መቓልሕ ሶይራ

  • Home
  • መቓልሕ ሶይራ

መቓልሕ ሶይራ ኣገደስትን እዋናውያንን ጽሑፋት፡ዜናታት ሓበሬታትን ናይ ህ?
(3)

ሰለስተ ናጽነታት ኣብ ሓሳበይቀዳማይቲ ናጽነትቅድሚ ሾመንተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ዝነበብክዋ ግጥሚ Yohannes Abraham "ግንቦት ወደ'ስመራ" ወትሩ ግንቦት እንከምጽእ እተዕንቅፈንን ብኡኡ...
21/05/2024

ሰለስተ ናጽነታት ኣብ ሓሳበይ

ቀዳማይቲ ናጽነት

ቅድሚ ሾመንተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ዝነበብክዋ ግጥሚ Yohannes Abraham "ግንቦት ወደ'ስመራ" ወትሩ ግንቦት እንከምጽእ እተዕንቅፈንን ብኡኡ ኣቢለ ን ሆሴእ ሙሴ Kashivi Karina እተዘክርንን እያ። ምስ ሆሴእ እዛ ግጥሚ ካብ እተጸሓፍ ዳርጋ ኩለን ግንቦታት ዘኪርና የዕሊልናላ ኣለና። ነስመራ ንምስላ፡ ንወደ'ስመራ ድማ ህላዊኡ ኣሳኒና ነኮማስዖም። ንምስሊ ናጽነት ኣብዚ ግጥሚ ኣብ ኣስመራ የንጸባርቕ። ሹቑረራን ምዩቑን እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር መንእሰይን፡ ግንቦት እተምጽአሉ ኣበሳን ብልክዕ ኣብዚ ግጥሚ ንረኽቦ። ናጽነት ናጽነት ናጽነት ናጽነት ናጽነት ከተስተማቅሮ ተኳማስዖ ከምቃል፡ እተኾነ ስምዒት ኣይሃበንን። እሞ እቶም ናይ ስምዒት ህዋሳተይ'ዶ ደኣ ሰንቢዶም ብሞሾንቦባ ግንቦት፡ ህልውቲ ኤርትራን። ግን በቃ ብግጥሚ ጆን ኣፍሮ ጌረ ዕዝም ኢለ ግንቦት ውሽጢ ሃገርን ምስሉን ዛዚመ ንደገ ነታ ካልአይቲ ናጽነት ክፍትሽ የንሳፍፍ።

[...ኣየ’ወ ‘ስመራ…እዛ ኣስመራ!
ኣብ ግንባራ ባንዴራ ኣሲራ
ኣብ ሕምብርታ ንወዳ ኣሲራ
ከም ዝርፍቲ መርዓት ተዳሂላ
ግንከ ተፈሺላ፣ ተዃሒላ
ብብጫን ቀዪሕን ከም ሕብእብእ ኢላ
ንብዓት ከይሰዓራ - ከይበለለት ኩሕላ
ጽምም፣ ጥርቅም ኢላስ ፍሽኽ ኢላ!]

