𝗧𝗗𝗙 𝗠𝗘𝗗𝗜𝗔 ትዲኤፍ ሚድያ

  • Home
  • 𝗧𝗗𝗙 𝗠𝗘𝗗𝗜𝗔 ትዲኤፍ ሚድያ

𝗧𝗗𝗙 𝗠𝗘𝗗𝗜𝗔 ትዲኤፍ ሚድያ 𝑻𝑫𝑭 𝑴𝑬𝑫𝑰𝑨 ትዲኤፍ ሚድያ:
ምንጪ ፁፅይ ሓበሬታ!!

ጥሉል ጥዑም ዜና ምስዮት(የእዳው ቲ ንኡስ፥ ፍሽኽታ 'ታ ኣዶ❤)እቶም ቀዳማይ ዙር ተመለስቲ ተመዛበልቲ ሕዚ ኣማስዮም ምድረ ፀለምቲ መሬት ዓዶም ዝረገፁ  ተመዛቢሎም ዝነበሩ ከባቢ1584 ዝኣኽ...
29/06/2024

ጥሉል ጥዑም ዜና ምስዮት
(የእዳው ቲ ንኡስ፥ ፍሽኽታ 'ታ ኣዶ❤)
እቶም ቀዳማይ ዙር ተመለስቲ ተመዛበልቲ ሕዚ ኣማስዮም ምድረ ፀለምቲ መሬት ዓዶም ዝረገፁ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ከባቢ1584 ዝኣኽሉ ተወለድቲ ጣብያታት ማይ-ዓይኒ፣ ማይ ኣንበሳ፣ መድሃኒኣለምን ውህደትን እንትኾኑ ዛጊድ ኣብ ዝተፈቐደሎም ቦታ ዉሕስና ፀጥታ ተሓልይሎም ኣዕሪፎም ኣለው።

ፅባሕ ድማ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተመዛበልቲ ከም ዝምለሱ ተሓቢሩ ኣሎ።
ሰላም ጥዑም! ሰላም ቅሳነት! ሰላም ህይወት!
ባራኺ ወዲ ኣሌ !

29/06/2024
29/06/2024

ህዝቢ ፀለምትን ከባቢኡን እንኳዕ ናብዚ ኣብቀዐኩም። እቲ ቓልሲ ግን ቀፃሊ እዩ። ገና ህዝቢ ምዕራብ እውን ይተርፉና እዮም። ዘዝቐደመ ኣይኽፋእ።

ገና ሐዚ እውን ህዝብና ኣብ ገዝኡ ኣይኣተወን። ብሰላም ናብ መረበቱ ከም ዝኣቲ ድማ ትምኒተይ እዩ። እዘን ተዳልየን ዘለዋ መኻይን ንህዝብና ብሰላም መረበቱ ከም ዘእትወኦ ትምኒተይ እዩ። ዝነበርክምዎ ቃንዛ ኩሉ ንርድኦ ኢና።

እዚ ቪድዮ ሐዚ ዝተልኣኸለይ እዩ።

ብጠዓሚ ደስ ዝብል ጥሉል ሓበሬታ😍ተመዛባሊ ዓባይ ፀለምቲ ናብ መረበቱ ሒዘን ንክኸዳ ተዳልየን ዘለዋ ተሽከርከቲ መካይን ብኸምዚ ተር ኢለን ይፅበያ ኣለዋ። ተስፋታት ጠጢዑ ክልምልም እዩ። ህዝቢ...
29/06/2024

ብጠዓሚ ደስ ዝብል ጥሉል ሓበሬታ😍

ተመዛባሊ ዓባይ ፀለምቲ ናብ መረበቱ ሒዘን ንክኸዳ ተዳልየን ዘለዋ ተሽከርከቲ መካይን ብኸምዚ ተር ኢለን ይፅበያ ኣለዋ።

ተስፋታት ጠጢዑ ክልምልም እዩ። ህዝቢ ዓባይ ፀለምቲ ናብ መረበቱ ክመለስ እዩ። ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ክስዕብ እዩ።

ሰላም ንኹሉ ደላይ ሰላም ህዝቢ! @ባራኺ ወዲ ኣሌ

ሰነ 21 ታሪኻዊ ምዓልቲ💛❤ዘይሃስስ ታሪኽ ወሎዶይ ምእንተ ናፅነት ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ🔥
28/06/2024

