ልሳን ተዋህዶ

  • Home
  • ልሳን ተዋህዶ

ልሳን ተዋህዶ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ልሳን ተዋህዶ, Media, .
(4)

🌿  ስላሴ ካብ ሃንደበት  ምኹላፍ  ይሓልውና 🌿     እንቓዕ ናብ አጋእዝተ አለም ቅድስተ ስላሴ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ወርሐዊ በዓል ብሰላም አብጽሐና !      ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስተ ...
17/09/2022

🌿 ስላሴ ካብ ሃንደበት ምኹላፍ ይሓልውና 🌿
እንቓዕ ናብ አጋእዝተ አለም ቅድስተ ስላሴ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ወርሐዊ በዓል ብሰላም አብጽሐና !
ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስተ ስላሴ ቤት ኣቦና ኣብራሃም ከምዝባረኹ ንዓናውን ሂወትና ይባርኹ ኣሜን።
ናይ ስላሴ ፍቕሪን ምሕረትን ጸጋ ምስ በረኸት፡ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጻድቃናት ረዲኤቶምን ጸጋ ኣምላኾምን ምስ ኩልና ይሕደር።

እግዚአብሔር አምላኽ መዓልትና ይባርኽ አበሳና ሐዲጉ ይተዓረቀና ብዓይኒ ምሕረቱ ይጠምቱና ኣሜን 🙏🙏✝️✝️✝️

6 መስከረም ወርሓዊ በዓል ቅድስት ኣርሴማ በስመ ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።          ቅድስቲ ኣርሴማ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ...
16/09/2022

6 መስከረም ወርሓዊ በዓል ቅድስት ኣርሴማ

በስመ ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቅድስቲ ኣርሴማ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ’ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።

በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።

ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ > (ማቴ 10:18) ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።

እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።

ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።” ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ’ዚ ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩን” ብምባል መለሰትሉ።

ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.6፥16-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.6፥2-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ባሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን።

ካብቲ ዕጽዉ ቤት ኣዉጺኡ ድማ ናብ እቶን እሳት ደርበየን፡ ንሠለስተ ደቂቅ ዘድኃነ ኣምላኽ ድማ ካብ እቶን እሳት ኣድኃነን። (ዳን.3:23-26) ንጉሥ ድርጣድስ ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ንክስየፋ ኣዘዘ።

ቅድስቲ ኣርሴማ ንፍሲ ወከፍን ብሰይፊ ክስይፈን እንከሎ ኣኽሊል ዓመት ካብ ሰማይ ክወርደለን ከሎ ምስ ረኣየት ናታ ተራ በጺሑ ንክትስየፍ ብታህዋኽ ትጽበይ ነበረት። ካብ ምሒር ታሕጋስ ድማ እናጸለየት ነተን ዝስየፋ ዝነበራ ተጸናንዐን ነበረት።

ኣብ መወዳእታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽንዓታን ተጋድሎን ርእዩ ቃል ኪዳን ኣተወላ። እቲ ከሓዲ ንጉስ ንኩለን ሰይፉ ምስ ወደኣ ናብ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ብምጥማት ብቁጥዓ” ንዓኪ ከምተን መሓዙትኪ ደናግል ቀልጢፈ ኣይቀትለክን’የ ስቃይኪ ከብዝሖ’የ” እናበለ መጀመርታ ክልቲኣን ኣዒንታ ኣውጺኡ ኣብ ኢዳ ኣትሓዛ ቀጺሉ ድማ ክልተ ኣጥባታ ቆሮጾ። ኩሉ ኣካላታ በብንእሽቶ እናቆረጸ ኣብ መወዳእታ መስከረም 29 ብሰይፊ ክሳዳ ቆረጻ።በዚ ድማ ሰማዕትነት ተቀበለት።

ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት እዚ ሕሳረ መከራ ምእንቲ ስመ ክርስቶስ ንርእሳ ኣሕሊፋ ዝሃበት ቅድስትን ብጽእትን ሰማዕት’ያ። ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት ኣብ መዝሙሩ” ” ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ “/ ምስ ሕሩያነይ ኪዳን ኣተኹ ንዳዊት ባርያይ መሓልኩሉ” ከም ዝበሎ ንቅድስቲ ኣርሴማ ” ብስመይ ኣሚንኪ ናይ’ዚ ዓለም ሓጐስን ተድላን ከየታለለኪ ክሳድኪ ንስይፊ ብምሃብኪ ናይ ሰማዕትነት ተጋዲሎ ፈጺምኪ ኢኺ እሞ፡ ስምኪ ዝጸዉዔ በዓልኪ ዘኽበረ፡ ዝክርኺ ዝገበረ፡ መጽሓፈ ገድሊኺ ዝሰምዐ፡ ዘስምዔ፡ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝጸዉዔ፡ ክሳብ 12 ትዉልዲ ክምሕረልኪ እየ”ክብል ቃል ኪዳን ኣተወላ።

ኣዴና ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ዓመታ ክልተ ግዜ ብፉሉይ ትኽበርን ትዝከርን እዚ ድማ 29 መስከረም ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ ከምኡ’ዉን 6 ታሕሳስ ቅዳሴ ቤታ እዩ።

በቲ ዝተዋህባ ዘለዓለማዊ ቃል ኪዳና ድማ ንዓና ደቃ ብሃይማኖት ክንጸንዕ ብህይወት ክንነብር ካብ ልዑል ፈጣሪና ምሕረት ከምእተዉህበና ኣሚንና ንምሕጸን።

ጸሎታት በረከታት ናይ ቅድስት ኣርሴማ ኣዴና ምስ ኩላትና ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዉያን ተዋህዶ ደቂ እመ ብርኃን ወላዲተ ኣምላክ ይኹን!!!

ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

ኣሜን!!!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††† 3 መስከረም ዕረፍቲ ኣቡነ ኣንበስጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ይበሃል ነበረ። ኣቦኡ ዜነብ ኣዲኡ ከኣ ዜነባ...
13/09/2022

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †††

3 መስከረም ዕረፍቲ ኣቡነ ኣንበስ

ጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ይበሃል ነበረ። ኣቦኡ ዜነብ ኣዲኡ ከኣ ዜነባዊት ዚበሃሉ ኾይኖም ኣብ

ሮም ተወልደ።

ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ወለዱ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምስ ዓበየ ቃል ወንጌል ብግብሪ ንምፍጻም “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም” ዚብል ማቴ. ፭፣፲/5፣10 ቃል እግዚኣብሔር ተመሪሑ ከም ኵሎም ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኤርትራ ተበገሰ።

ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዚጠቕሶ፣ ኣቦኡን ኣዲኡን ገዲፉ ፣ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድረ ኤርትራ ኪረግጽ ከሎ፣ ካብ ኵሎም ብጾቱ ዚነኣሰ ብምንባሩ ብድኻም ተሰኒፉ ተረፈ እሞ ብጾቱውን ገዲፎምዎ ኸዱ። እንተኾነ ግና ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ፣ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፣ የናግፎም ኸኣ” መዝ. ፴፬፣፯/34፣7 ዚበሎ ፣ ንኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣብ ምድረ በዳን ዘይፈልጦ ሃገርን ረዳእን ኃይልን ብምዃን ኣብ ኵሉ ጒዕዞኡ ከም በቕሊ ኮይኑ ዚውጥሖን ዚእዘዞን ኣንበሳ ተዋህቦ።

ድኅር’ዚ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ናብ “በለሳ” ዝተባህለ ከባቢ ጸሮና ኣትዩ ተቐመጠ።

ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዚተገልጸ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ነበረ።

ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ንብጾቱ ምስ ኣርከቦም ግና እቶም ምስኡ ዚተበገሱ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ብምንታይ ደኣ መጺእኻ፧ “ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ከም ዝመጽአ ገለጸሎም እሞ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ስሙ “ኣቡነ ኣንበስ” ኢሎም ሰመይዎ።

ኣቡነ ኣንበስ ኣብ በለሳ ጥራይ ኣይተቐመጠን፣ “ክሳድ እምባ” ኣብ ዚበሃል ዓዲ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዚርከብ ከባቢ 10 ኪሎ ሜትር ንወገን ምብራቕ ኣብዚ ሎሚ ብስሙ ዚጽዋዕ ዘሎ ዓቢይ ደብሪ መጺኡ ተቐመጠ። እዚ ቦታ እዚ ቤት ጸሎቱን ኣምልኾኡን ዚፍጸምሉ ቦታ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ''ዕራግ'' ዝበሃል ቦታ ናይ ኣቡነ ኣንበስ ዝጽልዩሉ ፍሉይ ቦታ ከምዝነበሮም እዮም ኣቦታትና በኣፈ ታሪክ ዝነግሩና ካብ ስሙ ከም እንርደኦ ዕራግ ማለት 'ዓርገ' ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ካብ ዝተሓተ ቦታ ናብ ዝለዓለ ቦታ ሓፍ ምባል'ዩ። ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ዓርገ እግዚኣብሔር ጸዊወከ ጼዋ፡ እግዚኣብሔር ምርኮ ማሪኹ ናብ ሰማይ ዓረገ ክብል ከም ዝገለጾ ''እዚ ዕራግ ዝብል ቦታ ድማ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎቶም ናብ ኣምላክ ዘዕርጉሉ ፍለይ ቦታ' ስለ ዝነበረ በዚ ዕራግ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ይጻዋዕ ኣሎ። ዝኽረ ጻድቕ ዘለዓለም ይኄሉ።

ኣቡነ ኣንበስ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ፣ ድኅር’ዚ ውን ናብ “ሓዘሎ” ዚበሃል ስፍራ ተጓዒዞም እዮም፣ ኣብኡ ምስ ኣቡነ ሳሙኤልን ኣቡነ ብንያምን ዚተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተራኸቡ እሞ፣ ሠለስቲኦም ብሓደ ኾይኖም ይጽልዩ ነበሩ። እዞም ሠለስተ ኣቦታት፣ በረኸትን ቅድስናን ንምርካብ ብሓደ ኮይኖም ናብ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ፣ ኣብቲ ቦታ ዚነበሩ ኣናብስ እንስሳታት ኪበልዑ፣ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፣ ነቶም ናይቶም ሠለስተ ቅዱሳን ኣናብስ በልዕዎም። ኣቡነ ኣንበስን ኣቡነ ብንያምን ኣቡነ ሳሙኤልን ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፣ “እዞም ኣናብስትኻ እብር ነዞም ኣናብስትና በሊዖምዎም” በልዎ።

ሽዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ኣናብስቲ “ስለምንታይ ንኣኻትኩም ዘይተኣዘዘ ትበልዑ፧ “ ኢሉ ገንሖም እሞ፣ እቶም ኣናብስቱ ድማ፣ ነቶም ዚበልዕዎም ኣናብስቲ ተፍእዎም።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ነቲ በድኒ ናይቶም ኣናብስቲ ባሪኹ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ንዋናታቶም ሃቦም (ገድለ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ)።

ካብዚ ቐጺሉ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ናብ “ግዔን” ዚተባህለ ቦታ ኸደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ እንስሳታት ናይ’ቲ ከባቢ፣ ኣብ ሕርሻን ግርሁን እናኣተዉ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት የውርዱ ነበሩ። እቶም ሕዝቢ ድማ፣ ከም ግብረ መልሲ ነቶም እኽሎም ዚበልዕሎም እንስሳታት የሃድንዎም ነበሩ። ነዚ ዚተዓዘበ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ነቶም ሕዝብን ነቶም እንስሳታትን ቃል ኪዳን ኣተኣታተዎም፣ እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ናብ ዝሩእን ናብ ዘይተዓፅደን ከይኣትዉ፣ እቶም ሕዝቢ ከኣ ኣብ ዓፂድ ዚነጠበ ከይቅርሙን ሰንበት ኬኽብሩን” ነበረ።

እንተኾነ ነዚ ቃል ኪዳን እዚ ሕዝቢ “ግዔን” ጠሓስዎ።

ድኅር’ዚ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣንበሳኡ ሰዲዱ ነቶም ቃል ኪዳን ዚጠሓሹ ሕዝቢ ጥሪቶም ኪበልዓሎም ኣዘዞ። ሕዝቢ ግዔን ድማ “እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሪትናን ገንዘብናን ኪውድኣልና እዩ” ኢሎም ንኺቐትልዎ ተሰማምዑ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ብኢድ ሕዝቢ ግዔን ብሠለስተ መስከረም ኣብ ግዔን ብሰማዕትነት ዓረፈ። እንሆ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጽአ በረኸቱ ንምክፋል መዘከርታ ክብረ በዓሉ ብድምቀት ተብዕሎ ኣላ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

- ሰላም ለአንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ፣

- ዘይጼዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ፣

- ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ፣

- ማይ ኢያጥፍኦ ወርደተ ዝናም ብዙኅ፣

- ለአሠረ ደሙ ቀይሕ ዘሁሎ በኰኵሕ።

ብዙሕ ዝተረፈ ታሪኽ ኣቦና ኣሎ እቶም ተፈልጥዎ መልእዎ።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ኩላትና ይኹን።
ሓደራ ኩሉ ሰብ በረኸት ክካፈል ሼር ንግበራ።

++   ++ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅዝተፈተኹም ደቀይ! ንጓል ሆሮድያዳን ነቶም ኣብዚ ዘመን'ዚ ንዓኣ ብግብሪ ዝመስልዋን ዘለዉ ንብከየሎም። ምኽንያቱ ከምዚ ዝዓይነቱ ዲያብሎሳዊ ግብሪ ሎሚ ውን ...
10/09/2022

