Aga'azian Post

  • Home
  • Aga'azian Post

Aga'azian Post Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Aga'azian Post, Digital creator, .

02/05/2023

ካብ ፍልስፍናታት ክልቲኦም ህወሓት ንውፃእ
===============================
1. ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ዝተዓጀበ ለውጢ ዝተቐበለ፡፡
2. ብኣለምን ሞንጆሪኖን ዝምራሕ ኣብ ቂምን ህልኽን ዝጠሓለ፡፡ ንግዚኡ ብህይወት ንምንባር ምስቶም ለውጢ ዝቐበሉ ተጣቢቁ ዘምስል ዘሎ ጉጅለ፡፡
ዘይሩ ዘይሩ ኩሎም ካብቲ ሓደ ህወሓት እዮም ዝቅድሑ፡፡
ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ እዩ ዝደሊ፡፡ ኩልሻብ መፃወቲ ውሑዳት መዋፅኢ ቂሞም ኮይኑ ክነብር የብሉን፡፡
እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ሰላምን ምርግጋዕን ዋላ እንተፈጠረ ኣብታ ኣብ ቀፃሊ እትካየድ መረፃ ህወሓት ዝበሃል ጠንቂ ፅንተትን ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣለዎ፡፡
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለን ውድባት ትግራይ ካብ ብሕዚኡ ሓላፍነት ክቅበላሉ ዝኽእላ ትልምን መምርሕን ብኣውርኡ ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ንዝሓተቶም ሕቶታት ዝምልስ ሰፊሕ መማረፅታትን ፖሊስታትን ሒዘን ይቅረባ፡፡
ልዕሊ ህወሓት ክቃለስን ክመርሕን ዝኽእል ወለዶ ተሃኒፁ ኣሎ፡፡ እዚ ወለዶ እዚ ክሽቁረርን ክደሃልን የብሉን፡፡
ንሃፍትታት ህዝቢ ትግራይ ብኣግባቡ ተረኪቡ ብማዕርነት ከመሓዳድር ዝኽእል ዓቕሚ ሙሁራት ትግራይ ኣለዋ፡፡ ትእምት ኮነ ካልኦት ሃፍትታት ህዝቢ ትግራይ/ኣጋዓዚ/ ዋንነተን ናብ ህዝቢ ተገይሩ ህዝቢ ብዝመረፆም ሰብ ዓቕሚ ይመርሑ፡፡
ሕቶ ግዝኣት መሬት ትግራይ ዝተቆርመመ ካርታ ዘይኮነስ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓወሰ ሰፊሕ ታሪኻዊ መሬትና እዩ ክምለስ ዘለዎ፡፡ ነዚ ንምግባር ድማ ኩናት ዘይኮነስ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ብዝተደገፈ መስርሕ ክምለስ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡
ምስ ጎረባብትና ዘለና ቅርሕንትን ደመኝነትን ጠጠው ኣቢልና ብብልሓትን ንጥቅሚ ህዝቢ ትግራይ/ኣጋዓዝ/ ብዝረብሕ መንገዲ ክእለ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ኢድ ኣእታውነት ህወሓት፡ ሻዕቢያ፡ ብኣዴን ኣየድልየናን፡፡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝፋለጥ ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ህዝቢ ዘቀራርቡ መስርሓት ንዘርግሓሉ ጥራይ፡፡
ውሑስን ሰላምን ዝዓሰሎ ከባቢ ብምፍጣር
ባህጊ ኣጋዓዝያን ክጋሃድ እዩ።

20/04/2023

ሰበር !!!

ብመሰረት ውሳነ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ተኣሲሮም ካብ ዘለው ብዘይካ ብቕትለት፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስተዮ፣ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣትን ምስ ኤርትራ ስለላ ዝተዋፈሩን እሱራት ኩሎም ብይቕሬታ ንክወፁ ዋላ'ኳ ተባሂሉ እንተነበረ ሐዚ ግና ካብ ዞባ መቐለ 3 ( ሰለስተ)፣ ካብ ደቡብ ምብራቅ 12 እሱራት ጥራይ ንክፍትሑ ተወሲኑ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ከባቢታትከ ክንደይ ወፂኦም ይኾኑ? ብሓቂ መስሓቒ ፍፃመ እዩ።
ሰብ ዘይፈትሐ፣ ፈቲሐ ኢሉ ዝዛረብ መንግስቲ ዝገርም እዩ።
ንኣለም ገ/ዋህድን ሞንጆሪኖን ግና ከየድነቕኩ ኣይሓልፍን። ትግራይ ከም ዘይትፍታሕ ገይሮም እዮም ኣሲሮማ !!!

