Ethiopian Press Agency/Tigrigna

Ethiopian Press Agency/Tigrigna Ethiopian Press Agency is a public media enterprise operating in Ethiopia. The agency has yet another by-monthly magazine, known as “Zemen” in Amharic.

Ethiopian Press Agency, established in 1940, is a public media enterprise operating in Ethiopia. It is the sole publisher of the only daily Amharic language newspaper known as “Addis Zemen.” The enterprise also publishes “The Ethiopian Herald”, a daily newspaper except on Mondays in English language. Among its tabloids are the weeklies: “Berissa”- in the local Affan Oromo; and “Al-Alem”- in the international Arabic languages.

ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ******(ኢ ፕ ድ)ኩናት ኣይጀመር እምበር ሓደ ግዜ እንድሕር ተጀሚሩ ዘስዕቦ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ:: ብዙሕ በሰላ ዝፈጥረልኻ ወይ ዝገድፈ...
03/02/2025

ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ
******
(ኢ ፕ ድ)

ኩናት ኣይጀመር እምበር ሓደ ግዜ እንድሕር ተጀሚሩ ዘስዕቦ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ:: ብዙሕ በሰላ ዝፈጥረልኻ ወይ ዝገድፈልካ ‘ዩ::

እዚ ከይመፅእ ድማ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ኣፈላላይንን እንተጋጥም ብፖለቲካዊ ዘተን ምይይጥን ኣብ ጠረጴዛ ክፍታሕ ኣለዎ እምበር ናብ ጎንፂ ምኻድ መዘዙ ብዙሕ ‘ዩ:: ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ኣፈላላይን ዘሎም ዝፀንሐን ‘ዩ። ኾይኑ ግና ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብጎንፂ እንተይኮነስ ብፖለቲካዊ ዘተን ምይይጥን ጥራሕ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ::

ኣብ ሃገርና ፖለቲካ ዘይምርድዳእ ብዘተ ብዘይምፍተሖም ምኽንያት ብዙሕ ክሳራታት ኣጋጢሙ ‘ዩ:: ኣብ ቀረባ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ኹናት ዝበፅሐ ጉድኣት ቀሊል ዝባሃል ከምዘይኾነ ናይ ኹላትና ናይ ቀረባ ተዘክሮና ‘ዩ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ቀሊል ዘይባሃል ዕንወት በፂሑ ‘ዩ :: ኮይኑ ግና እዚ ድሕሪ ብዙሕ ኪሳራታት በሰላን ብፖለቲካዊ ስምምዕነት ምኽንያት መዕለቢ..................

https://press.et/wegahta/?p=11714

ነዊሕ ኣብ ዘይበሃል ግዜ ውሽጢ ጥንኩርን ተወዳዳራይን ኢኮኖሚ ዝሃነፀት ሃገር ንምፍጣር  ክንሰርሕ ኢና- ፓርቲ ብልፅግና********(ኢ ፕ ድ) ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ መዘከርታ ...
03/02/2025

ነዊሕ ኣብ ዘይበሃል ግዜ ውሽጢ ጥንኩርን ተወዳዳራይን ኢኮኖሚ ዝሃነፀት ሃገር ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና
- ፓርቲ ብልፅግና
********
(ኢ ፕ ድ)

ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ሃገራዊ ኣጀዳታት እናመኸረ ዝፀንሐ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና በዓል 8 ነጥቢ መግለፂ ቕዋም ብምውፃእ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ኣብ መግለፂኡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ሞተር ለውጢ ብምዃን ሕልሚ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብሩ ብቑዓት ኣመራርሓታትን ኣባላትን ብምፍራይ ብልዑል ውፅኢት ዝግለፅ ጥንኩር ፓርቲ ንምህናፅ ጠንኪርና ክንተግህ ኢና ኢሉ።

ነቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ትካላት በቢዘፈሩን በቢብርኩን ብምቕፃል ከምኡ 'ውን ናፃ ገለልተኛ ብቕዓት ዘለዎም ትካላት ብምብዛሕ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት ስራሕና ኣብ ጥንኩር ሰረት ደው ንምባል ብትሪ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ሕልምና ቑጠባዊ ሉኣላዊነት ጋህዲ ብምግባር ብልፅግና ሃገርና ምርግጋፅ 'ዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፤ ነዊሕ ኣብ ዘይበሃል ግዜ ውሽጢ ጥንኩርን ተወዳዳራይን ኢኮኖሚ ዝሃነፀት ሃገር ንምፍጣር ክንተግህ ኢና ክብል ገሊፁ።

ኢኮኖሚና ነባር ዓቕምታት ዘጠናኽር፣ ናብ ሓደሽቲ ዘፈራት ዘሰጋግርን ናብ ኢኮኖሚ ምህዞ መፃኢ ዘመን ዘፈናጥርን ንክኸውን ብውፅኢታውነት ንምቅላስ ወሲንና ኢሉ እቲ ጉባኤ።