ካልአይቲ ናጽነት

ፈለማ ናብ ኣሜርካ ዝመጻእኩሉ እዋን እዩ። ሓንቲ ናብ ዕድመ ዕስራ ክትኣቱ እትዳሎ ዝነበረት መንእሰይ፡ ብዛዕባ ኣበዓዕላ 24 ግንቦት፡ ኣመልኪትና ነዕልል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናብቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ጽንብል ክትከይድ ክትርእዮ ንመጀመርታ ግዜ ምዃና ሓቢራትኒ። ኣነ'ውን ነታ ኣቦይ ተኽልማርያም ብሩ(መጠራ) ኢሎማ እንበልኩ ዝዛረበላ "... መዝገቦ ኣይቀበጸን" እትብል ዕላል እናዘከርኩ፡ ሐራይ ኢለ ጥራሕ ከም መደባ ክትገብር ሓሊፈያ።
እዛ መንእሰይ ኣብቲ በዓል ዝካየደሉ ቦታ ኮይና ከምዚ ክትብል ጸሓፈትለይ "ሎሚ ዕለተ ልደት ናይ ፕረዚደንት ኢሰያስ ድዩ?" ክትብል መልእኽቲ ጸሓፍትለይ። ኣነ ንሕቶኣ እንታይ ኮይና ክትከውን ትኽእል ኢለ ኡኳ ተገመትኩ፡ ክትድውልለይ ተጸብየ ምስሊ እቲ ዝነበረ ጽንብል የዕሊላትኒ። 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብምስሊ ዕለተ ልደት ናይ ኢሰያስ ከምዝመስል፡ ፈለማ ኣዝያ ከምዝተደናገረትን ዕለተ ልደቱ ከምዝመሰላን ጠቂሳትለይ። እቲ ኣብቲ ኣድራሽን ሰባትን ሒዞሞ ዝነበሩ ኣሳእል ናይ ኢሰያስ እዩ። እቲ ክቑረስ ዝተዳለወ ሙቁር ሕብስቲ(ቶርታ) እውን ብስእሉ ዝተሰርሐ ነበረ። እተን ኣፍልበን እናሃረማ ዝስዕስዓ ዝነበራ ኣዴታት እውን ኣብ ማልያታተን ስእሊ ኢሰያስ ዝተለጠፎ ዝወደያ እየን ዝነበራ።
ምስሊ ጽንብል ናጽነት ኣብ ዳሳት ህግደፍ ኣብዚ ዓመታት ሓንቲ ምስሊ እዩ ሒዙ ቀሪቡ። ኣምልኾትን ባርኾትን ንውድቀትን ኤርትራ ክቅጽልን እቲ ውልቀ-መላኺ ድማ እታ በዓል ንሱ ባዕሉ ብምዃን ሓሊፉ። ንምስክር ክኾነኒ ኢለ ንኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነት ኣብ እስራኤል ዘኪረ። ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ሒዞም ኣፍ ልቦም ዝሃርሙ ደገፍቱ ኣብ መዓልቲ ናጽነቶም ተረኸብኩ ኢለሞ ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን።
እህህ ኢለ ደኣ ነታ ኣብ ስእለ ሓሳበይ ክትህሉ ዝሰኣልክዋ ምስሊ ናጽነት ሓሊፈ ኣለኹ።

ሳልሰይቲ ናጽነት

[...ናጽነት ክብረትዩ ንዘልኣለም....] ኣብ ቅድመይ ባርያ ግትር ኢሉኒ። ናጽነት ክብረት እዩ፡ ክብረት ዜጋታት፡ ክበረት ደቂ ሃገር፡ ክብረት እቶም ናተይ ዝብልዋ። ናጽነት ናጽነት ናጽነት ኣኮማሲዐዮ፡ ናጽነት ከምዚ ክትከውን ብሂገ። ዜጋታት ብናጽነት ኣፍ ልቦም ነፊሖም ዝረግጽዋ፡ ዘይከም ግንቦት ወደ'ስመራ። ናጽነት ዜጋታት ኣብ ምጽንባላ ብድሌቶም በቲ ዝኣምንሉ ክጽንብልዋ ዝኽእሉ። ቡነይ ኣፍሊሐ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢለ ክጽንብላ ዝብል። ባንዴራን ሰንደቅ ዕላማን ተሰኪመ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ክዝክራየ ዝብል። ኣብቲ መዓልቲ ዝሃብትኒ ዕድል ስራሕ ተጠቂመ ኣብ ምዕያይ ከሕልፎየ ዝብል። ነዛ መዓልቲ ከም ኩለን መዓልታት ተዘይኮይኑ ብፍሉይ ክጽንብላ ኣይደልን ዝብል። ኮታስ ከም ባህታኻ ከምቃሕታኻ እትጽንበል ናጽነት። ከምቲ ኣደይ ብመራሕቲ ጉጅለ ተዘይመጺኺ ክትቅጽዒ ኢኺ ተባሂላ እትኸዶ ዳሳት ዘይኮነስ፡ ተሰሚዕዋ ጽንብሎ እትዘሎ ዳስ። እቲ ዝድብል ኣቦ ንመቐረት ስድራ ምትእኽካብ፡ ናብራን ዕቤትን ብልጽግናን ናጽነት እታ ሃገር ኣስተማቂሩ ዝድብለላ ምስሊ፡ ብጭርሖታትን ምስልላምን ዘይትደምቕ ናጽነት፡ በቃ ብግብርን ብስምዒትን ዝደመቐትን፡ እፎይታን ሰላምን ዝመልኣ ናጽነት ስኢለ ኣብዛ ሓሳበይ ሒዘያ ግንቦት ኣብታ ዕርብራብ ተስፋ ኤርትራ ኣርኪባትኒ ኣላ።

