Eritrean Aser JeganunaPaltalk Form

  • Home
  • Eritrean Aser JeganunaPaltalk Form

Eritrean Aser JeganunaPaltalk Form Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Eritrean Aser JeganunaPaltalk Form, News & Media Website, .

06/11/2020
Dawit AsghedomtsSpton1soredda · ትማል ዶ. ኣብይ ንዕርቂ ኢሉ ክብገስ ከሎ ነቲ ናይ ኣልጀርስ መወዳእታን ቀያድን {Final & Binding}ውሳኔ ናይ ዶብ 100/100 ተቐ...
04/11/2020

Dawit Asghedom
tsSpton1soredda ·
ትማል ዶ. ኣብይ ንዕርቂ ኢሉ ክብገስ ከሎ ነቲ ናይ ኣልጀርስ መወዳእታን ቀያድን {Final & Binding}ውሳኔ ናይ ዶብ 100/100 ተቐቢልናዮ ኣሎና ዶ ከይበለ:: ኢሳያስ ምስ ሰዓብቱ ብዘይካ እቲ ንዓስቢ ምስጎጊ ተ. ሓ. አ. ባዕላቶም ዝመጠውዎ ካልእ ዝተወስደ መሬት እንተነሩ ኮይኑ ክመልስዎ ብሓቂ ዘገድሶም እንተነሩ ካብ ጸገምና ናይ ዶብ ኣይኮነን ኢልካ ዕሽሽ ካብ ምባልን: ቀጺሉውን ናይ ዶብ ኣድላይነት ከተህስስ ካብ ምህቃንን: ሽዑ እንድዩ ነሩ ዶብካ ኣጻሪኻ ሓንጺጽካን: ልዑላውነትካ ኣዕዝዝካን: ክሳራኻ ገምግምካን: ንኸይድገም ብዘረጋግጽ ዘላቒ ስምምዕ ናይ ዕርቂ ዛዚምካ መርየትካ ምምላስ ከምድሓይሽ ጠፊእዋም ጠርሹ ክባሃል ዘይክኣል እዩ:: ውሓጥዮ እንተልካስ ትጎስሞ ሕጂ ተመሊስካ መርየት ተወስዱኒ ዝብል ዝሓተለ ምስምስ ተጠቒምካ ኩናት ክትጽሕትር ምሽብሻብ ዝተረፈ ህዝብና ኣጽንትካ: ንሃገርና ናብ ዕዳጋ ኣውሪድካ ብልዑላውነትና ካብ ምጥላዕ ካልእ ትርጉም ክህሉ ኣይክእልን::
ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገር ዘለኩም/ክን ፍቕሪ ካብቲ አነ ዘሎኒ ፍቕሪ ሃገር ዝልዓለ እንተዘይኮይኑ ይትሕት ዝብል ግምት ስለዘይብለይ ካብዛ ፈታኒት ግዜ እዚኣ ዝኸፍእ ክህሉ ስለዘይክእል ስጋ እንተወድቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ ስለዝኾነ በጃኹም/ኽን ኣብ ሰባዊ ሕልና ተንበርክኽና ማዕረ መስዋእቲ ከፊልና ዘጥረናዮ ሃገራዊ ልኣኡላውነት ንዋያ ኮይኑ ከይተርፍ ሕጂውን ካብ ቀደምና ንላዕሊ ብሓባር ይኣክል ውግእ ጓል ውግእ ንጽንተትና: ይኣክል ሕድ ሕድ ምስሕሓብ ቅዋም ይተኸል ብፍትሒ ዝዳኒ መሰረት ሓርነትና ኢልና ደጊም ብሓበራ ንበገስ በቲ ናይ ወርትግ ብወፈራ ባህልና ክንኣሊ ሽግርና እሞ ንወለድና ጻማ ንዓና ቅሳነት ንደቅና ድማ ክብረት ክረጋገጽ የማሕጽን:: ጌጋ ኮይኑ ዝስማዓኩም/ዝራኣየኩም/ክን እንተሎ ምስኩሉ ሃገርነታዊ ትሕትና ይቕረታ ይሓትት:: ከም ወትሩ :--ዓወት ቃልስና ብደምና
ምስ ሓፋሽ ህዝብብብና ::

