ቑፅሪ ኣይኮንናን/ We are not just a number

ቑፅሪ ኣይኮንናን/ We are not just a number Victims of Tigray's genocidal war

Celebrating my 1st year on Facebook. Thank you for your continuing support. I could never have made it without you. 🙏🤗🎉
16/11/2024

Celebrating my 1st year on Facebook. Thank you for your continuing support. I could never have made it without you. 🙏🤗🎉

መዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ናይ መቃልስተይ ስዉእ ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ሂወት ታሪኽ ከካፍለኩም🙏🙏ኣብ ወርሒ ለካቲት 01 2013 ዓም ናብ ሓራ መሬት ትግራይ ማእኸል መሰልጠኒ ከባቢ ...
23/06/2024

መዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ናይ መቃልስተይ ስዉእ ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ሂወት ታሪኽ ከካፍለኩም🙏🙏
ኣብ ወርሒ ለካቲት 01 2013 ዓም ናብ ሓራ መሬት ትግራይ ማእኸል መሰልጠኒ ከባቢ ተጎጋ ተሓዊሱ- ኮይኑ ግና እቲ ኩነታት ኣብ ሓደ ቦታ ኮይንኻ ክትስልጥን ብናይ ፀላኢ ኩነታት ኣፀጋሚ ስለ ዝነበረ ናብ ከባቢ ሓዉዜን ብምጉዓዝ ፍሉይ ቦታ ዕዳጋ ሰሉስን ማይ ተኽልን ወታደራዉን ፖለቲካዉን ስልጠንኡ ብብቅዓት ን 14 መዓልትታት ወሲዱ ብ ዕለት 14 ለካቲት 2013 ተመሪቁ=
ጀግና ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ብ ዕለት 15 ለካቲት 2013 ኣብ ከባቢ ሓዉዜን ናብ ኣርሚ 3 ክፍለ ሰራዊት ዋልታ ሜካናይዝድ ተሓዊሱ ምስታ ኣሃዱ ብምኻን ንፈለማ ግዘ ናይ ህዝብን መንግስትን ልኡኽ ተቀቢሉ ብዕለት 12 መጋቢት 2013 ናብ ከባቢ ግጀት(ፍሉይ ቦታ ዶንጎላት ዓዲ ቃዓላ) ብምጉዓዝ ናይ ደፈጣ ቦታ ብምሓዝ ንፀላእቱ መእተዉን መዉፅእን ብምስኣን ንዕስለ ፀላኢ ኪሳራ ብምብፃሕ ዓብዪ ግደ ካብ ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓደ እዩ-
ጀግና ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ልኡኽቱኡ ፈፂሙ ናብ ሓራ መሬት ትግራይ ከባቢ በዓቲ ዓኾር ተመለሰ-- ብድሕሪ እዚ ኣብ ከባቢ ማይ ካዶ ብዕለት 26 መጋቢት 2013 ምስ ዕስለ ሰራዊት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ዉግእ እጃሙ ኣወፍዩ እዩ ብምቅፃል ድማ ምስ ከምኡ ዝበሉ ቤዛ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ብፆቱ ብዕለት 01-08 ሚያዝያ 2013 ኣብ ዓዲ ወለዉ ዝነበረ ዉግእ ተሳቲፉ እዩ- ከምኡ ድማ ብዕለት 14 -18 ሚያዝያ 2013 ኣብ ከባቢ ከተማ ሓዉዜን ፍሉይ ቦታ ግራ ዓራስ - መጋብ-ዕዳጋ ሰሉስ ንከባቢ 4 መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ብፃይ ናሆም ብዝነበረ ፃምእን ጥምየትን ከይተበደሀ ጎናጎኒ ናይ መድፍዕ ሞያ እናወሰደ ምስ ዕስለ ፀላእቲ ብምኩሻሕ ዓወት ኣትረፈ- ብምቅፃል ናብ በዓቲ ዓኾር (ፍሉይ ቦታ ደብረ ብርሃን) ዝተብሃለ ቦታ ብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2013 ኣብ ዝነበረ ዉግእ ተሳቲፉ እዩ- እካደኣስ ኣየዕረፈን ብዕለት 29 ሚያዝያ 2013 ናብ ከባቢ ቆራሮ ብምኻድ ንፀላእቱ ሓመድ ድበ ኣልበሰ-
ካብ ሓዉዜን ዕለት 04 ግንቦት ተበጊሶም ን 7 መዓልትታት ለይትን ቀትርን ብምጉዓዝ ዕለት 11 ግንቦት 2013 ጉያ ኣትዩም ኣብ ናይ ኣሃዱታት ምትዕርራይ እንትካየድ ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ድማ ን 3 ሰሙን ናይ መድፍዕ ስልጠና ወሲዱ-
ብድሕሪ እዚ ካብ ዕለት 05-10 ሰነ 2013 ናብ 7 ሕጉም ተጋዒዙ ኦፕሬሽን ወፍሪ ኣሉላ ንምፍፃፍ ድልዉነቱ ብምዉዳእ ካብ ዕለት 11- 14 ሰነ 2013 ን3 መዓልቲ ፀላእቱ ድኻዕኻዕ ኣቢሉ ኣንፈቱ ናብ መቀለ ብምግባር ፀላእቱ ብምቅባር ዕለት 21 ሰነ 2013 ከተማ መቀለ ሓራ ኣብ ምግባር ልዑል እጃም ተፃዊቱ እዩ-

ብዕለት 02 ሓምለ መበገሲኡ ካብ መቀለ ብምግባር ናብ ኣንፈት ደቡብ ትግራይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ከባቢ ሓሸንገ ተበጊሱ ካብ ዕለት 05 – 07 ሓምለ 2013 ክሳብ ኣላማጣ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ብጅግንነት ተሳቲፉ እዩ- ካብ ዕለት 14 – 30 ሓምለ 2013 ቆቦ ሮቢት ጎበዬ ኣሎዉሃ ምላሽ ብምዉጋእ ብጎናጎኒ ድማ ናይ ኦፕሬተር ስልጠና እናወሰደ ተሳቲፉ እዩ-
ካብ ዕለት 01 – 16 ነሓሰ 2013 ኣብ ሃራ ገበያ ወልዲያ ስሪንቃ ጃሩታ ማርሳ ጋሸና ብጀግንነት ተዋጊኡ እዩ
ብዕለት 05 መስከረም 2014 ኣብ ዝነበረ ናይ ሰራዊት ትግራይ ኣሃዱታት ምስፍሕፋሕ ካብ ኣርሚ 3 ክፍለ ሰራዊት ዋልታ ናብ ኣርሚ 33 ክፍለ ሰራዊት ገርዓልታ ተዘዋዊሩ-
ኣብ ክፍለ ሰራዊት ገርዓልታ ሜካናይዝድ ቦጦለኒ መድፍዕ ምድብ ኦፕሬተር ኮይኑ ብ ዕለት 01-22 ጥቅምቲ 2014 ኣብዝነበረ ካብ ከባቢ መርሳ ክሳብ ከተማ ደሴ ኮምበልቻን ንተኸታታሊ 22 መዓልትታት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ ቀፂሉ ድማ ብዕለት 24 ጥቅምቲ - 12 ሕዳር 2014 ካብ ከምሴ ክሳብ ሸዋሮቢት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ ድሕርዚ ኣንፈትና ን ሰሜን ሸዋ ከባቢ መለያ መዘዞ ብምዛር ካብ ዕለት 14 ሕዳር ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2014 እናተዋገአ ድሕሪ ምፅናሕ ብመንግስቲ ትግራይ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ካብ ዕለት 21 ሕዳር ሰዓት 12 ምሸት ንድሕሪት ናብ ትግራይ ኣንፈት እናተዋጋእናን እናንሰሓብናን ኣብ ዝነበርናሉ ግዘ ጀግና ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ብለይ ምንም ዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ተቃሊሱ እዩ-
ድሕሪ ዝተወሰነ ኣብ ትግራይ ፃንሒት ብኣንፈት ሽኸት( ኣብዓላ) ብዝመፀ ወራሪ ብዕለት 15 ጥሪ 2014 ሰዓት 8 ለይቲ ልኡኽ ተቀቢሉ ልኡኽ ልምፍፃም ምስ ኣሃዱኡ ብሙኻን ናብ ግንባር ዓፋር ተጉዒዙ ካብ ዕለት 16 ጥሪ ክሳብ ዕለት 14 ሚያዝያ 2014 ልኡኹ ፈፂሙ ብናይ መንግስቲ ዘዉረዶ መምርሒ ናብ መሬት ዓዱ ተመሊሱ እዩ- ቀፂሉ ናብ ከባቢ ዓድዋ ብምጉዓዝ ሓያል ስልጠናታት ብምግባር ናብ ቀፃሊ ግዳጅ ድልዊ ኮይኑ እዩ
ጀግና ተጋዳላይ ናሆም ልኡል ፍስሃ ኣብ ናይ ሬድዮ መራኸቢ ኣብ ዘርአአዮ ልዑል ዓቅሚ ኣብ ናይ መድፍዕ ቦጦሎኒ ብኣመራርሓ ድሕሪ ምፅናሕ ብዕለት 2014 ናብ ናይ ክፍለሰራዊት ኣዛዚ ምድብ ክምደብ ክኢሉ እዩ= በቲ ዝተዉሃቦ ምድብ ድማ ብ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ብቆቦ ዳግማይ ክወርር ኣብ ዝመፀሉ ሰዓት ክሳብ ሰቆጣ ዝነበረ ዉግእ ክም ሜካናይዝድ ልዑል ዝኾነ ግደ እንትትነብራ ተጋዳላይ ናሆም ልኡል እዉን ግድኡ ኣበርኪቱ እዩ-
ብዕለት 01-05 መስከረም 2015 ዝነበረ ዉግእ ብኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ዝመፀ ልፍንታዊ ሓይሊ ዕሱብ ወራሪ ሓይሊ ሻዕብያን ትምክሕተኛ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጽያን ኣብ ዝወርሉ ሰዓት ብ ፀሊሞይ ግንባር ኣብ ዝነበረ መሪርን ህልካ መወድኢን ህላወ ህዝብና ኣብ ዝፈተነሉ ግንባር ብ መስተንክራዊ ዓወት ተጋዳላይ ትግራይ እንትፍፀም ተጋዳላይ ነሆም እናተዋገአን እናዋገአን ብጀግንነት ፀላኢ ህዝቡ ብምድምሳስ ክብሪ ህዝቡን ዓዱን ኣመስኪሩ እዩ- ብምቅፃል ብዕለት 08-14 መስከረም 2015 ናብ ኣንፈት ማይፀብሪ ተጋዒዝና ኣብ ዘካየድናዮ ዓዉደ ዉግአ ክም ኣርሚ 33 ተኣምር ዘበለ ቃልሲ ኣካይድና ዓዲ ዓርቃይ እንትንቆፃፀር ተጋዳላይ ናሆም እዉን እናተዋገአን እናዋገአን ብጀግንነት ተሳቲፉ እዩ- ብምቅፃል ድማ ብዕለት 16 መስከረም 2015 ናብ ደደቢት ግንባር ፀሊሞይ ዳግም ተመሊስና ተሳቲፉ እዩ - ብዕለት 18 – 24 መስከረም ኣብ ግንባር ዛግር ኣብ ዝነበረ ዉግእ ብሉዑል ወነን ሓቦን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ- ብዕለት 25መስከረም-01 ጥቅምቲ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ንከባቢ 6 መዓልቲ ብለይ ዕረፍቲ ቀትርን ለይትን ምስ ልፍንታዉያን ወረርትን ፅንፈኛታት ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ዝነበረ ፈታኒ ዉግእ እናተዋገአን እናዋገአን ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ካብ ፀላኢ ብዝተቶከሰ ጥይት ብ ዕለት 01 ጥቅምቲ 2015 ሰዓት 5 30 ረፋድ ክቡር ሂወቱ በጃ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ተሰዊኡ - ብብፆቱ ድማ ኣብ እንዳ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን ዓዲ ዳዕሮ ብወታደራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብኽብሪ ተፈፂሙ -

