Segar media network, tigrai

  • Home
  • Segar media network, tigrai

Segar media network, tigrai This is growing media platform based in tigrai committed to deliver accurate and relevant information

06/05/2024
04/04/2024
17/03/2024

ምዕራብ ትግራይን ካልኦትን ዝምልከት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እንታይ እዩ ወሲኑ ?

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግልፂ ናብ ሚድያ ወፂኻ መግለፂ ክትህብ እዩ ዝግበአካ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትስማዕመዖ ካልእ ኣብ መቐለ መፂኻ ትናገሮን ኣብ ትዊተር ትልጥፎን ካልእ ክኸውን ኣይብሉን። ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ "ስትራቴጂካዊ ገምጋም ውዕሊ ፕሪቶርያ" ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ትግራይ ህልዊ ኩነታትን ኣመልኪትካ መግለፂ ክትህብ ኣለካ። ብወገን ግ.ም.ት ዘሎ መርገፂ ብግልፂ ንገረና። ሕብሕብኢተይ ይኾኖ።

"ጌታቸው ዘለዎ ኮሚቴ ኣጣይሽና ኣለና። ተመዛበልቲ ክምለሱ፥ ሪፈረንደም ክካየድ፥ ናይ ትግራይ ኮነ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ኣብቲ ከባቢ ከምዘይህሊ፥ ነቲ ከባቢ ብልፅግና ከምዝቆፃፀሮ" ዝብሉ ኣብ ቅድሚ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዩ ተናጊሩ። እዚ ድማ "ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣብይ ሓሳብ ተስማዕሚዑ" ዝብል መርገፂ ክንሕዝ ይገብረና። ብተዘዋዋሪ ጌታቸው ረዳ ምዕራብ ትግራይ ኣሕሊፉ ሂቡ ኣሎ ማለት እዩ። ኣነ ብኸምኡ እየ ዝርድኦ።

ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ዘሎ ዘረባ "ንሕና ሐዚ እውን ኣብቲ ዝነበረና መርገፂ ኢና ዘለና ዝተቐየረ ነገር የለን። ኣብቲ ዝተጣየሸ ኮሚቴ እውን እቲ መርገፅና ሒዝና ኢና ንቐርብ" ዝብል መልሲ ብውልቀይ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ እዩ። ኮይኑ ግን እዚ መሸፈጢ እዩ። ብግልፂ ናብ ሚድያ ወፂኹም ምዕራብ ትግራይን ካልኦትን ንብልፅግና ኣሕሊፍኩም ከምዘይሃብክምዎ ብተግባር ኣረጋግፁልና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ኣብ መቐለ ካልእ ዝበሃል ኣሽካዕላል ደው ኣብሉ። ጠላዕ ኣይትፃወቱ።

BTW ኣብይ ኣሕመድ "ንጌታቸው ረዳ ደግፍዎ፥ ውግእ ዝደልዩ ኣለው ግደፉ በልዎም፥ ኣይነገረናን ከይትብሉ ኣነ ይነግረኩም ኣለኹ" ዝበሎ ኣቕልል ኣቢልና ከይንሪኦ። ቡዙሕ ፖለቲካዊ ትንታነን ትርጉምን ክወሃቦ ዝኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ግዲ የብልኩምን ስኽን ኢልና ንርኣዮ ቡዙሕ መልእኽትታት እዩ ዘለዎ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብሚድያ ወፂኻ መግለፂ ሃብ ሕብሕብኢተይ ይኾኖ።

