Fenan fenan

Fenan fenan Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Fenan fenan, Newspaper, .

17/12/2022

👉"ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኣምስተርዳም ኣይኮነን፣ ካብ ገነት እውን እንተኾነ መጺኻ ክትኳሸሐሉ፣ ክቡር መስዋእቲ ክትከፍለሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ!" ስውእ ተጋዳላይ ኣታኽልቲ እምባየ
➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖➖©ብፍጹም ተኽላይ
ተጋዳላይ ኣታኽልቲ እምባየ ኣብ መፋርቕ 70ታት ናብ ገድሊ ትግራይ ዝተጸምበረ ኮይኑ፣ ኣብቲ እዋን'ቲ ብNatural science ኣድቫንስድ ድፕሎማ ተመሪቑ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምንባሩ ብቀረባ ታሪኹ ዝፈልጡ ይዛረቡ። እንተኾነ "ህዝቢ ትግራይ ንሓሰረ መከራ ተቃልዑ፣ ኣነ ማቻ ክስመዐኒ ፍጹም ኣይኽእልን ኣይግባእን እውን" ኢሉ ምችው ህይወት/ናብራ ሓዲጉ ስቃይን መከራን ህዝቡ ንምሕጻር ናብ ገድሊ ትግራይ ክወርድ ተገዲዱ'ዩ።

ድሕሪ ዓወት እውን ኣብ ዳግማይ ልምዓታዊ ገድሊ ኣብ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ብዋና ሓላፊነት ተመዲቡ፣ ክሳብ 'ቲ ኩነታት ተፈጢሩ ካብ ስርሑ ዝሰናበት ግብኡ እናፈጸመ ዝመጸ ተጋዳላይ'ዩ።ድሕሪ ምስንባቱ ድማ፣ ናብ ኣውሮፓ ሃገረ ኔዘርላንድ ከተማ ኣምስተርዳም ብምምራሕ ብInternationali Law ማስተርስ ድግሪ ዝተመረቐ ኮይኑ፣ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ድማ ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ህይወቱ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ናብታ ኣዝዩ ዘፍቅራን" ዓለመይ" ኢሉ ዝጽዋዓን ትግራይ ተመሊሱ፣ ናይ ውልቁ ትካል ኣቚሙ ክነጥፍ ምጽንሑ ይዝከር። ጎኒ ጎኒ ናይ ውልቁ ስራሕቲ እውን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባውያንን መንግስቲዊን ስራሕቲ ከም ንዓዱ ዝተዃሸሐ ተጋዳላይ፣ ሞያዊ ሓገዛት እናፈጸመ ጸኒሑ'ዩ።

ጸላእቲ፣ "ትግራይን ህዝባን ንምጥፋእ ሕዚ እዩ እዋኑ" ኢሎም፣ ብኹሉ ገጽ ውህድ ስነኣእምራዊ ወራር ምስ ወልዑ፣ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ድማ ነቶም ብኹሉ ገጽ ዝተፈነው ስነ ኣኣምራዊ ኲናት ንምምካት፣ ናብ ርእሰ ምክልኻል ክኣቱ ተገደደ። በዚ መሰረት ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ተዋፊሮም ዝነበሩ ነባራት ተጋደልቲን ካልኦት ምሁራንን ብምትእኻብን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብምውዳብን ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ገበረ። ምስ ተባዕ ተጋዳላይ ኣታኽልቲ እምባየ ክላለ ዘኽእለኒ ዕድል ዝረኸብኩ እምበኣር ኣብዚ እዋን እዚ እዩ። ኣታኽልቲ እምባየ ብሓቂ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን፣ ኩለንተናዊ ፍልጠትን ምሉእ ዘይጉድል ስብእና ዝወነን ሕሩር ትግራዋይ'ዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ኣብ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽን ዝነበሮ ብቕዓት ዘህርፍ'ዩ። ከም በዓል ኣታኽልቲ ዝኣመሰሉ ኩለንተናዊ ብቕዓት ዝተዓደሉ ሰብ ሞያ ምስናባት ድማ፣ እቲ ውድብ ማዕረ ክንደይ ተባዓትን ብናይ ባዕሎም ሳንባ ዝትንፍሱ ጀጋኑ እናንጠብጠበ ከምዝመጸ በርሃው ኢሉ ይረኣየካ።

