ፊደል ሚድያ

ፊደል ሚድያ ሓበሬታ ፍኖት ብሩህ መፃኢ እዩ፤ ባህጊ ፈለማ ኣብ ሓሳብ ይስራሕ!

ብቕትለት ሓበን የማነ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣትዩ 19 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ገበን ቅትለት ተፈፂምዋ ዝተረኸበት ወገን ሓበሬታ ኣብ ፖሊስ ካብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ...
06/11/2024

ብቕትለት ሓበን የማነ ዝተጠርጠረ ውልቀ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣትዩ

19 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ገበን ቅትለት ተፈፂምዋ ዝተረኸበት ወገን ሓበሬታ ኣብ ፖሊስ ካብ ዝበጽሓሉ ሰዓት ጀሚሩ ብዝተኻየደ ውሕሉል ክትትል ተጠርጣሪ እዚ ተግባር ምስ ፈጸመ ካብ ከተማ ኣላማጣ ክሳብ ከተማ ደሴ ተሓጋጋዚ ሽፌር ኰይኑ ከም ዝኸደን ኣብ ከተማ ደሴ ኣትዩ ድሕሪ ሓደ ለይቲ ምሕዳሩ ድማ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ውቃጦ ንምሽፋን ዝጥዕም ክዳውንቲ ዓዲጉ ናብ ዝሓዞ መደቀሲ ክፍሉ ተመሊሱ ምስ ኣተወ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ምኽኣሉን ፖሊስ ከተማ መቐለ ድማ ኣባላቱ ሰዲዱ ፈተናታት በዲሁ ከተማ መቐለ ምእታዉ ፖሊስ ከተማ መቐለ ገሊፁ።ኣብ እዚ ጕዳይ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣማሓራን መሓውራቱን ነበርቲ ከተማ ደሴን ዘርኣይዎ ፍሉይ ምትሕብባር ምስጋና ከም ዝግበኦም ተሓቢሩ።ዝርዝር ሓበሬታታት ንከይዲ ምጽራይን ፍትሒን ከየተዓናቕፉ ንግዚኡ ተዓቂቦም ኣለዉ

ሓበሬታ ካብ
ክፍሊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ

ሓወልቲ ኣኽሱም ግቡእ ፅገና ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ  ኣክሱም ናብ ተግባር ዘእቱ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ይሳለጥ ኣሎ።ዝርዝር ክነስዕብ ኢና...
05/11/2024

ሓወልቲ ኣኽሱም ግቡእ ፅገና ክግበረሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ናብ ተግባር ዘእቱ ስነ ስርዓት ርኽክብ ሳይት ይሳለጥ ኣሎ።

ዝርዝር ክነስዕብ ኢና።

ፊደል ሚድያ

26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም
ኣኽሱም

18/10/2024

ሎሚ ኣብ ከተማ ዓድዋ ጣብያ ሓየሎም ከባቢ ሃንጋሪ ኣብ ስድራ ብዝተጠረ ጎንፂ ኣሕዋት ተቓቲሎም የሕዝን😭

ናበይ ነምርሕ ኣለና ግን

ክራማት ዓይባ😍
08/08/2024

ክራማት ዓይባ😍

 #ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣወዳድባ ናይ ሓባር መንበሪ ህንፃ ሕብረት ስራሕ ማሕበር 2016
30/07/2024

#ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣወዳድባ ናይ ሓባር መንበሪ ህንፃ ሕብረት ስራሕ ማሕበር 2016

🌿🌾ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ🌾🌿🍃....!!            ****&****ኣጀማምራ በዓል ኣሸንዳ ምስ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተተሓሓዘ እንትኸውን፤ እቲ ሽም ባዕሉ ኣሸንዳ ካብ ዝበሃል ቆፅ...
30/07/2024