++ ++

ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ

ዝተፈተኹም ደቀይ! ንጓል ሆሮድያዳን ነቶም ኣብዚ ዘመን'ዚ ንዓኣ ብግብሪ ዝመስልዋን ዘለዉ ንብከየሎም። ምኽንያቱ ከምዚ ዝዓይነቱ ዲያብሎሳዊ ግብሪ ሎሚ ውን ይፍጸም ኣሎ እሞ ሓቢርና ንብከየሎም። ኣብዚ ዘመን እዚ እኳ ቅዱስ ዮሓንስ ክሳዱ እንተዘይተቆርጸ ሕዋሳት ናይ ክርስቶስ ግና ብዘስካሕክሕ መገዲ ይቑረጹ ኣለዉ። ኣብቶም ዝስዕስዑ ሰባት ዝሓድር ርኹስ መንፈስ ውን ከም ጓል ሔሮድያዳ ናይ ነፍሲ ክሳድ እምበር ክሳደ ሥጋ {ናይ ሥጋ ክሳድ} ኣይደልን'ዩ።

ደረፍቲ ብመጀመርያ ነቶም ተኸተልቶም ናቶም ባራዩ ይገብርዎም እሞ፤ ቀጺሎም ድማ ብስምዒት ከም ዝቃጸሉ ይገብርዎም። ዝሙት ንኽፍጽሙ ውን ይደፋፍእዎም። በዚ ድማ እቶም ተኸተልቶም ኣመንዝራታት ንኽኮኑን ተወሳኺ ክሳድ ናይ ነፍሶም እምበር ናይ ሥጋ ክሳዶም ኣይኮነን ዝሓትዎም።

ዓርከይ! መስተ ሰቲኻ ኣብ ትሰኽረሉ እዋን ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል መጺኣ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ትስዕስዕ ከምኡ ውን ንስምዒታትካ ብዝቅስቅሱ ቃላት እናተዛረበትካ "ሓንቲ እኳ ስምዒት ኣይስምዓንን እዩ። ምስኣ ንምዝማው ውን ኣይከይድን እየ። ክብረ ንጽሕናይ ኣየበላሹን እየ" እናበልካ ርእስኻ ኣይትጠብር። እቲ ብምስሊ ናይታ ጓል ኣብ ቅድሜኻ ቆይሙ ዘሎ ዲያብሎስ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝኾነ ሰብነትካ ናይ ዝሙት ኣካል ንምግባር ምኳኑ ኣስተውዓል። {1ይ ቆሮ 6፥15}

ሎሚ ጓል ሆሮድያዳ እኳ ብኣካለ ሥጋ እንተ ዘይሃለወት እቲ ንዓኣ ትማሊ ከም ትስዕስዕ ዝገበራ ዲያብሎስ ግን ኣሎ። ስለዚ ሎሚ ውን እንተኾነ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝስዕስዑን ክሳድ ነፍሶም ንምቁራጽ ዝቕስቅሶም ዘሎን ንሱ እዩ እሞ ከቶ ንነፍስኻ ኣይተታልላ።

ርሑስ ኣውደኣመት ናይ ፍቕርን ስኒትን ሰላምን ዓመት ይግበረልና።

ጳጉሜን 5 ††† እንቋዕ ናብ ዓቢ አባ በርሶማን ናብ ቅዱስ አሞጽ ነቢይን ዓመታዊ ናይ ዕረፍቲ በዓል ብሰላም አብጸሓኩም፤ አብጸሓና።††† በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜ...
10/09/2022

ጳጉሜን 5

††† እንቋዕ ናብ ዓቢ አባ በርሶማን ናብ ቅዱስ አሞጽ ነቢይን ዓመታዊ ናይ ዕረፍቲ በዓል ብሰላም አብጸሓኩም፤ አብጸሓና።

††† በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! †††

††† ዓቢ አባ በርሶማ †††

††† ዓቢ ገዳማዊ ሰብ ቅዱስ በርሶማ ካብ ዳሕረዋይ ዘመን ጻድቃን ሓደ ክኸውን ከሎ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ድማ ኣብ ውሽጢ ግብጺ ምስር(ካይሮ) እዩ:: ቲ ዘመን ኣብ 14ተ ሚኢቲ ክ/ዘመን እዩ:: ናይዚ ዓቢ በርሶማ ወለዲ ክርስቲያን ነበሩሞ ዘዕበይዎ ከኣ ብሃይማኖትን ብምግባርን እናኾትኮቱ እዩ::

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ድማ ከም ዝመሃር ገበርዎ፡ መንእሰይ ኣብ ዝኾነ ግዜ ድማ ኣብ ሓደ ሰሙን ተኸታቲሎም ዐረፉ:: ኣብቲ ወቅቲ ድማ ስለ ምምቃል (ምክፍፋል)ሃብቲ ኣዝማዱ ተዛረብዎ:: ነገር ግን ሓደ ጉልበተኛ ሓወብኡ ነበሮ'ሞ ንኩሉ ንብረቱ ኣሕደጎ:: ቅዱስ በርሶማ ድማ ብልቡ ሓሰበ:- "ከመይ ጌረ ጽባሕ ንዝጠፍእ ገንዘብ ናብ ፍርዲ ቤት ይኸይድ?" በለ::

ቀጺሉ ድማ ነዛ ዓለም ንኽገድፋ ወሰነ:: ካብ ቤቱ ከኣ እናዘመረ ናብ በረኻ ገስገሰ:: "ምንት ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኩሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጉለ - ሰብ ንኩሉ ዓለም ኣትሪፉ ንነፍሱ እንተኣጉደለ እንታይ ይረብሖ::" (ማቴ. 16:26) እናበለ ከኣ ጉዕዝኡ ቀጸለ:: ልብሱ ኣብ መንገዲ ንነዳያን ሂቡ ጥርሑ ኣብ ውሽጢ 5 ኮረብታታት ተቀመጠ::

ኣብኡ ከኣ ናይ መዓልቲ ሐሩር: ናይ ለይቲ ቁሪ (ንፋስ) እንዳተፈራረቆ ንብዙሕ ዓመታት ነበረ:: ንሱ ግን እቲ ኩሉ መከራ እናኣሕለፈ ሕጒስ ነበረ:: ዘወትር ድማ መዝሙረ ዳዊት ብዘይ ምቁራጽ ይዝምር ነበረ:: ገድለ ቅዱሳን እናዳንበበ ከኣ መንፈሳዊ ቅንኢ ይቀንእ ነበረ:: ዘንበባ ነገር ከኣ ብተግባር ይፍጽማ ነበረ::

እዚ ቅዱስ ዕርቃኑ ምዃኑ ንኸይከፍኦ ኩሉግዜ ንነብሱ"ኦ በርሶማ ! ኣብ ቅድሚ እቲ ሓቀኛ ዳኛ ጥራሕካ ምቋምካ ኣይተርፈካን እዩ'ሞ ናይ ሎሚ ግዝያዊ ዕርቃን ተዓገስ" እንዳበለ ይግስጽ ነበረ:: ንሱ ንጸሎት ምስ ቆመ ዝቅመጥ ድሕሪ መዓልታት ነበረ:: ብዘይካ ዕለተ ሰንበት ድማ እኽሊ ኣይቀምስን ነበረ::

መግቡ ድማ ዝሻገተ እንጀራን ሃህ ኢሉ ዝሓደረ ማይን ነበረ:: ብኸምዚ ዝበለ ተጋድሎ እንከሎ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝበዝሖ ሃዲሙ ናብ ሃገረ ምሥር ከይዱ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሓደረ:: ኣብኡ ድማ ከምቲ ልሙድ ንሠላሳ ዓመታት ተጋደለ::

ኣብቲ ቦታ ጉድጓድ ማይ ነበረ'ሞ ኩሉግዜ ለይቲ ናብ ውሽጢ ሰጢሙ ይጽልይ ነበረ:: ከም ስሕለት ንዝቆራርጽ ኣሳሒታ ድማ ይዕገሥ ነበረ:: ኣብቲ አካባቢ ብዙሕ ሰብን እንስሳታትን ዝወድአ ሓደ ገበል ነበረ እሞ በቲ ኣካባቢ ሰብ አይሓልፍን ነበረ::

ዓቢ በርሶማ ግን ናብቲ ናይ ገበል በዓቲ ከይዱ ጸለየ:: "ኦ ጎይታይ! ብስምካ ንዝኣምኑ ዝሃብካዮም ሥልጣን አይትኽልኣኒ?" ኢሉ (ማር. 16:18) "ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ::" ዝብል መዝሙር ዘመረ:: (መዝ. 90:13)

ነቲ ገበል ድማ "ንዓ ውጻእ::" ኢሉ አዘዞ:: ብቅጽበት ወጽዪ ሰገደሉ:: ናይቲ ጻድቅ ሰብ ኣገልጋሊ ድማ ኮነ:: ናይቲ አካባቢ ሰባት ውን ብጣዕሚ ደስ በሎም:: ብዙሕ ግዜ ድማ አገልጊልዎም እዩ:: (ኣብቲ ሥእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ንሱ እዩ::)

ዓቢ አባ በርሶማ ዝዓርፈሉ መዓልቲ ኣብ ዝበጽሐ ግዜ ንደቂ መዝሙሩ "ክሳብ ናይ ዓለም ፍጻሜ 'ወዲ ብርቱዕ (ወዲ እግዚአብሔር)' ኢሉ ንዝጽዋዓኒ ብረዲኤት ክመጾ እዩ::" ኢሉ: ንመልሓሱ ብላማ ቆሪጹ ደርበያ'ሞ ኣስሚዑ(ብዓውታ) ዘመረ:

"እግዚአብሔር ያበርህ ሊተ . . . እግዚአብሔር ከብርሃለይ እዩ: ከድሕነኒ ውን'ዩ:: እንታዩ ዘፍርሐኒ::" በለ:: (መዝ. 26:1) ልቢ በሉለይ! ወዲ ሰብ መልሓስ እንተዘይብሉ ክዝምርን: ክዛረብን አይክእልን እዩ:: ቅዱሳን ግን ምስ በቅዑ ልሳን መንፈሳዊ'ዩ ዝወሃበም:: ድሕር'ዚ ብትእምርተ መስቀል አማዕቲቡ ዐረፈ::

ፓትርያርክ አባ ዮሐንስን ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ምስር ሹማምንትን ገኒዞም ካብ በረኸቱ ተኻፈሉ:: ገድሉ ከም ዘቐመጦ ኣብ ኩሉ ዘመኑ ኣብ ልዕሊ ምንጻፍ ደቂሱ ኣይፈልጥን:: "ማዕከለ ሥጋሁ ወምድር ኢገብረ መንጸፈ" ከም ዝብል:: ዝዓረፈሉ ድማ ኣብ 1340 ዓ/ም እዩ::

በረኸቶም ምስኩላትና ይኹን።

††† ቅዱስ አሞጽ ነቢይ †††

††† አሞጽ ማለት "እግዚአብሔር ጽኑዕ ባሕርይ እዩ: ከምኡ ውን እግዚአብሔር የጽንዕ'ዩ::" ማለት እዩ:: "ተፈታዊ ሰብ" ተባሂሉ ከኣ ይትርጎም:: ዝነበሮ ዘመን ቅ.ል.ክርስቶስ ኣብ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ክኸውን ከሎ ኣቦኡ ቴና ኣዴኡ ሜስታ ይበሃሉ:: ትውልዱ ድማ ካብ ነገደ ስምዖን እዩ::

ብልምዲ እዚ ቅዱስ ነቢይ ኣቦኡ ንነቢይ ኢሳይያስ እዩ ዝብሉ እንተሃለው እኳ ክልቲኦም አሞጾች ዝተፈላለዪ ምዃኖም ሊቃውንቲ ይዛረቡ:: ቅዱስ አሞጽ ትሽዓተ ምዕራፋት ብዘለዎ መጽሐፈ ትንቢት ስለ ነገረ ድኅነት ብዙሕ ትንቢታት ተዛሪቡ እዩ::

ስለ ሃገርና ኢትዮጵያ ድማ ከምዚ በለ :-
"ኦ ደቂ እሥራኤል! ንስኻትኩም ንዓይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ አይኮንኩምን? ይብል እግዚአብሔር::"
እዚ ቅዱስ ነቢይ ንወገናቱ አብዚሑ ይግስጾም ስለ ዝነበረ ተቆጢዖም በዛ መዓልቲ ቀተልዎ::

††† ኣምላከ ቅዱሳን ነዚ ሓድሽ ዘመን ንቅዱሳኑ ኣብዚሕና እንዝክረሉ እንሓስበሉ ይግበረልና:: ካብ በረኸቶም ይዓድለና::

††† ጳጉሜን 5 ዝክበሩ ዓመታዊ ናይ ቅዱሳን በዓላት
1.ታላቁ አባ በርሶማ
2.ቅዱስ አሞጽ ነቢይ
3.ቅዱስ ያዕቆብ ዘምስር
4.አባ መግደር (እግዚአብሔር ብጸሎቱ ይምሓረና)

††† ወርኀዊ በዓላት
(የለን)

††† "ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን::" †††
(፪ጢሞ. ፬፥፯)

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን
†††

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!3 ጳጉሜን ክብረ በዓል ካህን መልከ  ካህን መልከ ጼዴቅ መን እዩ፧መልከ ጼዴቅ ማለት ብዕብራይስጥ ናይ ሓቂ ንጉሥ፣ ናይ ሓቂ ገዛኢ ማ...
08/09/2022

