Feleg Media Network

  • Home
  • Feleg Media Network

Feleg Media Network እንኳዕ ናብ ፈለግ ሚዲያ ኔትዎርክ ብደሓን መፃእኹም።

30/04/2024

ትግራይ ናይ መን እያ?
ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

05/04/2024

ሚልዮን ትግራዋይ ክጠፍእ ዝገበረ ህወሓት እዩ ።

28/03/2024
24/03/2024

ሃናን‼️

16/03/2024

#ሐዚ እውን መራሕቲ ህወሓት ጦርነት ይቅስቅሱ ኣለው ይኣክል በልዎም ።

ጦርነት ከምዚ እዩ ወዲ ድኻ ኣብሊዑ መጨረሻ ሓቢሮም ይስዕስዑ ።
16/12/2023

ጦርነት ከምዚ እዩ ወዲ ድኻ ኣብሊዑ መጨረሻ ሓቢሮም ይስዕስዑ ።

 #ቆላሕታ ንህዝቢ  #ንኣብርገለ
26/11/2023

#ቆላሕታ ንህዝቢ #ንኣብርገለ

ጌታቸው ረዳ ካብ ህዝቢ ትግራይ መፀለም ምፍላይ ፅቡቅ ጅማሮ ይበል ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎድንኻ ኣሎ ቀፅለሉ ጥራሕ ህዝብኻ ክሓሶ ።
07/11/2023

ጌታቸው ረዳ ካብ ህዝቢ ትግራይ መፀለም ምፍላይ ፅቡቅ ጅማሮ ይበል ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎድንኻ ኣሎ ቀፅለሉ ጥራሕ ህዝብኻ ክሓሶ ።

02/11/2023

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ !!
➖➖➖➖➖➖
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ትግራይ እውን ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ማለት እውን ራያ ዓዘቦ፣ ከተማ መኾኒ፣ ከባቢታት ራያ ኣላማጣን ኦፍላን ከም ዝተርኣየን ክሳብ ሕዚ በዚ ሕማም ሞተ ከምዘጋጠመን ተረጋጊፁ ኣሎ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብዝርዝር ገምጊሙ ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ንክወጅ ወሲኑ ኣሎ።

ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ እውን ወሲኑ ኣሎ። ሕድሕድ ቤት ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእል ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ከመዘለዎ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

ህዝብና እውን ነዚ ኣፀጋሚ ጥዕናዊ ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኡ ዓርሱን ከባቢኡን ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ብልዑል ትኹረት ክረባረብን መንግስቲ በቢእዋኑ ዘውርዶም ኣንፈታት እናተኸታተለ ንተግባራዊነቶም ሓጋዛይ ግደ ክፃወትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም
መቐለ

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣመራርሓን መላእ ህዝብናን ኣብ ናይ ቀውዒ ማእቶት ምእካብ ኣበርቲዖም ንክረባረቡ ናይ ስራሕ መምርሒ ከምዘውረደን ...
28/10/2023

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣመራርሓን መላእ ህዝብናን ኣብ ናይ ቀውዒ ማእቶት ምእካብ ኣበርቲዖም ንክረባረቡ ናይ ስራሕ መምርሒ ከምዘውረደን በዚ መሰረት ድማ ናብ ጭቡጥ ስራሕ ከምዝኣተናን ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ሓበራዊ ምውዳድ ዘይተገበረሉ ናይ ላዕለዎት ካድረታት ኣኼባ ተፀዊዑ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣድላይነት እቲ መድረኽ ኣፈላላይ እንተዘይሃለወ እውን ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክካየድ ዝግብኦ ከምዘይኮነ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ።

በዚ መሰረት እውን ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም (ንጎሆ) ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ውድብን ሓለፍቲ ፀጥታን ብዝተገብረ ሓበራዊ ምርድዳእ እቲ ተፀዊዑ ዝነበረ ኣኼባ ተዓፂፉ እቲ ንኣኼባ መፂኡ ዝነበረ ኣመራርሓ መንግስቲ ናብ ዘቀመጦ ዕምም (ዝበፅሐ እኽሊ ክእክብ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክከላኸልን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ካብ ዘብፅሖ ሓደጋ እናተኸላኸለ ጠብ ዝበለት ማይ ናብ ረብሓ ህዝብና ንምቕያርን) ብዝተወደበ መንገዲ ንክዋፈሩ ምርድዳእ ተበፂሑሉ እዩ።

