Berakhe

Berakhe Berakhe Media is founded by people who are inspired in exploring the hidden part of Tigrian’s soci

ዋዕሮታትና
11/03/2023

ዋዕሮታትና

ሞሳ ንዓኹም ደቂ ህዝቢ!
10/03/2023

ሞሳ ንዓኹም ደቂ ህዝቢ!

ፍሽክታኩም ልቢ ይመልእ!እንኳዕ ናትና ኮንኩም!
09/03/2023

ፍሽክታኩም ልቢ ይመልእ!
እንኳዕ ናትና ኮንኩም!

ገድልን ፍቅርን! እንኳዕ ንመዓልቲ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብፀሐክን!
09/03/2023

ገድልን ፍቅርን!
እንኳዕ ንመዓልቲ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣብፀሐክን!

09/03/2023

"ዝተቆርፀ መሓውር እንበር ዝተቆርፀ ኣእምሮ የብለይን"
ሞናሊዛ ኣብርሃ መርኣያ ፅንዓት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ !
ደጊመ እንኳዕ ናብ March 8 ኣብፀሐክን! ኣብፀሐና!

ብሙዚቃ ስራሕቶም ዘስደሙምና ዝነበሩ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፈንቅል እኒ ሚዛን ተስፋይ : ፀጋይ ሰሎሞንን ካልኦት ስሙያት ስነጥበባውያን ዝተሳተፉላ ፊልሚ ሒዞምልና መፂኦም ኣለው:: ነተባብዓዮም ...
26/02/2023

ብሙዚቃ ስራሕቶም ዘስደሙምና ዝነበሩ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ፈንቅል እኒ ሚዛን ተስፋይ : ፀጋይ ሰሎሞንን ካልኦት ስሙያት ስነጥበባውያን ዝተሳተፉላ ፊልሚ ሒዞምልና መፂኦም ኣለው::

ነተባብዓዮም !

https://youtu.be/aLv5yr_JObc

"ብጠበጃን መድፍዕን ዘይሰዓሩና ፀላእቲ ታሪካና ብምምንጣል ሲዒሮምና እዮም::'' ጌታቸው ረዳ ምርቃ መፅሓፍ ኣኽሱም ነቢዓ
25/02/2023

"ብጠበጃን መድፍዕን ዘይሰዓሩና ፀላእቲ ታሪካና ብምምንጣል ሲዒሮምና እዮም::'' ጌታቸው ረዳ

ምርቃ መፅሓፍ ኣኽሱም ነቢዓ

Well Come To Berakhe Tigrai YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe Tigrai Any unauthorized use, copying or distribution is...

https://youtu.be/oIXlKD0du2c
01/02/2023

https://youtu.be/oIXlKD0du2c

Well Come To Berakhe Tigrai YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe Tigrai Any unauthorized use, copying or distribution is...

ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ግንባር ምዕራብ   ኤልሳ ወልደ ጀወርግስ ሽሞንዲ ገብረማሪያም ግርማይ ሃይለስላሰመዝገበ ኣሳይ (ፃዕዱ) ኣድሓኖም ሱባጋዲስ ካልኦትን አውድኣመት ምስ ህዝቢ ተንቤን ተጋደልት...
20/01/2023

ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ግንባር ምዕራብ
ኤልሳ ወልደ ጀወርግስ
ሽሞንዲ ገብረማሪያም
ግርማይ ሃይለስላሰ
መዝገበ ኣሳይ (ፃዕዱ)
ኣድሓኖም ሱባጋዲስ ካልኦትን አውድኣመት ምስ ህዝቢ ተንቤን ተጋደልትን

ሰናይ ናይ ተሃድሶ ግዜ

Well Come To Berakhe Tigrai YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe Tigrai Any unauthorized use, copying or distribution is...

 #መስቀል  ኢትዮጵያኣይሳለምን" #መሰረተ ጥበብ ጀርመናውያን ካባና እዩ"  #ኣቡነ ተክለሃይማኖት በዓል ሓዳር'ዮም ኔይሮም" #ተመሲሉዎም ሽመይ እውን ይውሰዱዎ" #ትግረዋይ ጭራ ተወቂዕካሉ ኩ...
18/01/2023

#መስቀል ኢትዮጵያኣይሳለምን"

#መሰረተ ጥበብ ጀርመናውያን ካባና እዩ"

#ኣቡነ ተክለሃይማኖት በዓል ሓዳር'ዮም ኔይሮም"

#ተመሲሉዎም ሽመይ እውን ይውሰዱዎ"

#ትግረዋይ ጭራ ተወቂዕካሉ ኩሉ ነብሱ እዩ ዝህበካ"

#ቅድሚ ካቶሊክ ምኳና ኦርተዶክስ ኢና ኔይርና"

መም ሙሉወርቅ ኪዳነ ማሪያም

https://youtu.be/y-qIZQm6YeI

29/10/2022

ካብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ
==========

ልፍንታውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፅናት ዓሊሞም ብኩሎም ግንባራት ዝጀመርዎ መጠነ ሰፊሕ ወራር ብልዑል ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን ሓየት ሰራዊትና ይምከት ኣሎ።

ልፍንታውያን ፀላእቲ ንፃውዒት ሰላም ተሓሲሞም ካብ 18 ነሓሰ 2014ዓ.ም ጀሚሮም እናካየድዎ ዝርከቡ ወፍሪ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ብመስተንክራዊ ጅግንነትን ሓፂናዊ ፅንዓትን ሓየት ሰራዊትና እናተመከት እዩ። ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ በዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎን ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነን መጠነ ሰፊሕ ወራር ናይ ኢትዮጵያን ናይ ሻዕብያን ሙሉእ ሓይልን ኩሎም ተኽእሎታትን፤ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ኣብ ኩሎም ግንባራት ብሙሉእ ዓቕሞም እናተሳትፉ እዮም።

ኣብዚ እዋን ብግንባር ዓድዋ 49 ናይ ኢትዮጵያን ናይ ሻዕብያን ክፍላተ ሰራዊት ዝተሰለፉ እንትኾን ብሓደ ኣንፈት ካብ ዓድዋ ናብ ዕዳጋ ዓርብን ማይቅነጣልን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ካብ ዓድዋ ናብ ማርያም ሸዊቶ-ገንደብታ-ፈረስ ማይ-ሓውዜን ንምእታው ዓሊሞም ዝተንቀሳቐሱ እንትኾኑ ኣብዚ ግንባር ቅድሚ 127 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ዝተመዝገበ ዓወት ዝመሳሰል ታሪክ ይደግም ኣሎ። ኣብዚ ከባቢ ካብ ዓድዋ ናብ ኣንፈት ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ዝተንቅሳቐሰ ሰራዊት ፅላእቲ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፈላፍል ብዝገበሮ ዘሎ ዕውት ምክልኻልን ፀረ መጥቃዕትን ሰፍ ዘይብል ክሳራ እናሸከሞም እንትኾን ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ፀላኢ ከም ቆፅሊ የርግፎም ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ካብ ዓድዋ ናብ ኣንፈት ማርያም ሸዊቶ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሰ ወራሪ ሓይሊ ፀላእቲ ሓየት ሰራዊትና ብዝገብሮ ዘሎ ዕውት ውግእ ሓሙሽተ (5) ናይ ሻዕብያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ክልተ (2) ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ሓደ ናይ ሻዕብያ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ዝዓበየ ሓይሎም ተድምሲሶም ኣለዉ። ኣብዚ ውግእ ሓደ ዙን ሽዱሽተ (6) መዳፍዕን ዝርከብኦም 46 ተሽከርከርቲ ተቓፂሎም እዮም። ኣብዚ ውግእ ሽዱሽተ (6) 122 ሚ.ሜ መዳፍዕ እንትቃፀሉ ክልተ (2) 122 ሚ.ሜ መዳፍዕ ድማ ብሓየት ሰራዊት ትግራይ ተመንዚዖም ኣለዉ። በዚ ኣንፈት ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ፀላእቲ ዝዓበየ ሓይሉ ምዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ዝግበር ናይ ህልውና መኸተ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ብግንባር እገላ ወረርቲ ሓይልታት ዕርዲ ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ተደጋጋሚ ፈተነታት እናገበሩ እንትኾን ብሓፂናዊ ፅንዓት ሰራዊት ትግራይ ይምከት ኣሎ።
ብግንባር ዛላንበሳ 11 ናይ ሻዕብያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ትሽዓተ (9) ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ሓደ ናይ ሳዕብያ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ብድምር 21 ክፍላተ ሰራዊት ዝሳተፍሉ ዘሎ ግንባር እዩ። ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ዕርዲ ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ቀትርን ለይትን ሰፊሕ ርብርብ ዋላ እንተገበሩ ሓየት ሰራዊትና ነዞም ሓይልታት ጀኖሳይድ ብዝግባእ እናመከተ ፅኑዕ ዕርዱ ኣይተደፈረን።

ብግንባር ደቡብ 29 ናይ ኢትዮጵያ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓሙሽተ (5) ክፍላተ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ብኣሽሓት ዝግመት ናይ ኣምሓራ ፋኖን ሚልሻን እናተሳተፉ እንትኾን እዞም ሓይልታት ብኣንፈት ጨርጨር፣ በሪተኽላይን ኮረምን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እናካየዱ እዮም። ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ግንባር እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወረርቲ እናርገፈ ብፅንዓት ይምክት ኣሎ።

ብካልእ ኣንፈት ሓየት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከባቢታት እንዳባጉናን ፀለምትን ማለት እውን ዲማ፣ ኣብ መንጎ እንዳባጉናን ዓዲ ጎብሩን፣ ኣዝማች ረድኢ፣ ቤትማራ፣ ጭላ፣ ውቕሮማራይን ሰለኽለኻን ዕውት መኸተን ምጥቃዕትን እናካየደ እዩ።

ብከባቢ ደስኣ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዝተወቕዐ ናይ ሻዕብያ ሓይሊ ዕርዲ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ንምስባር ሕዚ እውን ተደጋጋሚ ፈተነ እናገበረ እንትኾን እዚ ወራሪ ሓይሊ ብተደጋጋሚ እናተፀፍዐ እዩ።

ልፍንታውያን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፅናት ዓሊሞም እናካየድዎ ዘሎ ወራር ሕዚ እውን ኣጠናኺሮም እናቐፀሉ እንትኾኑ መስተንክራዊ ጅግንነት መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና ብዝገርም ፅንዓት እናመከቶም ይርከብ። እዚ ጎዲሉዎ ዘይብሃል ህዝቢ ትግራይ እውን ምስ ሓየታትን ዋዕሮታትን ደቁ ኮይኑ ታሪካዊ ተጋድሎ የካይድ ኣሎ። ብቐፃሊ እውን መሬት ትግራይ መቓብር ፀላእትና ብምግባር ህልውና ሕዝብና ብዘላቒነት ውሑስ ንምግባርን ሰራዊት ትግራይ ብዝለዓል ፅንዓትን ጅግንነትን ከምዝዋደቕ እናረጋግፀ ሓየት ሰራዊትና ብዝገብሮ ዘሎ ታሪካዊ ተጋድሎን መስተንክራዊ ቅያን ልዑል ሓበንን ክብርን ከምዝስምዖ ድማ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ክገልፅ ይፈቱ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!!

