𝐄𝐫𝐢𝐯𝐢𝐛𝐞𝐬 𝐌𝐞𝐝𝐢𝐚

𝐄𝐫𝐢𝐯𝐢𝐛𝐞𝐬 𝐌𝐞𝐝𝐢𝐚 እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ኣነቓቓሕቲን መሃርትን ዛንታታት፡ ጥቕስታትን ካልኦት ጽሑፋትን ጆባእ ንብለኩም!
(1)

10/13/2024
ጓለይ ናብ ስሩዕ ሂወት ክትመልስ፡ ብክልተ ኣእጋራ ረጊጻ ክታቢ ኣሕዋተይ ሓገዝኩም ይልምን።ኣነ ግደይ ቐሺ ረዳኢ ጋል 30 ዓመት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተውሊደ ዓብየ። ጋለይ ጋል 5 ዓመት ዳምያ...
09/29/2024

ጓለይ ናብ ስሩዕ ሂወት ክትመልስ፡ ብክልተ ኣእጋራ ረጊጻ ክታቢ ኣሕዋተይ ሓገዝኩም ይልምን።

ኣነ ግደይ ቐሺ ረዳኢ ጋል 30 ዓመት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተውሊደ ዓብየ። ጋለይ ጋል 5 ዓመት ዳምያና ቐሺ ይከኣሎ ኣብ ኣዝዩ ንእሽቶ ዕድሚኣ ኣብ እግራ መጉዳእቲ ኣጋጢምዋ፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ የማናይ ዲስታል ፌሙር ቫልጉስ ዲፎርሜቲ ኣጋጢምዋ። ዳምያና ምንቅስቃስ የሸግራ፡ ኣብ እትንቀሳቀሰሉ ግዜ ብዘይ ምሕንካስ ክትጎዪ ወይ ክትከይድ ኣይከኣለትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሰንኪ ኩነታታ ርኡይ ቃንዛ የጋጥማ። ዝነበረና ገንዘብን፡ ሓገዝ ካብ ገለ ፈተውቲን ኣኪብና ኣብ ዩጋንዳ ሕክምና ክንገብር ድሕሪ ምጽናሕ አዚ ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ስለ ዝኮነ፡ ኣብ ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ መጥባሕታዊ ሕክምና ክትረክብ ከምትክእል ተነጊርና። ኣንተኮነ ፋይናንሳዊ ጸገማት ግን ንድሕሪት ዓጊቱና ኣሎ።
ናይ ጋለይ ከይኣክል ንብድሆታትና ወሲኹ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ፡ ንልዕሊ ዓመት ድማ ምስ ቀጻሊ ምፍሳስ ደም ክገጥም ጸኒሐ። ኣብ ኤርትራን ኡጋንዳን ብዙሕ መርመራታት እኳ እንተገበርኩ፡ ካብ ገዛ ክወጽእ ወይ ስድራይ ክኣሊ ኣይከኣልኩን። ንዓይ እዉን ኣብ ወጻኢ ሃገር ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረለይ ከምዘለዎ ተመኺረ ኣለኹ። ብቐጻሊ ይደክም፡ ኣይሮን ይወሃበኒ፡ ንቡር ህይወት ክመርሕ ድማ ኣይክእልን እየ። ጓለይ ኣብ ጀርመን ሕክምና ክትረክብ ተፈቂድላ ስለዘሎ፡ ምስ ዘለና ፋይናንሳዊ ጸገማት ዓቅሚ ስለዘይብላና ኩሉኩም ኣሕዋተይ፡ ጓለይ ምስ ኣብ ዕድሚኣ ዘለዉ ቆልዑ ናይ ምጉዓዝ፡ ምጉያይ፡ ምጽዋት ዓቕማ ክትመልስ፡ ኣነ ከኣ ኣደ ኮይነ ክኣልያን ክሕብሕባን፡ ዓዓቅምኩም ክትሕጉዝኒ ይልምነኩም ኣለኩ። ንእትገብሩለይ ኣበርክቶ ኣዝየ የምስገን። ኣምላኽ ምስኩም ይኩን

https://gofund.me/976afde8

https://gofund.me/976afde8

Here are 10 interesting facts about phones 📱:1. The first mobile phone call was made on April 3, 1973, by Martin Cooper,...
09/29/2024

Here are 10 interesting facts about phones 📱:

1. The first mobile phone call was made on April 3, 1973, by Martin Cooper, a Motorola executive, using a Motorola DynaTAC, which weighed about 2.5 pounds 📞📟.

