Yohannes Fourth

  • Home
  • Yohannes Fourth

Yohannes Fourth Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Yohannes Fourth, Digital creator, .

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣበይ ኣሎ???============================ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ህወሓትን ካልኦት ኣካላትን ዘሳተፈ ካቢኔ ምጥ...
29/04/2023

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣበይ ኣሎ???
============================

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ህወሓትን ካልኦት ኣካላትን ዘሳተፈ ካቢኔ ምጥያሹ ይዝከር። እዚ ካቢኔ ህወሓት ዝዓብለሎ ዋላ'ኳ እንተኾነ ከምኒ ፃድቃን ዝበሉ ህወሓት ዓይኖም ክትሪኦም ዘይትደሊ ነባራት ጀጋኑ ትግራይና ዘካተተ ምዃኑን እቲ ብኒ ጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ዝተሓሰበ ወራሲ ኣልጋ ዶ/ር ፍሰሃፅዮን ቀርዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕረዝዳንት ምዃን ተስፋ ዝሃበ ታሪኻዊ ተጓንፎ እዩ ነይሩ።

እቲ ዋና ሕቶ እዚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መዓዝ እዩ ካብ ቅበላ ኣጋይሽን ናይ ኣጋፋርትን ስራሕ ወፂኡ ናብ ጭቡጥ መንግስታዊ ስራሕቱ ዝኣቱ? እቲ በቢደረጅኡ ዘሎ ንህዝቢ ሰንሰን ዘበለ ናይ ኣለምን መንጀሪኖን ኔትዎርክ ካድረ በጣጢሱ ፍትሓዊን ብቕዓት ዘለዎን መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ትግራይ ዝተክል? ግዝያዊ ምምሕዳርና ካብ ብተሸከምቲ ሻንጣን ጎተቲ ጃኼትን ነፃ ወፂኡ ኣብ ስሩዕ ህዝባዊ ስራሕቲ ብምሉእ ዓቕሙ ሓይሊ ሰቡ ወዲቡ መዓዝ እዩ ስራሕቱ ዝጅምር? ግዝያዊ ምምሕዳርና፡ ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንምንጋፍ ክስርሑ ዝግብኦም ዓበይቲ ናይ ዳግመ ሕውየት ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ብንፁር ትልሚ ሓንፂፁ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ገይሩ ስራሕቱ መዓዝ እዩ ዝጅምር? ዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ጉዳያትን ቶሎ እንተዘይመሊሱ ትግራይ ናብ ዳግመ ሕውየት ክመርሕን ካብዚ ፀበባ ከውፅእን ክፅገም እዩ። ምናልባት እውን ናብ ዝኸፍአ ከእትዋ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለ።

እዚ ፈተና ኣዝዩ ዘኽብዶ ድማ ዝተውሃቦ ስልጣን ብኒ ኣለምን መንጀሪኖን ተመንዚዑ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓልኩ ኣብ ግርድናን ሕሽክርናን ውህሉል ዓቕሚ ዘለዎም ካድረታት ኣብ በቢ ደረጅኡ ዘሎ መንግስታዊ መሪሕነት ብጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ይምደቡ ኣለው። ከም መርኣያ ካብ ኩለን ዞባታት መዚዘ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልትታት ዝተገበሩ ምደባታት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከም ዝስዕብ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።