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
19 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም
መቐለ

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ካብ ዝሃብዎ መብርሂ ዝተወሰደ ምርጫና ሓደን ሓደን እዩ:: ነዚ ወራርር እዚ ንምፍሻል ኩሉ ነገር ክንገብር ኢ...
27/10/2022

ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ካብ ዝሃብዎ መብርሂ ዝተወሰደ

 ምርጫና ሓደን ሓደን እዩ:: ነዚ ወራርር እዚ ንምፍሻል ኩሉ ነገር ክንገብር ኢና ንገብር እውን ኣለና ።
 ሰራዊትና ህዝቡ እንትፈናቐል እንትርኢ ሕራነኡ ዕምቆት ክህልዎን ዝያዳ ክሕርንን ጌርዎ ኣሎ።

 ሰራዊትና ካብ ዝፀሮ ንላዕሊ መንእስይ ትግራይ ይስለፍ ኣሎ። ዓብለቕለቕ እዩ ኢሉ።ክውስን እዮም ጌሮምዎ።

 ዝገደፍናዮ ቦታ የለን ። ኣይንገድፎን እውን፡፡ ከተማታት ኣድያቦ ሒዞምዎ ኣለዉ።ኣብ ዙርያ ከተማታት ኣድያቦ ድማ ኣለና ። ማይፀብሪ ሕዞምዎ ኣለዉ ግን ፀለምቲ ኣለና ። ፀላኢ ናብ ከተማታ ምእታው እዩ ከም መዐቀኒ ዓወት ዝቖፅሮ ዘሎ ንሕና ግን ኣብ ድሕሪት ኣለና ደው ኢልና ክንምክቶ ዝግበአና እንዳመከትና ተንቀሳቕስና ክንምክቶ ዝግባአና ድማ ተንቀሳቕስና ንምክቶ ኣለና ።

 ትግራይ መቓብሮም ከም ትኸውን ጥርጥር የብሉን። ተጀሚሩ እውን ኣሎ።

 ሓውዜን ክኣቱ ሓሲቡ ካብ ዓድዋ ብኣንፈት ማይ ቅነጣልን ገንደብታን ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝመፀ ፀላኢ እቲ ብገንደብታ ዝመፀ ሓይሊ ሻዕብያ ሙሉእ ብምሉእ ተደሚሲሱ።

 ናይ ማተርያል ሕፅረትና ካብ ፀላእትና እንዳመንዛዕና ንፈትሖ ኣለና ።

 ናይ ፀላእታና ዕጥቂ ፍልፍል ዕጥቅና ኮይኑ ኣሎ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዓዲሙ ዘእተዎ ወራሪ ሻዕብያ ዘውፅኦ እንተኾይኑ ንሰላም ምችው ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ።

 ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ኣባል ጉጅልኡ ዝኾነ ኣለሙ ስሜ ትግራይ ከማሓደር ሸይምዎ ኣሎ::

 ንሕና ንኹሉ ድልዋት ኢና። ከም ንስዕር ንተኣማመን ።

10/10/2022

TDF መድሕን ህዝቡ!

https://youtu.be/116PrQiY5T0"ኣቦና ብምእሳሩ ብዙሕ ፀገም ነሕልፍ ኣለና"ግዛና ማዕፆ የብሉን: መግቢ ኣይንረክብን .. ንኣደይ ዘይረ ጨውን ጉዕን ሸይጠ እየ ዝሕግዛ::"ህፃንድ...
10/10/2022

https://youtu.be/116PrQiY5T0
"ኣቦና ብምእሳሩ ብዙሕ ፀገም ነሕልፍ ኣለና"
ግዛና ማዕፆ የብሉን: መግቢ ኣይንረክብን .. ንኣደይ ዘይረ ጨውን ጉዕን ሸይጠ እየ ዝሕግዛ::"

ህፃንድምፃዊት ኤልዳና

Well Come To Berakhe Tigrai YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe Tigrai Any unauthorized use, copying or distribution is...

10/10/2022

ሎሚ 30 ጥቅምቲ 2015 ከባቢ 9:00 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፅሃን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ ::
ዝርዝር ዝበፅሐ ጉድኣት ዝምልከት ምስ በፀሐና ክነቅርበልኩም ኢና::

08/10/2022

ሎሚ ዉን ኣብ ማእኸል ከተማ #ሽረ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘነፃፀረ ናይ ኣየር #ደብዳብ ተኻይዱ ኣሎ። ብዛዕባ ዝበፅሐ ጉድኣት ሓበሬታ ምስ በፅሓኒ ከካፍል እየ። ብዝኾነ፡ ፀላእትና ህላወና ንምጥፋእ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለዉ። ፀላእትና ደምሲስና ህላወናን ዘላቂ ረብሓናን ንምርግጋፅ፡ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ሕዚ ዉን በቢዝኸኣልናዮን በቢዘለናዮን ጠንኪርና ንቀፅል።

ትግራይ መሊኣ ክትስዕር እያ!!
Via Haphtom Berhe

"ክንዲሽሕ " ብእትብል ብልፅቲ ስርሑ ንፈልጦ ድምፃዊ ሳምሶን ገብረኪሮስ  ሕጂ ከዓ " ፀማም ተዋግኣይ"  ይብለና ኣሎ ሰሚዕካ ዘይትምኖ ብልፅቲ ስራሕ ሳ
08/10/2022

"ክንዲሽሕ " ብእትብል ብልፅቲ ስርሑ ንፈልጦ ድምፃዊ ሳምሶን ገብረኪሮስ

ሕጂ ከዓ " ፀማም ተዋግኣይ" ይብለና ኣሎ
ሰሚዕካ ዘይትምኖ ብልፅቲ ስራሕ ሳ

Suzan_Multimedia_YouTube_Channel _Like_Share-Subscribe© Copyright: Suzan MultimediaAny unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.Follo...

08/10/2022

ናይ UN ኣውረፕላን መቐለዓሪፋ!

ኣብቲ ንፁሩነት ዝጎድሎ ተበግሶ ፃውዒት ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዘይሳተፍ ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣፍሊጡ።ኣብቲ ኣጀንዳ ናይ ግልፅነት ሕቶ ዘቕረበ ነበር ...
07/10/2022

ኣብቲ ንፁሩነት ዝጎድሎ ተበግሶ ፃውዒት ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዘይሳተፍ ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣጀንዳ ናይ ግልፅነት ሕቶ ዘቕረበ ነበር ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንቐፃሊ ክሳተፍ እንተኾይኑ እውን ኣብ ትሕዝቶ ኣጀንዳን ጉዳይ ናቱ ተሳትፎ ኣመልኪቱ ግልፂ መብርሂ ከምዝደሊ ሓቲቱ ኣሎ።

ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብዝፀሓፎ ደብዳበ ከምዘረጋገፀ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዝፍታሕ ኣቐዲሙ ተፃብኦታት ጠጠው እንትብልን ብዘለቀቕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ናብቲ ህዝቢ ክባፃሕ እንተኽኢሉ እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ተተሊሙ ዘሎ ዘተ ሰላም እውን ግልፅነት ዝጎደሎ ምዃኑ እውን ዘይሓበአ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘላቂ ሰላም ንዝሕግዝ ኣገባብ ኣጠቓላሊ ከይዲ ሰላም፤ ግደ ኣደራደርቲ፣ ተሳተፍቲ ዝምልከት ብሓፈሻ መሓውራውን ከይዱን መብርሂ ከምዝጠልብ ኣብቲ ደብዳብኡ ሓቲቱ ኣሎ።

ንፅባሕ ቐዳም ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተፀዊዑ ኣብዘሎ ኣኼባ ግና ክሳተፍ ከምዘይክእልን ኣብቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ንዓርሱ ከምዘግለለ ብቐፃሊ ንፁር መብርሂ ምስተውሃቦ ዝሳተፈሉ ዕድል ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።

ከምቲ ዝፍለጥ መንግስቲ ትግራይ አውን ንሕብረት ኣፍሪካ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣብ ኣጠቓላሊ ከይዲ እቲ ሕዚ ብሕብረት ኣፍሪካ ተፀዊዑ ዘሎ ዘተ ሰላም ንፁሩነት ዝጎደሎ ምዃኑን ብርክት ኣብዝበሎ ጉዳያት መብርሂ ከምዝጠልብ ብፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ናብቲ ሕብረት ኣብዝተልኣኸ ደብዳበ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

ትማሊ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ብዝተካየደ ደብዳብ ድሮን 65 ሰባት ከምዝሞቱ 70 ድማ ብከቢድ ከምዝቖሰሉ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ::መሕዘኒ እዩ!!ፅንዓይ ይሃብካ ህዝበይ!
05/10/2022

ትማሊ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ብዝተካየደ ደብዳብ ድሮን 65 ሰባት ከምዝሞቱ 70 ድማ ብከቢድ ከምዝቖሰሉ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ::
መሕዘኒ እዩ!!
ፅንዓይ ይሃብካ ህዝበይ!