ተኽሊት ከሰተ (TK)

13/03/2024
29/01/2023
ክፍሊ ፕረስ ቤ/ጽ ፕረዚደንትመስከረም፣ 4፣ 2040ኣስመራመልሲ ንሕቶታት ንጋዜጤኛታት ፕረዚደንት፣ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም። ሕቶትኩም ከተቅርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ጋዘጤኛ ደንከል ቲቪ፣ የቀንየልና...
04/09/2022

ክፍሊ ፕረስ ቤ/ጽ ፕረዚደንት
መስከረም፣ 4፣ 2040
ኣስመራ
መልሲ ንሕቶታት ንጋዜጤኛታት

ፕረዚደንት፣ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም። ሕቶትኩም ከተቅርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ጋዘጤኛ ደንከል ቲቪ፣ የቀንየልና።

ክቡር ፕረዚደንት ናይ ክልተ እብረ ዘመነ ስልጣንካ ኣብቂዑ ኣብ ምፍናው ኢኻ ትርከብ። ኣብዚ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፋኻን ንዕኡ ወኪሉ ዝተወዳደረ ሕጹይን ክዕወቱ ዘይምኽኣሎም ፣ ብኸመይ ትግምግሞ፧

ፕረዚደንት፣
ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብ ባይቶውን ፕረሲደንታውን ምርጫ ስለዝተሳዕረ፣ ከምዝኸሰርና ገይሮም ዘቅርቦዎ ኣለው። እዚ ጌጋ’ዩ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣነይ ንፖለቲካውያን ሰልፍታት እኹል ባይታ ብዘይምውዳድና ሰፊሕ መረረታት ነይሩ። ንኹሉ ዘስተኣናግድ ፖለቲካዊ ሜዳ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን’ዩ። ሓያል ተወዳደርቲ ወይ ተቃወምቲ
ሰልፍታት ምስ ዝህልው ነዓና ውን መሐየሊና ስለዝኾነ፣ ነዚ ክውን ንምግባር ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣበርቲዕና ጽዒትና። ፍረ–ጻዕርና እዚ ትርእይዎ ዘለኹም’ዩ። ተቃዋሚ ሰልፊ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ ኣሎ። ሰልፍና’ውን ወላ ኣብ ምርጫ ይሰዓር፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባቱ ክውን ስለዝኾነ ተዓዊቱ’ሎ። ስለዚ ክንዮ ምዕዋትን ምስዓርን ኣብ ምርጫ፣ ንወለዶታት ዝቅጽል ፖለቲካዊ ሰረት ስለዘንጸፍና ሓበን ይስምዓኒ።

ጋዜጠኛ መቃልሕ ሶይራ ቲቪ፣ ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ዝነበረ ዝዓበየ ብድሆ እንታይ ነይሩ፧

ፕረዚደንት፣
ብዙሓት ብድሆታት ነይሮም። ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ዞባና ብከቢድ ደርቂ ተሃስዩ። ንልምዓታዊ መደባታና’ውን ኣሰናኺሎዎዩ። ነዚ ንምፍዋስ ሚኒስትሪ ቴክኖሎጂ ምስ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ክፍሊ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብምትሕብባር ኣርተፊሻልያዊ ዝናብ ከም ዝዘንብ ተገይሩ። ብተወሳኺ ዘመናዊ ዱኹዒ ዘፍሪ ፋብሪካ 35 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ፣ ሕርሻዊዊ እቶትና ብምስሳን ውሕስነት መግቢ ኣረጋጊጽና‘ለና።

ካልእ ምህናጽ ናይ መንግስቲ ትካላትን፣ ትሕተ–ቅርጽን ሓደ ካብ ብድሆታትናዩ። ተሓታትነት ዘለዎ፣ ግሉጽ ኣሰራርሓ ዝውንን፣ ግዝኣት ሕጊ ዘቀድም ስሉጡን ጽፉፍን ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ምሕደራ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፍትሕን ....ወዘተ ትካላት መንግስቲ ምቋም ብዙሕ ፋይናንስያውን ሰብኣውን ጸጋታት የድልዮ። ምስ ሕጽረታትና ኣብዚ መዳይ ዘመዝገብናዮ ዓወታት ዝምስገንዩ።