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

3 ጳጉሜን ክብረ በዓል ካህን መልከ

ካህን መልከ ጼዴቅ መን እዩ፧

መልከ ጼዴቅ ማለት ብዕብራይስጥ ናይ ሓቂ ንጉሥ፣ ናይ ሓቂ ገዛኢ ማለት ኪኸውን ከሎ ትውልዱ ኻብ ሕዝቢ ካም ኮይኑ ብሕጽር ዝበለ ሃሴል ንሳሌም፣ ሳሌም ንሜልኪን ንመልከ ጼዴቅን ወለደ፣ ስለዚ ስም ኣቦኡ ሳሌም፣ ኣዲኡ ኸኣ ሰሊማ ይብሃሉ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዕብ. 7፣11 "ዘአልቦቱ አብ ወእም'፣ ኣቦን ኣደን የብሉን ንዚበሎ ትርጉሙ ዘይተረድኡ ሰባት "መልከ ጼዴቅ ወልደ እግዚኣብሔር እዩ" ኢሎም ኪምህሩ ኣብ ዝተሰምዑሉ ጊዜ ዚነበረ ሊቅ ቅዱስ ማርቆስ ካብ ኣምላኽ ብሱባኤ ሓቲቱ ብዝረኸቦ ዝሃቦም መረዳእታታት ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

ኣቦን ኣደን የብሉን ከብሎ ዝኸኣለ፦

ናይ ነገደ ካም ትውልዲ ኣብ መጽሓፈ ኦሪት ስለዘይተጻሕፈ እምበር ኣቦኡ'ስ ሳሌም እዩ። ኣቦኡ መምለኺ ጣዖት ብምንባሩ እዩ ንኣቦኡ ዘይዘከሮ።
እዚ ኻህን መልከ ጼዴቅ ብትንቢት ብዕለት 27 መጋቢት ተወልደ፣ ተወሊዱ'ውን ከም ኵሉ ሰብ ምስ ወለዱ ኣይዓበየን፣ ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስለዚመረጾን፤ ኣቐዲሙ'ውን ብዓቢይ ኃወቦኡ ሴም ትንቢት ከም ዝተነግረሉ ኣብ ጎልጎታ ዝተባህለ ቦታ ምስ መላእኽቲ ኾይኑ ናይ ኣቦሓጎታቱ ኣዕጽምቲ ማለት ካብ ኣዳም ክሳዕ ኣቦኡ ዚነበሩ ቕዱሳን ኣስከሬኖም ብኽብሪ እናዓጠነ ይነብር ነበረ።
ጸጕሪ ርእሱ መላጸ ኣይተንከፎን፣ ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ኣብርሃም ንጸላእቱ ነገሥታት ስዒሩ ምስ ተመልሰ ብመሥዋዕቲ ስርናይን ወይንን ተቐበሎ፣ እዚ ኸኣ ትንቢት ናይ ቅዱስ ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔርን ክቡር ደመ ወልደ እግዚኣብሔርን እዩ፣ ኣብርሃም'ውን ካብ ኵሉ ትኅዝቶኡ ዓሥራይ ኣፍ ሃቦ። ስለዚ እዩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ዕሽር ንቤተ ክርስቲያን እናተዋህበ ዚነበር ዘሎ።

ታሪኽ ሳሌም ኣቦኡ

ሳሌም ኣቦኡ መምለኺ ጣዖት ስለዚነበረ ንመልከ ጼደቅ ወዱ "ካብተን ኣባጊዕ ዝጸበቐ ኣምጽኣለይ እሞ ንኣምላኽና ጣዖት መሥዋዕቲ ከነቕርብ" በሎ።
መልከ ጼዴቅ "ጣዖት ደኣ እንታይ ኣምላኽ ኮይኑ እምቢ ኣየምጽኣልካን እየ" በሎ። ሳሌም "እምበኣርከስ ኣብ ክንዲ በጊዕ ንኣኻ ኽሥውዓካ እየ" በሎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣዲኡ ሰሊማ ኣዝያ ትፈትዎ ስለዚነበረት ንሳሌም ሰብኣያ “ምሥዋዕ ምሥውኡስ ምስ ኣኅዋቱ ዕጫ ኣውዲቕካ ዘይትሥውዕ፧” በለቶ። ንሱ'ውን ንዘረባኣ ተቐበላ። ዕጫ እንተኣውደቐ ናብቲ ዓቢይ ኃዉ በጽሐ። ሳሌም ንወዱ ኺሥውዖ እናኸደ ኸሎ ሰሊማ ንመልከ ጼዴቅ ወዳ "ኣንታ ወደይ ኃውኻ እናሞተ ስቕ ዲኻ ትብል፧" በለቶ። መልከ ጼዴቕ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዳ ንሳሌም ምስ ወዱ በልዓቶም።
መልከ ጼዴቅ ምሳሌ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ዕረፍቱ ወይ ዝተሠወረሉ ዕለት ጳጉሜን ዕለት 3 እዩ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብስሙ ዝተሓንፀ ቤተክርስቲያን ኣብ ሰላዕ ዳዕሮ ዘተባህለ ዓዲ ዞባ ማእከል ይርከብ፣ እዚ ፍሉጥ ቤተ ክርስቲያን ብማየ ጸሎት ንብዙኃት ሕሙማን ዘሕዊ፣ ውላድ ዝሰኣና መኻናት ውላድ ዚህብ ተኣምራት ዝገብረሉ እዩ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኅዱ ኣምላክ ኣሜን! ጳጒሜን 3/፫ በዓሉ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክትቅዱስ ሩፋኤል ካብ ሊቀነ መላእክት ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ “አንሰ ስምየ ሩፋኤ...
08/09/2022

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኅዱ ኣምላክ ኣሜን!

ጳጒሜን 3/፫ በዓሉ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት

ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ሊቀነ መላእክት ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ “አንሰ ስምየ ሩፋኤል ሣልሳይ እምሊቃነ መላእክት ወሚካኤል ሊቀ መላእክት ቀዳማይ ርእሰ ኩሎሙ መላእክት ወስሙ መስተሣህል ፡ወገብርኤልኒ ካዕበ ውእቱ ሊቀ መላእክት ዳግማይ ወትርጓሜ ስሙ ኣምላክ ወሰብእ፡ዘተፈነወ ኃበ እግዚእተ ኩሉ ፍጥረት ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላክ ከመ ይዜንዋ ልደቶ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት እምኔሃ።” ከም ዝበለ ።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫)

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና በዚ ዕለት እዚ ተስካረ በዓሉ ናይ ቅዱስ ሩፍኤል ዝኽበረሉ ስለ ብዙሕ ነገራት እዩ።ንሱ ከኣ“ኣነ ውእቱ ሩፋኤል ዘሤመኒ እግዚኣብሔር ላዕለ ፳ወ፬(24) ሠራዊተ መላእክት ከመ ንሰብሖ ለእግዚኣብሔር ኣብ ወወልድ መስተሣህል ወለመንፈስ ቅዱስ ናዛዚ”ከምዝብል።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫) ዝተሸመሉ ዕለት ፡ንጦቢት ካብ ዑረት ዓይኒ ንሳራ ፈዊሱ ናብ ወዱ ጦብያ ከም ትምርዖ ዝገበረሉ ክኸውን ከሎ ከምኡ ከኣ ቅዳሴ ቤቱ ዝተፈጸመሉ ዕለት እዩ።

ስሜቱ

ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀመላእክት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን መጻሕፍትን ድርሳናትን ከም ዝገልጽዎ በዚ ዕለት’ዚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ቅዱስን መላእክ ሓለቐ ገይሩ ዝሸሞ ዕለት እዩ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ብናይ ሊቃነ መላእክት ማዕርግ ንቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ተኸቲሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።

ቅዳሴ ቤቱ

ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎፍሎስ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ።ካብተን ኣብ ዘመኖም ዝተሓንጻ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ልዕሊ ዓሳ ነባሪ ዝተሓንጸት ነበረት።በዚ ዕለት እዚ ከኣ ቅዳሴ ተገብረ።እንተኾነ እቲ ናይ ጥንቲ ገበል ማለት ዲያብሎስ ንክርስቲያን ካብ ምስዳድ ስለ ዘይ ዓርፍ ነታ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ዓሳ ተሰሪሓ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣናወጻ ካብ ብዝሒ ምንዋጽ ናይቲ ዓሳ ዝተላዕለ ካኣ እታ ቤተ ክርስቲያን ክትፈርስ ደለየት። እንተኾነ እቲ ሓያል፡ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ብቕጽበት መጺኡ “ብቓል እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኻዮ ቁም ካብኡ ከይትንቀሳቕስ” ኢሉ ብኲናት ገይሩ ወግኦ።
እቲ ኣብቲ ዓሳ ሓዲሩ ዘናውጻ ዝጸንሐ ስይጣን ከኣ በቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ተገሲጹ ወጸ እታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሃድኤት።ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ይኹን።ኣሜን።

ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ጦብያን ዝፈጸሞ ተረዳእነት

እንሆ ጦቢት ዝበሃል ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብመገዲ እግዚኣብሔር ዝምራሕ ምጽዋትን ዕሽርን ዘፍቅር ንድኻታትን ንጽጉማትን ዝሕግዝ ሰብ ነበረ።ንሱ ኣብ ዘመን ንእስነቱ ብሰላምን ብቕድስናን ኣብ ሃገሩ እና ነበረ ከሎ ሓደ ግዜ ብዘመን መንግስቲ ሻልማንኤሰር ተማሪኹ ናብ ኣሶር/ነነዌ ከደ።እነተኾነ ኣብ ዓዲ ስደት’ውን ንሱስ ከምቲ ኣብ ሃገሩ ዝፍጽሞ ዝነበረ ስርዓት ኣምላኾ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን።ኩሎም ዓሌቱን ወገናቱን ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝነብርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ፡ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ብልዒ ክነብሩን ክበልዑን ከለዉ ንሱ ግና ሰለስተ መንእስያት ኣናንያ ፡ኣዛርያ፡ሚሳኤል ከምኡ ከኣ ብጥበቡ ፍሉጥ ዝነበረ ዳንኤል ዝገበርዎ ካብ መግቦም ምብላዕ ኣበየ።እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ሞጎስ ከም ዝረክብን ኣዝዩ ልዕል ከም ዝብልን ገበሮ።በዚ ከኣ እቲ ንጉስ ንኹሉ ዘድልዮ ዘበለ ንኽገዝኣሉን ክልኣኾን ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ሸሞ።

ከምዚ ኢሉ እና ነበረ ሓደ ግዜ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ከሎ ውዑይ ሓርኢ ናይ ለዃዂቶ ኣብ ኣዒንቱ ኣተዎ ኣብ ብዙሕ ሕክምና ከይዱ ከኣ ክሓዊ ኣይከኣለን።በዚ ድማ ክልቲኤን ኣዒንቱ ብፍጹም ዓወራ ምርኣይ’ውን ሰኣነ።ብገዛእ ጉልበቱ ሰሪሑ ንስድራቤቱ ዝኣሊ ብምጽዋትን ብዕሽርን ንቤተ መቕደስ ዘገልግል ፡ንጥሙያትን ንሱኡናትን ዘብልዕን ዘስትን ዝነበረ ጦቢት ምውፋር ምእታው ሰኢኑ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ምስ ዑረት ዓይኑን ምስቲ መሪር ቃንዛ ዓይንን ክቕመጥ ግዲ ኮኖ።ከምዚ ኢሉ ካኣ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ቀጸለ፡ ምስናይ እዚ ግና ናብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ጸሎት ምብጻሕን ምልማንን ኣየቋረጸን።

ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳራ እትብሃል ጓል ራጉኤል ንሳ ሸውዓተ ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት። እንተኾነ ኣስሞድዮስ ዝበሃል እኩይ ግና እቶም ዝተመርዓውዋ ሰብኡት ጌና ብስጋ ከይተራኸብዋ ከለዉ ይቐትሎም ነበረ።
እዚ ከይኣክል ግና ንዝነበራ ሽግር ዝረኣየት ኣገልጋሊታ ኩሉ ግዜ ተባጭወላን ትጸርፋን ነበረት። እዚ ኩሉ ሽግርን መከራን ዝወርዳ ዝነበረ ሳራ ግና ኩሉ ጸገማን ውርደታን ናብቲ ልዕል ኣምላኽ ብጸሎት ተብጽሕ ነበረት፡

ጦቢት ናብ ኣምላኽ ዝልምነሉ ዝነበረ ግዜን/ሰዓትን ሳራ ናብ ኣምላኽ ዝጸለየትሉ ግዜ ኣብ ሓደ ሰዓትን ግዜን ነበረ።

ጦቢት እንሆ ዓይኑ ብጥዕዩ ከሎ ጋባኤል ዝበሃል ሰብኣይ ገንዘብ ኣቐሚጡ ነበረ እሞ ሓደ እዋን ንወዱ ንጦብያ ጸዊዑ እንሆ ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ገንዘብ ከምጽኦ ሓበሮ።እንተኾነ ጦቢት ገና ንእሽተይ ስለ ዝነበረ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደልዩ ክወስድ ምስ ተመልሱ ካኣ ዓስቢ ድኻሙ ክህቦን ምዃን ሓበሮ ።ከም ቃል ኣቡኡ ካኣ ኣብ ደጌ ወጺኡ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደለየ እንሆ ካኣ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል መንእሰይ ሰብኣይ መሲሉ ተጓነፎ ።ተተሓሒዞም ከኣ ከዱ።ኣብ መንገዲ እና ኸዱ ኣብ ገምገም ፈለግ ጤርጌስ በጽሑ እሞ ኣብኡ ኣዕረፉ እንሆ ካኣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ንጦብያ ክበልዖ ኢሉ መጸ።ነቲ ዓሳ ካኣ ሓዞ እንሆ መልኣከ እግዚኣብሔር ሩፋኤል ነቲ ዓሳ ኣብ ክልተ ከፊሉ ሓሞቱን ከብዱን ልቡን ወሲዱ ካኣ ነቲ ካልእ ጓሓፎ። ጦብያ ክሳዕ ጉዕዝኦም ዝውዳእ ነቲ ዓሳ እና በልዔ ከደ።

