Kaza media network

  • Home
  • Kaza media network

Kaza media network Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Kaza media network, Media/News Company, .

ርእሲ ከተማ ሱዳን ካርቱም ሓራ ንምውጸኣ ተቓሪቦም !ነታ ፍጹም ቅሳነት ስኢና ዘላ ህዝባ ዝተገማምዐት  ሱዳን ድሕርቲ ውሕስነታ ምሕላዉ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ኣንቂዱ ኣሎ።ብጀነራል ሓምዳን ዳ...
12/02/2025

ርእሲ ከተማ ሱዳን ካርቱም ሓራ ንምውጸኣ ተቓሪቦም !

ነታ ፍጹም ቅሳነት ስኢና ዘላ ህዝባ ዝተገማምዐት ሱዳን ድሕርቲ ውሕስነታ ምሕላዉ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ኣንቂዱ ኣሎ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከተማታት ብሓይሊ ይድፋእ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ ከበባ ኣትዩ ስለ ዝርከብ ከኣ ብሰለማዊ መንገዲ ዕጥቁ ብምፍታሕ፡ ሰለማዊ ናብርኡ ክመርሕ ጻውዒት ነቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ቀሪብሉ ይርከብ።

ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንካርቱም ክቆጻጸራ ምዃኑ ዘእምን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምእዘን ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኩሉ ነባሪ ናብ መረበቱ ከም ዝምለስ ይጠቅስ፡፡

ካብ ህዝቢ ከኣ ሕጋዊ መንግስቲ ዳግማይ ብምምራጽ ነታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልስዋ ምዃኖም ኢዮም ዝሕብሩ።

ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደምወዝ ብቐጥታ ካብ ፔሮል  ምቑራፅ ዝእግድ ኣዋጅ ከምዘርቀቐ ኣፍሊጡ።ሃገራ...
11/02/2025

ሃገራዊ መረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ናይ ዝኾነ ይኹን ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደምወዝ ብቐጥታ ካብ ፔሮል ምቑራፅ ዝእግድ ኣዋጅ ከምዘርቀቐ ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ እቲ ዝረቐቐ ኣዋጅ ምስፀደቐ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ኣባሉ ከም ናይ ስራሕ ግብርን ክፍሊት ጥሮታን ብቐጥታ ካብ ፔሮል ምቑራፅ ከምዝእገድ ገሊፁ።

ንዚ መስርሕ እዚ ከም ኣዋጅ ንኽፀድቕ ዘገደደ ካብ ኣባላት ውድባት ፖለቲካ ምስ ክፍሊት ናይ ኣባልነት ተተሓሒዙ ተደጋጋሚ ጥርዓንን ቅርታን ብመሰረት ዝቐረበሉ ከምዝኾነ'ውን እቲ ቦርድ መረፃ ኣፍሉጡ።

ልኡኻት ሃገራት ኣመሪካ ፣ኢንግሊዝ ፣ጣልያን ፣ጀርመን ፣ዴንማርክ ፣ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ መቐለ ኣትዮም...
11/02/2025

ልኡኻት ሃገራት ኣመሪካ ፣ኢንግሊዝ ፣ጣልያን ፣ጀርመን ፣ዴንማርክ ፣ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዝታይ መቐለ ኣትዮም።

እቶም ልኡዃት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣቀባበላ ተገይሩሎም።

እቶም ልኡኻት ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ፣ህልዊ ኩነታት ትግራይን ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ክዝትዮ ትፅቢት ይግበር።

Tigrai Mass Media Agency

ዕድላትን ፈተናታትን ሕድሪ  መንእሰይ ትግራይ ብዝብል መራሒ ቃል ምስ ነበርቲ ከተማ ዓድ ግራት መናእሰይ ህዝባዊ ዋዕላ ይሳልጥ ኣሎ ። ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ዝተረኸቡ መናእሰይ ከተማ ዓዲ ግራት...
28/12/2024