04/11/2020
03/11/2020
11/10/2020
04/10/2020

ተኣምራት ናይታ ጸላም ረፍዲ

ናይ ሎሚ 7 ዓመት'ዩ ኣብ ዴሴት ላምፓዱዛ። ኣብታ ጸላም ረፍዲ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣማኢት ኤርትራዉያን መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ዝሰጠሙላ። ዶ/ር ፔትሮ ባርቶሎ ነቲ ካብ ባሕሪ ተመዝሒቑ ዘወጸ ሬሳታት ኣፍልጦ ክህብ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ሬሳታት በብሓደ ካብ ዝተዓሸጎ ፕላስቲክ ሻርነልኡ እንዳ ጋለሀ ናይ መወዳእታ ናይ ሞት መርትዖ ብ ሞያዊ ብቕዓቱ ይህብ ነበረ።
ኣብ ሞንጎ እቲ ከቢድ ሓዘንን፡ጸቕጢ ዝመለኦ መንፈስ ናይታ ዕለትን ፡ ዜግነት ብዘየገድስ ፡ ኣብ ገጽ ነውፍሲ-ወከፍ ፍጡር ከቢድ ጓህን ብንብዓት ዝዓዝዓዘ ምስልን ተለጢፉ ነበረ ።
ማዕከናት ዜና ዓለም ፥ ነቲ እትረፍ ክትርእዮ ክትሰምዖ እኳ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ህልቂት መንእሰያት ኤርትራ ብ ተንቀሳኣቓሲ ምስሊ ኣሰንየን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይዝርግሓ ነበራ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ምስሊ ናይቶም ግዳያት ዘለዎ ናይደም ሕብሪ ዝተቐብኦ ንብዓት ዝንጠብጥብ ኣሳእል መሪር ሓዘን ንምግላጽ የዕለቕሊቑ ነበረ። ካብ'የ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣኻኸባ ምስ ኣብ ጣልያን ዝቕመጣ ኤርትራዉያን ኣደታት፡ ከብድኻ ዝበልዕ ቁዘማን ኣውያትን ኣብ ኩሉ መረኸቢ ብዙሓን ናይ መርድእ መቓልሕ ኣጋወሓ ።