ፈታዊ ለውጢ

17/03/2024

ናብ ጌታቸው ረዳ ተዝበፅሕ ደስ ምበለኒ!!!
አብይ አሕመድ ብዛዕባ አወዛገብቲ መሬታት እሉ ዝተዛረቦ ሓደገኛ ዘረባ።
፩. ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ አብ ትግራይን ኢትዮጵያን እዩ ስለዚህ ፌደራል እቲ ዝአተዎ ውዕሊ ክፍፅም ይግባእ።
፪.አወዛጋቢ ዝበሃል መሬት የለን እቲ መሬት ሕጋዊ ሕገመንግስታዊ ግዝአት መሬት ትግራይ እዩ ብዘይምንም ቕድመ ኹነት ፌደራል መንግስቲ ንግዚያዊ ምምሕድዳር ከረክብ አለዎ ።
፫.ጌታቸው ረዳ ምስ አረጋ ከበደ እንታይ የራኽበኩም ስለምንታይ ኢኹም ትዘራረቡ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከይተፈፀመ ምስ ክልል አምሓራ ብዛዕባ ግዝአት መሬት ምዝርራብ ሓደገኛ ክልል አምሓራን ትግራይን ብቀጥታ ናብ ዂናት ከምርሕ ይኽዕል እዩ ።
፬. ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም መን እዩ ክሕልዎም መከላኸሊ ሃገር ኢትዮጵያ ባዕሉ እኮ ክሕተት ዘለዎ አዋልድ ዝቐትልን ዝደፍርን ዝነበረ ወንጀለኛ እዩ እሞ ብኸመይ ምኽንያት እዩ መከላኸሊ ከም ነፃ ፁሩይ ተገይሩ ክረአ?
ስለዚህ አይተ ጌታቸው ረዳ ኾንኩም ካልኦት አመራርሓ እዚይ ሰብአይ እዙይ ብዓለም ለከ ሕጊ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ጥራይ ኪዱ እምበር እዚ ሰብአይ እዚ ክልል አምሓራን ትግራይን ተስማዕሚዖም አለውሞ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ይቀደድ ምባሉ አይተርፍን ብዛዕባ ናይ ሻዕብይ ይፅናሕ...

10/03/2024

TPLF Affirms Peace as Its Unwavering Strategic Choice: A Commitment from the Past, Present, and into the Future

The Tigray People's Liberation Front (TPLF) unequivocally states that peace has consistently been and remains its strategic choice, both in the past and looking forward to the future. The history of the Tigrayan people is marked not by aggression but by a persistent defense of their rights and existence against oppression and injustice. This experience has ingrained in them the true cost of conflict, not through abstract history but through the tangible losses of loved ones and the devastation of their communities. It is from this place of understanding that the Tigrayan people, and by extension the TPLF, have chosen a path of peace, striving for harmonious relations and cooperation with their neighbors.

The TPLF was compelled to engage in armed struggle in 1975 only when all non-violent methods to confront the systemic oppression against the Tigrayan people were deliberately blocked. This challenging period, however, culminated in notable successes that highlight the Tigrayan people's and their leadership's resilience and solidarity. In the last three years, the genocidal war against the people of Tigray inflicted unprecedented loss of life and widespread destruction in the region. Despite these severe challenging times, the unwavering unity and leadership of the TPLF and the Tigrayan people have not only enabled them to endure but also to pivot towards advocating for peace through political means.

Even in the face of a genocidal campaign, the TPLF and the TPLF led administration have consistently advocated for peace and dialogue. This commitment was evident before the conflict, at its onset, and continued through the signing of the Pretoria Peace Agreement. Despite the Pretoria Cessation of Hostilities Agreement, challenges remain, including the presence of non-ENDF forces, their occupation of Tigrayan territories, and the plight of displaced persons and refugees. The lack of progress on these issues is concerning, and recent accusations of war preparations against the TPLF are unfounded and part of a broader campaign to undermine Tigray's unity and leadership.

The TPLF remains dedicated to the Pretoria agreement as a framework for ending conflicts and achieving lasting peace. We are committed to the peaceful political struggle to ensure the withdrawal of non-ENDF forces from the region, the restoration of Tigray's constitutional territorial integrity, the safe return of internally displaced people and refugees, and resumption of humanitarian aid and accountability. The strategic choice of the TPLF for peace is unwavering, and we will continue to pursue this path with determination.

29/02/2024

ውዕሊ ፕሪቶርያ ንሰላምዶ ካሊእ ስልቲ ኲናት? ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘይምትግባር ካልእ ስልቲ ኲናት ተኸፊቱ ኣሎ ማለት እዩ፤ ዎርልድ ፒስ ፋውንዴሽን፡፡
---

ድኹም ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተስፋ ዘቑርፅ ምዃኑ ዎርልድ ፒስ ፋውንዴሽን ነቒፉ፡፡ ብሰንኪ ድኹም ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ህዝቢ ትግራይ ካብ ኲናት እንበር ካብ ሞት ኣይደሓነን ዝበሉ ፀሓፊ እቲ ሰነድ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ንትግበራ እቲ 15 ኣዋርሕ ዘቑፀረ ሰነድ ኣወዓዓልቲ ኣካላት ሓላፍነት ክወስዱ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ገዛኣይ ውዕልን ብወታደራዊ ሓለፍቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ናይሮቢ ዝተኣትወ መተግበሪ ሰነድን፤ ተስፋ ዝወሃቦምን ዘላቒ ተፃብኦታት ደው ንምባል ህዝቢ ዘረጋግኡ ምንባሮም ዝገለፁ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ እዞም ዓንቀፃት ዘይምትግባሮም ግን ተስፋ ዘቑርፅ ከብሉ ገሊፀምዎ፡፡