ዕድላትን ፈተናታትን ሕድሪ መንእሰይ ትግራይ ብዝብል መራሒ ቃል ምስ ነበርቲ ከተማ ዓድ ግራት መናእሰይ ህዝባዊ ዋዕላ ይሳልጥ ኣሎ ።

ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ዝተረኸቡ መናእሰይ ከተማ ዓዲ ግራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልልን እቲ ዞባን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ ።

ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ካብ ዝነበሩ መትከላት ስርዓትን መንግስትነትን ዝተከል ብልዑል ተሳትፎ መናእሰይን መላእ ሕብረተሰብን እዩ ። ዳግመ ህንጸት ትግራይ ብሓሳብን ምኽንያታውነትን እምበር ብድሕረትን ጸለመን ኣይረጋገጽን ዝብሉን መትከላት ዝተሓንገጠ ህዝባዊ ዋዕላ እዩ ።

ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ዝተረኸቡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ናይ መኽፈቲ መድረ ዘስምዑ እንትዀኑ መንእሰይ ትግራይ ካብቲ ዘሎ ምትህልላኽ ብምውጻእ ናብ ሓደ ብዘምጽእ መልክዑ ክሰርሕን ኽቃልሰይ ይግባእ ኢሎም ። ከምቲ ዝፍለጥ መንእሰይ ትግራይ ይኹን መንእሰይ ዞባ ምብራቕ ብሽም ወፍሪ እምቢታ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቕስቃሳት እውን ብትኹረት ብምርዳእን ብምግንዛብን ነቲ ቅሳነት ህዝቢ ንኸይሰምር ዝገብር ዘሎ ኣካል ኣደብ ንኽሕዝ ኣብ ጎኒ መንግስትኹም ዀይኑ ኽቃለሰ ጸዊዖም ።

በቲ ዝተፈጠረ ውድባዊ ምግምማዕ ንፖለቲካዊ ረብሓ ክብሃል ናይ ህዝቢ ጸገም ተጋዲዱ ዝቕጽለሉን ዕድል ተፈጢሩ እዩ ክብሉ ገሊጾም ። ብጸለመን ፕሮፖጋንዳን ብወፍሪ እምቢታ ኣቢሎም ጸገም ህዝቢ ትግራይ ተጋዲዱ ንኸቕጽል ዝሰርሑ ዘለዉ ሓይልታት ሓቢርካ ብምቕላስ እዩ ዝፍታሕ ክብል ኣይተ ሰሎሞን ትኹእ ገሊጾም ።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ሱባጋድስ ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላሊፉ እንትዀኑ ምስ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ተራኺብና ኢና ኩሉ ግዜ ዝሓቶ ሕቶ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮ መንገዲ መንገዲ ጥፍኣት እምበር መንገዲ ሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ኣይዀነን ሰለዙይ እዙይ መንገዲ ክልወጥ እዩ ዘለዎ እዮም ዝብሉ እቶም መንእሰያት ክብሉ ኣዘኻኺሮም ።

እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ናይ ምትህልላኽ ፖለቲካ ኣብ ወፍሪ ጸለመን ጠቐነን ዝተመሰረተ እምበር ኣብ ዳግመ ሕወየትን ዳግመ ህንጸትን ትግራይ ዝተመሰረት ኣይዀነን ስለዙይ እዙይ እውን ምስ ምፍራስ ውድብ ተታሒዙ ብዙሕ ወፍርታት ይለዓሉ እዮም እዚኦም ድማ ጌጋታት መንገድታት እምበር መንገዲ ሕወየት ውድብ ዘረጋግጽን ዘግህድ ኣይዀነን ክብል ኣይተ ሓይሽ ተዛሪቦም ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ህውሓትን ዘሎ ኣፈላላይ ከም ድኽመት ብምጥቃም ነቲ ዘሎ ጊዜያዊ ምምሕዳር ስሩዕ ስርሑ ንኸይሰርሕ ብዝተናበበን ብዝተሓላለኸን መንገዲ መሰረት ጌርካ ናብ ናይ ጥፍኣት መንገዲ እምበር ናብ ናይ ልምዓት መንገዲ ብዘየምጽእ ኣካይዳ ይሰራሕ ኣሎ ።
እቲ ኣብዙይ ሕጂ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ እምቢታ ናይ ዓመጽን ስልጣን ምምላስን እምበር ህዝባዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተወሰደ ሰጉምቲ ኣይኰነን ክሳብ ሕብራዊ ናዕቢ ምውላዕ ዝበጽሕ ዓይነት ኣካይዳ እዩ ዝኽየድ ዘሎ ክብሉ ተዛሪቦም ።