19/04/2023

ሰብኣይን ተመንን፦
-----------------------
---------

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ በትሪ ዝሓዘ ውሑጅ ዝመልአ ሩባ ንክሻገር ኣብቲ ደንደስ ሩባ እቲ ውሑጅ ንምሕላፍ ዝተፀገመ ተመን ይረክብ። እቲ ተመን ነቲ ሰብኣይ "በይዛኻ ምሳኻ ኣሕልፈኒ ኣብ ርእስኻ ጠምጢምኻ" ኢሉ ይሓቶ፤ እቲ ሰብኣይ ድማ መለሰሉ "ምሽጋርስ መሽገርኩኻ ዳሓር ኣይወርድን ኢልካ ተኣበኻኒኸ" ይብሎ። እቲ ተመን ድማ "ጥራሕ እዛ ውሑጅ ኣሻግረኒ እምበይ ኣመስጊነ ወሪደ ናብ ጉዳየይ ክኸድ'የ"፤ ይብሎ። በዚ ተስማዕሚዖም እቲ ሰብኣይ ነቲ ተመን ኣብ ርእሱ ጠምጢሙ እቲ ውሑጅ የሻግሮ።

በል ውረደለይ ምስበሎ እቲ ሰብኣይ፤ እቲ ተመን "ኣይወርድን" ኢሉ ብትዕቢት ክሳብ ክናኸስ ትኒዕትኒዕ ይብል። "እሞ ከምዚ እንተኾይኑ ናብ ዝዳንየና ኣካል ንኺድ'ሞ ዝተበየነልና ውሳነ ብፀጋ ንቕበል" ይብል እቲ ሰብኣይ፤ እቲ ተመን እውን በዚ ተስማዕሚዑ ክዳንዮም ዝኽእል ኣካል ድማ
ብሓባር መረፁ። ክትዳኒ ዝተመረፀት ድማ ብዃርያ ነበረት። ናብ ብዃርያ ከይዶም ፀገሞም ክዛረቡ ተዳለዉ። ቡዃርያ ፍርዲ ከቐምጥ እንተኾይነ ዝበልኩኹም ትሰምዑ'ዶ በለቶም። ክልቲኦም "እወ ንሰምዕ ኢና" ኢሎም ተስማዕምዑ፤ "በሉ ፍርዲ ክወሃብ እንተኾይኑ ተኸራኸርቲ ኣካላት ብየማነ ፀጋም ክኾኑ ኣለዎም በለቶም"፤ ዝበለቶም ፈፀሙ። "ግርም! እምብኣር ክንጅምር እንተኾይንና ተመን ካብ ርእሲ እቲ ሰብኣይ ወሪድካ ኣብ መሬት ተቐመጥ" ኢላ ትእዛዝ ሃበቶ፤ ተመን ድማ ዕጥይጥይ እናበለ ከይተውሓጠሉ ትእዛዝ ቡዃርያ ኣኽቢሩ ካብ ርእሲ እቲ ሰብኣይ ወረደ።

ብድሕሪ እዙይ ዳይና ወ/ሮ ብዃርያ ነቲ ሰብኣይ "በል ኣንታ ሰብኣይ ተመን ኣብ እግርኻ፣ በትሪ ኣብ ኢድካ ... " ዝብል ረዚን ቅኔ ሓዘል መልእኽቲ ምስ ኣሕለፈት እቲ ሰብኣይ ድማ ቀልጢፉ ነቒሑ ነቲ ተመን ቀጥቂጡ ቐተሎ ይብሃል።

