲ ኣርካን ተሰዊኡ። ኣርኪቡ ምስ ብጾተይ ይሕሸኒ ኢሉ። ኣብጽሓና እባ ንዓናይ ምሳና ንሓል...
23/11/2025

ወዲ ምነይ ኣርኪቡ😭😭😭😭😭
መልስሉ ወርሒ ሕዳር ይኣኽለኪ።

እቲ ጅግና እቲ ሓላል እቲ ኣቦ
እቲ ጥዑም እቲ ኣርካን ተሰዊኡ።

ኣርኪቡ ምስ ብጾተይ ይሕሸኒ ኢሉ።

ኣብጽሓና እባ ንዓናይ ምሳና ንሓልሓል
ዕላል ኣሎና ዕላል ገድሊ ዕላል ዝኽሪ።
ንዓናይ እባ ታባ ዓሰርተ ናፍቖትና ከነዛሪ።
ንዓናይ ነስማጥ ንሸጋሊ ክንቀድሖ ፍቕሪ ገድሊ።

ኣንታ ጎይታ ዓቅሊ ኣቦ ኹሉ እንዲኻ።
ወዲ ምነይ ሓላለይ ድብሎ ጠፊእኒ
ይኣኽለኒ ሕጅስ ከዕርፍ እንዲኻ ኢልካኒ።
እምባር እዕሪፍካ ብጻይነት ኣቕሪርካና።

በልስከ ብሰላም ዕረፍ
ኣቦ ሰራዊትን ህዝብን ክቡር ጅግና።
ጽንዓት ንስድራቤትን ፈተውን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን።
(ክረዲት ብጸይቲ ፍረወይኒ ነጋሽ (ጓል ቀሺ)

ዜና መስዋእቲ"እተን መሓዙት" ኣብ እትብል ኣብ ኤሪቲቪ ኣብ ዝተፈነወት ተኸታታሊት ቀንዲ ጠባይ ሒዙ ብምውሳእ ኣድናቖት ዘትረፈን ኣብ ሓያሎ ካልኦት ፊቸርን ተኸታተልትን ፊልምታት ዝተዋሰአን ተ...
19/11/2025

ዜና መስዋእቲ

"እተን መሓዙት" ኣብ እትብል ኣብ ኤሪቲቪ ኣብ ዝተፈነወት ተኸታታሊት ቀንዲ ጠባይ ሒዙ ብምውሳእ ኣድናቖት ዘትረፈን ኣብ ሓያሎ ካልኦት ፊቸርን ተኸታተልትን ፊልምታት ዝተዋሰአን ተጋዳላይ መምህር ሃይለ ገብረጊዮርጊስ ብሕማም ተሰዊኡ።

ጽንዓት ንስድራቤትን ንማሕበረሰብ ስነ-ጥበብ ኤርትራን!

ኣቦ ጥበብ ይኣኽለኒ እምበኣር ኢልካ 🪦 በል እዝግኣብሄር ኣብ ገነቱ የስፍርካ 🕯️ 🕯️ 🕯️
12/11/2025

ኣቦ ጥበብ ይኣኽለኒ እምበኣር ኢልካ 🪦
በል እዝግኣብሄር ኣብ ገነቱ የስፍርካ 🕯️ 🕯️ 🕯️

03/10/2025

ቃላት ብወርቂ ቀለም !!

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ጐኒ-ጐኒ ዋዕላ  ፡ ሎሚ 25 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈላለያ ሃገራትን ፍልይቲ ...
25/09/2025

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ጐኒ-ጐኒ ዋዕላ ፡ ሎሚ 25 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈላለያ ሃገራትን ፍልይቲ ልእኽቲ EU ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ርክባት ኣካዪዱ።

20/09/2025

ርሑስ ጋማ ቢንያም ሓውና ምስ ሓፍትና ሰገን ኣምላክ ፍቅርኩምን ቃልኪዳንኩምን ባሪኩ ፍረይትን ጸገይትን ይግበርኩም።20/09/2025 happy widding.

18/09/2025

ንእዝንኻን ሕልናኻን ጽን ኢልካ እሞ ስምዓዮ እዚ ቃላት ብእዝንኻ ኣትዩ ንሕልናኻ ከባራብሮ እዩ ። ህድእ በል !