🌿🌾ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ🌾🌿🍃....!!
****&****
ኣጀማምራ በዓል ኣሸንዳ ምስ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተተሓሓዘ እንትኸውን፤ እቲ ሽም ባዕሉ ኣሸንዳ ካብ ዝበሃል ቆፅሊ ዝመፀ ምዃኑ ይእመን። እዚ ቆዕሊ ከም ኣመንቲ ክርስትና ቅድስተ ማርያም ኣብ 64 ዕድሜኣ እንትትዓርግ እስራኤላዉያን ደቂ ኣንስትዮ “ደምሃሮ” ዝበሃል ቆፅሊ ኣብ ማዕጠቐአን ኣዚረን ይዝምራን ይውድሳን ስለዝነበራ ኣዋልድ ድማ ነዚ ንምዝካር ተባሂሉ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሳዕሪ ኣሸንዳ ተዓጢቐን የኽብረኦ ሽሙውን ካብቲ ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ መፅዩ።
~ ~ ~ ~ ~
ፌርመንጦስን ኢዲስየስን ዝተብሃሉ ክልተ ኣሕዋት ሜትሮጵየስ ንዝተብሃለ ሓወቦኦም ከፋንዉ ምስመፁ ኣብ መልሶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከቦም ተበላሽያ ጠጠዉ ይብሉ። ደሓር ኣብኡ ዝረኸቡዎም ወተሃደራት ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብሙሉኡም ቀቲሎም ንዐኦም ድማ ናብ ንጉስ ኣኽሱም ብሓሽከርነት ኣረከብዎም። ንጉስ ኣልሜዳ ብሂወት እንዳሃለወ ዋላ’ኳ ነፃ እንተለቐቖም ብድሕሪኡ በዓልቲ እንድኡ ንዓዓን ንንግስንኡ ዝወረሰ ልዑል ኢዛና ክሳብ ዕድመ ንግስንኡ ዝኣክልን ከብቅዕዎ ተላበወቶም እወንታዊ መልሲ ሂቦም ድማ
ፀንሑ::
~ ~ ~ ~ ~
ኣብ’ዚ እዋን እዚ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ገጠሞም። ደሓር ኢዛና ምስ ነገሰ ፌርማጦስ ምስ ሓዉ ንዓዱ ክምለስ ንንጉስ ኢዛና ኣፍቀዶ ኢዛና ዉን ናሓዘነ ኣፋነዎም።ብድሕሪ እዚ ፌርማንጦስ ኣሌክሳንደርያ ምስበፅሑ ናብ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣባ ኣጣንስየስ ብምኻድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፃንሒቶምን ዕድል ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣብ ኢትዮጵያን ብምንጋር ጳጳስ ክምድቡ ኣማኸርዎም። ኣባ ኣጣንስየስ ድማ ንንጉስ ሮማ ቆስጠንጥንያ ብደበዳበ ገለፁሉ።ብመሰረት እዚ ኣቡነ ፌርማጦስ ፋልማይ ጳጳስ ኮይኖም ብ 328 ዓ/ም ንኣኽሱም መፁ።
~ ~ ~ ~ ~
ኣብዚ እዋን እዚ እዩ እምበኣር ኣሸንዳ ንኣኽሱም ዝኣተወ ኣብቲ እዋን መቐመጢ ንጉስ ኢዛናን ኣቡነ ፌርማጦስን ኣኽሱም እዩ ነይሩ። ኣሸንዳ ድማ ከም ሓደ ባእታ እምነት ኦርቶዶከእ ክርስትና ኣዋልድ ትግራይ ኣብ መዓንጠአን ንደምሃሮ ዝዉክል ቆፅሊ ኣሸንዳ ኣሲረን ከኽበረኦ ጀመራ።ደሓር ድማ ናብ ካብ ኣኽሱም ንደቡብ ክሳብ ላሊበላ ንሰሜን ድማ ክሳብ ኣስመራ ተስፋሕፈሐ።
~ ~ ~ ~ ~
ኣሸንዳ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ዝፅወዓሉ ስም ኣብ ከባቢ ኣኽሱም “ዓይኒዋሪ” ኣብ ከባቢ ዓድግራት ድማ “ማርያ” እናተብሃለ ይፅዋዕ።ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ትግራይ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት፤ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ድማ ንተኸታተልቲ ሸዉዓተ መዓልታት እናኽበረኦ መፂአን። ኣሸንዳ ኢትዮጵያዊ ትዉፊት እዩ። ከም መጠን ትዉፊት ድማ በዓል ዶርሰን (1992) ዊልያም ባስኮም (1965) ን ካልኦት ትዉፊታዉያንን ዝፀርሑዎም ፦ሃገረሰባዊ ልምዲ ፣ቁሳዊ ባህሊ ፦ሃገረሰባዊ ሳዕስዒትን ፣ቃላዊ ግጥምታትን ይንፀባረቑሉ።
🌾🌾ሰናይ ቅንያት በዓል ኣሸንዳ 🌾🌾
°°°°°°°°°°
ፍልፍል፦በዓል ደናግል ብትካቦ ገብረስላሰ (ዶ/ር)

ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዓድግራት እንኳዕ ደስ በለኩም!
04/07/2024

ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዓድግራት እንኳዕ ደስ በለኩም!

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ብፕሮግራም ምጥንኻር ስርዓተ ምግቢ 17 ሚልዮን ብር ብምምዳብ ይሳለጡ ከምዘለዉ ዘፈር ቁጠባ ገጠር ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ገሊፁ።
02/07/2024

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ብፕሮግራም ምጥንኻር ስርዓተ ምግቢ 17 ሚልዮን ብር ብምምዳብ ይሳለጡ ከምዘለዉ ዘፈር ቁጠባ ገጠር ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ገሊፁ።

ካብ ካልኦት ከባቢታት ፍሉይ ፀልማት ዘለዎ ሰፈር ኮይኑ። ኣብ ከተማ መቐለ መንደር ሚዘር (70 ካሬ) ንሳልሳይ መዓልቲ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ የለን። ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ...
02/07/2024

ካብ ካልኦት ከባቢታት ፍሉይ ፀልማት ዘለዎ ሰፈር ኮይኑ። ኣብ ከተማ መቐለ መንደር ሚዘር (70 ካሬ) ንሳልሳይ መዓልቲ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ የለን።

ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ መከፋፈሊ ጣብያ መቐለ ዝርከብ 33 ኪሎ ቮልት ፓወር ትራንስፎርመር ብዘጋጠመ ቴክኒካዊ ፀገም ምዃኑ ነቲ ጣብያ ፀሪሑ ሓቢሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሃገረሰላምን ወረዳታት ሕንጣሎን ወጀራትን እዉን ተቛሪፁ ኣሎ።

ክሳብ ሐዚ እቲ ፀገም ኣብ ምምርማር ከምዝርከቡን እቲ ፀገም ናይ "ትራንስፎርመር ዋይንዲንግ" እንተኾይኑ ግና ንምቕያር ግዘ ከምዝወስድን ሓቢሩ ኣሎ።

ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከቢድ እዩ። ዲስትሪክት መቐለ ነዚ ድፍኢት ክትገብሩ ይግባእ።

በርሀ ኣረጋይ (ጋዜጠኛ) ዝፀሓፎ

ጉዕዞ ካብ እንዳ'ባጉና ናብ ፀለምቲ ~> ማይ ፀብሪ ተጀሚሩ ኣሎ። 4 ቀበሌታት ፀለምቲ ናብ ንቡር ምሕደራ ትግራይ ክኣትዋ እየን። ተመዛበልቲ'ውን ዝምለስሉ መዓልቲ እዩ::ብሰላም እተዉ!
29/06/2024

ጉዕዞ ካብ እንዳ'ባጉና ናብ ፀለምቲ ~> ማይ ፀብሪ ተጀሚሩ ኣሎ።

4 ቀበሌታት ፀለምቲ ናብ ንቡር ምሕደራ ትግራይ ክኣትዋ እየን። ተመዛበልቲ'ውን ዝምለስሉ መዓልቲ እዩ::

ብሰላም እተዉ!

