07/08/2024
ብሪጣንያ፡ ጸረ-ስደተኛታት ዘልዓልዎ ዕግርግር ናበይ ከመርሕ ይኽእል? ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ሓያለ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ልዕሊ 150 ሰባት ድሕሪ ምእሳሮም፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሎሚ ሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።
እዚ ናዕቢን ዕግርግርን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታመር ኣብ ሮተርሃም ኣብ ልዕሊ’ቲ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝነብሩሉ ሆቴላት መንበሪ ኣባይቲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምዅናን፣ ነቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክገብር ምዃኑ ቃል ድሕሪ ምእታዉ ዝተላዕለ እዩ።
ትማሊ ሰንበት ፖሊስ ብሪጣንያ ኣብ ሮተርሃም፡ ሚድልስብሮ፡ ቦልተንን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ንዝተራእየ ናዕቢ ግብረመልሲ ሂቡ'ሎ።
እዚ ክካየድ ተጸዊዑ ዘሎ ብ ‘ኮብራ’ ዝፍለጥ ህጹጽ ኣኼባታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሳውዝፖርት ሰለስተ መንእሰያት ኣዋልድ ብኻራ ድሕሪ ምቕታለን፡ ንዝሰዓበ ናዕቢ ሽዱሽተ መዓልቲ ምላሽ ንምሃብ ዝካየድ እዩ። ኣኼባታት ኮብራ፡ ንዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ኵነታት ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ዝጽዋዕ ኣኼባ ኰይኑ፡ ኮሚቴ ሚኒስተራት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ፖሊስ፡ ጸጥታን ካልኦትን እቲ ኵነታት ብቐረባ ዝምልከቶም ኣካላትን ዘጠቓልል ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ሎሚ ሰኑይ ዝካየድ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ናዕቢን ዕግርግርን ኣብ ዝስዕብ መዓልታት ክወሃቦ ዝኽእል ግብረመልሲ ንመንግስቲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ኣኼባ ከም ኣካል ናይቲ ድሮ ከም ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓለፍቲ ፖሊስን ከምኡ’ውን ብቀዳም ድማ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሚኒስተራት ዝተኻየደ ኣኼባታት ጌርካ ከም ዝርአ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ብሰንበት ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ኣብዚ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት መጠንቀቕታ ብምሃብ ብተግባራቶም "ክጣዓሱ እዮም" ክብል ተሓንዩ።
"ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ሰባት ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፤ እዚ ኰይኑ ግን ማሕበረሰባት ኣስላም ብፍሉይ ዒላማ ክዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ መጥቃዕቲ ክፍጸሙ ርኢና ኢና" ኢሉ።
"ካልኦት ውሑዳን ማሕበረሰባት ተገሊሎም፣ ንናዚነት ዘዘኻኽር ሰላምታ ኣብ ጐደናታትና ይርአ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፣ ዓሌታዊ ቃላትን ዓመጽን ዘሕፍር ተግባራት ሕሉፋት ኣኽረርቲ የማናውያን እዩ።”
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሓድሽ መስርሕ ንመሳጊድ ዝዓበየ ሓለዋታት ክግበር፣ ብዝተኻእለ ቅልጣፈ ስርዓተ ጸሎት [ስግዳን] ናብ ንቡር ክምለስ ንምኽኣል "ህጹጽ ሓይሊ ጸጥታ" ንምውፋር ክሕተት ከምዝዀነ ገሊጹ። ኣብ ዶርሰት፡ ካብቲ ካልእ ወገን ዝመጹ 600 ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ወይማውዝ ክተኣኻኸቡ ተራእዮም። ኣባላት ፖሊስ፡ ብውሑዳት ሰባት ዝተወሰነ ግጭት ከምዘጋጠመን፡ ሓደ ሰብ ብገበን ህዝባዊ ስርዓት ከምዝተኣሰረን ገሊጾም።
ኣብ ቦልተን ድማ፡ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀኑ ሰልፈኛታት፡ ብኣንጻሩ "ኣላሁ ኣክባር" - ወይ "እግዚኣብሄር ዝዓበየ እዩ" ዝብል ጭርሖታት ብዘልዓሉ ክሳብ 300 ዝዀኑ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰባት ገጢሞምዎም።
ፖሊስ ማንቸስተር ኣብታ ከተማ ብዓንቀጽ 60AA ሰባት "መልክዖም ንምሽፋን ወይ ንምሕባእ ዝጥቀሙሉ መሸፈኒ ገጽ ክኣልዩ" ዝጠልብ ትእዛዝ ኣውጺኡ።
እዚ ዓመጽ፡ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን ኣብ ሳውዝፖርት፡ ቤልፋስት፡ ሃርትልፑል፡ ሃል፡ ሊቨርፑል፡ ስቶክ ኦን ትረንት፡ ኖቲንግሃም፡ ሳንደርላንድን ካልኦት ቦታታትን ዝተራእየ ተመሳሳሊ ናዕቢ ስዒቡ ዝተፈጥረ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ሰር ኬር ስታመር፡ እቲ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ዝወሃብ ግብረመልሲ፡ ምስቲ ኣብ 2011 ዳይረክተር ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝተፈጸመ ናዕቢ ተመሳሳልነት ክህልዎ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
በዚ መሰረት፡ ስርዓተ ሕጊ ብግቡእ ንኽሳለጥ ዘኽእል ፍርዲ ብኣጋ ክወሃብ ምድላዋት ከምዝተገብረ ኣረዲኡ።
"ኣነ ንባዕለይ ኣብ 2011 ዳይረክተር ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣካል ናይዚ እየ ነይረ፤ ነዞም ሸፋቱ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝድለ ክንገብር ድማ ቈሪጸ ኣለኹ።"