ዶ/ር ፔትሮ ኣብ መንጎ እቲ ብቐደም ተኸተል ዘረጋግጾ ዝነበረ ናይ ኣማኢት ኤትራዉያን ሬሳታት ስራሕ ፈጣሪ ንኸይተርፍ ሓደ ተኣምራት ተገልጸ። ካብቲ ብፕላስቲክ ተዓሺጉ ዘነበረ ሬሳ ትልኽታ ትንፋስ ናይ ሓንቲ መንእሰይ ኣስተብሃለ።
ኣብቲ መጀመርታ ዶ/ር ፔትሮ ነቲ ተጓንፎ ከረጋግጽ ስለ ዝኸበዶ ደጋጊሙ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላት ናይቲ ሬሳ ንዝያዳ መርትዖ ብሸፈድፈድ ጎርጎረ። እዚ ክንዮ ተኣምራት ካልእ ሚስጢር ዘይውክሎ ኣጋጣሚ ፡ ን ዶ/ር ፔትሮ ካብቲ ዝጸነሖ ፍጥነት ቀኒሱ ናብ ፍጹም ደረቕ ቀየሮ።
ንዝተወሰነ ካሊእታት ድማ ስርሑ ኣቋሪጹ ናብ ፍጹም ዕኑድ ስለዝተቐየረ ፡ኣቓልቦ መሳርሕቱ ሰሓበ።
ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ ተሓጋገዝቱ ፡ን ዶ/ር ፔትሮ ፥ ገሊኦም ብ እንግድዕኡ ገሊኦም ብ የእዳዉ ብምሓዝ ካብቲ ዝነበሮ ኩነታት ክምለስ ስሙ እና ጸወዑ ደጋጊሞም ነውነዉዎ።
ከም ካብ ጸቓጢ ድቃስ ባህሪሩ ዝተበራበረ ድማ የዕንቱ ቋሕ ብምባል ድምጹ ኣበሪኹ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።
"ኣምፑላንስ ፡ፍጠን ፡ ኣልዕልዎ እዚ ሬሳ ኣይመተን ኣሎ ውሰድዎ" መስርዑ ዘይሓለወ ቃላት ብ ኣድራጋ ፈነዎ። ኣብ መንጎ እቲ ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ተጸቒጡ ዝወጽእ ዝተቖራረጸ ናብ ብኽያት ዘምርሕ ዘንቀጥቅጥ ድምጺ ይስማዕ ነበረ።
እቲ ዝብሎ ዝነበረ ንገለ መሳርሕቱ ዓጀውጀው ኮይኑ ተሰመዖም ። ብፍጹም ካብ ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ሬሳ ህወት ክርከብ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ኮኖም። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ነበረ ።
ሬሳ ተላዒሉ ናብ ኣምፑላንስ ፡ ካብ ኣምፑላንስ ብ ሄሊኪፕተር ናብቲ ዝለዓለ ሕከምና ተወሰድ ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ናይቲ ፍጻመ እንሆ እታ ዉጻእ መዓት መንእሰይ ክብረት ፡ ነቲ ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ ዘሎ ዶ/ር ፔትሮ ባርቶሎ ኣብ ርእሲ ከተማ ሃገረ በልጁም ከተማ ብራስለስ ረኺባቶ።
እታ ብሰረሕተኛታት ህወት ኣድሕን ባሕሪ ፡ከም ምውቲ ተቖጺራ ኣብ ናይ ሬሳ ፕላስቲክ ዝተዓሸገት ምንእሰይ ክብረት ምስቲ ካብ ኣፍ ጋህሲ ዝመለሳ ዶ/ር ፔትሮ ዳግማይ ተሓቛቒፎም ይነብዑ።

ጳውሎስ (በርሊን )18/02/20

ኤርትራ ካብ 23 ግንቦት 1997 ቅዋማዊት ሃገር ኰይና እያ | ስነጠበበኛን መምህርን ስምኦን ሓጎስ  https://www.youtube.com/watch?v=ivF655_tuWs
22/09/2020

ኤርትራ ካብ 23 ግንቦት 1997 ቅዋማዊት ሃገር ኰይና እያ | ስነጠበበኛን መምህርን ስምኦን ሓጎስ https://www.youtube.com/watch?v=ivF655_tuWs

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ምእንቲ ከምዚ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓበሬታ ናጽነት ክረክብ፡ ኤሪሳት 24 ሰዓት ናብ ኤርትራ ፈነውኣ ተሰናድእ። ናብ መደበር ቴሌቪዥን ሳተላይት ገንዘባዊ ድ....

by Dawit Asgedom :                          ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም. ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራብ 1962 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን ወርሓቱ ድማ ወርሒ 8...
19/09/2020

