ኣድያቦ ሓርነት ግንባር

  • Home
  • ኣድያቦ ሓርነት ግንባር

ኣድያቦ ሓርነት ግንባር Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ኣድያቦ ሓርነት ግንባር, Media/News Company, .

እምባይነሽ ተኪኤ ሃንስ ትበሃል ነባርነታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ (ሸራሮ),ጣብያ ጎምሃሎ,ቁሸት ዋዕላ ንህቢ ኮይኑ ካብ 2013 ዓ.ም ክሳብ 2015 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓያል ኹናት,ክሓል...
21/05/2024

እምባይነሽ ተኪኤ ሃንስ ትበሃል ነባርነታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ (ሸራሮ),ጣብያ ጎምሃሎ,ቁሸት ዋዕላ ንህቢ ኮይኑ ካብ 2013 ዓ.ም ክሳብ 2015 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓያል ኹናት,ክሓልፍ ኢልካ ዘይትግምቶ መስካሕኽሒ ዝነብረ ውግእ ተሳቲፋ ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ በሰላም ወፂኣ ሕጂ ግን ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ በረኻ ሊብያ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ትርከብ እና 840,000 ሺሕ ዝተጠየቀት ኮይና ወለዳ ድማ ክሳብ ሕጂ ገና ናብ ንናይ ቀደም መንበሪኦም ኣይተመለሱን ኣብ ስደት እዮም ዘለው እና በቴሰብዋ (ኣዲኣ,ኣቦኣ,የሕዋታ) ብሰም ፈጣሪ ሓጉዙና ጓልና ኣድሑኑልና እንዳበሉ ይርከቡ?share ብምግባር ተሓባበሩና?

CBE:-1000295688468 ጉዕሽ ተኪኤ ሃንስ
Tel :- 0979236948 ጉዕሽ ተኪኤ

⁉️ሓበሬታ   #ኣብ መስመር ባድመ  ናብ ሸራሮ ምእተዊ   ለይቲ  ሰዓት 6:20   ኣባጊዕ  ሰርቆም እንትመፁ  ካብ ከባቢ ኤርትራ ናይ ፀፀታ ኣካላት ክትትል  ክግብርለን  ፀንሖም  ፣ እቶም...
02/05/2024

⁉️ሓበሬታ
#ኣብ መስመር ባድመ ናብ ሸራሮ ምእተዊ ለይቲ ሰዓት 6:20 ኣባጊዕ ሰርቆም እንትመፁ ካብ ከባቢ ኤርትራ ናይ ፀፀታ ኣካላት ክትትል ክግብርለን ፀንሖም ፣ እቶም ሌያቡ ሒዞም እንትመፁ ናይ ፀፀታ ኣካላት ጠጠው በሉ ኢሎም ምስነገርዎም እቶም ሌያቡ ናብቶም ናይፀፀታ ኣካላት ቡንቧ ተኩሰምሎም ከምዝሃደሙን እተን ኣባጊዕ ኣብ ትሕቲ ቂፅፅር ከምዝወዓለን ተፈልጡ ኣሎ። ለይቲ ቡንቧ ብምትኳሱን ናይ ተኩሲ ድምፂ ብምስማዑን ድማ እቲ መስመር ክፍቲ ብምኳኑ ህዝቢ ምድንጋፅ ተፈጥሩ እዩ።ሰለዚ ኩሉ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ንዙይ ፈልጡ ምርግጋእ ክግብር ከምዝለዎ ንሕብር።

ሓበሬታ ርክብን ከተማ ሸራሮ
ዕለት 23/08/2016ዓ/ም

 #ሼርትብፃሕ ናይ ሸራሮ ፖሊስ ፀፅታን ሓበሬታን ክትትል ኣባላት መናእሰይ ሸራሮ ነዚ ሰብ ብቕልጥፍ ናብ ሕጊ ኣቕርብዎ።እዚ ንእሽተይ ቆልዓ ዝውቃዕ ዘሎ ክብሮም ኣሸብር ይበሃል።ዝነብረሉ ቦታ ...
29/04/2024