መነባብሮ ህዝብና ምምሕያሽ’ውን ካብቲ ንገጥሞ ዘለና ዓበይቲ ብድሆታት’ዩ። ነቲ ነመዝግቦ ዘለና ኣሃዛዊ ቁጠባዊ ዕብየት ፣ ኣብ መዓልታዊ ንመንብሮ ህዝብና መስተርሆት ዝፈጥር ክኸውን መንግስታውያንን ዘይመንግታውያንን ትካላት ከይተሓለላ ይሰርሓ’ለዋ። ህዝቢ ዝጠልቦ ፖለቲካውን፣ ማሕበረ–ቁጠባውን ጠለባት ኣብ ምምላእ ብዙሕ ሰጕምና። ብዙሕ’ውን ይተርፈና።

ጋዜጠኛ ኤሪ–ቲቪ ፡ ተሳታፍነት ደቀ–ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከመይ ኣሎ ክቡር ፕረዚደንት፧

ፕረዚደንት፡
ጽብቅቲ ሕቶ ኢኺ ኣምጺእኪ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝነኣድዩ። ነቲ ብቅዋም መሰረት ዝተሓዝአ ናይ 30% ውክልና ኣብ ባይቶ ሰጊረን፣ ኣባልነተን ናብ 40% ክብ ኢሉ’ሎ። ክንዮ ውክልና ኣባ ባይቶ፣ ኣብ ባይታ ዝተርፈና ዕማም ብዙሕዩ። ነተን ኣብ ርሑቅ ገጠራትን፣ ኣብ መስመር ድኽነትን ዘለዋን ፣ ተጠቀምትን ተረባሕትን ዕድላት ናይ ምግባረን መደባትና ምሉእ ብምሉእ ሸትኡ ወቒዑ ክብል ኣይደፍርን።

ጋዜጠኛ ኣል–ጀዚራ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕቁር ጋዝ ዘስዓቦ ናይ እጀታይ ሕቶ ኣብ መንጎኹም ዲፕሎማስያዊ ክርክር ከም ዘስዓበ ይፍለጥ። ኣብ መጻኢ ናብ ኵናት ዘምርሕ ኮይኑ ይስምዓካ’ዶ፧

ፕረዚደንት፣
ብዲፕሎማስያዋ መንገዲ ክንፈትሖ ንጽዕር ኣለና። ብሰላማዊ መንገዲ ከም ዝፍታሕ’ውን እምንቶይ ልዑልዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ንዚ ጉዳይ ናብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ኢጋድ ከነምርሖ ኢና። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ብወተሃደራዊ ዓቅምና ኣይንጠራጠርን፣ ግን ኵናት ከም መፍትሒ ኣይንወስዶን። ቀንዲ ንህዝብና ድምጺ ሓንቲ ጥይት ውን ትኹን ክሰምዕ ኣይንደልን። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኲናት ምኽፋት ማለት፣ ነተን ካብ ወደባት ኣፍሪቃ ብስሉጥነት ኣገልግሎተን ኣብ መበል ኣብ 9ይን ፣10ይን ተርታ ተሰሪዐን ዘለዋ ወደባትና፣ ኣብ ሓደጋ ምእታው ስለዝኾነ ከም ኣማራጺ ውን ኣይጥምቶን። ኩናት ኣብ ልዕሊተን ዓመታዊ ሚልዮናት ዝስሕባ ዘለዋ ናይ ቱሪስት ደሴታትና’ውን ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት’ውን ቀሊል ኣይኸውንን’ዩ። ድጊመ ከንጽሮ ዝደሊ ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን።

ጋዜጠኛ መጽሄት መንእሰይ፣ 45% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ 35 ዝዕድሚኡ ኢዩ። ነዞም መንእሰያት ከተማሓላልፈሎም ትደሊ መልእኽቲ እንታዩ፧

ፕረዚደንት፡
ንመንእሰያትና ጽባሕ ኣብ ባድመ፣ ኣብ መመረቅታ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ሰላም ብዙሕ ክብሎምየ። ንሕጂ ግን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ናይ ለውጢ ሃዋርያት ኮይኖም ፣ ኩለንትናዊ ለውጢ ኣብ ምሞጻእ ዝተጻወትዎ ተራ ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን።

ጋዜጠኛ ጋዜጣ ገለድ ኣማን ፣ ክቡር ፕረዚደንት ኣብ ዳሕረዋይ እብረ ስልጣንካ፣ መንግስቲ ወጢኑ ዘይተዓወተሉ መደብ ኣሎ’ዶ፧ ስለምንታይ፧