ሰለዙይ ካብዙይ ብምርዳእን ብምግንዛብን ከም ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ መንእሰይ ኣብ ኲናት ጅግና ኢልና ከምቲ ዝሞጎስናዮ ኣብ ስራሕ ኣብ ሓላፍነትን እውን ዕሰል ክንብሎ እዩ ዝግበአና ክብሉ ተማሕጺኖም ።

ምእንቲ ብርህትን ምዕብልትን ትግራይ ንመንእሰይ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እምበር ጸለመን ጠቐነን ክነውርሶ ኣይግበአናን ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ።

ህዝባዊ መድረኽ ንኸይፍጠር ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70  ተንዀላት እናተፈሓሱ ይውዕሉ ኣለዉ ። ነቲ ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70 ካሬ ከተማ መቐለ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕዳራ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ...
23/12/2024

ህዝባዊ መድረኽ ንኸይፍጠር ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70 ተንዀላት እናተፈሓሱ ይውዕሉ ኣለዉ ።

ነቲ ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70 ካሬ ከተማ መቐለ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕዳራ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንምብጣስ ብውዳበ ይኹን ብተናጻል ተቃሊስካ እዩ ዝፍታሕ ብምባል ነቲ ዘሎ መሰረታዊ ጸገም ንምፍታሕ ኢልና ላዕልን ታሕትን ኢልና ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ።

ህዝባዊ መድረኽ ኣብቲ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70 ካሬ ንኸይፍጠርን ንኸይግበርን ካብ ገለ ኣመራርሓ ብሎካትን ኣምፕሬላን እቲ መዕቆቢ ጀሚርካ ክሳብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዓዲ ሓቅን ኣዘዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ዓድ ሓቅን ሓላፊ ሚልሻን እቲ ክፍለ ከተማ ብምንባብን ብምትሕብባርን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ኸካይዱ ቐንዮም እዮም ።

ይኹን ድኣ እምበር ድሕሪ እዙይ ኩሉ ጻዕሪ ምንም ዋጋ ከምዘይብሉ ብምረዳእ ኣብዙይ ሕጂ ሰዓት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብምውዳብን ብጥቕማ ጥቕሚ ብምድላልን ነቲ ዝፍጠር ህዝባዊ መድረኽ ንምርባሽ ዀነይ ኢሎም ንኽሰርሑ ኣብ ምዳላውን ኣብ ምስልጣንን ተጸሚዳ ትርከብ ።

ካብ ብሎክ ኣመራርሓታትን ኣምፕሬላን ዞባ ክላስተር መተሓባበርቲ ማሕበራዊ ጉዳይን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝዀኑ ወገናት ብሓባር ብምዃን ነዙይ እከይ ተግባር ኣብ ምምኻር ተጸሚዶም ይርከቡ ። ምኽንያቱ ሓንቲ ሌባን መጭበርበሪት እንተተታሒዛ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝኸድዎ ናይ እከይ ተግባር ብግሃድ ክፍለጥ ሰለዝኽእል ነዙይ ጉድ ንኸይፍልጥን ንኸይንቕሑ ዀነይ ኢላ ዝሰራሕ ዘሎ ተንኰል እዩ ።

10/12/2024

ብዕለት 01 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ንኣመራርሓ ኣምፕሬላን ኣመራርሓ ብሎካትን ብማሕበራዊ ጉዳይ ተጸዊዑ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ከመይ ይድሓን ኣብ ዝብል መሰረት ዝገበረ ብተጋዳላይ ካቻማሌ ዝተበሃለ ዝተመረሐ መድረኽ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ብሎካትን ገለ ኣመራርሓ ኣምፕሬላን ነቲ ዘሎ መሰረታዊ ጸገም ተመዛበልቲ ብዝርዝር እቲ ዝተፈጸመን ዝፍጸመ ዘሎን እንትገልጹ ።