ምዕባለ ጉዳይ ፀለምቲ ...ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣለው።ክሳብ 4:00 ሎሚ ብደንቢ ከፃርዩን ከፃፉፉን እዮም ተባሂሉ።ብድሕሪኡ ናብ ኣንፈት ማይ ኣንበሳን ዲማን ክጓዓዙ እዮም ፤...
29/06/2024

ምዕባለ ጉዳይ ፀለምቲ ...

ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣለው።

ክሳብ 4:00 ሎሚ ብደንቢ ከፃርዩን ከፃፉፉን እዮም ተባሂሉ።

ብድሕሪኡ ናብ ኣንፈት ማይ ኣንበሳን ዲማን ክጓዓዙ እዮም ፤ዘሎ ኩነታት ብደንቢ ከፃርዩን ከፃፉፉን ማለት እዩ።

ብድሕሪኡ ኩሉ ምስተፃፈፈ ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ክኣቱ እዩ።

ዛጊድ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዝነበሩ ሰላም ኣክባሪ ኢሎም ዝፅውዕዎም ዕጡቃት ጠቅሊሎም ወፂኦም ።

ኣብቲ ቦታ ውስናት ሓሻክር ጥራሕ ሐዚ እውን የጉርዑ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ምእታው ተመዛበልቲ ዝምልከት ድማ፦
ብወገን ዲማን ፍየል ውሃን ፤ምጫራን ማይ ግመረን ኢሉ እውን ጫጨረን ጨርን ሎሚ ቀዳም ክኣትው ዝብል ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ ግን አዐርዩ ከፀሪ ውሕስ ክከውን ሰለዘለዎ ሎሚ ድሕሪ ስዓት ወይ ፅባሕ ሰንበት ክኣትው ትፅቢት ይግበር።

ብመዳይ፦ ተከዘ-እምባ ማድረ-ማይ ዓይኒ-ማይኣንበሳ፣ሰቆጣ ስላሴን ሰቆጣ ማሪያምን ፣ቀልበዲን ማይ ለሚን ከምኡ እውን ናብ ከተማ መይፀብሪ ድማ ፅባሕ ሰንበት ተባሂሉ ኣሎ።

ግን እቲ ኩነታት አዐርዩ ክፀሪ ሰለዘለዎ ፅባሕ ክኣትው ይክእሉ ድሕሪ ፅባሕ እውን ክከውን ይክእል።

ብሓፈሻ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምሕደራ እናፈረሰ እዩ ዘሎ፤ይጥቀምሉ ዝነበሩ ኣብያተ ዕዮ ተዓፅዩ እዪ፣ፖላውስ ወፂኦም እዮም፤መከላከያ ብዙሕ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብትሕቲ ፀላእቲ ዘሎ ህዝቢ ቤተሰቡ ክቅበል ብሃንቀውታ ተዳልዪ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ እንዳባጉና ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተወከሉ ኣካላት (ብወገን ካብ ኣምሓራ ተወኪሎም ዝመፁን ካብ ተመዛበልቲን ) ብኣካል ኣብ እንዳባጉና ተራኪቦም ዘተ ምክያዶም ይዝከር።

ዓይኒ ንዓይኒ ተጠማሚቶም ኣስታት 30 ደቃይቅ ኣብ ኣዳራሽ ተራኪቦም በቃ ኩናት ይኣክል ብዘተ እዩ ፅቡቅ ተባሃሂሎም ተረዳዲኦም ተፈላልዮም እዮም።