ነዚ ሓበራዊ ውሳነ ስዒቡ ድማ ነዚ ኣኼባ ዝፀወዐ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት እቲ ኣኼባ ንካሊእ እዋን ከምዝተመሓላለፈ ነቶም ዝመፅኡ ካድረታት ውድብ መብርሂ ሂቡ ክስንዮም ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ።

ካብዚ ወፃእ ኣብዚ እዋን ብብርኪ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ኣኼባ ከምዘየለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊሙ እናፍለጠ መሪሕነትና እውን ናብ ስሩዕ መደባቱ ክረባረብ ይግባእ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም
መቐለ

04/10/2023

ኣረጋውቲ መራሕቲ ህወሓት ንምድሓን ከንቱ ሞት ዝሞተ መንእሰይ ትግራይ የሕዝን።

07/09/2023

ታሪኻዊት ዕለት ጳጉሜን 2

ሓዚ በሊ........የኢፌዴሪ መከላከያ ሠራዊት በደንጎላት የተለያዩ የቡድን መሳሪያዎችን ከህወሓት ተረከበ***************************የኢፌዴሪ መከላከያ ሠራዊት በደንጎላት የተሰ...
19/04/2023

ሓዚ በሊ........
የኢፌዴሪ መከላከያ ሠራዊት በደንጎላት የተለያዩ የቡድን መሳሪያዎችን ከህወሓት ተረከበ
***************************
የኢፌዴሪ መከላከያ ሠራዊት በደንጎላት የተሰበሰቡ የመጀመሪያ ዙር የተለያዩ የቡድን መሳሪያዎችን በዛሬው ዕለት ከህወሓት ተረከበ።

መንግሥት እና ህወሓት ጥቅምት 23 ቀን 2015 ዓ.ም በደቡብ አፍሪካ ፕሪቶሪያ የተፈራረሙትን የሰላም ስምምነት ተግባራዊ የማድረግ አካል የሆነው የህወሃት ታጣቂዎችን ትጥቅ የማስፈታት ስራ እየተከናወነ ይገኛል።

በስምምነቱ መሰረትም የኢፌዴሪ መከላከያ ሠራዊት በመጀመሪያው ዙር ትጥቅ የማስፈታት ሂደት ከባድ መሣሪያዎችን በሁለተኛው ዙር ደግሞ የአየር ኃይል መሳሪያዎችን ከህወሓት መረከቡ ይታወቃል።

ባለፈው ሳምንት ከትግራይ ክልል ጊዜያዊ አስተዳደር አመራሮች ጋር በትጥቅ ማስፈታት ሂደቱ ላይ ውይይት ያደረጉት የብሔራዊ ተሐድሶ ኮሚሽን ምክትል ኮሚሽነር ብርጋዴር ጀኔራል ደርቤ መኩሪያ ከዚህ ሳምንት ጀምሮ እስከ ሚያዚያ 16 የቡድን መሳሪያዎች ርክክብ እንደሚደረግ ገልጸው ነበር።

በዚሁ መሰረት በዛሬው ዕለት በደንጎላት የተሠበሠቡ የተለያዩ የቡድን መሳሪያዎች የመከላከያ ሠራዊት እና የህወሃት ተወካዮች በተገኙበት የመጀመሪያ ዙር የቡድን መሳሪያዎች ርክክብ መደረጉን ብርጋዴር ጀኔራል ደርቤ ተናግረዋል።

በቀጣይ ቀናትም በተለያዩ ካምፖች የሚገኙ የቡድን መሳሪያዎች ርክክብ እንደሚፈጸም ጠቁመዋል።

በስፍራው የተገኙት የመከላከያ ሠራዊት ተወካይ ኮሎኔል ጉደታ ኦፍካ፤ በዛሬው ዕለት ሞርታር ዲሽቃና መሰል በርካታ የቡድን መሳሪያዎችን መረከባቸውን ገልጸዋል።