by Dawit Asgedom : ንሓሰ 05, 2017 ዓ.ም. ብዓል ንዝኽሪ ጀጋኑ ሓርበኛታት አርትራ
ብ 1962 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን ወርሓቱ ድማ ወርሒ 8/ ንሓሰ ምንባሩ ረግጸኛ እየ ምኽንያቱ ቤተ-ክርስቲያን ዓድና እንዳ ኣቦይ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ዓመታዊ ንግደቱ ኣብ ወርሒ ንሓሰ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡፡ ኣብዚ ንግደት’ዚ ኣቦይ ተኽለሃይማኖት ብጣዕሚ ሰማዕ እዩ ኩሉ ዝለመንካዮ ዘማልእ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣብ ህዝቢ ስለዝሓደረ ካብ ኩሉ ሸነኻት ማለት ካብ ውሽጢ ኤሪትራ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ብዓል ኢትዮጵያ᎖ ሱዳን᎖ ስዑዲያ᎖ ወዘተ ከይተረፈ ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ማእለያ ኣይነበሮን፡ ብሕልፊ ካብ ከተማ ባጽዕ ዳርጋ ብኹሎም (ኣስላም’ውን ከይተረፉ) ንከተማ ባጽዕ ብሓንካስ ትውረር ገሮማ ግልብጥ ኢሎም ይመጹ ነይሮም፡፡ መቐበል ኣጋይሽ ድማ ኣብቲ ሰፊሕ መረባ ቤትና ስለዝነበረ ዝኣክል ሽሻይ ዝብላዕ ኮነ ዝስተ ተዳልዩሎም ብጟይላን ጸወታን ዕላልን ስሓቕን መሬት የውጉሕዋ ከምዝነበሩ እዝክር፡፡ እቲ ዓመት መጸ ብዘይምቁራጽ እናመጸ ብናጻ ናይ ኣገልግሎት ዋጋ መሰንቆ(ክራር) እናወቕዐ ንህዝቢ(ኣጋይሽ) ከላሂ ዝሓድር ዝነበረ ድማ ክቡር ድምጻዊ ኣያና ቪተርዮ ፖቸ ከምዝነበረ ሓበን እናተሰምዓኒ ክዝክሮ እደሊ፡፡
ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣያና ቪተርዮ ኩሉ እቲ ዝላሃዮ ዝነበረ ደርፍታት ብጣዕሚ ጽቡቕ እኳ እንተነበረ ኣብታ “ ቆልዑ ሎምዘበን ኣውቲስታ ኮይኖምየ - ማኪና ኣብያቶም ክነብዑ ደልዮምየ” ትብል ደርፉ ግን ህዝቢ ብጣዕሚ ፈትይዋ እናሻዕ ድገመልና እናበለ ክልሀ መሬት ወጊሓ በዛ ደርፊ’ዝኣ ድማ ጟይላ ተዛዘመ፡፡ ኣነን ምንኣሰይ ሓወይን ከምብጣዕሚ ዝፋተዉን ዘይፈላልዩ ዝመስሎም የዕሩኽ ኢና ነርና፡ ድቅስ ዊዕልና ምስተንሳእና እታ ደርፊ ኣብ ሓንጎልና ኣራጢጣ ስለዝተቖጻጸርትና ሓደርካ ኣብክንዲምባል በታ ደርፊ ኣፍና ከፈትና፡፡ እንታይ ኮይኖም ዞም’ደቂ? የዋርዶም! ማኪና ምዝዋር ኣናኽኣሉስ ከዕርይዋ ኣብ ክንዲ ምፍታን ወይ’ውን ዝሕግዞም ሰብ ኣብ ክንዲ ምንዳይሲ ከምህጻን ክነብዑ እናበልና ክንጭነቕን ክንካታዕን ነቦይ ዳዊቱ እናንበበ ስለዝሃወኽናዮ ዳዊቱ ገዲፉ ክሕወሰና መረጸ፡፡ ዛዕባ ጭንቅትና ንገልጸሉ’ሞ ትዋሕ ኢ ሉ ድሕ ሪ ምስሓቕ ኣንቱም ዓያሹ ቆልዓ ድኣ በየናይ ዓቕሙ ማኪና ክዝውር መንከ ተኣማሚኑ ንቖሎዓ ማኪና ክህብ ኢልኩም ትሓስቡ ይብለና’ሞ ብዕንጅልናና ክምእተሰከፍና ኣብ ገጽና ስለዘንበበ ኣይትሰከፉ ዞምደቀይ ሓደነገር ክዕልለኩም እየሞ ጽን ኣልኩም ስምዑኒ ኣብ ልብኹም ክኣ ሓዝዎ ድሕሪ ምባል ከምዚ ዝስዕብ ምስጢር ናይታ ደርፊ የዕልለና፡፡ ዞምደቀይ ደራፋይ ሓምየን እናተባህለ እንተተናሸወ ቀሊል ሰብ ከይመስለኩም ናይ ትማልን ሎምን ኣወሃሂዱ ናይ ጽባሕ ዝትንቢ በሊሕ እዩ፡ ቆልዑ ዝብሎም ዘሎ ነዞም ጀጋኑ ደቅና ንኹሉ ገዲፎም ስሪኦም ሸጥ ኣቢሎም ዓጢቕም ናጽነት ሃገርና ተዋጊኦም ከምጽኡ ንሞረር ወፊሮም ዘለው ኣያታትኩም እዩ፡ ታ’ኣውቲስታ ማኪና ኮይኖም ዝብላ ዘሎ ድማ ደቅና ክዕወቱ ምዃኖም ንምሕባር እዩ፡ እቲ ክነብዑ ደልዮምየ ዝብሎ ደሎክኣ ካልእ ዘይኮነስ ደቅና ተዓዊቶም ሃገር ኣብ ኢዶም ምስ ሓዙ ምምሕዳር ሃገር ምኽኣሉ ክጽግሞም እዩ ማለት ምዃኑ ኣይትረስዑ ኢሉ ዕላሉ ይድምድም፡፡
እወ ኣያና ቪተርዮ ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ ወድዓዊ ኩነታትና ዝምስክሮ እዩ፡ ምኽንያቱ ንሰላሳ ዓመታት ተዋጊእና ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትን መስበርትን ስደትን ከልበትበትን ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ሃገራዊ ሉዑላውነት ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ብቕዓትና ሃገርና ኣብ ሓደ ሲሶ ናይ ሉዑላውነታ ጠልጠል ኢላ፡ ህዝባ ድማ ሓርነት ተነፊጉ ናብራ ዓሳ ኮይንዎ ኣደዳ ዘይፍትሓዊን ውልቀ-ውሳኔያዊን መቕዘፍትን ስደትን ከርተትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ዘይሓላፍነታዊ ብቕዓትና ክብል ከለኹ ንህግደፍዊ ማለት ኢሳያሳዊ ኣረመናዊ ምሕድራ ጥራይ ማለተይ ዘይኮነስ ብዘይካ ነቲ ክንጥቀመሉ’ምበር ዛጊት ክንጠቕሞ ዘይበቓዕና የዋህ ዓዃይ ህዝብና ነቲ ኩሉ ፊደል ዝቖጸረ ካባይ ጀሚርካ ተማሃራይ ክፍሊማለተይ ምዃኑ ከብርህ ከለኹ ብዘይ ናሓፍነት ርእሰ-ነቐፈታይ ድማ ብንቕሓተ ሕልናይ ይቕበል፡፡ በደልና ወይ ጸገምና ግን ድሕረትና ስለዝኾነ ሕፅረተ-ምዕባለ ድኣ’ምበር ብዓመጽ ዘሕትት ገበን ኣይኮነን ምኽንያቱ ድሕረትና ኣብቲ ክህልወና ዝኽእል ዓቕሚ ታሪኻዊ ነገርንት(Historical Materialism) ተሞርኩሱ ምዝፈጠሮ ውድዕነት ሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕባለና(Social Development) ተታሓሒዙ ዝመጸ ስለዝኾነ፡፡
ሓደ ክንርድኦ ዘሎና ነገር እንተሃልዩ ኣግእዞ ሃገረ አርትራ ዞባዊ ጥራይ ገርካ ምርዳእ የዋህነት ጥራይ ዘይኮነስ ጸላኢኻ ብንጹር ዘይምልላይ ዕሙትነት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኩለን እተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ፐርሽያዊ ወሽመጥን (Persian Gulf) ዘለዋ ሃገራት ብዘይካ አርትራ ኩለን 100/100 እስልምና ዝኽተላ ስለዝኾና ነቲ ኣብፍጹም ድጋፍ ናይ ምዕራብ ዝነብር ጽዮናዊ መንግስቲ እስራኤል ምስቲ ዘለዎ ቀጻሊ ግርጭት ምስ ሃገራት የዕራብ፡ እስትረተጂካዊ ውሕስነት ክህቦ ስለዘይክእል ነዚ ክጥቀመላ ድማ አርትራ ብዑቕባነት ኣመኽንዩ ምስተጋሰሳ ምዕራባዊ መንግስቲ እንግልዝ ክሳብ ሕጅን ንቐጻልን ምዕራባዊ እስትራተጂካዊ ግዳይ ኮይና ተቖሪና ትርከብ፡ እዚ ስለዝኾነ ድማ እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ግፍዐኛታት ከም ብዓል ኢሳያስ/መለስ”ሕሩያት ናይ ኢጋድ መራሕቲ” መሳርሒ ዕሱባት ናይ ምዕራብ ድ ኣምበር መሰረታዊ ጸላእትና’ስ ምዕራብ ምዃኖም ንጹር ተረድኦ ክህልወና ይግባእ፡፡ ማዕረዚ ድማ ሉዑልነታዊ መሰልና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበረ-ሞራላዊ ንቕሓትና ኣማዕቢልና ኣብቲ ወድዓዊ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቃርሳ ንክንቆራቐስ ክንበቅዕ ክንክእል ይግባእ፡፡
እዚ ንኽንትግብር ድማ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ቃልስና ተማሂርና ብዘይ ገለ ውልቃዊ ጸጊዕነት ኣብ ሃገራዊ ዕግበት ተሞርኪስና በቲ “ኣብ ምብጋስ ቃልሲ ሓርነት ስምረት ስለዝኾነ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ” ዝብል ናይ ሕልና ኣምር ክንምእዘዝ ይግባእ፡፡ ምልስ ኢልና ካብ ኣርባዓታት ብፍላይ ድማ ምስ ምእታው እንግሊዝ ተመኩሮ ቃልስና ምስ እንድህስስ ምዕራብ ድሕረታዊ ዝንባለታትና ብምዝማዝ ነንሕድሕድና እናጋጨወ ንሕኑን ሃገራዊ ቃልስና ወላዃ ክገትኦ ኣይኽኣል’ምበር ገለ ዕንቅፋታት ናይ ምፍሕፋሓን ምስሓሓባትን ሃዋህው ክፈጥረሉ ኪኢሉ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ወርትግ ይቕጽል ምህላዉ’ውን ብሩህ እዩ፡፡ ኣብቲ ብሱሳታት ተጀሚሩ ኣብ1991 ብዓወት ዝተዛዘመ ቃልስና’ውን ብሰንኪ ድሕረትና ሰረ ዘይምስማርና ክብላዕ ዘይግበኦ ግዜ ብሊዕና ጥራይ ዘይኮነስ ክጠፍእ ዘይግባእ ሓይሊሰብ ኣደዳ እተናወሐ ጸረ ኢትዮጵያ ውግ እን ውግ እ ሕድሕድን ኣጥፊእና ኢና፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ዓንዲ ሕቖ ዓወትና ዝኾነ ሓርበኛ ህዝብና ኣሃውቲትና ሞራሉ ከምዘይትንስእ ጥዋዕዋዕ ኣብልናዮ ባይታ ኣውቂዕናዮ ኢና፡፡
እቲ ኣዚዩ ዘገርም ግን ናይ ሕጂ ገደደ ውሓጥዮ እንተበልኩስ ትጎስሞ ኮይኑና ዘሎ!! ታሪኽ’ኮ ሰንኮፍን ስጡምን ተሞክሮ መሚኻ እተለልየሉ መዝገበ ትምህርቲ ድኣምበር ከምዘለዎ ዝድገም ሓሸውየ ኣይኮነን። እወ ከሽዒ’ደ ጉራሙራ ከምዝባሃል ኣሹምባይዶ ደቂ ሓንቲ ሃግር ህዝቢ’ስ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝተወልዱ የሕዋት’ውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህልዎም ናይ ግድን እዩ ኮይኑ ግን ኣብ ሓልዮት ወላዲት ንዝምልከት ግን ይሕዋት ንስለ ሓንቲ ወላዲቶም ክብሉ ክላዘቡ ታሪኻዊ ግድነት እዩ፡፡ ካልኣይ ኮር ተገልበጥ ድማ እቲ ትማል ኩሉ ሰላማዊ ፍታሓት ተማእዚዙ ኣናተቕብለ ዝጸንሐ ስላማዊ ህዝቢ ግን ፍታሕ ዝመኸነ ኣብ ልዑላውነቱ ስለዝተ ኣማመን ንሙሉእ ናጽነተይ መተካእታ የብሉን መስዋእቲ ከፊለ ብቕልጽመይ ናጽነትሃገረይ ኣረጋጊጸ ክእውጅ’የ ብምባል ብ1961 ኣብ ዘይብህጎ ብረታዊ ጎንጺ ክ ኣቱ ስለተገደደ ኩለን ቢሀራትን ብሀረ-ስባትን ካብ ብሀርነታዊ መለለይ አን ናብ ሃገራዊ መንነትን ክሰግራ ብምስምማዕ ሓባራዊ መስዋእቲ ከፊለን ብ1991 ወርሒ ሓሙሽተ ነቲ መሰረታዊ መበገሲአን ሙሉእ ናፅነት ሃገር ከዕዊታ በቒዐን ከብቅዓ ኣብ ምእዋጁ’ግን ብውዲተኛታት ዕሱባት ምዕራብ ተሓንኩለ ዶብ ተነጺሩ(Chart of Boundaries) ከይተኣወጀን ሕጊሃገር(National Constitution)ሓንጺጹ ከየጽደቐን ኣብ ሓንካስ ልዑላውነት ክ ኣትዋ ተጠበራ፡፡ ነዚ ሓርበኛዊ ኩውንነትዚ ዘንጊዕና ብሀራት ኮነ ቢሀረ-ሰባት ብርዳየን ናብ ሃገርነት ምስተሰጋገራ ብሃገርነተን ተሓቢነን ብሓባር ኣብ ሓደ ሃገራዊ መንነት ተጠርኒፈን ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሰን ኣብክንዲ ምስልሳል ናብ ቲ መለልይ አን ብሀራዊ/ብሀረስባዊ ንቕሓት ተመሊሰን ሓሸውየ ክብላ ትጉሽተትክን ዝብልዶ ሓሪምወን? ኣብ ብሀራዊ ንቕሓት ተኾዲምካ ሃገራዊ ሓርነት ክትፈትሕ ዘይስነሞገታዊ ስለ ዝኾነ ካብ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ሓሊፉ ከምጽኦ ዝኽእል ዓወት ከምዘየለ ውድዕነት ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡፡
ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ዝሙርከስ ኣብ ሃገራዊ ሰምረት ዝኣምን ክኸውን ስለዘለዎ ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ዘይኮነስ ኣብ ውልቀ-ረብሓዊ ዝንባለ ወይ ጸጊዕነት ዝሙርከስ ድማ ንሃገራዊ ስምረት ክጻባእ ናይ ግድን ይኸውን ኣብ ዝብል ስነሞገት ተሞርኪሰ ድማ ኣብ ክንዲ ዓንዲ ሕቆ ልዑላውነትና ሓርበኛ ህዝብና ኮይነ ንኹለን ኣብ ህገራዊ ንቕሓት ተሞርኪሰን ዝቃለሳ ተቓወምውድባት᎖ጉጅለታት᎖ማሕበራት᎖ ምንቅስቓስት᎖ባእታታት᎖ ወዘተ እቲ ሃናጺ ዝኾነ ሞዕብልና ደቂ ሰባት ሕድገት ስለዝኾነ ኣብ ሕልናና ተሞርኪስና ብህጹጽ ኣብ ሓደ ማእከላዊ ማኣዲ ተራኺብና ብምልዛብ ንተቓውሞና ካብ ኩለን ብሄራትን, ብሄረ-ሰባትን ብሃገራዊ ንቕሓት ዝተመልመሉ/ላ ካድራት እትሓቁፍ ደሞክራስያዊ ሃገራዊት ሰልፊ(Democratic Nationalist Party) ብምቛም ንተቓውሞና ማ እከልነት ክንገብረሉ የማሕጽን፡፡ ዘይምእኩል ተቓውሞ ጥርናፈ ስለዝመክን ኣድማዕነቱ ሃሳስ ምዃኑ ውጽ ኢት ናይ ኣስታት ሰላሳ ዓመት ተቓውሞና ብሩህ ምስክር እዩ፡፡
ሓድነትና ኣቀላጣፍን ውሕስነትን ዓወትና ምዃኑ መተካ እታ ዘይርከቦ ሓቂ እዩ
ዓወት ነቲ ሸቱኡ ንምውቃዕ ዘይሕለል ሓርበኛ ህዝቢ አርትራ
ኣብዚ ናይ ውልቀ ርእይቶ’ዚ ንኽህሉ ዝኽእል ሃናጺ መአረምታ ኮነ ተወሳኺ ምትብባዕ ኣብ -tel. #1 702 234 6673 or [email protected] [email protected] መርሓባ ያወጠንዪን እብል

