ጥፍኢ ዝበላ ኣንጭዋስ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ።
ተገምጢልካ ኣውያት ደኣ ከይከውን። ነገር ተዃቲኹካ ምእዋይ መቸም ለሚድኩም ኢዩ።
ኣጸመ
ነብሰ ጽለኣት ትግርኛ ብኸመይ ይግለጽ፧
ኣጸመ
ንዲሞክራሲ ኢሉ እተሰወአ ተጋዳላይን ሰብን።
ዕጥቅና ብ ወናም ድምጻዊ ኣያና በረኸት መንግስተኣብ
✍ሓፈሻዊ ወድዓዊ ልሳንን ፅኑዕ ቅዋምን ማሕበር የሕዋት ኣግኣዚያናውያን!!!
መበል ዕስራን ሓደን ክፋል 👉👉👇
#ተወዳዳርነት
ኣዝዩ ዝማዕበለን ዝበልጸገን ሃገራዊ ቁጠባ ከይሃነጽና ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጸጥታን ድሕነትን፡ ክብረት ወዘተ
ከነውሕስ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ብልጹግ ሃገራዊ ቁጠባ ክንሃንጽ ኣንተድኣ ኮይንና ከኣ ቅድም ኣብ መነባብሮና ተወዳደርቲ
ክንከውን ኣለና። ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ መንባብሮ ዜጋታተን ከማሓይሻ እንተድኣ ደልየን ካብ ፍርያት ቻይና፡ ባንግላድሽ፡
ቬትናም፡ ዱባይ፡ ስጳኛ ወዘት ዝሓስር ኣቑሕትን ምስ ናይ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝወዳደር ብቕዓት ዘለዎም ፍርያትን
ኣገልግሎታትን ክቕርባ ኣለወን።
ካብ ናይዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝሓስር ንብረት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋታት ኢትዮጵያ ኣይትረክብን ኢኻ። ኣብቲ
ዝተሓለወ ዕድጋታት እዛ ሃገር ካብ ፍርያት ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝበልጽ ንብረትን ኣገልግሎታትን ኣይትረክብን ኢኻ።
ንሃገረ ብሄር ኣብ ቁጠባ ተወዳዳሪ ዝገብርዎ ብዙሓት ነጥብታት ኣለዉ፡ ገለ ካብኦም
ሀ. ምህላዉ ሓያል እንዶ ዕላማ
ለ. ፖሎቲካዊ ምርግጋእ፡ ግዝኣት ሕጊን ቴክኖሎጅን
ሐ. ንምህናጽ ኣድማዕን ውሕሉልን ፖሎቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ንግዳዊ ትካላት ዘድሊ ባህላዊ ብቕዓት
መ. ኣቀማምጣ
ሓያል እንዶ ዕላማ ካብ ምህላው ሓያል ሓባርዊ ክብርታት፡ መንነትን ዋንነትን ይመጽእ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይንረኽቦን ኢና።
ፖሎቲካዊ ምርግጋእን ግዝኣተ ሕግን ‘ውን የለን ምክንያቱ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀቢላውን እንዳውን ስለዝኾነ።
ዘይምህላው ወደባት ከኣ ሓደ ጠንቂ እዩ።
እዞም ኩሎም ዝበልናዮም ግን ኣብ ትግራይ ንረኽቦም ኢና። ምዕራባዊ ቻይና ኣዝዩ ድሑርን ዘይማዕበለን ክኸውን ከሎ
ብኣንጻሩ ምብራቓዊ ቻይና ኣዝዩ ምዕቡል እዩ። ኣብ 2012 ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚስሲፒ ኣመሪካ ዓመታዊ እቶት ሓደ ሰብ
28,944 ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ግዝኣት ኮንትካት ከኣ ብኣንጻሩ 54,925 ዶላር ይበጽሕ። ህግደፍ እንተድኣ ተኣልዩ ትግራይ
ብቑጠባ ምስ ዝኾነት ሃገር ክተወዳደር ክትክእል እያ።
ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኩለን መንግስታት ውሽጢ ዓዲ ናይ ገዛእ ርእሰን ዞናታት ኢንዱስትሪ ምስ ብኹሉ ዝተማልአ ዘማንዊ
መንበሪ ናይ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ናይ ትሑትን ማእከላይን ክኢላታትን ዝተፈልየ ናይ ልዑል ክእለት ዘለዎም
ወጻእተኛታት መንበርን ይህልወን። ሓደ ናይ ትሑትን ማእከላይን ክእለት ዘለዎም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዞን ክሳብ ሓደ
ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ክሕዝ ከሎ፡ እቲ ናይ ልዑል ክእለት ዘለዎም ዞን ከኣ ክሳብ 50,000 ሰራሕተኛታት ምስ ስድራቤቶም
ክሕዝ ይኽእል።
እዚ ማለት ከባቢ 80 መንግስታት ውሽጢ ዓዲን ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታትን ክህልዋና እየን ማለት እዩ።
እዚ ማለት 88 ኢንዱስትራያዊ ዞናታት ማለት’ዩ። ስለዚ ቁጠባ ኤርትራ ን90 ሚሊዮን ትሑትን ማእከላይን ክእለት ዘለዎምን 10 ሚልዮን ከኣ ልዑል ክእለት ንዘለዎም ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ዝኸውን መንበሪ ገዛውቲ፡ ኣብያት ጽሕፈትን ናይ ቀረብ ቦታታትን ወዘተ ኣብ
ግምት የእትዩ ይቕየስ።
ቑጠባ ኤርትራ ብወፍሪ፡ ሰደድን ሃለኽትን ምስ ዘይተኣደነ ሕሱር ጉልበት ካብ ሳልሳይ ዓለም፡ ናይ እስራኤል/ምዕራብ
ክኢላታትን ቴክኖሎጂን፡ ፖሎቲካዊ ርግኡነት፡ ግዛኣተ ሕጊ፡ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ሕሱር ገንዘብን ብብቑዕን ኣድማዕን
ትካላት ክዓቢ ይኽእል።
ኤርትራ ነዚ ሞዴል ንዘልኣለም ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ፡ ምክንያቱ ሕሱር ጉልበት ሳልሳይ ዓለም ክህሉ ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣደነ ሃብቲ ብምኽዕባት ንሚሊዮና
ሓፈሻዊ ወድዓዊ ልሳንን ፅኑዕ ቅዋምን ማሕበር የሕዋት ኣግኣዚያናውያን!!!
መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ክፋል 👉👉👇
#ስዉኣትናን_ስንኩላናን_Martyres_and_Diseables
ንሕሉፍና ተረሲዕና መጻኢና ረሲዕናዮ ኣለና ማለት እዩ። ህግደፍ ስድራ ዝሓለፉ ስውኣትና ለምንቲ፡ ደቆም ከኣ ኣመናዝር
ቀይርዎም ይርከብ። ህግደፍ ንልዕሊ 1000 ዓመት ኣብ ልዕሊ እስላም፡ ኣምሓራን ኤውሮጳውያን ገዛእትን ብእቦሓጎታትና
ዝተገብረ ጅግንነት ደምሲስዎ ይርከብ። ንናይ ትሽዓተ ብሄራት ስነሓሳቡ ከም ዝበቕዕ ጌሩ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና የዐርይዎ
ይርከብ። ህግደፍ ታሪኻውያን ናይ ሳሕል ድፋዓትናን ወተሃደራዊ መዓስከራትናን ደምሲስዎ ይርከብ። ሃገርናን ህዝብናን
ከንኽብርን ብእኦም ክንሕበንን እንተድኣ ኮይንና ንዝሓለፈ ታሪኽና፡ ጀጋኑና፡ ስዉኣትናን ስድራቤታቶምን ከነኽብር ኣለና።
ናይ ሓርበኛታት ኩናት ሚኒስትሪ ኣቑምና ንስድራቤታት ሓርበኛታትን ስውኣትን ጡረታ ክንከፍል፡ ክንከላኸል ረብሓታቶም
ክንሕሉ፡ ናይ ብረታዊ ቃልስና ድፋዓትን መዓስከራትን፡ ታሪኻውያን ናይ ውግእ ቦታታት፡ መቓብር ሓርብኛታት፡ ምስናድ
ኩናትን ጅግንነትን፡ ናይ ሰራዊት ውግእን ሓወልትታትን ቤተመዘክርን ክንከታተል ይግባእ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንኩሎም ክሳብ 24 ግንቦት 1991፡ ንመንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታት፡ ባህልን መሬትን
ግእዝ/ትግርኛ/ትግራይ ዝትቃለሱን ዝተኸላኸሉን ልዕሊ 52 ዝዕድምኦም ተጋደልቲ ህግሓኤን ህውሓትን ናይ ጥሩታ መሰል
ምኽፋል ክንጅምር ይግባእ። ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ኣብ ምኽባር ልኡላውነት ኣንጻር የመን፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂሃድን
ንዝተሰውኡ ኣባላት ሓምኤ ካሕሳ ክኽፈሉ። ንልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ሓምኤ ዘገልገለ ተጣይሱ ብሂወት ክሳብ ዘሎ ምሉእ
ደሞዙ ክኽፈሎ። ናይ ህግሓኤ፡ ህወሓትን ሓምኤን ስድራ ስዉኣት፡ ኣንስቶምን ትሕቲ 21 ዓመት ደቆምን ማዕረ መስል ጥሮታ
ክወሃቦም። ዝኮነ ናይ ካሕሳ ይኹን ናይ ጥሮታ መሰል ዘይረኸቡ ስድራ ስውኣት ህግሓኤ፡ ህወሓትን ሓምኤን ክከሓሱ።
ናይ ኩናት ስንኩላንና ብዘይካ መሰል ጥሮታ ናይ ስንክልና ተወሳኺ ክፍሊት ክወሃቦም። መንግስቲ ንኩሎም ኣካለ ስንኩላን
ብፍላይ ከኣ ንስኩላን ኩናት መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጽ። ኩሉ ናይ ህንጻ ስርሓትን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ ስፖርትን ባህልን
ማእከላት፡ ትሕተ ቅርጽና ንስኩላን ኣብ ግምት የኣትዩ ክህነጽ ኣለዎ። ስንኩል ብምዃኑ ጥራይ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቱ ዝድረት
ዜጋ ክህሉ ይብሉን። ኩሉ እዚ ጉዳያት ከኣ ብሚኒስትሪ ሓርበኛታት ኩናት ክዕመም።