ካብ ብዙሕ ውሑድ =================================== #ሂወት-ታሪክ ጀግና ተጋዳሊት ዋዕሮ ደናይት ዶ/ር ሃ/ሚካኤል  =================================...
20/05/2024

ካብ ብዙሕ ውሑድ =================================== #ሂወት-ታሪክ ጀግና ተጋዳሊት ዋዕሮ ደናይት ዶ/ር ሃ/ሚካኤል ===================================ጀግና ተጋዳሊት ደናይት ካባ ኣቡኣ ዶ/ር ሃ/ሚካኤል ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ሓዳስ አረጋዊ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ጉሎምካዳ ጣብያ ሰበያ ቁሸት ዓዲ በተክርስታይን ብዕለት 07/03/1992 ዓ.ም ተወሊዳ ።
ዕድመኣ ንትምህርቲ ምስ አከለት ካብ 1ይ-8ይ ክፍሊ ኣብ ቤትምህርቲ ሰበያ ኮዶ ዕንቂ ተማሂሪ
ካብ 9ይ-10ይ ክፍሊ ድማ ኣብ 2ይ ብርኪ ቤትምህርቲ ሰበያ ተማሂሪ ብ2010 ዓ.ም ድማ ኣብ ዓብይ ዓዲ ኮሌጅ መምህራን ትምህርታ ክትከታተል ፀኒሓ ብ27/12/2011ዓ.ም ተመሪቃ ኣብ ወረዳ ግጀት ጣብያ ማርያም ሞቆ ብጥቁላ ቤት ትምህርቲ በመምህርነት ተመዲባ ክትምህር ፀኒሓ እያ።
ጅግና ተጋዳሊት መ/ር ደናይት ሃ/ሚካኤል ብትምህርታ ንፍዕቲ ንተምሃሮኣ ብኣግባቡ ትምህርን ብተምሃሮኣ ኣዝያ ተፈታዊት ዝነበረት እያ።
ብ24/02/2013 ዓ.ም ድማ መንግስቲ አብይ ምስ ሻዓብያ ብምልፋን ዕላዊ ዝኮነ ኩናት አዊጆም እዮም።
#ጅግና-ዋዕሮ-ተጋዳሊት ደናይት ሃ/ሚካኤል ድማ ሕነ ህዝቢ ትግራይ ንምፍዳይ ሓሪና ብዕለት 19/05/2013 ኣ/ግ ናብ በረኻ ታዕሊም ዘለዎ ቦታ ወረዳ ምስ ሰራዊት ትግራይ ብምዃን ምፍታሕን ምግጣምን ስልጢና ናብ(107) ወይ ለካቲት ክ/ሰራዊት ሬጅመንት 3 ተፀኒቢራ እያ።
ኣብ ትግራይ ዘተሳተፈትሎም ኩናት ድማ ማእከል ሰግሊ ፣ ቀይሕ እምባ ፣ ማይ ማዕዶ ፣ወርቀ ዲኖ፣ ዳዕሬታ፣ደቐራ፣ መንጉዳይ ዓዲ ዕሽር፣ምላዛት፣ባላ፣ ወዘተ ብምስታፍ ዓብይ ጅግንነት ሰሪሓ እያ ፀላኢ ብዝገጠሞ ሸንፈት ካብ ትግራይ ጠቅሊሉ ምሰወፀ እዉን ኣብ ካልዋን፣ ሂዳ፣እዋ፣ ዝነበረ ከቢድ ዉግእ ምስ ዝናብን ጭቃን ጥራሕ እግራ ምሰ ፀለኢ ተዃሽሓ እያ።
ከማኡዉን ሃሮ፣ደሎረቃ፣ ጭፍራ፣ካሳጊታ ፣ብሩቋ፣ ወዘተ ምሰ ብፆታ ብምዃን ዓወት ተጓናፂፋ እያ። ካብ መልሲ ንድሓር አዉን ብዝነበራ ጅግንነት ናይ ኣርሚ 42 ኮር3 ክ/ሰራዊት ፅንዓት ሬጅመንት 1 ኮሚሳር ኮይና ተመዲባ እንከላ ብዕለት 18/12/2014/ኣ/ግ ወግእ ተጀሚሩ ን3 ማዓልቲ ዝነበረ ከበድ ወግእ ናይታ ዝነበረታ ሬጅመንቲ ኣዛዚ ብዘጋጠሞ መቁሰልቲ ሬጀመንት አዛዚት ኮይና እናዋገአት ብዕለት 29/12/2014 ኣ/ግ አብ ከባቢ ቆቦ ተክሎች ምእንቲ ዓዳን ህዝባን ክቡር መሰዋአቲ ከፊላ ሓሊፋ እያ።ጀግና ብፂት #ተጋዳሊትዋዕሮ ብሰላም ዕረፊ 😭😭😭😭
#ዘልኣለማዊ ክብርን ሞግሰን ንሰምኣታትና 🙏🙏

ተስፋይ ሊላይ፡ ተስፋይ፥ ተስፋ ትግራይኣየ ታ'ኖኻ!1996 ዓ/ም ኣስኳላ እንትንጅምር እየ ዝፈልጦ። ጥቓ ናይ ሽረ መናሃርያ ዝነበረት ቐዳማይ ብርኪ ዓዲ-ኸንቲባይ።  ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተመዲብና...
15/03/2024

ተስፋይ ሊላይ፡
ተስፋይ፥ ተስፋ ትግራይ

ኣየ ታ'ኖኻ!

1996 ዓ/ም ኣስኳላ እንትንጅምር እየ ዝፈልጦ። ጥቓ ናይ ሽረ መናሃርያ ዝነበረት ቐዳማይ ብርኪ ዓዲ-ኸንቲባይ። ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተመዲብና 1ይ 6ተ ትበሃል ሴክሽን።

ስእሊ ቁልዕነትና ወትሩ ናብ ሕሊናይ ይመላለስ። ካብ መንዲለይ ዶ ርኢኹም ክሳብ እግሪ-ኩዕሶ ብሓደ ተፃዊትና። ተዳፊእና፣ ተፃሊእና፣ ዳሓር ሴክሽን ምስተፈላለና ንሴክሽንና ወኪልና ሕቶን መልስን ተወዳዲርና፣ ተበላሊፅና፣ ተቀናኒእና፡ መቅንኢ ተመሃራይ ነይሩ። ግዘ መፂኡ ግዘ ኸይዱ፡ ጎርሚስና ፀጉርና ብፐርም ጠቅሊልና፣ ተራኺብና ተሰሓሒቅና ተጫዊትና።

መሊሱ ግዘ ኸይዱ ሓዱሽ ግዘ ድማ መፂኡ። ዩኒቨርስቲ ድሬዳዋ IT ወይ ድማ Computer Science ይመሃር ከምዝነበረ፡ ተራኺብና ኣብ ዘዕለልናሉ እዋን ነጊሩኒ ምንባሩ እዝክር።

ግዘ ሓያል፡ ይኸይድ ይመፅእ፥ ተስፋይ ተስፋ ሪሙ፥ ካብ ዩኒቨረሲቲ ቀዲሙኒ ተመሪቑ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ ተፀምቢሩ ናብራ ቀፀለ።

ተስፋይ ተስፋ ነይሩዎ። ተማሂሩ ፅዒሩ ክልወጥ፥ ናብራ ተፀጊሞም ዘዕበይዎ ቤተሰቡ ክቅይር። ተስፋይ ኣይሰለጦን!። ፖለቲካ ብርሑቁ ዝፅየፎ ተስፋይ፥ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘርኢ ምጥፋእ ሒዙሉ ደበኽ ኢሉ።

ኣይኮነን ንሓደ ለባም ትግራዋይ፡ ንፍጡር ዘደንግፅ በደልን ወፅዓ ህዝቡን ኣደንጊፅዎ፥ ልቡ ናብ ገድሊ ኣንቂሉ። ተስፋይ፥ ተስፋ ዓዱን ህዝቡን ክኸውን፥ ንብዓት እቲ እቲ ውፅዕ ህዝቡ ንኽምልስ ኮምፒውተሩ ደርብዩ ድሽቓ ተሓንጊጡ። ናይ ኮምፒውተር ማውስ ዝለመዳ ኣፃብዕቲ ተስፋይ ድሽቓ መሊኸን። ናይ ላፕቶፕ ቦርሳ ምስካም ዝለመደ ማእገር ተስፋይ፡ ሻምቦቆን ሳጥን ድሽቓን ክስከማ ተገዲደን።

ዘይርብር ማእገር ተስፋይ- ተስፋ ትግራይ ኣብ ክፍለ ሰራዊት ወርዒ ድሽቓ ተፀምቢሩ ንኣልውሃ ግራት ዓዲ ኣቡኡ፣ ንወርዒ ግራት ዓዲ ንኡን መተማ መቓብር ኣይኡን ተኻሽሑ።

ካብ ደባይ ውግእ ጎቦታት ትግራይ ክሳብ ወፍሪ ኣሉላ፥ ካብ ወፍሪ ኣዶታት ክሳብ ምፍራስ ድፋዕ ጭፍራ ፀላእቲ ሪሙ ቀቢሩ። በዓል ሕልሚ ተስፋይ፡ እቲ ትኩር ግን ትሑት ተስፋይ፥ እቲ እኳ ብስቃይ ህዝቡ ዘየኽእሎ ተስፋይ፡ ተስፋ ዓዱ....

ፅባሕ ምፍራስ ድፋዕ ጭፍራ፥ ኣርሒቑ ኸይዱ!!

ይዝክረካ'የ
ይናፍቐካ ድማ!

  -------ቅድሚ ሐዚ እዛ እትስዕብ ፅሑፍ ለጢፈ ነይረ።ኣብዛ ፅሑፈይ ገሬ ነበለት ከምዝተሰውአ ኣይገለፅኩን።ምኽንያቱ ንቤተሰቡ መርድእ ኣይተነግረን ዝነበረ።"ገሬ ነበለት ዘይፈልጥ ትግራዋይ...
26/01/2024



-------
ቅድሚ ሐዚ እዛ እትስዕብ ፅሑፍ ለጢፈ ነይረ።ኣብዛ ፅሑፈይ ገሬ ነበለት ከምዝተሰውአ ኣይገለፅኩን።ምኽንያቱ ንቤተሰቡ መርድእ ኣይተነግረን ዝነበረ።
"ገሬ ነበለት ዘይፈልጥ ትግራዋይ ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን።
ብፍላይ እታ ኣብ ኲናት ወፍሪ ኣሉላ ነቶም ከም ሽሾ እግረይ አውፅእኒ ዝሃድሙ ዝነበሩ ወታደራት ፒፒ ብድሽቃ እንትጭጉርፎም መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ተኸታቲላቶ እያ።ገሬ ነበለት ካብቶም ኣብ ሓፂር እዋን ጀነራል ክኾኑ ትፅቢት ዝግበረሎም ዝነበረ ጫፍ ብልሒ ጅግንነት ዝዓተሩ መናእሰይ ተጋደልቲ ኣብ ቅድሚት ዝፅራሕ ጅግና ተጋዳላይ'ዩ።
ገሬ ነበለት ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣባል ሪፐብሊካን ጋርድ ዝነበረ ዕሉል ኮማንዶ እዩ። ዳሕራይ ድማ ቅድሚ ኩሉ ናብ ሰራዊት ትግራይ ዝተፀምበረ ሕሩር ትግራዋይ ነይሩ።
ንገሬ ነበለት ጥቅምቲ 10/2014 ዓ/ም ኣብ ጋሸና ነዊሕ ቃለመሕትት ገይርናሉ ኔርና። ጅግንነቱ፣ሕራነኡን ህልኹን መግለፂ ኣልቦ እዩ።"እተን ሰማያ ሰማይ እናዛወና ብፆትናን ዕጥቅናን ዝወቕዓ ዘለዋ ናይ ልቓሕ ድሮናት ፅባሕ ክንማርኸን ኢና!ዓብይ ኣሕመድ ፃፀ ዘላታ መተርኣስ ይተርኣስ!"ዝበለና ካብ ሕልናይ ኣይጠፍእን።ገሬ ነበለት ይዋጋእ፣የዋግእ፣ ብሬን ይትኩስ፣ዲሽቃ ይትኩስ፣ ክላሽ ይትኩስ፣ አረ ክንደይ ኢልካ ጅግንነቱ ገሊፅካ ክውዳእ!
ተጋዳላይ ኣብርሃለይ'ውን ልክዕ ከም ነበለት ኣዝዩ ጅግና እዩ።ሕዳር 2014 ዓ/ም ተጋዳላይ ኣብርሃለይ ኣብ ኩታ በር ቆሲሉ ንሕክምና ምስ መፀ ኣብ ከባቢ 22/ኖርዘርንስታር ሓንከስ እናበለ ረኺበዮ።ቅድሚ ኩሉ "ኣታ ነበለትከ ደሓን ድዩ?"ኢለዮ።ነበለት ቆሲሉ እዩ ግና ኣሎ ብህይወት ምስበለኒ ሓጐሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ነበለትን ኣብረሃለይን ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ኣብ ኣኽሱም ክፍለ ሰራዊት ካብ ሓይሊ ክሳብ ቦጦሎኒ መሪሖም ምስተንክራት ሰሪሖም'ዮም።
ገሬ ነበለት ኣብታ ኣብርሃለይ ዝቖሰለላ ኲናት ኩታበር እዩ ቆሲሉ። ንሕክምና ናብ ትግራይ እንትመፅእ ኣብ ኸባቢ ወልድያ/ጥቁር ውሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝተሰውአ ኣብቲ እዋን ሓበሬታ ነይሩኒ እዩ።

ገሬ ነበለት ናይ ብሓቂ ጅግና ነይሩ!
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ብፆተይ!"