1. ዞባ ህወሓት ውዳበን ኣማኻሪት ከንቲባን፦ ኤልሳ ተስፋይ ኣማሓዳሪት ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝነበረት፣
2. ፅላልሙዝ (ንተወልደ ገ/ፃድቃን ጓል ሓፍቱ) ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዞባ ሱፐርቪዥን ህወሓት፣
3. ሰለሞን ትኩእ ኣብ ቀዳማይ ወያነ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣብ ዞባ መቐለ ምክትል ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎትን ሓላፊ እቶትን ከተማ መቐለ፣
2. ኣመሓደርቲ ክፍለ ከተማታት ድማ፥
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ሓወልቲ ሓወልቲ - ሃለቃ ኤልያስ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ከ/ዓይደር ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ድማ ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፕሮፖጋንዳ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ኲሓ - ሃፍቶም ቅድሚ ኲናት ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ድማ ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ፕሮፖጋንዳ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ሓድነት - ሓለፎም ኣብ ክ/ከተማ ኲሓ ኣማሓዳሪ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ዓዲሓቂ - ረደሀኝ ፍስሃ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ኲሓ ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ክ/ከተማ ዓዲሓቂ ኣማሓዳሪ ዝነበረ፣
❌ ቅድሚ ኲናት ክኢላ ሱፐርቪዥን ዞባ ዝነበረ፣ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ዓይደር ዝኾነ ሰለሞን ክኢላ ሱፐርቪዥን ህወሓት፤
❌ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ዝነበረ፣ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ሓድነት ዝኾነ ሃይላይ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ መቐለ ሱፐርቪዥን ክኢላ ገይሮም መዲቦሙዎም ኣለዉ።
👉❌ ኣማሓደርቲ ክ/ከተማታት ቀዳማይ ወያነ፣ ዓይደርን ሰሜንን ኻዓ ሽሞም ገና ዘይተፈለጡ ካብ ካልእ ከባቢ ኣምፂኦም መዲቦም ከምዘለዉ ተረጋጊፁ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ሳሪሃማሪሃ ዝሰርሑ ዘለዉ ግን ሕዚ እውን ምፍላጦምን ምቅልዖምን ሕማቕ ከይመስለኩም። ለውጢ ክሰምዑ ከለዉ ንዓቐብ ዘብሎምን ዘንገሽግሾምን እቶም ዘወርቲ ናይቲ ኔትዎርክ ኣለምን መንጆሪኖን ኮይኖም ናይዚኦም ተልእኾ እናተቐበለ ዘፈፅም ዘሎ ቅድሚ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ኣዲስ ኣበባ ህወሓት/ኢህወዴግ ሓላፊ ዝነበረ ተወልደ ገ/ፃድቃን ዝብሃል ሕዚ ኣብ ክልል ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓላፊ ውዳበ ዘሎ ጉልሓይ ፍጥረት እዩ።

ስለዚ ባዕሉ መሓውሩ ከመዓራሪ ዘይከኣለ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብቲ ዝነበረ ህወሓት ከም ድላዩ ዝገብሮ መንግስቲ ዘይተላቐቐ ለውጢ ምፅባይ ዕብዳን እዩ። ሐዚ እውን ውድብን መንግስትን ካብ ኣብ ሚድያ ምዝራብ ዝዘለለ ብተግባር የተፈለዩን። ኣብ ትግራይ ብፅገናዊ ለውጢ ዝመፅእ ዕብየት ኮነ ዳግመ ህንፀት የለን። መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገፅ እንተኾይኑ መንግስቲ ዓርሱ ክኢሉ ስርሑ ይስራሕ። ውድብ ካብ መንግስታዊ ስራሕቲ ኢዱ የልዕል። መንግስትን ፓርትን ይፈለ። ግዝያዊ ምምሕዳር እዚኣ ኣብ ዝሓፀረ ብተግባር እንተዘይተግቢሩ ሃለዋቱ ኣይረጋገፅን ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን ኣይሕሰብን። ብፍፁም!

"ትርጉም ወጅራት"💚ትርጉም ወጅራት  ዋላኳ ዝተፈላለየ እንተኾነ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል:-1- የዋጃእራት :-እዚ ማለት ካብ ኸባቢዋጃ ናብኣርሆ እንትኸዱን እንትምለሱን ዝዓርፉሉ ቦታ ብምንባ...
17/04/2023

"ትርጉም ወጅራት"💚

ትርጉም ወጅራት ዋላኳ ዝተፈላለየ እንተኾነ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል:-
1- የዋጃእራት :-እዚ ማለት ካብ ኸባቢዋጃ ናብኣርሆ እንትኸዱን እንትምለሱን ዝዓርፉሉ ቦታ ብምንባሩ ናይዋጃሰባት እራት(ድራር) ዝበልዕሉ ካብ ዝብል ዝተወሰደ ምዃኑ ዝገልፁ ኣለው
2-ወይጅረት:- ወጀራትን ኸባቢኡን ብዙሓት ወሓዝቲ ሩባታት ዝውንን እቶም ካብ ቃጃን ኸባቢኡን ዝመፁ ኣርሆቶት ዋ-ጅረት የበዛበት እናበሉ ናእደኦም ይገልፁ ከም ልነበሩ በዚ ኣቢሉ ወጀራት ተባሒሉ ዝብሉ ኣለው
3-ካብ ዋቅ-ጅራ ዝብል ናይ ኦሮም ቃል ዝመፀ እዮውን ዝብሉን ዝሕብሩን ኣለው( ኣብ መንጎ ራያ ዓዘቦን ወጀራት ትርከብ (ራካታ ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ኦሮሞን ወጀራትን ውግእ ተኻይዱ ጀጋኑ ወጀራት ንተሰፋሕፋሒ ሓይሊ ኦሮሞ ሰዒሩዎ ። ነዛ ሲዒቡ እቶም ናይ ኦሮሞ ሓይሊታት ድሕሪ ከረን ራካታ ሓያል ህዝቢ ኣሎ ዋጅራ(ሓያል) ኢሎም ፀዊዖሞ ። ይብሉ
*ካብዞም ዝተጠቅስኹም 3 ዓይነታት ስም ወፃኢ ከም ዝተሰየመ ውን ዝሕብሩ ኣለው። ተወሳኺ ሓሳብ ተልዮ ኣብ comment 🙏 ዋጅራት ዓዲ ጀጋኑ *ቦኽሪ ራያ *