ፕረዚደት፣
ካብ ወደብ ምጽዋዕ ተበጊሱ፣ ብደንካልያ ቆሪጹ ናብ ኢትዮጵያ ዝሕወስ ናይ ፈጣን ባቡር መስመር፣ ከምቲ ዝተተለሞ ኣይከደን። ዘጋጠመና ናይ ባጀት ማሕንቆ ንምፍታሕ ምስ መሻርኽትና ሃገራት ኣሜሪካን ፣ ቻይናን ንዘራረብ ኣለና። ንሱ ምስ ዝትግበሮ ፣ ነቲ ብማኪና ናብ ወደብ ምጽዋዕ ዝገዓዓዝ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ፓታሽ ኣሳልጦ ክህቦዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ እቲ መስመር ባቡር፣ ናብ ውሽጢ ከም ተዘርጊሑ ስለዘሎ ኣብ መጻኢ ሰብን፣ ንብረት ብዝቀልጠፈን፣ ዝሰለጠን ካብን ናብን ወደብን ኢትዮጵያን ክጎዓዓዝዩ።

ፕረዚደንት፣ ናይ መወዳእታ ሕቶ ክቅበልየ.........

ጋዜጠኛ ጋዜጣ ዳህላክ ፣ ናይ መጻኢ ተራኻ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እንታይ ክኸውንዩ፧
ፕረዚደንት፣
😃 ( ሰሓቅ) ብሉጻት ተካእቲ ኣፍሪና ስለዘለና፣ ካብ ሰልፈይ ብፍቃደይ ተኣልየ’ለኹ። ኣብ መጻኢ መንእሰያት ኣብ ምንቅቃሕን ምብርታዕን ክነጥፍ ይሓስብ። ንዝመጽእ ሰሙን ቃለ–ማሕላ ዝፍጽም ሓድሽ መራሒ ሃገርና፣ ሰናይ ናይ ስራሕ ግዜ ይምነ። ሕጂ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን፣ ናይ ዕረፍቲ ግዜይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከሕልፎ ተሃንጠየ ኣለኹ። ወደሓንኩም!
የቀነለይ።
ጋዜጠኛታት፣ የቀንየልና ክቡር ፕረዚደንት!

ሃኒ ኣሕመድ

ስዉእ  ከነኽብሮን  ከነብዕለሉን  ብዘይንፈልጦም ሰባት ከም ጣኦት  ብኻልኦት  ዝተዋሃበና  ዘይንፈልጦ  መልኣኽ  ወይ  ሓወልቲ  ኣይኮነን !! ዘመድ’ዩ ::ስጋ’ዩ: :  ኣቦ  ኢዩ ! ኣደ’...
19/06/2022

ስዉእ ከነኽብሮን ከነብዕለሉን ብዘይንፈልጦም ሰባት ከም ጣኦት ብኻልኦት ዝተዋሃበና ዘይንፈልጦ መልኣኽ ወይ ሓወልቲ ኣይኮነን !! ዘመድ’ዩ ::ስጋ’ዩ: : ኣቦ ኢዩ ! ኣደ’ያ ! ሓው’ዩ ! ሓፍቲ ኢያ ! እዞም ኣካላት እዚኦም እዚ ዝኣክል ባይታን ሓላፍነትን ዝነበረንን ዝነበሮምን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ከም ነፍሲ-ወከፍና ተሳተፍቲ ናይዚ መኣዲ’ዚ ዝነበሩ ዝፈትዉናን ንፈትዎምን ኣካላት ናይዘን ስድራ-ቤታት እዚአን ኢዮም: :

https://setit.org/8918-hfudwh/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8918-hfudwh/

ርግጽ'ዩ ስውእ ኣብቲ ከይድዎ ዘሎ ዘይንፈልጦ ዓለም ብጹእ'ዩ ዝብል መደምደምታ ክንህብ ዘኽእለና መንፈሳዊ ዋንነት የብልናን ::ንሱ መዛኒኡ ይምዘኖ!! እንተኾነ ኣብዛ ንነብራ ዘለና ዓለም ል....

02/06/2022

ሎሚ ኣብ ኣብ ጣልያን ዝተኻየደ ብጂሮደልኣፐኒኖ (Girodellapennino) ኣብ ዝፍለጥ ውድድር፡ ምስ ሾመንት ተቀዳደምቲ ብምህዳም ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ኣደናቂ ዓወት ኣመዝጊቡ.....

