TNN

TNN Fact with us!

ብመርትዖ ዝተደገፈ ጥሉል ሓበሬታ እትምገብሉ ገዛ ::

ኣብ  #ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዛጊድ ፍትሒ ከምዘይረኸባ ተሓላቂት ደቂ ኣንስትዮ ዳናይ ጉሪራ ምስክርነታ ሂባ።ፀሓፊት ተዋስኦን ተዋሳኢትን ...
18/05/2024

ኣብ #ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዛጊድ ፍትሒ ከምዘይረኸባ ተሓላቂት ደቂ ኣንስትዮ ዳናይ ጉሪራ ምስክርነታ ሂባ።

ፀሓፊት ተዋስኦን ተዋሳኢትን ዳናይ ጉሪራ ኣብ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብመደብ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ክኾና ከምዝተሰረሐ ብመርትዖ ዝተረጋገፀ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ተበደልቲ ዛጊድ ፍትሒ ከምዘይረኸባ እያ ምስክርነታ ሂባ ዘላ።

ተፈላጥነታ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ በደል ትሕለቅ ዳናይ ጉሪራ፣ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጠሚቱ ኣብ ዘሳለጦ ክትዕ ተረኺባ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተፈፀመ በደል ብምልዓል ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎ በደል እንተሎ ተበደልቲ ዛጊድ ፍትሒ ከምዘይረኸባ ገሊፃ።

ዳናይ ጉሪራ ብተዋስኦ ተቐባልነት ዝረኸበት ተዋሳኢት ምኳና ዝፍለጥ እንትኾን፣ ኣብ "ብላክ ፓንተር" ጀነራል ኦኾየ ዝተሰየመት ገፀባህሪ ተላቢሳ ዝሰረሐቶ ተዋስኦ ካብቶም ተፀራሕቲ ስራሕታ ሓደ እዩ።

ሰበር ዜናኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኸፊታ ፤ ኣብ መላእ እስራኤል ድምፂ ደወል ሓደጋ እናተሰምዐ እዩ።ቅድሚ 12 መዓልቲ እስራኤል ኣብ ልዕቲ ቆንስላ ኢራን ኣብ ሶርያ ብዝፈፀመቶ ደብ...
14/04/2024

ሰበር ዜና

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኸፊታ ፤ ኣብ መላእ እስራኤል ድምፂ ደወል ሓደጋ እናተሰምዐ እዩ።

ቅድሚ 12 መዓልቲ እስራኤል ኣብ ልዕቲ ቆንስላ ኢራን ኣብ ሶርያ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ላዕለዎት ጀነራላት ኢራን ሓዊሱ 13 ሰባት ቀቲላ ምንባራ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኢራን ንእስራኤል ክትብቀል ሃቂና ስጉምቲ ከምትወስድ እናተሓነየትን እናፈከረትን ድሕሪ ምፅናሕ እያ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ጀሚራ ዘላ።

ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሄዝቦላህ ብኣንፈት ሰሜናዊ እስራኤል ደብዳብ ሚሳኤል ፤ ኣብ የመን ዘሎ ሁቲ ድማ ደብዳብ ድሮን ጀሚሮም ኣለው።

መቀበሊ ቃል እስራኤል ከምዝበሎ እንተኾይኑ "ካህይበር " ዝተብሃለ ሓያል ሚሳኤል ሓዊሱ ልዕሊ 300 ሮኬታትን ሚሳኤላትን ኣብ ምድሪ እስራኤል ምዕራፎም ተዛሪቦም። እቲ "ካህይበር" ዝተብሃለ ሚሳኤል ድማ ኣብ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ከቢድ ዕንወት ከምዘብፀሐ ግልጋሎት ዜና ኢራን ፀብፂቡ።

ብድጋፍ ኣሜሪካን እንግሊዝን ልዕሊ 1 ሚኢቲ ድሮናትን ሚሳኤላትን ተወቂዖም ኣብ ዶብ እስራኤል ከምዝወደቁ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም እናፀብፀብዎ ይርከቡ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝበፅሕ ጥቅዓት ንምክልኻ ድልዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለው።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ድጋፈን ንእስራኤል እናገለፃ ኾይኑ ብኣንፃሩ ድማ ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ኢራናውያን ኣብ ኣደባባይ ወፃኦም ታሕጓሶም ኣብ ምግላፅ ኣለው።

TNN

ኣሜሪካ ብኣንቶንዮ ብሊንከን ኣቢላ ንእስራኤል ምድጋፍ ከም እትቕፅል መግለፂ ኣውፂኣ ኣላ።ኣሜሪካ  ነቲ ናይ ኢራን ተግባር እውን  ብትሪ እዮም ኮኒኖምዎ ዘለው። ኣንቶንዮ ብሊንከን ምግዳድ ኣይ...
14/04/2024

ኣሜሪካ ብኣንቶንዮ ብሊንከን ኣቢላ ንእስራኤል ምድጋፍ ከም እትቕፅል መግለፂ ኣውፂኣ ኣላ።

ኣሜሪካ ነቲ ናይ ኢራን ተግባር እውን ብትሪ እዮም ኮኒኖምዎ ዘለው። ኣንቶንዮ ብሊንከን ምግዳድ ኣይንደልን እምበር ንመከላኸሊ ሃገረ እስራኤል ክንድግፍን ንኣባላትና ክከላኸለለንን ኢና ክብል እዩ ተዛሪቡ ዘሎ። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ ኢራንን ካልኦትን ዝውሰድ ስጉምቲ ክህሊ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታትን መዓልታትን ኣብቲ ዞባን ዓለምን ምስ ዘለዋ መሓዙትን መሻርኽትን ክትመክር ከም ዝኾነት እውን እያ ብኣንቶንዮ ብሊንከን ኣቢላ መግለፂ ኣውፂኣ ዘላ።

ስለዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣንፃር እስራኤል ዝስለፋ ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኢራንን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክንሪኦ ኢና። እዚ ጉዳይ ግን 3ይ ውግእ ዓለም ከየልዕል ዓብይ ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ።

ሐዚ እውን ኣብ እስራኤል ዘለኹም ተጋሩ ፈጣሪ ምሳኹም ይኹን።

መራሕቲ ህውሓት ውድቦም ንምድሓን ኣብ ኣኼባ ስለዘለው 3ይ ውግእ ዓለም ክጅም ይኽእል እዩ ዘብል ውግእ ኣብ እስራኤል ከም ዝተጀመረ ናብቲ ኣኼባ ኣቲኹም ንገርዎም።

TNN

13/04/2024

NEWS
🇮🇳 🇮🇱

🇮🇳ኢራን ከ100 በላይ ሚሳኤልና ድሮን
ወደ 🇮🇱እስራኤል ተኵሳለች (ልካለች )

🇮🇳ከኢራን ወደ እስራኤል🇮🇱 ምድር 2000 ኪሎ ሜትሮች ገደማ አቛርጦ በሰሜን እስራኤል ጫፍ ሲደርስ በእስራኤል ፀረ ድሮን ሁሉም ይከሽፋሉ ተብሎ ይጠበቃል።

🇮🇱እስራኤል በተጠንቀቅ መሆንዋን ጠቅላይ ሚንስትሩ በሰበር ከቤተ መንግስታቸው ቴላቪቭ በሚገኘው የመከላከያ ማዘዣ ጣብያ በሔሊኮፍተር ወርደው አስታውቛል።

በሰዓታት ውስጥ ነው ተብሏል😭

ኲናት እስራኤልን ኢራንን + ዝረወሰና ኣዕራብ ጀሚሩ።ኢራን ኣማኢት ድሮናትን ተምዘግዛሂ ምሳይላትን ናብ እስራኤል ሊኢኻ ኣላ። እቲ ምሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ንብጻሕ 9:00 ሰዓታት ክ...
13/04/2024

ኲናት እስራኤልን ኢራንን + ዝረወሰና ኣዕራብ ጀሚሩ።
ኢራን ኣማኢት ድሮናትን ተምዘግዛሂ ምሳይላትን ናብ እስራኤል ሊኢኻ ኣላ። እቲ ምሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ንብጻሕ 9:00 ሰዓታት ክወስደሉ እዩ።ሓይሊ ኣየር እስራኤልን ማእኸል መምከኒ ሚሳይላትን ነዚ ንምፍሻል ኣብ ምሉእ ምድላውን ብቅዓትን ከም ዝድለዉ ይሕብሩ። ኣብ ዶባት እስራኤል ከይበጸሐ ከምክንዎ ምኻኖም ድማ ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ ናይ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብኢራንን ተመወልታን ኣዕራብ ዝተኣወጀ ወፍሪ ኲናት ፍሉይን ኣስጋእን ዝገብሮ ብሓንቲ ግዜን ሰዓት ማለት ሂዝቦላህ ሶርያን የመን ሑትን ሚሳይላቶምን ዘለዎም ኣጽዋርን ብሓንቲ ግዜ ክስድዉን ክድብድቡን ምዃኖም እዩ። ብሓንቲ ግዜ ዝተፈነወ ካብ ኩለን ሃገራት ሚሳይላት ንምቁፃር በዳሂ ይገብሮ ስለዚ ኣብ እስራኤል ዝነበር ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብርን ደወል ክሰምዕ እከሎ ናብ ውሑስ ክኸይድን ይግባእ።

TNN

13/04/2024

ኢራን Ababil-5 (AB-V ) ዝዓይንተን ድሮን ናብ እስራኤል ሰዲዳ ስለዘላ ኣብኡ ዘለኹም ተጋሩ ጥንቃቐ ግበሩ::ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብዝሃቦ መግለፂ እተን ሰብ ኣልቦ ድሮናት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት "ናብ እስራኤል ክበፅሓ እየን" ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ::

TNN

ኣመሪካ ኣጥንቂቃ☝️--- #ብኢራን ዝሕገዝ ሒዝቦላህ 40 ሚሳይል 🚀ናብ እስራኤል ቶኪሱ (ኣወንጪፉ) ኣሎ።ኣሜሪካ ንኢራን ኣጠንቂቓ። ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ እንተ'ፈፂማ ኣሜሪካ ብ...
13/04/2024

ኣመሪካ ኣጥንቂቃ☝️
---
#ብኢራን ዝሕገዝ ሒዝቦላህ 40 ሚሳይል 🚀ናብ እስራኤል ቶኪሱ (ኣወንጪፉ) ኣሎ።

ኣሜሪካ ንኢራን ኣጠንቂቓ። ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ እንተ'ፈፂማ ኣሜሪካ ብሙሉእ ሓይላ ኣብ ጎኒ እስራኤል ከም ትስለፍ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣፍሊጦም።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ መራኽብ ኵናት ኣሜሪካ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተላዒለን ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝምክታሉ ቦታ ክሕዛ ባይደን ኣዚዞም ኣለው።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምትፍንው መረዳእታ ረኺበ'የ ክትብል ሑቡራት ኣመሪካ ኣፍሊጣ። ኣብ እስራኤል ከተማታት ቴልኣቪቭን እየሩሳሌ...
13/04/2024