እሞ! ካብዚ ዝውሰድ ትምህርቲ፦

👉 ዘፀገሙኻ ኣካላት መልክዕ ንምትሓዝ እትውስነሉ ዕድል ምስሓዝካ፤ ውዓል ሕደር እንተይበልካ ብዘይ ምሕረት መልክዕ ምትሓዝ ጊዜ ዘይወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ እዩ። 👌
ምኽሪ ሓውካ ቆብ ኣብላ ሸው ኣብላ እያ ሎምዘበን። 😎
ራብዓይ ወያነ (5G)

17/04/2023

ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ምፍታሕ እሱራት ተጋሩ ኣካል ለውጢ ምሕደራ ትግራይ
=================================

ኣብ ትግራይ ዝተኣሰሩ ተጋሩ እንትንርኢ የዐርዩ መሰከፊ ቁፅሪ እዩ። ምናልባት ሕጊ ምኽባር ግድን ስለ ዝኾነ እዩ እኾ ገለታት ገለታት ዝብል ብዙሕ የዋህ ከም ዘሎ እግምት። እቲ ሓቂ ግና እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝኣስር ዝነበረ ሓይሊ ተሰባሲቡ መቐለ ስለ ዝመፀ ወልፊ መኽተቲ ተጋሩ ኣብ መላእ ትግራይ ብግፍዒ ተዳጉኖም ይርከቡ። እቲ ዘሕዝን ናይ ምእሳርን ምስዳድን ልምዲ ዘለዎም እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝለመድዎ ብሰፊሑ ኣብ ትግራይ ቀፂሎምሉ ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ በደሉን ፀገሙን ፍትሒ ኣስኢኖም ሕሉፍ ክልተ ዓመታት ሓሊፍዎ እዩ።

ብዕለት 7/8/2013 ዓ/ም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እሱራት ንምፍታሕ ዝወሰኖ ሓላፍት ዝተመልኦ ውሳነ ብጣዕሚ ዝነኣድ እዩ። እዚ ነቲ ናይኒ ኣለምን መንጀሪኖንን ተለኣእኽቶምን ዝነበረ ናይ ምእሳርን ምስዳድን ኣተሓሳስባ ዝሰበረ እዩ። ዓብይ ናይ ኣተአሓሳስባን ተግባርን ለውጢ እዩ። እዚ ጅማሮ ክነኣድን ተጠናኺሩ ክቅፅልን ዝግበኦ ንፍትሒ ጭላጭል ዘርአየ ለውጢ እዩ።

እንተኾነ ግና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብተግባር ክከታተሎ ዘለዎ ኣፍቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ትግራይ ብረሃነ ወዲ ኣንብሉ ዝበሃል መፈፀሚ ልኡኽ መንጀሪኖን ኣለምን ነቲ ናይ ካቢኔ ውሳኔ ተፃሪሩ ብዝተውሃቦ ትእዛዝ ኣይፍፅምን ኣይፈትሕን ኢሉ ኣሎ። ብጭቡጥ እኒ ተጋ. ዶ/ር ገብረመድህን ኪሮስ፣ ተጋ. የማነ ግርማይ፣ ኮማንደር ተስፋይ ገብረማርያም፣ ተጋ. ኣማኑኤል ሓዱሽ፣ ተጋ ቐሺ ተካ ከምቲ እኒ መንጀሪኖ ዝበልዎን ዘይጥፍኣቶም ጥፍኣት ኣሸኪሞም ቅድሚ ፍርዲ ኣብ በቢ ቀበሊኡ ብልምዓት ጉጅለ ፀለሎ ዝኸደንዎም እንተይኮኑስ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ብሉፃት ሰብ ፍሉይ ስርሒት ተጋደልቲ እዮም። ኣብ ፃንሒት በረኻ ጥራሕ እዃ ተወሲድና ካብ ኣርባዕተ ኣርሚ ናይ ሓንቲ ኣርሚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ምሉእ ራሽን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ኣተሓባቢሮም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሂወት ክሰርዕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ እዮም። ዝርዝር ስራሕቶም ብቐፃሊ ክወፅእ እዩ። ፈፀምቲ ስራሕኹም ስርሑን ስለ ዝበሉ ጥራሕ ኣብ እሱር ዝሳቐዩ ዘለው ንፁሃት ተጋደልቲ እዮም።