2. Over 6.92 billion people globally use smartphones today, representing more than 85% of the world’s population 🌍📊.

3. The typical lithium-ion battery found in modern smartphones lasts about 300 to 500 full charge cycles 🔋⚡, lasting roughly two to three years before noticeable degradation.

4. The first smartphone with a capacitive multi-touch screen was the iPhone, launched by Apple in 2007 🍎📱, which changed the mobile phone industry forever.

5. Modern smartphones often have multiple lenses 📸, making them capable of taking professional-grade photos, rivaling standalone digital cameras 📷.

6. The Apple App Store launched in 2008 with just 500 apps, and today, there are over 2 million apps available for download 📲🛒.

7. The first text message ("Merry Christmas") was sent in 1992 🎄, and by 2007, SMS became one of the most used forms of communication globally 💬.

8. Mobile phones work by transmitting and receiving radio frequencies 📡, connecting users to the world through cell towers.

9. As of 2023, more than 59% of global internet traffic comes from mobile devices 🌐📶.

10. Phone production and usage contribute significantly to e-waste ♻️, with around 50 million metric tons of electronic waste generated each year 📦.

Phones have come a long way, haven’t they? 🔥

🔥BREAKING NEWS🔥📍With Eritrea 🇪🇷 now into the top 20 nations in World Cycling, they can send the maximum squad to the 202...
09/15/2024

🔥BREAKING NEWS🔥

📍With Eritrea 🇪🇷 now into the top 20 nations in World Cycling, they can send the maximum squad to the 2024 UCI World Champs at the end of this month in Switzerland, and what a team they are preparing to send, with riders from across the World Tour, Pro Conti and Conti teams. They are not turning up just to be there, this is a statement of intent!

🔺Men Elite Squad:
Biniam Girmay
Henok Mulubrhan
Natnael Tesfatsion
Amanuel Ghebreigzabhier
Metkel Eyob
Dawit Yemane

🔺Men - U23
Nahom Zerai
Aklilu Arefayne
Yasfet Mulugeta
Mewael Girmay
Awet Aman

◼️Juniors
Efrem Zeragaber
Mewael Gilay

◾️Women
Kisanet Weldemichael
Others TBC

🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

Source Africa Rising Cycling

💠 💠🔻1. ይቕረታ ስለዝበልካ ግድን ተጋጊኻ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን፡፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ምስ'ቲ ሰብ ዘለካ ዝምድና (relationship) ልዕሊ ኣንነትካ (Ego) ስለእትሰርዖ ጥራይ ይቕረታ ት...
09/15/2024

💠 💠

🔻1. ይቕረታ ስለዝበልካ ግድን ተጋጊኻ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን፡፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ምስ'ቲ ሰብ ዘለካ ዝምድና (relationship) ልዕሊ ኣንነትካ (Ego) ስለእትሰርዖ ጥራይ ይቕረታ ትሓትት ኢኻ።

🔻2. ንመን ከም እትኣምን ተጠንቀቕ! ጨውን ሽኮርን ውን እንተኾኑ ሓደ ኢዩ ሕብሮም።

🔻3. ሓንሳብ ሓንሳብ ነቶም ዘዐሽዉኻ ዝመስሎም ዓያሹ ንከተዐሹ ዓሻ ምምሳል ተላመድ።

🔻4. ክሳብ ክንደይ ሓያል ኢኻ ብዘየገድስ፡ ፍቕሪ ግን ሃንደበት መጽዩ ከንበርክኸካ፡ ድኻምካ ከርእየካ፡ ካልእ ሰብ ክቕይረካ ይኽእል ኢዩ።

🔻5. ዝኾነ ነገር እንተበዚሑ ስሚ ኢዩ።

🔻6. ኣብ ስምዒት ኴንኳ ዝኣተኻዮ ቃል ፡ ካብቲ ስምዒት ምስ ወጻኻ እውን ዘኪርካ ትትግብሮ እንተደኣ ኴንኳ ንስኻ እሙን ሰብ ኢኻ።