#ሼር

ትብፃሕ ናይ ሸራሮ ፖሊስ ፀፅታን ሓበሬታን ክትትል ኣባላት መናእሰይ ሸራሮ ነዚ ሰብ ብቕልጥፍ ናብ ሕጊ ኣቕርብዎ።

እዚ ንእሽተይ ቆልዓ ዝውቃዕ ዘሎ ክብሮም ኣሸብር ይበሃል።
ዝነብረሉ ቦታ ወረዳ ታ/ኣድያቦ ጣብያ ዝባን ገደና እዩ። ኣዲኡ ኣብ ርእሲ መሬት የላን። ኣቡኡ ተጋዳላይ እዩ ኣሸብር ይበሃል።
ተኬ ማኛ

እዋናዊ መብርሂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ 08 ሚያዝያ 2016 ዓ...
16/04/2024

እዋናዊ መብርሂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ 08 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይቲ ኲናት መበገስን ሳዕቤንን ሕጋዊ ፣ፖለቲካውን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ኲናት ጠጠው ክብል ወይ እውን ኣማራፂ ሓይሊ ጠጠው ክብል ብምግባር ምችዊ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ስምምዕ ኩሉ ነገር ዝፈትሐ ኣይኮነን፤ ግና ምችው ባይታ ከምፅእ ዝኸኣላ እዩ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ፣ ከም ኩሎም ስምምዓት፣ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን ናይ ክልቲኡ ተሰማማዒ ኣካል ድልየት ሚእቲ ሚእታዊ ዘማልእ ዋላ ኣይኹን ክንዲ ዝከኣል ክልቲኡ ክቕበሎ ዝኸኣለ ስምምዕ እዩ ኢሎም፡፡

ብኻሊእ ገፅ ኣብ መንጎ ሰዓርን ተስዓርን ዝተገበረ ስምምዕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተኻየደ ስምምዕ ኮይኑ ብወገንና እቲ ስምምዕ ሰላም ዘምፅእ እዩ ብምባል ሰላም ታክቲካዊ ዘይኮነስ ስትራተጂካዊ ሕርያና እዩ ኢልና ኢና እንሰርሐሉ ዘለና ኢሎም፡፡

ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቶም እንትገልፁ ድማ ኩሎም ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ ምግባር እንትኸውን እቲ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳን ዕጡቕን ክፈርስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ወረዳ ይኹን ኣብ ጣብያ ዝተፈጠረ ሓድሽ ምምሕዳር ክፈርስን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መፂኦም ኣብ ስራሕ መንግስቲ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝፈርስን ሓቢሮም፡፡ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ፍትሒ ከም ዝፈርስ፣ ንባንዴራ ሓዊሱ ኣብ ሕድሕድ ቢሮን ከባብታትን ዘሎ ስማትን ዝተፈላለዩ ታፔላታትን ብምውራድ በቲ ንቡር ክቕፅል ምግባር እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡

ከምኡ እውን እቲ ከባቢ ብመንግስቲ ፌደራል ዝሕለው እንትኸውን ንፖሊስ ሓዊሱ ተፈጢሮም ዝፀንሑ ሓይልታት ፀጥታን ኬላታት ብምፍራስ ኣብቲ ከባቢ ዝህልው ኬላ፣ ኬላ መከላኸሊ ሰራዊት ክኸውን ዝብሉ ካብቶም ብቐጥታ ዝትግበሩ ምርድዳኣት ከምዝኾኑ ወሲኾም ኣብሪሆም፡፡

ቀፃሊ ዝፍትሑ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ ጀነራል ታደሰ፣ እተን ስምምዕ ዝተበፅሓለን ይትግበራ ምህላወንን ዘይምህላወንን ዝከታተል፣ ዝቆፃፀርን ዘረጋግፅን ተልእኾ ዝተውሃቦ ኣካል ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም፡፡ እቲ ኣካል ቁፅሩ ውሑድ ዋላ እንተኾነ ግና ብክልቲኦም ኣካላት ሓበራዊ ስምምዕ ዝተበፅሖም ጉጅለታት ክህልዉ ኣለዎም ዝብል እውን ካብቶም ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሖም ምዃኖም ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ምችው ኩነታት ምስተፈጠረ ማለት እውን ተመዛበልቲ ተፈጥራዊ ክብሮም ሓዊሱ ኩሎም ነገራት ምስ ተማልኡሎምን ውሑስ ከባቢ ምህላዉ ብዝግባእ ምስተረጋፀን ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱሉ ከምዝግበር ዘገንዘቡ ጀነራል ታደሰ፣ ምምሕዳር ብዝምልከት ድማ ንቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ጣብያን ወረዳን ግዝያዊ ምምሕዳርን መረፃ ብምክያድ ክትግበር ዝብል ዛጊድ ዘሎ ምርድዳእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብሓፈሻ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቶም ዝበዝሑ ምርድዳኣት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፣ ኣብ ኣፈላላያት ድማ ሰላማዊ፣ፖለቲካውን ሕጋውን ብዝኾነ ኣገባብ ንክፍትሑ ፅኑዕ መርገፂ ብምሓዝን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
08 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ

23/03/2024

ዝኾነ ይኹን ዓይነት ነዳዲ ካብ መዕደሊ ነዳዲ ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ከም ዘይሽየጥን ክሸይጥ ዝተረኸበ ድማ ከም ዝውረስ ከይዲ ሰራሕ ንግዲ ከተማ ሸረ እ/ሰላሰ ኣፍሊጡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ብምሕረት ምልቃቁ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምግምጋም ፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘካየዶ መድረ...
22/03/2024

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ብምሕረት ምልቃቁ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምግምጋም ፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘካየዶ መድረኽ ብዝተበፅሐ ምርድዳእን ብዝተቐመጠ ኣንፈትን መሰረት ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝነበሩ ውግኣት ብሰራዊት ትግራይ ተማሪኾም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ካብ ዝነበሩ እቶም 112 ወታደራት ምክልኻል ሃገር ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ሎሚ 13 መጋቢት 2016ዓ.ም ብምሕረት ተለቒቖም ኣለዉ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እዞም ሎሚ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምሕረት ዝተለቐቑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቕድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሕረት ተዋሂብዎም ካብ ዝተልኣኹ 16 ሺሕ ወታደራት ብገበን ተጠርጢሮም ክፀንሑ ዝተገበሩ ምዃኖም ዘዘካከረ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ :ናይቶም ዝተረፉ ውሑዳት ድማ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ጉዳዮም ዝውዳእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዚ ውሳንኡ ብመሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበፅሐ ምርድዳእ መሰረት ዝተፈፀመን ከም ፅቡቕ መርኣያነት ዝተግበሮን እንትኾን ብወገን መንግስቲ ፌዴራል እውን ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰረ ተፈሪዱሎምን ከይተፈረደሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ህንፀት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝነበሩ ደቂ ትግራይ ዝጀመሮ ብምሕረት ናይ ምልቃቕ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኩሎም ንክፈተሖም ንፅበ ክብል እዉን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ ኣሎ።

15/03/2024

ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ልዕሊ 1 ሽሕ ሄ/ር ተሓራሲ መሬት ንስድራ ስውኣትን ተጋደልቲን ንተመለስቲ ሰራዊትን መንእሰይን (ሕርሻ ንዘየብሎም) ንሓደ መራሒ ስድራ 3 ፅምዲ ንሓደ ዓመት ክወሃቦም ወሲኑ።
ALT MEDIA

ህፃን ቴዲ ሽሻይ ገ/መድህን ዝተባሃለ ካብ ከተማ ሽረ እ/ስላሴ ቀበሌ 03 ካብ ግዝያዊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሃይስኩል ብዕለት 02/07/2016 ዓም ካብ ገዛ ምስ ወፀ ስለ ዘይተመለሰና መላእ ስ...
15/03/2024

ህፃን ቴዲ ሽሻይ ገ/መድህን ዝተባሃለ ካብ ከተማ ሽረ እ/ስላሴ ቀበሌ 03 ካብ ግዝያዊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሃይስኩል ብዕለት 02/07/2016 ዓም ካብ ገዛ ምስ ወፀ ስለ ዘይተመለሰና መላእ ስድርኡ ኣብ ሻቕሎት ንርከብ ።ዝራኣኹም እንተሃሊኹም በዚ ዝስዕብ ስልኪ ቁፅሪ ሓቤረታ ንክትህቡና ብትሕትና ንለቦ ።
ኣድራሻ 09 14 80 02 91 ወይ
09 27 74 17 51 ደሳለኝ ገ/መድህን

