ኣሃደ በመስቀል
5 ሓምለ ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ
አመ ሐምሱ ለሐምሌ ኮነ በዓለ ዕረፍቶሙ ለጴጥሮስ ወለጳውሎስ ሐዋርያት ብርሃናተ ዓለም ጸሎቶሙ ወሀብተ ረድኤቶሙ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሰማዕያን ወአንባብያን ለኣለመ ኣለም አሜን።
፭ ሓምለ፡ ብርሃናተ ዓለም - ኣዕማድ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰምዩ ክልተ ሓዋርያት ማለት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ብኢድ እቲ ጨካን ኣረማዊ ኔሮን ብሞት ዝተራኸቡላን፤ ካብቲ ድኻምን ጻዕርን ዝበዝኆ ዓለም ናብታ ዝናፍቕዋን ዝተጋደሉላን፡ ዘለዓለማዊት ርስቶም ዝተሰጋገሩላን ሰማያዊ ኣኽሊል ዝጨበጡላን ዕለት እያ።
ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ይኹን።
ቅዱስ ጴጥሮስ
ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ነገደ ሮቤል ካብ ዝኾነ ኣቡኡ ዮና ኣብ ቤተ ሳይዳ ተወልደ። ቤተ ሳይዳ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ኣብ ወሰን ባሕሪ እትርከብ ዓዲ እያ። ዮና ምስ ዘብዴዎስ ዓሣ እናስገረ ዝናበር ሰብ እዩ ነይሩ። ዮና ካብ ነገደ ስምዖን እትኸውን ሰበይቲ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ወለደ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ሕገ ኦሪት ተገርዘ፤ ስሙ ኸኣ ብስም ነገድ ኣዲኡ ስምዖን ኢሎም ሰመይዎ።
ኣብ ኃሙሻይ ዓመቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤተ ሳይዳ ናብ ዝነበረ ናብ ቤት ጸሎት ቅፍርናሆም ወሲዶም ሕገ ኦሪት ከምዝምሃር ገበርዎ። ብዙኅ ትምህርቲ ግና ኣይነበሮን። ኣብ ቅፍርናሆም ከም ኣቡኡ ዓሣ እናስገረ ይነብር ነበረ። ኣብዚ ሥራሕ እንከሎ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ደብረ ሲና
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ
ኣ....ሜ.....ን
ተኣምረ ማርያም ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት
ጸሎታን በረኸታን ናባና ይሕደር ኣሜን።
ኣምላኽ ዝወለደት ብነብስን ብስጋን ድንግል ዝኾነት ዝገበረቶ ተኣምር እዚ እዩ።
ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ኣብ ትብሃል ቤተክርስትያን ካብ ምብራቅ ክሳብ ምዕራብ ካብ
ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ኩሉ ቦታ መጺኦም ይእከቡ። እዚኦም ኩሎም ዳስ ተኺሎም ድንኳን ዘጊሖም ካብ ዕለት
21 ጀሚሮም ክሳብ ዕለት 25 ብፍጹም ደስታን ብፍጹም ክብርን ናይ ድንግል ብዓላ ምኽባር ይጅምሩ።
ቅድስት ድንግል ኣዴና ማርያም ድማ ካብ ግንቦት 21 ጀሚራ ክሳብ ዕለት 25 ብዘይ ምቁራጽ በዘን 5 ዕለታት ምስ
መላእኽቲን ሰማእታትን ጻድቃንን ትግለጸሎም ነበረት። ክርስትያንን እስላምን ብጋህዲ ተገሊጻ ይርእይዋ ነበሩ።
ብፍጹም ክብርን ብፍጹም ደስታን ብዓላ የኽብሩ ነበሩ። ብዕለት 21፣ 22፣ ከምኡ’ዉን ብዕለት 23 ምስኣቶም
ከምኡ ድማ ብዕለት 24 ናብ ሃገረ ግብጺ ዝኣተወትሉ ዓቢ በዓል እዩ። በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለታት ኣዲና ቅድስቲ
ድንግል ማርያም ትገብሮ ዝነበረት ተኣምር ብዙሕ እኳ እንተኾነ ኣብ ተኣምረ ማርያም ቁጽሪ 17 ከም ኣብነት
ወሲድና ከምዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ይርከብ።
ዎ ህዝበ ክርስትያን ኣብ ደብረ ምጥማቅ ዝተሰርሔ ኣብ ናይ እግዝትነ ማርያም ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ
ዓቢ ተኣም
ኣልቦ እምቅድሜሁ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!