ምምሕዳራዊ መሬት ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ናብ ንቡር ክምልስ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ኣፅዋር ክወርድን ዳግመ ውህደት ተጋደልቲ ትግራይ ክፍፀምን፣ መሰጋገሪ ፍትሒ ክትግበር፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክጅመርን፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ከም ዝፈረመ ዘማላኸቱ ዶክተር ሙሉጌታ፤ ብዘይካ ውሱናት ጉዳያት ዓበይቲ ነገራት ኣይተፈፀሙን ኢሎም፡፡

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣካል ስምምዕነት ተፃብኦ ደው ምባል ምዃኑ ዘሕዝን እኳ እንተነበረ፤ ድሕሪ ስምምዕነት እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላዉ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ጥሜትን ሞትን ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፀሓፊ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካሊእ ዓይነት መዋግኢ ኲናት ከይኸውን ስግኣቶም ኣንቢሮም፡፡

ብወገን ትግራይ ዝነበረ መንግስቲ ኣፍሪሱ ግዚያዊ ምምሕዳር ክምስርትን ከበድቲን ማእኸለዎትን ኣፅዋርን ክፈትሕን ዓለም ዝተዓዘቦን ቀዲሙ ዘተግበሮን እኳ እንተኾነ፤ ጎናጎኒ ምውራድ ኣፅዋር ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ ዝግበኦም ወረርቲ ብዘይምውፀኦም፤ መንግስቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪካን ንዝኣተውዎ መፅበዓ ኣጉዲሎም ኢሎም፡፡

ንስምምዕነት ስዒቡ ግልጋሎት ባንኪ፣ ቴሌኮምን መጓዓዝያን ምፍቃዶም ዝነኣዱ እኳ እንተኾኑ፤ ከሳብ ሕዚ ውሑስ ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝህብ ዘሎ መጓዓዝያ ኣየርን ብመስመር ዓፋር ዘሎ ምንገዲን ጥራይ ምዃኖም ዝጠቐሰ ሰነድ ዎርልድ ፒስ ፎውንዴሽን፤ ብቐሊሉ ክትግበር ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ ብስርዓት ክበፅሕ ኣይከኣለን ኢሉ፡፡

ብሕገመንግስቲ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ ዝኾኑ ግዝኣታት ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣለዉ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ትካል ፌደራል ውክልና ስለ ዘይብሉ ብስሙ ዝውሰኑ ጉዳያት ኣይምልከትዎን ዝበሉ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረሂወት፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ስደትን ምምዝባልን ኮይኑ ምህላዉ መርኣያ ጎደሎነት ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ልዕሊ ግዝኣታት ትግራይ ሪፈረንደም ክካየድ ዝብል ዘረባ መንግስቲ ፌደራል፤ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ብጊዚያዊ ኮሚቴ ከም ምትካእ ዝቑፀረን ካሊእ ሓዊ ምስዋርን ምዃኑ ዘመላኸተ እቲ ፅሑፍ፤ ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ዘይምትግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ስልቲ ኲናት ምኽፋት ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኦም ፡፡

Tigrai Television

29/02/2024
29/02/2024

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣደሂቡ ዘተዩ

ትማሊ 20 ለካቲት 2016ዓ.ም ኣማስዩ ዝተኣከበ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝምልከት ዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ ኣሎ።