ብመሸምገላይን እቲ ጸገም እንታይነቱን ክርዳእ ንዝመጸ ብሽም ተጋዳላይ ዝጽዋዕ ካቻማሌ ዝብሃል እውን ደጋፊ ነቲ ተነቃፊ ኣካል ብምዃን ነቲ መድረኽ ነቲ ናሃቱ ሓሳብን ርድኢትን ዘንጸባርቕ ጥራሕ ዕድል እናሃበ እቲ ናይ ሎማዕንቲ መድረኽ ተዛዚሙ ኣሎ ።

እዙይ ኣብ ልዕሊ ሙና ወይ ድማ ሽምሽያ ዝተበሃለት ውልቀሰብ ዝተጀመረ ቃልሲ ንድሕሪት ንምምላስ ዝተገበረ ሽርሒ እዩ ። ብማሕበራዊ ጉዳይ ሓላፊ ኣይተ ኣለም ካሕሳይ ዝተበሃለ ድማ ነቲ ሓቂ ንኽወጽእን ፍትሒ ንኽነግስን ሰለዝተቃልሰና ኣብ ምኽሳስ ዝውዕሉ ጉድለ ኣለዉ ክብል ተዛሪቡ ።

ካብቶም ለያቡ ሓደ ሰለዘዀነን እቲ ሓቂ እንድሕር ወጺኡ ድማ ክሕተቱ ከምዝኽእሉን ሰለዝተረድኡን እዩ ብኸምዙይ ዓይነት ጸለመታት ኣብ ምንዛሕ ዝውዕሉ ዘለዉ ።

ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ ብተለምዶ 18 ቀበሌ ኣብ ዝብሃል ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ዝነበሩ ተመዛብልቲ ከምዝፈልጥዎ  ሓንቲ ምስ ቤተ ዘመዳ ተባኢሳ ኣብቲ እዋን ዕግርግር ግዜ ብሽም ተመዛብ...
05/12/2024

ኣብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ ብተለምዶ 18 ቀበሌ ኣብ ዝብሃል ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ዝነበሩ ተመዛብልቲ ከምዝፈልጥዎ ሓንቲ ምስ ቤተ ዘመዳ ተባኢሳ ኣብቲ እዋን ዕግርግር ግዜ ብሽም ተመዛብልቲ ምዕራብ ንክትምዝገብ ብኽንዳይ ክርክር ብሓደ ኸብዳም ሓሽከር ለያቡ ዝዀነ ኣይተ ካልኣይ ዝብሃል ተጋዳላይ ነበር መንድር ኣውረራ ተመዝጊባ ።

ናብ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 70 ካሬ ብምኻድ ኣብ E-block ዝብሃል ኸባቢ ብኣመራርሓ ምስ ተቐመጠት ኣብቲ ብመሪሕነት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ገንዘብን ዝመጸ ዀታ ተመዛብልቲ ብምስራቕ ኢድ ብኢድ ተታሒዛ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ትውዓል ተባሂላ ነብርቲ እቲ ብሎክ ዝዀኑ ወገናት 131 ዝፈረምሉ ቃል ጉባኤ ናብ ሕጊ ተመሩሓ እንተብቕ ብናሃታ ሓሻኽር ዝዀኑ መተሓባበርቲ ክላስተር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝዀነ እንበዓል ኣቦ ኣርጋይ ዝርከብዎም ጉጅለ ክትልቀቕ ብምግባር ።