ሐዚ ንተመዛበልትና ዝወስዳ(ዘጓዓዕዛ ተሽከርከርቲ) ኣብ እንዳባጉናን ሽረን ተዳልየን ኣለዋ።

እቲ ተመዛባሊ ድማ ናብታ ገዝኡ ክሳብ ዝኣቱን ኣትዩ ንውስን መዓልታት ዘፅንሖን ዝብላዕ ነገር ይዳለወሉ ኣሎ። እዚ ፅቡቅ ነገረ ኮይኑ ሐዚ ኩላትና በቢዝክኣለናዮ ንሓግዞም እግሪ ክሳብ ዝተክሉን ዝረጋግዑን ።

ብሓፈሻ እቲ ዝግበር ዘሎ ኩሉ ምንቅስቃስ በዘተን በሰላምን እዩ ዝውገን ዘሎ።

ብወገን ክልል ኣምሓራ እውን ተቀባልነት ረኪቡ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኳሕ ዝብል ነገር የለን።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ እዩ ዝውገን ዘሎ።

ብዘተ ብሰላም ዝመስልዎ ነገር የለን።

ሰላምና ነበርትዕ
ሓድነትና ነጠናክር

ምዕራብ ትግራይ እውን ከምኣ ክትቅፅል እያ

ምዕባለታት ነስዕብ ኢና

22 ሰነ2016ዓ/ም
Welemheret gezae

ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ንተሓገዝቲ ብቕርሺ ክወሃብ ጀሚሩ።ሓገዝ ብእኽሊ ንምዕዳል ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ብጨረታ ዝሰዓረ ነጋዳይ ዝተበላሸወ እኽሊ ምቕራቡ ስዒቡ ናይቲ እኽሊ ዋጋ ብቐርሺ ክ...
28/06/2024

ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ንተሓገዝቲ ብቕርሺ ክወሃብ ጀሚሩ።

ሓገዝ ብእኽሊ ንምዕዳል ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ብጨረታ ዝሰዓረ ነጋዳይ ዝተበላሸወ እኽሊ ምቕራቡ ስዒቡ ናይቲ እኽሊ ዋጋ ብቐርሺ ክንህብ ምውሳና ዝፍለጥ እዩ። ብዙይ መሰረት ዝርዝር ፐይሮል ሰሪሖም ንኽሰዱ ንኹሎም ዝምልከቶም ናይ ሓገዝ ኮሚቴታትን ምምሕዳር ወረዳታትን ተሓቢርሎም እዩ።

ካብዚኦም ከተማ ውቕሮን ተመዛበልቲ ማእኸል እንዳባጉናን ኣማሊኦም ብምልኣኾም ኣብ ክልቲአን ከተማታት ሎሚ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ። ምስ ባንክታት ወጋግንን ኣንበሳን ብዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት ተኸፈልቲ ሒሳብ ቁፅሪ ብምኽፋት ጊዜ ከይወስድን ምንግልታዕ ንምቕናስን ሒሳብ ምኽፋት እንከየድለዮም ካሽ ኢድ ብኢድ ናኸፈሉ ይርከቡ።

ኣብ እንዳባጉና ንተመዛበልቲ ፀለምቲ እንዳተውሃበ እንተኾን ንተመዛበልቲ ምዕራብን ነበርቲ ከተማን ዝቕፅል እንትኾን ኣብ ከተማ ውቕሮ ንነበርቲ ከተማ እዩ እንዳተውሃበ ዝርከብ። ንሓደ እስትንፋስ 580 ቕርሺ እንዳተዓደለ እዩ። ኣብ ውቕሮ ን 8,000 እስትንፋስ ኣብ እንዳባጉና ንተመዛበልቲ ን5,326 እስትንፋስ እንዳተዓደለ ይርከብ::

ካልኦት ወረዳታት እውን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ፐይሮል ንኽሰዱ እቲ ኮሚቴ ሓቢሩ ኣሎ።

ፊደል ሚድያ

Address

Romanat
Mekelle

Telephone

+251914109836

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ፊደል ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Share

Category