ሰነ 21 ታሪኻዊ ምዓልቲ💛❤
ዘይሃስስ ታሪኽ ወሎዶይ ምእንተ ናፅነት ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ🔥

27/06/2024
ከይወገሐ ደስ ዝብል ዜና!🥰❤💛ዋዕሮታት ትግራይ 💪 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዓመታዊ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽክሌታ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ኩሉ ብምሓዝ ስዒረን። ፅገ ካሕሳይ  ቀዳመይቲ...
27/06/2024

ከይወገሐ ደስ ዝብል ዜና!🥰❤💛
ዋዕሮታት ትግራይ 💪
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዓመታዊ ሻምፒዮና ቅድድም ብሽክሌታ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ኩሉ ብምሓዝ ስዒረን። ፅገ ካሕሳይ ቀዳመይቲ፣ ቅሳነት ግርማይ ካልአይቲ፣ መብርሂት ተኽላይ ሳልሰይቲ ኮይነን ብምስዓር ወርቂ ፣ ብሩር፣ ንሓስ፣ ኩሉ ፀራሪገን ተሸሊመነኦ ኣለዋ። ትግረዋይነት ብሰዓራይነቱ ይቅፅል ኣሎ!!

ኣብ መወዳእታ
ከምዘን ዋዕሮታት እዚአን ኢና ብዓመፅትን ሸፋቱን ኣብ መገዛ ዓደን ብዘይ ውዓለኦ ንስእነን ዘለና። ፍትሒ ነዘን ዋዕሮታት ተጋሩ እሕዋትና!! ©Dawit Habeshawy

ብሩኽ ምዓልቲ

ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብ መዓሰከር ተመዛበልቲ  #ተነድባ ተዓቚቦም ዝርከቡ ወገናትና "ናብ መረበትና ምለሱና" ብዝብል ቴማ ስሙር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም። ድምፂ ህዝብና ይሰማዕ!
27/06/2024

ኣብ ሃገረ ሱዳን ኣብ መዓሰከር ተመዛበልቲ #ተነድባ ተዓቚቦም ዝርከቡ ወገናትና "ናብ መረበትና ምለሱና" ብዝብል ቴማ ስሙር ሰላማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም። ድምፂ ህዝብና ይሰማዕ!

ብኽንደይ ኣና'ባ ክንሓዝን💔😢◾ሎመዓንቲ ዕለት 19 ሰነ 2016 ዓ.ም ሰዓት 4:30 ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ፊት ወረዳ ቤ/ፍርዲ ሰሜን እዩ። ~ ~ ~ ~◾ሓንቲ ኣብ ቤ/ፍርዲ ናይ ፍ...
26/06/2024

ብኽንደይ ኣና'ባ ክንሓዝን💔😢
◾ሎመዓንቲ ዕለት 19 ሰነ 2016 ዓ.ም ሰዓት 4:30 ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ፊት ወረዳ ቤ/ፍርዲ ሰሜን እዩ።
~ ~ ~ ~
◾ሓንቲ ኣብ ቤ/ፍርዲ ናይ ፍትሕ ጉዳይ ዝነበራ ጓል ኣንስተይቲ ጉዳያ ወዲኣ ካብቲ ቤ/ፍርዲ ወፅያ ትኸይድ ነበረት። እቲ መኻትዕታ (ነበር በዓል ገዝኣ) ሃንደበት ብድሕሪታ ብሞተር ሳይክል መፅዩ ሓፍ ኣቢሉ ብምግጫው ንሜትሮታት ዝኣክል ወሲዱ ደርብይዋ።
~ ~ ~ ~
◾ዘይሞተት ምዃና ምስ ኣረጋገፀ ደንጎላ ኣልዒሉ ብውድቕታ ርእሳ ጨፈቕ ኣቢሉዋ። ሽዑ'ውን ዘይሞተት ምዃና ምስፈለጠ መሊሱ ብደንጎላ ክወቕዓ ክጭፍልቓ ክብል ሓደ፣ "ጓል እንስተይቲ እንዳተቐተለት ሱቕ'ለ ኣይርእይን" ዝበለ ኣብ ልዕሊ ዓማፂ መጠነኛ ስጉምቲ ወሲዱ ካብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣድሒኑዋ።
~ ~ ~ ~
◾ተጠርጣሪ ተታሒዙ እዩ።ግዳይ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣብ ሕክምና ትርከብ፣ ቀፃሊ ኩነታታ እንታይ ይኸውን ኣይፍለጥን።
~ ~ ~ ~
[እዚ ሓበሬታ ዝረኸብኩዎ ምስኣ ካብ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር እዩ]
~ ~ ~ ~
◾እቲ ቃልሲ ኣብ መንጎ ደለይቲ ስርዓትን ደለይቲ ስርዓት ኣልቦነትን ኮይኑ ካብ እንግምቶ ንላዕሊ ከቢድ እዩ። ቀትሪ መዓልቲ፣ ኣብ ዓብዪ ከተማ፣ ሰብ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ከምዚ ዝበለ ዓመፅ ምፍፃም ዋላ ሓደ ዝሕዘንን ዝሓተንን የለን ዝብል ስምዒት ዝወለዶ ምዃኑ ምግማት ይከኣል።