ሐዚ እቲ ሓዱሽ ካቢኔ ትግራይ ዘውፀኦ መምርሒ ወላ ዝምልከቶም እንተኾነ ናይ ብርሃነ ወደምብሉን ለኣኽቱን ድሌት ሰለ ዘይኮነ ክፍትሑ ዓመት በዓል ከብዕሉን ልዕሊ ሸሞንተ ወርሒ ዝፅበዮም ዝነበረ ቤተሰብ ሐዚ እውን ኣብ ብኽያት ይርከብ።

ከምዚኦም ዝበሉ ፀረ ለውጢ ክእለዩ ይግባእ። ትግራይ ኩሉ ብማዕረ ዝነብረላ ክትኮን ክንቃለስ ይግባእ። ህዝብና ብደንቢ እዞም ጉልሓያት ካብ መሓውር መንግስቲ እስካብ ዝእለዩ ብንቅሓት ክቃለስ ይግባእ። ብጥንኩር ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝመፀ ግዝያዊ ምምሕዳር ንውሳነታቱ ከይ ወዓለ ከይ ሓደረ ከፈፅም ይግባእ። እዙይ እንተዘይገይሩ ግና ጣጥኡ ብዙሕ እዩ ንሓድነትና እውን ሓደጋ እዩ። Free political prisoners in Tigrai!

ሻሎም!
ባህኣበሎም ገብራይ

17/04/2023

ሰበር ዜና 🇪🇹

አዲስ አበባ በርካታ መዝናኛና ምሽት ቤቶች ለጊዜው ምክንያቱ ያልታወቀ ትግርኛ ዘፈን ብቻ መቀወጣቸው ሰማን። 😂
ራብዓይ ወያነ

17/04/2023

''...ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር ነገር ክህሉ ኣይግባእን '' ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ
-----

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ዘሎ ህሉዉ ምዕባለታት ኣድሂቦም ኣብ ንማዕኸናት መራኸቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ጉዳይ ናይ ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈለ ምሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን በጀትን፥ ተሓቲቶም ዝመለስዎ መልሲ ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ቅሬታ ኣልዒሉ ቀንዩ ኢዩ።

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ትማሊ ምስ UMD ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቐነየ ጉዳይ ዘይተኸፈለ ሕሉፍ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ '' ግልፂ ንምግባር ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ ዘሎ ናተይ ኣገላልፃ ፀገም ነይርዎ ተዘይኮይኑ ንሕና ክንማጐት ኢና ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክመፅእ ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘሎና ። እታ ሐዚ ዝተዉሃበትና ግና ናይ ሓንቲ ዓመት ኢያ። ስለዚ በዚ መንገዲ ክንከዶ ኢና። ሙግት ግና ክንቅፅል ኢና ንመበገሲ ዝኸዉን ግና እዚ ኣምፂእና ኣሎና ኢየ ኢለ ነይረ ኢሎም።

ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዕላዊ ስራሕ ተጓዒዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ክልተ ዓመት በጀት ፔሮል መሃያ ክዳሎ ተመሓላሊፉ ነይሩ መን ጌርዎ ብዘየገድስ እዚ ዝፈጠሮ ትፅቢት ዝምለከት ኢየ ተዛሪበ ኣነ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ እንበር ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝግበኦ መሃያ ክረክብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ሙጉተይ እዉን ንሱ ኢዩ ኢሎም።

ምስ መንግስቲ ፌዴራል እዉን ንሱ ኢዩ ኣልዒልና ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ተሓታቲ ኢዩ ኢለኳ ኣይኣምንን ግን ብሓደ ይኹን ካልእ መንገዲ ህወሓት ተሓታቲ ክኸዉን ይኽእል እንተኾነ ግና ናይ ህወሓት ኮነ ናተይ ተሓታትነት ግን ንናይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ክመፅእ ዝግበኦ መሃያ ከትርፎ ኣይኽእልን ክብሉ ኣብሪሆም።
ስለዚ ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ምድንጋር ነታ ሸዓ ተወዘዐት ጉዳይ ሴርኩላር መን ከምዘሕለፋ እሞ ንሱ ዝፈጠሮ ትፅቢት ንምግላፅ ደኣ ፈተንኩ እንበር ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝግበኦ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈሎ መሃያ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከትርፍ ዝኽእል ኣነ እዉን ሕልናይ ኣይፈቕደለይን ብተግባር እዉን ክገብሮ ኣይክእልን ክብሉ መልሲ ሂቦም ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ።