ፍሉይ ምልክት ከምቲ ኣብ ፎቶ ትርእዎ ዘለኹም ዳማ ኾይኑ ቅጥን ዝበለ ወዲ 13 ዓመት ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ገይርዎ ዝወፀ ክዳን ከዓ ናይ ላዕሊ ሰማያዊ ትሸርት ናይ ታሕቲ ሓፂር /ቁምጣ ጅንስ ቀይሕ ሽራኽ ጫማ።
ንኩልኹም ኣዕርኽተይ ደሞ ናብ ኩሉ ንክባፃሕ ሼር ብምግባር ተሓባበርኒ።

ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ ~~~~~~~~~~~~~~~~~~ካብ ማእኸል ሃገር ዝመፅእ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቅርቦት ብዘይተፈለጠ ምክንያት ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ ምቁራፅ ኣጋጢሙ ኣሎ። ሐዚ...
14/03/2024

ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ካብ ማእኸል ሃገር ዝመፅእ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቅርቦት ብዘይተፈለጠ ምክንያት ካብ ትማሊ ለይቲ ጀሚሩ ምቁራፅ ኣጋጢሙ ኣሎ። ሐዚ ብቀጥታ ካሊእ መስመር ኢና ንጥቀም ዘለና። ከምቲ ትማሊ ለይቲ ዝተዓዘብናዮ ቅልጡፍ መማረፂ ብምቕማጥ መብራህቲ ብቅልጡፍ ክትልቀቕ ተገይሩ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ትግራይ መፈልፈሊ ኤሌክትሪክ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪ፣ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ብተደጋጋሚ ዘጋጥመና ዘሎ ናይ ኤሌክትሪክ ምቁርራፅ ቅልጡፍ መፍትሒ ኣብ ምምፃእ ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ፃዕሪ ብዉነ ክንርድኦን ክነምስግንን ይግባእ። ሐዚ እዉን ዉሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ጠመተ ገይርና ክንሰርሕ ይግባእ። የቐንየልና!