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ውሽጢ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምትፍንው መረዳእታ ረኺበ'የ ክትብል ሑቡራት ኣመሪካ ኣፍሊጣ። ኣብ እስራኤል ከተማታት ቴልኣቪቭን እየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣመሪካውያን ካብ ፍኑው ምንቅስቓስ ኽቑጠቡ'ውን ኣጠንቂቓ።

ኢምባሲ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ሎምን ፅባሕን ዘይዘልል መጥቃዕቲ ንምፍናው መደብ ከምዘለዋ ኣመሪካ መረዳእታ ከምዝረኸበትን ኣብ ዝዘርገሖ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ኣፍሊጡ'ሎ።

ዋል ስትሪት ጆርናል ንወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና'ውን ኢራን ሎሚ ወይ'ውን ፅባሕ ንእስራኤል ከተጥቅዓ ትኽእል እያ ክብሉ ተወሳኺ መረዳእታ ከምዝሃቡ ኣቃሊሑ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ ምዃና ድሕሪ ምፍርራሕን ትማሊ ፈረንሳይ ሎሚ ድማ ኣመሪካ ንዜጋታተን ጥንቃቐ ንኽግበር ምፅውዐን ስዒቡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከቢድ ወጥርን ፍርሕን ነጊሱ'ሎ።

ኢራን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ እያ ዝብል ስክፍታ እናዓበየ ብምምፅኡ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከይገሹ ኣጠንቂቐን ኣለዋ። በረራታት መንገዲ ኣየር ናብ ሃገረ እስራኤል ድማ ይስርዛን የናውሓን ከምዘለዋ ተረጋጊፁ'ሎ።

እስራኤል ብወገና ዘላትሉ ህሞት ኣብ ፅንኩር እዋን ከምዘላ ብምግላፅ ኣብ ልዕሊኣ ንዝፍኖ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ሕነ ከምትፈዲን ግብረ መልሱ ከቢድ ከምዝኾነን ፈታውን ፀላእን ክፈልጥ ይግባእ ክትብል ኣጠንቂቓ'ላ።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ትሽዓተ ኢራናውያን ምቕታላ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ዝተፈጠረ ምፍጣጥ ሰማይ ዓሪጉ'ሎ።

ሃገረ ዝምባብዌ ብወርቂ ዝተለበጠ ሓድሽ ገንዘብ ኣሐቲማ ንኣገልግሎት ከምዘብቀዐት ኣፍሊጣ።እዚ ሓድሽ ገንዘብ "ዚግ" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኮይኑ ካብ "ዚምባብወ ጎልድ" ካብ ዝብል ሽም ዝተወሰደ መፀ...
06/04/2024

ሃገረ ዝምባብዌ ብወርቂ ዝተለበጠ ሓድሽ ገንዘብ ኣሐቲማ ንኣገልግሎት ከምዘብቀዐት ኣፍሊጣ።

እዚ ሓድሽ ገንዘብ "ዚግ" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኮይኑ ካብ "ዚምባብወ ጎልድ" ካብ ዝብል ሽም ዝተወሰደ መፀውዒ እቲ ሓድሽ ብወርቂ ዝተለበጠ ገንዘብ'ዩ ።

ገንዘብ ዚግ ብወርቅን ካልኦት ክቡራት ማዕድናት ከምዝተሰርሐ'ዩ ሃገራዊ ባንክ ዝምባብዌ ገሊፁ ዘሎ።

ዝቕባበ ገንዘብ እታ ሃገር ባይታ ምስ ዘበጠ ጎናጎኒ እቲ ዝፀንሐ ገንዘባ ክሳብ ዶላር ኣብ ዕዳጋ ሃገራ ክዘዋወር ኣፍቂዳ ዝነበረት ዝምባብዌ ፤ ቁጠባ እታ ሃገር ንምርግጋእን ነቲ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ንምቁፅፃርን ዓሊማ ንዚ ብወርቂ ዝተለበጠ ሓድሽ ገንዘብ ከም ዘሐትመት'ውን እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቶም ሳንቲም ወርቂ ከከም ኣህጉራዊ ዋጋ ወርቂ ብዝተፈላለየ ናይ ውሽጢ ዓዲ ገንዘብን ብዶላር ኣሜሪካ ከምኡ እውን ካልኦት ናይ ወፃኢ ገንዘባት ንመሸጣ ከምዝቐርቡ ወሲኹ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቶም ሳንቲም ካብ 22 ካራት ወርቂ ከምዝተሰርሑ እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣረዲኡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች 'ቅትለት መርኣዊ' ብሕቡራት ሃገራት ክጻረ ጸዊዑ;;ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ከተማ መርዓዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ተባ...
04/04/2024

ሂዩማን ራይትስ ዎች 'ቅትለት መርኣዊ' ብሕቡራት ሃገራት ክጻረ ጸዊዑ;;