ብመሰረት ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘስፈሮ ዜና፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ 215 ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና ቃ...
28/05/2022

ብመሰረት ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘስፈሮ ዜና፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ 215 ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን፡ ብዓርቢ 27 ግንቦት

https://setit.org/8543-uvrsuy/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8543-uvrsuy/

ብመሰረት ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘስፈሮ ዜና፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ 215 ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓ....

ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሶማል ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ንመጀመርታ...
26/05/2022

ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሶማል ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ንመጀመርታ ግዜ ተኣሚኑ።

https://setit.org/8533-ricmlq/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8533-ricmlq/

ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሶማል ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ .....

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 15 መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ 25 ዝኣባላታ ጉጅለ ሃዲሙ ድሕሪ ምውዓል፡ መበል ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ...
22/05/2022

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 15 መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ 25 ዝኣባላታ ጉጅለ ሃዲሙ ድሕሪ ምውዓል፡ መበል ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።

https://setit.org/8529-gpnsrv/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8529-gpnsrv/

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 15 መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ 25 ዝኣባላታ ጉጅለ ሃዲሙ ድሕሪ ምውዓል፡ መበል ሻብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመ.....

17/05/2022

ቢኒያም ግርማይ ኣብ ዓስራይ መድርክ "ጂሮ ዲ ኢታሊ" ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ታሪካዊ ዓወት የምዝግብ።

ኣብ ዓስራይ መድርክ "ጂሮ ዲ ኢታሊ" ቢኒያም ግርማይ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ታርኪ ሰሪሑ። ቢኒያም ግርማይ፡ ኣብ ትማሊ ዝነበረ ዕረፍቱ፡ ሕልመይ ኣብ ናይ መድረኽ ውድድር ቀዳማይ ምውጻእ እዩ ። እዚ ውን ኣብ ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክከውን ካኣ ደስ ይብለኒ ክብል ተተንቢሁ ነይሩ። ቢኒያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፉ፡ መድረካት "ጂሮ ዲ ኢታሊ" ሓንሳብ ኻልኣይ ክውጽእ ከሎ፡ ኣብተን ዝተረፋ 9 መድረካታ ካኣ ካብቶም ቀዳሞት 5 ብምእታው ዓወታቱ ከድምቅ ዝጸንሐን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ዓስራይ መድረክ ካኣ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ታሪክ ብምስራሕ፡ ሓበን ህዝቡን ሃገሩን ኮይኑ ይርከብ፡ ኣብ ታሪክ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ካኣ እቲ እንኮ ጸሊም ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዝተዓወተ ተቀዳዳምይ ብሽክላት ብሙካን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነብሮ ክብሪ መሊሱ ክብሪ ብምውሳክ፡ ታሪክ ይሰርሕ።

መስርሕ ምእታው ናይ ቛንቋ ትግርኛ ናይ መተርጎሚ ከብሒ፡ እንታይ ይመስል ኔሩን፡ ዝሓለፍዎ መስርሕን፡ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ምስ ኣባላት እቲ ተበግሶ ዝተገብረ ቃለመሕትት።
15/05/2022

መስርሕ ምእታው ናይ ቛንቋ ትግርኛ ናይ መተርጎሚ ከብሒ፡ እንታይ ይመስል ኔሩን፡ ዝሓለፍዎ መስርሕን፡ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ምስ ኣባላት እቲ ተበግሶ ዝተገብረ ቃለመሕትት።

Setit is a non-aligned non-profit media organization founded by a group of concerned Eritreans. Informing the community, upholding cultural values and dignit...

ዳህሳስ ሰሙናዊ ፍጻሜታት ኣብ ሰቲት ብቀጥታ።
14/05/2022

ዳህሳስ ሰሙናዊ ፍጻሜታት ኣብ ሰቲት ብቀጥታ።

ዳህሳስ ሰሙናዊ ፍጻሜታት

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል ሻሙናይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቢንያም ግርማይ ምስ 20 ተቐዳደምቲ ሒዛ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ፡ ኣብ መወዳእታ ኪሎሜተራት ብምፍንታታት ሓሙሻ...
14/05/2022

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል ሻሙናይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቢንያም ግርማይ ምስ 20 ተቐዳደምቲ ሒዛ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ፡ ኣብ መወዳእታ ኪሎሜተራት ብምፍንታታት ሓሙሻይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብቲ መዓልቲ ተሓዚኡ ንዝነበረ ናይ መዓልቲ ነጥቢ 26 ብምሕፋስ ዓወቱ ዓቂቡ ይርከብ።

https://setit.org/8166-jztugc/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8166-jztugc/

ሎሚ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል ሻሙናይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቢንያም ግርማይ ምስ 20 ተቐዳደምቲ ሒዛ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ፡ ኣብ መወዳእታ ኪሎሜተራት ብምፍንታታት ሓሙሻ...

