TBC Tigrai Broadcast Corporate

  • Home
  • TBC Tigrai Broadcast Corporate

TBC   Tigrai  Broadcast Corporate Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from TBC Tigrai Broadcast Corporate, Media/News Company, .

ውድብ ሳልሳይ ወያነ (ሳወት) ንኣሉላ ሃይሉ ነጋ ኣቦ ወንበር  ንገ/ትንሳኤ ወ/ሚካኤል ድማ ም/ኣ/ወንበር ጌሩ መዚዙ።ብተወሳኺ እውን።ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ሃይሉ ከበደሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ...
11/12/2023

ውድብ ሳልሳይ ወያነ (ሳወት) ንኣሉላ ሃይሉ ነጋ ኣቦ ወንበር
ንገ/ትንሳኤ ወ/ሚካኤል ድማ ም/ኣ/ወንበር ጌሩ መዚዙ።
ብተወሳኺ እውን።
ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ሃይሉ ከበደ
ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ክንፈ ሓዱሽ
ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ የማነ ካሳ
ሓላፊ ክፍሊ ውዳበ፡ ጌትነት ገ/ሄር
ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝቢን ሚዲያን፡ ኪሮስ ሃ/ስላሴ
ሓላፊ ክፍሊ ስትራተጂክ መፅናዕቲን ስነዳን፡ ሽሻይ ንጉስ ጌሩ መሪፁ።

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ምሕረት ወለድ ገይሩ !!ትካል ዕቋርን ልቓሕን ማይክሮ ፋይናንስ  ደደቢት ንደመምበኛታቱ ኣለቂሕዎ  ካብ ዝነበረ ልቓሕ  ክረኽቦ ዝነበረ 100 ሚኢታዊ ወለድ ምሕረት ከ...
27/11/2023

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ምሕረት ወለድ ገይሩ !!

ትካል ዕቋርን ልቓሕን ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ንደመምበኛታቱ ኣለቂሕዎ ካብ ዝነበረ ልቓሕ ክረኽቦ ዝነበረ 100 ሚኢታዊ ወለድ ምሕረት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

ትካል ዕቀቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ንደመምበኛታቱ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣለቂሕዎ ካብ ዝነበረ ልቓሕ ናይ ወለድ ምሕረት ክትገብር እናሰርሐት ከምዝፀንሐት ዝገለፁ ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ዝተለቕሕዎ ልቓሕ ክኸፍሉ ዝግብኦም ግን ድማ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት በቢ ደረጅኦም እናተርኣየ ወለድ ምሕረት ብምግባር ክኸፍሉ ከም ዝግበር ሓቢሮም።

ኣብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ሚኢታዊ ምሕረት ወለድ ተገይሩ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሙሉጌታ ሐዚ ድማ ካብ 2014-2015 ዓ.ም ኣብ ዘነበሩ ዓመታት ዝነበረ ወለድ 100 ሚኢታዊ ምሕረት ከም ዝተገበረ ገሊፆም።

እዚ ምሕረት ወለድ ዝተገበረ 'ውን ኣብ ምግዳል ንዘለውን ብኽብሪ ንዝተመለሱን ኣባላት ፀጥታ ከም ዘካትት ድማ ግልፂ ገይሮም እዩም።

ምክትል ኣካያዲ ስራሕን ሓላፊ ኦፕሬሽንን ኣይተ ሳሙኤል ክፍሎም ብግድኦም'ውን ብትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ወለድ ምሕረት ዘተባብዕ መስርሕ ምዝርግሑ እቲ ትካል ኣብ ዓብይ ኪሳራ ኾይኑ ዝወሰኖ ውሳነ ምዃኑ ብምሕባር ፣ ክሳብ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ዓቅሚ ምኽፋል ዘለዎም ኣካላትን ከም ዘለው ብመፅናዕቲ ከም ዝተረጋገፀን ብዚ መሰረት ድማ ብቲ ትካል ተፈጢሩሎም ዘሎ ዕድል ተጠቒሞም ግቡእ ክፍሊቶም ክፍፅሙ ፃውዒቶም ዘቕረቡ እንትኾን ናብዚ ተግባር ንምእታው ፍቓደኝነት ዘየርእዩ ኣካላት ግና ተሓተትቲ ዝኾንሉ ሕጋዊ መስርሕ ክኽተል ከምዝግደድ ግልፂ ገይሮም እዮም ።

ቅድሚ ሐዚ ብዓርሰ ተበግስኦም ዝነበሮም ልቓሕ ምስ ወለዱ ግቡእ ክፍሊቶም ንዝፈፀሙ ደንበኛታት ድማ እቲ ወለድ ብ 100 ሚኢታዊ ከም ዝምለሰሎም ዝሓበሩ እንትኾን ኣብቲ ትካል ካብ ህዝቢ ክለዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ድልዋት ምዃኖም ኣገንዚቦም እዮም።