ዘላቒ ስርዓት ልምዓት ፋይናንስ ብምፍጣር ንሃገርና ካብ ፀቕጢ ልቓሕ ዘላቕቅ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ኣንፈታት ኣቐሚጥና ዝበለ መግለፂ እቲ ጉባኤ፤ ኣታዊ ናይ ምትእኽካብ ዓቕምና ብምምዕባል ዝዓቢ ድልየት ህዝብና ንምምላስ ብቖራፅነት ክንሰርሕ ኢና ክብል ኣረጋጊፁ።

26 ጥሪ 2017 ዓ.ም

መግለፂ ቅዋም ካልኣይ ስሩዕ  ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና‼️“ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል...
03/02/2025

መግለፂ ቅዋም ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና‼️

“ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዘውፅኦ መግለፂ ቅዋም ሸሞንተ ነጥብታት፡-

👉ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ናይ ኣመራርሓን ኣበናላትን ብቕዓትን ፅርየትን ብስልጠናን ተኸታታሊ ዘተታትን ክብ ብምባል ብኣተሓሳስባን ተግባርን ብልፅግና ዝኾኑ፣ ዝተውሃቦም ልኡኽ ብውፅኢት እናፈፀሙ ህይወት ህዝቢ ዝልውጡ፣ ኣብ ከባቢ ስራሕን መንበሪን ጠንካራ መግለፂ ዲሲፕሊንን እወንታዊ ስነ ምግባርን ዝኾኑ፣ ሕልሚ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገብሩ ኣመራርሓን ኣባልትን ብምፍራይ፣ ብምብቃዕን ናይቲ ለውጢ ሞተር ንክኾኑ ብምግባርን ብዝለዓለ ውፅኢት ዝገልፅ ጠንካራ ፓርቲ ንምህናፅ ክንሰርሕ ኢና።

ጠንካራ ፓርቲ ንምህናፅ ኣባላትን ንምፅራይ ዘኽእል ውፅኢታዊ ናይ ምዘናን ግምገማን ስርዓት ንክዝርጋሕ፣ ብስእነት ስነ ምግባርን ሞራልን ተሓተቲ ዝኾኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ናይ ምእራም ተግባር ንክፍፀም፣ ሓደሽቲ ኣባላት ናይ ምምልማል ስራሕ ብፅርየትን ብቕዓትን ንክፍፀም ከምእንገብር ነረጋግፅ።

ጠንካራ ፓርቲ ንምህናፅ ንክከኣል ነዚ ዘበን ምልማድ ዘኽእል ናይ ሓሳብን ታሪክን ውህደት ብምፍጣር፣ መዋቅራዊ ውህደት ብምርግጋፅ፣ ስኽነት ፖለቲካ ዕላዊ ብምግባርን ናይ ውፅኢት ዘላቕነት ብቁርፀኝነት ንምፍፃም ዳግም ቃል ንኣቱ።

👉ዕውቱነት ህንፀት ትካላት ንዕዉትነት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ልቢ ይኣምን። ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ ዝተጀመረ ሪፎርም ትካላት በቢዓውዱን ብርኩን ኣጠናኺርና ብምቕፃል ነፃ፣ ገለልተኛን፣ ብቕዓት ዘለወንን ትካላት በምብዛሕ ስራሕቲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣብ ጠንካራ ሰረት ንምንባርን ጠንካራ ዶሞክራሲያዊ ባህሊ ንምፍጣርን በዕቱብ ክንሰርሕ ኢና።

ፓርቲና ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ናይ ዴሞክራሲ ትካላትን ናይ ሃገር ድሕንነትን ሉእላዊነትን ዝሕልዉ ትካላትናን ዓቕሚ፣ ብቕዓትን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ባህሊ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ብምሽግጋር ናይ ሃገርና ሉእላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ምሕላው ዝነኣድ ውፅኢትምምዝጋቡ ጉባኤና ብዓወት ርእይዎ። ስለዝኾነ ኩሉ ግዘ ትካላትና ኣተኣማማኒ ናይ ሃገር ዋልታ ኮይኖም ንክህነፁን ነፃነቶም ተሓሊዩ ንክቕፅሉን ብሙሉእ ልቢ ንድግፍ!!! ብተዛማዲ ናይ ህዝቢ ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰል ብዝተማልአ መገዲ ንክረጋገፅ፣ ናይ ፍትሒ ስርዓት ናይ ምዝማን፣ ብቑዓት ሰብ ሞያ ናይ ምፍራይ፣ ስሉጥን ኣተኣማማኒን ኣገልግሎት ንክወሃብ ናይ ምኽኣል፣ ናይ ዳያኑ ነፃነትን ናይ ዳያኑ ተሓታትነትን ብሚዛን ናይ ምርግጋፅ ተግባራት ንክፍፀሙ ንምግባር ብቑርፀኝነት ክንቃለስ ኢና።