05/10/2022

ትማሊ 24 መስከረም ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተፈፀመ ደብዳብ ሰብ ኣልባ ነፋሪት (ድሮን) ብውሕዱ 65 ንፅሃን ዜጋታት ከምዝሞቱ ንሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ፀሪሑ BBC ገሊፁ::
እቲ ብጥምረት መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝተካየደ ዝተገልፀ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ኣብ መዕቆቢ ስደትኛትት ምኳኑ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ዕላዊ ቲዊተር ገፆም ገሊፆም እዮም::

ከተማ ዓዲ ዳዕሮ 17 መስክረም 2015 ዓ.ም ብዝተገብረ ናይ ኣየር ድብዳብ ዓዲ ዳዕሮ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብርክት ዝብሉ ዜጋታት ህይወቶም ሲኢኖም ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ድማ ገዚፍ ዕንወት ከምዝተፈፀመ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ::

መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድፀላኢ ብተደጋጋሚ ንዘቕረብናሉ ፃውዒት ሰላም ረጊፁ ዕላዊ ወራር ካብ ዝጅምር እነሆ ወርሕን ፈረቓን ገይሩ ኣሎ። ካብ መሰረታዊ እምነትናን ፅኑዕ መትከልናን ዝብገስ ንሰላ...
02/10/2022

መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ
ፀላኢ ብተደጋጋሚ ንዘቕረብናሉ ፃውዒት ሰላም ረጊፁ ዕላዊ ወራር ካብ ዝጅምር እነሆ ወርሕን ፈረቓን ገይሩ ኣሎ። ካብ መሰረታዊ እምነትናን ፅኑዕ መትከልናን ዝብገስ ንሰላም ቀዳምነት ሂብና ዝካኣል ፃዕሪ እናገበርና ፀኒሕና ኢና። እንተኾነ ግን ኹናትን ህልቂትን ከምብሕታዊ መማረፂ ዝወስዱ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሰላማዊ መፍትሒ ነፂጎም ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናትን ንምጥፋእን ኩሉ ዓቕሞም ተጠቒሞም ይረባረቡ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክሃልቅ ብኹሉ መእተውን መውፅኢን ዓፅዮም ዝብላዕን ዝስተን ስኢኑ ክበርስ እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ “ሕዚ ተዳኺሞም እዮም፥ ወታደራዊ ሓይሊ የዋፅአና እዩ” ኢሎም ኣብዝኣመኑሉ እዋን ዕላዊ ወራር ጀሚሮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብኣንፈት ደቡብ ከም ዋና መጥቅዒ ኣንፈት ተጠቒሞም መቐለ ንምቁፅፃር ዝካኣሎም ክገብሩ ፀኒሖም። ድሕሪኡ እውን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሉ ዓቕሚ ሒዞም ስፍሓትን መጠንን እቲ ወራር ብኹሉ ኣንፈት ክኸውን ገይሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ገፊሕ ወራርን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ወፍሪን ከም ህዝቢ ህልውናና ንምርግጋፅ ክንብል ዘይኽበስ ፅኑዕ መኸተን ቃልስን ንገብር ኣለና። ፀላኢ ብደቡብ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣምኪንና ብፀረ መጥቃዕቲ ዓብይ ሓይሊ ደርዒምና ሰፋሕቲ ከባብታት ኣምሓራ ተቖፃፂርና ፀኒሕና ኢና። ፀላኢ ነዚ ግንባር ንምቁፅፃር ተደጋጋሚ ፈተና እናገበረ እንተፀንሐ እውን ዕንወቱን ስዕረቱን ክዓሙቕ ካብ ምግባር ወፃኢ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምፅእ ኣይከኣለን። በዚ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ወቒዕና ተገዲድና ናብ ኣምሓራ ከባቢ ዝኣተና መሬት ኣምሓራ ንምሓዝ ኣይነበረን። ኣብ ዝጥዕምን ዝመረፅናዮ ቦታን ጊዜን ፀላኢ ንምውቃዕ እምበር መሬት ኣምሓራ ማእኸል ዓውደ ውግእ ንምግባር እውን ኣይነበረን። ናይ ፀላኢ ዓቕምታት ኣዳኺምና ከይፈተወ ናብ መኣዲ ሰላምን ዘተን ንምምፃእ ኢልና ዝኣተናዮ እዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ፀላኢ ናይ ሰላምን ዘተን መማረፂ ብተግባር ተሓሲሙዎ ኣሎ። ፀላኢ ሕልሙ ብሓይልን ኲናትን ከፈፅም መሊኡ ይረባረብ ኣሎ። ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መምርሒን ትእዛዝን ተቐቢሉ ሃፍትን ሓይሊ ሰብን ኢትዮጵያ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣረኪቡ ዝተብሃሎ ጥራሕ እናፈፀመ ህዝቢ ትግራይ ንምብራስ ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ኣሎ።

ነቲ ህሉው ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ሃለዋትና ኣንፀላልዩ ዘሎ ልፍንታዊ ወራር ብዘተኣማምን መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእለና ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ኣድላይ ኮይኑ ኣሎ። በዚ መሰረት ብኣንፈት ደቡብ ኣቲናዮ ካብ ዝነበርና ናይ ኣምሓራ ከባቢታት ወፂና ናይ ቦታ ምምሕያሽ ገይርና ኣለና። ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ሰራዊትና እዚ ውሳነ ተግባራዊ እናገበረ ፀኒሑ ኣሎ። እዚ ካብ ውግእ ወፃኢ ብናይ ባዕልትና ተበግሶን ውሳነን ዝተፈፀመ ጥራሕ እዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ዝተድዓኸ ሓይሊ ፀላኢ በዚ ግንባር ተመሳሳሊ ፈተነ ዝገብር እንተኾይኑ ግን ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝጥዕም ኣንፈትን ቦታን ንህልውናና ክንብል ተመሊስና ክንኣቱ ከምንኽእል ክፍለጥ ይግባእ። ህልውናና ውሕስ ንምግባር ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲን መኸተን ክዕወት እዩ።

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!
ማእኸላይ ኮማንድ!
22 መስከረም 2015 ዓ.ም.
መቐለ

TDF ፅኑዕ ኣብ መትከሉ!ብርክካ ይፅናዕ ጀግና ወሎዶይ!
01/10/2022

TDF ፅኑዕ ኣብ መትከሉ!
ብርክካ ይፅናዕ ጀግና ወሎዶይ!

ዜና ዓወትንዝሓለፉ 39 መዓልታት ብኹሉ ግምባራት ብዘይምቁራፅ ሓይልታት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድን ፋሽስት መንግስቲ ኤርትራን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋፊሮም ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓ...
01/10/2022

ዜና ዓወት

ንዝሓለፉ 39 መዓልታት ብኹሉ ግምባራት ብዘይምቁራፅ ሓይልታት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድን ፋሽስት መንግስቲ ኤርትራን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋፊሮም ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይሊ ኣኽቲቶም ዝጀመርዎ መጠነ ሰፊሕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብራስን ምፅናትን ወፍሪ ወራር ሓየት ሰራዊትና ሕዚ እውን ብፅንዓት ይምክቶ ኣሎ።

ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ኣብ ዝኣተናዮ ኩናት ህዝብን መንግስትን ትግራይ መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ከይኸውን ዝለዓለ ጥንቃቐ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን በደምን ህይወትን ህዝብታት ህይወቱን ስልጣኑን ዘናውሕ ዘሎ ባዕዳዊ ወራሪ ስርዓት ኢሳያስ ብኣንፈት በራሕለ ኣቢሉ መቐለ ንምእታው ዓሊሙ ብዝኸፈቶ ወራር መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።

ነዚ ብኣንፈት በራሐለ ገይሩ መቐለ ንምእታው ዝተንቀሳቐሰ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት ምስ ሙሉእ ናይ መካናይዝድ ዓቕሙ ንዝገበሮ ወፍሪ ወራር ብሓየት ሰራዊትና ተወቒዑ ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ ኣሎ።
ኣብዚ ግንባር ዝነበረ ሓይሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት፣ ብርጌድን ቦጠለንን ሓዊሱ ምውት፣ ቁስልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ማእኸላይን ፎከስትን ብረታት፣ ዕጥቅን ተተኳስን ከምኡ እውን መራኸቢ ሬድዮታትን ብጅግና ሰራዊትና ተመንዚዑ ኣሎ።

ፀላኢ ብግንባር ዓዲ-ዓርቃይ ፀለምቲ ተቖፃፂሩ ናብ ሽረ ንምእታው ክገብሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ድሕሪ ምፍሻል ብፀረ መጥቃዕቲ ኣቢሉ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲሱ ዓዲ-ዓርቃይን ከባቢኡን ዝተቆፃፀረ ሰራዊትና ንግዚኡ ኣብ ዓዲ ኣርቃይን ከባቢኡን ዓሪዱ ኣሎ።

ኣብዚ ግምባር፣ ፀላኢ ልዕሊ ትሽዓተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ መከናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድ፣ ከምኡ እውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመት ናይ ኣምሓራ ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ዝተሳተፉ እንትኾኑ ዝበዝሕ ሓይሎም ምውት፣ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ንድሕሪት ሃዲሙ ኣሎ።

ብኣንፈት ፀሊሞይ ተከዘ ሰጊሩ ሽረ ንምእታው ንኻልኣይ ግዜ ወፊሩ ዝነበረ 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ቦጠሎኒ ኮማንዶ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀር ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ኣምሓራ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ዝዓቢ ሓይሉ ተወቒዑ ዝተረፈ ድማ ናብ ዝመፀሉ ተመሊሱ ኣሎ።

ብግንባር ደቡብ ፀላኢ ክግበሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ብዝግባእ ይምከት ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ብኣንፈት ትኹለሽ፣ በላጎ፣ ጎብዬን ወርቄን 19 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊት፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ሪፐብሊካን ጋርድ ፣ ሓደ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ከምኡ እውን ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ብርክት ዝበለ ፋኖን ሚልሻን እናተሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ መስተንክራዊ ጅግንንትን ፅንዓትን መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና ዘዝመፀ ሓይሊ እናቐሽመደ ታሪካዊ ቅያ ይፍፅም ኣሎ።

ብግንባር ኣድያቦ ካብ ተከዘ ክሳብ መረብ ዝተዘርገሐ ኩለ-መዳያዊ መጥቃዕቲ ልፍንታዊያን ወራር ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ።

ኣብዚ ግንባር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንባዕዳዊ ወራሪ ኣሕሊፉ ዝሃቦም 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ክልተ ኮማንድ ክፍላተ ሰራዊትን ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝግመት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን 24 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊትን ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ዕሱብ ሰራዊት ህግዴፍ እናተሳተፍሉ ዘለዉ ሰፊሕ ወፍሪ እዩ። ሓየት ሰራዊትና ኣብዚ ግንባር እውን ህዝብና ንምፅናት ንዝወፈሩ ሓይልታት ብልዑል ፅንዓትን ተጋድሎን ይምክቶም ኣሎ።

ሰራዊት ትግራይ ንዝሓለፉ 39 ተኸታተልቲ መዓልትታት ቐትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ብዝገብሮ ዘሎ መስተንክራዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ከቢድ ኪሳራ ኣብፂሑ ኣሎ። ዛጊድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 93 ሺሕ ሓይሊ ፀላእቲ ምውትን ቁስልን እንትኾን ልዕሊ 10 ሺሕ ድማ ተማሪኹ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ከቢድ ብረት፣ ሰለስተ ቲ-72 ታንክታት፣ ብኣሽሓት ዝግመት ማእኸላይን ፎኮስትን ብረት፣ ብርክት ዝበለ መራኸቢ ሬድዮ፣ ብርክት ዝበለ ዕጥቅን ተተኳስን ተመንዚዑ ኣሎ። 16 ታንክታት ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ኣፅዋር ፀላኢ ድማ ብጅግና ሰራዊትና ዓንዩ ኣሎ።
ኣብዚ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ኩሉ ክኢልካ ለይትን ቐትርን ብዘይዕረፍቲ "ድፋዕ ህልውናና ኣየስበርን ኢልካ" ብመስተንክር ፅንዓትን ጅግንነትን ፉሉይ ቅያን ታሪኽን እትሰርሕ ንዘለኻ ጅግና ሰራዊትና ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝለዓለ ኣኽብሮቱን ናእድኡን እናገለፀ ዝጀመርካዮ ፅኑዕ መኸተ ኣጠናኺርካ ቐፅል፣ ዓወትካ ድማ ብዘይጥርጥር ክግሃድ እዩ።