11 ግንቦት ዕረፍቱ ማህሌታይ ለቅዱስ ያሬድ
እዚ ዕለት እዚ እቲ ኣምሳል ሱራፌል ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ። ቅዱስ ያሬድ ካብ ኣብኡ አብድዩ /ይስሐቅ/ ካብ ኣዲኡ ክርስቲና /ታውክልያ/ ኣብ ኣኽሱም ተወልደ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ካብ ወገን ኣባ ጌዴዎን እዩ። ኣብኡ ወዲ 7ተ ዓመት እንከሎ ስለዝመተ ከኣ ኣዲኡ ናብ ኣባ ጌዴዎን ወሰደቶ። ኣባ ጌዴዎን’ውን ንቅዱስ ያሬድ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክምህርዎ ጀመሩ። እንተኾነ ቅዱስ ያሬድ ነቲ ዝዋሃቦ ዝነበረ ትምህርቲ ክቕበሎ ይኹን ከጽንዖ ኣይከኣለን።
ኣባ ጌዴዎን ድሕሪ ብዙሕ ግዜ የጽንዖ ይኸውን ብምባል ከይተሓለሉ ንብዙሕ ዘመን ምሃርዎ እንተኾነ ቅዱስ ያሬድ ከጽንዖ ኣይከኣለን። ካብ ግዜታት ሓደ መዓልቲ ኣባ ጌዴዎን “ንክንድዚ ዝኣክል ዘመን ተማሂሩስ ምጽናዕ ኣብዩ” ኢሎም ሓሪቆም ንቅዱስ ያሬድ ክሳብ ዝሕምሞ ሃረምዎ። ቅዱስ ያረድ ድማ በቲ ዝተሃርሞ ኮርዩ ኣብ ሓደ ጫካ በረኻ ከይዱ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ከፍ በለ። ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣጽሊሉ እንከሎ ድማ ሓደ ጻጸ ናብታ ገረብ ይድይብ እሞ ኣብ ፍርቂ ምስ ብጽሐ ከኣ ይወድቕ፡ መሊሱ ይድይብ ይወድቕ፡ ከምዚ እና በለ ንነዊሕ አዋን እናደየበ እናወደቐ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ተስፋ ከይቆረጸ ብዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት፡ ተዓዊቱ ናብ ጫፍ እታ ገረብ ሓኾረ። ሽዑ
በዓል ኣቡነ ብጹኣ ኣምላክ
ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ
9ግንቦት ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ብጹኣ ኣምላክ
ን ያፈቅረነዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርምያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ክትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ዅሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ኸዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ።
ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ገና ወዲ ሾመንተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ያፍቅረነ እግዚእ “ዝንቱ ዓለም ኃላፊ ወንብረቱኒ ከንቱ ወትፍግዕቱኒ ማሳኒ ብእሲትኒ ወውሉድኒ አኃውኒ ወአዕርክትኒ ወታሕማኒ ኢያድኅኑ ወኢይከውኑ ቤዛ በደኃሪ መዋዕል በዕለት ዓባይ አመ ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ/ እዚ ዓለም’ዚ ኃላፊ’ዩ ንብረቱ’
ዮም ፍስሃ ኮነ
በስመኣብ ወወልድ ወምንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!
ሓደ (ባሕቲ) ግንቦት ክብረ በዓል ልደታ ለቅድስት ድንግል ማርያም
ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ሓጐስ ኮነ!
ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት’ውን ኣደ ኣምላኽ እንዳ ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዒ ክወጽእ ኢዩ ዝብል ትንቢት ተነብዩ ነይሩ (ኢሳ 11፡1)።
ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዒ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ።
ቅዱሳን ነቢያት እግ
ስነ ጽሑፍ
ጸሎት ዓርቢ ስቕለት- ቅ.ስምኦን ኣምዳዊ
ናይ ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ ጸሎት፣ ዓርቢ ወጋሕታ ዝጽለ
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ንዓካ ናይ ድሕሪት ኣሲሮም ናብ ናይ ሊቀ ካህናት መጋብኣያ ዝወሰዱኻ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ እሰረኒ እሞ፣ ናብታ ወሃቢ ህይወት (ማህየዊት) ዝዀነ ቤትኻ ሰሓበኒ። ንስኻ ንኲሉ መዓሙቕን በረኽቲን ቦታታትን ብቃልኻ እትኣስር ክነስኻ፣ ኢድኻ ተኣሰርኻ፣ ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ክጸልኣ፣ ንዓይ ዉን ከምኡ ብፍቕርኻ እሰረኒ። ኦ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ዝዀንካ፣ ብኣኻ ተቐዲሰ ናይ ቅድስና ዓለም ከም ዝስዕብ ግበረኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ንስኻ ኣብ ጉንዲ ዝተኣሰርኻ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ ብፍቕርኻ እሰረኒ፣ ንልበይ ዉን ብእሳታዊ ፍቕሪኻ ኣቃጽሎ፤ ምእንቲ ናባኻ ክበጽሕ ድማ፣ ንኲሉ ኣካላተይ፣ ካብ ፍትወታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝተፈትሐ ግበረለይ፤ ናተይ ናይ ድሕነተይ ቀርኒ ዉን ዂነለይ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንኣዳም ካብ ማእሰርቲ ሞት ምእንቲ ከተድሕኖ፣ ምእንትኡ ተኣሰርኻ፣ ንዓይ ዉን ካብ ፍቕሪ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፈቲሕካ፣ ብፍቕርኻ እሰረኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንክትፍረድ ዝቖምካ፣ ከምኡ ዉን ንዓይ ብዘይ ነዉሪ ኣብ ቅድሜኻ ኣቁመኒ፣ ንስኻ ህያዉን ቅዱስን ኢኻ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኪሩቤልን ሱራፌልን
ሕማማት
ዓርቢ ስቅለት
ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን ኪርያ ላይሶን
ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ ስቅለት)
ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ አኳ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ካልኦት ክልተ ቐሪቦም “እዚ ሰብ እዚ ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ” በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ” ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ” በሎ።
ኢየሱስ ከኣ “ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ” በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ “እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ምስክር ኣድልየና፡ እንታይ ከ ይመስለኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። ። ”ኦ መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ፧” ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎ
ኣድተርእዮ ማርያም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
+++#21 ጥሪ +++ ኣንቢብና share ንበሎ!
#ኣስተርእዮ_ማርያም
#ዓመታዊ_በዓለ_ዕረፍታ_ለእግዝእትነ_ቅድስት_ድንግል_ማርያም!
#ሞትሰ_ለመዋቲ_ይደሉ_ሞታ_ለማርያም_ይዓፅብ_ለኵሉ!!!
ትርጉም,, ንመዋቲ ሰብ ኪመውት ዚግብኦ እዩ፡ ንሞት ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንዅሉ ዘደንቕ እዩ!!