ናይ ትግራይ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንምኽፋል 35 ቢልዮን ብር የድልየና ዝበሉ ፕሬዘዳንት ጌታቸዉ ረዳ ሐዚ እቲ ተለቒቑልና ዘሎ ገንዘብ 12 ቢልዮን ብር እዩ ፣ከም ነዚኤን ዝተቐበለ ምምሕዳር ዝመርሕ ሰብ ኮይነ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣሎ ንዕኡ ከፊልና ዝተረፈ ኣብ ዝወዓለ ይዉዓል ክብል ዝኽእለሉ ዕድል የለን ክብሉ ሓቢሮም።

ነቲ ንዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት መሃያ ከይተቐበለ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝፀንሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ሐዚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ምኽፋል ጀሚርና ኣሎና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ቀፂሉ ኣብ ዝህሉ ምስትኽኻል እንተስ ናይ ርብዒ እናወሰኽና እንተስ ብሓደ ፕሮጀክት ወይ ካልእ እናበልና እቲ ናይ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ መሃያ ክንከፍሎ ኢና ኣብዚ ዘደናግር ነገር ክህሉ ኣይግባእን ክብሉ ሓባሮም።

እቲ ን2015 ዓ/ም ንትግራይ ዝተለቐቐ ልዕሊ 12 ቢልዮን ብር በጀት ኩሉ ናብ ሒሳብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘይኣተወ ዝገለፁ እቶም ፕሬዘዳንት ብርክት ዝበለ ተዝኣቱ ነይሩ ነቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክወሃቦ ዝተወሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃያ ምተወስኸ ነይሩ እንተኾነ ሐዚ ኣብ ኢድ እቲ ምመሕዳር ዝተረፈ ገንዘብ ዉሑድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ኩሉ ክርደኦ ዘለዎ ድማ እተን ዝመፃ ገንዘብ ኩለን ንሰራሕተኛ መንግስቲ እንተደኣ ከፊልናዮ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዘይኮኑ ግን ድማ ኣብ መኸተ ምዉሓስ ትግራይ መስዋእትነት ዝኸፈሉ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉና ፣ሰራሕተኛ መንግስቲ ነይሩ ብምኽንያት ቃልሲ ዳግም ሰራሕተኛ መንግስቲ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝሰኣነ ተጋዳላይ እኽለማይ ዘይረኽበሉ ኩነታት ምፍጣር ሓላፍነት ዝስመዖ ሰብ ክገብሮ ኣይኽእልን ኢሎም።

ብተወሳኺ እዉን እተን ዝተረፋ ገንዘብ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ፣ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተፈላላዩ ዝነበረ ሓረስታይ ናብ ንቡር ልምዓት ክምለስ ክስረሓሉ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ኣብ ግምት ከእትዎ ከም ዘለዎ ፕሬዚዳንት ግዝሓዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣገንዚቦም።

እንተ ጉዳይ ዘይተኸፈለ ሕሉፍ መሃያ ክልተ ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ግና ከይኽፈል ዝኽልክሎ ሓይሊ ከምዘየለ ዝሓብሩ እቶም ፕሬዚዳንት ንሕና እዉን ክንማጐት ኢና መንግስቲ ፌዴራል ተዘይፈቅድ እዉን በቲ ዝከኣለና በታ ዘለትና ዓቕሚ በቢግዜኡ እናማቻቸና ዝግበኦ መሃይኡ ክረክብ ክንገበር ኢና ኢሎም።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ
____________
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!!
____________
Website: www.tigraitv.com
Facebook: https://www.facebook.com/tigrai.tv1/
Telegram: https://t.me/Tigrai_Ttv
Email: [email protected]
Twitter: https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram: https://www.instagram.com/tigrai.tv
YouTube: https://www.youtube.com/c/TigraiTv
-----------------------------------------------

17/04/2023

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!

17/04/2023
17/04/2023
'ፅንፈኛውን የአማራ ፋኖ ሙሉ በሙሉ እናጠፋዋለን'- ብርሐኑ ጁላ። ብርሃኑ ጁላ ዛሬ ከፀጥታ ተቋማት ኃላፊዎች ጋር በነበረው ስብሰባ "ከዛሬ ጀምሮ የክልል ልዩ ኃይል አደረጃጀትና መዋቅር የለም...
16/04/2023

'ፅንፈኛውን የአማራ ፋኖ ሙሉ በሙሉ እናጠፋዋለን'- ብርሐኑ ጁላ።

ብርሃኑ ጁላ ዛሬ ከፀጥታ ተቋማት ኃላፊዎች ጋር በነበረው ስብሰባ "ከዛሬ ጀምሮ የክልል ልዩ ኃይል አደረጃጀትና መዋቅር የለም፣ በይፋ ፈርሷል" ብሏል።

ከእንግዲህ በአማራ ልዩ ኃይል ስያሜ ተልዕኮና ግዳጅ የሚቀበል ኃይል የለም። ትጥቅ የፈቱ ልዩ ኃይሎች ወደ ስልጠና እያጓጓዝን ነው ሲል ተናግሯል።

ፋኖ እና የአማራ ልዩ ኃይልን ለመከፋፈልም ፋኖ ልዩ ኃይሉን እያጠቃ መሳሪያ ለመንጠቅ ሞክሯል የሚል አደገኛ ሀሰተኛ መረጃ ሲነዛ ተደምጧል።

"ፅንፈኛውን ፋኖን እያጠፋነው ነው። ትንሽ ብቻ ይቀረናል"ም ብሏል።

👉 ኣንታ ሓላል ህዝበይ እንታይ'ኮን በልዐካ? ኣበይኮን ኣተኻ? 👉 ህዝበይ፣ ህዝቢ ትግራይ-ትግርኚ ባደምካ'ዶ ከም በረኻ? 😭😭😭😭😭
15/04/2023

👉 ኣንታ ሓላል ህዝበይ እንታይ'ኮን በልዐካ? ኣበይኮን ኣተኻ?
👉 ህዝበይ፣ ህዝቢ ትግራይ-ትግርኚ ባደምካ'ዶ ከም በረኻ?
😭😭😭😭😭

15/04/2023


ሓታቲ፦ ንምንታይ ኢኻ ቃልሲ መሪፅካ?
እያሱ፦ ቋንቋ ትግርኛ ኾነ ተባሂሉ ክጠፍእ ይስራሕ ነይሩ፡፡
ብቋንቋ ትግርኛ ዝተፅሓፈ ነገር ምርካብ እውን ኣይክኣልን፡፡ ሓደ ስብኣይ "ቤት ብልዕን ሻሂን መቐለ " ኢሉ ብትግርኛ ስለ ዝኸፈተ መውዐሊና ገይርናያ፡፡ ብሰራሕተኛታት ስለላ ፀቕጢ ስለዝተገበሮ ኣንእስ ኣቢሉ " እንዲሁም መኝታ አለ" ኢሉ ወሲኹላ፡፡
👉 ቋንቋና መንነትና እዩ፡፡ መንነተይ ከይጠፍእ ድማ ቃልሲ መሪፀ፡፡
🤔ሎሚኸ ኣበይ ኣለና ❓
ሓንቲ ሙሉእ ሓሳብ ብትግርኛ ፅሒፉ ኽውድእ ዘይኽእል መራሒ 🤔

Visit Tigrai

ኢሮብ ትዓቢ!!👌👌👌
14/04/2023

ኢሮብ ትዓቢ!!👌👌👌

ጀጋኑ ደምፃዊያን ደቂ ኢሮብ!
1) ኣድሓኖም ስባጋድስ( ኣድሓኖም ወዲ ቀሺ)
2) በርሀ ስባጋድስ(በርሀ ኢሮባ)
3) በርሀ ፍስሕ/በርሀ ማሰነ)
ያባህ ኢሮብ ዳይሎ ኖህ ማራ!
ኢሮብ press
I Love Erob