ህዝብና ናብ ዘየድሊ ናይ ዕንጨይትን ፈሓምን ክኣቲ የብሉን። ንህዝቢ ሓበሬታ ምሃብ ህዝብኻ ምሕጋዝ እዩ።
~~~~~~~~~~~~~~~
እቲ ካብ ማእኸል ሃገር ዘጋጠመ ምቁራፅ ምክንያቱ ንምፍላጥን ንምስትኽኻልን ፃዕርታት ይግበሩ ኣለዉ እዮም።

ተወሳኺ ኣድላይ ሓበሬታ ከስዕብ እየ።

ትማሊ ካብ ክልልን ማእኸላይ ዞባን ዝተዉፃፅኡ አመራርሓ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ዓርባዕተ ንዝካየድ ስራሕቲ መስኖ ዑደትን ልዉዉጥ ተሞኩሮ ተኻይዱ: ፅቡቅ  ክላዕሊ ካብ ወዲ ሓዞ ሒዙ ብካናል ዝፈስ...
14/03/2024

ትማሊ ካብ ክልልን ማእኸላይ ዞባን ዝተዉፃፅኡ አመራርሓ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ዓርባዕተ ንዝካየድ ስራሕቲ መስኖ ዑደትን ልዉዉጥ ተሞኩሮ ተኻይዱ: ፅቡቅ


ክላዕሊ ካብ ወዲ ሓዞ ሒዙ ብካናል ዝፈስስ ማይ ኣብ መድሕን በፂሑ ተጠቂሞም ኣብ ክንዲ ክሳብ ምድማር ዉጥሕ ብመስመር ክልቀቅ እናተገብኦ ኣብ መድሕን ኣስትዮም ፍርያት ዝህቡ አትክልቲ እናደረቁ ክፉእ ዓይኒ ንበረኻ ማይ የፈስስዎ ኣለዉ በጃኹም ዝምልከተኩም ኣካላት ማይ ናብ ኩሉ ክባፃሕ ሓላፍነትኩም ተዋፅኡ🙏

13/03/2024


ከም ሓደ ናይ computer science ምሁር(ሃይለ style)ዝኾነ ነገር ክብል...ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ሰባት ዛናይ👌👈post ጌሮም ትርእይዎ ዘለኹም hack ተገይረ እየባ ሽንጣርባ ዝብሉ ዘለው ምድረ ሳክሳም ከይትኣምንዎም ... ዝ link ምስ ነኻእካዮ ስልኪ ቁፅሪ እና password ይጥይቀካ ... ህዝበይ ከዓ ክብልዐለይ ኢላ ፍርቃ 🍆ቀሪባ ፍርቃ ቫዝሊን ቀሪባ password እና ስልኪ ተእቲ ...Boom hacker ወደይ ከዓ ስርሑ ይሰርሕ ... ቤተሰብ ኣይብል ፋዘርካ እዩ ኣይብል tag እናገበረ ጉድካ የውፅኦ 😂😂
አነ ዝገረመኒ ኣርብዓ ፆም ካብዝኣቲ ጀሚሩ hack ዝተገበረ ሰብ ምብዝሑ...በተለይ ኣጓላት🙆🙆 ሓቅና እንዲና ደኣ ተጋሩ ከይሓልፈልና ..ዘናድድ part ከ ታይ ድዩ ..ኣነ ምንም ኣይፈልጥን hack እየ ተጌረ ገለ ኢሎም post ዝገብሩ 😡 ሓደ ክልተ ዝኾና ኣጓላት inbox ኣዋጊዐ ኔረ .. ድሕሪ ክንደይ ክርክር ኣሚነን ማለት p**n ክሪኣ ዝ link ነኺአን password እና phone number ከምዘእተያ ...and the worst part is ዋላ ኣቲኻ ምንም ትሪኦ ነገር የለን .
ስለዚ ኣታ ፎሽፋሽ ዝኾንካ ማሕበረሰብ ከም ፍዮና ሓደ ጥፍኣት ንምሽፋን ካሊእ ጥፍኣት ካብ ምስራሕ ከመይ ጌረ Accountተይ ይምልስ ኢልካ ጠይቅ ክንገረካ ... ፎቲኻ ፀሊእኻ ዝ link ከይ ነኻእኻ phone number እና password ከየእተኻ hack ኣይትግበርን period kul muler

 ቁፅሮም ልዕሊ 28  ነበርቲ ዞባ ምዕራብ  ትግራይ ብዕለት 03/07/2016ዓ/ም  ሰዓት 8፡00 ናይ ቀትሪ 6 ደ/ኣንስትዮ 4 ህፃናትን ዝርከብዎም ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ብሰራዊት ምክልካል ተ...
12/03/2024


ቁፅሮም ልዕሊ 28 ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዕለት 03/07/2016ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ናይ ቀትሪ 6 ደ/ኣንስትዮ 4 ህፃናትን ዝርከብዎም ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ብሰራዊት ምክልካል ተዓጅቦም ናብ ከተማ ሸራሮ ኣትዮም ኣለው።
ሸራሮ ኮሙኒከሽን

ሎማዓንቲ ብኣተሓባበርነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝሳለጥ ዘሎ ገምጋም ብምስሊ ዝተደገፈ።
11/03/2024

ሎማዓንቲ ብኣተሓባበርነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝሳለጥ ዘሎ ገምጋም ብምስሊ ዝተደገፈ።