***#ኣስተርእዮ ማለት ተጋህደ ተገለጸ ተራእየ ማለት እዩ። ኣስተርእዮ ካብ ዕለት ጎይታ ዝተወልደሉ(ልደት) ጀሚሩ ክሳብ ጸሞ ነንውየ ዝውድእ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣስተርእዮ ዝበሃሉ እቲ ዘይረኣይ ኣምላክ ነቢያት ዝተነበይሉ ንደቂ ሰብ ከድሕን ክብል ካብ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተሊሄም ዝተወልደ ኣምላክ ብሰብን መላእክትን ሰጋ ለቢሱ ተራእዮ ፡ስለዚ ኣስተርእዮ ግሃድ ይብሃል፡ ካሊእ ድማ ቅድስት ስላሴ ሓድነቶም ሰለስትነቶም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ዝተጋህድሉ ስለ ዝኮነ ኣስተርእዮ ግሃድ ይብሃል።
*** በዚ ኩቡር ዕለት ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ንቅዱስ የውሓንስ ወንጌላውን ቅዱሳን ሓወሪያት ደናግልን ኩሎም ቅዱሳንን፡ ቅዱሳን መላእክትን ኣከቲላ ንምእመናን(ህዝበ ክርስቲያን) ድሕሪ ዕረፍታ ድሕሪ ናብ ሰማይ ብክብሪ ምዕራጋን፡ በዚ ክቡር ዕለት ብርሃን ተጎናጺፋ በመላእክቲ ተከቢባ ንምእመናን ብጋህዲ ተገሊጻ ዝተራእየትሉ ዕለት እዩ፡ ስለዚ ቅድስት ኣዴና ድንግል ማርያም ብርሃን ተጎናጺፋ ክብሪ ለቢሳ ዝተራኣየትሉ ዕ
ኣቡነ ሊባኖስ
3 ጥሪ ዕረፍቶም ቅዱስ ኣቡነ ሊባኖስ(መጣዕ)ገባሪ ተአምር ኢዩ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ሊባኖስ
ትውልዶምን ኣተዓባብዪኦምን
ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ካብ አቦኦም አብርሃምን ኣዲኦም ንግሥት ማርያም(ባዚሊሳ)ኣብ መጀመርታ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ቊስጥንጥንያ(ኮንስታንቲኖፖል) ተወልዱ።ኣብቲ ዘመን እቲ እዛ ምዕብልቲ ዝነበረት ግዝኣት ዋና ከተምኣ ቍስጥንጥንያ ብዝብል ትፈለጥ እምበር ቀዳማይ ስማ ሮም ብዝብል ትጽዋዕ ከም ዝነበረት ታሪኽ ይገልጽ። መሥራቲኣ ድማ እቲ ብዙኅ ታሪኽ ዘለዎን መፍቀሬ ሃይማኖት ተባሂሉ ዝግለጽን ኣቦታትና ንኣርዮስ ዘውገዙላ ቀዳመይቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣብ ኒቂያ(325 ዓ.ም.)ንክግበር መድረኽ ዘጣጠሐ ንጉሥ ቍስጠንጢኖስ እዩ ነይሩ።
ስድራ ኣቡነ ሊባኖስ አብዛ ዝተጠቕሰት ከተማ ካብ ዘርኢ መኳንንቲ ርኹባት ብሃብቲ ውን ጽጉዋት ምንባሮምን ንወዶም ሊባኖስ ድማ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ማለት መንፈሳዊን ሥጋዊን ትምህርቲ እናቕሰሙ ከም ዝዓበይዎም ታሪኽ ሕይወቶም ይገልጽ።አካለ መጠን ምስ በጽሑ ከአ ስድርኦም ንጓል ንጉሥ ቊስጥንጥንያ ከም ርዕዉዎም ከምዝወድኡን እንተኾነ ግና ናይ መንፈስ ቅዱስ መጸዋዕታ ኮይኑ ንመርዓ ዓለም ንድኅሪት ገዲፎም መርዓዊ ሰማያዊ ክኾኑ በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ግብጺ ግኑንን ኣብ ምስፍሕፋሕን ምሥራዕን ገዳማት ዓቢ ኣበርክቶ
ተፈጸመ ማህሌተ ጽጌ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
6 ሕዳር ቁስቓም
ኣብ ናይ መስከረም 26 ከም ዝርኣናዪ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ድንግል ማርያም ንጎይታ ካብ ሄሮዶስ ንምድሓን ጥሜቱን ጽምኡን ተዓጊሳ
3 ዓመትን መንፈቕን ኣብ ስደት ኣሕለፈቶ(ራኢ 12፥1-6) ።ሄሮዶስ ካብ ክፍኣቱ ምምላስ ምስ ኣበየ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተራእዮ እሞ ሓሲኹ ቀሲሉ ሞተ።ብድሕሪ እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር "ነዚ ህጻን ዝደልዩ ዝነበሩ ሞይቶም እዮም እሞ ተመለስ ኢሉ ንዮሴፍ ተራእዮ።ካብ በረኻ ናብ በረኻ እናተሳገሩ በዚ ዕለት እዚ ደብረ ቁስቓም ኣተዉ።
ወርሓ ጽጌ
ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ኣብዚ ካብ መስከረም (26 ክሳብ ኅዳር 6)ዘሎ ኣርብዓ( 40) መዓልታት ዘመነ ጽጌ እትዝክሮ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ እዩ።ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና:- ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ልርስቶስ ብዘመነ ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተ ሌሔም ምስ ተወልደ፥ካብ ሃገር ምብራቕዝተላዕሉ ስብ ጥበብ እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? እናበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም በጽሑ።ንጉስ ሄሮዶስ ነዚ ሰሚዑ ኣዝዩ ሰንበደ፡ ናይ ንጉስ ሞትን ናይ ፅሓይ ዕርበትን ንኹሉ ስለ ዝኾነ ኩላ ኢየሩሳሌም ውን ምስኡተሸበረት። ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኣርጊጹ ብዝተረድኦ ድማ ንጉስ ሄሮዶስ ነቶም ሰብኣ ሰገል" ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ፡ ምስ ረኸብክምዎ ኣነ ከኣ መጺአ ምእን