ብHaftom Ze Eyesus Gedam ዝተፀሓፈ

ሃርበኛ ሰውእ ተጋ.ኮነሬል ብርሃነ ተስፋይ/ #ዕንደለ/ ሓፂር ሂወት ታሪኽ!፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤ኮነሬል ብርሃነ ተሰፋይ/ #ዕንደለ/ኣብ 1958 ዓም ካብ ቀሺ ተ...
03/01/2024

ሃርበኛ ሰውእ ተጋ.ኮነሬል ብርሃነ ተስፋይ/ #ዕንደለ/ ሓፂር ሂወት ታሪኽ!
፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤፤
ኮነሬል ብርሃነ ተሰፋይ/ #ዕንደለ/
ኣብ 1958 ዓም ካብ ቀሺ ተስፋይ ገ/ስላሰን ወ/ሮ ኣመተ እንደእኔን ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ እንባስነይቲ ቁሸት ውቅሮ ተወሊዱ።
➸እዋን ቁልዕነቱ ፍርቁ ምስ ወለዱ ፍርቁ ከዓ ኣብ እንዳ ዓባይሓፍቱ እናተቀመጠ ማሕረስን መጓሰን እናሓገዘ ዘሕለፎ ትጉህ፣ምእዙዝን ህርኩትን እዩ።
➸ኣብ ንእስነቱ ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸበን።ብተፈጥሮኡ ግን በሊሕ፣ መስተውዓላይ፣ምእዙዝ ሰብ ክብደል፣ ክዕመፅ ዘይደሊ፣ሓላይ ፣ኣፍቃሪ ሰላምን ፍትሕን እዩ ኔሩ።
➸እዚ ተፈጥሮኣዊ ባህርያቱ ኣገዲድዎ ከዓ መጋቢት 1975 ዓም ብድልየቱ ተጋዲሉ።ኣብ መሬት ዓፋር ''ዕንደሎ"ኣብ ዝብሃል መደብር ታዕሊም ወታሃደራዊን ፖለቲካዊን ትምህርቲ ድሕሪ ምቅሳም ናብ 70ን45 ትብሃል ብርጌድ ተወዚዑ ብተራ ተዋጋኣይ ተመዲቡ።በቲ ዝነበሮ ፍሉይ ትብዓትን ፀብለልታን ድማ ቀልቢ ብፆቱን መራሕቱን ብምስሓብ "ኣበይ ዝሰልጠነ ፅኽድም እዩ" ክብሉ ገለፅዎ።በዚ ድማ ካብ ዕንደሎ ዝተረኸበ መሃንዲስ ውግእ እዩ ብምባል ብርሃነ ተሰፋይ " #ዕንደለ" ተባሂሉ ሳጓ ተዋሂብዎ።
➸ ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋይ(ዕንደለ) ኣብ ብርጌድ 70ን45 ተራ ተዋጋኣይ ኮይኑ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን እታ ብርጌድ ናብ ክ/ሰራዊት ኣውሮራ ተቀይራ።ኣብ ክ/ሰራዊት #ኣውሮራ ክሳብ 1980ዓም ከዓ ኣዛዚ ጋንታ ኮይኑ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን።
➸ዕንደለ ካብ 1980-1983 ኣብ ዝተኻየዱ ከበድቲን መረርትን ውግኣት ተሳቲፋ እዩ።ኣብነት ኣብ ምጉላት፣ማይቅነጣል፣ሰርዶ፣ቆቦ፣ሃይቅ፣ውጫለ፣መራኛ፣ዓልዓሳ፣ኮሮም፣ቀብሪድሃር..... ብሓፈሻ ደቡባዊ ግንባር ሒስካ ክሳብ መእኸል ሃገር ኣብ ዝነበሩ ከበድቲ ውግኣት መራሒ ሓይልን ኣዛዚ ሬጅመንትን ኮይኑ ዝተጋደለ ፣ትብዓቱን ጅግንነቱን ዘመስከረ፣ወፍሪ ገድላዊ ዕማማት ብዓወት ዝፈፀመ ጥበበኛ መሃንዲስ ውግእ እዩ።
➸ሃርበኛ ብርሃነ ዕንደለ፤ኣብ 1984ዓም ካብ ክ/ሰራዊት #ኣውሮራ ናብ ክ/ሰራዊት #ሓውዜን ኣዛዚ ሻለቃ ኮይኑ ተቀይሩ።ኣብ ከባቢ ሶማሊያ፣ኦጋዴን፣ቀብሪድሃርን ኣንፃር ኦነጎን ካልኦት ዝነበሩ ደባይ ተዋጋእቲን ከቢድ ውግእ ኣዋጊኡን ተዋጊኡን።ኣብዚ እዋን ክ/ሰራዊት ሓውዜን ናብ ክ/ሰራዊት 11 ተቀይራ ናይ ሰም ሪፎርም ጌራ።
➸ኣብ 1990ዓም ወራሪ ስርዓት ሻዕቢያ ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ ክ/ሰራዊት 11ካብ ኦጋዴን ሃኒና ኣብ ግንባር ዛላንበሳ ዓረደት።ሃርበኛ ዕንደለ፤ ኣብዚ ግንባር ኣብ ክ/ሰራዊት 11 ኣዛዚ ሻለቃ ኮይኑ መስተንክራዊ ጅግንነት ፈፀመ።ክሳብ 1991ዓም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ባድመ፣ገምሃሎ፣ፆሮና፣ዓይጋ፣ቡሬን ካልኦትን ኣብ ዝነበሩ መረርትን ደማዊን ውግኣት ብልዑል ጅግንነት ተዋጊኡን ዘዋገአን ተማህ ዘይብል ተባዕ ሃርበኛ ተቃላሳይ እዩ፣ዕንደለ።
➸ናይ ዕንደለ፣ጅግንነትን ቀላሳይ ዕማምን ኣብ ዓውዲ ቃልሲ ተኣምር እዩ።ድምፂ ጥይት ሰሚዑ፣ባሩድ ኣሽቲቱ ናብ ውግእ ጠኒኑ እዩ ዝኣቱ። ብዓወት ይዛዝሞ።
➸ኮነሬል ብርሃነ ዕንደለ ኣብ 1992 ዓም ኣብ ልዕሊ ሻዕቢያ ብዘርኣዮ ደምሳሳይ ሰጉምትን ተባዕ መሪሒነትን ኣቢሉ ብዘመዝገቦ ዓርሞሸሽ ዓወት ካብ ክ/ሰራዊት 11፣ናብ ክፍላተ ሰራዊት 19!5!6 ምኽትል ኣዛዚ ብርጌድ ኮይኑ ተመዚዙ ጅግንነቱ ብግብሪ ኣርእዩ ።ክሳብ 2002ዓም ኣብ ክ/ሰራዊት 19፣5፣6 ተመዲቡ ህዝብን ሃገርን ዘሰከሞ ሓላፍነት ብልዑል ተወፋይነትን ቆራፅነትን ኣገልጊሉ ብደመርሃፁ ሰላምን ልምዓትን ዘበርከተ ሃርበኛ ተቃላሳይ እዩ።ቃልሱ ቀፀለ።
➸ሃርበኛ ብርሃነ ዕንደለ፤ ብዘርኣዮ ወታሃደራዊ ብቅዓትን ስብእናን ተመዚኑ ኣብ 2003ዓም ሙሉእ መዓርግ ኮነሬል ጨቢጡ፤ምስቲ ጅግንነቱ እንትልካዕ ይንእሶ እዩ ዝብሉ ብፆቱን መሓዙቱን ኣለው።
➸ኮነሬል ብርሃነ ዕንደለ፤ካብ 2003ዓም ክሳብ 2010ዓም ኣብ ክ/ሰራዊት 24ን21 ምኽትል ኣዛዚ ኮይኑ ብፅንዓትን ትብዓትን ኣገልጊሉ ህዝብን ሃገርን ዝመስከረሉ ዕውት ጅግንነት ፈፂሙ፣ታሪኽ ሰሪሑ።
➸ኮነሬል ብርሃነ ዕንደለ ኣብ መወዳእታ 2010ዓም ን35ዓመታት ዕሽል ዕድሚኡ ኣብ ኩናትን ከርተትን ኣሕሊፋ ብድልየቱ ብጥሮታ ተሰናቢቱ።
➸ኮነሬል ብርሃነ ዕንደለ፣ዝተሳተፈሎም ውግኣት ቆፂርካ ኣይውዱኡን።ምስ ደርጊ፣ኦነግ፣ኣልሸባብ፣ሻዕቢያ ዝነበሩ ዘይዛርዩ መረርትን ከበድትን ውግኣት ተሳቲፋ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።ኣብ ሕድሕድ ውግኣት ድማ ቀለልትን ከበድትን መውጋእቲ ኣጋጢሞሞ እዮም።ን ዕንደለ፣መውጋእቲ ማለት ከም ክታበት ፀረ ሕማም መርፍእ ወይ ዕሾኽ ዃኺቶ እዩ ዝቆፅሮ።ሙሉእ ኣካሉ በሰላ፣ብጣሕ ዝመለኦ እዩ፣ብኡ ልክዕ ስኾጆ ኣብ ስጉኡ ተሰግሲጉ እዩ።
➸ንኮነሬል ብርሃነ ዕንደለ ካብቶም ዝከበዱ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ኣብ ግንባር ዘላንበሳ ኮይኑ፣ምስ ተወገአ ናብ ሆስፒታል ተላኢኹ ተሓኪሙ ውነ ምስ ሰረዐ ሕክምንኡ ተይወደአ ፋሻ ጠቅሊሉ ናብ ኣሃድኡ መሊቁ ዝኸደሉ ኩነታት ኔሩ።ካልእ ኣብ ወፍሪ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ንስኽለኣ ካብ ሞት ዝተረፈ ኮይኑ ኣብ ኣካላቱ ብፍላይ ኣብ እንግድዕዑን ክሳዱን ሕዱር መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ እዩ።ንሱ ግን ብቀሊል እዩ ዝገልፆ።
➸ዕንደለ ውግእ ኣሎ ተባሂሉ ከዐርፍ ዘይደሊ፣ዓቅሉ ዝፀቦ፣ኢድብኢድ ምስ ፀላኢ ዝራፀምን ንፀላኢ ብንዕቀት መንፈስ ዝዕዘብን፣ ልዑል መጥቃዕቲ ዝፍኑን ተዋጋኣይ እዩ።ዕንደለ ኩናት ክፍሉ እዩ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ኣለው።
➸ኮነሬል ዕንደለ ጎናጎኒ ወታሃደራዊ ዕማሙ ኣካዳማያዊ ፍልጠቱ ንመምዕባል ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ኮሌጅ ተማሂሩ እዩ።ንወታሃደራዊ ዓቅሙ ከጎልብቱ ዝኽእሉ ስልጠናታት ኣብ ወታሃደራዊ ኮሌጃት ብምእታው ኣላዕላ ካርታ/GPS/ወታሃደራዊ ጥበብን ኣመራርሓን/military leadership and art of war/ቋንቋ፣ዓለምለኻዊ ወታሃደራዊ ርኽባትን ካልኦት ተዛመድቲ ስልጠናታትን ቀሲሙ እዩ።
➸በቲ ዘኻዕበቶ ፍልጠትን ጥበብን ድማ ኣብ ውድብ ሕብራት መንግስታት ወታሃደራዊ ልእኽ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ተዓዛቢ /special observer/ኮይኑ ኣገልጊሉ ዓለምለኻዊ ሽልማትን ምስጋናን/international recognition and award/ ተቀቢሉ እዩ።
➸ኮነሬል ብርሃነ /ዕንደለ/፣ሺሕ ኳ ኣብ 2010 ጥሮታ እንተወፀ፣ ቃልሲ ዝለመደ እእምሮኡ ኮፍ ከብሎን ከዕርፍን ኣይከኣለን።ናብራ ስድራቤቱ ንምምሕያሽ ካብን ናብን እናተንቀሳቀሰ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ክሳብ መሰከረም 2013 ኣለይ መለይ ክብል ፀነሐ።
➸ኣብ ጥቅምቲ 2013፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ፍኑው ልፍንታዊ ወራራት ንምምካት "ዓደይ ክብረተይ፣ኣብ ዕሸል ዕድመይ ሂወተይ ዘይሰሳዕኹላ ሐጂ እውን ኣለኹላ"ብምባል ናብ መኸተ ተፀንበረ።ኣብ ምዕራብ ግንባር ኣዛዚ ፍሉይ ኮማንዶ ኮይኑ ከዓ ኣንፃር ሺሾ ልፍንታዊያን ሓይሊታት ኣብ ዝተፈላለዩ መረርቲ ግጥማት ብኒሕ እናተፋለመ ዝተለመደ ጅግንነቱን መሪሒነቱን ኣርኣየ።
➸ኮነሬል ብርሃነ /ዕንደለ/ኣብ ውግእ ፀማም ተዋጋኣይን መዋጋኣይን እዩ።ፅናሕ፣ኣዕርፍ ኢልካዮ ዘይሰምዕ፣ናይ ባሩድ ዖዕታ ጨኒዎ ናብ ኩናት ጠጊጉ እዩ ዝኣቱ።
➸ ኮነሬል ብርሃነ /ዕንደለ/ ዝመርሖ ሰራዊት ካብ ምዕራብ ተበጊሱ ናብ ማእኸል ትግራይ ብመምራሕ፣ ፀላኢ ንመቐለ ድሕሪ ምቁፅፃር ናብ ሃገረሰላምን ተንቤንን ንምግስጋስ ኣብ ዝገበሮ ዝተዋደደ ናይ ሰማይን መሬትን መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ዓልዓሳ ዓረደ።
➸ተጋ.ብርሃነ ተሰፋይ/ዕንደለ/ ኣብ ውግእ ዓልዓሳ/"ቤርሙዳ"/ብልዑል ጅግንነትን ትብዓትን ተዋጊኡን ዘዋግአን ምዑት ጽኑዕ ተባዕ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ እንትኾን፤ኣብዚ ውግእ ብ23ሕዳር/2013ዓ.ም ታሪኽ ሰሪሑ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ዓሪፋ።
➸ሰውእ ጀግና ተጋዳላይ ኮነሬል ብርሃነ /ዕንደለ/ህይወት ታሪኹ ብምሉኡ ታሪኽ ኩናት እዩ ካልእ የብሉን፣ንኹናት ተፈጢሩ ብኹናት ዝሓለፈ ጅግና።ካብ 55 ዕድሚኡ 38 ዓመታት ንሃገርን ህዝቡን ዘብዒ ኮይኑ ዘገልገለ ሃርበኛ ተጋዳላይ እዩ።
➸ሰውእ ጂግና ተጋ.ኮነሬል ብርሃነ /ዕንደለ/ ብሃገራውን ሞያውን ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውልቀሰብ ሰብኣዊ ባህርያቱ’ውን ብኣርኣያነት ክጥቀስ ዝኽእል’ዩ። መኽበሪ ሰብ፡ ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብቐሊሉ ክረዳድእ ዝኽእል ኣዝዩ ምቕሉል፡ ለጋስ፡ ፍትሓዊ፡ መዓዲ፣ኣብ ኩሉ ስርሑ ቅኑዕን ግሉጽን፡ ብኹሎም መቓልስቱን ቤተሰቡን ድማ ኣዝዩ ቅቡልን ፍቱውን ዩ ነይሩ።
➸ስዉእ ኮነሬል ብርሃነ ተስፋይ/ዕንደለ/ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ውሉዳትን’ዩ።