👉ድሕንነትን ፍትሕን ንደቂ ኣንስትዮ!

👉ድሕንነትን ፍትሕን ንኹልና!
[ ዓወት ልጃለም]

ዳስ ተመዛበልቲ 70 ካሬ (መቐለ) ሕጂ💔😢ስእሊ   Gebre!
26/06/2024

ዳስ ተመዛበልቲ 70 ካሬ (መቐለ) ሕጂ💔😢

ስእሊ Gebre!

ሕጊ ሞይቱ፥ሰብ ቀቲሉ(ሎሚ ዝተፈፀመ ቅትለት)ሎሚ ዕለት ከባቢ 11:00 ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ እንዳባጉና ፍሉይ ቦታ ኣብ ኣደባባይ ፅርግያ ከባቢ ጉሎባል ሆቴል ቅትለት ተፈፂሙ። እዚ ቅትለት ፈ...
25/06/2024

ሕጊ ሞይቱ፥ሰብ ቀቲሉ
(ሎሚ ዝተፈፀመ ቅትለት)

ሎሚ ዕለት ከባቢ 11:00 ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ እንዳባጉና ፍሉይ ቦታ ኣብ ኣደባባይ ፅርግያ ከባቢ ጉሎባል ሆቴል ቅትለት ተፈፂሙ። እዚ ቅትለት ፈፃሚን ተፈፃሚን ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።
ቀታሊ ተጋ. መ/ር በየነ ገ/ማርያም ዝተብሃለ እንትኸውን መዋቲ ድማ ተጋ. ኣግደው ተስፋዓይኑ ይበሃል። እዚ ቅትለት ከምዚ ዩ ነይሩ። እዞም ኣካላት ነባርነቶም ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ጫጨረ ቁሸት ጠርሰገ እዮም። ቤተሰብ ከም ዝኾኑ 'ውን ይንገር። ኣግደው ብ2013ዓ.ም ድሕሪ ኩነታት ምፍጣር ዕጡቕ ሚልሻ እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ናይ መ/ር በየነ ዓብዪሓው 'ውን ዕጡቕ ሓው ነይሩ። ክልቲኦም ትኽትንፋስ የዕሩኽ እዮም። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ መስተ ሓቢሮም ክሰትዩ የምስዩ። ተጋ.ኣግደው ምስ ዓብዪ ሓው ንመ/ር በየነ ኣብዚ ምሸት መስተ ዝወለዶ ግዚያዊ ጎንፂ ይፈጥሩ። ኣግደው ብረት መዚዙ ንቕፅበት ብኣድራጋ ጠያይቲ ገይሩ ይቐትሎ። ዘመድ ቤተሰብ ሓዚኖም።

ኣብዚ ኩነታት ቀጥታ ኣግደው ናብ ሰራዊት ትግራይ ተፀንቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግእ ተሳቲፉ። ብዙሕ ግዘ 'ውን ቆሲሉ። 2014ዓ.ም ኣግደው ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይውዕል። ካብ ሰራዊት ትግራይ ተመዚዙ ናብ ፍርዲ ይቐርብ። ሕጊ ኩሉ ኩነታት ርእዩ 20ዓመት ፎርዲ ፈሪድሉ። እቲ ኩነታት ንሳልሳይ ግዘ እናሓመቐ ከይዱ። ኣብ እሱር ቤት እናሃለወ 2015ዓ.ም ጥቅምቲ ተኣሲሮምሉ ካብ ዝነበሩ ብዝተፈላለዩ ስንፍናን ናይ ፀላኢ ምድፍፋእ ዝነበረ ብግንባር ዓደርቃይ እዞም ፍርደኛታት ተበታቲኖም። ኣግደው ፈቖድኡ እናተሓብአ ነዊሕ ፀኒሑ። 2016ዓ.ም ዳግም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ቅድሚ ዝተወሰነ ወርሒ ካብ እሱር ብነፃ ተለቒቑ።