ቴድረር
ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር
ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ ቴድረር ዝርከብ፡ ታሪኻውን ጥንታውን ገዳም እዩ። ብጥንታውነቱ ምስቶም ቀዳሞት ገዳማት (አድባራት) ሃገርና ዝሥራዕ ክሳዕ ሎሚ ህልውናኡ ዝሓለወ ገዳም እዩ።
ኣመሠራርታ ናይዚ ገዳም’ዚ ምስ ታሪኽ ድራር ስመ ክርስትናኡ ገብረክርስቶስ ዝበሃል ዝተኃኃዝ እዩ። ገብረክርስቶስ ብኣቡነ ሊባኖስ ተጠሚቑ ክርስቲያን ዝኾነ፡ ሠለስተ ደቂ ዝነበርዎ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቲ ገብረክርስቶስ፡ ሠለስተ ደቂ ድራር ናብዚ ሕጂ ዘለውዎ ናብ ቴድረር መጺኦም ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ኣሕነፁ። ብመልክዕ ገዳም’ውን መሥረትዎን ገደምዎን። ካብ ከባቢ 537 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ሕዝቢ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ንገዳም ዝግባእ ህያብን ስእለትን እናቕረቡ፡ ዕቤቱ ዓቂቡ ንክጸንሕ ዓቢይ ግደ ኣበርኪቶም እዮም።
እዚ ገዳም’ዚ ብስም እቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቁን ዕብየቱን ዝመስከረሉ ነቢይን ሓዋርያን ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ገዳማዊ፡ ባሕታዊ፡ ትሕርምተኛ . . . ናብራኡ በረኻ እዩ ነይሩ። ማቴ. 11፡7-18፣ ሉቃ. 1፡80። በዚ ኸኣ ናይ ኣበው መነኮሳት ኣርኣያ ኮይኑ ብዙኃት ሰዓብቲ ዘፍረየ ኣቦ እዩ። እዚ ካብ እንጦንስ አበ መነኮሳት ጀሚሩ ዝተራእየ ብሕትው
ሕንፄሃ ኣዳም ኣዳም ሕንፄሃ ለቤተ ክርስቲያን፡ ሐመልማለ ወርቅ (2) ገበዋቲሃ ሐመልማለ ወርቅ ።
21 ሰነ ማርያም ክብረ በዓል
ሕንፄሃ ኣዳም ኣዳም ሕንፄሃ ለቤተ ክርስቲያን፡
ሐመልማለ ወርቅ (2) ገበዋቲሃ ሐመልማለ ወርቅ ።
#እዛ_ህጻን ትበኽዮ ዘላ ንብዓት ን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ #ወልሓንቲ ከይገበርዎ ይሃርምዎ😭 ን ፈጣሪ ዶ እዚ ይግቦኦ ? ስለምንታይ
#እዛ_ህጻን ትበኽዮ ዘላ ንብዓት ን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ
ስለምንታይ #ወልሓንቲ ከይገበርዎ ይሃርምዎ😭 ን ፈጣሪ ዶ እዚ ይግቦኦ ?
ስለምንታይ #መግቢ ሂብዎም ን ኣምላኽ ጽጸፍዕዎ😭 ኣምላኽ ዶ እዚ ይግበኦ ?
ስለምንታይ #ሕሙማት የሕዊሎም ን ኣምላኽ ጡፍ ይብልሉ 😭 ኣምላኽ ዶ እዚ ይግቦኦ ?
ስለምንታይ #ህጻናት እንዳ ኣፍቀረ ን ኣምላኽ ይሰቕልዎ እዩ ።😭ኣምላኽ ዶ ነዚ ይግበኦ ?
ልብና ከም ልቢ ህጻናት ይግበረልና ።
እንተ ዘይተመለስኩም ከም #ህጻናት ድማ #እንተ_ዘይኮንኩም ናብ #መንግስተ_ሰማያት ኮቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ፡18፥3
✝.ኣየ ፍቕሪ!ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር !!!
✝.እዞም ዝተኣከብና ንሕናውን ነቲ ዘይሓምም፡ሕማሙ ነዘንቱ፡
✝.ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ።
✝.በታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ ብፍቓድ ኣቡኡን ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድን ነፍሱ ንሞት ወፈየ።
✝.ነቲ ዂሉ ዚሕዝ ሓዝዎ።
✝.ነቲ ገዛኢ ዂሉ ኣሰርዎ፡
✝.ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ።
ንሳቶም ብቑጥዓ ጎተትዎ፡ንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦም።
ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከሎ ወሰድዎ።
✝.ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርሃትን፡ብረዓድን ዚቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ደው ኣበልዎ።
✝.ነቲ ሓዳግ ሓጢኣት ሓጥእ በልዎ።
✝ነቲ ኣብ ልዕሊ መኳንንቲ ዚፈርድ ፈረድዎ።
✝.ነቲ ንሱራፌል ዘ