17/04/2023

ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ምፍታሕ እሱራት ተጋሩ ኣካል ለውጢ ምሕደራ ትግራይ
=================================

ኣብ ትግራይ ዝተኣሰሩ ተጋሩ እንትንርኢ የዐርዩ መሰከፊ ቁፅሪ እዩ። ምናልባት ሕጊ ምኽባር ግድን ስለ ዝኾነ እዩ እኾ ገለታት ገለታት ዝብል ብዙሕ የዋህ ከም ዘሎ እግምት። እቲ ሓቂ ግና እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝኣስር ዝነበረ ሓይሊ ተሰባሲቡ መቐለ ስለ ዝመፀ ወልፊ መኽተቲ ተጋሩ ኣብ መላእ ትግራይ ብግፍዒ ተዳጉኖም ይርከቡ። እቲ ዘሕዝን ናይ ምእሳርን ምስዳድን ልምዲ ዘለዎም እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝለመድዎ ብሰፊሑ ኣብ ትግራይ ቀፂሎምሉ ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ በደሉን ፀገሙን ፍትሒ ኣስኢኖም ሕሉፍ ክልተ ዓመታት ሓሊፍዎ እዩ።

ብዕለት 7/8/2013 ዓ/ም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እሱራት ንምፍታሕ ዝወሰኖ ሓላፍት ዝተመልኦ ውሳነ ብጣዕሚ ዝነኣድ እዩ። እዚ ነቲ ናይኒ ኣለምን መንጀሪኖንን ተለኣእኽቶምን ዝነበረ ናይ ምእሳርን ምስዳድን ኣተሓሳስባ ዝሰበረ እዩ። ዓብይ ናይ ኣተአሓሳስባን ተግባርን ለውጢ እዩ። እዚ ጅማሮ ክነኣድን ተጠናኺሩ ክቅፅልን ዝግበኦ ንፍትሒ ጭላጭል ዘርአየ ለውጢ እዩ።

እንተኾነ ግና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብተግባር ክከታተሎ ዘለዎ ኣፍቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ትግራይ ብረሃነ ወዲ ኣንብሉ ዝበሃል መፈፀሚ ልኡኽ መንጀሪኖን ኣለምን ነቲ ናይ ካቢኔ ውሳኔ ተፃሪሩ ብዝተውሃቦ ትእዛዝ ኣይፍፅምን ኣይፈትሕን ኢሉ ኣሎ። ብጭቡጥ እኒ ተጋ. ዶ/ር ገብረመድህን ኪሮስ፣ ተጋ. የማነ ግርማይ፣ ኮማንደር ተስፋይ ገብረማርያም፣ ተጋ. ኣማኑኤል ሓዱሽ፣ ተጋ ቐሺ ተካ ከምቲ እኒ መንጀሪኖ ዝበልዎን ዘይጥፍኣቶም ጥፍኣት ኣሸኪሞም ቅድሚ ፍርዲ ኣብ በቢ ቀበሊኡ ብልምዓት ጉጅለ ፀለሎ ዝኸደንዎም እንተይኮኑስ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ብሉፃት ሰብ ፍሉይ ስርሒት ተጋደልቲ እዮም። ኣብ ፃንሒት በረኻ ጥራሕ እዃ ተወሲድና ካብ ኣርባዕተ ኣርሚ ናይ ሓንቲ ኣርሚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ምሉእ ራሽን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ኣተሓባቢሮም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሂወት ክሰርዕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም። ዝርዝር ስራሕቶም ብቐፃሊ ክወፅእ እዩ። ፈፀምቲ ስራሕኹም ስርሑን ስለ ዝበሉ ጥራሕ ኣብ እሱር ዝሳቐዩ ዘለው ንፁሃት ተጋደልቲ እዮም።