የህወሃት ተወካይ ሙሉጌታ ገብረ ክርስቶስ በበኩላቸው፣ በስምምንቱ መሰረት የህወሓት ታጣቂዎች የቡድን መሳሪያዎችን በመፍታት ለመከላከያ ሰራዊት እያስረከቡ መሆኑን ገልጸዋል።

ተወካዮቹ አክለውም፣ የትጥቅ ማስፍታት ሂደቱ በመልካም ሁኔታ እየተከናወነ መሆኑን ገልጸው መንግስት እና ህወሃትም ለሰላም ስምምነቱ ተፈጻሚነት አዎንታዊ እርምጃዎችን እየወሰዱ ነው ብለዋል።

የሰላም ስምምነቱ አተገባበርም ለሀገር ዘላቂ ሰላምን ለማምጣት ተስፋ የሚጣልበት መሆኑን ኢዜአ ዘግቧል።

ዋግዋጎ ሓዱሽ ምህዳር ፖለቲካ- ትግራይ!!ዶ/ር አብርሃም በላይ ሓላፊ ሚኒስተር ምክልኻል ኢፌዴሪ *******************ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ልምምድ ሂወት ደቂ ሰባት እንትርአ፣ ኣብ...
01/04/2023

ዋግዋጎ ሓዱሽ ምህዳር ፖለቲካ- ትግራይ!!
ዶ/ር አብርሃም በላይ ሓላፊ ሚኒስተር ምክልኻል ኢፌዴሪ
*******************
ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ልምምድ ሂወት ደቂ ሰባት እንትርአ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣፀጋሚን ልዑል ዋጋ ዝተኸፍለሉን ጉዕዞ ተሳጋሪ ፀገም፣ ዘላቒ ኪሳራ ኣይክህሉን፡፡ ልዑል ዋጋ ዘኽፈሉ ኣፀገምቲ ኹነታት ዘላቓይ ክስረት ዝሓድጉ÷ ከም ውልቀ ሰብ ይኹን ከም ማሕበረሰብ ካብዞም ኣፀገምቲ ተጓንፎታት ትምህርቲ ከይወሰድና፣ “ኣነ እንተሞይተ ዳንዴር ኣይትቡቆል” ኣብ ዝብል ድሑር ኣተሓሳባ ተሸኺልና እንትንተርፍ እዩ፡፡

እዚ እውን፣ ሃገርና ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ ካብ ዝሓለፍናዮም ጉዕዞ ሓጎፅጎፃት ዘላቓይ ትምህርቲ ክንድቲ ዝድለ ዘይምውሳድና ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ሃገር እንሕቆነሎም ዘለና ብዙሓት ዓነታት እጁላት ፀገማት ቀንዲ መልዓሊ ምኽንያት ምኳኖም ብዙሕ ኣየከራኽርን፡፡

ኣብ ከይዲ ቅብብል ሃገረ-መንግስቲ ኣብ ውዳሰ ከንቱ ካብ እንፅመድ፣ ንትማሊና ልዕሊ መጠን ካብ እንኹንን፣ ሎምዓንትና ብብልሒ ብምሓዝ ዝሓሸ ነገር ብግብሪ ካብ ምቕያር፣ ደው ኢልካ ጎይቒ ዝብልዎ ሕማቕ ልማድን ዝተረኽቡ ዕድላት ብዕሊ ዘይምጥቃምን ከም ሃገር ዋጋ ከምዘኽፍለና ብግልፂ ምርዳእ የድሊ እዩ፡፡

ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ እኹል መርኣያ እዩ፡፡ ብምኽንያት እዚ ዝተጎድአ መላእ ህዝብና፣ ብፍላይ ድማ ጉድኣት ህዝቢ ትግራይ ከምኡ እውን ህዝብታት ጎራብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንምሕዋይን መሰረታዊ ልምዓት ንምሕዳስን ዘኽእል ህፁፅ ዘላቒ መፍትሒ ክህልዎ ጥንቃቐ ዝተመልኦም ጥንኩራት ተግባራት በቢብርኩ ምፍፃ እዋናዊ ጉዳይ እዩ፡፡