ጸኒሑ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ናብ ቤት ራጉኤል ክኸዱ ከም ዘለዎምን ንሳራ ክምርዓዋ ዝግብኦ ንሱ ምዃኑን ሓቢሩ ናብ ቤት ራጉኤል ኣተዉ።እንሆ መንነቶም ገሊጾም ካኣ ንሳራ ናብ ጦብያ ኣመርዓውዋ።እዚ ክኸውን ከሎ እንሆ ከምቲ ዝሞቱ ሸውዓተ ሰብኡት ንሱ’ውን ክመውት እዩ ኢሎም ስድራቤታ ኣዝዮም ተሻቐሉ።እንተኾነ እቲ ሓያል መልኣኽ ነቲ ካብ ገምገም ፈለግ ዝሓዝዎ ዓሳ ክትዕጠኖ ከም ዘለዋ ሓበራ ጸሎት ገይሮም ካኣ ደቀሱ፡እቲ ንብዙሕ ግዜ ዘሽግራ ዝነበረ ጋኔን ብቕጽበት ወጺኡ ካብቲ ከባቢ ርሓቐ።በዚ ዝኾነ ኩላቶም ኣዝዩ ደስ በሎም።

ቅዱስ ሩፋኤል ናብቲ ኣቐዲሙ ዘበገሶም ጉዳይ ማለት ምምጻእ ገንዘብ ካብ ጋባኤል ምስ ክልተ ገላዉ ከደ።ኣብቲ ቤት ኣትዩ ኩሉ እቲ ጦቢት ዝበሎምን ጦብያ ወዲ ጦቢት ከም ዝተመርዓወን ነጊሩ እቲ ዘሎ ገንዘብ ሒዙ ናብ ጦብያ ተመልሰ።እንሆ ካኣ ንሳራ ጓል ራጉኤል ሰብይቱ ሒዙ ናብ ኣብኡ ጦቢት ተመልሰ፡እቲ ዝኾነ ነገር ዝሰምዔ ጦቢት ኣዝዩ ንኣምላኽ ኣመስገነ።በቲ ኣቐዲሞም ኣብ ገምገም ፈለግ ዝረኸብዎ ሓሞት ናይቲ ዓሳ ገይሩ ካኣ ኣዒንቱ ደረዘሉ እሞ ካብ ዓይኑ ቅራፍ ዝመስል ወጸ ብኡብኡ ከኣ ኣዒንቱ ተኸፍተሉ ረኣየ ከኣ።

እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ኢዩ እምበር እቲ ሓያል መልኣኽ መንነቱ ክገልጸሎም ዝጀመረ።
በለ ከኣ “ንእግዚኣብሔር ወድስዎ በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ካኣ ኣመስግንዎ።
ንእግዚኣብሔር በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ፍጥረታት እና ኣመስገንኩምን ብመዝሙር እና ዘመርኩምን ሞሳ ምለስሉ።
እወ ንምምስጋኑ ኣይትተሃከዩ።ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ በቲ ዝገበረልኩም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ኣኽብርዎ ተግባራቱ’ውን ኣዘንትዉ። ንንጉስ ምስጢር ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።
እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግን ኩሎም መታን ከኽብርዎን ከመስግንዎን ኣብ ኩሉ ክእወጅን ብኹሉ ክፍለጥን ኢዩ ዝግባእ።ጽቡቕ ግበሩ እሞ ክፉእ ኣይክበጽሃኩምን ኢዩ።,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክኹም ንንጉስ ምስጢሩ ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።እግዚኣብሔር ዝገብሮ ግና ንኹሉ ክንገር እዩ ዝግባእ።ሕጂ ከኣ ሓንቲ ከይሓባእኩ ነቲ ሓቂ ብምልኡ ክነግረኩም ኢየ።
ጦቢት ንስኻን ሳራን ምስ ጸለኹም ንጸሎትኩም ናብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ ነይረ።
ምዉታት ኣብ እትቐብረሉ ግዚ ’ውን ኩሉ ግዜ ከምኡ ይገብር ነብርኩ።በታ ምሳሕ ከይበላዕካ ምዉት ክትቀብር ካብ መኣዲ ዝተንሳእካላ መዓልቲ ካኣ እግዚኣብሔር ክፍትነካ ለኣኸኒ ።
ከምኡ’ውን ንዓኻ ከሕውየካ፡ንሳራ ሰበይቲ ወድኻ ድማ ካብ ዝነበራ ማእሰርቲ ክፈትሓ ለኣኸኒ ።ኣነ ካብቲ ጸሎት ቅዱሳን ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ደው ዝብሉን ሸውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ ኢየ።
,,,,,,,,,ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለኹም ንኣምላኽ ወድስዎ ከምኡ’ውን ኣመስግንዎ ።እንሆ ኣነ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክዓርግ እየ።ነቲ ዝተገብረልኩም ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍዎ”ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

እወ እዚ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ሳራን ዝገበሮ ድንቂ ተኣምር ብዓይኒ ልቦና ነስተውዕሎ።ትማሊ ንቕዱሳን መላእኽቱ እና ለኣኸ ንብዙሓት ኣቦታትናን ኣዴታትን ኣብ ህይወቶም ዓቢይን ዘድንቕን ስራሕ ዝሰርሐ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ሎሚ’ውን ብቕንዕና ልብን ብንጽህናን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተተጓዒዝና ንጦቢት ስጋዊ ዓይኑ ከፊቱ ብብርሃን ከም ዝርኢ ዝገበሮ ንዓና እውን ዓይነ ልቦናን ተኺፊቱ ናብቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ብብርሃን ተመላሊስና ንዕኡ ከነስምር፡ከምቲ ንሳራ ንዘመናት ዘሳቐያ ርኹስ መንፈስ ገሲጹ ዘውጽኣላ ሎሚ’ውን ሽሕ እኳ ናብ ዝተፈላለየ ርኽሰት ዝመርሑና ሰናይን ጽቡቕን ስራሕ ንኸይንሰርሕ ዓይነ ልቦናና ዓጽዮም ብዘይፍረ ጽድቂ ቀንፈዘው ከም እንብል ዝገብሩና ርኹሳት መናፍስቲ እንተሃለዉ እንተኾነ ልብናን ሕልናናን ናብ ጸሎትን ረድኤትን ቅዱሳን መላእክቲ እንተድኣ ኣቕኒዕናዮ ፡ንረድኤትናን ንሓገዝናን ወትሩ ድሉዋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብእሳታዊ መስቀል ነቲ ዝጻብኣና ሰይጣን ክግስጹልናን ካብ ዙርያና ከርሕቑልናን ኢዮም።

ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ ኣልባብ ዘተበህለ
ከመ ይፈውስ ሕሙመ ወያጥዒ ቊስለ
ከመ ኣስምዖ ፍጡነ ለጦቢት ቃለ
ጽድቀ ዘይዴግኑ ይረክቡ ሣህለ
ወእለ ይኤብሱ ያመጽኡ በነፍሶሙ ኅጒለ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

ተአምሪሁ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ዘወርሐ ጳጉሜን

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ምስ ኩላትና ይኹን።

ብፍቓድ ልዑል ኣምላኽ ንዝተሸገሩ ዝረድእፍጹመ።

መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ዝገበሮ ተኣምር እዚ እዩ።

ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ዝፈቱ ብስም ቅዱስ ሩፉኤል’ዉን ወትሩ ምጽዋት ዝህብ ሓደ ንጉስ ነበረ።

እዚ ንጉስ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ባሕሪ ቆይሙ እንከሎ ዓሳ ነባሪ ክበልዖ መጸ። እዚ ንጉስ ድማ ፈታውየይን መመክሕየይን ኦ ቅዱስ ሩፋኤል ካብዚ ናይ ባሕሪ ኣራዊት ምእንቲ ከተድሕነኒ ቀልጢፍካ ብጽሓኒ እንዳበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ቅዱስ ሩፋኤል’ውን ከም ሓንባሲ ተመሲሉ መጺኡ ኣድሓኖ እምበር እቲ ዓሳ ነባሪ ንክበልዖ ኣይሓደጎን ፡ ሊቀ መላእክት ምኳኑ’ዉን ነቲ ንጉስ ኣረድኦ።

እዚ ንጉስ ዉን ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን ክሰርሕ ሓሰበ። ነዛ ቤተ ክርስቲያን ዉን ፈጸማ ንምዕረፊ ቅዱሳን ክትከዉን ገደማ ። ካብዛ ቤተ ክርስቲያን ዉን ከይተፈለየ መባእን ዕጣንን እና ሓለየ ንድኻታት ዉን ምጽዋት እና ሃበ ንብዙሕ ዘመናት ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝኸዉን ወርቅን ብሩርን ኣቀመጠ።

እዚ ንጉስ ምስ ዓረፈ ብኣማላድነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ናብ ሓጎስ ገነት ኣተወ። ነገር ግን ኣብ ዉሽጢ መዝገብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ኣሎ ዝሰምዑ ናይ ቁዝና ናይ በርበር ሰባት ብመርከብ ተጻዒኖም መጹ። ዝመጸሉ ምኽንያት ድማ ናይዛ ሃገር ሰባት ማሪኾም ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኽዘምቱ እዩ።

ናይዛ ሃገር ሰባት ግና ኣብ ርሻን ገዛዉቶም ኮይኖም ምምጻእ ጸላእቶም ስለ ዝረኣዩ ኣፍደገ ልዳዉቶም ዓጸዉ ። ናብ እግዚኣብሔር’ዉን ኦ ጎይታ ስለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኢልካ ኣድሕነና እና በሉ ተማህጸኑ’ ኣብዚ ልማኖ እንከለዉ ኸኣ ንዕ ዖም ንምዝራፍ ዝመጹ ጸላእቶም ጣቓን ጸልማትን ኣብ ዉሽጢ መርከቦም እንከለዉ ወሓጦም እሳት ነበልባል ዝመስል ዉን ተራእዮም ኣዝዮም’ውን ፈርሑ። እቶም ጸላእቶም ንቅዱስ ሩፋኤል ዝተመዘዘ ሴፍ ሒዙ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ቆይሙ ረኣይዎ። /1ይ ዜና 21፡16/
ድሕሪ’ዚ ዉን ኣብ መንጎ እሳትን ጣቃን ኮይኑ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቆዉም ስለ ሰባት ዘውትር ናብ ኣምላኸይ ዝልምን ሩፋኤል እየ። እንሆ እዚ መቅዘፍት ስለ ክፍኣት ልብኹም ብሓይሊ ፈጣሪየይ እግዚኣብሔር ኣምጺኤልኩም ኣለኹ እሞ ካብዚ ዝኸፍአ ናይ ሞትን ናይ ጥፍአትን መከራ ከይረክበኹም ካብ ሕጂ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ በሎም ነዚ ኢሉ ዉን ካብኣቶም ተሰወረ።

ኦ ዝተፈተኹም ኣሕዋት ልዑል ኩቡር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ እዞም ዓመጽቲ ንዝገለጾ ድንቂ ተኣምር ኣስተውዒልኩምዎዶ፧ እግዚኣብሔር ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝኸበሩ ናይ ሰማያት መዛግብት ክኸፍትን ክዓጹን ሓላዊ ማዕጾ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ስለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኢሉ ንኻልእ ሰብ ሰናይ ዝገብር ፡ስለ ክብሩ ዝዛረብ ነዚ ኩቡር መጽሓፈ ድርሳኑ ዝጽሊ ዝሳለሞ ዝትርጉም፡ ስርናይ ወይ ወይኒ ወይ ዕጣን ወይ መብራህቲ ንቤተ ክርስቲያኑ ንዝህብ ከም ዝምሕረሉ ቃል ኪዳን ተዋህቦ።
ካልኣይ’ዉን ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጠመየ ዘብልዕ፡ ንዝጸምአ ዘስተየ፡ንዝዓረቀ ዝኸደነ፡ ንዝሓዘነ ዘጸናንዐ ብዓይኒ ዘይተራእየት ብልቢ ሰብ’ዉን ዘይተሓስበት እግዚኣብሔር ንፈተውቱ ጥራይ ዘዳለዋ ሓዳሽ ምድሪ የውርሶ። ኣምላኽ ቅዱስ ሩፋኤል ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉና እዩ።/ማቴ.10፡40-42/

እምበኣር ኦ ኣሕዋትና ምስጋና ናብ ዝግብኦ ናብ እግዚኣብሔር ለምኑ ምእንቲ ካብ ጥፍኣት ከድሕነኩም ዘውትር ተማሕጸኑ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል በብግዜኡን በብዕለቱን ንሎምን ንዘለዓለምን ምስኩላትና ይኹን ኣሜን።

ዐርኬ
አሀዱ ንጉሥ በኃይለ ሩፋኤል ዘፈፀምደ፡
በስመ ሩፋኤል ሐኒፆ መቅደሰ አዳመ፡
አንበረ ወርቀ ለዘይፈቅድ ከመ፡
ለሰብአ በርበር ወቁዝ ኅሠሥተ በርብሮ ኤላመ፡
በኃይለ ግርማሁ ሜጦሙ ሩፋኤል ፍጹመ።

ብሰላም ናብዚ ቅዱስ ዕለት ዘብጽሓና ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት; ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት; ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ጸሎትን በረኸትን; ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ተዋህቦ።
ኣሜን።!