ንስኒትን ፍቅርን ዝደሊ እዩ እዚ መልኽቲ፡!/////////////////////////////////////////////////////ኣብቲ ሰላም ጽልኢ ዝመርጹ:-         መጀመርያ   ንምታይ ...
14/09/2025

ንስኒትን ፍቅርን ዝደሊ እዩ እዚ መልኽቲ፡!
/////////////////////////////////////////////////////
ኣብቲ ሰላም ጽልኢ ዝመርጹ:- መጀመርያ ንምታይ ከምዚ ክትገብር ተደልዪ ርዱእ ኢዩ ንዕኣ ክምልስን ክዛረብን ኣይኮንኩን ውን ዝጽሕፍ ዘለኩ ነቲ ስዓብን ተዓዛብን ነቲ ተደናጋጽን ሓንጻጽን ነቲ ኣክባሪ ውዕልን ስምምዕን ነቲ ሰላም ዝምነን ዝስዕብን ንዓብን ንእሹተይን ኮታ ንዝምልከቶ ህዝቢ: ኣብ ዝሓለፈ ከም ንፈልጦ ዝነበረ ምዕራፍ ተዓጽዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑስ ተዓጽዩ : ሰብ ድማ ብሓጎስን ብደስታን ተቀቢሉ ኣብ 8 መጋቢት ብሓባር ተዋዒሉ: ካብኡ ዝቀጸለ ድማ ናይ ሓባር መራሕትን ተመራሕትን ኮኑ ንክቅጽል ተገይሩስ ተዛዚሙ: ኣብዚ ክገበር ግን ነዚ ናይ ሓባር ዝርርብን ምስምማዕን ዘይመርጹ
ኣካላት ከምዘለውን ዝነነሩን ርኢናን ኣጋጢሞምናን ካብ ብርጌድ ንከብዶም ንላዕሊ ነዚ ናይ ሓባር መንእሰይ ምርኣይ ደም ዝመልኦምናይ ፍልይቲ ጉጅለ ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ውን ተዓዚብና; ኣብ ጉሩባት ንገርሀኛታት እናወገንካ ንሓንሳብ ብጸለመ እናሰራሕካ ዘየለ ወረ እናገበርካ እሞ ክኣ ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ርክብ ዘለወን እናፈለጡ ምክንኒት ክኮኖም ዝዛረቡ ተዓዚብና: ሕልፍ ሓሊፎም ነቲ ቀዳማይ ደረጃ ሓሊፍና ኣብ ስምምዕ ዝበጻሕናዮ መንእሰያት ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ዝጀመርሉ ፍላይቲ ጉጅለ ኣንጻር ናይ ሓባር ምጥርናፍ መንእሰያት ዓይና ደምዝመልኣ ንእልፊ ቀይዲ በተክ እናልኣኩ ኣንጻር እዚ ሰላምን ቅሳነትን ዝደሊ መንእሰይ ዝግበር ዝሎ ብትሪ ንቃወሞ: እቲ ዝገርም ነዚ ሽርሕን ተንኮልን ናትዝን ብውልቀን ዝመስላ እሞ ክኣ ልኡካት ኣጻርሰላምን ቅሳነት ዝኸዱ ክእገዱን ክንወሩን ይግብኦም ካብዚ ንላዕሊ ክንዛረብ ኣይንደልን እቲ ዝገርም ግን ኣብ ማእከልና እና ነበረት ክትፈላልየና ምህቃና ኣብ ዝኾነ ሃገራውያን ጉሩባት ብዘይ ምህላዋ ድማ ይሕዝነና ።

01/09/2025

ነቲዝሓለፈ ክትንትን ከቢድ እዩ እትምንታይስ ከቢድ ሽግር ምስ ህወት ዝወስደ ስለዝኾነ ። እቲ ዝመረረ ግዜ እዩ ነሩ ስብ ክወፍረሉን ገዝኡ ዘይ ኣትወሉን ግዜ ተካል ግዜ ሓሊፉ ወዲስብ ብኣፉ ክዛረበሉ ቀሊል እዩ ። ደቂ ሓደልቢ ዝሓለፍዎ ሽግር ማንም ሃገረይ የፍቅር እየ ዝብል ዝሓልፎ ኣይኮነን እቲ ጽንዓትን ኒሕን ትብዓትን ሽግር ምጽዋር ግን ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነግን እዞም ውሉዳት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ደቂ ሓደ ልቢ ግን ስጊረሞ ?

Address

Tel Aivi Sedrot Har Teyone 12
Tel Aviv

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when YPFDJ Israel posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share