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ከተማ መርዓዊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ተባሂሎም ካብ ዝኽሰሱ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሎሚ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማ መርዓዊ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝቐተለን፡ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸመን ይሕብር።
እቲ ትካል ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር ሓይልታት ፈደራል ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት መሰላት ፈጺሞም ኢሉ ብምኽሳስ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ናጻ ምርመራ ከካይድ ሓቲቱ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ን20 ስድራቤታት ግዳያት፡ መሰኻኽርን ነበርትን ቃለ-መሕትት ብምግባር፡ መባእታዊ መርመራ ሎሚ ዕለት 26/2016 ዓ.ም [ግ] ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ፀብፃብ፡ 16 ለካቲት 2016 ሓይልታት መንግስቲ ሸሞንተ ንጹሃት ዜጋታት ቀቲሎም ይብል።
ምክትል ዳይረክተር እቲ ትካል ለቲሻ ባደር፡ ሓይሊታት መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ብጭካነ መቕተልቲ ከምዝፈፀሙ፡ ኣብቲ ክልል ሕግን ስርዓትን የኽብር ኣለኹ ዝብል ቅዋሙ ዘጻባእ ከምዝዀነን ተዛሪባ።
ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ዕጥቃዊ ግጭት ክልል ኣምሓራ ስዒቡ ዝፍፀም ዘሎ፡ ቅትለት ንጹሃት፡ ምስዋር፡ ዘመተን ምዕናው ንብረትን ከም ገበን ኲናት ክረአ ከምዝኽእል ሓቢራ።
ብዛዕባ ቅትለት መርዓዊ
ቢቢሲ ድሕሪ እቲ ቅትለት ኣብታ ከተማ ኵነታት ነበርቲ እንታይ ይመሰል ኢሉ ዳህሰሲ ነይሩ።
ከተማ መርዓዊ፡ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህርዳር 35 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ ፌደራላዊ መንገዲ ኣብ ክልተ መቒልዋ ዝሓልፍ ከተማ ኰይና፤ ኣብ 1940ታት ከም ዝተመስረተት ይንገር።
ካብ ግድብ መስኖ ቆጋ ሸውዓተ ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ መርዓዊ፡ ዓመት ምሉእ ሸዊት ስለ ዘይሰኣና፡ ‘ሓምለወይቲ’ እናተበሃለት ከምእትጽዋዕ ነበርታ ይዛረቡ።
ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታታ ምዃና ዝንገረላ ከተማ መርዓዊ፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ጐጃም ካብ እትኸውን ንደሓር ንክልተ ዓመት እኳ ኣይገበረትን።
ልዕሊ 52 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብረላ ይንገር። 20 ጥሪ 2016 ዓ/ም [ግ] ዝተፈፀማ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ግን ሰላም ኣስኢኑዋ ይርከብ።
ነበርታ እታ ከተማ፡ በብዓመቱ ኣብታ ከተማ ዝኽበር በዓል ማርያም ንምኽባር ይጓየዩ ነይሮም።
እንተዀነ፡ ኣብ ድሮ እቲ በዓል፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ስድራ እቶም ዝሞቱን መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ፋኖን "ከቢድ ውግእ" ስዒቡ፡ ንሰዓታት ኣብ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ካብ 50 ክሳብ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዛረቡ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ መንነቶም ዝተረጋገጸ 45 ሰባት ከምዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ዝፍጸም ክልተ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ።
ድሕሪ እዚ መንግስቲ ዘይቕበሎ ክሲ፡ ስድራ ዝሞቱን ነበርትን ከመይ ገይሮም ህይወቶም ይመርሑ ኣለዉ?
ስድራ ግዳያት እንታይ ይብሉ?
ወይዘሮ ፀሃይ* 20 ጥሪ - 2016 ሓደ ካብቶም ብዙሓት ህይወቶም ዝተበታተነ ነበርቲ መርዓዊ እዩ። ተመርዕያ መውስቦ ካብ እትፍፅም ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እያ ገይራ።
“ኣብታ ከተማ ድምጺ ተዅሲ ምስ ተሰምዐ ገዛ ዓጽና ኮፍ ኢልና ነይርና” ትብል።
ወ/ሮ ፀሃይ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምስ በለ ማዕጾ ከፊትና ትብል። "ከምኡ እንተዘይከውን ጽቡቕ ነይሩ" ክትብል፡ እታ ህይወታ ዝተቐየረትላ ህሞት ትገልጽ።
“ቀዳሞም ናብቲ ናትና ገዛ ዝኣተዉ ይመስለኒ። [ንሰብኣያ] ካብ ገዛ ኣውጺኦም ኣንበርኪኾምዎ። ኣብ ሕቑፉ ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻን ሓቚፉ ነይሩ፤ ነቲ ቈልዓ ክሳብ ዘውርዶ እኳ ኣይተጸበዩን፡ መንጢሎም ክቐትልዎ" ክትብል ገሊጻ።
ወዲ 32 ዓመት በዓል ቤታ ከምዝተቐትለ እትዛረብ ወይዘሮ ፀሃይ፡ ወዲ ክልተ ወርሒ ወዳ ኣብ ዓራት ምስ ወደቐ ኣብ ክሳዱ መጕዳእቲ ከም ዝበጽሖ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ቅድሚ ሕጂ ብኣታዊ በዓል ቤታ ተመርኲሶም ይነብሩ ከም ዝነበሩ እትዛረብ ወ/ሮ ፀሃይ፡ ድሕሪ ቅትለት በዓል ቤታ፡ “ዛጊድ ዘይምማተይ” ክትብል፡ ነቲ ሓድሽ ህይወት ብሕጽር ዝበለ ቃል ትገልጾ።
“ኣነ ጥራይ እንተዝኸውን ጸገም የብሉን፤ ክጻወሮ ይኽእል ነይረ። ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻን ሒዘ ግን ተጸጸጊመ። ደው ኢለ ምኻደይ ብርትዕቲ እየ” ትብል።
ኣቶ ዝናቡ*፡ ከም ወ/ሮ ፀሃይ፡ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ጥንስቲ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ እንጀራ እናሰነከተት ከላ ኣብ "ግንባራ" ብጥይት ከምዝተሃርመት ይዛረቡ።
“ርእሳ ስለ ዝሃረመት። ኣብ ርእሲኡ ድማ ጥንስቲ ስለ ዝነበረት [ከይተቐብረት] ክትሓድር ኣይትኽእልን እያ" ስለዝተበሃለ፡ ሬሳ በዓልቲ ቤቱ ኣብታ ካብ መርዓዊ 14 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ዓዱ [ገጠር] ተወሲዳ ተቐቢራ።