እንቋዕ ኣብፅሐና ንህዝበ ኣግኣዚያን ብምልኡኹም። መፃኢና ብሩህን ብሩኽን ይግበሮ።
14/04/2023

እንቋዕ ኣብፅሐና ንህዝበ ኣግኣዚያን ብምልኡኹም።
መፃኢና ብሩህን ብሩኽን ይግበሮ።

07/04/2023

ክላስተር ኢኮኖሚን መሪሕነቱን ፦
~~~~~~~~~~~~~~~~~
~~~~~~~~

በየነ ቦኽሩ ስራሕ ጀሚሩ ንሰምዕ ኣለና።
ፅቡቕ ናይ ስራሕ ዘበን ይግበረሉ። ነዚ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ካብቶም ነባራት ዝተሸኸሉ ኣመራርሓ ቀልጢፉ ናብቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝተሓወሰ ተጋዳላይ ከምዝኾነ ሰሚዕና፡፡ ካብቲ ናይ ኮሚኒስት ኣተሓሳስባ ቀልጢፍካ ምውፃእ ከም ውልቀይ ከም ፅቡቕ ወሲደዮ ኣለኹ፡፡ ክሳብ ሐዚ ከይተፈለጠና ንድሕሪት ክጎተና ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ንሱ ስለዝነበረ ፅቡቕ ጅማሮ እዩ ክብል እደሊ፡፡ ግን በየነ ቅድሚ ሐዚ ተገምጊሙ ምስ ኣለምን ፈትለን ኔትወርክ ፈጢሩ ምስ ኣባይ ወልዱ ገጢሙ ተባሂሉ ተቐፂዑ ከምዝነበረ ይዝክር እየ፡፡
ሐዚ በየነ ካብዞም ሰባት እዚኦም ብተግባር ተቖራሪፁ ዝተፈለየ ምዃኑ ክረጋገፅ ይግባእ ይብል፡፡ እንተ ኣለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ንበይኑ ጠጠው ክብል ዘይኽእል በብእዋኑ ምስ ሰባት እናተለጠፈ ኔትወርክ እናጣጠነ ኣመራርሓ እናጨርገፈ ውድብ ኣብ ምድኻም ዓብይ ተራ እናተፃወተ ዝመፀ ማእኸል ኔትወርክ (ኣስኳል ኔትዎርክ) ከምዝኾነ ተፈሊጡ ዝሓደረ ሓቂ እዩ። ካልኣይ በየነ ሐዚ ንክመርሕ ተመዚዙ ዘሎ ኢኮኖሚ ዝብሃል ክላስተር ክመርሕ/ከተሓባብር እዩ፡፡
ቅድም ክብል ብፈትለ ዝምራሕ ዝነበረ ዓበይቲ ቢሮታት ዝሓቖፈ ክላስተር እዩ። ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን ወሰንቲ ሴክተራት ዝሓዘ ክላስተር እዩ፡፡ እሞ በየነ ትእምት 'ውን ይመርሕ ኣሎ ኣብ ትእምት ዘሎ ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ሌብነትን "እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ" ዘብል እዩ፡፡ ከመይ ተጠዓዒሙ ክምራሕ ይኽእል ዝብል የተሓሳስበኒ እዩ፡፡ እንተ ጉዳይ ትእምት ብኻልእ መንገዲ ሪፎርም ክግበራ ተዘይተገይሩ መእተዊ ዝብሃል ነገር የብለንን፡፡ ኩለን ካምፓንታት ምስ ሙሉእ ማናጅመንተን ብሓደ ቑሸት ዝተመልአ ናይ ሌብነት፣ ኔትወርክን ድሕረትን ማእኸል ብምዃን ናይ ኣለምን ፈትለን መሳርሒ ፖለቲካ ከምዝኾና ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ፡፡
ኣለም ኣብ ውሽጢ ትእምት ብተኽለወይኒ ገ/መድህን ዝምራሕ ናይ ፖለቲካ ክንፊ ብምዝርጋሕ ብቐጥታ ይመርሐን ኣሎ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ትካላት ትእምት ምስ ኣለም ዝራኸቡ ዝተመደቡ ካድረታት ኣለው፡፡ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን በተን ትካላት ዝኽፈሎም ማለት እዩ፡፡
ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምዚ ክሰርሓ ይፍቀድ 'ዶ? መንግስትን ፓርትን ይፈላለ እንትብሃል ቢዝነስ ኢንስቲቱሽንን ፓርትን 'ውን ብተመሳሳሊ ምፍላይ ግድን እዩ ክኸውን፡፡ እሞ በየነ ነዚ ፈተና ከመይ ክዋፅኦ ይኽእል? ተጋፊጡ ከዕሪ ይኽእል 'ዶ? ንኸዕሪ ድሌትን ተበግሶን'ከ ኣለዎዶ? ብፍላይ ምስ ኣለም ገ/ዋህድ ዝፀንሐ ዕርክነት ከምዘለዎም ካብ እዋን ተሃድሶ 1993 ዓ/ም ጀሚረ ኣነ 'ውን ብቐረባ ይፈልጥ እየ፡፡
ኣብ ትካላት ትእምት ዝሰርሕ ደላይ ለውጢ እየ። ሰላም!