ኣብ ግዜ ጳጉሜን ካብ ዝፍጸሙ ነገራትበስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!ኣብ ግዜ ጳጉሜን ካብ ዝፍጸሙ ነገራት ናይ ፍቓድ ጾምጳጉሜን ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎ...
05/09/2022

ኣብ ግዜ ጳጉሜን ካብ ዝፍጸሙ ነገራት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ኣብ ግዜ ጳጉሜን ካብ ዝፍጸሙ ነገራት

ናይ ፍቓድ ጾም

ጳጉሜን ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎሚ ሓሙስ 1 ጳጉሜን እዩ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዘለናዮ ማይ ጳጉሜን እናተሓጸብና ነዚ ቅዱስ ዕለታት ጳጉሜን ከነክብር ይሓግዘና ኣሜን!ኣብ ግዜ ጳጉሜን ብዙሕ ሃይማኖታውን ባህላውን ንጥፈታት ይካየድ ወይ ይፍጸም እዩ።እቲ ዝፍጸም ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ንሎሚ ግና ኩልና ክንፈልጣ ኣለና ኢልና ዝሓሰብናያ ዛዕባ ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።ንሱ ድማ ኣብ ግዜ ጳጉሜን ናይ ፍቓድ ጾም ክንጸውም ከምዝግባእ እዩ።ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዉ ናይ ፍቓድ ኣጽዋማት እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጳጒሜ ዝጽወም እዩ።

እዚ ጾም’ዚ ጾመ ዮዲት ተባሂሉ’ውን ዝፍለጠሉ ጊዜ ኣሎ፤ ይኹን ደኣ እምበር ብልምዲ እምበር ክንዲ እቲ ካልኣይ ናይ ፍቓድ ጾም ማለት ጾመ ጽጌ ብዙኅ ፍሉጥ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን።ጾመ ዮዲት መሰረቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እተሰርዑ 9 ኣጽዋማትን በዓላትን(መጥቅዕ፡በድር፡መጸለት፡ጾመ ኣይሁድ፡ ፍሥሕ፡ ልበ ምድር፡ በዓለ ሠዊት፡ ጾመ አስቴር፡ ጾመ ዮዲት) ኸኣ ሓደ እዩ።ጾመ ዮዲት ተባሂሉ ምፍላጡ’ውን ዮዲት ስለዝጾመቶ እዩ።

ምሉእ ታሪኹ ኣብ መጽሓፈ ዮዲት ከም እንረኽቦ ንጉስ ፋርስ ናቡከደነጾር ብዝነበሮ ሰራዊት ተመኪሑ ኣብ ጐረባብቱን ርሑቓት ሃገራትን እናወረረ ግዝኣቱ የስፍሕ ሃብቱ ድማ የደላድል ነበረ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላምኡ ኸኣ ኣዛዚ ሰራዊቱ ዝነበረ ሆሎፎርኒስ ቀንዲ ትእዛዝ ተቐባሊን ኣተግባሪን ነበረ (ዮዲ2፡2-7)። ኢየሩሳሌም’ውን ከም ኣካል ናይቲ ዞባ ግዳይ ናይዚ ወራር ኮይና ብዙኅ ዕንወት ወሪድዋ ነበረ።ደቂ እስራኤል ኸኣ ኣዝዮም ሓዚኖም ኣብ መሪር ብኽያትን ቍዘማን ወዲቖም ዝነበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ።ኣብ ሞንጎ እዚ ግና ሰብኣያ ዝሞታን ንጽህናኣ ሓልያ ብጾምን ብቀኖናን ተወሲና ትነብር ዝነበረት ኣይሁዳዊት ዮዲት፡በቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እስራኤል ብዝወረደ ጥፍኣትን ብዝመጸ መከራን ማቕ ተኸዲና ኣብ ርእሳ ሓሙዅሽቲ ነስኒሳ ናብ እግዚአብሔር ትበኪ ነበረት። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኸኣ ሕዝቢ ዝድኅነሉ መገዲ እግዚአብሔር ከመልክታ ሱባኤ ኣተወት። ንዝልምንዎ ቀረባ ዝኾነ ፈጣሪ ኸኣ ጸሎታ ሰሚዑ ኣብ ሳልስቲ ምላሽ ሃባ።

በቲ ምኽሪ ተመሪሓ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፋርስ ዓወት ተጐናጺፎም እዮም።ዮዲት ንጸላእቲ እስራኤል ከተጥፍኦም ዝኸኣለት ብጾምን ብጸሎትን ካብ ኣምላኽ ኃይልን ጥበብን ስለዝረኸበት እዩ። ምእመናን ድማ ንዮዲት ኣብነት ገይሮም ፈቓደ ስግኦም ንምስዓርን ኣብ ልዕሊ ዝጻብኦም ጸላኢሰናይ ዘበለ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ንምርካብን ኣብ ግዜ ጳጒሜን ብፍቓዶም ይጾምዋ።ስለዚ የሕዋት በቲ ዮዲት ዝኣተወቶ ሱባኤን ዝፈጸመቶ ጾምን ስግደትን ዓወት ከም ዝረከበት ንሕና ድማ ሱባኤ፡ ጾምን ጸሎትን ናይ ኩሉ መፍትሒ ምዃኑ ተረዲእና ወትሩ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጸምን ጸሎትን እና ፈጸምና ንጸላኢ ሰናያት ክንስዕር ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ይኩን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!ዝክረ አበው (27-29 ነሐሴ) :- ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ                            (ሆየ ሆየ)ዝክረ በዓል ናይ ሊቃነ...
03/09/2022

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ አበው (27-29 ነሐሴ) :- ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ
(ሆየ ሆየ)

ዝክረ በዓል ናይ ሊቃነ አበው፡ ካብ ኣርእስተ አበው ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበን ንዝክሮ። ሊቃውንት መዘምራን “ወተዘከረ ሣህሎ ዘለዓለም ዘሠርዐ ለአብርሃም፡ ወመሐለ ለይስሐቅ ወዐቀመ ስምዐ ለያዕቆብ፡ ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ እምሰማይ ይሁብ ወእምድር በረከተ ያጽግብ ነፍሰ ርኅብተ” ብምባል ምስ ዘመነ ክረምት ብምትእስሳር ይዝምሩ።

“ኣባ ኣብርሃም” እናበላ ኣዴታት ብውዳሴን ምህላን፡ ሕፃናት ድማ ብሆየ ሆየ የኽብርዎ። ተኣዛዝነት ኣብርሃም፣ ተበጃውነት ይስሓቅ፡ በረኸት ያዕቆብ ብሰፊሑ እናተረኸት ካብ ቃል ኪዳኖም ኽንሳተፍን ኣሰሮም ኽንስዕብን ትምዕደና።

ኣቦና ኣብርሃም መን እዩ፧ ኣቦና ይስሓቅ መን እዩ፧ ኣቦና ያዕቆብ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ ኣስዒብና ብዝርዝር ክንምልሶ ኢና፣ በረኸት ቃል ኪዳኖም ኣይፈለየና!

፩. ኣብርሃም ርእሰ አበው

‘ኣብራም’ ማለት ዓቢይ ኪኸውን ከሎ፣ ድኂሩ እግዚአብሔር አምላኽ ዝሃቦ ስም ‘ኣብርሃም’ ኣቦ ብዙኃት ማለት እዩ። ሥድራ ቤቱ መማለኽቲ ጣዖት ነበሩ። ብፍላይ ኣቦኡ ታራ ድማ ነቲ ዝጸረቦ ጣዖት ንኽሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ይልእኾ ነበረ።

ኣብርሃም ኣቐዲሙ ታራ ኣቦኡ ዝቐረጾም ጣዖታት ኪሸይጥ ከሎ፡ ነቲ ዝሸጦ ዝነበረ ጣዖት “ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጸምዩኒ ኣሎ እሞ ኣዛርበኒ፤ ጠምየ ኣሎኹ’ሞ እስከ ኣብልዓኒ፤ ጸሚአ ኮይነስ ኣስትየኒ፤” ዝብሉ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ምስ ሰኣነ፡ “ኣምላኽ ዝበሃል የልቦን” ኢሉ ኣይተጠራጠረን። “ብርግጽ ኣሎ፣ ግና መን’ዩ፧ ፀሓይ’ዶ ትኸውን፧ ወይስ ሓዊ፧ ወይስ ንፋስ፧ ወይስ ማይ፧” ኢሉ መርሚሩ፡ ሕፀፅ ምስ ረኸበሎም፡ ናይ’ዞም ኵሎም ፍጥረታት ፈጣሪ፡ ሓላዊ፡ መጋቢ፡ ሠራዒ ኪህሉ ኣለዎ፣ ባዕሉ ይገለጸለይ ብምባል “ኦ ንፀሓይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ፣ ተዛረበኒ!” በለ። በዛ ዓባይ እምነቱ ድማ ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ኣዘራረቦ።

ኣብርሃም፣ እግዚአብሔር ምስ ጸውዖ፡ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይተጠራጠረ (“ናበይ፧ ስለምንታይ፧ ብኸመይ፧” ከይበለ) ካብ ሃገሩን ቤተ ሰቡን ተፈልዩ ከደ። (ዘፍጥ. 12፥1-9)።

ኣብርሃም፡ “ዘርእኻ ከም ሑፃ ባሕሪ፣ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኃልካ እየ፤” ዝብል ተስፋ ተዋህቦ። ዋላ እኳ ካብ ሰበይቱ ሣራ ውላድ እንተ ዘይነበሮ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ግና ብእምነት ተቐበሎ። (ዘፍጥ. 13፥14-18፣ 15፥5)። ክልቲኦም ኣሪጎም፣ ሣራ’ውን ልማድ ኣንስት ኃዲጉዋ ከሎ ነዚ ተስፋ እዚ ኣሚኑ ተጓዕዘ። ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “ንዓመታ ከም’ዚ ቅንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሣራ ድማ እነሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ” (ዘፍጥ. 18፥10) ከምኡ’ውን “ሰበይትኻ ሣራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሓቅ ከተውፅኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ከኣ ምስኡን ብድኅሪኡ’ውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለዓለም ከቕውም እየ።” (ዘፍጥ. 17፥19) ኢሉ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን፡ ቃል ኪዳን፣ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ድማ ተስፋ ወሰኾ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ይስሓቅ ተወሊዱ ዓበየ።

ድኅር’ዚ ዅሉ ተስፋን ቃል ኪዳንን ኣብርሃም ተፈተነ፤ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መሥዋዕቲ ሠውዓዮ።” (ዘፍጥ. 22፥2) በሎ። ኣቦና ኣብርሃም ግና እምነቱ ፍጽምቲ ስለ ዝነበረት፡ “ኣነ ከም’ታ ዝተኣዘዝኩዋ ክሥውዖ እየ፣ እግዚአብሔር ድማ ካብ ምዉታን’ውን ኣተንሢኡ ዝኣተወለይ ቃል ኪዳን፣ ዝሃበኒ ተስፋ ኪፍጽም እዩ፤” ኢሉ ብምሕሳብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምፍጻም ንድኅሪት ኣይበለን። “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሓቅ ሠውዖ። እቲ ተስፋ ዝተቐበለ ነቲ፡ ብይስሓቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተባሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ድማ ኬተንሥኦ ኸም ዚከኣሎ ሓሲቡ፤ ካብኡ’ውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” (ዕብ. 11፥17-19)።

በዚ እምነቱ እዚ ድማ፡ “እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፣ ነቲ ሓደ ውሉድካ’ውን ካብ ዘይትኸልእ፣ ስለዚ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከም’ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።”(ዘፍጥ. 22፥15-18) ዝብል ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብታ ካብ ሐረገ ወለድኡ ዝተረኽበት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣምላከ ኣብርሃም እግዚአብሔር ወልድ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ወዲ ኣብርሃም ተባህለ። እንሆ ድማ እዚ ነገር እዚ መጀመርታ ምሥጢር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ፡ “መጽሐፈ ልደቱ ለኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም፤ መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፤” (ማቴ. 1፥1) ኢሉ ብምጥቃስ ፍጻሜ ቃል ኪዳን ኣብርሃም ዘበሥር።

ኣብርሃም ንኃሙሽተ ነገሥተ ሰዶም ረዲኡ ነቶም አርባዕተ ነገሥተ ሎዶ ጎሞር ሰዒሩ ምስ ተመልሰ “አብርሃምኒ ጸለየ ወይቤ በመዋዕልየኑ ትፌኑ ቃለከ ወሚመ ታርእየኒ ኪያሃ ዕለት አው አልቦ ዲበ ምድር፣ ወይቤሎ ዕዱ ዮርዳኖስ ወበህየ አርእየከ አምሳሊሁ።/ አብርሃም ድማ “ንወድኻ ኣብ ዕድሜይ ዲኻ ትልእኾ፧ ወይ እታ ዕለት ከተርእየኒ ኢኻ፧” ኢሉ ጸለየ። ጐይታ ኸኣ ‘ንእኡስ ኣይትርእዮን ኢኻ፣ ግና ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ኪድ እሞ ኣብኡ ናቱ ኣምሳል ክትርእይ ኢኻ’ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ እንተኸደ ናቱ ኣምሳል ዝተባህለ ካህን መልከጼዴቅ ኅብስተ በረከት፡ ጽዋዓ አኰቴት ኂዙ ተቐበሎ።