ጂግና ኣይነብርን፡ ታሪኹ'ዩ ነባሪ!

ብሰላም ዕረፍ ጂግናና!

ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ!

Brhane Gebreslassie

ሓፂር ሂወት ታርኽ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ)ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) ካብ ወላዲኡ ኣይተ ወልዱ ኣብርሃ ሓጎስን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ኣብረሀት ኣብር...
04/11/2023

ሓፂር ሂወት ታርኽ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ)

ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) ካብ ወላዲኡ ኣይተ ወልዱ ኣብርሃ ሓጎስን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ኣብረሀት ኣብርሃ ገብሩን ብዕለት 19/04/1994 ዓ/ም ኣብ ዞባ - ምብራቕ፣ ወረዳ - ኢሮብ፣ ጣቢያ - ኣራዕ፣ ቁሸት - ካስዋ፣ ፍሉይ ሽሙ ዳዳይት ኣብ ዝበሃል ቦታ ተወልዱ። ንወለዱ መኽበሪን ንኣሕዋቱ ምእዙዝን ዝነበረ ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ዕድመ ትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ምሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጋሌሎ ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብርሃም ንፉዕ፣ ተሸላማይ ተምሃራይ ነይሩ። ይኹን እምበር ትምህርቱ መጀመሪያ ብምኽንያት ሕማም ኮረና፣ ቀፂሉ ከዓ ብምኸንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወለዐ ኩናት ተቋሪፁ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዕን በደልን ማለት 'ውን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘበነ ሃፀያት ጀሚሮም "ህዝቢ ከም ህዝቢ ከጥፍኡ፣ ከበሳበሱን ክገዝኡን" ዝሓስብዎ ዝነበሩ "ሕልሚ ደርሆ" ሒዞም ብግልፂ እናፈፀሙን እናተግበሩን ዝመፁን፤ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዋላ 'ኳ እንተኾነ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሮም ሕልሞም ንምስኻዕ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ደስ ዝብሎ ዩኒቨርስቲ ከይመሃር እናቐተሉን እናጨፍጨፉን፤ ዓበይቲ መራሕቲ መከላከያ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናቐንፀሉን መፂኦም እዮም።
ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ሓሊፎም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ 360 ዲግሪ ክባ ኣእትዮም፤ ምስ መሻርኽቶም ኮይኖም "ንህዝቢ ትግራይ ብኩሉ ገፅ ቀጥቂጦም ከም ብሄር ንምፅናት፣ መሬትና በቲን በቲን ትቐራሚቶም ሉኣላዊ ኣሰፋፍራና ንምጥፋእን ትግራይ ካብ ካርታ ዓለም ንምፍሓቕን" ኣብ ዕፁው ኣደራሽ ተማኽሮም፤ እቲ ኣርሜናዊ ኣተሓሳስባኦም ንምፍፃም ድማ ብዕለት 24/02/2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዕላዊ ወራር ፈፅሞም፤ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንከጥፍኡና ድማ ዝኸኣልዎ ገይሮም እዮም። ኣዴታትና ተደፊረን፣ ኣሕዋትና ተጨፍጭፎም፣ ኣሓትና ተዓሚፀን፣ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ተሓሪዶም፣ ገዳማትና ዓኒዮም፣ ኮታስ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ ኣይነበረን።

ኣብዚ ግዜ እዙይ 'ዩ ነይሩ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ) "ኣነ እዚ ኹሉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒን መከራን ኮፍ እለ እናረኣኹ፤ ህዝበይ ኣይነብዕን፣ ዓደይ ኣይትድፈርን፣ ሓፍተይ ኣይትዕመፅን" ዝብል ፅኑዕ ዕላማ ብዕለት 3/9/2013 ዓ/ም ምስ ስለስተ መሓዙቱ ኾይኑ ምስቲ ዘለዋ ኣፀጋሚ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ተተሓሕዙ ብኣንፃራዊነት ካብ ፀላእቲ ነፃ ካብ ዝነበረት ትውልዲ ዓዱ ካብ ወረዳ ኢሮብ ጣቢያ ኣራዕ ተበግሱ፣ ብጉንዳ ጉንዶ ሰግሩ፣ ብማእኸል ፀላኢ - ብዕዳጋ ሓሙስ ሓሊፉ፣ ኣብ ከባቢ ኣፅቢ ናብ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ በፅሐ፡፡
ብሰዓቱ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና ብብቕዓት ብምውዳእ ኣብ ኣርሚ 4፣ ኮር 3፣ ክፍለሰራዊት ሓኽፈን፣ ሬጀመንት 20 ተመዲቡ፤ተኳሲ ብሬን ብምዃን ናይ መጀመርታ ዓውደ-ውግእ ብሰነ 2013ዓ/ም ኣብ ናይ ወፍሪ ኣሉላ መወዳእታ መዓልታት ኣብ የጭላ ኣብዝነበረ ሓያል ውግእ ጀመረ፡፡ ኣብቲ ውግእ ካብ ፀላኢ በዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ከባቢ ፀጋማይ ብርኪ ኢዱ ንእሽተይ ናይ ቆርበት ምልሓፅ ኣጋጥሙዎ እኳ እንተነበረ ቀሊል ስለዝነበረ ናብ ሕክምና ምኻድ ከየደለዮ ተሎ ደረቐሉ/ሓወየሉ፡፡
ተጋ. ኣብርሃም ጅግና፣ ተባዕን መስተውዓልን ነበረ። በቲ ዝነበሮ ፍሉይ ትብዓትን ፀብለልታን ድማ ቀልቢ ብፆቱን መራሕቱን ብምስሓብ "ኣበይ ዝሰልጠነ ጅግና እዩ" ክብሉ ገለፅዎ። በዚ ድማ ካብ ደቂ ዕጡቅ ሰንበት ካብ ኢሮብ ዝተረኸበ ጅግና" እዩ ብምባል "ወዲ ኢሮብ" ተባሂሉ ሳጓ ተዋሂብዎ።

ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ ካብ ወፍሪ ኣሉላ ብምቕፃል እውን ክሳብ እታ ዝተሰወአላ ሰዓት ኣብ ተግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝተካየዱ ብዙሓት ከበድቲ ውግኣት ዝተሳተፈ እንትኸውን፤ ካብቶም ዝተሳተፈሎም ዓውደ-ውግኣት ዝተወሰኑ ብብፆቱ ከምዝስዕብ ይግለፁ።
ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ኣሃዱኡ ብዕለት 12/11/2013 ዓ/ም ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ቦታ ኣውራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ ፀላእቲ ብምኩሻሕ ዕጥቁን ብሬኑን ሕዙ ፀላእቱ ሕረሕራይ ገበሮም፤ ፀላኢ እውን ብዝግባእ ተወቒዑ ብዝሕ ዝበላ ተሽከርከርትን መሳረሕታትን ሓንቲ (1) ታንክን ዝተማረኻሉ ግዜ እዩ። እቲ ዓወት እውን ብሰራዊት ትግራይ ተዛዘመ።
ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ብፆቱ ኾይኑ ናብ ኣውራ ኣቲዩ ክልተ (2) መዓልቲ ፀንሐ። ካብ ኣውራ ድማ ንኣንፈት ጭፍራ ተጓዓዘ። ምስ ክንደይ ጋዕገልጠምን፣ ፀሓይ፣ ሃሩርን ቁሪን እናተሓዋወሰ ፀላኢ ንምጥፋእ ኣብ ጭፍራ በፅሐ። ካብ ዕለት 19/11/2013 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/11/2013 ዓ/ም ምስ ፀላእቱ ፊት ንፊት ይኳሻሕ ኣብ ዝነበረ ግዜ 'ዩ ንመጀመሪያ ኣብ ኢዱን ቅልፅሙን ( ቦምቢ) ከብድ መግዳእቲ ዘጋጠሞ። ፀኒሑ እውነ ኣብ ማሕጎፋኡን (ብስናይፐር) መጉዳእቲ ተውስኹዎ። ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ቑስሉ ንምሕዋይ ናብ ሕክምና እንትኸይድ፣ ኣሃዱኡ ድማ ካሊእ ግዳጅ ተዋሂባ ናብቲ መጀመሪያ ዝሓለፈቶ ኣውራ ከተማ ተመሊሳ ከባቢ ሓደ ወርሒ ተቐመጠት።

ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ተወግአ ናብ ሆስፒታል ተላኢኹ ተሓኪሙ ውነ ምስ ሰርዐ ኣብ ወርሒ መስከረም ሕክምንኡ እንተይወደአ መሊቁ ናብ ኣሃድኡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ከተማ ማይጨው ብሰራዊት ትግራይ ተታሕዙ ናብ ሕክምናኡ መቐለ ተመልሱ 'ዩ። ኣብ እዱ ዘይወፀ ሓፂን ስለዝነበሮ ከምኡ እውን ብዝጋጠሞ ናይ መትኒ መጉዳእቲ ክልተ ኣፃብዕቱ ድኻም ስለዝነበረን (ብናይ ሕክምና ኣፀዋውዓ፡ Ulnar Nerve Injury) ናይ ሕክምና ቆፀሮ ንመስከረም 27 ተውሃቦ።
ተጋ. ኣብርሃም ግን እቲ ቆፀሮ ክሳብ ዝብፅሕ ሱቕ እለ ኣብ መቐለ ካብ ዝቕመጥ ንወለደይ ሰላም እለዮም ዘይምለስ ብምባል ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ናይ ሓፂር መዓልቲ ፍቓድ ወሲዱ፤ ብዕለት 14/1/2014 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኢሮብ/ጣቢያ ኣራዕ/ ተወልዱ ኣብ ዝዓበየሉ መረባ ብሃንደበት ደበኽ ብምባል፣ ደሃዩ ስኢኖም ኣብ ሻቅሎት ንዝነበሩ ስድራ ፍሉይ ታሕጓስ ፈጠረ። ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን መሓዙቱን ድማ ተራኽበ፣ ድሮ መስቀል ብምንባሩ ድማ ዕለት 16/1/2014 ዓ/ም "በዓል መስቀል" ብፍሉይ ድምቐት ተኸበረ። ከባቢ 4:00 ናይ ለይቲ ምስኮነን ዝተወሰኑ ኣባላት ስድራ ምድቃስ ምስጀመሩን ኣብርሃም ብለይቱ ገሰግሱ ከምዝኸይድ ተዛረበ። ኣባላት ስድራ ናብ ርብሽብሽ ዝበለ ስምዒት ኣተዉ፤ ናብራ ተጋዳላይ ከምኡ ተባህለ። በቃ! ስንብት ኮነ። ንሓንሳብን ንሓዋሩን እዩ እሉ ዝሓሰበ ግን ማንም ኣይነበረን።

ብ 17 መስከረም፣ 2014 ዓ/ም ካብ ኢሮብ (ኣራዕ) ተበግሱ ናይ ሕክምና ቆፀሮኡ ንጎኒ ብምዳፍ ኣብ ኣልውሃ ናብ ዝነበረት ኣሃዱኡ ተፀምበረ። ብዘተገበረ ምትዕርራይ ድማ ኣሃዱኡ ኣርሚ - 44፣ ኮር - 443፣ ክ/ስራዊት - ሓኽፈን፣ ሬጅመንት - 20 ኮነት።
ብዕለት 29/1/2014 ዓ/ም ድማ ምስ ኣሃዱኡ ኮይኑ ካብ ኣልዋሃ ብምብጋስ "ንሓራን ሓሩን" ዝተብሃላ ከተማታት ብምጥሓስ ናብ ከተማ "ጭፍራ" ተፀገዐ። ኣብ ከባቢ ጭፍራ "ሶዶማ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 01/02/2014 ዓ/ም ምስቲ ፀላኢ ዝምካሓሉ ዝነበረን፣ ኣመራርሓ ብልፅግና "ጭፍራን መያዝ ማለት ኣዲስ ኣበባ መግባት ማለት ነው" እናበሉ ጉራ ዝነፍሑሉ ኣብ ዝነበሩ ቦታ ምስ ፀላእቱ ምኩሻሕ ጀመረ፤ ንከባቢ 5 (ሓሙሽተ) መዓልቲ ከቢድ ውግእ ተገብረ። ኣብዚ ግዚ እዚ ተጋ. ኣብርሃም (ወዲ ኢሮብ) ምስ ፀላኢ እናተኳሸሐ ኣብ ጭፍራ ንመባል ካልኣይ ግዜ ኣብ እግሩ መቁሰልቲ ኣጋጠሞ፤ እቲ መቁሰልቱ ንምሕዋይ ድማ ናብ ሕክምና ኣተየ።
ኣብ ሕክምና ተሓክሙ ቁስሉ ኣሕውዩ ግን ዘይወፀ ሓፂን ኣብ ኢዱን ኢግሩን እናሃለዎ ድሕሪ መልሲ ምግባር፣ ብዕለት 26/4/2014 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ኣላማጣ "ሰሌን ውሃ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ሰራዊቱ ተሓወሰ። ኣብ ሰሌን ውሃ 'ውን ምስቲ ነባር ዓቕሚ ፅቡቅ ስራሑ ተራእዩ "ኣዛዚ ጋንታ" ሓላፍነት ተዋህበ። ንከባቢ 7 (ሸውዓተ) ወርሒ ጋንታኡ ሕዙ ኣብ ሓፀርቲ ስልጠናታት፣ ህንፀትን ዕጥቂ ምስጥጣምን ፀንሐ።

ብዕለት 15/12/2014 ዓ/ም ካብ ሰሌን ውሃ ናብ ክልል ዓፋር ከባቢ "ያለው" ዝተብሃለ ቦታ ከቢድ ጉዕዞ እግሪ ተገብረ። ኣብዚ ግዜ ፀላእቲ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ንክወሩን ንክዘርፋን ትልሚ ዘውፅኡሉ ዝነበረ ግዜ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ግን ከይተቐደመ ዝቐደመ እዩ ነይሩ።
ዕለት 18/12/2014 ዓ/ም ፅርግያ መስመር ብምቁራፅ ሬጅመንት 20 ኣባላታን ኣመራርሓኣን ሒዛ፣ እኒ ተጋ. ኣብርሃም ፅርግያ ምሉእ ብምሉእ ቆረፃ ሓዙ፤ ፀላኢ ዝገብሮን ዝሓስቦን ጠፍእዎ ደርበሽበሽ ኣተዎ። ፀላኢ ብዝግባእ ተወቕዑ 2 መኪና እንትቃፀላ፣ 270 ምርኮኛን ብዝሕ ዝበሉ መሳረሕታት ተማረኹ። ኣብዚ ውግእ ጅግና ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ (ወዲ ኢሮብ) ዓቢይ ተራ ዝነበሮን ጋንታኡ ሕዙ ዝተዋገአን ዘዋገአን ጅግና እዩ። እቲ ዓወት ዕለት 20/12/2014 ዓ/ም ብሰራዊት ትግራይ ተዛዘመ።
ድሕሪ እቲ ውግእ ካብቲ ዝተዋገአሉ ቦታ ናብታ ንእሽተይ ከተማ "ያለው" ዕረፍቲ ንምግባር ተንቀሳቐሱ። ድሕሪ 3 መዓልቲ ካብ ያለው ብእግሪ ጉዕዞ ናብ ከባቢ ጨርጨር ተጓዓዙ።
ብዕለት 30/12/2014 ዓ/ም ካብ ጨርጨር ብመኪና ጉዕዞ ናብ ከባቢ መቐለ "ምላዛት" ዝተብሃለ ቦታ ጉዕዞ ተገብረ። ካብ ምላዛት እውን ፀላኢ ንምጥፋእ ብመኪና ጉዕዞ ናብ ሰሜን ምዕራብ። "ዓዲ ሃገራይ" ዝተብሃለ ቦታ ብዕለት 01/13/2014 ዓ/ም ተበፅሐ።

ካብ ዕለት 02/13/2014 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 9/1/2015 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሽራሮ "ማይ ሓርማዝ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምክልኻል እናተገበረ ፀንሐ። ዕለት 10/1/2015 ዓ/ም ኣሃዱኦም ከም ኣሃዱ ናይ ምጥቃዕ ተልእኾ ተቐቢላ፤ ተጋ. ኣብርሃም ወልዱ (ወዲ ኢሮብ) እውን ጋንታኡ ሕዙ መጥቃዕቲ ጀመረ።
ኣብዚ ዕለት (10/1/2015 ዓ/ም) ኣብ ከባቢ ሽራሮ "ማይ ሓርማዝ" ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እናተዋገአን እናዋገአን እናሃለወ ሃንደበት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ከባቢ ደረቱ መውቃዕቲ ኣጋጥምዎ ምእንተ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ ጅግና ተጋዳላይ እዩ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ኣብርሃ (ወዲ ኢሮብ)። ተጋ ኣብርሃም ወልዱ ኣዝዩ ርህሩህ ብፆቱ ዝፎቱን ሓላይን ነይሩ።

ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ኣብርሃም ወልዱ ብብፆቱ ኣንደበት እንትግለፅ ድማ፦
ወዲ ኢሮብ ኣዝዩ ቆራፅ ጅግናን መስተውዓልን ነይሩ፤
ወዲ ኢሮብ ውግእ ኣሎ እነተተባሂሉ ከዕርፍ ዘይደሊ፣ዓቕሉ ዝፀቦ፣ ኢድ ብኢድ ምስ ፀላኢ ዝራፀምን ንፀላኢ ልዑል መጥቃዕቲ ዝፍኑን ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ፤
ወዲ ኢሮብ ኣብ ውግእ ፀማም ተዋጋኣይን መዋጋኣይን እዩ ነይሩ። ፅናሕ፣ኣዕርፍ ኢልካዮ ዘይሰምዕ፣ናይ ባሩድ ዖዕታ ጨኒዎ ናብ ኩናት ጠጊጉ ዝኣቱ እዩ ነይሩ፤ ብምባል ብፆቱ ይምስክሩሉ።

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና!

እታ በዓል ቀያሕ ሰደፍ . . . ኣብ ግንባር ምዕራብ ካብዝነበራ ኣዝየን ተባዓትን ቆራጻትን ዋዕሮታት ተጋደልቲ ሓንቲ እያ። ኣብዚ ግንባር ኣርሚ 11 ክ/ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ሬጅመንት 46 ካብ...
03/11/2023

እታ በዓል ቀያሕ ሰደፍ . . .

