09/05/2024
አብ ሃገራት ቻይና ፣ቬትናምን ታይዋንን ዘሎ ጎቦታት ብቤንች ትረስ ወይ ድማ መደባዊ ዛላ ናይ ምልማዕ ልምዲ ናብ ትግራይ ብስፍሓት ከተኣታትዎ ባህጊ ዝሓደሮን ንባህግታቱ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ዝወፈረ መንእሰይ'ዩ። መንእሰይ ብርሃነ ሃይለኪሮስ።
መንእሰይ ብርሃነ ሃይለኪሮስ ይበሃል ኣብ ስዑድ ዓረብ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ተወላዲ ወረዳ ፃዕዳ አምባ እዩ። ንዝነበሮ ባህግን ድሌትን ንምግሃድ ኣብ ዝተወለደሉ ወረዳ 15 ሄክታር መሬት ከልመዖ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንዝሃቦ ተጠቒሙ ውሱናት ኣናህብ ኣተኣታትዩ ናብ ስራሕ ክሰጋገር ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ወረርቲ ሓይልታት ኣተኣጓጒሎሞ ፀኒሖም።
ሐዚ ድማ ንዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ተጠቒሙ ነቲ ዝተውሃቦ መሬት(ጎቦ) ብዝግባእ ብመደባዊ ዛላ መድሚዱ ቆወምቲ ተኽሊታት ንምልማዕን 2,000 ቆፎታት ንህቢ ንምርባሕን ናብ ተግባር ስራሕ ከም ዝተሰጋገረ ይገልፅ።
ነቲ ስራሕ ጋህዲ ንምግባር 60 ሚልዮን ቅርሺ መዲቡ ከም ዘሎን መዓልታዊ ድማ ኣብ ህንፀት እቲ መደባዊ ዛላ ን150 ወገናት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠረ ንድወት ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊፁ'ሎ ።
ኩሎም ጎቦታት ትግራይ ናብ ረብሓ እንተውዒልናዮም ኢድ ጓኖት እነቋምተሉ ኩነታት ኣይፍጠርን ፤ ሕዚ ዝራኣይ ዘሎ ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ንምንካይ እንተተደልዩ ንመናእሰይ እንዳወደብካ እንዳሰልጠንካን ኣልሚዖም ክበልዕሉ ንዝኽእሉ ከምዚ ናትና ዓይነት መሬት ብምሃብ ኣብዚ ዓውዲ ክነጥፉ ክስራሕ ከም ዘለዎ ድማ የተሓሳስብ።
ምምሕዳር እታ ወረዳ ብወገኑ ንዚ ተስፋ ዝህብን ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ፃዕሪ ናይቲ መንእሰይ ክሳብ መወዳእታ ከምዝድግፍ ገሊፁ'ሎ።