ኣቦና ኣብርሃም፡ ኣብዚ ምድሪ 175 ዓመት ምስ ጸንሐ ብሰላም ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለከ ለፍኖተ ጌጋይ ዘኢተለውኮ፣
በኀዲገ አብ ምስለ ስብኮ፣
አብርሃም ፍጹም በኂሩት ወበአምልኮ፣
እግዚአብሔር አዕበየከ ወባረከከ ባርኮ፣
እስመ ሰመከ ዲበ ምድር ዓርኮ።
***

፪. ይስሓቅ ወዲ አብርሃም

ኣደኡ ሳራ ኣብ ጊዜ እርግናኣ ‘ወዲ ኺትወልዲ ኢኺ’ ተባሂላ ብሥላሴ ምስ ተበሥረት ስለዝሰሓቐት፡ እቲ ዝወለደቶ ሕፃን ስሙ ይስሓቅ ተሰየመ። ይስሓቅ ከኣ ቅኑዕን ተኣዛዝን ነበረ። እንሆ ካብ እግዚአብሔር “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሠውዓዮ” ዚብል ቃል ንኣብርሃም ምስ መጽኦ፣ ከምቲ ዝተኣዘዞ ንወዱ ይስሓቅን ካራን ሓውን ተማሊኡ ንምድሪ ሞርያ ከደ። ወዱ ይስሓቅ ከኣ “ኣቦየ ሓውን ዕንፀይትን’ሲ እንሆ፣ እቲ ንመሥዋዕቲ ዚኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ምሥጢር ልቡ ሠዊሩ “ወደየ በጊዕ’ሲ እግዚአብሔር ባዕሉ ከዳልወልና እዩ” በሎ።

ብድኅር’ዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እምኒ ጸፍጺፉ ዕንፀይቲ ረብሪቡ ንይስሓቅ ኣሲሩ በጥ ኣበሎ። ይስሓቅ ብተኣዛዝነት ‘ትእዛዝ ፈጣሪኻ ፈጽም ኢሉ’ ኢሉ ክሳዱ ንመጥባሕት ኣዳለወ። ኣብርሃም ካራ ኂዙ ናብ ክሣዱ ወዱ ኢዱ ወስ ምስ ኣበለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኸልከሎ። ይስሓቅ ካብ ምሥዋዕ ደኃነ፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ብዕፀ ሳቤቅ ዝተኣሰረ በጊዕ ኣምሰያኡ ተሠውዐ። ጽንዓት ኣብርሃምን ተኣዛዝነት ይስሓቅን ተመስከረ።

ይስሓቅ ምስ ርብቃ ተመርዕዩ ንኤሳውን ይዕቆብን ወለደ። ንያዕቆብ ድማ መረቖ። ኣብዚ ምድሪ 180 ዓመት ጸኒሑ ድማ ብሰላም ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለይስሐቅ ዘኢያግዘፈ ክሣዶ፣
ለደኒን ወለተሐርዶ፣
ምስለ አብርሃም በህየ ከመ ይፈጽም መፍቅዶ፣
እግዚአብሔር ውስተ ደብረ ራእይ ወሰዶ፣
ኀበ ንጽሐ ልቡ ነጸረ ወንጹሐ እዶ።

***

፫. ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ

ያዕቆብ ማለት አኃዜ ሰኰና ማለት እዩ፣ ኣቦኡ ይስሓቅ ኣዲኡ ርብቃ ይበሃሉ። ያዕቆብ ንዓሠርተው ክልተ (12) ነገደ እስራኤል ወለደ። ንሳቶም ድማ ሮቤል፡ ስምዖን፡ ሌዊ፡ ይሁዳ፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ጋድ፡ አሴር፡ ዳን፡ ንፍታሌም፡ ዮሴፍን ብንያምን ወለደ። መበል 13 ዲና ዝተባህለት ጓል ካብ ልያ ዝተወልደት ነበረት። እንተኾነ ብባህሊ እስራኤል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ወለዶ ስለዘይትኣቱ ኣብ ቍጽሪ ኣይኣተወትን።

ያዕቆብ፡ ትርጕም ብዅርና ካብ ማሕፀን ኣደ ምኽፋት ዝኃልፍ ምሥጢር ከም ዘለዎ ዘስተውዓለ ኣቦ ነበረ። ኃዉ ኤሳው ኣብ ሃድን ውዒሉ መግቢ ክህቦ ምስ ለመኖ፡ “ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፣ በሎ። ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ። እዛ ብዅርና’ኸ ንምንታየይ እያ፣ በለ። ያዕቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ በሎ እሞ መሓለሉ፤ ብዅርናኡ’ውን ንያዕቆብ ሸጠሉ። ያዕቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንሥአ፣ ኸደ’ውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸም’ዚ ገይሩ ነዓቓ።” (ዘፍጥ. 25፥31-34)

በዚ ተቘጢዑ ኤሳው ኃው ኪቐትሎ ምስ ደለየ ናብ ኣኵኡ ክኸይድ ኣደኡ መኸረቶ፡ ኣቦኡ’ውን መረቖ። ክኸይድ ከሎ፡ ፀሓይ ዓሪብዎ ኣብ ምድረ ሎዛ እምኒ ተተርኢሱ ደቀሰ። በታ ጊዜ’ቲኣ ድማ ናይ ወርቂ ሰዋስው ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ተተኺሉ መላእኽቲ ብእኡ ኪድይቡን ኪወርዱን ከለዉ ረኣየ፡ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ፥ “ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን እየ። . . .” በሎ።

ስሙ ‘ያዕቆብ’ ዚብል ተሪፉ እስራኤል ኪበሃል ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ተሰምየ። ብምሥጢር’ውን ንደቂ ዮሴፍ ዝኾኑ ኤፍሬምን ምናሴን ክልተ ኢድ ኣመሳቒሉ ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል ባረኾም። ነቲ መሠውዒ ድማ “ቤቴል” ኢሉ ሰመዮ። ዓቢይ ኣቦ ኮይኑ ድማ ኣብ መበል 147 ዓመት ዕድሚኡ ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሰላም ለያዕቆብ እንተ ወለደ ነገሥተ፣
ወለደብተራ ስምዕ ካህናተ፣
በኀበ ሰዋስወ ርእየ እንዘ ይነውም ሌሊተ፣
ተነበየ ለአሕዛብ መንገለ አሚን ሚጠተ፣
ለሐውልተ ስምዕ አመ ቀብዐ ዘይተ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር!
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣ......ሜ........ን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።  'ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ኃብቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። ትእማር ድንግል ነበረት እሞ፥ ኣም...
01/09/2022

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።



'ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ኃብቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። ትእማር ድንግል ነበረት እሞ፥ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከኣሎ ስለ ዝረኣየ፥ ብፍቕሪ ኃብቱ ትእማር ክሳዕ ዚሓምም ኮነ። ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፥ ወዲ ሺምዓ ኃው ዳዊት፥ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ “ወዲ ንጉሥ ክነስኻስ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ ዄንካ እትዓብር እንታይ ኴንካ ኢኻ፧ እስከ ንገረኒ፧” በሎ። ኣምኖን ከኣ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ኃብቲ ኃወይ ኣቤሴሎም ኂዙኒ ኣሎ” በሎ።

ዮናዳብ ድማ ከምዚ ዝብል ምኽሪ ሃቦ“ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፥ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ ን ኣቦኻ ከምዚ በሎ በጃኻ ኃብተይ ትእማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፥ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽርእዮስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፥ ባዕላ ኸኣ ተብልዓኒ” ኢልካ ንገሮ” በሎ።

ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉሥ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፥ ኣምኖን ንንጉሥ “በጃኻ፥ ትእማር ኃብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዓንስ ስደደለይ” በሎ።

ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ትእማር ልኢኹ “በጃኺ ናብ ቤት ኣምኖን ኃውኪ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉ” በላ። ትእማር ከኣ ናብ እንዳ ኣምኖን ኃዋ ኸደት፥ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቝ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቅጫታት ሰንከተት። ምስ በሰለ ኸኣ፥ ካብቲ መቝሎ ኣውፂኣ ቐረበትሉ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ።

ኣምኖን ድማ “ኵሉ ሰብ ካብዚ ኣውፅኡለይ” በለ። ኵሉ ሰብ ከኣ ኻብኡ ወፀ። ኣምኖን ድማ ንትእማር “ብኢድኪ ኽበልዕሲ ነቲ ብልዒ ናብ ሕልፍኚ ኣእትውዮ” በላ። ትእማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ወሲዳ ኣእተወቶ። "ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቐጥ ኣቢሉ ኂዙ “ኃብተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ።

ንሳ ኸኣ “ኣይፋልካን ኃወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ፧ ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ፧ ንስኻኸ ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሹዶ ኽትከውን ደሊኻ፧ ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንጉሥ ንኣይ ክትምርዓወኒ ኣይከልኣካን እዩ እሞ፡ንእኡ ንገሮ” በለቶ።

ንሱ ግና ዘረባኣ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፥ ካብኣ ዚኅይል ስለ ዝነበረ ዓመጻ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ። ድኅርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ጸልኣ፥ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ ኣዝዩ ጸልኣ። “ተንሥኢ፥ ኺዲ ውፂ” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ “ኣይፋልካን፥ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ ኽፉእ ኣዝዩ ኺገድድ እዩ” በለቶ። ንሱ ግና ኺሰምዓ ኣይፈተወን። ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ “በጃኻ፥ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውፅኣለይ፥ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ዕጸዎ” በሎ። ሽዑ እቲ ጊልያ ንግዳም ኣውፅኣ፥ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድኅሪኣ ዓጸዎ።

ትእማር ከኣ ኸምቲ ኣዋልድ ንጉሥ ደናግል ከለዋ ዚኽደናኦ ዝነበራ ወለል ዚብል ቀሚስ ተኸዲና ነበረት። ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፥ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀሚስ ከኣ ቐደደቶ፥ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናኣእወየት ከደት።

ኣቤሴሎም ኃዋ ኸኣ “ኣምኖን ኃውኪ ድዩ ዓሚጹኪ፧ ሕጂ ግና ኃብተይ፥ ንሱ ኃውኪ እዩ፥ ስቕ በሊ፥ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትኃዝዮ” በላ። ትእማር ድማ ብጕህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ኃዋ ንበይና ተቐመጠት። ንጉሥ ዳዊት ግና፥ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ምስ ሰምዐ፥ ኣዝዩ ሓረቐ። ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንትእማር ኃብቱ ስለ ዝዓመጻ፥ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፥ ጽቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።
(2ይሳሙኤል=13፥1-22)

ምናልባት ኣብዚ ግዜ'ዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ክዳን #ድረስ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ለቢሰን ዝኸዳ ደቂኣንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን፡ ትእማር ቅድሚ ብሓዋ ምዕማጻ ወለል ዝብል ክዳን እያ ትኽደን ዝነበረት፡ ድሕሪ ምዕማጻ ግና ክዳና ቀደደቶ ይብለና ነዚ ስነምግባር ኣቦታት #ትርጉም ክህብሉ እንከለዉ “ኣነ #ብድንግልናይ የለኹን ድንግልናይ እንተ ብ ዓመጽ፡ እንተ ብፍታወይ ተጻዊተሉ፡ ዓንዲረሉ እየ”። ኣነ ዘማዊት እየ ሰብኣይ እንከለኒ ምስ ካልእ ሰብኣይ ክሓድር ጸገም ኣይምጽኣለይን እዩ። ስለዚ ኣነ ነዚ ከፋት ክዳን ምሉእ ሰለፍካ ዘርኢ፡ ሕምብርትኻ ዘርኢ፡ ኣጡባትካ ዘርኢ፡ ቀጥ ኣቢሉ ዝሕዘኒ ማለት ምሉእ ቅርጺ ኣካላተይ ን ወዲተባዓታይ ዘስሕት ክዳን እንተ ለበስኩ ጸገም የብሉን ኣነ ድልውቲ እየ ንዝሙት፡ ቅርብቲ እየ ንዝሙት/ኣነ ኣመንዝራ እየ ዝብል ትርጉም ኣሎዎ።

እዚ ዘለናዮ ዘመን ክፉእ'ዩ ጥንቃቐን ትዕግስትን ዝሓትት እዩ። ሓደ ኣርኣያ ዝኾውን ሰብ ተሳኢኑ ኩልና ዓለማውያን ኮይና ኣብ ቤተክርስትያን ዘሎናን ካብ ቤተክርስትያን ወጻእን ኩልና ሓደ።