🔻7. ንዘየፍቅረካ ሰብ ምፍቃር ልክዕ ከም ገረብ በለስ ምሕቋፍ ኢዩ። ኣዚኻ ናብኻ ኣብ ዘጥበቕካሉ ኣዝዩ ድማ ይጎድኣካ፡፡

🔻8. ሓደ ሰብ ክጎድኣካ እንከሎ፡ እቲ ቅድሚኡ ዝገበረልካ ሰናይ ግብሪ ኣይትረስዓዮ።

ትርጉም - Rising Sun (NA2)

ናብ ኩሉ ክበጽሕ ሼር ብምግባር፡ ዝፈተኹማ ኣብ ቦታ ኮመንት ግደፍዋ።

ምንጪ - Qoura

 🔰 🔰✴1. ብስምዒታት ደቂ ሰባት ኣይትጻወት። ብልክዕ እቲ ዝስመዓካ ዘሎ ግለጽ። ✴2. ንተፍቅሮ ሰብ ከም ተፍቅሮ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይትበል። እወ ግብሪ ካብ ቃል ትበልጽ'ያ። ግና'ኸ ግብ...
09/13/2024

🔰 🔰

✴1. ብስምዒታት ደቂ ሰባት ኣይትጻወት። ብልክዕ እቲ ዝስመዓካ ዘሎ ግለጽ።

✴2. ንተፍቅሮ ሰብ ከም ተፍቅሮ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይትበል። እወ ግብሪ ካብ ቃል ትበልጽ'ያ። ግና'ኸ ግብሪ ቃላት ፍቕሪ ምስ ዝውሰኻ መሊሳ ኢያ እትምቅር።

✴3. ሂወትካ ክትቅይር ደሊኻ ካበይ ከም እትብገስ እንተደኣ ጠፊኡካ፡ ብጸሎት ጀምር፡፡ ኩሉ ድሕሪኡ ክስዕብ ኢዩ።

✴4. ንዘይደልየካ ሰብ ኣይትድለዮ፡፡ ኩሉ ዝከኣለካ ጌርካ ክቕበለካ ካብ ዘይከኣለ ሰብ ትብዕ ኢልካ ርሕቕ ምባል ተላመድ።

✴5. ንስኻ ውን ንዝኾነ ሰብ ሓንሳብ ከም ተፍቅሮ ሓንሳብ ከም ዘይተፍቅሮ ኰንካ ኣይትቕረቦ። ኩሉ ሰብ ኣብ ግዚኡ ይስልችዎ ኢዩ። ምስ ቀበጸካ ክትመልሶ ድማ ኣዝዩ ክኸብደካ ኢዩ።

✴6. ኩሉ እትደልዮ ዘበለ ዘይክኾነልካ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእትዎ።

✴7. ብዝገበርካዮ ኣብ ግዚኡ ሕጉስ እንተደኣ ኔርካ፡ ፈጺምካ ኣይትጠዓስ።

✴8. ኣብ ሕሉፍ ኣይትንበር። ዝሓለፈ ሓሊፉ'ዩ፡፡ ኣብ ሎሚ ጥራይ ንበር።

✴9. ልክዕ ከምቲ ኣብ ከተማ ዘሎ ሴማፎሮ ኩሉ ግዜ ቀጠልያ ዘይጸንሓካ ኣብ ዝምድናኻ ኩራ ከጋጥመካ ግድን'ዩ። ብኸመይ ከም ትፈትሖ ጥራይ ፍለጥ።

ዝያዳ ዝፈተኹማ ቁጽሪ ኣብ ኮመንት ግደፍዋ፡፡

ናብ ኩሉ መታን ክበጽሕ ሼር ንግበሮ።

ትርጉም ፥ Rising Sun (NA2)

Source - Qoura

🔶️  🔶️1. 🌼ንግሆ ከይቆረስካ ምስ እትውዕል ከስዐኻ ትጉዳእ። 2. 🌼ኣብ መዓልቲ ካብ 8-10 ኩባያ ማይ ምስ ዘይትሰቲ ኮላሊትካ ይጉድኣ። 3. 🌼ዝሑል መግቢ ኣብ እትበልዓሉ ቀጢን መዓንጣኻ...
09/12/2024