ኩሉ ዝክኣለካን እዚ ጎዲሉካ ዘይትብሃልን ሓላል ህዝብና ክሳብ ሕዚ ብዝገበርካዮ ኩለመዳያዊ ናይ ህልውና ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ክስከሙ ትገብሮም ኣለኻ። ነዚ ክሳብ ሕዚ እናካየድካዮ ዝመፃእኻ ቃልሲ ድማ ወታደራዊ ኮማንድ ስውራዊት ትግራይ መዘና ዘይብሉ ክብሪ ከምዘለዎ ክገልፀልካ ይፈቱ። ይኹን እምበር እዞም ደመኛ ፀላእትና ኣብ ገፅ መሬት ክሳብ ዝሃለዉ ንዓኻ መሊኦም ካብ ምጥፋእ ንድሕሪት ስለዘይብሉ ሕዚ እውን ቃልስኻ ዝያዳ ክተሐይልን ርብርባትካ ብዝበለፀ ንክተጠናኽርን ይግባእ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
21 መስከረም 2015 ዓ.ም
መቐለ

ንብዓት ትግራይ ብደቃ ክሕበስ እዩ!
30/09/2022

ንብዓት ትግራይ ብደቃ ክሕበስ እዩ!

ዓዲ ዳዕሮ!ኣደዋይ ፀላኢኺ ይፈገም::😭😭
30/09/2022

ዓዲ ዳዕሮ!
ኣደዋይ ፀላኢኺ ይፈገም::
😭😭

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ንፁሃን ወገናት ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር ኣብ ንብረትን ህይወትን ተጋሩ ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ::እቲ 17 መስከረም 2015 ዝፈፀሞ ዝተከያደ ጨ...
28/09/2022

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ንፁሃን ወገናት ዘካየዶ ደብዳብ ኣየር ኣብ ንብረትን ህይወትን ተጋሩ ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ::
እቲ 17 መስከረም 2015 ዝፈፀሞ ዝተከያደ ጨፍጫፍ ክሳብ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ወወናት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ ኣሎ::

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፅንዓት ይሃብ ::
በዚ ዝክበስ ቃልሲ ሓርነት ኣይክህሉን!
ንፅናዕ ንሓርን!!

ብበርሓለ ብመከናይዝድ ደጊፉ ትግራይ ክወርር ዝመፀ 5 ክፍላተ ሰራዊት  ኤርትራ ምስ መራሕቶም ምውትን ምሩክን ዝገበሩ ጀጋኑና
28/09/2022

ብበርሓለ ብመከናይዝድ ደጊፉ ትግራይ ክወርር ዝመፀ 5 ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ ምስ መራሕቶም ምውትን ምሩክን ዝገበሩ ጀጋኑና

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ኩሉ ትግረዋይ ፈታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን  እንኳዕ ንብርሃነ መስቀሉ ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና!ትግራይ ብመስዋእቲ ደቃ ሓራ ክትከውን እያ!
27/09/2022

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ኩሉ ትግረዋይ ፈታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንብርሃነ መስቀሉ ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና!

ትግራይ ብመስዋእቲ ደቃ ሓራ ክትከውን እያ!

16/05/2022

ምብራቅ ኣፍሪካዊት ሃገር ሶሞሊያ ሓሰን መሓመድ ሓዱሽ ፕረዚደንት ገይራ መሪፃ ::
ብፕረዚደንት ፈርማጆ እትምራሕ ዝነበረት ሶማሊያ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ክኮን ዝክእል ዲሞክራሲያዊ መረፃ እያ ኣካይዳ ዘላ::
ሓሰን መሓመድ 10ይ ፐረዚደንት ሶማሊያ ኮይኖም ተሓሪዮም ኣለው::

ኣብ በረኻታት ትግራይ ምእንተ ነፃ ሃገረ ትግራይ ትኳሻሕ ዘላ ዋዕሮ ! ኣጆኹም ንበሎም! https://youtu.be/Aoc7QmHPgbk
02/04/2022

ኣብ በረኻታት ትግራይ ምእንተ ነፃ ሃገረ ትግራይ ትኳሻሕ ዘላ ዋዕሮ !
ኣጆኹም ንበሎም!
https://youtu.be/Aoc7QmHPgbk

https://youtu.be/apEk5hmf-WM
23/03/2022

https://youtu.be/apEk5hmf-WM

Well Come To Berakhe Media YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe MediaAny unauthorized use, copying or distribution is st...

ምእንተ ትግራይ
15/03/2022

ምእንተ ትግራይ

https://youtu.be/yMAZ1yqR3fE
09/02/2022

https://youtu.be/yMAZ1yqR3fE

Well Come To Berakhe Media YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe MediaAny unauthorized use, copying or distribution is st...

28/12/2021

ዕድላት ነጥቢ መቐይሮን ሕቶ ምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ሓርነትን ትግራይ

ሕዚ ዘለናሉ መድረኽ ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ንዝላ ዝጠልብ እዩ። መድረኽ ነጥቢ መቐይሮ ንዝላ ክንብል እንተለና ክልተ መሰረታዊ ባህሪያት የማልእ። እቲ ሓደ እታ ተለጋጊባ ዝፀንሐት ሃገር ነቲ መልገባ ኣተኣሳሲሩ ዝፀንሐ ፈትሊ እናተበጣጠሰ መፂኡ ኣብ ቀልቀል ምብትታን ምብፅሓ እዩ። ናይዚ ውፅኢት ኣብዛ ሃገር ዝፀንሐ ምእኹል ስርዓተ ምሕደራን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ኣሰላልፋን ከምኡ ውን ናይ ገዛኢ ፓርቲ ኣቓውማን ሃደሽደሽ ኢሉ ይፈርስ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝኒሀ ቀውሲ በቢድሌቶም ክምዝምዙ ናይ ዝደልዩ ተዋሳእቲ ሓይልታት በዝሕን ኢድ ኣእታውነትን እናበርተዐ ምምፅኡ ነቲ ኩነታት የወሳስቦ ምህላው እዩ። ውፅኢቱ ድማ ናይ ኩነታት ኢተገማትነትን ተርእዮ ቅልጡፍ ለውጥታትን ዕለታዊ ሓቂ ኮይኑ ምህላው እዩ።
እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣብ ውሽጡ ብዙሓት መማረፅታት ዝሓዘለን ናብ ብዙሕ መንገዲ ከምርሕ ዝኽእልን እዩ። ካብቶም መማረፅታት ውሽጢ ምፍልላይ፣ ምስዘዝስማዕመዐካ ብኮንፈደሬሽን ምጥማር፣ እቲ ዝፀንሐ ፌደራል ስርዓት ምቕፃል ወዘተርፈ ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዝውሰን ግና ብቐንዱ ኣብ ሞንጎ ክልተ መሰረታዊ ኣንፈታት ዘሎ ጎንፅን ነዞም ኣንፈታት ናይ ዝውክሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝካየድ ቃልሲ ጥንካረን ከምኡ ውን ካብቶም ብዙሓት መማረፂታት እቲ ዝሓሸ ኣብ ምምራፅ ዝህሉ ናይ ዝኽፈል ዋጋ ስልሒትን ዝምስረት እዩ። እቲ ሓደ መሰረታዊ መንገዲ ናብቲ ዝኣረገ ናይ ምምላስ ኣንፈት እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምነጥቢ መቐይሮ ተጠቒምካ ናብ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ኣንፈት እዩ። ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ብውልቀሰብ ይኹን ብሕብረተሰብ ብርኪ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ምስግጋር ዝረጋገፅ ብዝነኣሰ ካብ ክልተ ነገራት ዝብገስ እዩ። እቲ ሓደ ስቓይ (Pain) እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ ንፁር ባህጊ (Aspiration) እዩ። እዚኦም ተነፃፂሎም ኣይርኣዩን። ብስቓይ ጀሚሩ ናብ ንፁር ባህጊ ዘይሰጋገር ተበግሶ ኣይዕወትን። ንፁር ባህጊ ሒዙ ዝተበገሰ ድማ ስቓይ ክሓልፍ እንተዘይፈቒዱ ዕላምኡ ኣይዕወትን። እስራኤል ሃገር ዝኾነት ካብ ስቐይ ተላዒላ እዩ።እቲ ስቓይ ንብዙሓት መዋእላት እናቐፀለ መፂኡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብናይ ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ህልቂት ናብ ጠርዙ በፂሑ ብምስረታ ሃገረ እስራኤል ዝላ ተረጋጊፁ። እኒ እንግሊዝ ብናይ ኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን ናብ ኡንድስትሪ ዝተሰጋገራ ኣብመበል 14 ክፍለዘመን ዝተፈጠረ ሕማም ለበዳ ሲሶ ህዝቢ እንግሊዝ ክሃልቕ ብምግባሩ ዘስዓቦ ናይ ሓረስቶት ዓመፅ ኣብቲ መስፍናዊ ኣገዛዝኣ ዘስዓቦ ለውጥን ምህዞታት ሃደሽቲ ቴክኖሎጂን ናይ ባሕሪ ንግዲ ምንቕቓሕን እዩ (Acemoglu, Robinson,2012) ። ከምሳዕቤን እቲ ሽዑ ዝተፈጠረ ነጥቢ መቐይሮን ኣጠቓቕምኡን ድማ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ምዕራብን ምብራቕን ኣውሮፓ ንዘሎ ኣፈላላይ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ። ሲንጋፖር ድሕሪ ካልኣይ ዓለም ኩናት ዝተፈጠረት ብማለዥያ ስለዝተገፍዑን ነዚ ስዒቡ ዝተፈጠረ ነጥቢ መቐይሮ ብአግባቡ ኣለልዩ ናብ ብራኸ ዝውስድ ንፁር ባህጊ ዝሓዘ መሪሕነት ስለዝወነኑን እዩ።
10/11/2011