ከም ናይ ሎሚ ትምህርቲ ስብከት ኣይበዝሐን ግና ኩልና ሰማዕቲ ጥራይ ኮይና ተግባር ተሳኢንና፡ ናይ ማስሜድያ ኮይና ተሪፍና እተን ፍጹም ዕጋበት ዘይብለን ኣብ ልዕሊ ጸጉሪ-ኣርተፊሻል ጸጉሪ፡ ቅርኒብ ዓይኒ ኣርተፊሻል ጸጉሪ ትልቅባሉ፡ ምሉእ ገጽክን ብ ሚክ ኣፕ ተለቢጡ፡ ኣእዳውክን ኣብ ልዕሊ ጽፍሪ-ጽፍሪ፡ ኣዝማልቶ መንያ ሰብይቲ ዲያቆን፡ መንያ ሰበይቲ እቲ ዓለማዊ መንእሰይ ዘይርድኣካ ኮታስ በቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣምላኽና ዕግበት የብልክንን። እዚ ከኣ ምስ ኣምላኽኻ ምክርኻር እዩ ንስኻ ከምዚ ጌርካ ዝፈጠርካኒ ተጋጊኻ ኢኻ፡ ገጌኛ ኢኻ ኣምላኸይ። ኣነ ብናተይ ገንዘብን፡ ጥበንን እየ ዝምልኽዕ ኢልካ ን ስርሓት ኣምላኽ ምቅላልን ምንሻውን እዩ ዘስምዕን ዘርእን። ጥንቅቅ ንበል እንታይ ኣበራት ኣሎዎ፡ እንታይ ጉድኣት ኣሎዎ፡ ከምዚ እንተ ገበርኩ ን ኣምላኸይ'ከ ይሕጉሶ ድዩ ንበል።

ሓፈሻዊ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወትና እንገብሮ ስነ ምግባራት ን ኣምላኽና ዘሐጉስን ዘስምርን ክኸውን ኣሎዎ። እግዚአብሔር ንኹልና ዓይኒ ልቦናን የብርሃልና።



፩) ኣብ መዓልቲ መርዓና ማለት መውሱቦና ክንሕጎስ ይግበኣና እዩ ፥እንተኾነ ሰማያዊ መዝሙር #ክንዝምር እምበር ደርፊ ክንደርፍ ወይ ጓይላ ክንገብር ኣይተፈቕደልናን።
፪) ሓድሽ ሕጻን ክውለድ ከሎ ፥ወይ ዓመት ሕጻን ውላድና ከነብዕል ኮለና ንሕጎስ ኢና ፥ ጎይታ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕለተ ልደታ ክብዕለላ ምዃኑ ቃል ኣተወላ ። እንተኾነ መዝሙር ክንዝምር እምበር ደርፊ ክንደርፍ'ሲ ኣይተፈቕደልናን።
፫) ኣብ መዓልቲ ናይ ውላድና ጥምቀት ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ ሰማያዊ መዝሙር ክንዝምር እምበር ፥ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን ።
፬) ሓሚሙ ዝነበረ ሓውና ወይ ሓፍትና ብሓፈሻ ካብ ስድራና ወይ ፈለጥትና ጎረባብትና ፥ምሕረት ረኺቦም ክሓውዩ ከለው ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ ሰማያዊ መዝሙር ክንዝምር እምበር ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን።
፭) ተኣሲሩ ዝነበረ ሓውና ይኹን ሓፍትና ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ ናጻ ተባሂልካ ኣለኻ ክበሃል ከሎ ንሕጎስ ኢና እንተኾነ ክንዝምር እምበር ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን።
፮)ተባኢሶም ዝነበሩ ሕብረተ ሰብ ከዕረቑ ከለው ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ ክንዝምር እምበር ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን።
፯) ብዙሕ ዓመታት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤታት ኪተኣኻኸቡ ከለው ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ ናይ ሓጎስና መግለጺ ሰማያዊ መዝሙር ክንዝምር እምበር ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን።
፰) ውላድ ኣብዩዋ ዝነበረት እምንቲ በዓልቲ ሓዳር ፥ቃል ኪዳና ኣኽቢራ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ማህጸና ተኸፊቱ ውላድ ኪትወልድ ኮላ ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ ክንዝምር እምበር ደርፊ ክንደርፍ ወይ ጓይላ ክንገብርሲ ኣይተፈቕደልናን።
፱) ተባኢሶም ዝጸንሑ ሰብ ሓዳር ፥ይቕረ ይቕረ ተበሃሂሎ ናብ ሓዳሮም ኪሚለሱ ከለው ንሕጎስ ኢና ፥ እንተኾነ ሰማያዊ መዝሙር ክንዝምር እምበር ክንደርፍሲ ኣይተፈቕደልናን።
፲) ትምህርቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ፥ትምህርቲ ዪኒቬርስቲ ወዲእና ክንምረቕ ኮለና ንሕጎስ ኢና ፥እንተኾነ መዝሙር ያሬድ ክንዝምር እምበር ብጓይላ ክንዓብድ'ሲ ኣይተፈቕደልናን።



ደርፊ ዝተጀመረ በቶም ትእዛዝ አግዚአብሔር ኣምላኽ ዘፍረሱ ደቂ ቃኤል እዩ። ቃኤል ድማ ንሓው ኣቤል ብዳርባ እምኒ ዝቐተሎ እዩ። ደቂ ኣዳምን ሄዋንን እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝፈቐደሎም ሰማያዊ መዝሙር ምዝማር ገዲፎም ብደርፊ ኪዘናግዑ ዘስሓቶም ፥ወይ ክፍኣተ ግብሪ ዝመሃሮም ድማ ርኹስ መንፈስ #ጋድርኤል እዩ። ክርስቲያን ይዝምር እምበር ክርስቲያን ኣይደርፍን እዩ። ማህሌት ናይ ቅዱሳን ቃለ እግዚአብሔር እዩ። ማህሌት ናይ #ኣጋንንቲ ማለት ናይ ኣሕዛብ ድማ ጓይላን ደርፍን ዲስኮን እዩ። ስለዚ ንሕና ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ዝሃበና ሰማያዊ መዝሙር ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እና በልና ንዝምር ፥ዝኾነ ይኹን መርዓ፡ ጥምቀት፡ ዓመት ኮታስ ኩሉ ውራይና ብጓይላን ደርፍን ክንጻወት ንውዕል እንተ ደኣ ሃሊና ኣብቲ ትኽክል ቦታና የለናን ማለት እዩ። ስፍራና ቀይርና ካብ ደቂ እግዚአብሔር ደቂ ሰይጣን ተባሂልና ክንስመ ኢና ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ሃይማኖትና ምህላውናን ዘይምህላውናን ነፍስና ንፈትሽ።


ሰንበት ሓንቲ ካብተን ኣብ ታቦት ተጻሒፈን ዘለዋ 10 ትእዛዛት ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽና እያ። ብዕለተ ሰንበት ናይ ነፍሲ ስራሕ ክንሰርሕ ደኣ እምበር ናይ ስጋና ስራሕ ክንሰርሕ ኣይፍቀደናን እዩ። ብዕለተ ሰንበት ቤተ ክርስቲያን ምስላም ሓዲጉ ናብ ናይ ስጋኡ ስራሕ ዝዋፈር ሰብ ልክዕ ከም ዝሰረቐ ፥ዝዘመወ ፥ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ ዝቑጸር።


ብዕለተ ሰንበት ናብ ናይ ስጋኡ ስራሕ ዝወፍር ካህን ማሕላ ናይ ክህነቱ ዝረስዐ ይኸውን። ምኽንያቱ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቡ ፥ስብሓታት ከብጽሕን፥ ኪዳን ከብጽሕን ፥ተኣምረ ማርያም ኣንቢቡ ፥መስቀል ኣሳሊሙ ፥ቅዳሴ ኣቐዲሱ ፥ካልኦት ኣገልግሎታት ከም ጥምቀትን ፥ማየ ጸሎትን ፥ንሕዝበ ክርስቲያን ክህብ እዩ ዘለዎ። ነዚ ንኸይገብር ግና #ለጌዎን ዝበሃል ጋኒየን ክጻብኦ ይኽእል። መዝሙር ዳዊትን ፥ድርሳነ ሚካኤልን ፥ሰነ ጎልጎታን ፥መጽሓፈ ኣርጋኖን ዝደግም እንተኾይኑ ግና ከሰንፎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣቦታት ካህናት ንዕለተ ሰንበት ዘለኩም ክብሪ ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ነፍስና ንፈትሽ ሓደራ ። ወንጌል ቅዱስ ማቴዎስ 8፥28--34 ንመልከት።


ዲያቆናት ብዕለተ ሰንበት ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስላም ሓዲጎም ናብ ናይ ስጋኦም ስራሕ ወይ ናብ ናይ ስጋኦም ዋኒን እንተኸይዶም ፥ ማሕላ መዓርገ ዲቁናኦም ዝረስዑ እዮም ። መኽንያቱ ሓደ ድያቆን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ ብዕለተ ሰንበት ምስ ካህን ወላዲኡ ኮይኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ተረኺቡ ፥ንኻህን ኣቦኡ ክሕግዞን ክለኣኾን ፥ጸሎት ከብጽሕን ከቐድስን ፥ተኣምረ ማርያም ክሰምዕን ፥ኪዳን ሰሚዑ ስርየት ክቕበልን ይግባእ። ዲያቆን ብዕለተ ሰንበት ተኣምረ ማርያም ከይሰምዐ እንተ ዊዒሉ ከም ሕሙም ይቆጸር ይብለና። ብዕለተ ሰንበት ካብ ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ዝውዕል ዲያቆን #ሌጌዎን ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ይጻብኦ ምህላው የስተውዕል። ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ 8፥26--39 ንመልከት። ስለዚ ኣሕዋተይ ዲያቆናት ብዕለተ ሰንበትን ዓበይቲ በዓላትን ካብ ቤተ እግዚአብሔር ኣይንፈለ። ተባሪኽና ንውዓል።


ዝኾኑ ይኹኑ ሰብ ሓዳር ብዕለተ ሰንበት ናብ ናይ ሲጋኦም ስራሕ ምስ ዝወፍሩ ካብ 7 ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ዝኾነ ምስጢረ ተኽሊል ዝፈጸምዎ ማሕላ ኣይተረድኦም ዘሎ ማለት እዩ ። ሰብ ሓዳር ብዕለተ ሰንበት ተኣምረ ማርያም ከይሰምዑ ምስ ዝውዕሉ ከም ሕሙማት ይቑጸሩ ይብለና ። በዚ ምኽንያት እዮም ሎሚ
-- ሰብኣይ ንነሳሕ ክብል ከሎ ፥ሰበይቲ ንጽናሕ እትብል። ሰበይቲ ንነሳሕ ክትብል ከላ ሰብኣይ ነርክበሉ ኢና ኣበይ በጺሕናዮ ዝብል። ከይተነስሑን ቅዱስ ቁርባን ከይተቐበሉን ድማ ዕጫ ኩልና ዝኾነት ሞት ተርክቦም። እዚ ድማ ብዕለት ሰንበት ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ከይባረኹ ዝጻብኦም ዘሎ ርኹስ መንፈስ #ለጌዎን ይበሃል። ወንጌል ማርቆስ 5፥1-20 ንመልከት።

ሎሚ ሰበይቲ ደቃ ሒዛ ቤተ ክርስቲያን ክትከይድ ኰላ ፥ሰብኣይ ግና ኣብ ገዛ ደቂሱ የርፍድ። ወይ እውን ማኪና ጌይሩ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስትያን ኣብጺሑዋ ይምለስ ።
ሰብኣይ ደቁ ሒዙ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ከሎ ፥ሰበይቲ ኣብ ገዛ ደቂሳ ተርፍድ።
ሎሚ ዘለው ኣቦን ኣደን ንቤተ ክርስቲያን ክመላለሱ ከለዉ ፥እቶም ዝወለዱዎም ደቆም ድማ ቀይዲ በተኽ ኮይኖም ኣብ ወልፍታት ይወድቁ። ኣብ ዲስኮታትን ፥ለይታዊ ትልሂታትን ይሓድሩ።
ሎሚ ሕጻናት ደቅና ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘመርቲ ክኾኑ ከለው ፥ወለዶም ድማ ናይ ጓይላን ዳንኬራን መስተን ስኽራንን ወልፍታትን ግዙኣት ኮይኖም ይረኣዩ። ናይዚ ኩሉ ዝበልናዮ ኣርእስተ ሓጢኣት ዝመርሕ ርኹስ መንፈስ ድማ ለጌዎን ይበሃል።



--ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ መዓልቲ መርዓ ንጽሕናና ማለት ድንግልናና ሓሊና ከይንጸንሕ ዘስሕተና ርኹስ መንፈስ #ሽማዝያ ይበሃል።
--ጸጉርና ከነንውሕ ዝደፋፍኣና ፥እዝንና ክንስቈር ዝደፋፍኣና።
-- ሰውነትና ዘመልክዓልና ዘሎ መሲሉና ፥ብዝተፈላለየ ናይ ጣኦት ቅርጺ ዘለዎ ምስሊ ጌርና ቆርበትና ክንውቀጥ ዝደፋፍኣና ርኹስ መንፈስ ሽማዝያ ይበሃል። ምኽንያቱ ሰውነትካ ምውቃጥ ሓጢኣት እዩ ። ስእሊ ስላሴ ከም ዝቐደድካ እዩ ዝሕሰብ ።
-- ናይ ደቂ ኣንስቲዮ ዝመስል ኣከዳድና ክንክደን ዝደፋፍኣና
-- ኣብ ብዙሕ ወገናቱ ዝተቐደደ ወይ ዝተበጀለ ስረ ክንክደን ዝደፋፍኣና
-- ኣብ ክሳድና ዘሎ ብዕለተ ጥምቀት ዝተዋህበና ማዕተብ ፈትሊ ፥ኩሉ ግዜ ብፈትሊ ጌርና ኣብ ክንዲ ነኣስሮ ፥ ነቲ ፈትሊ በቲኽና ሰንሰለት ወርቂ ይኹን ብሩር እንቕይሮ ፥ወይ ኣብ ልዕሊ ማዕተብና ንመጋየጺ ኢልና ሰንሰለት እንኣስር ድማ እዚ ሽማዚያ ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ስለ ዘሳቕየና እዩ። #ሽማዚያ ሩኹስ መንፈስ መራሒ ናይ ትዕቢትን ናይ ምብልጭላጭ ዓለምን ጓይላን ወልፍታት ፥ ትንባኾ ፥ #ሓሽሽ ፥ቡን ፥ ጫት ፥ሽጋራ ፥ ኣልኮላዊ መስተን ስኽራን ኣላሚዱ ተባላሺና ከም እንተርፍ ጌይሩና ዘሎ ርኹስ መንፈስ እዩ።
--ቅድሚ ዕለተ መርዓና ድንግልናና እነፍርስ ወይ እንዝሙ እዚ ርኹስ መንፈስ ሽማዚያ እዚ ስለ ዝጻብኣና እዩ።
--ደቂ ተባዕትዮ ፥ካርታ ፥ጠላዕ ወይ ጣልዕ ፥ ቁማር ፥ምጽዋት ዝመሃረናን ፥ ኣልኮላዊ መስተን ስኽራንን ፥ ዝተፈላለየ ወልፍታትን ፥ ብምሸት ናብ ገዛ ኣምሲኻ ወይ ደንጉኻ ምእታው ከነዘውትር ዝደፋፍኣና ርኹስ መንፈስ ድማ ሽማዝያ ይበሃል። ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ሒዝና ብጾምን ጸሎትን ስግዳንን ፥ምጽዋትን ተባሪኽና እንተ ነበርና ግና ክንስዕሮ ንኽእል።
#ትርጉም ኦሪት ዘዳግም=22፥5 ንመልከት።



ደቂ ኣንስትዮ በቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሃበና ጽባቐ ፥ቁንጅና መልክዕ ሥላሴ ማለት መልክዕን ምስልን ናይ ኣጋእዝተ ኣለም ሥላሴ ሒዝና ተሓጉሰን ኣብ ክንዲ ዝነብራ ዘይንሰን ክመስላ ዝጽዕራ ውሑዳት ኣይኮናን።
፩) ካብ ቆርበትና ዘይበቖለ ብኣርተፍሻል ዝበሃል ጸጉሪ ገይረን ኣብ መዓልቲ መርዓ ይኹን ፥ኣብ መዓልቲ ጥምቀት ጸጉርና ሓጺሩ ፥ክጽብቐልና እባ ክንቁነን ኢለን ዝቑነና ዘስሕተን ርኹስ መንፈስ ድማ #ካዕድያ ይበሃል።
፪) እዚ ርኹስ መንፈስ እዚ ጸጉሪ ሸፋሽፍቲ ዓይንና ከም ንላጸዮ ይገብረና። ኣብ ኣፍንጫና ሰቁሬን ከም እንስቆር ይገብረና። በዚ መሰረት ስእሊ ሥላሴ ከም እንቐድድ ይገብረና። ምኽንያቱ ኣፍንጫኻ ምስቋር እኮ ፥ ስእሊ ኣድህኖ ምቕዳድ ማለት እዩ ። እቲ ምንታይሲ ብመልክዕን ምስልን ሥላሴ ስለ ዝተፈጠርና ። ንባዕልና ስእሊ #ሥላሴ ኢና ።
፫) ኣብ ልዕሊ ጽፍርና ፥ጽፍሪ ከም ንውስኽ ፥ወይ ኣዝማልቶ ከም እንልከይ ይገብረና።
፬) ቃለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፥ክዳን ወዲ ተባዕታይ እትኽደን ጓል ኣንስተይቲ ፍንፍንቲ ትኹን እንዳበለ ከሎ ፥ነዚ ቅዱስ ቃል እዚ ሸለል ኢልና ስረ ደቂ ተባዕትዮ ተኸዲና ክንከይድ ዝገብረና ርኹስ መንፈስ ድማ ካዕድያ ይበሃል።
፭) ቅድሚ ዕለተ መርዓ ክብሪ ድንግልናና ከም እነፍርስ ዝገብረና ማለት ፥ኣብ ናይ ዙሙት ሂወት ከም እንዋፈርን፥ብዘይ ቃል ኪዳን ፋሉል ኮይና ከም እንወልድን ፥ዝገብረና ርኹስ መንፈስ ድማ ካዕድያ ይበሃል።
፮) እዚ ካዕድያ ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ፥ነቲ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህበና ፥ቅዱስ ዝኾነ ክርስቲያናዊ ናብራ ከምዘይረብሕ ወይ ውን ሃይማኖትና ዝእዝዞ ክዳን ተኸዲና እንተኸይድና ፥ከም ፋራታት ዘይማዕበላ ገይሩ የርእየና እሞ ፥በቲ ናቱ ዝኾነ ጸልማት ጎደና ዓለም ይመርሓና።
-- ስለዚ ካዕድያ ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ርኹስ መንፈስ እዩ።
-- ብጾምን፥ ጸሎትን ፥ስግዳንን ፥ ሓቀኛ ንስሓ ብምእታውን ፥ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እተስተምህሮን እትእዝዞን ልብሲ ኣከዳድና ኣዘውቲርና ፥ብሰማያዊ ሕጊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እንተ ተመሪሕና ግና ፥ነዚ ካዕድያ ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ከነሰንፎ ንኽእል። ኦሪት ዘዳግም= 22፥5 ከምኡ ውን 1ይ ጴጥሮስ 3፥1--6 ንመልከት።


፩) ሰብ ሓዳር ብፍላይ ካህናትን ዲያቆናትን ፥ከምኡ ውን ዝተነስሑ ምእመናንን ፥ምእመናትን ኣብ ግዜ ቃል ኪዳን ፥ወይ መዓልቲ መርዓ ቅዱስ ቁርባን ቆሪብና ስለ እንምርዖ ፥ቶርታ ዝበሃል መግቢ ኣይፍቀደናን እዩ። ቶርታ ዝበሃል መግቢ ዝተፈላለየ ክንበልዖ እንኽእልን ክንበልዖ ዘይንኽእልን ቀመማት ዝተሓወሶ ስለ ዝኾነ ንቆረብቲ ቁርባን ዝኸውን ምግቢ ኣይኮነን። ብፍላይ ዲያቆናት ፥ቤተ መቕደስ ኣቲና እነቐደስ ኣገልገልቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ምዃና ጽቡቕ ጌይሩ ይረድኣና። ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ኣብነትን ኣርኣያን ድኣ ንኹን እምበር ፥ ናይ ክፉእ ዓለም ኣብነት ኣይንኹን። ዲያቆናት ሓደራኹም ቅዱስ ቁርባን ቆረብቲ እምበር ፥ቆለብቲ ኮይና ከይንተርፍ ሓደራ ሓደራ በጃኹም ሓደራ።

፪) ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምቕባልና ፥ካብ ዝኾነ ይኹን እኽልን ማይን 18 ሰዓታት ጾም ክንጸውም ይግበኣና ። ኣብ መዓልቲ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበልናሉ መዓልቲ ፥ብዘይካ ባዕልና ማንም ሰብ ከዀልሰና ወይ ከብልዓና ኣይግባእን፥ ምናልባት ሓሚምና እንተዘይኮይና። ክንምገቦ ኢልና ዝቐረብናዮ መግቢ ክንውድኦ ይግበኣና ፥ተተሪፍና ድማ ጽቡቅ ገይርና ንኸድኖ ፥ጸኒሕና ድማ ክንበልዖ ይግብኣና።
፫) መጽሓፍ ቅዱስ ጓል ኣንስተይቲ ዝባና ኣይትከፈት ፥ዝባና እትኽፈት ጓል ኣንስተይቲ ንዙሙት መንፈስ ዝተቓልዐት ትኸውን ይብለና። ስለዚ እዚ ናይ ዘመንና መጺዩ ዘሎ ኣብ መዓልቲ መርዓ ይኹን ኣብ ካልእ ግዜ ዝግበር #ቬሎ ዝበሃል ክዳን ናይ ክርስቲያን ክዳን ኣይኮነን።
--እዚ ቬሎ ዝበሃል ክዳን ካብ ኣሕዛብ ወገን ፥ማለት ካብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘይተጠመቑ ኣሕዛብ ዝኣተወና ባህሊ እዩ። እሞ ካብ ክርስቲያናዊ ኣከዳድና ወጻኢ ዝኾነ ክዳን ምኽዳን ድማ ኣበሳ ኣለዎ እሞ ፥እቲ ብመልክዕን ምስልን ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰውነትና ኣይነሕስሮ። ብፍላይ ናብ ዲያቆናት እትምርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓደራኽን ክብሪ ቅዱስ ቁርባን ሓልዋ ፥ፍርሃተ እግዚአብሔር ይሃልኽን። እቶም ዲያቆናት እውን ሸለልትነት ኣይነብዝሕ ፥ ተዋሂቡና ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ገዲፉና ከይከይድ። ሎሚ ጸጉሪ ኣርተፍሻል እንዳ ተቖነንክን ፥ቶርታ እንዳ ገበርክን ፥ቬሎ እንዳ ተኸደንክን ፥ዝተፈላለየ መጸባበቒ ስጋዊ ሰውነት እንዳ ተለኸኽን ፥ ፥ተንቀሳቐስቲ ኣርማዲዮ ክትመስላ ወርቂ ወዲ ወርቂ ሰውነትክን መሊእክንኦ ፥ ከምኡ ኢልክን ኮለኽን ድማ ተኣምረ ማርያም ከይሓፈርክን ትሰምዓ ኣለኽን።ብድፍረት ኣብ ቅዱስ ቁርባን ትቐርባ ኣለኽን። ቆረብቲ ፥ደኣ እምበር ቆለብቲ ከይትኾና እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይርዳእክን።
፬) ሓዳር ምስ ገበርና ፥እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለ ዝባርኸናን ስለ ዝቕድሰናን ኣብ እንፍጽሞ ፥ስጋዊ ርክብ ዋላ ሓደ መከላኸሊ ክንጥቀም ኣይፍቀደናን እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ክሳብ እቲ ንሱ ዝፈቐዶ ዕድመ እንበጽሕ ብዘይ ርኽሰት ክንወልድን ርክብ ክንፍጽምን ከም ዘለና የስተምህረና ። እዚ እንወልዶም ሕጻናት ከይበዝሑና ኢልካ ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ መከላኸሊ መድሃኒት ምጥቃም ዝመሃረ ርኹስ መንፈስ ድማ ካዕድያን #ኣስማድዮስን ይበሃሉ። መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ መርገም እዩ። መጽሓፈ ራእይ ማርያም ተመልከቱ።
-- ንሕና ስለ ዝረኸብናዮ በቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሃበና ፍረ ዘርኢ ክንላገጽ ንነብር ኣለና።
-- ብዙሓት ሰብ ሓዳር ድማ ሓደ ዘጸናንዖም ውላድ ስኢኖም ፥ለይትን መዓልትን እግዚአብሔር ኣምላኽ ውላድ ክህቦም ዝልምኑ ድማ ከም ዘለው ክንፈልጥ ይግበኣና።
-- እምበኣር ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ መድሃኒት ክንጥቀምን ፥ጥንሲ ከነነጽልን ፥ሕጻናት እንቀትልን ፥ሓዳርና ክንብትንን ዝደፋፍኡና ርኹሳት መናፍስቲ ድማ #ኣስማድዮስን ካዕድያን ይበሃሉ።
--እዚ #ኣስማድዮስ ዝበሃል ርኹስ መንፈስ ቀንዲ ስራሑ ሓዳር ምብታንን ፥ብዘይ ቃል ኪዳን ፋሉል ምብዛሕን እዩ ስርሑ ። ማለት ቃል ኪዳንን ፥ቅዱስ ቁርባንን ዘይብልካ ብፍኑው ጾታዊ ርክብ ማለት ብዙሙት ከም እትባዛሕ ይገብረካ።1ይ መልእኽት ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ=7፥25-40 ከምኡ እውን መጽሓፍ ጦቢት=3፥16-17 ንመልከት።
-- ብሓፈሻ ርኹሳን መናፍስቲ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ፥ኣብ ትሕቲ ፍቓድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተባሪኽናን ተቐዲስናን ከይንነብር ዝጻረሩናን ቅድስና ንኸይንሰርሕ ዝቃወሙናን ናይ ጸልማት ዓለም ኣገልገልቲ እዮም። ከምቲ ሓዋርያ ይሁዳ ዝበሎ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ተዓቑርሎም ኣሎ። መልእኽቲ ይሁዳ=1፥5-7 ንመልከት።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ጽሒፍናዮ ዘለና ግብሪ ናይ ርኹሳን መናፍስቲ፡ ካብ ትርጉም መጽሓፍ ትንቢት ሄኖክ ምዕራፍ=19 ዝተወስደ እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብዚ ኩሉ ግብሪ ናይ ርኹሳን መናፍስቲ ይሰውረናን ፥ብቅዱስ ቃሉ ይሓልወናን ኣሜን።

ስብሃት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለ ወላዲቱ ድንግል ማርያም
ወለ መስቀሉ ክቡር
ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ልሳን ተዋህዶ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share