ህፁፅ ለበዋ ናብ ትግራይ ወኪሎም ኣብ ኣኼባ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝሳተፉ ኣባላት!------------------------ከምዝፍለጥ: ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ - ዛጊድ ኣስታት 40% ካብ ሓፈሻው ግዝኣ...
11/03/2024

ህፁፅ ለበዋ ናብ ትግራይ ወኪሎም ኣብ ኣኼባ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝሳተፉ ኣባላት!
------------------------
ከምዝፍለጥ: ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ - ዛጊድ ኣስታት 40% ካብ ሓፈሻው ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ይርከብ::
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያን ኣኼባ ናይሮብን: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፁ ዝግበኦም ዝነበሩ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ክንድኡ ኣብቶም ዝሓዙዎም ከባቢታት ሓይሎም እናጠናኸሩን ኣብ ምቕያር ኣሰፋፍራ ስነ ህዝቢ (ዲሞግራፊ)ን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሑ ፀኒሖምን ኣለው::

እቲ ጉዳይ ከምኡ እናሃለወ! ኣብዛ ናይ ፅባሕ ኣኼባ ሓደ ካብ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ተባሂሉ ተቐሚጡ ዘሎ ዕለታዊ ፕሮግራም እቲ ኣኼባ
“ኣኸራኻሪ ከባቢታት (Contested Areas)” ዝብል ጉዳይ እዩ::
ኣብ ትግራይ ብሓይሊ ዝተወረሩ ከባቢታት ((Occupied Area) እምበር ኣኸራኻሪ ከባቢታት (Contested Areas) ዝበሃሉ ከባቢታት የለውን::
40% ካብ ሓፈሻዊ ስፍሓት መሬት ኣከራኻሪ ከባቢታት (Contested Areas) እንቴልና ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘለዎ ግዝኣት ትግራይ ዳርጋ የለን ከም ማለት እዩ::

ወረርቲ ሓይልታት ሙሉእ ዞባ ምዕራብ ትግራይ: 6 ወረዳታት ካብ ደቡብ ትግራይ: ከምኡውን ሙሉእ ከባቢ ፀለምትን ከባቢታት ዋልዱባን ብሓይሊ ወሪሮም ኣስታት 1.6 ሚልዮን ህዝቢ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ካብ መረበቱ ጥራይ ኢዱ ኣባሪሮም እንተብቅዑ: ኣብ መወዳእታ ነቶም ከባቢታት "ኣከራኻሪ ከባቢታት (Contested Areas) ኢልካ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ምቕራብ ናይ ውርደት ውርደት እዩ:: እዚ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ድፍረትን ንዕቐትን ንህዝቢ ትግራይ እዩ::

ስለዚ, ወከልቲ ትግራይ ልቢ ግበሩ::ነዞም ብመሰረት ቤት ፅ/ት ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካን ባዓል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን: ኣዚዩ ከቢድ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ገበን ምፅራይ ዓሌትን ዝተፈፀሞም 40% ከባቢታት ትግራይ: ኣብዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኣኼባ "ኣከራኻሪ ከባቢታት (Contested Areas) ብዝብል ተቐሚጡ ዘሎ ፕሮግራም እቲ ኣኼባ: ቅድሚ ምጅማርኩም ብጥብቂ ክትቃወሙን: "ብሓይሊ ዝተትሓዙ ከባቢታት (Occupied Areas) ብዝብል ቅልጡፍ ምስትኽኻል ንክግበርን ክትፅዕሩ ኣለኩም::

እንተዘየለ! በቲ ዝተትሓዘ ፕሮግራም (ኣከራኻሪ ከባቢታት ብዝብል) እንተቀፂልኩም: ዝሓዝኩምዎም መካትዒ ነጥብታት ብዙሕ ለውጥን ውፅኢትን ከምፅእ ኣይክእልን:: ስለዚ, እዛ ጉዳይ እዚኣ ኣቓልቦ ሂብኩም ክተፈፅምዋ ከም ሓደ ትግራዋይ ፃውዒተይ የቕርብ::የቐንየለይ
CC: ናብ ፕሬዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ Getachew K Redaን ናብ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር Debretsion Gebremichael