ካብ ዓለም እንመሃሮ ድሕሪ ብዙሕ ፈተናታት ምሕላፍ ዝፍጠር ነጥቢ መቐይሮ ናብ ዝላ ምስግጋር ዝከኣል ነቲ ኩነታት ኣንቢቡን ሓላፍነት ወሲዱን ዝንቀሳቐስ መሪሕነት ምስዝህሉ ጥራሕ እዩ። መሪሕነት እንትንብል እንተለና ነቶም ብዙሓት መማረፅታት መምዩ ትኽኽለይና ሕርያ መሪፁ ኣብ ዙርያ እቲ ሕርያ ሓይልታት ኣተሓባቢሩን ምሕዝነታት ፈጢሩን ናብ ሓደ ኣንፈት ዘፍስስ ባእታ ወይ ከዓ ናይ ባእታታት ምሕዝነት ንምግላፅ እዩ። ዕድል ነጥቢ መቐይሮ እንተጋጥም ብስእነት ናይ ዝላ መሪሕነት ወይ ድማ ኣብ እዋኑ ዘየዳግም ውሳነ ብዘይምውሳን ምኽንያት እቲ ዕድል ይመክን እዩ። እቲ ዕድል ዝፈጠረ ኩነታት ግዘ ብዝወሰደ ቁፅሪ ድማ ኣንፃር ናይ ዝላ ሓይልታት ምሕዝነት እናዓንተረን ፍሽለት ለውጢ እናዛየደን ይኸይድ። ስለዚ እንውስነሉ እዋን ሕዚ እዩ።ኣብ ዕንክሊል እንፀንሐሉ ግዘ የብልናን።
ኣብዚ እዋን እዚ ትግራይ ውን ዕድል ነትቢ መቐይሮ ገጢሙዋ ኣሎ።እዚ ዕድል መሊስና ክንረኽቦ ዘይንኽእል ከቢድ ሃፍቲ እዩ። እቲ ሕቶ ኣብእዋኑ ነዚ ነጥቢ መቐይሮ ተጠቒማ ናብ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ምዕራፍ ንባዕላ ተሰጋግር ወይስ ምውሳን ኣብዩዋ ናብ ዝተለመደ ዕንክሊል ትኣቱ ዝብል እዩ። ናይዛ ሓፀር ፅሕፍቲ ዕላማ እዚ ሕቶ እዚ ምምላሳ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይ ነጥቢ መቐይሮ ኣጠማምታ መብገሲ ብምግባር ኣብዚ ጉዳይ ምይይጥ ንምቑስቃስ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን ዕድል ነጥቢ መቐይሮ ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ወርቃዊ ዕድል ናብ ሙሉእ ረብሓና ክቕይር ዝኽእል ቁመና ግን ኣይተፈጠረን ዝብል ተሓሳቢ ብምግባር ንትግራይ ዘለዎ ትርጉምን ንኹለመዳያዊ ሓርነታዊ ዝላ ከመይ ንጠቐመሉ ኣብ ዝብልን ንኡሽቶ ሓሳብ ሸው ከብል ይፈቱ።
እንታይ ኢና ንብል ዘለና?
ትግራዎት ንብዙሕ ኣሸሓት ዓመታት ኣብ ናይ ስልጣነ ብራኸ ፀኒሕና። ካብ 10ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ስልጣነና ንቑልቁል ምውራድ ጀሚሩ። ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ንድሓር ድማ ናብ ሓሙኽስቲ ተቐይሩ። ከምውፅኢት ትግራይ ንልዕሊ 8 ሚኢቲ ዓመታት ኣብ ናይ ዒንክሊል ጉዕዞ ኣትያ። እቶም ሕዚ ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ናይ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት ጉዕዞና ውፅኢት ምኻኖም ምቕባል ይሓትት።እዚ ድማ ሕብረተሰባዊ ውድቀት እምበር ናይውሱናት ልሂቃን ውፅኢት ኣይኮነን። ከምሕብረተሰብ ክንብል እንተለና ኣብ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፍልስፍናዊ፣ ስነልቦናዊ ፣ መንግስታዊ ምሕደራ፣ እምነታትን ብሄራዊ መንነትን ዝተፈጠረ ምምራት፣ ምኽላስን ፣ምግላስን ንምግላፅ እዩ። በቢመድረኹ ትግራይ ስልጣነና መሊስካ ንምልዓል ዝገበረቶም ወያነታት ናይ ዒንክሊል ቀለበት ሰይራ ክትወፅእ ኣየኽኣሉዋን። ኮይኑ ግን እቶም ወያነታት ብሄራዊ ክብርና መሊኡ ከይጠፍእ ገይሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ናብቲ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ምዕባለ ንኽንበፅሕ ነናይ ባዕሎም እጃም ተፃዊቶም እዮም። ሕዚ ንዘመናት እናተዋህለለ ዝመፀ ውሽጣዊ ሕብረተሰባዊ ዝግመተ ምዕባለን ናይ ደገ ደፋእቲ ረቓሒታትን ተዳቢሎም ታሪኻዊ ዝላ ክንፍፅም ኣብ ዘገድድ ናይ መወዳእታ ጠርዚ በፂሕና ኣለና። እቲ ጠለብ ዝላ ብቐንዱ ፖለቲካውን ትካላውን ኮይኑ ምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ሓርነት እዩ። ኣብቲ ናይ ሸሞንተ ሚኢቲ ዓመታት ሕሉፍ ጉዕዞና ዝስረት እንተይኮነስ ነቲ ናይ ኣኽሱማዊ ብራኸ ስልጣነ ተሞርኩዙ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ክግለፅ ዝኽእል ብራኸ ምዕባለ ንምብሳር ዝጠመተ እዩ። ስለዚ ኣብ ዘመናት ሓደ

ግዝ ዘጋጥም ዕድል ነትቢ መቐይሮ ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ መፃኢ ዕድል ትግራይ ዝውስኑ ታሪኻዊ ውሳነታት ምውሳን ይጠልብ ኣሎ። እስካብ ሕዚ ነዚ ዕድል ናብ ረብሓና ክንቅይር ዘኽእለና ቁመና ኣይፈጠርናን።
እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ መቐይሮ ካብ ስቓይ እዩ ዝብገስ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ ስቓይ ፍልፍል እዩ። እስካብ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ እያ ክትነብር ሞኪራ። ሕዚ ግን ትግራይ ንኢትዮጵያ እትኸፍሎ መስዋእትነት ክትቅበል ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ በፂሓ ኣላ። ስለዝኾነ መፃኢ ዕድላ ኣብባዕላ ዝምስረትሉን ኩሉ ጠመተኣ ናብ ውሽጣን ናብ ባዕላን ዝዞረሉ መድረኽ እዩ። ድሕሪ ሕዚ ምስ ካልኦት ክህልወና ዝግባእ ርክብ ንረብሓናን ስልጣነናን ብዝህልዎ ኣበርክቶ ጥራሕ ተዓቂኑ ዝምስረት እዩ ዝኸውን። እዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ መቐይሮ ተቐልቢሱ መሊስና ናብ ዕንክሊል ከይንኣቱ ድማ ኩለመዳያዊ ሓርነትና ንምርግጋፅ ከመይ ንጠቐመሉ ኣብዝብል ከምዝስዕብ ርኢቶይ ይገልፅ።
ናበይ ንጠምት?
እንታይ ንግበር ንምርኣይ እዘን ዝስዕባ ሓርፋፍ ቅድመ መደምድምታት ከቐምጥ ይፈቱ ።
 ኣብ ኢትዮጵያ ዘይዕረቕ ናይ ኣጠማምታን እሴታትን ተቓርኖ ኣሎ።
 ሕዚ ውን መንነታዊ ብሄርተኝነት እቲ ዝዓንተረ ማሕበረሰባዊ ውዳበ እዩ።
 በዝሒ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ናይ ስልጣን ዋንነት ሕቶን ተስፋሕፋሓይ ፖለቲካን ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ብዓይኒ ናይዞም ናይ ብዙሓት (Majority) ኣገዛዝኣን ናይ ዜግነት ፖለቲካን ሓይልታት እንትርአ ድማ ግደ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ኢትዮጵያ ቦታ የብሉን ወይ ከዓ ካብ መገልገሊ መሳርሒ ንላዕሊ ክህልዎ ኣይደልዩን።እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብቲ ህዝቢ ውንዝሰረፀ እዩ።
 ኣብ መፍረያይነት ዝስረተ ዕዳጋ ዘይኮነስ ብሉፅነትን ፀጋን ናይ ካልኦት ዓምሪርካ ክትጥቀም ኣብ ምድላይ ዝሰረተ ፅግዕተይናን ጨፍላቓይን ርክብ ዓብላላይ ቦታ ኣለዎ።
 ምስካልኦት ርክብ ክህሉ እንተኾይኑ ድማ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ህልውና ዝተፈላለየ ኣቃውማ ስርዓተ መንግስታት ዝጠልብን እዩ።
ስለዚ ናይ ሓፂርን ዘላቕን ረብሓ ትግራይ መሰረታዊ ናይ ኣጠማምታ ዝላ (Paradigm shift) ሒዝካ ጥራሕ እዩ ዝረጋገፅ። ፓራዳይም ሽፍት ድማ ዕንይንይን ናይ ላንጋ ላንጋ ፖለቲካን ኣይፈቅድን። ካብቲ ሕሉፍ መንገዲን ጉዕዞን ውን ብዓይነቱ ዝተፈለየ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ቀፀሊ ጉዕዞና ሓርነት ትግራይ ዘብስር ክኾን ኣለዎ። ሕመረት ሓርነት ትግራይ ብሄራዊ መንነትን ክብርን ትግራዋይነት እዩ። እዚ ማለት ሓርነትና ኣብ መንነታዊ ክብሪ ትግራይን ትግራዋይነትን ክስረት ኣለዎ። እዚ ንኽኸውን ድማ ንባዕልና ካብ ድሕረታትን ጠቐራትን ፈጢሮምዎ ዘለው ቤት ማእሰርቲ ነፃ ምውፃእን ምስሕሉፍ ስልጣነና ናይ ምትእስሳር ኣብርሆት ዝጠልብ እዩ።