ብግፍዒ ሰብ ዝቐተለ፣ ናይ 20ዓመት ፍርደኛ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ካብ እሱር ተፈቲሑ። ሰብ ሞያ ሕጊ ወረዳ "ላዕላይ ፀለምቲ" ናይዚ ምኽንያት መፍትሒኡ መብርሂ ይሃብሉ? ቦሕጊ ዝሕተት በዓል ሞያ ሕጊ 'ውን ይተሓተት።

ድሕሪ 'ዚ ተጋ. መ/ር በየነ ኣብ ማእኸል ክፍሊ ተዓሊም ዘሎ ኮይኑ ግዘን ቦታን ኣፀናትዩ ሕነ(ደምነት) በዚ ዕለት ኣጋምሸት ኣብ ማእኸል ከተማ እንዳባጉና ብኻራ ብዘስካሕክሕ ከብዱ ወጊኡ ንቕፅበት ቀቲልዎ። ሽዑ ንሽዑ ሃዲሙ ከምልጥ ኳ እንተፈተነ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ ሰራዊትን ስቪላትን ተጓይዮም ኢድ ብኢድ ሒዞሞ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ 'ውን ውዒሉ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳይ ሰብ ሞያ ሕጊ ወረዳ "ላዕላይ ፀለምቲ” ዝኾንኩም ናይ ሕሉፍ ጌጋ ዝፈፀመን እዚ ሎሚ ቅትለት ዝፈፀመን ግቡእን ሚዛናዊን ፍርዲ ኽወሃቦ ይግባእ።

ተጋ. ኣግደው ተስፋዓይኑ ሎሚ ናይ ሕክምና ምርመራ ድሕሪ ምክያዱ ምሸት 2:30ኣብ ቤተ-ክርሰትያን እንዳማርያም ከተማ እንዳባጉና ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈፂሙ ኣሎ።
ሕጂ 'ውን ህዝቢ ፍትሒ ይፅውዕ ኣሎ።
ፅንዓት ንመላእ ስድራቤት!
ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርስ!
© በራኺ ወዲ ኣሌ!

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ!  ትበሃል ብዕለት 23/11/2015 ዓ.ግ ካብ  #ዓድዋ ናብ ገዝኣ  #ይሓ እናኸደት ኣብ  #ገንደብታ ዝበሃል ቦታ ሒዞም  #ሽተነ ናብ ዝበሃል ሩባ ወሲዶም ኣብ...
25/06/2024

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ!

ትበሃል ብዕለት 23/11/2015 ዓ.ግ ካብ #ዓድዋ ናብ ገዝኣ #ይሓ እናኸደት ኣብ #ገንደብታ ዝበሃል ቦታ ሒዞም #ሽተነ ናብ ዝበሃል ሩባ ወሲዶም ኣብ ብዙሕ ቦታ ብበሊሕ ወጊኦም ቀቲሎም ጥራሕ ዝባና ብ 3 ኣንፈት ውሕጅ ዝመፆ ቦታ ደርብዮማ; ኣብ 3ይ መዓልቲ (25/11/2015) ቀትሪ ሰዓት 7 ብፖላዊስ ዓድዋ ተረኺባ ቀጥታ #ዓይደር ከይዳ ተጠርጠርቲ'ውን ኣብ ኢድ ቁፅፅር ውዒሎም ካብ #ጋምቤላ'ውን ተይቀረየ ተታሒዞም መፂኦም; ይኹን እምበር ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ፖሊስጣብያ ሓዲሮም ክሳብ ሕዚ ዝተበሃልዎ ነገር የለን; ቆፀሮ(3) እዩኒሀ ክሳብ ሕዚ ፍትሒ ኣይረኸበትን።
❗️
❗️
😭

ብኸምዚ ነቒሎም ይወስድዎ ኣለው...!!***&***✍️ወዲ ሓዞ ከም ማሕበረሰብ ንነቅዝ ዘለና መሲሉ ይሰመዐኒ ኣሎ። ✍️እዚ ልኢኸልካ ዘለኹ ስእሊ ናብ ዳያስፖራ ኣብ ዝወስድ ከባቢ ኣዋሽ ካምፕ ...
25/06/2024