ኣብ ግንባር ምዕራብ ካብዝነበራ ኣዝየን ተባዓትን ቆራጻትን ዋዕሮታት ተጋደልቲ ሓንቲ እያ። ኣብዚ ግንባር ኣርሚ 11 ክ/ሰራዊት
ቀይሕ ኮኾብ ሬጅመንት 46 ካብዝነበራ ቀዳሞትን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ተጋደልቲ ዋዕሮታት ድማ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ንፈለማ እዋን ዝረኣኹዋ መፈለምታ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2013 ዓ/ም ካብ ባምባ ሰሓርቲ ብሳምረ ናብ ሕዋነ - ወጀራት ኣብዝነበረ ከቢድ ጉዕዞን ውግእን እዩ። ብፍላይ ከዓ ካብ ወጀራት ጎንካ ➞ ገደል ደዳሕ ➞ ኣግራብ ደዳሕ ➞ ምላዛት ➞ ኣራጉረ ዝነበረ ናይ ቀትርን ለይትን ጉዕዞ መዓረ ደቂ ተባዕትዮ ትብድሆ ነበረት። እታ ቀያሕ ዝሰደፋ ደች ከላሽና ተሓንጊጣ ናብደረታ ወዲራ ክትከይድ ከላ ኒሕን ሓቦኣን ሐዚ 'ውን ዓይነ ሕልናይ ኣይተፈለየን። ተጋዳሊት ህይወት ተሾመ ሽዑ ንእስቲ ፥ ጽብቕትን ቀያሕን ኮይና ጸጉራ ኣብማእገራ ዝበጽሕ ኩሉ ተጋዳላይ 'ታ ኣሃዱ ዓይኑ ዘዕርፈላ ዝነበረት ጸባየ ሰናይን እርንብትን ዋዕሮ ተጋዳሊት ነበረት። ሽርጣ ካብ ክሳዳ ዘይትፈሊ ምስ ምዕሩግን ሙሉእን ዕጥቂ ዝሓዘ ጋሽ ዓጢቓ ክትርእያ ከለኻ ተጋዳላይነት ምስሙሉእ ግርማ ሞገስን ስብእናን ይስወጠካ። ናይ 'ዚ ወለዶ ግርማ ዋዕሮነት 'ውን ትርኢ። ካብ ተራ ተጋዳሊት ክሳብ ናይ ክ/ሰራዊት ዋና ኦፕሬትነት ዝበጸሐት ዋዕሮ ተጋዳሊት ህይወት ኣብ ብዙሓት ዓውደ ውግኣት ተኻፊላ እያ። ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓዲዓውሶ ፥ ሑሞር ፥ ዓውደ ውግኣት ወፍሪ ኣሉላ ፥ ወፍሪ ኣዴታት [ጸለምቲ ፥ ቦያ ፥ ዓደርቃይ ፥ በሪማርያም ፥ ጨውበር ፥ ዛሬማ ፥ ቦዛማርያም ፥ ዳባት ፥ ውቅን ፥ ደባርቕ] ብጅግንነት ዝተዋገአትሎም ዓውደ ውግኣት 'ዮም። ብሓፈሻ ተጋዳሊት ህይወት ተሾመ ካብ ቆላ ተምቤን ክሳብ ሰሜን ሽዋ ፥ ካብ ማይጸብሪ ክሳብ ዳባት/ደባርቕ ብዝገርም መስተንክራዊ ጅግንነት ተዋጊኣን ኣዋጊኣን እያ። ጓል ጅጅቀ ዝኾነት እታ በዓል ቀያሕ ሰደፍ ምልክዕቲ ዋዕሮ ተጋዳሊት ህይወት ተሾመ ንቁሸት-ጣብያታት ፥ ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ ደኺማትለን ፥ ገጻ ብቁሪን ጥምየትን ፋሕሺዋትለን ፥ ርሂጻትለን ፥ ረሃጻን ደማን ኣፍሲሳትለንን ፥ ንበረኻ ሕርሚ ፥ ገረባት ተከዘን ግባን ሓዊሱ ኣእጋራ ብኣዕሿኽን ብዕንቅፋትን ተፈቲነናለን እየን። ኣብመወዳእታ ድማ ኣብ ከባቢ ደባት ፍሉይ ሽሙ ጭና ተክለሃይማኖት ኣብዝተብሃለ ቦታ 29 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ምእንተ ትግራይ ብክብሪ ተሰዊኣ። ካብ ዋዕሮ ተጋዳሊት ህይወት ዘይትፍለዪ ዝነበርኪ ጅግና ብጺታ ተጋዳሊት ጓል ራያ ዓሳዱ እንታይ ኮን ተሰሚዑኪ ይኾን... ? ጅግና ተጋዳሊት እምበይቱ ኸ ሽዑ እንታይ በልኪ ...?

ክብሪን ሞገስን ንጀጋኑ ንስውኣትና ✊

ሓፂር ህይወት  ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወትጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/ህይወት ገ/ስላሴን  ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣማረን ብዕለት 21/04/87...
03/11/2023

ሓፂር ህይወት ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/ህይወት ገ/ስላሴን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣማረን ብዕለት 21/04/87 ዓ/ም ኣብ ወ/ላ/ቆራሮ ከተማ ሰለኽለኻ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ምሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሰለኽለኻ ኣጠናቂቁ። ካብ 9ይ- 10ይ ድማ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሓኽፈን። ካብ 11- 12 ክፍሊ ድማ ኣብ መሰናድኦ ቤት ት/ቲ ሓኽፈን ተማሂሩ ብ2005 ዓ/ም ወዲኡ። ድሕሪ እዙይ ብ2006 ዓ/ም ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ን5 ዓመታት ብስቪል ኢንጅነሪንግ ድሕሪ ምምሃሩ ኣብ 2010 ዓ/ም ብስቪል ፅቡቅ ውፅኢት ብምምዝጋብ ብዝለዓለ መዓርግ ተመሪቁ። ኣብ ዓዱ መፅዩ ድማ በቲ ዝተማህሮ ሞያ ፍቓድ ናይ ውልቐ ስራሕ ብምውፃእ ኣብ ዝወፁ ናይ መንግስቲ ጨረታታት ህንፃ እንዳተሳተፈ ኣብ ወረዳ ዛናን ሰለኽለኻን ተኾናቲሩ እንዳሰርሐ ፀኒሑ እዩ።

ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ርህሩህ፣ ፈታዊ ዓዱን ደቂ ዓዱን ዝነበረ እንትኾን ብፍላይ ኣብ ማሕበር መተዓብይተይ ሰለኽለኻ ምስ መሓዙቱን መተዓብይቱን ብምዃን ዓመት ዓመት ኣብ ዘብዕሉዎ ፍሉይ ፕሮግራም ዋና መስራቲን ተሳታፊን ነይሩ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ 2012 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ መንኣሰይ ኣዕርኽቱን ደቂ ዓዱን ወዲቡን ኣለዓዒሉን ኣብ ከባቢ ሰለኽለኻ፣ ዓዲ ቀደሶ፣ ነፋሲትን ክሳብ ዓዲ ነብርኢድ ዓዲ ክልተ ብምኻድ ኣብ ምብራር ኣንበጣ ልዑል ተሳትፎ ገይሩ እዩ።

ኣብ 2013 ዓ/ም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ፥ ትግራይ ንምውራር ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ተኣኻኺቦም ኣብ ዝወልዑዎ ወራር፤ ዓደይ ትግራይ ኢሉ ዘይምነዎ ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት “ዓደይ ተደፊራ ኣይድቕስን” ብዝብል ወነን ሕራነን ሰኒቑ ንሱ እዉን ኣሰር ናይቶም ጀጋኑ ኣያታቱን በዓል ኣኩኡ ኣለምሰገድ ኣርበጅን ካልኦትን ንዘይምዕባር ብዕለት 23/05/2013 ዓ/ም ናብ በረኻ ወፅዩ ኣብ ከባቢ ዓቃብ ሰዓት ናብ ዝነበረት ናብ ክፍለ ሰራዊት ዕርዲ ትግራይ መካናይዝድ ብፐርሰኔልነት ተመዲቡ። ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ካብ ገዛ በይኑ ኣይኮነን ተጋዲሉ ምስ ምዕባይ ሓው ተጋዳላይ ተክለብርሃን ገ/ህይወት ክልተ ርእሱ እዩ ተጋዲሉ።
ካብ መጋቢት 21-29 /2013 ዓ/ም ኣብ ዓቃብ ሰዓት፣ ጥሻ፣ ፍርፍራ ኣብ ዝነበሩ ውግኣት ተሳቲፉ።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ብዕለት04/08/2013 ዓ/ም ኣብ ዓደቐበቕሊ ብዝተገብረ ኣሃዱታት ናይ ምስፋሕ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኣኼባ ናብ ኣርሚ 1፣ ኮር 103፣ ክፍለ ሰራዊት ስዩም ናይ ክፍለ ሰራዊት ፐርሰኔል ብምዃን ተመዲቡ። ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ግጥሚን ካልኦት መነቃቃሕቲ ፅሑፋትን ብምቕራብ ሰራዊቱ ኣብ ምልዕዓል ልዑል ተራ ይፃወት ነይሩ።
ኣብ ሚያዝያ 08/08/2013 ዓ/ም ኣብ ድምባዛ ኣብ ዝነበረ ውግእ ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ልዑል ተሳትፎ ነይሩዎ። ብዕለት 10/08/2013 ዓ/ም ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ፍሉይ ቦታ ፀድያ ተዋጊኡ። ካብ ዕለት 16/08/2013 ዓ/ም -19/08/2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ተምቤን ፍሉይ ቦታ ጅጅቐ ብዘይ ዕረፍቲ ለይቲን ቀትሪን ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ካብ ሚያዝያ 24-27/2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ የጭላ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ዕሽር ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ንሱን ብፆቱን ኣብ ከባቢ ራያ ዴላ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ፀኒሑ ወታደራዊ ህንፀት ድሕሪ ምውሳዱ ተመሊሱ ናብ ዓዴት ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ዝተዋህበ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ስልጠና ተሳቲፉ።
ካብ 11 -19 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ተምቤን ፍሉይ ቦታ ስለ ተዋጊኡ። ብምቕፃል ካብ 15-19 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ 7 ሕጉም ክሳብ የጭላ ኣብ ዝነበሩ ከበድቲ ውግኣት ብጅግንነትን ቆራፅነትን ተሳቲፉ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ናይ ወፍሪ ኣሉላ ውግእ ብጅግንነትን ኣንፀባራቂ ዓወትን ድሕሪ ምዝዛሙ ንሱን ኣሃዱኡን ናብ ምዕራብ ግንባር ከባቢ ዓዲ ገብሩ ብምንቅስቃስ ዕለት 6/11/2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ተከዘ፣ እምባ ማድረን ፀለምቲን ተዋጊኡ። ድሕሪኡ ዕለት 15/11/2013 ዓ/ም ኣብ ዓዲ ኣርቃይ፣ በሪ ማርያምን ጨው በርን ክሳብ ዳባትን ብምኻድ ኣብ ብዙሓት ዓውደ ውግኣት ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ድሕሪኡ ምስ ኣሃዱኡ ብምዃን ናብ ገርሁ ስርናይ ብምምላስ ብዕለት 10/01/2014 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ ናይ ኣሃዱታት ምስፋሕ መደብ ናብ ኣርሚ 15፣ ኮር 152፣ ናይ ኮር ፐርሰኔል ሓላፊ ኮይኑ።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ጢጣ፣ ደሴ፣ ኮምበልቻ፣ ሃርቡ፣ ከምሴ፣ ሮቢት፣ ካራ ቆሬ፣ ሳላ ድንጋይ፣ ቦር ግቢ፣ መሃል ሜዳ፣ ሞላሌ፣ ስሪንቃ፣ መርሳ፣ ወልድያ፣ ወርጌሳ፣ኣብ ኣብ ዳዉስራ፣ ኣግበ፣ ማይፀብሪ፣ቦያ፣ዛሬማ፣ዉቅን፣ጓልዉቅን ዘውልን ቆቦን ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ብዕለት 5/4/2014 ዓ/ም ኣብ ዞቡል ኣብ ዝነበረ ውግእ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ተወቂዑ።
ጅግና ተጋዳላይ ዮናስ ገ/ህይወት ሰራዊት ትግራይ ናብ ዓዲ ኣምሓራ ገፅ ዝነበረ ጉዕዝኡ ኣቋሪፁ ንትግራይ እንትምለሱ ኣብ ኮረም ብዕለት 11/04/2014 ዓ/ም ንብፆቱ ድሮን ከይውቅዑ ኣይትተኣከቡ ብትን ኢልኩም ኪዱ ኢሉ መምርሒ እንዳሃበ ከሎ ከባቢ ሰዓት 7 ንባዕሉ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቂዑ ንዝወፀሉ ዕላማ ምእንተ ህዝቢ ክብል ንእስነቱ ንዓዱ ገቢሩ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ኣብ እንዳማርያም ኮረም ተቐቢሩ።
ስነ ስርዓት 2ይ ቀብሩ ድማ ሎሚ ዕለት 29 መስከረም 2016 ዓ/ም ቤተሰቡ፣ ናይ ቃልሲ ብፆቱ፣ፈተውቱን መተዓብይቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ደብረ ምህረት እንዳ መድሃኒዓለም ቤተ ክርስትያን ሰለኽለኻ ተፈፂሙ። ንስድርኡን ናይ ቃልሲ ብፆቱን ፅንዓት ንምነ።
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰውኣትና!
ጅግና መዘከሪ ታሪኽ ይገድፍ እምበር ንዘልኣለም ኣይነብርን!