ተመሊሳ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ናብ ናይ ጠቕላላ መሪሕነት 70 ካሬ መዕቆቢ ተመዛብልቲ መጺኣ ብሽም ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እውን ብርክት ዝብለ ገንዘብ ብምስራቕ ካብ ኣመራርሓ እቲ መዕቆቢ ጀሚራ ክሳብ ዞባ መቐለ ዘለዉ ኣመራርሓ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ብምግባር ብገንዘብን ብጥቕምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተዋደደ ሽርሓ ትቕጽለሉ ኣላ ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብሽም ዞባ ምዕራብ ትግራይ እናተረኸብት እውን ነቲ ህዝቢ ዘይውክል ዘረባታትን ሓሳብትን ክትህብ ንዕዘብ ኣለና ሰለዙይ እዛ ውልቀሰብ ሌባን መጭበርበሪትን ዝዀነት ካብቲ መዕቆቢ ተመዛብልቲ ወገናት ለቒቓ ብሕጊ ትተሓተተልና ።

ፍትሒ ንተመዛብልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ እዙይ ሓሳብ ናብ ኹሉ ንኽባጻሕ ብምንባብ ሼር ብምባል ይተሓሓበሩና !!

መግለጺ ቕዋም ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ !!
03/10/2024

መግለጺ ቕዋም ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ !!

" ንባዕሉ ብውልቸር እናተድፍአ ንዓና መፅሓፍ ወኪሱልና! ኣባል ኣርሚ 33 ዝኾነ ኣብ ማእኸል ውጉኣት  ሕክምና ኣዋሽ እናተሓከመ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ዝርከብ ተጋዳላይ ሃፍተ ሃይላይ "ቀይሕ ንብዓ...
03/10/2024

" ንባዕሉ ብውልቸር እናተድፍአ ንዓና መፅሓፍ ወኪሱልና!

ኣባል ኣርሚ 33 ዝኾነ ኣብ ማእኸል ውጉኣት ሕክምና ኣዋሽ እናተሓከመ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ዝርከብ ተጋዳላይ ሃፍተ ሃይላይ "ቀይሕ ንብዓት" ዘርእስታ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ታሪኽ ዝተሞርኮሰት መፅሓፍ ኣብ ኢድ መንበብቲ ንክትበፅሕ ምርቃ ይተርፋ! ኮይኑ ግን ሓቦን ኒሕን ኮይንዎ ምሕታም እውን ብግዱሳት ተሓጊዙ እምበር መመረቒ ዝኾን ዓቕሚ የብሉን ስለዚ ኩላትና ኣብ ጎኒ ተጋዳላይና ንኹን።

ሰንበት ዕለት 26/01/2016 ዓ/ም ኣብ ኣዋሽ ሕክምና ምስ ጉዱኣት ብፆቱ ናይ ቅድመ ምርቓ መርሃ ግብሪ ከካይድ እዩ ኣብኡ ተረኺብና ሰማእታትና እናዘከርና ሓውና ነበረታትዕ።
ምኽረ ሓሳብ ክትህብዎ ንእትደልዩ ብስልኪ ቁፅሪ
0996555106 ደውልሉ።

ሱታፌ ትግራይ Sutafe Tigrai
ALT MEDIA
Amora Media
Centeral Insider
Jegnnet Hlagetna
Tigray Press
መሶብ ትግርኛ
Tigray Media ትግራይ ሚድያ
Tigray Tribune
ሳሚ ፈታዊ ጥበብ
ገሬ ሞባይል ቴክኒሻን ሓውዜን

ገባሪ ሰናይ ትካል ማሕበር ሕውነት ደቂ ሰብ 50 ስድራ ስውኣት ህፃናት ክሳብ ትምህርቲ ዝዛዝሙ ወርሓዊ ናይ 800 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ገሊፁ።እቲ ትካል ምስ ተስፋይ ኦርጋናይዘሸ...
01/10/2024

ገባሪ ሰናይ ትካል ማሕበር ሕውነት ደቂ ሰብ 50 ስድራ ስውኣት ህፃናት ክሳብ ትምህርቲ ዝዛዝሙ ወርሓዊ ናይ 800 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ትካል ምስ ተስፋይ ኦርጋናይዘሸን ብምትሕብባር ነብሲ ወከፍ ተምሃራይ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ሓገዝን ናይ ዩኒፎርምን ናውቲ ትምህርትን ነብሲ ወከፍ ህፃን 5800.00 ብር ሓጊዙ ኣሎ።

መስራትን ኣካያዲ ስራሕን ገባሪ ሰናይ ትካል ማሕበር ሕውነት ደቂ ሰብ መምህር ፍቅረ ኣሰፋ ፤ነብሲ ወከፍ ተምሃራይ ትምህርቲ ክሳብ ዘይኣቋረፁ እቲ ሓገዝ ትምህርቲ ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዝዛዝሙ ከምዝቕፅል ኣመላኺቶም።

እቲ ሓገዝ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስውኣትና ዝምጥን ሓገዝ ኣይኮነን ዝበሉ መምህር ፍቅረ ኣሰፋ ፤ንገባሪ ሰናይ ትካል ማሕበር ሕውነት ደቂ ሰብ ሓገዝ ይገብሩ ንዘለው ውልቀ ሰባትን ትካላትን ኣመስጊኖም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛን ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ኣይተ ኣሸናፊ ገብረእግዚኣብሄር ፣እቶም ሓገዝ ዝረከቡ ስድራ ስውኣት ኣብ ከቢድ ፀገም ዘለው ምዃኖም ዝተፀንዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ፀገም ኢና ዘለና ዝበላ ነቲ ሓገዝ ዝተቐበላ ስድራ ስውኣት ብወገነ፣ ዝተኣተወ ቃልን ዝተገበረ ሓገዝን ዘለወን ፀገም ዘቃልል ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ንስድራ ስውኣትን ጽጉማትን ክሕግዝ ፀዊዐን።

# ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር

ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ  ካብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህውሓት ዘይተሳተፈ" ውድብ ንምድሓን ብዝብል ሓሳብ  መድረኽ እናሳለጠ ይርከብ ። ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካ...
01/10/2024

ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህውሓት ዘይተሳተፈ" ውድብ ንምድሓን ብዝብል ሓሳብ መድረኽ እናሳለጠ ይርከብ ።

ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ማእኸላይ ኮሚቴን ካብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣመራርሓ ህውሓት ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ዘድሀበ ስሚናር የሳልጡ ኣሎ ።

እቲ ምይይጥ ውድብ ህውሓት ንምድሓንን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን መሰረት ዝገበረ እንትዀን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተወከልቲ ዞባታት ተረኺቦም እዮም።

"ጉባኤ ኣካይደ እየ ዝብል ሓይሊ ንኣባላቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብምእካብ ትግራይ ናይ ምብታን ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ፤ እዙይ ንህዝቢ ትግራይ ምስቲ ሕጂ ዘለቶ ተኣፋፊ ኩነታት ሓደግኡ ከቢድ ብሞዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዝሓፀረ እዋን መፍትሒ ክወሃቦ ኣለዎ" ኢሎም ።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተዋደዱን ዝተናበበን ስራሕቲ ከምዝስርሑ ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም። ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ዘጋጠመ ምግምማዕ ከም ነጥቢ መቐይሮ ብምግባር እቲ ዘተ ይሳለጥ ከምዘሎ ካብቲ ዋዕላ ምፍላጥ ተኻኢሉ ።

ቅድም ክብል ነቲ ጉባኤ ዘካየደ ኣመራርሓ ህውሓት 6 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንምክትል ኣቦመንበር እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ዓርሶም ካብቲ ጉባኤ ንዘግለሉ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ካብቲ ውድብ ኣባሪርና ኣለና ብምባል ነቲ ውድብ ወኪሎም ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክገብሩ ኣይኽእሉን ምባሉ ይዝከር ።

ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ብዘምጽእ መንገዲ ንኽኸዱ ካብ ተሳተፍቲ ጻውዒት ቐሪቡ እዩ ።

ርሑስ በዓል መስቀል ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሓፈሻ ።
27/09/2024

ርሑስ በዓል መስቀል ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሓፈሻ ።

Address


Website

https://www.youtube.com/@kazamedianetwork

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kaza media network posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share