06/04/2023
06/04/2023

ስነጥበበኛታት ዓባይ ትግራይ

06/04/2023

"ስነጥበብ ኣካል መፍትሒ ጸገም ክኸውን ምግባር እዩ”
====
ሓበን፡ ኣስታት 11 ስእሊታት ተጋደልቲ ብምሻጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 700 ሽሕ ብር ንሰብኣዊ ሓገዝ ስድራ ተጋደልቲን ተመዛበልትን ክውዕል ከም ዝገበረ ይዛረብ።
https://bbc.in/3ZjA4RJ

06/04/2023

Yemane Barya Kiros Alemayehu
#ጋዜጠኛ፥ ኪሮስ ኣብይ እዩ ዓድኻ
ኪሮስ፥ ትግራይ
#ጋዜጠኛ፥ ትግራይ ኣበይ ከባቢ
ኪሮስ፥ ትግራይ እኮ ኢለካ ንኢሳትኒ ተበልኩስ ተቆርሚማትኒ
#ጋዜጠኛ ፥ የማነ ባርያ ካብ ደረፊት ትግርኛ ንመን ተደንቕ
የማነ ባርያ፥ ንክሮስ ኣለማዮ
#ጋዜጠኛ፥ ኣረ ካብቶም ደቂ ዓድና
የማነ ባርያ፥ ትግርኛ ሓደ እዩ።
LYA TV

06/04/2023

"Tigray Cultural & Educational studies" ዝተብሃለ ትካል ምስ ደኣማት ሄሪቴጅ ብምትሕብባር ንፈለማ ግዘ “TGRAY DAY “ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዓመታዊ ዋዕላ ብድሙቕ ንምብዓል ምድላዋቱ ዛዚሙ ይርከብ። እዚ ዋዕላ ኣብ SILVER SPRING Maryland "Civic Center Plaza" ሰንበት May 14 ዝዳሎ እንትኸዉን ፤ ኣብቲ መዓልቲ ካብ ዝተዳለዉ መደባት ድማ ናይ ባህላዊ ምርኢት (Cultural fashion show)ን ባህላዊ ትልሂት (cultural dance)ን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ትሕዝቶ ብዘለዎም ምርኢታት gymnasticን circusን ተዓጂቡ ዝቐርብ Art Exhibitionን ካልኦት እናሃደሱ ዘምህሩ ምድላዋትን ይርከቡዎ።
ኣብዚ ምድላው ትካልኩም ከተላልዩ ፣ ኣብቶም መደባት ተሳተፍቲ ንሜዃን ዝሓሰብኩምን ድንኳን (booth rental) እትደልዩን ናይ ክብሪ ስፖንሰር ኮይንኹም ነቲ በዓል ክትድግፉ ንዕድም!

ንዝበለፀ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡና ትኽእሉ
+15717197645
[email protected]
ኣሰናዳእቲ ኮሚቴ
Tigray Cultural & Educational studies

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Aga'azian Post posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share