Daniel Gebremedhin

 💊💔ተጋዳላይ ከያኒ ኣሌ እውን ተረዲኡ ። "ኣይነድፍረክን ዓደይ ንሕና ክንሞት እምበሪ" እናበለ ሓሊፉ ጅግና ።  Alem Gidey  እቲ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ካብ...
31/10/2023

💊💔
ተጋዳላይ ከያኒ ኣሌ እውን ተረዲኡ ። "ኣይነድፍረክን ዓደይ ንሕና ክንሞት እምበሪ" እናበለ ሓሊፉ ጅግና ። Alem Gidey እቲ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ካብ ኣጋእዚ ኮማንዶ ራሕሪሑ ናብ ናይ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብምፅምባር ናይ ኮማንዶ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምፅናሕ ፤ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ውግእ ምስ ኣእላፍ ገጢሞም ክባር መስዋእቲ ካብ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ሓደ እዩ ። ኣሌ ኦቶም ምስኡ ዝነበሩ ብፆቱ ጀግንነቱ እንተውግዑኻ ትግረም ።
TeTeddy G Cheguvera

ሓፂር ህይወት ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ኣባይ ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ኣባይ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ኣለም ኣባይ ገ/መድህንን  ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ለምለም ብርሃነ ተ/ሚካኤልን ኣብ ወርሒ...
31/10/2023

ሓፂር ህይወት ታሪኽ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ኣባይ


ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ኣባይ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ኣለም ኣባይ ገ/መድህንን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ለምለም ብርሃነ ተ/ሚካኤልን ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ግሎመኸዳ ጣብያ ክሳድ ማዕተብ ቁሸት ፀፋሕ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1ይ-3ይ ክፍሊ ኣብ ምሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትም/ቲ ክሳድ ማዕተብ ተማሂሩ።ድሕሪኡ ድማ ብፍቃድ ወለዱ ንእንዳቦጎይታንኡ(እንዳባሕጎኡ) ንምሕጋዝ ካብ ክሳድ ማዕተብ ናብ ፃዕድያ 1ይ ብርኪ ቤት ትም/ቲ ብምዝውዋር ክሳብ 8ይ ክፍሊ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣጠናቂቁ። ካብ 9ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ከተማ ብዘት ካልኣይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ተማሂሩ ወዲኡ።ኣብ 2010 ዓ/ም ድማ ብፍሉይ ቴክኒክን ሞያን ኣብ ኣግበ ብሞያ ኤክትሪካል ዝርጋሐ(ኤሌክትሪካል ኢንስታሌሽን) ስልጠናኡ ኣጠናቂቁ እዩ።
ድሕሪ እዚ ተጋዳላይ በሪሁ ህርኩትን ፈታዊ ስራሕን ስለዝነበረ ንዝተወሰኑ ዓመታት ናብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሩ ስድርኡን ዓርሱን ምምራሕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ትዕግስተኛ፣ መኽበሪ ሰብ፣ ተፃዋቲ፣ ሰሓቕን ካብ ገፁ ኩሉሻዕ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ርሩህን ነይሩ።ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፣ 2013 ዓ/ም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝኣወጁዎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ፥ ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም “እምቢ ንመግዛእቲ፣ እምቢ ንባርነት፣ ኣነ እንዳሃለኹ ፀላኢ ህዝበይን ዓደይን ኣየበሳብሳን” ዝብል ወነን ሕራነን ሰኒቑ ብዕለት 29/10/2013 ዓ/ም ናብ ኣጉላዕ መዕለሚ ማእኸል (ፈዳይ ሕነ) ብምእታው ወታደራዊን ፖለቲካዊን ታዕሊም ወሲዱ። ታዕሊሙ ብዝግባእ ምስኣጠናቐቐ ብዕለት 30/11/2013 ዓ/ም ተመሪቑ ናብ ኣርሚ 3 ኮር 3፣ ክፍለ ሰራዊት ስዩም-40 ተፀምቢሩ።
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ 01/12/2013 ዓ/ም ክ/ሰራዊት ስዩም-40 ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ክትምስረት እንተላ ተጋዳላይ በሪሁ ካብቶም ፈለምቲ መስረትቲ ጀጋኑ ተጋደልቲ እዛ ኣሃዱ ሓደ ዝነበረ እንትኸውን ኣብታ ክ/ሰራዊት ናብ ሬጅመንት 04 ተመዲቡ ድሕሪ ምፅናሕ እታ ክ/ሰራዊት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 16/2013 ዓ/ም ናብ ከባቢ ብዘት ኣብ ዝተንቀሳቐሰትሉ ግዜ ኣብ ዝነብረ ናይ ፀጥታ ስራሕቲ ፅቡቓት ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ።
ብድሕሪ እዚ ጳጉሜን ዕለት 01/2013 ዓ/ም እታ ክ/ሰራዊት ካብ ብዘት ተላዒላ ናብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ቦታ ወልድያ ዝተብሃለ ብምኻድ ክሳብ መስከረም 05/2014 ዓ/ም ኣብ ከባብታት ወልድያ ፀኒሑ እዩ። መስከረም 06/2014 ዓ/ም እታ ክ/ሰራዊት ኣይኮነን ንሰብ ንኣህባይ እኳ ንምድያብ ዘፅግም ውድ ገደል እናተባህለ ዝፅዋዕ ፀድፍን ገደልን ዝበዝሖ ጎቦ ሓሊፋ ኣብ ኣምባሰል ተራራ ናብ ድፋዕ እንትትኣቱ ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ብዝነበረ ቁሪ፣ ጥሜትን ፃምእን ከይተሰኮነ ክሳብ መስከረም 14/2014 ዓ/ም ምስ ብፆቱ መቓልስቱን ኣብ ድፋዕ ፀኒሑ እዩ። ብዕለት 14/01/2014 ዓ/ም (ድሕሪ ሰዓት) እቲ ድፋዕ ብካልእ ኣሃዱ ስለዝተተከአ ክፍለ ሰራዊት ስዩም-40 ካብ እምባታት ኣምባሰልን ወፋጮን ናብ ከባብታት መርሳ ቁልቁል ብምውራድ ካብ ዋና መስመር ንኣንፈት ምብራቕ (ፀጋማይ ሽነኽ) እቲ መስመር ብምዃን ምስ ካልኦት ኣሃዱታት እታ ኮር ኣንፈት መቃለሲ መስመር ብምንፃር ጥቅምቲ 01/2014 ዓ/ም ኣብ መላእ ዓውደ ግንባራት ውግእ እንትጅመር ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ምስ ኣሃድኡ ወያናይን ጥንኩርን ወነ ብምውናን ኣብ ከባቢ ጋፍራ ፈላማይ ውግእ ብምጅማር ዓወት ከመዝግቡ ክኢሎም እዮም።
ብሓፈሻ ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚሩ ኣብ ብርክት ዝበለ ዓውደ ውግኣት ክልል ኣምሓራ ማለት እዉን ጎቦታት ጋፍራ፣ ጊራና፣ ቱርክ ካምፕ፣ክሳብ ከባብታት ቢስቲማን ሃይቅን ምክትል መራሒ መስርዕ ፀኒሑ ፅንዓትን ጅግንነትን ተጋዳላይ በሪሁ ተራእዩ ካብ መራሒ መስርዕ ናብ መሪሕነት ጋንታ ዝዓበየ እንትኸውን ኣብ ሃይቅ ንተከታታሊ 5 መዓልትታት ኣብ ዝነበረ ኣዝዩ ፅዕፁዕ ዉግእ ድፋዕ ሃይቅ ኣብ ምፍራስ ዓብይ ተራ ተፃዊቱ። ኣብ ከባቢ ሃይቕ ድማ ጋንታ ኮሚሳር ብምዃን ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።ከምዝፍለጥ ውግኣት ሃይቕ ኣይኮነንዶ ዝወዓለስ ብማዕዶ ዝምልከት እውን ዝምስክሮ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፈተናታት ዝበዝሖ ንፀላኢ ዝቖሽመደን ሕርሕራይ ዘበለን ዓውደ ውግእ እዩ።ጥሜትን ፃምእን፣ዓቀብን ቑልቁልን፣ኣስናኑ ዘፍጠጠ ቑርን ፀሓይን፣ገድልን ድካምን ብሓፈሻ ልዕሊ ቃላት ዝኮነ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነት ብምፅዋር ኣብ ሃይቅ ዓሪዱ ዝነበረ ፀላኢ ተከታታሊ ዝኮነ ድፋዓት ብምስባር ምስ ብፆቱ ብምዃን ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ። ጅግና ታሪክ ሰሪሑ ይሓልፍ እምበር ኣይነብርን ከምዝበሃል ድፋዕ ሃይቅ ብምፍራስ ንከባቢታት ደሴን ኮምቦልቻን ንምቑፅፃር ኣብ ጫፍ ምስበፅሐ(ማለት እውን ምፍራስ ድፋዕ ሃይቕ 18/02/2014 ዓ/ም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ) ጥቕምቲ ዕለት17/02/2014 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ፀላኢ ኣብ ዝገብሮ ሂወት ናይ ምድሓን ፃዕረ ሞት ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም በዛ ዕለት እዚኣ ዓወትን መስዋእትን ከፊሉ ሓሊፉ እዩ።
ሓበሬታ ፦ናይ ተጋዳላይ በሪሁ ኣለምን ካልኦት ብፆትን መረዳእታ ኣብ ግዜኡ ዘይመፀሉ ምክንያት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣሃዱ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ኣብ ዝተገበረሉ ግዜ ካብ ክ/ሰራዊት ስዩም-40 ሬጅመንት 04 ናብ ሳባውያን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝከደትሉ እዋንን መስዋእቱን ተመሳሳሊ ስለዝነብረ ዝተፈጠረ ምዝናፍ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።
ጅግና ተጋዳላይ በሪሁ ኣለም ካብ ምስረታ እዛ ኣሃዱ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ክልል ኣምሓራ ማለት እውን ክሳብ እታ እንኮ ሂወቱ ምእንተ ዓዱን ህዝቡን ዘወፈየላ ዕለት ኣብ ዝገበሮም ዓውደ ውግኣት ፅንዓትን ጅግንነትን፣ ሓቦን ወነን ብዝተመልኦ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
ስነ ስርዓት 2ይ ቀብሩ ድማ ሎሚ ዕለት ጥቅምቲ 18/2016 ዓ/ም ቤተሰቡ፣ ናይ ቃልሲ ብፆቱ፣ ፈተውቱን መተዓብይቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ወረዳ ግሎመኸዳ፣ ጣብያ ክሳድ ማዕተብ ፣ እንዳ ፃድቃን ቤተ ክርስትያን ተፈፂሙ።
ፅንዓት ንስድራበቱ፣ፅንዓት ንመላእ ቤተ ሰቡ፣ፅንዓት ንብፆቱን መቃልስቱን ፈተውቱን ንምነ።

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ጅግና መዘከሪ ታሪኽ ይገድፍ እምበር ንዘልኣለም ኣይነብርን!