🔶️ 🔶️

1. 🌼ንግሆ ከይቆረስካ ምስ እትውዕል ከስዐኻ ትጉዳእ።

2. 🌼ኣብ መዓልቲ ካብ 8-10 ኩባያ ማይ ምስ ዘይትሰቲ ኮላሊትካ ይጉድኣ።

3. 🌼ዝሑል መግቢ ኣብ እትበልዓሉ ቀጢን መዓንጣኻ ይጉዳእ።

4. 🌼ኣዝዩ ውዕይን መሪርን መግቢ ብብዝሒ ምስ እትበልዕ ገፊሕ መዓንጣኻ ይጉዳእ።

5. 🌼ትኪ ብብዝሒ ናብ ውሽጥኻ ኣብ እተስተንፍሰሉ እውን ሰናቡእካ ይጉድኣ።

6. 🌼ብዘይቲ ዝተቐልወ መግቢ ኣብ እትበልዓሉ ጸላም ከብድኻ ትጉዳእ።

7. 🌼ብዝሒ ጨውን ስብሕን ዘለዎ መግቢ ኣብ እትምገበሉ እዋን ልብኻ ትጉዳእ።

8. 🌼ምቁር (ሽኮራዊ) ነገራት ኣብ እትበልዓሉ ቆስጠኻ ትጉዳእ።

9. 🌼ኣብ ጸልማት ኴንካ ሞባይል ወይ ኮምፕዩተር ምጥቃም ንኣዒንትኻ ይጎድእ።

10. 🌼ኣሉታውያን ሓሳባት ኣብ እትሓስበሉ ሓንጎልካ ትጉዳእ።

11. 🌼ተሓጒስካ፡ ሓዚንካ፡ ተጨኒቕካ ተካፍሎ እሙን ዓርከ መሓዛ ወይ ኣባል ስድራ ኣብ ዘይህልወካ እውን መንፈስካ ይጉዳእ።

🌻ርሑስ በዓል ዮሃንስ ይግበረልና🌻

ናብ ኩሉ መታን ክትበጽሕ ሼር ኣይንረስዕ

ትርጉም - Rising Sun (NA2)

Source - Facebook Post

🔰 🔰♋1. 97% ካብ ደቂ ሰባት ሓዳሽ ቢሮ ሂብካ ዝኾነ ቃል ጸሓፉ ምስ እትብሎም ስሞም ዮም ዝጽሕፉ።♋2. ገለ ነገር ንዝገበረልካ ሰብ ግድን ገለ ነገር ክትገብረሉ ምድላይ ምሳና ዝውለድ ተፈ...
09/10/2024

🔰 🔰

♋1. 97% ካብ ደቂ ሰባት ሓዳሽ ቢሮ ሂብካ ዝኾነ ቃል ጸሓፉ ምስ እትብሎም ስሞም ዮም ዝጽሕፉ።

♋2. ገለ ነገር ንዝገበረልካ ሰብ ግድን ገለ ነገር ክትገብረሉ ምድላይ ምሳና ዝውለድ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ኢዩ።

♋3. ሓንጎልና ፈጺሙ ቃንዛ ኣይስምዖን ኢዩ። ስለዝኾነ ኢዮም ከኣ ናይ ሓንጎል መጥባሕትታት እቲ ሰብ ብንቑሑ (ብትንሱኡ) ዝካየዱ።

♋4. ሓደ ነገር ክትዝክር ኣብ እትፍትነሉ ፡ካብ ቋሕ ኢልካ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ክትዝክሮ ምስ እትፍትን ዝያዳ ይቐለካ።

♋5. ዝበዝሑ ሰባት ለይቲ ኣብ ዝዛረቡሉ ሓቂ ይዛረቡ። እቲ ምኽንያት ከኣ ሓንጎልና ድቃስ ኣብ ዝስእነሉ ወይ ኣብ ዝደኽመሉ ብዙሕ ክሓስብ ስለዘይክእል እቲ ዘሎ ነገር ዩ ዝቕርበልና።