17/03/2024

ኣብ ትግራይ መሽረፈት ዝደለያ
ብጌታቸውን ብፃድቃንን ጌሩ ይፍፅም ኣሎ!
ንምሳሌ ፡ ቀደም ሞይቱ ዝተቐበረ ካውንስል ንምጥያሽ ዝግበር ፈንጠርጠር

 #ሕፃፅ ዳግም ነቢዓ💔ኣብ ወረዳ ኣስገደ እትርከብ ጣብያ ሕፃፅ ፍልይ ቦታ ኣብዚ ፎቶ ዘላ ንእሽተይ ጎቦ ጉሒላታት ወርቂ ከውፅኡ ክንኣቱ ኣይትኣትውን ብዝብል ምስምስ ዛጊድ ብጣቕላላ 6ተ ተጋደ...
17/03/2024

#ሕፃፅ ዳግም ነቢዓ💔

ኣብ ወረዳ ኣስገደ እትርከብ ጣብያ ሕፃፅ ፍልይ ቦታ ኣብዚ ፎቶ ዘላ ንእሽተይ ጎቦ ጉሒላታት ወርቂ ከውፅኡ ክንኣቱ ኣይትኣትውን ብዝብል ምስምስ ዛጊድ ብጣቕላላ 6ተ ተጋደልቲ( ብክብሪ ዝፈሰናበቱ ኣባላት ) መስዋእቲ ከፊሎም ኣለው😭።

ካብቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ንህዝቢ ወጊኖም ዝነበሩ ተጋደልቲ ብፆት እታ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወራር 13 ታንክታት ዘቃፀለ ጅግና እዩ።

ካብ ስቭል 32 ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ኣትዮም ኣለው።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ እውን ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

17/03/2024

'ምምላስ ተመዛበልቲ' ዝብል ሓዱሽ ሽፋን ተዋሂቡ!ዓይንና እናረኣየ:ልዕሊ 30% ሕጋዊ ርስትን መሬትን ትግራይ-ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ!

17/03/2024

በታሪክና በሪፈረንደም የሚፈቱ የትግራይ ህዝብ ሉዓላዊ መሬት ላይ ከሆነ የትግራይ ህዝብ የሚጠይቀው ሉዓላዊ መሬቱም እንዳለው ሳንዘነጋ ተጨማሪም
በአማራ እና በቤንሻንጉል(መተከል)፣በአማራ እና በኦሮሚያ(ደራ) ፣በኦሮሚያ እና በሱማሌ፣በአማራ እና በአፋር ወዘተ የወሰን የይገባኛል ጥያቄዎች አሉ።እነዚህም በሪፈረንደም ይፈታሉ ማለት ነው?

ከይርሳዕ!☝🏾                                    ባንዳታት ደቂ ይሁዳ🐍
17/03/2024

ከይርሳዕ!☝🏾 ባንዳታት ደቂ ይሁዳ🐍

17/03/2024

እንታይ ኣለና ንብሎ
ናትና ንውንኖ
ገድሊ መሪር እዩ እኮ ህይወት ዝህገሮ
ኣብ ልኡኽ ውዒልካ ትምለስ ጎዶሎ ትፈትዎ ከፊልካስ ዓወት ትምቀሎ 💔

የእስክንድር ኣዲስ ኣገር ካርታ:🤔"በብልጽግና መንግስት አሻጥር፤ የአማራ ህዝባዊ ግንባር እንዴት በአርበኛ ዘመነ ካሴ እንደከሰመ አጭር ታሪክ❗️**********************ባለፈው አመት...
17/03/2024

የእስክንድር ኣዲስ ኣገር ካርታ:🤔

"በብልጽግና መንግስት አሻጥር፤ የአማራ ህዝባዊ ግንባር እንዴት በአርበኛ ዘመነ ካሴ እንደከሰመ አጭር ታሪክ❗️
**********************
ባለፈው አመት ግንቦት ወር ላይ የቀድሞ ጋዜጠኛ እና የባልዳራስ ፓርቲ ፕሬዝዳንት የነበረው እስክንድር ነጋ የአማራ ሕዝባዊ ግንባርን መሰረተ፡፡ ይህ ግንባር በትጥቅ ትግል መንግስትን በመጣል የአማራ ሐገርን ለመመስረት የተፈጠረ ነው፡፡ ብሄርተኛ ታጣቂው ሐይል ከታች የሚታየው ካርታ መሰረት በማድረግ የአማራ ሐገር ለመፍጠር አስቦ ነበር ወደ ትግል ለመግባት የሞከረው፡፡