ሓርነትና ኩለመዳያዊ (ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ወዘተ...) ይኹን እምበር ቅደም ስዓብ ዝሓትት እዩ። ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ ፖለቲካዊን ብሄራዊ መንነትን ሓርነት ምርግጋፅ እዩ። ፖለቲካዊን ብሄራዊ መንነታዊ ትካላውነትን ንቑጠባዊ ትካላውነት መሰረት እዩ ካብ ዝብል እምነት ክብገስ ኣለዎ። እዚ ማለት ሕቶ ህንፀት ብሄረ- መንግስትነት ትግራይ (Nation-state of Tigrai) ቅድሚ ኩሉ ክረአ ኣለዎ። ሕቶ ህንፀት ስልጥንትን ስሕበታዊትን ሃገረ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ሓቓፋይን ኣሳታፋይን ፖለቲካዊ ምሕዳር ክፍጠር ኣለዎ። ሕምብርቱ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ ኣሳርን ቀያድን ሕግታት ኣፍሪስካ ንብሄራዊ ፈጠራን ህንፀት ስርዓተ መንግስትነት ትግራይን ብዘመቹ ክስራሕ ኣለዎ። ብዘይፖለቲካዊ ሓርነት ቁጠባዊ ሓርነት ብዘይ ቁጠባዊ ሓርነት ድማ ፖለቲካዊ ሓርነት የለን። ናይ ትግራይ ቁጠባዊ ሓርነት ሕመረት ሓራ ዝወፀ ፣ ብሉፅነቱ ዘለለየ፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝወነነ ሰባ እዩ።ስለዝኾነ ኣብ ልምዓትን ምውፋርን ሓይሊሰብ ዘተኮረ ፖሊሲን ስትራቴጂን ክህልው ይጠልብ። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ንባህግን ስልጣነን ብሄረ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ከምኡ ውን ፍሉይ ብሉፅነት ትግራዎት (ማሕበረሰባዊ ሃፍቲ) ኣውፂኡ ተወዳዳሪ ዓቕሚ (Competitive advantage) ዝፈጥር ስርዓተ ትምህርትን ስልጠናን ምምዕባልን ምትግባርን ይሓትት።
ብምጥቕላል ሕዚ መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ እንውስነሉ ነጥቢ መቐይሮ በፂሕና ኣለና። እቲ ቃልሲ ኣብ ሞንጎ ዝላ ዘረጋግፅ ኣንፈት መሪፅካ ንቕድሚት ምምራሽን ፀጋጊንካ በቲ ዝፀንሐ ኣንፈት መሊስካ ናብ ዕንኪልል ምእታውን እዩ። ክልቲኦም ኣንፈታት ዝሓትዎ ዋጋ ኣሎ። ኮይኑ ግን ዝኽነ ዓይነት ዋጋ ንኽፈል ሕርያና ዝላ ዘረጋግፅ ሓርነት ሃገረ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ብሄራዊ መንነትን ክብርን፣ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ሓርነት ትግራይ ምግሃድ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ባህግና እዩ። ካብዚ ወፃእ ዘለው ጉዳያት ነቲ ስትራቴጂያዊ ድሌትና ተገዛኢ ክኾኑ ኣለዎም። ሓርነትና ኣብ ባዕልና እምበር ኣብታ ዘይትፅገን ኣረጊት ሃገር ኣይረጋገፅን። ዝፀንሑን ሓደሽትን ርክባትና ናይ ምምሕዳር ጉዳይ እቲ ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ብዝልህዎም ዋጋ ጥራሕ ዝምዘኑ ክኾኑ ኣለዎም።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ነቶምናብዚ ዘብፅሑና ሰማእታት ትግራዋይነት ይዓምብብ::

ብሜ/ጀ ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ (ዶር)

10/11/2011ዓ.ም

በአዲስ አበባ ከተማ የሚኖሩ ተጋሩዎች መታወቂያቸው እየተለየ ከመንገድና ከመኖሪያ ቤታቸው እየታደኑ በመታሰር ላይ ናቸው ሲል አምነስቲ እንተርናሽናል ገለጸ። ድርጅቱ የትግራይ ተዋጊዎች ደሴ ከተ...
13/11/2021

በአዲስ አበባ ከተማ የሚኖሩ ተጋሩዎች መታወቂያቸው እየተለየ ከመንገድና ከመኖሪያ ቤታቸው እየታደኑ በመታሰር ላይ ናቸው ሲል አምነስቲ እንተርናሽናል ገለጸ።

ድርጅቱ የትግራይ ተዋጊዎች ደሴ ከተማ መቆጣጠራቸውን ተከትሎ ከወጣው የአስቸኳይ ጊዜ አዋጅ ወዲህ የኦርቶዶክስ ቄሶች፣ የህግ ባለሙያዎች እና የመንግስት ሠራተኞችን ጨምሮ ትግራዋይ የሆነ ሁሉ አዲስ አበባ በሚገኙ ወጣት ማዕከላትና ድብቅ እስር ቤቶች ታጉረው ይገኛሉ ብሏል።

ታሳራዎች እስካሁን ፍርድ ቤት ያልቀረቡ ሲሆን ከሌሎች ዘመዶቻቸው ጋርም መገናኘት አይፈቀድላቸውም ተብሏል።

አምነስቲ ያነጋገራቸው ታሳሪዎች መንግስት በማንኛውም ሰዓት ከቦ ጥቃት ልፈጽምብን ይችላል የሚል ከፍተኛ ስጋት አለን ብለዋል።

የአምነስቲ እንተርናሽናል የምስራቅና ደቡባዊ አፍሪካ ዳይሬክተር ድፕሮሴ ሙሼና የኢትዮጵያ መንግስት ብሔርን መሠረት ያደረገ ጅምላ እስር በአስቸኳይ እንዲያቆም እና አስቸኳይ አዋጁን ከአለም አቀፍ ህግጋት ጋር በተጣጣመ አኳኋን እንዲከልስ አሳስቧል።

ማለዳ ሚዲያ

ወዲ ራያ ምስ ህዝቡ
08/11/2021

ወዲ ራያ ምስ ህዝቡ

Well Come To Berakhe Media YouTube Channel Like Share Subscribe For More VIdeos © Copyright:Berakhe MediaAny unauthorized use, copying or distribution is st...

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ=========ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ፣ ትግራይ ድማ ካብ ካርታ ዓለም ንምፉሓቕ፣ ም...
08/11/2021

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
=========

ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ፣ ትግራይ ድማ ካብ ካርታ ዓለም ንምፉሓቕ፣ ምስ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ኣካላትን ብምሽራኽ፣ ማእለያ ዘይብሎም ኣፅዋራትን ተሓባበርትን ብምስላፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ካብ ዝፍፅም ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። እዚ ፋሽሽት ጉጅለ፣ ቅድሚ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ምክያዱ ንዝሓለፊ ሰለሰተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝነብር ትግራዋይ ብመንነቱ ተፈልዩ ክውቃዕን ክበሳበስን ዝተፈላለዩ ስማስም ክወሃቦን ብምግባር፣ ብመንግስቲ ሚድያታት ሓዊሱ መንነቱን ክብሩን ዘራኽሱ፣ ኣብዛ ዓዲ ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ፀገማት ፍልፍል ከምዝኾነ ተጌሩ ክሰኣል፣ ናይ ኩሉ ሓጥያት ምንጭ ትግራዋይ ከምዝኾነ፣ ብሓፈሻ ትግራዋይ ብምኽንያት መንነቱ ተቆፂሮም ዘይውድኡ ግፍዕን በደልን ክበፅሖ መሰረት ጌሩ ሰርሕሉ እዩ።

ናይዚ ኩሉ መበገሲ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ኣበር ኮነ ሓጥያት ስለዘለዎ ዘይኮነስ፣ ንተግባርን ባህርን እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ብትረት ክቃወሞ ስለዝጀመረ፣ ፌዴራል ስርዓትን ሕገ መንግስትን ክኽበሩ ድምፁ ስለዘስመዐ፣ ብመሪር ቃልሱን ብዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ዝዓተሮ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል ከምኡ እውን መሰል ዓርሰ ምሕደራኡ ተግባራዊ ስለዝገበረን፣ ኩሉ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ መረፃ እንተካይዱ ኣብ ልዕልኡ ክበፅሕ ዝኽእል ግፍዕን በደልን፣ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ትግራይ ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ከምኡ'ዉን ስምብራት ኣብ ኣደባባይ ብግልፂ ቋንቋ ገሊፁ'ዩ። ስለዝኾነ እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ካብ ፅባሕ ኮረቻ ስልጣን ዝተቆናጠጠላ ዕለትን መዓልትን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝከፈቶ ስነ ኣእምራዊ ኲናትን ወፍሪ ምስይጣንን ኣዝዩ ሰፊሕን ዘየቋርፅን ምንባሩ ይፍለጥ።

እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ድሕሪ ተኸታታልን ዘየቋርፅን ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ቶኽሲ ኣልባ ኲናት ድማ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ማእለያ ዘይብሎም ወታደራዊ ኣፅዋራትን መሻርኽትን ኣኻኺቦም ትግራይ ብምኽባብ ከም ህዝቢ ነበረያ ነበረ ኽኸዉን ዓሊሞም ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቓላት ንምግላፅ ዝኸብድ ግፍዒ፣ ጭፍጨፋ፣ ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ፣ ብድምር እዞም ፋሽስትን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጆኖሳይድ ከምዝፈፀሙ ዓለም ሙሉእ ዘረጋገፆ ግሁድ ሓቂ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። እዚ ብሓሶትን ምጭብርባርን ተወዳዳሪ ዘይርከቦ ፋሽሽት ጉጅለ፣ ንብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን እዛ ሃገር፣ ህዝቢ ትግራይን ብውድብና ህወሓት ዝምራሕ መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱን ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ይወስድከምዘሎን ብምምሳል ኣደናጊሩ ሰራዊት ፋሽሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ሰራዊት መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሕዎ በደል፣ ኣብ ልዕሊ ንብረቱን እንስሳታቱን ከምኡ እውን ኣብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ትግራይን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምግላፅ ዝኸብድ፣ ኣብ መዋእል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ክፍፀሙስ ይትረፍ ክሕሰቡ እውን ዘይኽእሉ እዮም።

እንተኾነ ግን ነዚ ኣብ ልዕልና ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ፣ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣረኣይኡ፣ ሃይማኖታዊ እምነቱ፣ ዕድምኡን ፆቱኡን ብዘየገድስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብ ትሕቲ ዝመረፆ መንግስቱ ከም ህዝቢ ተሰሊፉ፣ ሓርነትና፣ ህላወናን ሓድነታዊ ግዝኣትናን ንምርግጋፅ ምስ ኩሎም ፋሽሽታውያን ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ክገጥምን ዝተገደደሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ዩ። በዚ መሰረት ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ኹነታት ብዕምቆትን ብዝርዝርን እናገምገመ፣ ነቶም ብልፍንቲ ከም ህዝቢ ከጥፉኡና ጀኖሳይድ ዝኣወጅልና ሓይልታት፣ ብልዑል ጥበብ፣ ጥንቃቀን ብቕዓትን ንምድምሳስን ምቅባርን ዘኽእል ኣወዳድባ ህዝባዊ መኸተ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብምዝርጋሕ፣ ህዝባዊ መኸተና ከዐውቱ ዝኽእሉ ኣሰራርሓታት፣ ስልትን ስትራቴጂን ብምሕንፃፅ፣ ብፍላይ ባዓል ዋና እዚ ህዝባዊ ኩናት ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ንኽዛዘም ልዑል ርብርብ ክገብር፣ ናይ ደጀን ስራሕትና ዘጠናኽሩ ኣንፈታት ብምንፃር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ንዝጓንፉ ፀገማትን ጉድለታትን ብምምላእ፣ 'ስንቅና ካብ ህዝብና፣ ዕርድና ጎቦታት ዓድና፣ ዕጥቅና ድማ ካብ ፀላእትና' ዝብል ነባር መሪሕ ሓሳብ ውድብና ኣብ ተግባር ዘውዕል ቅኒት ብምሕንፃፅ ኣብ ኣዝዩ ሓፂር ግዜ ንፀላእትና ዝምክትን ዝስዕርን ዓቕሚ ክህነፅ ተኻኢሉ እዩ።