♋6. መብዛሕትኦም ልዑል ዓቐን ብልሒ (IQ) ዘለዎም ሰባት ለይቲ ኣዝዮም ደንጉዮም ዝድቅሱ ምኻኖም ይንገር።

♋7. ምስ ሓደ ሰብ ተዕልሎ ግዜ እናበዝሐ እንተደኣ ከይዱ፡ ናብ ፍቕሩ ክትወድቕ ዘሎ ተኽእሎ ድማ እናበዝሐ ኢዩ ዝኸይድ።

♋8. እቶም ምሳኻ ኮይኖም ብዛዕባ ካልእ ሰብ ሕማቕ ዝዛረቡ ሰባት ምስ ካልእ ኮይኖም ድማ ብዛዕባኻ ሕማቕ ከም ዝዛረቡ ፍለጥ።

ትርጉም Rising Sun (NA2)

Source Quora

ልቢ ቆልዓ😅ሓደ መንእሰይ'ዩ ና ቤተ ሰቡ ይድውል፡ ሓደ ንእሸቶይ ቆልዓ ድማ ይቅበሎ፡...ወዲ፡ ሄሎ...ቆልዓ፡ ሄሎ...ወዲ፡ ኣቦኻ ኣሎዶ?ቆልዓ፡ እወ።ወዲ፡ ኣራኽበኒ በል።ቆልዓ፡ ኣብ ሳሎን ...
07/24/2024

ልቢ ቆልዓ😅

ሓደ መንእሰይ'ዩ ና ቤተ ሰቡ ይድውል፡ ሓደ ንእሸቶይ ቆልዓ ድማ ይቅበሎ፡...

ወዲ፡ ሄሎ...

ቆልዓ፡ ሄሎ...

ወዲ፡ ኣቦኻ ኣሎዶ?

ቆልዓ፡ እወ።

ወዲ፡ ኣራኽበኒ በል።

ቆልዓ፡ ኣብ ሳሎን ኮይኑ ቲቪ ይልኢ ኣሎ ኣነ ምስኡ የለኹን።

ወዲ፡ በል ኣዴኻ ኣራኽበኒ...

ቆልዓ፡ ንሳ'ውን ኣብ ብላንዳ'ያ ዘላ፡ ንብዓታ ምቁላጽ ኣብዩዋ'ሎ ክትዛለበካ ኣይትኽእልን'ያ።

ወዲ፡ መን ድኣ ኣሎ ኣብቲ ገዛ ብዘይካኻ?

ቆልዓ፡ ጎለባብትና ኣለዉ።

ወዲ፡ በል ኣራኽበኒ ክዛረቦም።

ቆልዓ፡ ንሶም'ዉን ገሊኦም ምስ ኣቦይ ገሊአን ድማ ምስ ኣደይ እየን ዘለዋ።

ወዲ፡ ሕራይ ብዘይክኦም መን ኣሎ?

ቆልዓ፡ ፖላይስ ኣለዉ።

ወዲ፡ በጃኻ ኣገዳሲ ዘረባ ስለ ዘለኒ ንሓደ ካብኣቶም ኣራኽበኒ።

ቆልዓ፡ ንሶም'ውን ኣብዚ ምሳይ የለዉን ምስ ወለደይን ምስ ጎሎባብትናን እዮም ዘለዉ።

ወዲ፡ ኣታ ቆልዓ ኣይትላገጽ ኣራኽበኒ፡ ንሙኻኑ ኣበይ ኢኻ ዘለኻ?

ቆልዓ፡ ትሕቲ ዓላት ተሓቢአ ኣለኹ፡ ኩሎም ድማ ዝጠፋእኩ መሲልዎም ይደልዩኒ ኣለዉ፡ ምስ ለኸቡኒ ከላኽበካ'የ🙂

Abibas Yakio

💚🇪🇷ተፈጸመ 🇪🇷💚
07/20/2024

💚🇪🇷ተፈጸመ 🇪🇷💚

07/14/2024
💚🇪🇷
07/11/2024

💚🇪🇷

07/11/2024

Hattrick for
Biniam🇪🇷
🥇🥇🥇

A man of Dreams ✨
07/07/2024

A man of Dreams ✨

Address

Burnaby, BC

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when 𝐄𝐫𝐢𝐯𝐢𝐛𝐞𝐬 𝐌𝐞𝐝𝐢𝐚 posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to 𝐄𝐫𝐢𝐯𝐢𝐛𝐞𝐬 𝐌𝐞𝐝𝐢𝐚:

Videos

Share

Category


Other Media in Burnaby

Show All