29/04/2023
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣበይ ኣሎ???
============================
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ህወሓትን ካልኦት ኣካላትን ዘሳተፈ ካቢኔ ምጥያሹ ይዝከር። እዚ ካቢኔ ህወሓት ዝዓብለሎ ዋላ'ኳ እንተኾነ ከምኒ ፃድቃን ዝበሉ ህወሓት ዓይኖም ክትሪኦም ዘይትደሊ ነባራት ጀጋኑ ትግራይና ዘካተተ ምዃኑን እቲ ብኒ ጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ዝተሓሰበ ወራሲ ኣልጋ ዶ/ር ፍሰሃፅዮን ቀርዩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕረዝዳንት ምዃን ተስፋ ዝሃበ ታሪኻዊ ተጓንፎ እዩ ነይሩ።
እቲ ዋና ሕቶ እዚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መዓዝ እዩ ካብ ቅበላ ኣጋይሽን ናይ ኣጋፋርትን ስራሕ ወፂኡ ናብ ጭቡጥ መንግስታዊ ስራሕቱ ዝኣቱ? እቲ በቢደረጅኡ ዘሎ ንህዝቢ ሰንሰን ዘበለ ናይ ኣለምን መንጀሪኖን ኔትዎርክ ካድረ በጣጢሱ ፍትሓዊን ብቕዓት ዘለዎን መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ትግራይ ዝተክል? ግዝያዊ ምምሕዳርና ካብ ብተሸከምቲ ሻንጣን ጎተቲ ጃኼትን ነፃ ወፂኡ ኣብ ስሩዕ ህዝባዊ ስራሕቲ ብምሉእ ዓቕሙ ሓይሊ ሰቡ ወዲቡ መዓዝ እዩ ስራሕቱ ዝጅምር? ግዝያዊ ምምሕዳርና፡ ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንምንጋፍ ክስርሑ ዝግብኦም ዓበይቲ ናይ ዳግመ ሕውየት ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ብንፁር ትልሚ ሓንፂፁ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ገይሩ ስራሕቱ መዓዝ እዩ ዝጅምር? ዝብሉ ሕቶታትን ካልኦት ጉዳያትን ቶሎ እንተዘይመሊሱ ትግራይ ናብ ዳግመ ሕውየት ክመርሕን ካብዚ ፀበባ ከውፅእን ክፅገም እዩ። ምናልባት እውን ናብ ዝኸፍአ ከእትዋ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለ።
እዚ ፈተና ኣዝዩ ዘኽብዶ ድማ ዝተውሃቦ ስልጣን ብኒ ኣለምን መንጀሪኖን ተመንዚዑ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሓልኩ ኣብ ግርድናን ሕሽክርናን ውህሉል ዓቕሚ ዘለዎም ካድረታት ኣብ በቢ ደረጅኡ ዘሎ መንግስታዊ መሪሕነት ብጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ይምደቡ ኣለው። ከም መርኣያ ካብ ኩለን ዞባታት መዚዘ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልትታት ዝተገበሩ ምደባታት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ከም ዝስዕብ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።
1. ዞባ ህወሓት ውዳበን ኣማኻሪት ከንቲባን፦ ኤልሳ ተስፋይ ኣማሓዳሪት ክፍለ ከተማ ሰሜን ዝነበረት፣
2. ፅላልሙዝ (ንተወልደ ገ/ፃድቃን ጓል ሓፍቱ) ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዞባ ሱፐርቪዥን ህወሓት፣
3. ሰለሞን ትኩእ ኣብ ቀዳማይ ወያነ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ኣብ ዞባ መቐለ ምክትል ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎትን ሓላፊ እቶትን ከተማ መቐለ፣
2. ኣመሓደርቲ ክፍለ ከተማታት ድማ፥
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ሓወልቲ ሓወልቲ - ሃለቃ ኤልያስ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ከ/ዓይደር ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ድማ ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፕሮፖጋንዳ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ኲሓ - ሃፍቶም ቅድሚ ኲናት ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ድማ ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ፕሮፖጋንዳ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ሓድነት - ሓለፎም ኣብ ክ/ከተማ ኲሓ ኣማሓዳሪ ዝነበረ፣
👉❌ ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ዓዲሓቂ - ረደሀኝ ፍስሃ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ኲሓ ነይሩ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ክ/ከተማ ዓዲሓቂ ኣማሓዳሪ ዝነበረ፣
❌ ቅድሚ ኲናት ክኢላ ሱፐርቪዥን ዞባ ዝነበረ፣ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ዓይደር ዝኾነ ሰለሞን ክኢላ ሱፐርቪዥን ህወሓት፤
❌ ቅድሚ ኲናት ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ዝነበረ፣ ድሕሪ ሰነ 2013 ዓ/ም ኣማሓዳሪ ክ/ከተማ ሓድነት ዝኾነ ሃይላይ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ መቐለ ሱፐርቪዥን ክኢላ ገይሮም መዲቦሙዎም ኣለዉ።
👉❌ ኣማሓደርቲ ክ/ከተማታት ቀዳማይ ወያነ፣ ዓይደርን ሰሜንን ኻዓ ሽሞም ገና ዘይተፈለጡ ካብ ካልእ ከባቢ ኣምፂኦም መዲቦም ከምዘለዉ ተረጋጊፁ ኣሎ።
እዚ ኹሉ ሳሪሃማሪሃ ዝሰርሑ ዘለዉ ግን ሕዚ እውን ምፍላጦምን ምቅልዖምን ሕማቕ ከይመስለኩም። ለውጢ ክሰምዑ ከለዉ ንዓቐብ ዘብሎምን ዘንገሽግሾምን እቶም ዘወርቲ ናይቲ ኔትዎርክ ኣለምን መንጆሪኖን ኮይኖም ናይዚኦም ተልእኾ እናተቐበለ ዘፈፅም ዘሎ ቅድሚ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ኣዲስ ኣበባ ህወሓት/ኢህወዴግ ሓላፊ ዝነበረ ተወልደ ገ/ፃድቃን ዝብሃል ሕዚ ኣብ ክልል ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓላፊ ውዳበ ዘሎ ጉልሓይ ፍጥረት እዩ።
ስለዚ ባዕሉ መሓውሩ ከመዓራሪ ዘይከኣለ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብቲ ዝነበረ ህወሓት ከም ድላዩ ዝገብሮ መንግስቲ ዘይተላቐቐ ለውጢ ምፅባይ ዕብዳን እዩ። ሐዚ እውን ውድብን መንግስትን ካብ ኣብ ሚድያ ምዝራብ ዝዘለለ ብተግባር የተፈለዩን። ኣብ ትግራይ ብፅገናዊ ለውጢ ዝመፅእ ዕብየት ኮነ ዳግመ ህንፀት የለን። መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገፅ እንተኾይኑ መንግስቲ ዓርሱ ክኢሉ ስርሑ ይስራሕ። ውድብ ካብ መንግስታዊ ስራሕቲ ኢዱ የልዕል። መንግስትን ፓርትን ይፈለ። ግዝያዊ ምምሕዳር እዚኣ ኣብ ዝሓፀረ ብተግባር እንተዘይተግቢሩ ሃለዋቱ ኣይረጋገፅን ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን ኣይሕሰብን። ብፍፁም!