ሐዚ እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ትግራይ ዘውፀኦ መምርሒ ወላ ዝምልከቶም እንተኾነ ናይ ብርሃነ ወደምብሉን ለኣኽቱን ድሌት ሰለ ዘይኮነ ክፍትሑ ዓመት በዓል ከብዕሉን ልዕሊ ሸሞንተ ወርሒ ዝፅበዮም ዝነበረ ቤተሰብ ሐዚ እውን ኣብ ብኽያት ይርከብ።

ከምዚኦም ዝበሉ ፀረ ለውጢ ክእለዩ ይግባእ። ትግራይ ኩሉ ብማዕረ ዝነብረላ ክትኮን ክንቃለስ ይግባእ። ህዝብና ብደንቢ እዞም ጉልሓያት ካብ መሓውር መንግስቲ እስካብ ዝእለዩ ብንቅሓት ክቃለስ ይግባእ። ብጥንኩር ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝመፀ ግዝያዊ ምምሕዳር ንውሳነታቱ ከይ ወዓለ ከይ ሓደረ ከፈፅም ይግባእ። እዙይ እንተዘይገይሩ ግና ጣጥኡ ብዙሕ እዩ ንሓድነትና እውን ሓደጋ እዩ። Free political prisoners in Tigrai!

ሻሎም!
ባህኣበሎም ገብራይ

10/04/2023

መለክዒ መራሕቲ ህወሓት ቃልሲ ዶ ወይስ ምሕሽካር?
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ብባህኣበሎም ገብራይ

ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ደም ደቁ ለውሱ ጠፍጢፎ ዝፈጠሮ ውድብ እዩ። ህወሓት ብሕማቅ እንትለዓል ዳርጋ ኹሉ እዩ ውሽጡ ዝደሚ እንተበልኩ ፍፁም ጌጋ የቡሉን። ንምንታይ ደኣ ህወሓት ብሕማቅ ዘልዕልን ኣምሪሩ ዝፀልእን ሰብ ይበዝሕ ኣሎ እንተይልና እቲ ብደምን ብቃልሲ ህዝብን ዝተነድቀ ወድብ ህወሓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መገልገሊ ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ኢና በሃልቲ ስለ ዝኾነ እዩ። መገልገሊ ህዝቢ ምዃን ተሪፉ መኽበሪ ጥቅሚ ኣካል ኔትወርክ እቶም ላዕለዋይ ፀፍሒ ዘለው መራሕቲ ስለ ዝኾነ እዩ።

ስራሕ ፈፀምቲ ህወሓት (መንጀሪኖ፣ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ኣለም ገብረዋህድን እቲ ብዚኦም ተጠውይ ዝለመሰ ደብረፅዮንን) ዝኹሉ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ተጋደልቲ፣ ምሁራን ናብዚ ዘብፆሖም መላእ ህዝቢ ትግራይን ንጎድኒ ገዲፎም ዝዘረፍዎ ሃፍቲ ህዝቢ ትግራይ ንምዕቃብን ወሎዶ ትግራይ ናይ ባዕሉ መሪሕነት ከይፈጥርን ዘይኣተውዎ ጉድጓድ የለን ሐዚ እውን ዘሎዎም ሃፍቲ ተጠቂሞም ኣብ ሰፊሕ ስራሕቲ ግብረ ክፍኣት ተሰማርዮም ኣለው። እዞም ሰባት ከም ሰብ ክንወስዶም የዐርዩ ዘፀግም እዩ። ኣብ ሕሉፍ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ህዝቢ ትግራዋይ ዝበፅሕ ዘሎ በደልን መከራን ምንም ከይተሰመዖምን ምንም ከይመሰሎምን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣርኪቦም ኣብ ስልጣን ነጋስን ኣንጋስን ኮይኖም ንምቅፃል ዝሓስቡን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ዘለው ኣካላት እዮም። እዙይ እውን ንህዝቢ ኢልና ገይርናዮ ዶ ኽብሉ ይኾኑ? መልሲ ንዓኹም ክገድፎ።

ስለዚ እዞም ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ብታሪኻዊ ስሕተት ተመሪፆም ህወሓት ዝመርሑ ዘለው ኣመራርሓ ስልጣኖም ንምድልዳል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብጎሮርኡ ሓኒቆም ኣብ ድሕሪኦም ብቐዋምነት ሻንጣ ክሽከሙን ክሕሽከሩን ዝኽእሉ ተጠወርቲ ኣሰሊፎም ዝነብሩ ሰባት እዮም። ናይዚ መግለፂ ምእንታን ኹላህና ክንመሃረሉ ብዛዕባ ሓደ ተጠዋሪ ክዛረብ፦

ብጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ተመዚዙ ሐዚ ቺፍ ፕረዚዳንት ካቢኔ ሴክረታርየት ተገይሩ ዝተመዘዘ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይተ ኣማንኤል ኣሰፋ ፖለቲካዊ መንነት ከቅምጥ።
መንግስቲ ትግራይ ናብ ኩናት እንትኣቱ አማኑኤል ኣሰፋ ኣፍቲ እዋን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ነይሩ። ይብዛሕ ይንኣስ መሪሕነት ህወሓት እስካብ ሙሉእ ስዕረት ገጢምዎ ዝብተን ተወዲቡ ተጓዒዙ እቲ ፀገም እውን ተኻፊሉ እዩ። ምስ ተበተነ እውን ዳግም ተኣኪቡ ምስ ሰራዊቱ ተኣኪቢ ተንቀሳቂሱ እዩ። ኮይኑ ኣማኑኤል ኩናት ምስ ተጀመረ ዝጠፍአ ህዝቢ ትግራይ ምስ መራሕቲ ሰራዊቱ ዳግም ውዳብኡ ኣመዓራርዩ መቐለ ምስ ኣተወ እዩ ካብ ዝነበሮ ጉድጓድ ወፂኡ ናብቲ ክፍቲ ናይ ኔትዎርክ ስራሕ ዝሳለጠሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ተፀንቢሩ። ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኑ ክመርሕ እናተገበአ ካብ ቃልሲ ከዲዑ ዝፀንሐ ሰብ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ኣማኑኤል ኣበይ ከም ዝነበረ መረዳእታ ስለ ከቅርብ ዘይከኣለ እቲ ሒዝዎ ወፂኡ ከም ደብረፅዮን ሒዝዎ ዝተመለሰ ናይ ቢሮ ሓላፍነት ክለዓል ተገይሩ ናብቲ ስሩዕ ናይኒ ኣለም ኔትዎርክ እስካብ ዝስለፍ ነቲ ቢሮ ብእሙን ኣባል ኔትዎርክ ክትካእ ብምግባር ኣማኻሪ ናይ ደብረፅዮን ኮይኑ ክምደብ ተገይሩ። እዙይ ንኣማኑኤል ኣሰፋ ካርዲ ተታሒዙሉ ከም ዘሎ ክንገሮ ስለ ዝተደለየ እዩ።

ዳሓር ዝርርብ ሰላም ይጅመር። ውዕሊ ፕሪቶርያ ይፍረም። ምስ ተፈረመ ኣንፃር እቲ ውዕሊ ተሰሊፉ ፍፁም መገልገሊ ከም ዝኾነ ኣብ ኹሎም ኣኬባታት ምስ ኣመስከረ እቲ ናይ ቢሮ ሓላፍነት መዝነት ቀደሙ እውን ንኢስዎ እዩ ካብ ቃልሲ ጠፊኡ ነይሩ ብዘምስል መልክዕ ነቲ ዝባረረሉ ሓላፍነት ልዕሊኡ ሓላፊ ክላስተር ተገይሩ ን ጌታቸው ረዳ ኽሕሉ ተመዲቡሉ ይርከብ። ከም ተቃለስቲ ኣብዞም ሰባት መርአይኦም ሕሽክርና ምዃኑ እዙይ መረጋገፂ እዩ።
እዚ ዝበስበሰ መሪሕነት ሐዚ እውን እዚ ከምዚ ዝበለ ዝደስከለ ኣካይድኡ ይቅፅል ስለ ዘሎ ኹሉ ደላይ ለውጢ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ውድብ ናይ ምድሓንን ጉጅላውነትን ጎጀልትን ናይ ምቅባርን ጅማሮ ብምሉእ ወነ ኣጠናኺርካ ምቅፃል ግድን እዩ። ስለዚ ኣቱም እቲ ኩነታት ዘይርደኣኹም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ዘይቐሪ ምዃኑ ተረዲእኹም ምስ ህዝብኹም ዕሰሉ ውድብኹም ካብ ጎጀልትን ጉጅላውነትን ኣድሕኑ ናብ ህዝባ መልሱ።

ሻሎም!

06/04/2023
06/04/2023

Eden G/slasie, Ephrem Amare, Amanuel Yemane, Tikue Weldu, Rahel Haile & Winta Brhane - Tsinta (ፅንታ)Join this channel to get access to perks:https://www.youtu...

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Yohannes Fourth posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share