02/05/2023
ካብ ፍልስፍናታት ክልቲኦም ህወሓት ንውፃእ
===============================
1. ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ዝተዓጀበ ለውጢ ዝተቐበለ፡፡
2. ብኣለምን ሞንጆሪኖን ዝምራሕ ኣብ ቂምን ህልኽን ዝጠሓለ፡፡ ንግዚኡ ብህይወት ንምንባር ምስቶም ለውጢ ዝቐበሉ ተጣቢቁ ዘምስል ዘሎ ጉጅለ፡፡
ዘይሩ ዘይሩ ኩሎም ካብቲ ሓደ ህወሓት እዮም ዝቅድሑ፡፡
ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ እዩ ዝደሊ፡፡ ኩልሻብ መፃወቲ ውሑዳት መዋፅኢ ቂሞም ኮይኑ ክነብር የብሉን፡፡
እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ሰላምን ምርግጋዕን ዋላ እንተፈጠረ ኣብታ ኣብ ቀፃሊ እትካየድ መረፃ ህወሓት ዝበሃል ጠንቂ ፅንተትን ኢኮኖሚያዊ ውድቀትን ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣለዎ፡፡
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩለን ውድባት ትግራይ ካብ ብሕዚኡ ሓላፍነት ክቅበላሉ ዝኽእላ ትልምን መምርሕን ብኣውርኡ ህዝቢ ትግራይ ንዓመታት ንዝሓተቶም ሕቶታት ዝምልስ ሰፊሕ መማረፅታትን ፖሊስታትን ሒዘን ይቅረባ፡፡
ልዕሊ ህወሓት ክቃለስን ክመርሕን ዝኽእል ወለዶ ተሃኒፁ ኣሎ፡፡ እዚ ወለዶ እዚ ክሽቁረርን ክደሃልን የብሉን፡፡
ንሃፍትታት ህዝቢ ትግራይ ብኣግባቡ ተረኪቡ ብማዕርነት ከመሓዳድር ዝኽእል ዓቕሚ ሙሁራት ትግራይ ኣለዋ፡፡ ትእምት ኮነ ካልኦት ሃፍትታት ህዝቢ ትግራይ/ኣጋዓዚ/ ዋንነተን ናብ ህዝቢ ተገይሩ ህዝቢ ብዝመረፆም ሰብ ዓቕሚ ይመርሑ፡፡
ሕቶ ግዝኣት መሬት ትግራይ ዝተቆርመመ ካርታ ዘይኮነስ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓወሰ ሰፊሕ ታሪኻዊ መሬትና እዩ ክምለስ ዘለዎ፡፡ ነዚ ንምግባር ድማ ኩናት ዘይኮነስ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ብዝተደገፈ መስርሕ ክምለስ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡
ምስ ጎረባብትና ዘለና ቅርሕንትን ደመኝነትን ጠጠው ኣቢልና ብብልሓትን ንጥቅሚ ህዝቢ ትግራይ/ኣጋዓዝ/ ብዝረብሕ መንገዲ ክእለ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ኢድ ኣእታውነት ህወሓት፡ ሻዕቢያ፡ ብኣዴን ኣየድልየናን፡፡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝፋለጥ ህዝቢ እዩ፡፡ ነዚ ህዝቢ ዘቀራርቡ መስርሓት ንዘርግሓሉ ጥራይ፡፡
ውሑስን ሰላምን ዝዓሰሎ ከባቢ ብምፍጣር
ባህጊ ኣጋዓዝያን ክጋሃድ እዩ።