ፅቡቅ ዜና""""""""""""""ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ናብ 10 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ካብ 6-12 ወርሒ ዘለው ህፃናት ዝከፋፈል ፀባ ካብ ናይ ፈረንሳይ ትካል ሓገዝ ረኪቡ ኣሎ። እቲ...
25/11/2023

ፅቡቅ ዜና
""""""""""""""
ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ናብ 10 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ካብ 6-12 ወርሒ ዘለው ህፃናት ዝከፋፈል ፀባ ካብ ናይ ፈረንሳይ ትካል ሓገዝ ረኪቡ ኣሎ። እቲ ሓገዝ ብዋናነት ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ዝርከቡ ህፃውንቲ ዝዕደል ኮይኑ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣበርገለ ብጥምየት ዝጥቀዑ ዘለው ህፃውንቲ ተበፃሒ ከም ዝገብር እቲ ኮሌጅ ሓቢሩ ኣሎ። ክብረት ይሃብኩም ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ።

Adigrat University College of Medicine and Health Sciences have received 1200 cartoons worth of around 10 million ETB infant formula from Danon food factory, a French multinational food-products corporation based in Paris. The transportation cost was covered by Elisecare.The college will start the distribution to infants aged six to twelve months who meet the criteria in Eastern zone and will reach out our children in famine ravaged woreda Abergele.We highly appreciate our researchers for securing this very nutritious supply and look forwards to its continuum of supply.

( Edited እዚ ንክሳኻዕ ዶ/ር Lemlem Gebremariam ኻለኦት 12 ሰራሕተኛታት ዓዲግራት ዩንቨርስቲ ንዝገበረዎ ፃዕሪ ነመስግና) 🙏

Via:- Shewit Wudassie

ካብ መገዲ ኣየር ኖርዘርን ስታር
23/11/2023

ካብ መገዲ ኣየር ኖርዘርን ስታር

ኣብ ከተማታት መቐለ፣  ዉቕሮ፣ ዓዲግራት ፣ ዓድዋ ፣ኣኽሱምን ሽረ እንዳስላሰን ኣገልግሎት 4G ኔትዎርክ ብሙሉእ ዓቕሙ ጀሚሩ
23/11/2023

ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዉቕሮ፣ ዓዲግራት ፣ ዓድዋ ፣ኣኽሱምን
ሽረ እንዳስላሰን ኣገልግሎት 4G ኔትዎርክ ብሙሉእ ዓቕሙ ጀሚሩ

ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ ዮኒቨርስቲ መቐለዩኒቨስቲ መቐለ ብዝተፈላለየ መርሀ ግብሪታት ዘምሃሮም  ተምሃሮ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣመሪቑ። እቲ ዩኒቨርስቲ ሎሚ  ክልተ ሽሕን ሳላሳ...
18/11/2023

ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ ዮኒቨርስቲ መቐለ

ዩኒቨስቲ መቐለ ብዝተፈላለየ መርሀ ግብሪታት ዘምሃሮም ተምሃሮ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ሎሚ ክልተ ሽሕን ሳላሳን ሓሙሽተይ ተምሃሮ ዘመረቐ እንትኾን ብቀደመይ ድግሪ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ድግሪ መርሀ ግብሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ እዮም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ካብኔ ሴክሬተርያት ማሕበራዊ ልምዓትን ስግግርን ፕሮፌሴር ክንድያ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ዘሕለፉ እንትኾን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብዙሑ ዋጋ ዝተኸፈሎ እዩ ብሙኻኑ ድማ ከምቲ ጠብ ዝበለት ማይ ከይትባኽን እንጥንቀቖ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ክንሕልዎ ይግባእ ኢሎም።

17/11/2023
@ደስታ ገብረመድህን ተፈቲሑ
15/11/2023

@ደስታ ገብረመድህን ተፈቲሑ

ኣቐዲሙ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ይሰርሕ ዝነበረን ቀፂሉ ድማ ኣብ ዅናት ክልል ትግራይ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኑ ዝተሰለፈ ደስታ ገብረመድህን ተፈቲሑ። ህወሓትን ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልልን...