👉ሕልምና ኢኮኖሚያዊ ሉእላውነት ዕላዊ ብምግባር ናይ ሃገርና ኩሉ መዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋፅ ኣብ እዋን ጉባኤ ይኹን ቅድሚ ጉባኤ ሕድሕድና ንኢትዮጵያ በልፅግና ብዝለዓለ ተበግሶን ቁርፀኝነተን ምስራሕ ከምዘለና ካብ ልቢ ተረዳዲእና ኣለና።

ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝሓሸ ማዕቐፍ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ልምዓት ግብርና፣ ኢንበዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንን ዲጂታል ኢኮኖሚን ተደሚሩ መዋቅራዊ ሽግግር ኢኮኖሚ ብምምፃእ ናይ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣብ ምምሃዝ፣ ምስላጥን ምምዕባልን ክንሰርሕ ኢና።

👉ብልፅግና ኩለ መዳይ ድሕንነቱን ክብሩን ዝተሓለወ ማሕበረሰብ ንክህሉ ማሕበራዊ መስተጋብሩ እውን ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣስተዋፅኦ ንከበርከት ንምኽኣል ኩለ መዳያዊ በልፅግና ዘረጋግፅ ሓቛፊ ማሕበራዊ ልምዓት ዕላማ ብምሓዝ ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ኣሎ። ነዚ ንምርግጋፅ ፅርየት ዘለዎ ትምህርቲ ንትውልዲ ኩለመዳይ ልህቀት ወሳኒ እታዎት ምዃኑ ንኣምን። ሕማም ኣቐዲምካ ምክልኻልን ሓኪምካ ምድሓንን ንህንፀት ጥዕና ዘለዎ ኣፍራዪ ትውልዲ ዘለዎ ረብሓ ብጥልቀት ንግንዘብ።

ስለዝኾነ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝተጀመሩ ኣዝዮም ዘተባብዑን እወንታዊ ውፅኢት ዝተመዝገበሎምን ስራሕቲ ማሕበራዊ ልምዓታት ተረባሕነት ምዕባለን ፍትሓዊነትን ሸቶታትና ብዘዐውትን ማሕበራዊ ብልፅግና ብዘረጋግፅን መገዲ ብልዑል ቁርፀኝነት ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና!!!

👉ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንክጠናኸርን ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ንክዕወትን ነፃፀልቲ ያታታት ተሳዒሮም ዘዛምዱ ያታታት ለዕልነት ምርካብ ከምዘለዎ ንሕና በልፅግና ንኣምን። ስለዝኾነ ብሄራዊነት ገዛኢ ያታ ብምዃን ኣብ ልሂቃንን ህዝብን ንክሰርፅን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንክጠናኸርን ከንሰርሕ ኢና። ነዚ ብዝበለፀ ንምዕዋት ኣብ መንጎ ህዝቢ ምርድዳእ ዝፈጥሩ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ዘተታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኹሎም ኣማራፅታት ንክፍፀሙ ክንገብር ኢና።

ናይ ሚዲያ ነፃነትን ሓሳብ ብነፃ ናይ ምግላፅን መሰል ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ኣፍራሲ ልኡኽ ብምሓዝ ሚዲያ ንጎንፂ፣ ዕግርግርን ገበንን ኣብ ዝጥቀሙ ኣካላት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ንክስራሕ ብዕቱብ ክንሰርሕ ኢና። ኣመራርሓን ኣባላትን ብልፅግና መልላእ ህዝቢ ብምስታፍ፣ ማሕበራዊ ሚዲያ ንህንፀት ገዛኢ ያታ፣ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ሽግግር ፍልጠትን ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ንምግላፅን ከምእንጥቀመሉ ቃል ንኣቱ።

👉በልፅግና ናይ ሃገርና ስቪል ሰርቪስ ክንዲ ዕድሚኡ ትካላዊ ልህቀት ምርግጋፅ ኣይከኣለን ኢሉ ይኣምን። ብምዃኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ጅምላ ሃገራዊ ሪፎርም ስቪል ሰርቪስ ኣይገብርን ዘሎ። በቢብርኩ እናተተግበረ ውፅኢታውነቱ ዝተረጋገፀ፣ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዓቕሚ መሪሕነት ዝተኣሳሰረ፣ ካብ ስርቂን ግዕዝይናን ኣሰራርሓ ዝተላቐቀ፣ ስቪል ሰርቪስ ምህናፅ ከምዝግባእ ፓርቲና ይኣምን። ውፅኢታዊ ዝኾነ ሪፎርም ንምክያድን ብፍላይ ፍልፍል ቅርታ ህዝቢ ዝኾነ ኣገልግሎት ወሃብቲ ዓውዲታት ብፍሉይ መፅናዕቲ ዓውዲታት መስተኻኸሊ ኣገልግሎት ንምግባርን ዕግበት ህዝቢ ክብ ንምባልን ፓርቲና ዝወሰዶ ጠንካራ ቅዋም ንምፍፃም ለይቲን ቀትሪን ንምስራሕ ቃል ንኣቱ።

👉ጉባኤና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፓርቲና ብዝተኸተሎ ሃገራዊ ክብሪ ዘጎናፅፍን ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽርን ዲፕሎማሲን ኣንፈታት ርክብ ወፃኢን ብሄራዊ ረብሓናን ከብሪናን ክብ ዘበሉ ስራሕቲ ከምዝተፈፀሙ ብዓወት ርኢና ኢና። ስለዝኾነ እቶም ዕዉታት ኣንፈታት ብብቕዓት ንክፍፀሙን ዘላቒ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብን ባህግና ሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን ምላሽ ንክረክብ ብሙሉእ ዓቕምና ኣብ ዝተረኸበ መድረኽ ዓለም ኩሉ ብሰለማዊ መገዲ ንምቅላስ ቆሪፅና ከምዝተልዓልና ነረጋግፅ።

👉ፓርቲና ዘላቒን እወንታዊ ሰለምን ናይ ሃገርና ህልውና መሰረትን ኩለመዳያዊ በልፅግናን ፍሉይ ውሕስና ከምዝኾነ በዕምቆት ይግንዘብ። ስለዝኾነ ብልፅግና ፓርቲ ኣብቲ ጉባኤ፥ ዝተጀመረ ሓቛፊ ሃገራዊ ዘተ ብዕዉት መገዲ ተዛዚሙ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዘበናት ናይ ፖለቲካ ሲንክሳር ንክዕፆ፣ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣፈላላይን ጎንፂን ዘላቒ ናይ መፍትሒ መገዲታት ንክቕየስን እንተተኻኢሉ እውን ብሓበራዊ ራእይና ንከረዳድአና እቲ ከይዲ ብሙሉእ ልቢ ንምድጋፍ ወሲንና!!! ንዝተጀመረ ፕሮግራም ሽግግር ፍትሒ ተግባራዊነትን ዓወትን ዝሕለወሉ ሓላፍነት ብብቕዓት ንምውፃእ ክንሰርሕ ኢና። እወንታዊ ዘላቒ ሰላምና የተኣጓጉሉ ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይሊታት ዝግበር ዘተን ድርድርን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ጭቡጥ ኣንፈታት ኣቐሚጥና ኣለና።

ጎንፂ ንምውጋድን ምርግጋዕ ንምፍጣርን ኩሉ ኣመራርሓን ኣባልን ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ተስማዕሚዕና። ስለዝኾነ ንተግባራዊነት ውሳነታትን ኣንፈታትን ጉባኤና ነቒሕና ብምስራሕ ናይ ሃገርና ሰላም ንምርግጋፅን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣጠናኺርና ንምቕፃልን ኩልና ብሓድነትን ፅንዓትን ክንስለፍ ኢና።

26 ጥሪ 2017 ዓ.ም

03/02/2025

ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ
******
(ኢፕድ)
"ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ" ብዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልቲ ይካየድ ዝነበረ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለለዩ አጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታትን ኣንፈታትን ብምቕማጥ፤ፕረዝደንትን ምክትል ፕረዝደንታትን ብምምራፅ፤ኣባላት ቤት ምኽሪ ብምምራፅ ናይ መጠቓለሊ መግለፂ ብምውፃእ ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ ኣሎ።

26 ጥራ 2017 ዓ.ም

መረፃ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎብዝተመሓየሻ መተሓዳደሪ ፓርቲ ብልፅግና ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ቤት ምኽሪ ብዝብል ተተኪኡ ኣሎ።
02/02/2025

መረፃ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ

ብዝተመሓየሻ መተሓዳደሪ ፓርቲ ብልፅግና ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ቤት ምኽሪ ብዝብል ተተኪኡ ኣሎ።

በአዲሱ የፓርቲው መተዳደሪያ ደንብ መሰረት የብልፅግና ፓርቲ ምክር ቤት አባላት ምርጫ እየተካሄደ ይገኛል
********************
(ኢ ፕ ድ)
የብልፅግና ፓርቲ ምክር ቤት አባላት ምርጫ በግልፅ፣ አሳታፊና ዴሞክራሲያዊ መንገድ እየተከናወነ መሆኑን የፓርቲው የህዝብና ዓለም አቀፍ ግንኙነት ዘርፍ ኃላፊ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገለጹ።

ብልፅግና ፓርቲ ሁለተኛ መደበኛ ጉባኤውን ከጥር 23 ቀን 2017 ዓ.ም ጀምሮ በማካሄድ ላይ ነው::

የጉባኤውን ሶስተኛ ቀን ውሎ በተመለከተ ለመገናኛ ብዙሃን ማብራሪያ የሰጡት የብልጽግና ፓርቲ የህዝብና ዓለም አቀፍ ግንኙነት ዘርፍ ኃላፊ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከማለዳው ጀምሮ የአመራር ምርጫ ሲካሄድ መዋሉን ገልጸዋል።

ጉባኤው በከሰዓት ክፍለ ጊዜው የብልፅግና ፓርቲ ምክር ቤት አባላት ምርጫ በማካሄድ ላይ ነው ብለዋል።

በአዲሱ የፓርቲው መተዳደሪያ ደንብ መሰረት ቀድሞ የማዕከላዊ ኮሚቴ የሚለው አወቃቀር አሁን የብልጽግና ምክር ቤት በሚል መተካቱን ገልጸው፣ የብልፅግና ፓርቲ ምክር ቤት አባላት ምርጫ እየተካሄደ ይገኛል ብለዋል።

በምርጫው በርካታ ከሁሉም የህብረተሰብ ክፍሎች የተወከሉ ተሳታፊዎች ነጻ፣ ገለልተኛና ዴሞክራሲያዊ በሆነ መንገድ እጩዎችን ጠቁመው ድምጻቸውን እየሰጡ እንደሚገኙም ተናግረዋል።

ከጥቂት ሰዓታት በኋላ የምክር ቤት አባላት ምርጫ ውጤት ለህዝብ ይፋ እንደሚሆን አንስተው፥ በመቀጠል የፓርቲው ኢንስፔክሽንና የስነምግባር ኮሚሽን እንዲሁም የስራ አስፈጻሚ ኮሚቴ አባላት ምርጫ እንደሚከናወን አንስተዋል።

ለመጀመሪያ ጊዜ በቀጥታ በቴክኖሎጂ በተደገፈ መንገድ ድምጽ መስጠት በሚያስችል መልኩ እየተካሄደ ነው ብለዋል።

ጉባኤው የብልጽግና የሀሳብ ልዕልና የተገለጸበት እና የውስጠ ፓርቲ ዴሞክራሲ እየጎለበተ መምጣቱ የታየበት ነው ብለዋል።

እስከሚቀጥለው ጉባኤ የሚተገበሩ ውሳኔዎችና አቅጣጫዎች ይፋ እንደሚደረጉም ገልጸዋል ሲል ኢዜአ ዘግቧል።

በጠዋቱ ክፍለ ጊዜ ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ(ዶ/ር)ን በከፍተኛ የድምፅ ብልጫ የፓርቲው ፕሬዝዳን፣ አቶ አደም ፋራህና አቶ ተመስገን ጥሩነህ የብልፅግና ፓርቲ ምክትል ፕሬዝዳንቶች ሆነው በከፍተኛ ድምፅ መመረጣቸው ይታወሳል።

ጥር 25 ቀን 2017 ዓም

60 ሃገራት ዝተሳተፉሉ ካልኣይ  ዙር  ዓለምለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ተዛዚሙ
02/02/2025

60 ሃገራት ዝተሳተፉሉ ካልኣይ ዙር ዓለምለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ተዛዚሙ

02/02/2025

ካልኣይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና መረፃ ኣባላት ማእከላዊ ኮሚቴ የካይድ ኣሎ

"ብልፅግና ድምር ዕድላትን ፃዕርን እዩ። ኣበርቲዑ ዝሰርሕን ኩሉ ዕድላት ዝጥቀመሉን  ጀጋኑ ወለዶ ይሓትት። ኢትዮጵያ ነዚ ብልፅግና ክውን ዝገብር ጅግና ወለዶ  ትሃንፅ ኣላ።" - ምክትል ቀዳ...
02/02/2025

"ብልፅግና ድምር ዕድላትን ፃዕርን እዩ። ኣበርቲዑ ዝሰርሕን ኩሉ ዕድላት ዝጥቀመሉን ጀጋኑ ወለዶ ይሓትት። ኢትዮጵያ ነዚ ብልፅግና ክውን ዝገብር ጅግና ወለዶ ትሃንፅ ኣላ።"

- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

"ኣብ ክልልና ተቛሪፆም ዝፀንሑ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ዳግማይ ንምጅማርን ኢንቨስትመንት ንምስፋሕን ክስራሕ እዩ"- ፕረዝዴንት  ጌታቸው ረዳ*******(ኢፕድ) ኣብ ክልልና ተቛሪፆም ዝፀ...
02/02/2025

"ኣብ ክልልና ተቛሪፆም ዝፀንሑ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ዳግማይ ንምጅማርን ኢንቨስትመንት ንምስፋሕን ክስራሕ እዩ"
- ፕረዝዴንት ጌታቸው ረዳ
*******
(ኢፕድ)

ኣብ ክልልና ተቛሪፆም ዝፀንሑ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ህንፀት ዳግመ ምጅማርን ኣብ ክልልና ኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕን ስራሕቲ ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝስርሑ (ኢፕድ) ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክስራሕ ዘለዎ ስራሕን ናይ መፈፀሚ በጀትን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንካልኣይ ፍርቂ በጀት ዓመት ንልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ትኹረት ዝግበረሎም መዳያት ሎማዓልቲ ንዝተመስረተ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቕሪቦም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ካልኣይ ፍርቂ በጀት ዓመት ዳግመ ህንፀት እቲ ክልል ንምጥንኻርን ቁጠባውን ማሕበራውን ተሳትፎ ህዝቢ ንምንቅስቓስ ዝሕግዙ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ምምላስ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ተሓታትነት ምርግጋፅ ካብቶም ትኹረት ዝገብሩሎም ጉዳያት ምዃኖም ወሲኾም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሓሙሽተ ቢልዮን ብር ካፒታል ዘለዎም 250 ኢንቨስተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ንምውፋር ትልሚ ከምዝተተሓዘ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዕድል ስራሕ ዘረጋግፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዝትግበሩ እውን ገሊፆም።

ፕረዝደንት ጌታቸው ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ገጠርን ከተማን ልዕሊ 700 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓደሽቲ ህንፀትን ፅገናን መንገድታት ከምዝሰርሑ ብተወሳኺ 300 ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ንምጥንኻር በጀት ከምዝተመደበ ገሊፆም።

ኣብ መዳይ ምምሕዳር መሬትን ማዕድናትን፣ ልምዓት ማይን ኢነርጅን፣ ሕርሻን ኢንቨስትመንትን፣ ልምዓት ከተማ፣ ጥዕናን ትምህርትን፣ ከምኡ እውን ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣድማዒ ስራሕቲ ንምስራሕ በጀት ከምዝተመደበ እቶም ፕረዝደንት ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀቢፂቡ።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ቋንቋ ምልክት ሃገራዊ ቋንቋ ንምግባር ዝተበፅሐ ስምምዕ ናይ ኣተገባብራ ክፍተት ከምዘለዎ ተገሊፁ******(ኢፕድ) ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ስምምዕነት ቋንቋ ምልክት ብምፍራም ቋንቋ ምልክት ከም ሃገ...
02/02/2025

ቋንቋ ምልክት ሃገራዊ ቋንቋ ንምግባር ዝተበፅሐ ስምምዕ ናይ ኣተገባብራ ክፍተት ከምዘለዎ ተገሊፁ
******
(ኢፕድ)

ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ስምምዕነት ቋንቋ ምልክት ብምፍራም ቋንቋ ምልክት ከም ሃገራዊ ቋንቋ ክትገብር ዝወሰደቶ ውሳነ ኣብ ምትግባር ድሩትነት ከምዘሎ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲ ​​ትምህርታ ቋንቋ ምልክት ብምእታው ፅፉፍ ትምህርቲ ምስማዕ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ክትሰርሕ ፀኒሓ’ያ፣ እንተኾነ ግን ሃገራዊ ቋንቋ ንምግባር ዝተወስደ ውሳነ ኣብ ምትግባር ክፍተት ከምዘሎ ሓቢረን።

ትካላት ምስማዕ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ኣገልግሎት ዝህቡ ተርጐምቲ ክቖራ ይግባእ፤ መራኸቢ ብዙሓን መደባተን ብቋንቋ ምልክት እናተርጐማ ክፍነዋ ግዴታ ኣለወን። ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጠ ምዃኑ ድማ ኣብሪሀን።

ከም ሃገር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ኣብ ተሳትፎ ጉድኣት ኣካል ዘሎ ክፍተት ብምፍታሕን ተጠቀምቲ ብምግባርን ቋንቋ ምልክት ሃገራዊ ቋንቋ ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪተን።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ህፃናት ተምሃሮ ትግራይ ግልጋሎት ዝህብ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ*****(ኢፕድ) ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቐም ንዝፀንሑ ህፃናት ተምሃሮ ትግራይ ...
02/02/2025

ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ህፃናት ተምሃሮ ትግራይ ግልጋሎት ዝህብ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ
*****
(ኢፕድ)

ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቐም ንዝፀንሑ ህፃናት ተምሃሮ ትግራይ ግልጋሎት ዝህብ ፕሮጀክት ዕላዊ ምብሳር ተሳሊጡ ።

እቲ ፕሮጀክት ምስ ሓሙሽተ ፈፀምቲ ኣካላት ዝስራሕ ኾይኑ ፣ንልዕሊ 64 ሽሕን 650 ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቐም ንዝፀንሑ ህፃናት ተምሃሮ ግልጋሎት ዝህብን ኾይኑ ፣ እዙይ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ሴቭ ዘ ችልድረንን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ካብ ኢድኬሽን ካኖት ወይት(ECW) ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ዓመት ተግባራዊ ዝኾውን ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ትምህርትን ፅሬት ትምህርትን ዘድሀበን multi year Resilience Program-2 (MYRP-2)ዝተሰየመ ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ሎሚ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፣ መዳርግቲ ኣካላት ፣ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ኻልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዕላዊ ምብሳር ተሳሊጡ።

ዳይርክተር ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገብርዮሃንስ ከም ዝበልዎ ድማ ፣ እቲ ፕሮጀክት ንምስላጥ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብር ከም ዝተበጀተሉ ብምሕባር ፣ዕላምኡ ድማ ኣብ ኩለ መዳይ መድሕን ህፃናት ብትኹረት ንምስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተመረፃ ሽድሽተ ወረዳታት ተበፃሒ ዝገብርን ምስዚ ጎናጎኒ ድማ ኣብ ሕውየት ተምሃሮን መምህራንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣይተ ኣታኽልቲ ፣ ተወሰኽቲ ድሌት ተምሃሮ ንምምላእ ድማ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ብምጥቃም ናብ መእዲ ትምህርቲ ዘይኸተቱ ህፃናት ንክኸቱ ከምዝስራሕ ሓቢሮም። እዙይ ንምትግባር ድማ ብዋናነት ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ከምዝገለፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ማሕበራዊ ገፅ ዝረኸብናዩ ሓበሬታ የመልክት።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

መልእኽቲ ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ️‼️ ሎሚ  መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ቴክኖሎጂ ተጠቂምና ኣካይድና ኢና። እዚ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ ጉዕዞ ናብ ዲጂታል...
02/02/2025

መልእኽቲ ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ️‼️

ሎሚ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ቴክኖሎጂ ተጠቂምና ኣካይድና ኢና። እዚ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ ጉዕዞ ናብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን እዩ። ብውፂኢት መረፃ ኣብ ኣነን ኣብ ምክትል ፕረዚደንታት ዝተውሃበና እምነትን ሓላፍነትን ብሓድሽ ቆራፅነት ክንሰርሕ ዘተባብዓና እዩ።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና‼️ድሕሪ መረፃ  ፕረዚዳንትን ምክትል ፕረዚደንታት ፓርቲ ብልፅግና ዝነበረ ድባብ ብምስሊ
02/02/2025

ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና‼️

ድሕሪ መረፃ ፕረዚዳንትን ምክትል ፕረዚደንታት ፓርቲ ብልፅግና ዝነበረ ድባብ ብምስሊ

" ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኣወንታዊ ምስሊ ኢትዮጵያ  ንካልኦት ሃገራት ንምልላይ ልዑል ተራ ክፃወት'ዩ" - ፕረዚደንት መጅሊስ ፌደራል  ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ******(ኢፕድ) ብላዕለዋይ ...
02/02/2025

" ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኣወንታዊ ምስሊ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ንምልላይ ልዑል ተራ ክፃወት'ዩ"

- ፕረዚደንት መጅሊስ ፌደራል ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ
******
(ኢፕድ)

ብላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ሓላዊነትን ብማሕበር ቁርኣን ዛይድ ኢብኑ ሳቢት ዝተዳለወን 2ይ ዙር ዓለምለኻዊ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ኢትዮጵያ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ​​ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፣እቲ ውድድር ፅቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምልላይን ኢትዮጵያ ኣብ እስልምና ዘለዋ ዓቢ ፅልዋ ኣብ ምርኣይን ልዑል ተራ ከምዝፃወት ገሊፃም።

ኣብ ታሪኽ እስልምና ንጉስ ነጃሲ ቢላል፡ ኡም ኣይማን ዓቢ ፅልዋ ከም ዘለዎም ብምዝካር፤ እቲ ውድድር ንቁርዓን ዘለዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንዓለም ንምግላፅ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣመልኪቶም።

ዋና ኣካያዲ ማሕበር ቁርኣን ዛይድ ኢብን ሳቢት ዶክተር ኑረዲን ቃሲም ኣብ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ምክያድ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓድሽን ፈላሚን ምዃኑ ገሊፆም።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ተወዳደርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ሰሙን ከምዝፀንሑ፤ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ እስላማዊ ቕርስታት ዑደት ከምዝገብሩ ኣመልኪቶም።

እቲ ውድድር ዓውዲ ቱሪዝም ብምንቕቓሕ ቁጠባዊ ረብሓ ከምዝህልዎ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ውድድር ካብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ልዕሊ 60 ሃገራት ተወዳደርቲ ይሳተፉ ኣለው።

እዚ ውድድር ደቂ ኣነስትዮ ብምስታፍ ኣብ ኣፍሪካ ካልኣይ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንፈለማ እዋን ዝሳተፋሉ እዩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ንዝተዓወቱ ሽልማት ከምዝወሃቦም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ውድድር መራሕቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ክልል መጅሊስ፣ ዑለማታት፣ ኣምባሳደራት፣ ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 60 ሃገራት ዝመፁ ተወዳደርቲ ቁርዓንን ኣዛንን፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ዓለምለኻውያን ዳያኑ፣ ከምኡ እውን ብዙሓት ተኸተልቲ እምነት እስልምና ተረኺቦም እዮም።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

"ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ኣብ ናይ ዴሞክራታይዘሽን ስራሕቲ ሓደ ስዳሮ እዩ"                               ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ*******(ኢፕ...
02/02/2025

"ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ናይ ዴሞክራታይዘሽን ስራሕቲ ሓደ ስዳሮ እዩ"
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
*******
(ኢፕድ)

ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኻይዱ።

ምስረታ ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብምልኣተ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ።

ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘይግባእ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝተዳናጎየ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፣ምስረታ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ናይ ዴሞክራታይዘሽን ስራሕቲ ሓደ ስዳሮ ምዃኑ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ኣብያተ ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምክትታልን ብምድጋፍን ከም ኣድላይነቱን ኩነታቱን ምኽረ ሓሳብ ይኹን ውሳነ ዘዕርፍ ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ እዋን ኣለና እውን ኢሎም።

ኣባላት ኣማኻሪ ኣውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣይተ ሞጎስ ታፈረ ኣካቢ ፣ንዶክተር ደጀን መዝገቦን ድማ ምክትል ኣካቢ ክኾኑ ብድምፂ መሪፆም ከም ፀብፃብ ድምፂ ወያነ ቴሌቬዥን ።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

60 ሃገራት ዝተሳተፉሉ ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ *********************(ኢፕድ)2ይ ዙር ዓለምለኻዊ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኢትዮጵያ ኣብ ስታድየም ኣ...
02/02/2025

60 ሃገራት ዝተሳተፉሉ ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ
*********************
(ኢፕድ)
2ይ ዙር ዓለምለኻዊ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ኢትዮጵያ ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ክሳተፋ ምዃነን ተገሊፂ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሓላፊ ክፍሊ መፅናዕቲ ፋትዋ ሸኽ እድሪስ ዓሊ ንጋዜጣ ፕላስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኢትዮጵያ ድሕሪ መካ ቁርዓን ዝተንበበላ ሃገር ብብዝሒ ዓለም ካልኣይቲ ሃገር ምዃና ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ምክያዱ ኢትዮጵያን ደቃን ንቁርዓን ዘለወን ክብሪ ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ውድድር ካብ 60 ሃገራት ዓለም ዝመፁ ተወዳደርቲ ቁርዓንን ኣዛንን ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ዓለምለኻውያን ደያኑን ተዓዘብትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ገሊፁ።

እቲ ውድድር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ኢትዮጵያ ከም ንእስልምና ዝተወፈየት ሃገር ምዃና ንመላእ ዓለም ኣስላም ንምልላይን ንምስራሕን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ቁርዓንን ኣዛንን ንዝተዓወቱ ሽልማት ከምዝወሃቦም ተሓቢሩ ኣሎ።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ኮይኖም ተመሪፆም**********(ኢፕድ) ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐፀለ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒ...
02/02/2025

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ኮይኖም ተመሪፆም
**********
(ኢፕድ)

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐፀለ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ሆነው ተመርጠዋል።

ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ፓርቲ ቃለ መሓላ ፈሚሞም።

እቲ ጉባኤ ተመስገን ጥሩነህን ኣደም ፋራሕን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ፓርቲ ንክኾኑ ብዝለዓለ ድምፂ መሪፅዎም። ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቅድሚ ጉባኤተኛታት ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም

መረፃ ፕረዝደንትን  ምክትል ፕረዝደንታት ፓርቲ ብልፅግና- ብምስሊ‼️   #ጉባኤ  25 ጥሪ 2017 ዓም
02/02/2025

መረፃ ፕረዝደንትን ምክትል ፕረዝደንታት ፓርቲ ብልፅግና- ብምስሊ‼️

#ጉባኤ

25 ጥሪ 2017 ዓም

Address

Ethiopian
Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ethiopian Press Agency/Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Ethiopian Press Agency/Tigrigna:

Videos

Share