እንደሚታወቀው የሱማሌ እና የኦሮሞ እንዲሁም የትግራይ ብሄርተኞች ሐገር ለመመስረት የሚፈልጉት የራሳቸውን ክልል በመገንጠል ነው፡፡ እስክንድር ነጋ የሚመራው ትግል ግን ከአማራ ክልል በተጨማሪ አዲስ አበባን፤ ሸዋን ሙሉ፤ ወልቃይት - ሁመራ - ጸገዴን፤ ራያን፤ መተከል እስከ አባይ ግድብ ድረስ ያለውን፤ ከፊል ወለጋን፤ በአፋር እስከ ኤርትራ ድንበር፤ በከፊል ደቡብ፤ አርሲና ባሌንም በመቁረስ ነው፡፡

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ይህንን ትግል ለማድረግ በመጀመሪያ ከውጪ ሐገር ከዲያስፖራ ደጋፊዎቹ ወደ 370 ሺ ዶላር ገንዘብ ሰብስቦ በመምጣት እና ወደ ጎጃም ጫካ በመግባት ነበር ትግሉን በግልጽ እንደጀመረ የተዘገበው፡፡ በወቅቱ ሻለቃ ዳዊት ወልደ ጊወርጊስ ደግሞ የአማራ ሕዝባዊ ግንባር የውጪ ድጋፍ አስተባባሪ ሆነው ገንዘብ ለትጥቅ ትግሉ ከዲያስፖራው እያሰባሰቡ እንዲልኩ ሐላፊነት ተሰቷቸው ነበር፡፡

በዚህ ሁኔታ የተደናገጠው የብልጽግና መንግስት ወዲያውኑ ማለትም የአማራ ሕዝባዊ ግንባር ተመስርቶ በወሩ፣ ሰኔ ወር መጨረሻ ላይ፤ አርበኛ ዘመነ ካሴን ከእስር እስክንድርን እንዲያጠቃው ለቀቀው፡፡ የብልጽግና መንግስት ዘመነ ካሴን እስክንድርን ያጠቃልኛል ብሎ በማሰብ የለቀቀው፤ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ የዘመነ ካሴን የጎጃም ጦርን መሰረት በማድረግ ግንባሩን መመስረቱ ስላወቀ እና እየተጠቀመበት ስለነበር ነው፡፡

አርበኛ ዘመነ ካሴ ከእስር ከተፈታ ቦኋላ የራሱን ታጣቂዎች ከጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ላይ መንጠቅ እና ስልጣኑን ማስመለስ ላይ ነበር የተጠመደው፡፡ ይህንን በሚያደርግበት ግዜ ታጣቂዎቹ ከዚህ በፊት እሱ መልምሎ ያሳደጋቸው እና የታጣቂዎቹ የጋንታ መሪዎች የሐገሩ ልጆች በመሆናቸው፤ ጋዜጠኛ እስክንድርን ገፍትሮ ከጎጃም በማስወጣት በሸዋ እና በወሎ እንዲንከራተት ማድረግ አልከበደውም ነበር፡፡

ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ በጎጃም፤ በወሎ፤ በጎንደር እና በሸዋ በጎጥ ተከፋፍሎ የሚገኘውን የአማራ ትግል በአንድ እዝ ስር ለማድረግ ነበር ጎጃም ያለውን የፋኖ ታጣቂ ለመጠቀም የሞከረው፡፡ ይሁን እንጂ ዘመነ ካሴ ይህንን ባለመፍቀዱ እና በጎጥ ፖለቲካ ለመጓዝ በመምረጡ፤ የእስክንድርን ሐሳብን ብኩን አድርጎታል፤ ብልጽግና መንግስትም ፍላጎቱ ግቡን መታለት፡፡ በዚህም የአማራ ሕዝባዊ ግንባር አላማ እና ትግል በእጅጉ ሊዳከም እና መሪውም እስክንድር ነጋ ተንከራታች እንዲሆን አድርጎታል፡፡

በአሁኑ ሰዓት ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ የመሰረተው እና የሚመራው የአማራ ሕዝባዊ ግንባር በአርበኛ ዘመነ ካሴ ጠፍቷል ማለት ይቻላል፡፡ እስክንድርም ለከፍተኛ ጉስቁልና እና መከራ ተዳርጓል፡፡ አርበኛ ዘመነ ካሴ በፋኖ ስም በጎጥ የሚንቀሳቀሰውን የጎጃም ፋኖን ብቻ በመምራት ፍሬ አልባ ትግል እያደረገ ይገኛል፡፡ በዚህ የተነሳ የአማራ ትግል በመከፋፈሉ የተነሳ ሻለቃ ዳዊት ወ/ ጊዮርጊስ በአማራ ህዝባዊ ግንባር ስም ገንዘብ ከውጪ ማሰባሰብ አልቻለም!

