ትንፋስ በረኻታት ዓፋርን ፤ ኣቓልቦ ዘይተውሃቦም መስሕባት ገረብ ሌታ፤ዴስአ፤ትግራይ !
==================================================
ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፤ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፤ ወረዳ አፅቢ ወንበርታ፤ ኣግራባት ደስኣ ሓቂፌዎም ዘለው መስሕባት ተፈጥሮኣዊ ቱሪዝም (nature-based' tourism) ዛጊድ ትካላዊ መስርሕ ብዘለዎ መንገዲ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣይረኣን፡፡ ብዛዕባ ሓደ ኣዝዩ መንፈስ ዘሐድስ ኣብ ክፋል ገረብ ደስኣ ዝርከብ መስሕብ ተፈጥሮ ዘለኒ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርበልኩም ይፈቱ፡፡ ንገረብ ደስኣ ካብዘዋስንወን 9 ጣብያታት ሓደ ዝኾነ ብጣብያ ሩባ ፈልግ ዘዋስን መስሕብ ገረብ ሌታ ኣብ ገማግም እቲ ደኒ ዝርከብ ሓጓፍ ሽንጥሮ እዩ፡፡ እዚ ከባቢ ምዕሩግን ብሓምለዋይ ሽፋኑ ኣዝዩ ዘስደምም ከባቢታት ደስኣ ደይብካ ዝርከብ መስሕብ (attraction site) እዩ፡፡ እዚ ከባቢ ፍልፍል እቶትን ናብራ አዋሰንቲ ማሕበረሰብ በዝተፈላለየ መዳይ ክድግፈሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ኣዝዩ ልዑል እዩ፡፡ ንኣብነት አካላዊ ዓቅሚ ዘይብሎም በፃሕቲ ዓዲ በፈረስ ንኽድይቡ ብማሕባር ምውዳብ፤ ዝተፈላለዩ ናይቲ ከባቢ ባህሊ ክገልፁ ዝኽእሉ መጋየፃታትን አልባሳትን ክሽየጡ ጥጡሕ ባይታ ምምችቻውን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕቲ ምፍጣር፡፡ ናብራ ሕብረተሰብ አዋሰንቲ ደኒታት ምድንፋዕ ኣብ ዘላቂ ዕቀባ ( sustainable conservation) ኣዝዩ ዝለዓለ እጀም የበርክት እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ መልክዑ እዚ ከባቢ ንበረኻታት ዓፋር አዋሲኑ ዝርከብ እንትኸውን ናይቲ ከባቢ ዋዒ ሂወት ንክስርዕ ዝገብርን ኣቓልቦ ዘይተውሃቦ ቦታ እዩ፡፡ ሰለዚ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ተፈጥሮ እትነጥፉ ምሁራንን ሰብ ዋኒን ቤት ፅሕፈታት ትኹረት ገይርኩም ኣብ ዝርዝር መስሕባት ደስኣ ኣትዩ በፃሕቲ ዓዲ ክሪእዎ ይግባእ፡፡ ብተወሳኺ ዝርዝር ተፈጥሮኣዊ መስሕባት እቲ ገረብ ብካርታ (Tourist attraction map) ንበፃሕቲ ዕላዊ ክግበር ይላቦ፡፡
ፎቶ ፡- ጌታቸው
ህዝቢ ትግራይ ጣቂዒት አይተብዝሕ መዓት ሕቶ አለካ አይትዘናጋዕ
ህዝቢ ትግራይ ጣቂዒት አይተብዝሕ መዓት ሕቶ አለካ አይትዘናጋዕ
1 . አብ ሻሸመኒየ ተአሲሮም ዘለዉ ወገናትካ ንክፍትሑ ሕተት ካብ ተጣቅዕ
2 ነቲ ጋዕዝዩ ዘሎ አሰራርሓ ፍታሕ ንክትረክብ ሕተት
( አብ መቐለ ቤተሰብ ቡና እላሸጣ ዝጥዉራ ዝዕንግላን ዝነበራ አሓትካ አብ ደገ አይትሽጣ እላተብሃላ ገዛ መክፈሊ ሲኢነን ነብሰን ንኽሸጣ አብ ዝተቀባበላሉ እዋን ጣቂዒት እንታይ አምፀኦ ሕቶ አለካ አይትዘናጋዕ
3 አሓትካ ዲግሪ ተመሪቆም ስራሕ ዝሰአኑ አለዉ ስራሕ ዕድል ንክመቻቸየሎም ሕተት ካብ ተጣቅዕ
ርሑስ በዓል መስቀል ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና