11/06/2024
እቲ ኣንበሳ
ኣቃልቦ ብዝሓት ዓጸፋ ክድልብ
ሓሳዊ ልሳን ንጽህና ክሰልብ
ዓሻ መሰል ልዕሊ ኣምንዝራ
ንኩላ ሸሚምዋ ኣብ መፈንጠራ
እቲ ኣንበሳ ግን ንበይኑ ይጋዝም
በእላፍ ኣዛብእ ተከቢቡ የዕዘምዝም
ተንሲኡ ነዲሩ ክሓንቅ ጎሮሮ
ተስፍኡ የዕቢዩ ቀሲሙ ተመኩሮ
ዕሙታት ፍጡራት ማኣዝን ዝሳኣኑ
ፍረኣልቦ ዘረባ ክኣርዩ ራኢ ዝሰኣኑ
መውዓሊ ጸላም ሕብርካ ንምጽላም
ብገዛእ ፍቃዶም ፈጺሞም ምጥላም
ኣምበሳ ግን ንበይኑ ህያብ ተቀቢሉ
ኣብ እግሩ ወዲቆም ኩሎም ዘታለሉ
ፍርዲ ኣይሃበን ንፈጣሪ ኣክቢሩ
ጽዋእ ጥምየት ታዓዲሎም እቶም ዝሓበሩ
ኣምበሳ ብባህሩ ምድሃል ዘይፈልጥ
ወትሩ እንዳኣሉ ካብ ክፋእ ዘምልጥ
ወይልካ ዝብኢ ዘይብልካ መሕብኢ
ክቡር ተንኪፍካ የብልካን መሳፍሒ
ናፖልዮን ተክሉ
12.06.2024