ማሳሰቢያ፡- የብልጽግና መንግስት ሆን ብሎ አርበኛ ዘመነ ካሴን ከእስር በመፍታት የአማራ ህዝባዊ ትግልን ማጥፋቱን የእስክንድር ነጋ እና የዘመነ ካሴ ደጋፊዎች እስከዛሬ ድረስ አያውቁም፤ አልተገለጠላቸውም፡፡ እስክንድር ነጋ እና ዘመነ ካሴ ግን ያውቃሉ፡፡ በአሁኑ ሰዓት ሁለቱ ለመጠፋፋት የሚፈላለጉ ናቸው፡፡ በነገራችን ላይ የብልጽግና መንግስት እና አርበኛ ዘመነ ካሴ ጠላትም ወዳጅም ናቸው፤ በክፉ አይፈላለጉም::"

17/03/2024

ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ምዕራብ ትግራይ ምንባር ማለት ዓሳ ብዘይ ባሕሪ ምንባር ማለት እዩ

Getachew K Reda  እንታይ ኢኻ ትውስን ዘለኻ ? ዝሓዝካዮ ስልጣን ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ውልቀኻ ኣይኮነን። ምስ መን ኢኻ ተማኺርካ ዝኹሉ ክያዶ ትኸድ ዘለኻ ? ንህዝቢ ትግራይ ይረብ...
16/03/2024

Getachew K Reda እንታይ ኢኻ ትውስን ዘለኻ ? ዝሓዝካዮ ስልጣን ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ውልቀኻ ኣይኮነን። ምስ መን ኢኻ ተማኺርካ ዝኹሉ ክያዶ ትኸድ ዘለኻ ? ንህዝቢ ትግራይ ይረብሕ ድዩ ይጠቅም ወፂኻ ክትናገር ኣይትኽእልን ? ወይስ ምስኪን ንኹሉ ፀይሩ ዝኸድ ህዝቢ ትግራይ ሱቕ ክብል እዩ ሐዚ እውን ኢልካ እዩ ? ትገብሮም ዘለኻ ነገራት ንህዝብና ይጠቅም ድዩ ኣይጠቅምን ንፈልጥ ወፂኻ ዕላዊ መብርሂ ክትህብ ከለኻ ጥራሕ እዩ። ተዘይኮይኑ ከምቲ እንሪኦ ዘለና ሓደ እግሪ ኣብ ካልእ እቲ ሓደ እግሪ ኣብ ካልእ እዩ ዝመስል። ንሕና ዝተቓለስና ነዚ ዕላማ እዚ ኣይኮነን። ተስፋ ጌርናልካ ዝነበርና እውን ነዚ ኣይኮነን። መረበት ተጋሩ ምስ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘየለው ኣምሓሩ ኮፍ ኢልካ ንክትደራደር ኣይኮነን ነይሩ ተስፋና። ተስፋና ካልእ እዩ ነይሩ። ግን ከም ግመ ኣብኒንካዮ።

ኣብ ትዊተር ዝለጠፍካዮ እኮ "ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ኣለዎ ሰላምን ደሕንነትን ኢትዮጵያን እዚ ቐጠናን ንክሰፍን። ተዘይኮይኑ ሕልሚ እዩ" ኢልካ ኔርካ። እሞ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሪፈረንደም ዝብል ኣሎ ድዩ ? ናይ ኣምሓራን ትግራይን መራሕቲ ኮሚቴ ኣጣይሾም ተመዛበልቲ ይመልሱ ዝብል ኣለዎ ድዩ ? ብስሩ ኸ ንምንታይ እዩ ውዕሊ ፕሪቶርያ ረጊፅካ ካልእ ስምምዕ ዝግበር ዘሎ ?

እዚ ጉዳይ ሐዚ እውን ኩላትና ተጋሩ ክንቃለሰሉ ይግባእ። ኣቱም ኩሉ ሓጥያት ናብ ግዚያዊ ምምሕዳር ተሸክሙ ዘለኹም ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ዝተኸፈለልኩም መራሕቲ ህውሓት እውን ማዕረ ማዕረ ጌታቸው ተሓተቲ ከም ዝኾንኩም ክትፈልጡ ኣለኩም። ኩላትኩም ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ኢኹም።

ሐዚ እውን ሕብሕብኢተይ ደው ኢሉ ኩሉ ነገር ብግልፂ ህዝብና ይነገሮ። ኣብ ናይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዕጫ በይንኹም ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣይብልኩምን። ኩሉ ዝተውሃበኩም ዕድል ኣምኪንክምዎ ኢኹም። ምስ ህዝቢ ከይተማኸርኩም ብኢደ ወነንኩም ናይ ምውሳን ህዝባዊ ሓላፍነት ኣይብልኩምን።

ፋና ከምዝሓበሮ እንተኾይኑ   እቶም Abiy Ahmed Ali "ናብ መረበቶም ዘይተረፉ ውሑዳት" ክብል ዝገለፆም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ዞባታት ምዕራብ ፥ ሰ/ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብዝሓፀረ...
16/03/2024

ፋና ከምዝሓበሮ እንተኾይኑ እቶም Abiy Ahmed Ali "ናብ መረበቶም ዘይተረፉ ውሑዳት" ክብል ዝገለፆም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ዞባታት ምዕራብ ፥ ሰ/ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብዝሓፀረ እዋን ንክምለሱ ምስ ም/ቀ/ሚንስትር ፌዴሪኢ ኣብስምምዕ ከምዝበፀሐን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዝምልከት ድማ ብመሰረት ውሳነ ኣብዪ ኣሕመድ ብሪፈረንደም ከምዝውገንን ገሊፁ ኣሎ።

ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ዲጅታል ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ  ጀሚሩ።
16/03/2024

ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ዲጅታል ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ዳግም ትግራይ ክወርር ይዳሎ ከምዘሎ ናይ መንቅሒ ደወል እዩ።አብይ አሕመድ ኣብ ስልጣን ዝቅፅል በቢ ግዚኡ Agenda set እናገበረ፤  ብኵናትን ዕግርግርን እዩ።ከምዚ ክኸውን ...
16/03/2024

ኣብይ ኣሕመድ ዳግም ትግራይ ክወርር ይዳሎ ከምዘሎ ናይ መንቅሒ ደወል እዩ።

አብይ አሕመድ ኣብ ስልጣን ዝቅፅል በቢ ግዚኡ Agenda set እናገበረ፤ ብኵናትን ዕግርግርን እዩ።

ከምዚ ክኸውን ንምንታይ መሪፁ👇
1. ኣብ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ኩነታት ንምቅያር፤ እቲ ፀቅጢ ንምቅናስ ናይ ሓባር ፀላኢ ኢሎም ኣፈሙዞም ናባና ከዝሩ እዩ።
2. ብተመሳሳሊ ሻዕብያ እውን ኤርትራ ትብሃል ዓዲ ትቅፅል ትግራይ እትብሃል ዓድን ህዝብን እንትጠፍእ እዩ ዝብል ሰይጣናዊ አምር አለዎም።

ብዝኾነ ሕርያና ሰላም እዩ። ሕርያ ኣብይን መሻርኽቱን ግን እንታይ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

16/03/2024

ናይ ትግራይ ጥምየት ኣብ ትዊተር ከይትፅሕፍ። መሽረፈት ንጌታቸው ካብዝበሎ።
ብዛዕባ ጥምየት ብዙሕ ዘይውረ ዝፀንሐስ
ለካ ብትእዛዝ መሽረፈት ዩ!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ዝጥቅዖ ዝነበረ ከምቲ ኣብ ትግራይ በብመድረኹ እናወፀ ከም ዝፍክሮ ዝነበረ  ፈኸራ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። መንገዛ መሬትና ናብ ድርድር ኣእትዩዎ ኣሎ። መሬትናን ህዝ...
16/03/2024

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ዝጥቅዖ ዝነበረ ከምቲ ኣብ ትግራይ በብመድረኹ እናወፀ ከም ዝፍክሮ ዝነበረ ፈኸራ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። መንገዛ መሬትና ናብ ድርድር ኣእትዩዎ ኣሎ።

መሬትናን ህዝብናን መፃወቲ ብልፅግና ከም ዝኾነ እታ ሓቂ ፈጢጣ መፅያ ኣላ። ትግራይ ኣብ ታሪኻ ካብ ዝነበረ ብዝኸፈአ መልክዑ ናይ መሪሕነት ውድቀት ኣጋጢምዋ ኣሎ።

16/03/2024

በፕሪቶሪያ ስምምነት መሰረት ወራሪዎች ወጥተው የትግራይ መሬት መመለስ አለበት፤
ከዚህ ውጪ የትግራይ መሬት እንደ ቅርጫ መቀራመት አይቻልም!!

16/03/2024

ሰብ ምሰ ደሓነ እዩ መሬት ዝድሕን።
ህዝቢ ምዕራብ ብጥሜትን ብሕማምን ከይሃልቅ ንኽምለስ ባዕሉ እምበር በለፀኛ ክውስነሉ የብሉን።
ኣብ ሙውቅካ ኮይንካ ፈኸራ መተዓዛዘቢ

16/03/2024
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንልዕሊ 3 ሽሕ ዜጋታት መጥባሕቲ ምግፋፍ ዓይኒ ሞራ ብነፃ ይወሃብ ኣሎ።እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ኩሓ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካል ሂማላያን ...
16/03/2024

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንልዕሊ 3 ሽሕ ዜጋታት መጥባሕቲ ምግፋፍ ዓይኒ ሞራ ብነፃ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ኩሓ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካል ሂማላያን ካታራክትን ብምትሕብባር ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት 'ሂማላያን ካታራክት ኣይተ ተስፋይ ተኽለማርያም ከምዝገለፅዎ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ለምለም ሆስፒታል ካርል ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ንልዕሊ 800 ወገናት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝተውሃበን እዚ ኣብ ሆስፒታል ኲሓ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ነፃ ሕክምና ዓይኒ ናቱ መቐፀልታ ከምዝኾነት ኣፍሊጦም።

ሃፍረተ ቢሱ የኦሮሚያ "ብልጥግና" የድንቁርና ብልጠት ኣይኑ ኣፍጧል። "የሳይበር ጥቃት" በሚል የዳቦ ስም ከባንኩ ግማሽ ቢሊዮን ብርን ለመሟጠጥ በተሰራው መንግስታዊ ውንብድና ተቋሙን ከ "ሁሌ...
16/03/2024

ሃፍረተ ቢሱ የኦሮሚያ "ብልጥግና" የድንቁርና ብልጠት ኣይኑ ኣፍጧል። "የሳይበር ጥቃት" በሚል የዳቦ ስም ከባንኩ ግማሽ ቢሊዮን ብርን ለመሟጠጥ በተሰራው መንግስታዊ ውንብድና ተቋሙን ከ "ሁሌም የሚተማመኑበት ባንክ" ወደ ሁሌም የሚጠራጠሩበት ባንክ እየቀየረው ይገኛል። ባሁኑ ሰዓት ዝነኛው የኢትዮጵያ ኣየር መንገድም ኣደጋ ላይ መዘፈቁ ይታወቃል።

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TNN posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share