እቲ ጅግና መልኣከ ተክለ
19/09/2020

እቲ ጅግና መልኣከ ተክለ

https://www.youtube.com/watch?v=YTGFsvkAXf4
17/09/2020

https://www.youtube.com/watch?v=YTGFsvkAXf4

ብ/ጀነራል ተኸስተ ሃይለን ኣቶ ሙሴ ኤፍሬምን ኣብ ጉዳይ 'ጉጅለ-15' ቅድሚ 19 ዓመት ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ንቡር መስርሕ ቤትፍርዲ ዘይተርኣዩ ገዳይም ተጋደልትን መራሕትን ...

13/09/2020
Big Respect Family Asgedom ( tikue maegul )https://www.youtube.com/watch?v=XUFtUa5ya7I
06/09/2020

Big Respect Family Asgedom ( tikue maegul )https://www.youtube.com/watch?v=XUFtUa5ya7I

ሌላ ምስ ገዲም ስነጥበበኛ ትኩእ ኣስገዶም (ማዕጉል)ኤሪትሪያ ያቢላዲ bit.ly/3fkyWWP bit.ly/3jSWe9K bit.ly/2XHhAxu

Weylikum hgdef menisey Eritrea kisehalekum eyu 2020 , last worrining !!! https://www.youtube.com/watch?v=P9J0YSyaMj0
05/09/2020

Weylikum hgdef menisey Eritrea kisehalekum eyu 2020 , last worrining !!! https://www.youtube.com/watch?v=P9J0YSyaMj0

ድሕሪ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዕዉት ስርሒት ተወሳኺ ሓድሽ ሓበሬታ።

ካብ ትጽቢት ናብ ትጽቢት           19 years . why?             https://www.youtube.com/watch?v=-iFRDRhE8oU
26/08/2020

ካብ ትጽቢት ናብ ትጽቢት 19 years . why? https://www.youtube.com/watch?v=-iFRDRhE8oU

Ghirmay Yohannes is Joshuwa's Younger Brother He is living abroad in Sweden. He wrote an amazing article to remember his lovely Brother artist, journalist an...

"السودان على صفيح ساخن"حمدوك يتهم شركات الجيش بتازيم الوضع الاقتصادي في السودانورئيس المجلس السيادي والقائد الاعلى للقوا...
26/08/2020

"السودان على صفيح ساخن"

حمدوك يتهم شركات الجيش بتازيم الوضع الاقتصادي في السودان
ورئيس المجلس السيادي والقائد الاعلى للقوات المسلحة السودانية الفريق ركن عبدالفتاح برهان يصف الحكومة والمكونات المدنية "بالفاشلة" وتعلق فشلها على شماعة الجيش لخلق فجوة بينه وبين الشعب على حد وصفه
وفي تصريح خطير قال البرهان : نحن تحت رهان اشارة الشعب للاستجابة لهم كما فعلنا في ابريل " في دليل واضح لطلبه تفويض شعبي للانقلاب على المكون المدني "
وفي ذات الصياغ وصل الدكتور ابي احمد رئيس وزراء اثيوبيا الخرطوم اليوم للقاء المسؤولين السودانيين تزامنا مع وصول وزير الخارجية الامريكي بومبيو الخرطوم

بالتاكيد سيكون اسبوع لن ينقضي بهدوء في السودان وان الانقلاب الجيش على قوة اعلان الحرية والتغيير و بقية المكون المدني احتمال وارد بقوة

last year for Dictator Eritrea 2020
25/08/2020

last year for Dictator Eritrea 2020

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eritrean Aser JeganunaPaltalk Form posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share