ጋዜጠኛ ደስታ ገብረመድህን ተኣሲሩትማሊ ሰሉስ 4 ሕዳር 2016 ዓመተ ምህረት ምሸት ከባቢ ሰዓት 1:30 ሓደ ብቐረባ ንደስታ ዝፈልጦ ሰብ ንራኸብ ኢሉ ደዊሉሉ ናብቲ ሰብ ምስኸደ ናይ ደስታ ስ...
15/11/2023

ጋዜጠኛ ደስታ ገብረመድህን ተኣሲሩ

ትማሊ ሰሉስ 4 ሕዳር 2016 ዓመተ ምህረት ምሸት ከባቢ ሰዓት 1:30 ሓደ ብቐረባ ንደስታ ዝፈልጦ ሰብ ንራኸብ ኢሉ ደዊሉሉ ናብቲ ሰብ ምስኸደ ናይ ደስታ ስልኪ ኣይልዓልን ነይሩ:: ስድራ ተጨኒቖም ሓዲሮም:: ሎሚ ንጉሆ ግን 06 ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርት ሰብ ክሓትት ዝኽደ ሰብ ንደስታ ምስረኣዮ እቲ ዝርኣዮ ሰብ ናብ ስድራ ደዊሉ ምእሳሩ ዝተፈለጠ::

ስድራ ኣብቲ ቦታ ኸይዶም ሎሚ ንጉሆ ርእዮሞ:: ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ጉዳይ ኣኼባ ጊዜያዊ ምምሕዳር: ህወሓትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ጠሚቱ "ሬድሲ ኦብዘርቨር" ኣብ ዝብል ዩቱብ ቻናል ብዝሰርሖ ፀብፃብ ከምዝተኣሰረ ፈሊጦም::

ደስታ ካብ ዓለምለኻዊ ሚድያ ቢቢሲ ስርሑ ገዲፉ ናብ ምግዳል ዝኣተወ:: ኣብ 2013 ወርሒ መጋቢት ምስ ሓይልታት ትግራይ ምስላፉ ይፍለጥ::

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝመፁ ዓለምለኻዊ ሚድያታት ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ናሰርሐ ፀኒሑ እዩ::


Mulugeta Atsbeha

ጽቡቕ ጅማሮ! ኣብ ኣክሱም (ኮሌጅ ኣርኣያ ካሕሱ) ተዓቁቦም ዝጸንሑ ተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ወረዳታት ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ሎሚ 30 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም መረበቶም ይምለሱ ኣለው። እቲ ...
10/11/2023

ጽቡቕ ጅማሮ!

ኣብ ኣክሱም (ኮሌጅ ኣርኣያ ካሕሱ) ተዓቁቦም ዝጸንሑ ተመዛበልቲ ሰሜን ምዕራብ ወረዳታት ሸራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ሎሚ 30 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም መረበቶም ይምለሱ ኣለው።

እቲ ኻልእ ወገንና ውን ከምዚ ክምለስ ትምኒተይ እዩ።

G Desta

 G Desta
09/11/2023

G Desta

ካብ መጠን ንላዕሊ ሞባይል ምጥቃም ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘጉድል ተገሊጹ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብፍርቂ ከምዝነከየ ድሕሪ ምፍላጦም፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ክገ...
03/11/2023

ካብ መጠን ንላዕሊ ሞባይል ምጥቃም ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘጉድል ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብፍርቂ ከምዝነከየ ድሕሪ ምፍላጦም፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ብመሰረት ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፡ ሕክምናን ጥዕናን ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር ዘውጽኦ መጽናዕቲ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ሞባይል ወይ ሞባይል ምጥቃም ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክጎድል ከም ዝኽእል ሲኤንኤን ጸብጺቡ።

ካብ 18 ​​ክሳብ 22 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መዓልቲ 20 ግዜ ሞባይሎም ዝጥቀሙሉ መጽናዕቲ፡ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝነከየ ኣረጋጊጹ።

ውድብ ህወሓት
03/11/2023

ውድብ ህወሓት

መግለፂ ካብ  ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ!ህዝቢ ትግራይ ኣብ ብሄራዊ ቃልሲ ይርከብ። እዚ ብሄራዊ ቃልሲ ህላወኻ ምቕፃል፣ ብሄራውነትካ ምዕቃብ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትካ ምምላስ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደ...
02/11/2023

መግለፂ ካብ ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ!