ብኸምዚ ነቒሎም ይወስድዎ ኣለው...!!
***&***
✍️ወዲ ሓዞ ከም ማሕበረሰብ ንነቅዝ ዘለና መሲሉ ይሰመዐኒ ኣሎ።

✍️እዚ ልኢኸልካ ዘለኹ ስእሊ ናብ ዳያስፖራ ኣብ ዝወስድ ከባቢ ኣዋሽ ካምፕ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተተኸለ ናይ መብራህቲ ፖል ብኸምዚ ነቒሎም ይወስድዎ ኣለው።

✍️ልምዓት ኣለርጂ ዝኾኖ ማሕበረሰብ ከይንፈጥር ይፈርሕ ኣለኹ።
(ወዲ ኣብርሃ)

ሓድሽ ሜላ ስርቂ ኣብ ከተማ መቐለ❗ ባጃጅ ከተማ መቐለ ኣብ ዘረፋ ተሰማርየን ኣለዋ።ነበርቲ  ባጃጅ ክትሳፈሩ ከለኹም ጥንቃቐ ግበሩ።።ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ብድፍረት ናብ ባጃጅ ምስኣተዋ ቦርሰ...
23/06/2024

ሓድሽ ሜላ ስርቂ ኣብ ከተማ መቐለ❗

ባጃጅ ከተማ መቐለ ኣብ ዘረፋ ተሰማርየን ኣለዋ።ነበርቲ ባጃጅ ክትሳፈሩ ከለኹም ጥንቃቐ ግበሩ።።ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ብድፍረት ናብ ባጃጅ ምስኣተዋ ቦርሰአን ይምንጥልወን።እቲ ኣብ ባጃጅ ዝግበር ዘሎ ዘረፋ ቐትሪ እዩ ዝፍፀም ዘሎ።

ሜላ ኣሰራርቐኦም ድማ:-ኽልተ ወይ ሓደ ብድሕሪት ኮፍ ይብሉ።በሪ ዕፀወልና ወይ ድማ ጎሚኖ ኣዐርየልና ይብሉካ።ንሱ ክተዐሪ ዘወር ትብል ተለካ ብድፍረት ቦርሳ ወይ ሞባይል ይምንጥሉካ።ድሕሪኡ ደፊኦም ይድብርዩካሞ ይኸዱ።

መፍትሒ:-ትፈልጦ ባጃጅ ምስፋር።ታክሲ ጥራሕ ምጥቃም።ናብ ባጃጅ ክትድይብ ከለኻ ታርጋ ምሓዝ።ምስ ካልኣይ ትፈልጦ ሰብ ምስፋር።

ኣብ ሓደጋ ኣለና።ኣብዚ ሰሙን ጉዳይ ዘረፋ ብባጃጅ በዚሑ ብዙሕ ነባራይ ከተማ መቐለ ተዘሪፋ ኣሎ።ብፍላይ ደቂኣንስትዮ ልዑል ጥንቃቐ ግበራ።
via- Yonatan Gezachaw

 #ሐዚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ!---- ኣብ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ  ምዕራብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።
23/06/2024

#ሐዚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ!
----
ኣብ ከተማ ሸረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

ሰነ 15 መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ቅሰኑ ስውኣትና ከም ሽምዓ ነዲድኩም ብርሃን ዝኾንኩምና !ደምኩም እዩ ቃልኪዳና!ስጋኩም ስጋ ብፆት እዩ ማሓላና!ዘላለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና ይ...
22/06/2024

ሰነ 15 መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ
ቅሰኑ ስውኣትና ከም ሽምዓ ነዲድኩም ብርሃን ዝኾንኩምና !
ደምኩም እዩ ቃልኪዳና!
ስጋኩም ስጋ ብፆት እዩ ማሓላና!
ዘላለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና ይኹን ትግራይና ብጀጋኑ ደቃ ደሚቓተን ተኸቢራን ክትነብር እያ!!🔥✊
Kifi Mak

"...እቲ በዓል ባጃጅ እንዳ ማህሌት መደብር ወርቂ ከምዘለዎምን ሃፋትም ስድራ ከምዝኾኑን ስለዝኣመነ ሕሓሊፉ ንማህሌት ካብ ቤት ት/ቲ ናብ ገዛኣ ካብገዛኣ 'ውን ናብ ቤት ት/ቲ ብናይባዕሉ ባ...
20/06/2024

