
06/11/2024
ብቕትለት ሓበን የማነ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣትዩ
19 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ገበን ቅትለት ተፈፂምዋ ዝተረኸበት ወገን ሓበሬታ ኣብ ፖሊስ ካብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ጀሚሩ ብዝተኻየደ ውሕሉል ክትትል ተጠርጣሪ እዚ ተግባር ምስ ፈጸመ ካብ ከተማ ኣላማጣ ክሳብ ከተማ ደሴ ተሓጋጋዚ ሽፌር ኰይኑ ከም ዝኸደን ኣብ ከተማ ደሴ ኣትዩ ድሕሪ ሓደ ለይቲ ምሕዳሩ ድማ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ውቃጦ ንምሽፋን ዝጥዕም ክዳውንቲ ዓዲጉ ናብ ዝሓዞ መደቀሲ ክፍሉ ተመሊሱ ምስ ኣተወ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ምኽኣሉን ፖሊስ ከተማ መቐለ ድማ ኣባላቱ ሰዲዱ ፈተናታት በዲሁ ከተማ መቐለ ምእታዉ ፖሊስ ከተማ መቐለ ገሊፁ።ኣብ እዚ ጕዳይ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣማሓራን መሓውራቱን ነበርቲ ከተማ ደሴን ዘርኣይዎ ፍሉይ ምትሕብባር ምስጋና ከም ዝግበኦም ተሓቢሩ።ዝርዝር ሓበሬታታት ንከይዲ ምጽራይን ፍትሒን ከየተዓናቕፉ ንግዚኡ ተዓቂቦም ኣለዉ
ሓበሬታ ካብ
ክፍሊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