ኮይኑ’ውን ደመኛታት ፀላእትና ኣብዝሓ ሓይሊሰቦም ኣብ መሬት ትግራይ ብምድምሳስ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ሓራ ክወፅእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ውድብና ዝመርሖ መንግስቲ ተሰሊፉ ብዘካየዶ ተጋድሎ ብምልኣተ ህዝቢ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ኪኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብጉልበት ዝተመንዘዐ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን መስል ኣብ ቅልፅሙ ምዃና ዘረጋገፀላን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝብና ዝለዓለ ብሄራዊ ኩርዓትን ሓበንን ክስምዖን፣ ህዝባዊ መኸተና ናብ ዝለዓለ ናህሪ ዘሰጋገር ዕድል ፈጢሩ'ዩ።

ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ፅላል ውድቡን መንግስቱን ዓሲሉ፣ ብዘካየዶ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ተጋድሎ ናይ ሰዓራይነት ኣክሊል ክደፍእ ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ከይዲ'ዚ መላእ ኣባላትን ኣመራርሓ ውድብና ህ.ወ.ሓ.ት ዝተወሃቦም ህዝባዊን ውድባዊን ሓላፍነት ተሓንጊጦም ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም እጃሞም ተፃዊቶም ካብኡ ሓሊፍ ድማ ምእንተ ህላወ ትግራይን መሰል ርእሰ ውሳነንሓርነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝባዊ መትከሎምን ዕላምኦምን ንፃት እዉን ዝንብል እንከይበሉ ዝተጋደሉ ላዕለዎት መራሕትን መስረትን ውድብና ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ህወሓት ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር መላእ ህዝብናን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይን ከም ማይን ፀባን ተዋሃህዶምን ተናቢቦም ዘካይድዎ ተጋድሎ፣ ተፈጥራዊ ብድሆታት ብዝለዓለ ፅንዓት ተፃዊሮም ስቓይን መከራን ህዝቦም ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ኣወንታዊ ኣበርክትኦም ክዐዝዙን ዝፈፀምዎ ንዘንትእለት ዘይሃስስ ታሪኽ ተጋድሎ እናተዘከረ ዝነብር እዩ፣ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ንቅድሚት ክግስግስ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፣ ህዝባዊ መኸተና ፍትሓዊ፣ ሕጋዊን ተቐባልነት ዘለዎን ምዃኑ እንትኸውን፣ ፍልፍል ሰዓራይነትናን ፅንዓትናን ድማ ክብሪታት ወያነና ኣፅኒዕና ብምሓዝ ሰራዊትና እውን በዞም ክብሪታት እዚኦም ክህነፅ ስለዝተገበረን እዩ፣ እዚ ንኽከዉን ኩሎም ዓቕምታትና ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ወያንኡን ዝኾኑ ብብቕዓትን ጅግንነትን ዝተመስከረሎም ፖለቲካዊን ወታደራዊን መራሕቲ፣ ምስቲ ሓዱሽ መንእሰይ ትግራይ ብምጉርራስን ሓያል ውህደት ብምፍጣርን፣ ከም ህዝቢ ንኹሎም ብድሆታት ተፃዊርና ብዝለዓለ ፅንዓትን ጅግንነትን ተወዲብና ሳላዝተቃለስናን፣ ንዝገጠመና ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ምምካት ተኻኢሉ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ቃልስን መኸተን እዋን፣ ንኹሎም ናይ ህልዉና ሓደጋታት ከም ህዝቢ፣ ውድብን መንግስትን ብዝለዓለ ብቕዓትን ተፃዋሪነትን ክንሰግሮም ብምኽኣልና ኣብዚ እዋን'ዚ ዕድመ ኩሎም ፋሽሽታውያንን ወረርቲን ፀላእትና ንምሕፃርን ንመወዳእታ ግዜ ንምቕባርን ዘኽእሉ ተደራረብቲ ዓወታት እናመዝገብና ጉዕዞና ንቕፅል ኣለና፣ ብኣንፃሩ ኩሎም ፋሽሽታውያን ፀላእትና ድማ ስርዓተ ቀብሮም ዝፍፀመሉ እዋን እናተቃረበ ምዃኑ ስለዝተገንዘቡ ዝገብርዎ ሓርቢትዎም ኣብ ሓያል ስነ ኣእምራዊ ፀቕጢ ተሸሚሞም ይርከቡ። እዚ ዘረጋግፆ ሓቂ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዕድመ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ፆታ እንከይዓገተና ሓርነትና፣ መንነትናን ብሄራዊ ክብረትና ንምውሓስ ሰሚርና ቃልስና ምስ እነካይድ፣ ፍትሓዊን ሕጋዊን ህዝባዊ ኲናትና ካብ ምዕዋት ዝዓግተና ምድራዊ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእል ደጊሙ ዘረጋገፀ ፍፃመ እዩ።

ብዘካየድናዮ ዕዉት ህዝባዊ መኸተን ብዘመዝገብናዮም ድሙቓት ዓወታትን ድማ፣ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይን ህዝባን ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምውሓስ ዘኽእል ዓቕምን ተኽእሎን ክንሃንፅ ክኢልና ኣለና። ሕዚ'ውን ኩሎም ዓቕምታትና ኣጠናኽርና፣ ውዳበታትና ኣሰጣጥምና ስራሕቲ ደጀንና ዝያዳ ኣሐይልና ብምቕፃል፣ ኣብ ቅድሜና ዝንሄ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ብጥበብ፣ ብጥንቃቀን ብብቕዓትን መሪሑ ንምስጋርን ህዝባዊ ኩናትናን መኸተናን ብዓወት ንምኽንባትን ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ከም ዝስዕብ ፃውዒቱ የቕርብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ን17 ዓመታት ብዘካየድካዮ መሪር ቃልስን ዝኸፈልካዮ ረዚን መስዋእትነትን ኣብ ልዕልኻ ተፃዒኑ ዝነበረ ብሄራዊ ዕብለላን ምሒር ደርባዊ ምዝመዛን ወፅዓን ብምግላህ ዘረጋገፅካዮ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ንምግሃስን ከም ህዝቢ ንክትጠፍእን ሕዱር ፅልኢ ዘለዎም ሓይልታት ትምክሕትን ፋሽሽታውያንን ምስ ኣብ ልዕሌካ ዝኸሓነ ቂም ዘለዎ ፀላኢ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብልፍንቲ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር ኣዊጆም ብምድርን ብሰማይን ብምድብዳብ ኩሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን ኣብፅሐሙልካን የብፅሑልካን ኣለው። ኣብ ልዕልኻ ብዝተፈፀመን ይፍፀምን ብዘሎ ጫፍ ግፍዒ ከይተሰኮንካ ብሓፂናዊ ሓድነትካን ስሙር ውዳበኻን ኩሎም ብድሆታት መኪትካ ፀላእትኻ ብምድርዓም መብዛሕትኡ መረባኻ ኣጽሪኻ እዞም ብጥሜትን ጥይትን፤ ፆታዊ ዓመፅ፤ ዕንወት ማሕበረ ኢኮኖሚ፤ ጉሕለት ባህላዊ ሓድግታትን ክትፀንት ዝፈረዱልካ ፋሽሽታውያን ሓይልታት ሓመድ ድብኦም ክትፍፅም ኣብ ኣፍ ደገ መቃብር ኣብፂሒካዮም ኣለኻ። ነዚ ፍፁም መትከላውን ፍትሓውን ህዝባዊ መስመር ተሓንጊጥካ ተካይዶ ዘለኻ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ክብሪ ከምዝስምዖ እንትገልፅ ፀላእትና መሊእና ከነቃብፆምን ልዕልነት ሕጊ ኣረጋጊፅና ንበደልና ፍትሒ ክንከሓስን ንህዝባዊ ኹናትና ዓርሞ ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነና ኣብ ሸትኡ ክበፅሕ መስመር ከየዛረኻ ከምቲ ልሙድ ከም እምኒ ዓረ ፀኒዕኻ ቃልስኻ ክተጠናኽርን ሙሉእ ዓወትካ ክተረጋግፅን ፃውዒቱ የቅርብ።

ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ
መዘና ኣልቦ ፅኑዕ ጀግና ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ ንስለ ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ኣያታትካ ዓቂብካ፡ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ማሕለኻታት ተፃዊርካ፣ ወርቃዊ መዋእል ዕድሜኻ ከየዘናገዐካ ንመንነትን ክብርን ህዝብኻ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተካይዶ ዘለካ ተኣምራዊ ተጋድሎ ታሪክ ዝሃበካ ሓላፍነት ኣብ ክቱር ህዝባዊ መትክል ዝተሞርኮሰ ምኻኑ ተመዝግቦ ዘለኻ ዓርሞሸሻዊ ዓወት ምስክር እዩ። ነባራት ተጋደልትን ኣመራርሓን ውልቃዊ ናብራኹም ከየሰሰዐኩም፣ ናብራ ዓለም ከይሰዓረኩም፣ ስቃይ ሕዱር ሕማም ተዓጊስኩም ፤ዕድመ ዘምፅኦ ድኻም ከይዓገተኩም፤ በሰላ መጉዳእቲ ተፃዊርኩም ቅድሚት ተሰሊፍኩም መስዋእቲ ወለዶ ብምካን ምስ ሓድሽ ወለዶ ማይን ፀባን ኮይንኩም ዓቕሚ ሃኒፅኩም ትኸፍልዎ ዘለኹም ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ታሪኸ ዝሰነዶ ህያው ሓቂ እዩ። ኣብ ቃልኩም ፀኒዕኩም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልኩም ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ነባራት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኣመራርሓን ቅያኹም ንዝንተኣለም ብደም ዝተጻሓፈን ፍፁም ዘይሃስስን እዩ። እዙይ ትፍፅምዎ ዘለኹም ዓለም ዘስደመመ ንምእማኑ ዘፀግም ተጋድሎ ሞሳኹም ክቡር ካሕሳኹም ክቱም
ብምኻኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ኩርዓት እንትስምዖ ፀላእትና መሊኦም ክሳብ ዝቅበሩ ጅግንነትኩም ክትቅፅለሉን ስነ-ስርዓት ቀብሪ እዞም ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሓይልታት ክተሳልጡን ፃውዒቱ የቅርብ።