"...እቲ በዓል ባጃጅ እንዳ ማህሌት መደብር ወርቂ ከምዘለዎምን ሃፋትም ስድራ ከምዝኾኑን ስለዝኣመነ ሕሓሊፉ ንማህሌት ካብ ቤት ት/ቲ ናብ ገዛኣ ካብገዛኣ 'ውን ናብ ቤት ት/ቲ ብናይባዕሉ ባጃጅ የመላልሳ ነይሩ።

ድሕሪ ግዘ ግና ንሱን መጋብርቲ እከዩ ዝኾነ መሓዝኡን ክፉእ ሓሲቦም ንተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ብምጭዋይ ካብ ወለዳ ገንዘብ ንክቕበሉ ሃቂኖም ናብ ግብሪ ተንቀሳቐሱ።
መጀመርታ ቀትሪ ምድሪ ካብ ቤት ት/ቲ ብናይ ባዕሎም ባጃጅ ጨወዩዋ።
በዓል ባጃጅን ዓርኩን ንማህሌት ጨውዮም ናብ ባጃጅ ምስኣእተዉዋ ብፍጥነት ናብ መውጽኢ ማርያም ሸዊቶ ወሰዱዋ። ማህሌት ናበይ ትወስዱኒ ኣለኹም ኢላ ኣውያት ክተስምዕ ምስጀመረት ድምጺ ንከይስማዕ ብምሕሳብ ናይታ ባጃጅ ድምጺ ዓው ኣቢሎምን ኣፍ ማህሌት ሓቲሞምን ሰብ ናብ ዘይበዝሐሉ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ መሊሶም ብናህሪ ወሰዱዋ።

እዚ ጸጥ ረጭ ዝበለን ብዙሕ ሰብ ዘይረኣየሉን በሪኽ ከባቢ ናይ በዓል ባጃጅ እንዳቦ ሓጎኡ ገዛ ዘለዎ ኮይኑ ንተመሳሳሊ ገበን ዝጥቀመሉ እዩ።
ማህሌት ድምጺ እናስመዐትን እናተቓለሰቶምን ምስሓየለቶም ምስይስይ ምስበለ ብመእሰሪ ጫማኣ ሓኒቆም ህይወታ ክሓልፍ ገበሩዎ። 😭

ሙሉእ ለይቲ ጉድጓድ ቁፍር ሓዲሮም ድማ ብጽባሒታኡ ኣጋ ወጋሕታ ቀቢሮማ..."😭

ጫፍ ጭካነ እዩ ብሓቂ!
እዚ ሐዚ ረሺንካ ኣብታ ብገመድ ጫምኣ ሓኒቖም ቀቲሎም ዝቐበሩላ ቦታ ምቕባሩ።
ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ‼️
ፍትሒ እወ ፍትሒ‼️
ይኾኖ ❌

ምንጪ ሓበሬታ ©Tãké Gällåñt Glámørøus !💔😭

ተጋዳላይ ቸንቶ ትግራይ😥ለሞዓንቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ እንዳ ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን ጥቓ @2 ኣኣ22636 ዝዓይነታ ንእሽተይ መኪና ተኸታቲሎም ልዕሊ 4 ሰባት ኮይኖም ንሓደ በዓል ሞተር ኣር...
19/06/2024

ተጋዳላይ ቸንቶ ትግራይ😥

ለሞዓንቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ እንዳ ኪዳነ ምህረት ቤተክርስትያን ጥቓ @2 ኣኣ22636 ዝዓይነታ ንእሽተይ መኪና ተኸታቲሎም ልዕሊ 4 ሰባት ኮይኖም ንሓደ በዓል ሞተር ኣርኪቦም ክቐትሉ ብጥርሙዝን ዓበይቲ እምንን ርእሱ ብምውቃዕ ከቢድ ሓደጋ ኣብፂሖምሉ ሞኪሮም በዓል ሞተር ሕክምና ኣትዩ ኣሎ።
ውዳበ ዘይብሉን ስጉምቲ ዘይወስድን መንግስቲ ወንጀለኛታትን ለያቡን እዮም ዘሽኮርትትዎ።እታ ተሽከርካሪትን ናይቲ ተበዳሊ ሞተርን ኣብ ትሕቲ ፀፅታ ኣትየን ኣለዋ።

Desta.