ኣርሚ 35
ኮር 352
ክፍለ ሰራዊት ሳባውያን

ፅንዓት ይሃብኻ ህዝበይ ፅንዓት ይሃብኪ ኣዶ ኩናማ 😢😭
31/10/2023

ፅንዓት ይሃብኻ ህዝበይ ፅንዓት ይሃብኪ ኣዶ ኩናማ 😢😭

አብ ከተማ ሽረ ካብ ዝተረድኡ ስውኣት ተጋሩ ተኸተልቲ እስልምና1. ሜ/ጀነራል ኢብራሀሂም ዓ/ጀሊል2. ሱልጣን ሙ/ድ ጠይብ   3. ሪድዋን በርሀ (ወዲ ቅጫ)   4. ሙኒር ኑርሑሴን       ...
25/10/2023

አብ ከተማ ሽረ ካብ ዝተረድኡ ስውኣት ተጋሩ ተኸተልቲ እስልምና

1. ሜ/ጀነራል ኢብራሀሂም ዓ/ጀሊል
2. ሱልጣን ሙ/ድ ጠይብ
3. ሪድዋን በርሀ (ወዲ ቅጫ)
4. ሙኒር ኑርሑሴን
5. ሙ/ድ ዑመር
6. ቢላል ሳሊሕ
7. ወኪል ሙ/ድ ዓሊ
8. ስዒድ ዓ/ቃድር
9. አወል ሙ/ድ ያሲን
10. አወል ሙስጠፋ ኑሩ
11. ኣሚር ኢብራሂም
12.ከድር ወሃበይ ኣብራር
13.ናስር ታጁ(ወዲ ታጁ)
14.ዓ/ቃዲር ፈረጅ
15. ሙስጠፋ ዓ/ራሕማን
16. ዓ/ሰላም ዓብደላ
17. መስዑድ መኮነን ራጃ
18. ኢብራሂም ሂቡ

ኽብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!
ፅንዓት ንስድራ ስውኣትና!!

ሓፂር ሂወት ታሪክ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ  ካብ ባሕሪ ብጭልፋ!!ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ወላዲኣ ኣይተ ተሰማ በየነ ወልዱ...
25/10/2023

ሓፂር ሂወት ታሪክ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ!!
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ወላዲኣ ኣይተ ተሰማ በየነ ወልዱ ካብ ወላዲታ ወ/ሮ ዘውዲቱ ሃ/ማርያም ኣውዓላ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸት ሓይዲሊ ካፍና ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዕለት 01/09/1993 ዓ.ም ተወሊዳ፡፡
ዕድሚኣ ንትምህርቲ ምስ ኣከለ ካብ 1ይ- 7ይ ክፍሊ ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካፍና ፣ 8ይ ክፍሊ ኣብ ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወርዓትለ ፣ ካብ 9ይ-10ይ ኣብ ዓዲግራት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፅንሰታ ለማርያም ብልዑል ውፅኢት ኣጠናቂቃ እያ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ንቤተሰባ ምእዝዝቲ ፣ ምስ መሓዙታ ፣ ኣዕርኩታ ፣ ተዋዛይትን ሰሓቂትን ፣ ተጨዋቲት ፣ ኩራ ዘይትፈልጥ ብምንባራ ብጓል ኢሮብ ዝብል ቅፅል ሳጓ ትፍለጥ ነይራ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ደመኛታት ፀላእቲ ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ተላፊኖም ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሮም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬትን ታሪክ መዝገብ ሕልና ደቂ ሰባትን ከጥፍኡ ሃንደፍደፍ ኣብ ዝብሉሉ ፤ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል-ኢሮብ) ኣነ ብሂወት እናሃለኩ ህዝበይ ኣይብርስን ዓደይ ኣይትውረርን ወጊድ ንጭቆና ብምባል ብልቢ ሓሪና ብዕለት 09/01/2014 ዓ.ም ናብ ማእከል መሰልጠኒ/መዐለሚ ኣፅቢ ወሪዳ ንልዕሊ 1 ወርሒ ዝኣክል ፅቡቅ ወታሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ምስ ወሰደት ብዕለት 22/02/2014 ዓ.ም ናብ ኣርሚ 31 ኮር 1 ክ/ሰራዊት ስሑል ሻለቃ 4 ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ተፀንቢራ ህዝባዊ ቃልሳ ድማ ሀ ኢላ ጀሚራ፡፡
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ንኣስታት 2 ሰሙን ኣብ ጎቦታት ኮምቦልቻ ዓቅሚ ንምዕባይ ኣብ ሞንጎ ፀላኢ ኾይና ሓፀርቲ ስልጠና ወሲዳ እያ። ኣብቲ ዝነበረ ስልጠና ካብ ተራ ኣባል ናብ መራሒ መስርዕ ብምዃን ተመሪፃ። ካብ ኣርሚ 31 ኮር 1 ክ/ሰራዊት ስሑል ናብ ክ/ሰራዊት የውሃንስ ብምካድ መስርዕ ብምሓዝ ንክትዋግእን ንከተዋግእን ተሓሪያ እያ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ዕለት 06/03/2014 ዓ.ም ካብ ከተማ ኮምበልቻ ናብ ከተማ ከሚሴ ኣብ ዝነበረ ሓያል ውግእ መስርዓ ሒዛ ተዋጊኣን ኣዋጊኣን ኢያ። ብዘደንቕ ዓወት ድማ ዛዝማቶ እያ፡፡ ብዕለት 08/03/2014 ዓ.ም ካብ ከሚሴ ናብ ሰንበቴ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኦሮሞ ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ውግእ ምስ ብፆታ ብምዃን ብዝልዓለ ጅግንነት ዝፈፀመት ጅግና ጓል ህዝቢ ነይራ፡፡ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ ብዕለት 09/03/2014 ዓ.ም ንከተማ ሽዋሮቢት ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ፈታኒ ውግእ ብተወፋይነትን ብጅግንነትን ኣዋጊኣን ተዋጊኣን ዓወት ጨቢጣ እያ። ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ከተማ ሸዋሮቢት ፣ ደብረ ሲና ፣ ከባቢ ደብረ ብርሃን እናዋግአትን እናተዋገእትን ፀኒሓ እያ። ኩሎም ውግኣት ድማ ብጅግንነት መሪሓን ተዓውታትሎምን እያ፡፡
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ዕለት 09-19/03/2014 ዓ.ም ካብ ደብረ ብርሃን መስርዓ ብምሓዝ ብኣንፈት ሸዋሮቢት ንሰራዊት ትግራይ ክቆርፅ ብኣንፈት ዓፋር ዝመፀ ፀላኢ ፊት ለፊት ገጢማ ፀላኢ ክፈራርስን ክማረኽን ዝገበረት ጅግና ጓል ህዝቢ እውን ነይራ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ብዕለት 22/03/2014 ዓ.ም ብኣንፈት ዓፋር ከተማ ከሚሴ ፍሉይ ቦታ ሃርቡ ዝተብሃለ ተሃንዲዱ ዝመፀ ሰራዊት ሻዓቢያ ፣ ሰራዊት ኢ/ያ ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ፣ ፋኖ ፣ ምልሻ ኣምሓራ ፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ሙሉእ ሰራዊት ኢ/ያ ንሰራዊት ትግራይ ንምቁራፅ እንትመፅእ ካብ ዕለት 23-26/03/2014 ዓ.ም ዝነበረ ህልክካ ዘወድእ ውግእ ብልዑል ጅግንነትን ተወፋይነትን መሪሓ ብዓወት ዝፈፀመት ጅግና ጓል ህዝቢ ነይራ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ብላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ብዝተውሃባ መምረሒ መሰረት ንሰላም ዘለዎ ቁርቡነት ንምርኣይ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቦታኡ ንክምለስ ብዝተኣዘዘ መሰረት ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ 27/03/2014 ዓ.ም ካብ መራሕቲ ዝተውሃበ መምረሒ ፀምኡኒ ፣ ጠምዩኒ ከይበለት ኣባላታ ብምጥርናፍ ካብ ከተማ ኮምቦልቻ ፣ ደሴ ፣ ከተማ ሃይቅ ፣ ኣብ ዝነበረ ናይ መልሲ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ውጫሌ ንሰራዊት ትግራይ ክቆርፅ ምስ ዝመፀ ፀላኢ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ካብ ዕለት 01-08/04/2014 ዓ.ም ጀሚሩ ህልክካ ዘወድእ ኣዝዩ ሓያል ውግእ ብዝገርም ጥበብ መሪሓ ብዓወት መሰስ ኢላ እያ። ድሕሪ እዚ ዓወት ድማ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ኣባላታ ብምጥርናፍ ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ኮረም ኣትያ ኢያ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ከተማ ሕዋነ ፣ ከተማ ደንጎላት ወይ ዓዲ ዓውሶ ብመራሕታ ዝተውሃባ ስልጠና ብዝግባእ ተኸታቲላ ዛዘመቶ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ብዘርኣየቶ ናይ ስልጠና ብቅዓት ወታሃደራውን ፖለቲካውን ተራእዩ ብመራሕታ ጋንታ ንክትመርሕ ተኣዚዛ ካብ ዓዲ ዓውሶ ናብ ኣደር ሽዋ ስልጠና ቀፂላ እያ። ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ሐዚ ውን ኣባላታ ብምጥርናፍ ናብ ሴንተሮዋ ወይ ሸውዓተ ሕጉም ተጓዓዘት። ቆሪሩኒ ፣ ጠሚዩኒ ፣ ጎቦታት፣ ኣፃድፍ፣ ከይበለት ድማ ብተወፋይነትን ብጅግንነትን ንህዝቢ ትግራይ ብምሉእ ፍቕሪ ኣገልግላ ኢያ፡፡ ካብ ሸውዓተ ሕጉም ናብ ከተማ ሽረ ፍሉይ ቦታ በለስ ወይ ካዓ ቀላቅል ንኣስታት 3 ወርሒ ዝነበራ ብቅዓት ንምውሳክ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ስልጠና ተዋሂቡዋ እዩ። ክሳብ ዕለት 11/12/2014 ዓ/ም ዝተፈላለየ ወታሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠናታት እና ተኸታተለት ድሕሪ ምፅናሕ ፀላኢ 2ይ ዙር ንህዝቢ ትግራይ ክወርርን ከብርስን ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ተላፊኖም ሃንደፍደፍ ኣብ ዝብልሉ እዋን ብዕለት 12/12/2014 ዓ.ም ካብ ከተማ ሽረ ተበጊሳ ኣባላታ ብምሓዝ ናብ ዞባ ደቡብ ከተማ ባላ ብዕለት 16/12/2014 ዓ.ም ኣተወት።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ካብ ዕለት 18-22/12/2014 ዓ.ም ኣብ ፍሉይ ቦታ ዘቡል ዝነበረ ፈታኒን ሓያልን ውግእ ጋንታኣ ብምሓዝ ኣዋጊኣን ተዋጊኣን ብዓወት ዛዝማቶ ኢያ። ካብ ዕለት 23-25/12/2014 ዓ.ም ንኣስታት ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ንምእማኑ ዘፀግም ውግእ ኣብ ከተማ ወርቄ እናዋገእትን እናተዋግአትን ድሕሪ ምፅናሕ ብዕለት 25/12/2014 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 5:30 ረፋድ ካብ ፀላኢ ብዝተተኾሰ ጥይት ተወቂዓ ኣብ መበል 22 ዓመታ እታ መተካእታ ዘይብላ ኢንኮ ሂወታ ምእንቲ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክትብል ክቡር መስዋእቲ ከፊላ እያ።
ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ስነ ስርዓት ቀዳማይ ቀብራ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከተማ ኣላማጣ መዕርፎ ጀጋኑ መለስ ፓርክ ብፆታን መቃልስታን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተፈፂሙ አዩ።
መስዋእቲ እዛ ጅግና ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክትብል ዝከፈለቶ መስዋእቲ ከሐርነና ሓሪና ድማ ንወለዳን ንቤተሰባን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንድግፍ ይግባእ።
ፅንዓት ንወለዳ ፣ ንኣሕዋታ ፣ ንመላእ ቤተሰባን ፣ ፈተውታን መቃልስታን ፅንዓት ንምነ።
እግዚኣብሄር ነብሲ ስውእቲ ጅግና ዋዕሮ ተጋዳሊት ሰላም ተሰማ በየነ (ጓል ኢሮብ) ኣብ ኣፀደ ገነት የንብረልና፡፡
2ይ ቀብሪ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ስታዴም ወልዋሎ ብዕለት 12/02/2016 ዓ/ም መላእ ቤተሰባ ፈተውታን መቃሊስን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተፈፅሙ፡፡

ጅግና ታሪክ ይሰርሕ እንበር ኣይነብርን!!
ዘላኣለማዊ ክብሪ ነቶም ምንም ጉርዲ ዘይለግቦም ጀጋኑ ሰማእታትና!!
ብ Assimba Time's

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቑፅሪ ኣይኮንናን/ We are not just a number posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share


Other Digital creator in Mekelle

Show All