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ብረት ይዕድሎም ከምዘሎን ምንጭታት ሰቲት ካብ ኤርትራ ኣብሪሆም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ ኣብ ትምህርቲ...
13/05/2022

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ብረት ይዕድሎም ከምዘሎን ምንጭታት ሰቲት ካብ ኤርትራ ኣብሪሆም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ ኣብ ትምህርቲ ዘየለውን፡ ካብ ውትህደርና ኮብሊሎም

https://setit.org/8156-lerzmt/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8156-lerzmt/

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ብረት ይዕድሎም ከምዘሎን ምንጭታት ሰቲት ካብ ኤርትራ ኣብሪሆም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ ኣብ...

13/05/2022

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኤርትራ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ብረት ይዕድሎም ከምዘሎን ምንጭታት ሰቲት ካብ ኤርትራ ኣብሪሆም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፡ ኣብ...

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ዝነበሩ ሓሙሽተ መንኮሳት ከምዝተኣስሩ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገርhttps://setit.org/8151-nssltk/ Subscribe | https:/...
13/05/2022

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ዝነበሩ ሓሙሽተ መንኮሳት ከምዝተኣስሩ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር

https://setit.org/8151-nssltk/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8151-nssltk/

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ዝነበሩ ሓሙሽተ መንኮሳት ከምዝተኣስሩ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ሃገረ ስብከት መስሪቶም ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤር...

ብሰፋሕቲ ጎላጉል ዝተዓብለለ ኣስታት 192 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ቢንያም ግርማይ፡ https://setit.org/8147-ostyah/ Sub...
12/05/2022

ብሰፋሕቲ ጎላጉል ዝተዓብለለ ኣስታት 192 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ቢንያም ግርማይ፡

https://setit.org/8147-ostyah/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8147-ostyah/

ብሰፋሕቲ ጎላጉል ዝተዓብለለ ኣስታት 192 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ጂሮዲ ኢታሊ 2022፡ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ቢንያም ግርማይ፡ ንከምበዓል ንስሙይን ፍሉጥ ቦላቲስታን ማርክ ካቫንድሽ....

12/05/2022

ሓደ ካብ ኤርትራ ዓቢ ስም ዘጥረዩ፡ ኣብ ብዙሓት ፊልምታትን ናይ ትያትር ስርሓትን ሃገርና ስሞም ካብ ዘዕበዩ ዝኾነ ስነጥበባሲ ስዒድ ኣንዋር፡ ብሕማም ካንሰር ክሳቀ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ....

12/05/2022

ሓሙሻይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮዲ ኢታሊ ሎሚ 11 ግንቦት ኣብ ዝተሰላሰለሉ፡ ቢንያም ግርማይ መበል ሓሙሻይ ደረጃ፡ ከምኡ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻሙናይ ደረጃ ብምውጻእ፡ ኣብ ቅጽ....

እዚ ናብ ዕለት ሸሞንተ ንግሆ ዘውግሐ ዝተወለዐ ኲናት ምሉእ መዓልቲ ቀጺሉ ከምዝዋዓለን ይግለጽ ኣሎ። እቶም ዝተረኽቡ ሓበሬታት ከምዘመልከትዎ፣ ብከባቢ ሸነኽ ባድመ ዝተኸፍተ ኲናት ብብዝሒ ሰራ...
08/05/2022

እዚ ናብ ዕለት ሸሞንተ ንግሆ ዘውግሐ ዝተወለዐ ኲናት ምሉእ መዓልቲ ቀጺሉ ከምዝዋዓለን ይግለጽ ኣሎ። እቶም ዝተረኽቡ ሓበሬታት ከምዘመልከትዎ፣ ብከባቢ ሸነኽ ባድመ ዝተኸፍተ ኲናት ብብዝሒ ሰራዊትን ጽዑቅ ኲናት ከምዝነበረን ይገልጹ።

https://setit.org/8117-eagvgp/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8117-eagvgp/

ካብ ምንጭታት ሰቲት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ንትግራይ ዘማሓደር ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ክንፊ ዝኾነ ዝንገረሉ ብ ቲዲኤፍ(TDF) ዝፍለጥ ወተሃደርዊ ሓይሊን፡ ብ ግንባር ባድመን ...