ዝኸበርካ ዲያስፖራ ትግራይ
ኣታ መሪሕ ኣምባሳደር፣ ህዝቢ ትግራይ ፅላለይ፣ ትግራይ መኣዲ ቤተይ ዝብል ህዝባዊ መስመር ተዓጢቅካ ትግራይ ናብራኻ ገይርካ ግዜካን ገንዘብካን ኣወፊካ ቁሪ፤ ፀሓይ፤ በረድ ካልኦት ፅዕንቶታትን ተፃዊርካ ህፃናት ደቅካ ኣሰሊፍካ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን፣ ፀጋ ዓድኻን ዝበፀሐን ዝበፅሕ ዘሉ ግፍዕን በደልን ብምቅላዕ ትግራይ ኣጀንዳ ማ/ሰብ ዓለም ክትከውን ትገብሮ ዘለኻ ዘይተሓለለ ፃዕርን ዛጊድ ዘመዝገብካዮም ዓወታትን ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ፡፡ ሐዚ ውን ኣብ መበል 21 ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ኣብ ልዕሊ ህዝብካ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዓለም ብዝግባእ ተረዲኡ ሓቅነቱ ተቀቢሉ ክድምድምን ነዙይ ዝሓንፀፁ፤ ዝመርሑን ዝፈፀሙን ሲቪልን ወተሃደራዊ ኣመራርሓን ኣብ መጋባእያ ዓለም ክተቅርቦም ቃልስኻ ክተጠናክር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትንፅውዕ ከምቲ ልሙድ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ዝጀመርካዮ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ከምእትቅፅልሉን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ካባኻ ዝድለ ኩሉ ከምትፍፅሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ እንተቅርብ ከምትውግኖ ብምትእምማን እዩ።

ዝኸበርኩም ፎረም ውደባት ትግራይ!!
ኣባላት ፎረም ውድባት ትግራይ፥ ኣብ ህዝባዊ ኲናትናን መኸተ ህዝቢ ትግራይን፥ ዓሲልኩም ዝገበርኩሞ ቃልሲ ዝንኣድ እዩ። እዚ ዘርኣኹሞ ተወፋይነት፥ ዕላማታት ህዝባዊ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝዕወት መኸተኹም ኣዛይድኩም ክትቅፅሉ በዚ ኣጋጣሚ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃወዒቱ የቕርብ።

ዝኸበርኩም ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ
ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቱ ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ምሕደርኡን ብወረርቲ ሓይልታት እንትድፈርን ከም ህዝቢ ንክጠፍእ እንትፍረደሉን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም ዝበፀሖ ግፍዒ ኮኒንኩም ድምፅኹም ዘስመዕኩም፣ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝደገፍኩምን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዓወትና ዩ ኢልኩም ዝተቀበልኩም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኹም ኩሉኹም ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ምስጋና እንተቅርብ ሐዚ ውን ሰብኣውን ህዝባውን ድገፍኩም ብምጥንካር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ጀኖሳይድ ዓለም ብዝግባእ ተረዲኡ ሓቅነቱ ተቀቢሉ ክድምድምን ፋሸሸታውያን ወረርትን ሓይልታት ኣብ መጋባእያ ዓለም ቀሪቦም ብወንጅል ኩናት ክሕተቱ እጃምኩም ክትዋፅኡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይፅዉዕ፡፡

ዝኸበርኩም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ
ብቃልስን ኽቡር መስዋእቲ ህዝብታትን ዝተኸተመ ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ሓድነታዊ ማዕርነትን ልዕልነት ሕግን ዝተመስረተን ፤ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ህዝብታት ዘረጋገፀ ሕገ-መንግስቲ ብፋሽሽታውያንን ትምክሕተኛ ሓይልታትን ተጣሒሱ ናይ ደገ ፀላኢ መንግስቲ ከይተረፈ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር እንትእወጅ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንክጠፍእ እንትፍረደሉ ዕድመ ፋሽሽታውያን ንምንዋሕን ፃምእ ስልጣኖም ንምርዋይን ደቅኹም ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ህይወቶም ብከንቱ ይጠፍእ ኣሎ። እዚ ፃውዒት ሰላም ተሓሲሙ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣብ ዝሳሰየሉ ቦታ ኾይኑ ንዝተወደአን ውፅኢቱ ንዝተፈልጠን ጦርነት ደጊምኩም ደቅኹም ክትግብሩ ዝግበረልኩም ዘሎ ፃወዒት ፋሽሽታውያን ብምቅዋም ባዕልኹምን ዓድኹምን ህይወት ደቅኹምን ንክተድሕኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ
ህዝቢ ትግራይ ንክብርኻን ብሄራዊ መንነትካን ኣብ ዘካየድካዮ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎንካ ተሰሊፉ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ከፊሉ ብምቅላስ ብደምካ ዘረጋገፅካዮ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ተጠቂምካ ህንፀት ሓዳሽ ሃገረ ኤርትራ እንትውስን ውን ሙሉእ ድጋፍን ኣፍልጦን ሂቡካ ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንነፃነትካ ብዘርአዮ ህዝባዊ ድጋፍ ውን ብመርዚ ዝተላዕጠጡ ናይ ፕሮፖጋንዳ ወፍርታት ኣብ ልዕሊኡ ተካይድሉን ይካደሉን ኣሎ ዋጋ ውን እንትከፍለሉ ምንም ዘናስሕ ነገር ከምዘይብሉ ኣዕርዩ ይኣምን፡፡ ይኹን ‘ዳኣምበር ዝተመነኻዮ ባህጊ ነፃነትካ ብግጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተኾሊፉ ደቅኻ ኣደዳ ስደትን ባሕርን ኮይኖም ንሞትን ኣካላዊ ስንክልናን ተቃሊዖም ትምኒትካ'ውን ተጨውዩ ተሪፉ። ካብዙይ ሓሊፉ ንክትሰምዖን ኣሚንካ ክትቅበሎን ዝኸብድ ግን ድማ ህያው ሓቂ ዝኾነ እዚ ሸቃጢ ስርዓት መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምስቶም ትማሊ ብቅልፅምካ ዝሰዓርካዮም ኣንፃር መሰረታዊ ረብሓታትካ ደው ዝበሉ፤ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ኢሎም ዝድስኩሩ፤ ዕድል ተረኺቦም ውን ባሕርኻ ተመንዮም ክጎብጡኻ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር ብምፍፃም ምስ ክብርኻን ፀጋኻን ፍፁም ዘይራኸብ ንቡርን ነውርን ዝሓረሞ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃት ዘኽእል ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ደቅኻ ውን ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ተሳቲፎም ኣብ ፍቃዶ ጎቦታት፣ ሽንጥሮታትን ሜዳታትን ትግራይ ከም ቆፅሊ ረጊፎም እዮም። ነዙይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፀም ዘሉ ምፅናት ህዝቢ ብምኹናንን ብምቅዋምን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ትነብሩ ኤርትራውያን ብፍላይ ዲያስፖራ ኤርትራወያን ብስቪላውን ፖለቲካውን ውዳበታትኩም፣ ብሚድያታትኩምን ተዓጂብኩም ንዋታዊ፤ ፋይናንሳዊን ሞራላውን ደገፍ ብምግባር ተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እናመስገነ ብዘላቅነት ባህግን ትምኒትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝሰምር ኣብ ልዕሊ መቃብር መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምኻኑ ብምእማን ንክብርን ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ክትብሉ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዝጀመርክምዎ ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ክትቅፅልሉን ታሪካዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ የቅርብ።

ዝኸበርኩም ማሕበረ-ሰብ ዓለም
ኣብ ዓለም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብዓይነቱን ኣፈፃፅምኡን ተራእዩ ዘይፈልጥ ማእለያ ዘይብሉ በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንትበፅሕ መትከል ሰብኣውነት ተላቢስኩም ዝኮነንኩምን ዝተቃወምኩምን መንግስታት፤ ዓለም ለከ ትካላት፤ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፤ተማጎቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሉኹም ኣብ ዝተፋላለዩ መድረኻት ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ክኸውን ዘካየድክምዎ ቃልሲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝንእድ ኮይኑ እዋናውን ግብራዊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ግን ስቃይ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይፍፀሙ ብዘለው ገበናት ተናዊሑ ይርከብ። ስለዝኾነ ውን ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዘቅርቦ ዘሎ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀሙ ኩሎም ዓይነት ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን ህልዊ ኩነታት ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ብዘይወዓል ሕደር ተግባራዊ ስጉምትታት ክውሰዱ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትፅዉዕ ብኣንፃሩ ስቃይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንዋሕ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ትሳተፉ ዘለኹም ኣካላት ውን ደው ኢልኩም ክልተ ግዘ ክትሓስቡን ብታሪኸን ተሓተትቲ ካብ ምኻን ባዕልኹም ክተድሕኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ይላቦ።

ኣብ መወዳእታ ዕማማት ህዝባዊ ኩናትና ማለት ውን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ሓምሺሽካ ግዝኣት ትግራይ ሓራ ምግባር፤ መንግቲ ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ተመሊሱ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውራቱ ዘርጊሑ ስርሑ ክጅምር ከምኡውን መሰል ዓርሰ ውሰንኡ (ረፈረንደም) ብምውጋን ዕላማ ህዝባዊ ኩናትና ኣብ ሸትኡ ክበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ልሙድ በቲ ፅኑዕን ዘይናወፅን ህዝባዊ መትከልካ ቀያሕትን ፀለምትን ደቅኻ መሪቅካ ናብ ግንባር ብምልኣኽን ደጀንን ማእገርን ሰራዊት ትግራይ ብምኻን ክብርኻን መንነትካን ንምዕቃብ ትገብሮ ዘለኻ ኩለመዳያዊ ቃልስካ ኣጠናኪርካ ከም ትቅፅለሉን፤ ሰራዊት ትግራይ ውን ብፍፁም ተኣምራዊ ጀግንነት ሓመድ ድበ ፀላእትኻ ከምተፋጥንን እምነት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብደም ቃልኪዳን ደጀንን ግንባርን ተኣሳሲርኩም ኣብ ልዕሊ እቶም ከም ህዝቢ ክንጠፍእ ዝፈረዱልና ናይ ዕድመ ልክዕ ፀላእቲ መሰረታዊ ረብሓታትና ዘየደግምን ዘየተስእን ወያናይ በትሪ ብምዕራፍ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሮም ምሒውኩም ከምተቃብፅዎም ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ንፃት ውን ኣይጠራጠርን።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!
ሃለዋትናን ደሕንነትን ብቅልፅምና !
ትግራይ ትስዕር!
28 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Berakhe posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share