ክሳዕ ሕዚ ዝተርኣዩ ምዕባለታት ብምዕቃብ ውሑስ ሰላም ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ምስራሕ ቀዳማይ ሕሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምዃኑ ዘስመረ እቲ ካቢኔ ብቐፃልነት እውን ንመስሪሕ ሰላማዊ ቃልሲ ሰረት ገይሩ ብሙሉእ ዓቕሙ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ውሑስን ዘላቕን ሰላም ዝረጋገፅ ሕገመንግስታዊ ወሰናት ትግራይ ከይተሸራረፉ ሙሉእ ብሙሉእ እንተኽበሩን እንትሕለዉን፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ መሊኦም እንትወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረቤቶም ተመሊሶም ስሩዕ ህይወት ምምራሕ እንትኽእሉን፤ ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ እንትትግበር ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፍነቶም ብዝግባእ ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ግዝኣታዊ ወሰናት ትግራይ ብዝምልከት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያን ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢን ንክፍታሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዝፀንሐ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ዛጊድ ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ናይ ትግበራ ስምምዕ ከምዘይለ ኣብሪሁ ኣሎ። ቀፃሊ ኣብ ዝህሉ ናይ ፓነል ኣኼባ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ብምብፃሕ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ግቡእ መልሲ ንክረኽቡ ብፅንዓት ከምዝቃለስ እውን ኣፍሊጠ‍ኡ ኣሎ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብበይናዊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘየድሊ ፅዕንቶን ፀቕጥን ንምፍጣር ዝግበር ምንቅስቓስ ትኽክል ስለዘይኮነ ብእዋኑ ክእረም ከምዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ መንገዲ ንምትግባር ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ድሉውነቱ ዘረጋገፀ እቲ ካቢኔ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ብዝርዝር ንምርኣይን ቀፀልቲ መፍትሕታት ንምፃርን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክጓተት ዝፀንሐ ፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ስርሑ ክጅምር ይግባእ ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን እናተላዘቡ ፀገማት ንምቅላልን ምትእምማን ንምፍጣርን ብዝተወሰነ ብርኪ እናሰርሑ መፂኦም እዮም ዝበለ እቲ ካቢኔ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዝተማልአ መንገዲ ንምምላስ ከይዲ እቲ ልዝብ ካብ ክልተኣዊ መስሪሕ ወፂኡ ናብ መስሪሕ ፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ንክኣቱ ወሲኑ ኣሎ።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክኽተም ግደ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኢጋድ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ካልኦት ፈተውቲ ሃገራትን ዕዙዝ ከምዝነበረ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ሕዚ እውን እቲ ፓኔል ስርሑ ክጅምርን እቲ ውዕሊ መሊኡ ክትግበርን ግቡኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ካብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብተወሳኺ ኩነታት ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ እዩ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ዝግበሩ ዘለዉ ወፍርታት ፀለመን ጠቐነን ብዝርዝር መርሚሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ወፍሪ ጠቐነ ተቐባልነት ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህልውና ህዝብና ዘነፃፀረ ጥቕዓት ከምዝኾነ ብልቢ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። ድሕሪ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዝግበር ወፍሪ ጠቐነ ስቕ ኢሉ ከምዘይርኢ እውን ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣስምርሉ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
21 ለካቲት 2016ዓ.ም
መቐለ

23/02/2024

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት ንነዊሕ እዋን እናተደናጎየ ዝመፀ ጉዳይ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቖም ናይ ዝነበሩ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ትማሊ ለካቲት 14/06/2016 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብፀላኢ ዝተትሓዝሉን ድሕሪ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምእታዎም ዝነበሮም ኩነታትን ብዕምቆት ብምግምጋም እዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ብፃይ ዶ/ር ኣዲሳለም ባሌማን ብፃይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ኣባል ፈፃሚት ሰራሕ፣ ብፃይ ዶ/ር ሰሎሞን ኪዳነ፣ ብፃይ ኣፅበሃ ኣረጋዊ፣ ብፂት ኪሮስ ሓጎስን ብፃይ ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ ኣሎ።

ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኢደን ንፀለኢ ብምሃብን ንፀላኢ ምሽጥር ኣሕሊፈን ብምሃብን ገምጊሙ ብመሰረት ሕገ ደንቢ ውድብና ካብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ይኹን ካብ ኣባልነት ህወሓት ኣባሪሩ ኣሎ። ኬርያ ኢብራሂምን ሙሉ ገብረእግዚኣብሔርን ከቢድ ጣዕሳ ከምዝተሰመዐን ብምግላፅ ሙሉእ ዓርሰ ነቐፌታ ብምግባር ኣብ ዝተዋፈራሉ ዓውደ ስራሕ ህዝበን ንምኽሓስ ከምዝሰርሓ ቃል ኣትየን እየን።

ማእኸላይ ኮሜቴ ውድብና ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼብኡ ንመበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ኮይኖም ዝሰርሑ ብፂት ፈትለወርቅ ገ/ሔር፣ ብፃይ ኢሳያስ ታደሰን ብፂት ኣልማዝ ገብረፃድቕን መሪፁ ኣሎ።

ሎሚ ዕለት 15 ለካቲት 2016 ዓ/ም ድማ ሓበራዊ መድረኽ ማእኸላይ ኮሚቴን ቁፅፅር ኮሚሽንን ውድብና ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ኣጀንዳን እዋንን መበል 14 ውድባዊ ጉባኤና ዝምልከት ተመያይጦም ክውስኑ እዮም። ዝርዝር ምዕባለታትን ውሳነታትን ክነቕርብ ኢና።

ዝኽሪ ለካቲት 11 ንምሕዳስ ቃል ኪዳን ስውኣት !

