27/09/2022
ሃገረ-ሓማሴን!
እዚ ሎሚ: ሃገራዊ ተመሲሉ ተቓዋሚ እየ ዝብል ደሎ ምድረ ጫፍ: መብዛሕትኡ ንኤርትራ ዘይፈልጣ: ኩዑሶ ክጻወት ከሎ ኔስተር ኣብ ትግራይ ኮይኑ ዝስንዱ ካብ ቁጠባ ዝተገለለ : ኣበይ እዩ ሃገሩ ዘይርደኦ ዱሑር ህዝቢ እዩ ኔሩ:: ቀንዲ ሽግሩ ውን ቁጠባዊ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን::
ድሕሪ ሳልሳይ ወራር: ህወሓት ካምፕታት ከፊታ ንህዝቢ ኤርትራ ጎሕጊሓ ንምውጻእ ኣብ ዘንቀደትሉ ግዜ: "ኣብ ካምፕ ኮፍ ኢልካ ከይ ሰራሕካ ዝብላዓሉ ቦታ ኣብ ትግራይ ተኸፊቱ ኣሎ" ምስ ተባሃለ: ትምህርቱን ጉስነቱን ገዲፉ ስርናይ ክወሃብ ንካምፕታት ትግራይ ይጎርፍ ኔሩ::
ሕትኡ ፖለቲካዊ ከምዘይ ነበረ ንምርዳእ:ኣብቲ ግዜ'ቲ ደ'መ'ሓ'ኤ ዝባሃሉ ተቓወምቲ ኣብ ትግራይ ሽመልባ እንዳ መጹ ፖለቲካዊ ጎስጎስ ክገብርሉን ኣንጻር ህግደፍ ከዕጥቕዋን ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ: ፍዕራ ውን ከይ ገበረሎም: መምጽኢኡ ክበልዕ እምበር ብጥይት ክብላዕ ከምዘይኮነ ብምግላጽ: ፖለቲካ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ይገልጽ ነበረ::
ህወሓት ውን ብግዲኣ እቲ ህዝቢ: ብሃገሩ ዘይኮነስ: ብስደቱን ከብዱን ጥራሕ ዝግደስ ክኸውን: ናይ ኣልፍን ኦሜጋን መትከላ ስለ ዝኾነ ካብ ሽመልባ ንኣመሪካ ክትልእኮ ጀመረት::
ምስዞም ቀዲሞም ንሽመልባ ዝኣተዉ ሰባት እስራኤል ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ እየ ተላልየዮም:: ብዙሓት ካብዚ ከባቢ እዚ ዝመጹ ምሳይ ኔሮም: ከነዕልል ከለና: ንሶም ዘዕልልዋ: ኣብ ካምፕ ዘሕለፍዋ ናብራ ኮይኑ ተመሳሳሊ ነበረ:: ኣነ ከዕልል ከለኹ ግን ብተመስጦ: ከም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ጌሮም እዮም ዝሰምዑኒ ዝነበሩ::
ከይትግረሙ: መብዛሕትኦም: ትምህርቶም ኣብ 8ይ ክፍልን ትሕቲኡን ዘቋረጹ ስለ ዝነበሩ: ብዛዕባ: ሳዋን ማይነፍሕን ከዕልሎም ከለኹ: ዘርእይዋ ተመስጦ ክርኢ ከለኹ: ምስ እዚኦም ኢና ኤርትራውያን ንባሃል ክሳብ ዝብል እየ ዝኸውን ዝነበርኩ::
ኣብዚ ሕጂ እዋን: ቤተሰቦም ኣኪቦም: ንኤርትራ ኩቦ ደርብዮምላ: ካብታ መሬት ጭራሽ ዝጸነቱ ከባቢ እዮም:: ስለ'ዚ እዩ ድማ እታ ዓዲ ሚሳይል ይእተዋ: ሮኬት ጉዳዮም ዘይኮነ:: ካብ ሰገነይቲ ክሳብ ዶብ ዘለዉ: ቤቶም ብመፍትሕ ዓጽዮም ዝመጹ እዮም::
ሕጂ ኪንዮ ውቅያኖስ ተሰዲዶም: ያኢ ህወሓት ፌራ: ንህዝቢ ኣስመራን ከባቢኣን ደምሲሳ ስልጣን ክትህቦም ካብ ዝብል ሱሱዕ ሓሳብ: ምስቲ ሓላል ህዝቢ ሓማሴን ደምነት ክተኽሉ ሒኽ ይብሉ ኣለዉ:: ንምጭካን ምእንቲ ክጥዕም: ንህዝቢ ሓማሴን ኣምሓራይ እዩ በሉዋ እንዳ በሉ: ንህወሓት ቹብ ክብሉልና ይውዕሉ ኣለዉ::
ንሕና ግን: እቲ ክድምሰስ ዝደልይዋ: ጅግና ሰራዊት: ናህናን ክፍል ስድራቤትናን እዩ: እታ ሚሳይል ክኣትዋ ዝምነይዋ ኣስመራ: ዓድና እያ:: እቲ ህዝቢ ናህና እዩ: እታ ሃገር ናህና እያ:: እቲ ዶብ ሓጹርና እዩ:: ባድመ ብቐንዱ መሬት ሊባንን: ሕምብርትን እዩ:: መስዋእቲ ክንከፍለሉ ከኣ ሓላል እዩ:: ኣብ ልዕሊ ሃገርና ሓልዮት ንክህልወና: ምስቲ ኣብ ስልጣን ደሎ ስርዓት ክንፍቶ ግዴታ ኣይኮነን:: ሃገር ናይ ወሎዶታት እያ: ስርዓት ሓላፊ እዩ::