ምስ ወለዱ ንምርኻብ ተሓባበርዎ ዳንኤል ሃይላይ ይበሃል ካብ ሽረ ናብ እንዳባጉና ብሞተር ሒዘምዎ ምስ መጱ  ገዲፈምዎ ከይዶም ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ድማ ሒዞም ናብ ፖሊስ ኣረኪቦሞ ኣለው።  ሕጂ ...
19/06/2024

ምስ ወለዱ ንምርኻብ ተሓባበርዎ ዳንኤል ሃይላይ ይበሃል ካብ ሽረ ናብ እንዳባጉና ብሞተር ሒዘምዎ ምስ መጱ ገዲፈምዎ ከይዶም ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ድማ ሒዞም ናብ ፖሊስ ኣረኪቦሞ ኣለው።

ሕጂ ኣብ ፖሊስ ከተማ እ/ጉና ይርከብ::

media

19/06/2024

#ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ሓፍትና ማህሌት ሕዚ ሰዓት 8:30 ኣብ እንዳ መድሃኒኣለም ቤተክርስትያን ዓድዋ ይካየድ ኣሎ💔😭

"እዛ ትሪአ ዘለኻ ሙሉእ ሽማ ኣዳነሽ ኣብርሃ ወልደማርያም ትበሃል። ነባርነታ ኣብ ከተማ  #ዓዲግራት ቀበሌ 03 እንትትከዉን በዓልቲ ዋና   እያ። ንኣዋርሕ ጠፊኣትና ድሕሪ ምፅናሕ ቅድሚ 4 ...
19/06/2024

"እዛ ትሪአ ዘለኻ ሙሉእ ሽማ ኣዳነሽ ኣብርሃ ወልደማርያም ትበሃል። ነባርነታ ኣብ ከተማ #ዓዲግራት ቀበሌ 03 እንትትከዉን በዓልቲ ዋና እያ። ንኣዋርሕ ጠፊኣትና ድሕሪ ምፅናሕ ቅድሚ 4 መዓልቲ ሞይታ ኣርዲኦምና።
#ፍትሒ
Nile Woldegiorgies Teklay

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ.... ፍትሒ ፍትሒ....።ካብዚ ንላዕሊ ልቢ ዝሰብር መርድእ የለን። እዛ ንእስቲ ክሳብ ሂወታ ዝሓልፍ ዘሕለፈቶም ከበድቲ መዓልትታት ምግማት ኣይኸብድን።ፅንዓት ይ...
19/06/2024

ፍትሒ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ.... ፍትሒ ፍትሒ....።
ካብዚ ንላዕሊ ልቢ ዝሰብር መርድእ የለን።
እዛ ንእስቲ ክሳብ ሂወታ ዝሓልፍ ዘሕለፈቶም ከበድቲ መዓልትታት ምግማት ኣይኸብድን።
ፅንዓት ይሃበና...ምልምል ጓሎም ክፅበዩ ዝቐነዩ ወለዲ መርድእ ሞታ ተነጊርዎም እነሆ ዳስ ሓዘና ተተኺሉ።😪

ብጠዓሚ እዩ ዝሕዝን💔😥 Meseret Hadush

18/06/2024

❤12 💛 ሊቀ መልኣክት ቅድስ ሚካኤል ኣቦና በቢዘለናዮ ካብ ኩፍእ ነገራት ይሓልወና... Amen🙏
ህዝብናን ዓድናን ሰላም ይግበረልና!🥰💚

ዓሚ ከምዚ ሎሚ....🔥ወፍሪ ኣሉላ 11 ሰነ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11 ተጀሚሩ እቲ ናይ ፈላማይ ዝተደምሰሰ ሓይሊ ፀላኢ ከዓ 11ኛ ክ/ጦር ነይሩ። TDF'Y ሓባሲ ንብዓት ህዝቡ🔥🔥
18/06/2024

ዓሚ ከምዚ ሎሚ....🔥

ወፍሪ ኣሉላ 11 ሰነ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11 ተጀሚሩ እቲ ናይ ፈላማይ ዝተደምሰሰ ሓይሊ ፀላኢ ከዓ 11ኛ ክ/ጦር ነይሩ። TDF'Y ሓባሲ ንብዓት ህዝቡ🔥🔥

21/07/2023

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when 𝗧𝗗𝗙 𝗠𝗘𝗗𝗜𝗔 ትዲኤፍ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share