ብዝኾነ እቲ ብመልክዕ ልፍንቲ ዝተጀመረ ወታደራዊ ወራር እውን ቀጺሉ፣ ስለዝኾነ ኩነታት ድማ ካብ ከተማ መቐለ ክንወጽእ ስለዘገደደ፣ ኩሉ በብዝተመደቦ ናብ በረኻ ክወጽእ ተገብረ። ተባዕ ተጋዳላይ ኣታኽልቲ እውን ከምቲ ኣብቲ 17 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ምችው ህይወት ሓዲጒ ምእንቲ ምርግጋፅ ራህዋን ቅሳነት ህዝቡ ክብል ሜዳ ወሪዱ ክኳሻሕ ዝኸኣለ፣ ሎሚ እውን ሕድሪ ስውኣት ብጾቱ ኣኽቢሩ፣ ህዝቢ ትግራይ ከይበርስ፣ ትግራይ ድማ ካብ ካርታ ከይትፏሓቕ፣ ህይወት ምችው ናብራ ኣውሮፓ ጠንጢኑ ክኳሻሕ ወሰነ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስ ተጋዳላይ ኣታኽልቲ ኣብ ኣብ ቆላ ተምቤን ዳግም ተራኸብና። ብዛዕባ እቲ ኩነታት እውን ኮፍ ኢልና ኣዋጋዕና። ስማዕ 'ዶ ኣታኽልቲ! ምስቲ ኣካላዊ ኩነታት ዳግማይ እዚ ዓቀብ ቁልቁል ኣይኸብደካን? ብስሩ ኸ ኣብ ኣውሮፓ ኸይድካ ብዝበለጸ ነቲ መኸተ ኣምሓገዝካን? ክብል ሓቲተዮ። "ብህይወተይ እንከለኹ ዓደይ እንትውረር፣ ህዝበይ እንትበርስ ኣውሮፓ ተቐሚጠ ክሪኢ ኣይክእልን፣ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኣምስተርዳም ኣይኮነን፣ ካብ ገነት እውን እንተኾነ መጺኻ ክትኳሸሐሉ፣ ክቡር መስዋእቲ ክትከፍለሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ!"ክብል መሊሱለይ። ኣስዒቡ፣ "ደብረጽዮንን ብጾቱን እኮ ኣብዘይነበርሉ፣ ካልኦት ዘበላሸውዎ ዝተዋህለለ ጸገም ዘስዓቦ መዘዝ ክምክቱ ዘገደዶም፣ ረዚን ቃል ኪዳን ስውኣት ብጾቶምን ሓደራ ህዝቢ ትግራይን'ዩ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ህዝቢ ትግራይ ከምበዓል ደብረጽዮን ዝኣመሰሉ ኣመራርሓ ምርካቡ ዓብይ ጸጋ'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ድማ እዚ ኹሉ ነባር ላዕለዋይን ማእኸላይን ወታደራዊ መሪሕነት፣ ካልኦት ነባራት ተጋደልቲ፣ ምሁራን ኮታስ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ተሰሊፉ ዝጋደል ዘሎ!" ኢሉኒ። ኣታኽልቲ፣ ኩነታት ናይ ምርዳእን ምትንታንን ዓቕሙ ኣዝዩ ዝገርም ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ብዝኾነ "ጅግና ኣይነብርን፣ታሪኽ'ዩ ነባሪ" ከምዝበሃል፣ ጅግና ተጋዳላይ ኣታኽልቲ እምባየ'ውን ከምቶም ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ፣ ምእንቲ እታ ኣዝዩ ዘፍቅራ ዓዱን ምእንቲ 'ቲ ኣዝዩ ዝፈትዎ ህዝቡን ክብል፣ ቅድሚ ዓሚ ከምዛሎሚ 01 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ኢደይ ንጸላኢ ኣይህብን ኢሉ ብክብሪ ተሰዊኡ።

ሓርበኛ ኣይነብርን፣ ታሪኹ'ዩ ነባሪ!!
ዘልኣለማዊ ክብሪን ሞጎስን ንናይ ሎምን ቀደምን ሰውኣትና!

Address


Telephone

+967734830411

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Fenan fenan posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share