23/02/2024

ሊቅ ትግራዋይ እዮም...!!

ሃለቃ ተወልደ መድህን ገብሩ ይበሃሉ። ንፈለማይ ጊዜ ኣብ ከባቢ እንዳባፃሕማ ናይ ሳይነስ ትምህርቲ ዝጀመሩ 1928 ዓ/ም። ብተወሳኪ ንመጀመርታ ጊዜ መፅሓፍ ቅድስ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ ሊቅ ትግራዋይ እዩም።





23/02/2024

-> ግዜ | ፖለቲካ ትግራይ | ሰራዊት☝

ትግራይ ብሰንኪ ድኽመት መሪሕነት ዛጊድ ዘባኸነቶም ዕድላት ነይሮምዋ። ሕዚ እቶም ዕድላት ክፅንቀቑ ቁሩብ እዩ ተሪፍዎም። ነቶም ዝተረፉ ዕድላት ብቕልጡፍ እንተተጠቒምናሎም ትግራይ ክትድሕን እያ። ስኽ ኢልካ ዕንክሊል እንተቐፂሉ ግና እቲ ፖለቲካዊ ፀወታ ብዓወት ፀላእቲ ክዛዘም እዩ።

ብመሰረቱ፣ ካብ ሕዚ ንደሓር ንትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ኣፍደገ ዝጠፍኦ ደውታን ፀላእቲ ኢዶም ዘእተውሉ ውሽጣዊ ሕልኽላኽን ከድሕንዋ ዝኽእሉ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ እዮም። ኣባህላይ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ክሕዙ ኣይኮነን። ነቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ፀቕጢ ገይሮምን ኣገዲዶምን ግና ክሰርሖ ዝግበኦ ንኽሰርሕ ክገብሩ ኣለዎም።

ብመልክዕ እዚ ሰራዊት ትግራይ እንተዘይኣድሒንዋ ትግራይ እንተይደሓነት ትተርፍ ኣላ ማለት እዩ። ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ምድሓን እንትብል እንተለኹ ብቐንዱ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዘውሓሰት ምዃን ማለተይ እየ። ብድሕሪኡ እቶም ካልኦት ኣይኸብዱን።

ሰራዊት ትግራይ ዘድሕና ከዓ ንፋስ ናብ ዝነፈሰ ይንፈስ ከም ሰራዊት ብሓደ ኣብታ ዕላምኡ(ናይ ሓባር ልእኽቶኡ) ቀጥ እንተይሉ ጥራሕ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እዩ፤ ሓቂ ንሓቁ እውን ወደል ሓቂ። ብዝኾነ፣ ግዜ ንፖለቲካ ትግራይ ሓዲግዎ ይኸይድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ውሳነ ኣብ ዝጠልብ ጉዳይ ግዜ ሓዲግካ እንተኸይዱ ከዓ ኣይተርክቦን።

05/02/2024

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ - መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኮሪደራት ጽዑቕ ምጉያይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ብዓውዓውታ ተሰኒዮም ኣለዉ። ሕክምና ህጻናት ኣብ ዝወሃበሉ ...

GOOD ፕሮግረስስ!.
05/02/2024

GOOD ፕሮግረስስ!.

05/02/2024
05/02/2024
28/01/2024

ኣብዪ ኣሕመድ ሓገዝ ምግቢ ከይኣቱ ከልኪሉ ከምዘሎ ተዛሪቡ፣ ብፁእ ኣቡነ እፍሬም ምስ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ሊቀ ጳጳስ ብዛዕባ ትግራይ ዘትዮም፣ ግ.ም.ት ካብ ትግራይ ትስዕር ናብ ኢትዮጵያ ትስዕር ወሪዶም! ሼር ኣይትረስዑ

28/01/2024

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Segar media network, tigrai posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share