Michael

  ብምትሕብባር     ዝዳሎ መበል 135 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ንጉሰነገስት ዘኢትዮጵያ ሶኒ 2 መጋቢት 2016 ዓ/ም ካብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ...
10/03/2024



ብምትሕብባር ዝዳሎ መበል 135 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ንጉሰነገስት ዘኢትዮጵያ ሶኒ 2 መጋቢት 2016 ዓ/ም ካብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ (መቐለ) ክኽበር እዩ። ብኽብሪ ተዓደሙታ 🙏

ዓብይ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ፅዋዕ ባንኪ አምበሳ ብማዕረ ውፅኢት ተኸምቢቱ ።ስሑል ሽረ 0-0 መቐለ 70 እንደርታ !ብጣዓሚ ደስ ዝብል ፍቅሪ ዝመልኦ ፀወታ ሪኢና ። ኣምበሳ ባንኪ ኩዕሶ ት...
10/03/2024

ዓብይ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ፅዋዕ ባንኪ አምበሳ ብማዕረ ውፅኢት ተኸምቢቱ ።
ስሑል ሽረ 0-0 መቐለ 70 እንደርታ !
ብጣዓሚ ደስ ዝብል ፍቅሪ ዝመልኦ ፀወታ ሪኢና ። ኣምበሳ ባንኪ ኩዕሶ ትግራይ ህይወት ከህልዎ ስለ ዝገበርካ የቅንየልና 🙏

ናይ ሊቨርፑልን ሲቲን ፀወታ እውን ከምዚ ይግበረልና 😂

ልምዓት መስኖ ኣብ ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ!(ነዚ ዘልምዑ ዘለዉ መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ እዮም)     kidanemaryam brhane  !!  **ኩሉ ማሕበረሰብ ትግራይ ገሊኡ...
09/03/2024

ልምዓት መስኖ ኣብ ወረዳ ማእኸል ኣድያቦ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ!
(ነዚ ዘልምዑ ዘለዉ መብዛሕትኦም ተመዛበልቲ እዮም)
kidanemaryam brhane
!!
**ኩሉ ማሕበረሰብ ትግራይ ገሊኡ ብፀገም ገሊኡ ንላግፂ መልካዓት ልመና እናቀያየረ ኢዱ ዘርጊሑ ይውዕል ከምዘሎ ኩላትና ንዕዘቦ ሓቂ እዩ ናይዙይ መፍትሒ ትገብርዎ ሓገዝ ብናውቲ ንዘመናውነት ሕርሻ ብዝውዕል ንሓረስታይ ተንሕግዝ !!
*** ንናይ ከተማ እውን ፕሮሶስ መግበሪ !!

09/03/2024
ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኮይኑ ዝነበረ ኣሸጎዳ መመንጨዊ ሓይሊ ኤልክትሪክ ብዝግበረሉ ዘሎ ፅገና ብማእኸላይ 24 ሜጋ ዋት ምምንጫዉ ጀሚሩ ኣሎ። ሙሉእ ብሙሉእ እንተተፀጊኑ ድማ 120 ሜጋዋት ሓይሊ...
09/03/2024

ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኮይኑ ዝነበረ ኣሸጎዳ መመንጨዊ ሓይሊ ኤልክትሪክ ብዝግበረሉ ዘሎ ፅገና ብማእኸላይ 24 ሜጋ ዋት ምምንጫዉ ጀሚሩ ኣሎ። ሙሉእ ብሙሉእ እንተተፀጊኑ ድማ 120 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ።

ውዳበታትና ብምጥንኻር ነቲ ፀረ ስልጣና ዝኾነ ኣካይዳ ግ/ም/ት ብኸይዲ ምክሳም ዝዓይነቱ ወድዓዊ ጎስጓስ ፀቢብ ጉጅለ ሓረጉ!===ማሕበር መምህራን ትግራይ=>ማሕበር ነጋዶ ትግራይ=>ማሕበር ሓረ...
09/03/2024

ውዳበታትና ብምጥንኻር ነቲ ፀረ ስልጣና ዝኾነ ኣካይዳ ግ/ም/ት ብኸይዲ ምክሳም ዝዓይነቱ ወድዓዊ ጎስጓስ ፀቢብ ጉጅለ ሓረጉ!
===ማሕበር መምህራን ትግራይ
=>ማሕበር ነጋዶ ትግራይ
=>ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ
=>ማሕበር ደቂ ስውኣት ትግራይ
=>ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይን
=>ናይ ደኣንት ማሕበራትን ዝመሳሰላ ኻልኦትን ብቤት ፅሕፈት ሓውልቲ ዝትንፍስኦ ኣየር ከይተረፈ ተመጢኑ ዝወሃበን፡ብሽም ነፃ ማሕበራት ዝተጣየሻ መሳርሒ እቲ ፀቢብ ጉጅለ እየን፡፡ብምኻኑ ኸዚ ከምብሓዱሽ ነዚኣን ብምጥንኻር ኣቢልና ነቲ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምክልኻልን ኣቢሉ ውን ኣገዲድና ናብ ጉባኤ ክነእትዮ ሞ ሃለዋቱ ኣብታ ኣዳራሽ ክነክስሞ ዝብል ዓበይቲ ምልዓዓላት ይካየዱ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡እቲ ብዛዕባ ስልጣኑ ምበር ነቲ ህልው ኣብ ቅድሚኡ ተደቂኑ ዘሎ ዓብይ ፀገም ክርኣዮ ተፈጥሮኡ ስለዘይፈቅድ ኸዚ ውን ብዕውረ ድምብር ነቶም ተኸተልቱን ኢሉ ውን ነቲ ህዝቢ ድማ ብሓፈሻ ናብ ዳግመ ደልሃመት ሒዝዎ ክጓዓዝ ይፍትን እዩ ዘሎ!
እቲ ካብ ትማሊ ጌግኡ ዘይመሃር ፀቢብ ናይ ረብሓ ጉጅለ ንዕኡ ዓለምለኻዊ ህልዊ ኹነታት ዝበሃል ኣይንታዩን፤ናይ ዞባና ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋ ኣይምልከቶን ኮታስ ኸዚ ኣብ ሓያል ናይ ድንቁርና ማዕበል እናጠሓለ ነቲ ምስኪናይ ህዝቢ ኣደናጊሩ ሓቢሩ ኣብቲ ማዕበል ክጥሕል ላዕልን ታሕትን ይብል እዩ ዘሎ!ግዘ ይፈትሖ ይኸውን!

ኣያ ሕሉፍ ገ/ስላሰ ይበሃሉ ናይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ልምዓት እዩ ኢሎማቶ ነገር ግን ነዛ ወረዳና ልዕሊ ሻዕቢያ እዩ ግፊዒ ዝፍፅመልና ዘሎ ።ሕዚ ዓገብ የኣክሎ ሓረስታይ ...
08/03/2024

ኣያ ሕሉፍ ገ/ስላሰ ይበሃሉ ናይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ልምዓት እዩ ኢሎማቶ ነገር ግን ነዛ ወረዳና ልዕሊ ሻዕቢያ እዩ ግፊዒ ዝፍፅመልና ዘሎ ።

ሕዚ ዓገብ የኣክሎ ሓረስታይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በዚ ሰብ እዚ ኣይግዛእን ይታኣረም ወይ ይቀየር ።

ሼር ኢልኹም ኣብፁሑለይ

ፀላእትና_ን40-50ዓመት ንድሕሪት መሊስናዮ ኢና ዝበሉና ዝሰበረ ሩኡይ ሕወየት ትግራይ ኣብ ወረዳ ዛና ተዓዚብና !!ህድሞና ሽረ
08/03/2024

ፀላእትና_ን40-50ዓመት ንድሕሪት መሊስናዮ ኢና ዝበሉና ዝሰበረ ሩኡይ ሕወየት ትግራይ ኣብ ወረዳ ዛና ተዓዚብና !!
ህድሞና ሽረ

ኩርዓት ፀለምቲ
02/03/2024

ኩርዓት ፀለምቲ

29/02/2024

ዳግም ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኦም
*****
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያታት መንጠብጠብን ዝባን ገደናን፣ኣብ ከተማ ሸራሮ፣ኣብ ወረዳ ዓዲ ዳዕሮ ጣብያታት ሕብረት፣ዓዲ ገደናን ፃዕዳ ምቦራን!
ዓዲ ኣድሕን ይበሃል 'ሎ!
ኪዳነማሪያም ብርሃነ /ጋዜጠኛ/
negash zewaldeba

ኣብ ትግራይ መድረኽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይሳለጥ ኣሎ ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዕለት ጥሪ 13/2016 ዓ/ም መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።እቲ ብብርኪ ክልል ብ...
22/01/2024

ኣብ ትግራይ መድረኽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይሳለጥ ኣሎ

ኣብ ክልል ትግራይ መድረኽ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዕለት ጥሪ 13/2016 ዓ/ም መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ብብርኪ ክልል ብምትሕብባር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቑጠባዊ ውሕስናና" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ንርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባታትን ወረዳታትን፣ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

21/11/2023

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣድያቦ ሓርነት ግንባር posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share