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ብሄራዊ ቃልሲ ይርከብ። እዚ ብሄራዊ ቃልሲ ህላወኻ ምቕፃል፣ ብሄራውነትካ ምዕቃብ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትካ ምምላስ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝቢኻ ናብ ቦትኡ ምምላስ፣ ናይ ባዕልኻ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካል ከምኡ ድማ እቲ ዘላቒ ብሄራዊ ሩፍታ ዝረጋገፀላ ሃገረ ትግራይ ምግሃድ ዋና ዋና ሸቶታቱ ዝገበረ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ሚልዮናት ሓሊፎም እዮም። ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድን ዓሚቕን ናይ ሓዘን ባሕሪ ንርከብ። እዚ ከምዚ እንዳሃለወ ንዘበናት ብሞትን ቃንዛን ህዝቢ ስልጣኑን ጉጅላዊ ረብሕኡን እናሳሰየ ዝመፀ ህወሓት ሐዚ ድማ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ መሪር ናይ ሓዘንን መከራን እዋን እናሃለና እውን እንተኾነ ምእንቲ ዕምረራን ግበታን ስልጣንን ሃፍቲን ዝተፈላላዩ ጉጅለታት፤ ነቲ ሓዘንን ቃንዛን ከም መደያይቦ ተጠቒሙ ካብ ድሑር ባህሪኡ ዝብገስ ኩሎም ድሕረታት ከም ፖለቲካ ብምጥቃም ቀፃሊን ከቢድን ብሄራዊ ሓደጋ ወሊዑ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ድማ ብግልፂን ብሕቡእን ናብ ህዝቢ እናልሓዀ ይርከብ።
ከም ብሄር ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ ከም ብሄር ዝግበር ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ምእላሽ ዘራጋይ ግደ ዘለዎ ህወሓት ሐዚ ድማ ናብ ሕድሕዳዊ ምጥፍፋእ ኣትዩ ንህዝቢ ካሊእ ናይ ጥፍኣት ደበና ኣስሪቡ ይርከብ። ከም ነዚ ኪዳን ዝመስረታ ብሄራውያን ውድባት እቲ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ፍኖት ብተደጋጋሚ እናኣንፈትና መፂእና ኢና። ሐዚ እውን ግን ህወሓት ንጥፍኣትና ይሰርሕ ኣሎ ንብል ዘለና ነዚ ከምዚ ዝበለ ከም ህዝቢ ለኻኺሙ ዝኸይድ ምጥፍፋእ ከም ዘላቒ ፖለቲካዊ መሳርሒ ጌሩ ዝጥቀም ህወሓት ከብፅሖ ዝኽእል ብሄራዊ ኪሳራ ስለዝርድኣና እዩ፡፡
ብመትከል ደረጃ ውድብን መንግስቲን ክፈላላዩ ከም ሓደ መባእታዊ ኣምር ስነ መንግስታዊ ምሕደራ ቅቡልን ኩልሻዕ ክስርሓሉን ዝግበኦ ኮይኑ እናሃለወ ዝተፈላላዩ ጉጅለታት ህወሓት ንመሰረታዊ መትከላት ስነ መንግስቲ ከም ፖለቲካዊ ሃልኪ እናተጠቐሙ ሕድሕዳዊ ምጥፍፍኦም ናብ ብሄራዊ ኪሳራ ከደይብዎ ይሰርሑ ስለዘለው ህዝብና ብኣጋ ኣይፋሉን ኢልካ፣ ካብ ከምዚ ዝበለ ዘየቋርፅ ብሄራዊ ብርሰት ዘምፅእ ሓደጋ ዘሊልካ ኬድካ፣ ኣብ ብሄራውነትካን ነዚ ብሄራውነት ዓትዒተን ሒዘን ምስ ዘለዋ ብሄራውያን ውድባት ክትዓሰል ንፅውዕ። ንፖለቲካዊ ሃልኪ ክንብል ከለና ሳይንሳዊ ዝኾነ መትከል ብሕጋዊ ማዕቀፍ ተሓጊዙ ወድዓዊ ኣዋጅ ክሳዕ ዘይተገበረ ካብ ሃልኪ ዝሓልፍ ስለዘይኸውን እዩ።
ደጋጊምና ከም ዝገለፅናዮ ሐዚ እውን ከም እንኣምነሉ እቲ ዘላቒ መፍትሒ እንብሎ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘመፅእ፣ ንኩሉ ትግራዋይ ዝሓቑፍ፣ ናይ ኩሎም ተጋሩ ዝኾነ መሰጋገሪ መንግስቲ ምትካል እዩ። እዚ ሱርቦቀስ ለውጢ ጠሊቡ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባይታ ክገሃድ ድማ ኩሉመዳያዊ ምትሕግጋዝን ምርብራብን የድሊ ኢልና ንኣምን። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ መንገዲ ከምቲ እናተነከና ዝመፃእናዮ ሐዚ ድማ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምስቲ ዝጠፍእ ዘሎ ድሑር ውድብ ህወሓት ምጥፋእ እዩ። ሕርያና ነዕሪ!!!

ኪዳን_ንሱር_ቦቀስ_ለውጢ
22 ጥቅምቲ 2016
መቐለ፣ ትግራይ

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TBC Tigrai Broadcast Corporate posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share