መልዓሊ ናይዞም ዝተሓርዩ ጥንኩራት ግብርታት ድማ፣ ልዕል ዝበለን ህልው ኩነታት ማእኸል ዝገበረ ዘላቕነት ዘለዎ መፍትሒ ሓሳብን ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ቀዳሚ ስጉምቲ ይኸውን፡፡ ካብ ዘጓነፈና ሽግርን መከራን ወፂና ካብ ተጓንፎና ብህፁፅን ብሓቂን ተማሂርና ሓዱሽን ኩሉ ሓቋፋይን ምህዳር ፖለቲካ ክጥንክር ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር እንተተኻኢሉ እወንታዊ እጃምና ነበርክት፤ እንተዘይኮይኑ ድማ ህዝብና በዚ ዝተረኽበ ዕድል ተረባሓይ ንክኸውን ዓንቃፋይ ካብ ምኳን ምእርናብ ብባዕሉ ካብ ተወሳኺ ተወቃሲ ታሪኽ ካብ ምኳን ዘድሕን መስርሕ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘሕለፎ ሓሳረ-መከራ ንላዕሊ “መምህርካ፣ ዝሟገተልካ፣ መሃንዲስካ እየ” ንዝብል ፕሮፖጋንዳ ወይ እውን ሓይሊ ክንዲ ፍረጣፍ እትኸውን ዕድል ዝህበሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን፡፡

እኳድኣስ፣ ዕረፍትን ዳግማይ መገዲ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዘበስሩ ኣናእሽተይ ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ዘዕብዩ ምንቅስቃሳት ምሕጋዝ፤ ሓቢርካ ደው ምባል፤ ኣብ ከይዲ ድማ ንዝተማልአ ዘላቒ ሰላም መፍትሒ ዝኾኑ መደላድል ስግግር ፍትሒን ዳግመ ህንፀትን ዝተጀመሩ ትካላዊ ምድላዋት ናብ ዝቕፅል ብርኪ ንምስግጋር ቆራፅነት ክነርኢ ይግባእ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ስምምዕነታት እውን ፈፃሚ ስራሕን ካቢኔን ሓዱሽ ዝተጣየሸ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ፌደራል ዝተገብሩ ዘተታት፣ ንህዝብና ሰላም፣ ምርግጋእን ቅሳነትን ዝህልዎ ረብሓ ካብ ብሐዚኡ ብምርዳእ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዝህሉ ተወሳኺ ምትእምማን ንምፍጣር ክልል ምስ ክልል ኣመልኪቱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክስርሑ እዮም፡፡

ስለዝኾነ እውን፣ ሐዚ ህዝብና ዝደልዮ፣ ዋሕታ ሰላም ኣድሚቕና ናብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን እንወስደሉ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ምቅርራብን ሕውነትን ዝጥንክረሉ፣ ብምኽንያት ኲናት ዝተጎድኡ ክፋል ማሕበረሰብና እንሕክመሉ፣ ከምኡ እውን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት መሊስና እንሃንፀሉ፣ መድረኽ ጉዕዞ ሰናይ ግብርን ሕብረትን እምበር፣ ኣፈላላይን ፅልኢትን ጎይቂን ኢሉ እውን ጥርጣረን ምድፍፋእን ዝፈጥሩ እንነዝሐሉ እዋን ኣኮነን፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ኣፀጋሚ ሕሉፍ ጉዕዞና ቕሉዕ ትምህርቲ ወሲድና ዝሓሸን ሓዱሽን ምህዳር ፖለቲካ ክፍጠር ዘኽእል ዋሕታ ዋግዋጎ ክደምቕ እጃምና እንውፀአሉን እንረባረበሉን እምበር፤ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ውል-ቀሰባት ማእኸል ገይርና እንጓየቐሉን ናብ ዘላቒ ዓዘቕቲ እንወርደሉ እዋን ጉዕዞ ከረውረው ዘይምኳኑ ብዕሊ ክንርዳእ ይግባእ፡፡

13/02/2023

ህወሓት ናይ እሊ ባዓል ዶክተር አብርሃም በላይ ሓሳባት ተትሰምዕ ነይራ ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ትግራዋይ ኣጉል ሞት ክሞት ኣይመኻኣለይ።

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Feleg Media Network posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share