SEA AWARD ኣብ 2020 ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ንምትብባዕ ዝወሃብ ስለማት ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ስልማት ንስነጥበበኛ ዮው...
07/05/2022

SEA AWARD ኣብ 2020 ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ንምትብባዕ ዝወሃብ ስለማት ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ስልማት ንስነጥበበኛ ዮውሃንስ ትካቦ(ወዲ ትካቦ) ከምዝተሰለመ ይዝከር።

https://setit.org/8112-khoivj/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8112-khoivj/ https://setit.org/8112-khoivj/?fbclid=IwAR3Wp7HkQ5Zy-A5W-FyKc-vUAbjwZ0umFNYge_dv8DOElvEgiMI7AZO-Q3A

ኣብ ሓምለ 2018 ከም መቐጸልታ ናይ ሶይራ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኮይና ዝተመስረተት ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ (Semayat bookstore) ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ....

ኣብ ሓምለ 2018 ከም መቐጸልታ ናይ ሶይራ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኮይና ዝተመስረተት ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ (Semayat bookstore) ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ን...
07/05/2022

ኣብ ሓምለ 2018 ከም መቐጸልታ ናይ ሶይራ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኮይና ዝተመስረተት ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ (Semayat bookstore) ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝወሃብ ስልማት SEA AWARD (Setit Excellence award) ተሰሊማ።

https://setit.org/8112-khoivj/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8112-khoivj/

ኣብ ሓምለ 2018 ከም መቐጸልታ ናይ ሶይራ ምክፍፋል መጻሕፍቲ ኮይና ዝተመስረተት ሰማያት ምክፍፋል መጻሕፍቲ (Semayat bookstore) ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ትካላትን ....

07/05/2022

ምዕዳል ስልማት "SEA AWARD"

07/05/2022
ኣንጻባራቒ ዓወታት ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኤርትራ እንታ'ዩ ምስጢሩ?     https://youtu.be/qm-KbPcjmMA
06/05/2022

ኣንጻባራቒ ዓወታት ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኤርትራ እንታ'ዩ ምስጢሩ?
https://youtu.be/qm-KbPcjmMA

ኣንጻባራቒ ዓወታት ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ኤርትራ እንያት'ዩ ምስጢሩ?

ንዝኽሪ መስራትን ኣካያድን ጋዜጣ ሰቲት ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ቦርድ ሰቲት ሜድያ ጋዜጠኛን ኣሮን ብርሃነ ዝተዳለወ መደብ።
30/04/2022

ንዝኽሪ መስራትን ኣካያድን ጋዜጣ ሰቲት ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ቦርድ ሰቲት ሜድያ ጋዜጠኛን ኣሮን ብርሃነ ዝተዳለወ መደብ።

እዚ መደብ'ዚ ንዝኽሪ ፕርዝደንት ቦርድ ሰቲት ጋዜጠና፡ ፕሮፌሰር ኣሮን ብርሃነ ዝተዳለወ ፍሉይ መደብ ኢዩ።

ፕሮፈሽናላት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንደረጃ ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ዘሎ ደረጃ ብሒቶሞ።https://setit.org/8079-vacjht/ Subscribe | https://www.yo...
22/04/2022

ፕሮፈሽናላት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንደረጃ ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ዘሎ ደረጃ ብሒቶሞ።

https://setit.org/8079-vacjht/ Subscribe | https://www.youtube.com/setitmedia
Join our Telegram| https://t.me/setitmedia
follow us on | https://twitter.com/setitmedia Read more at: https://setit.org/8079-vacjht/

ፕሮፈሽናላት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንደረጃ ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ዘሎ ደረጃ ብሒቶሞ። ብመሰረት ዩሲኣይ ኣፍሪቃ ዘውጽኦ ተርታ ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ

Address


Telephone

+12067084845

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when መቓልሕ ሶይራ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to መቓልሕ ሶይራ:

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share