Chila TPLF office

  • Home
  • Chila TPLF office

Chila TPLF office Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Chila TPLF office, Media, .

12/06/2023

እቲ ካብ ወረዳ ጭላ መበገሲ ጌሩ ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ዝተረኸበ መዳበርያ ተፃርዩ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ክትትል ኣለና። ኮይኑ ግን ምምሕዳር እቲ ወረዳ ከም ዝሸጦ ገለ ወገናት ዘቅረብክሞ ግን ሓቂ ዘይብሉን ፀለመ ምዃኑ እናሓበርና እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ካብ ገባራይና እናጭበርበሩ ዝኣከብዎ ከም ዝኾነ እዙይ ድማ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ቃልሲ ክኸውን በዚ ኣጋጣሚ ንፅውዕ።

ብዕለት 14-08-2015 ሓገዝ ብግዱሳት ወገናት ዲያስፖራ ንዝተፀገማ 300 ደ/ኣነ ወረዳ ጭላ ተዋሂቡ ===================ትካል  #ምግባረ  #ሰናይን መዕብዪ ህፃናት  #ሙሉ ካብ ...
23/04/2023

ብዕለት 14-08-2015 ሓገዝ ብግዱሳት ወገናት ዲያስፖራ ንዝተፀገማ 300 ደ/ኣነ ወረዳ ጭላ ተዋሂቡ ===================

ትካል #ምግባረ #ሰናይን መዕብዪ ህፃናት #ሙሉ ካብ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ #እስራኤል 171,000.00 ቅርሺ እዚ ገንዘብ #ን57 ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፀሐን ሕድሕደን 3000 ቅርሺ ተሓጊዙሉ፣ ብተወሳኺ ድማ ካብ #ማሕበር ደቂ ፅዮን #ኣክሱማውያን ነበርቲ #ስዊድን ካብ ዝተልኣኸ 381,000.00 ቅርሺ ድማ #ን243 ኣረጋውያን ዝተፀገማ ደቂ ኣነስትዮን ሕድሕደን 1500.00 ቅርሺ ኣብ ወረዳ ጭላ ዝርከባ ጣብያታት ተካፋፊሉ ኣሎ።
ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ጭላ ሓገዝ ንዝገበርኩምልና ልባዊ ምስጋናና ይብፃሕኹም።

25/09/2020
11/09/2020

ሰላም ፣ ሰላም ፣ ምእንተ ሰላምን ዴሞክራስን ብፍላይ ድማ ምእንተ ሓርነትካን ምእንተ ኩሉ ውፅዕ በጃ ዝኾንካ መሪር መስዋእቲ ዝኸፈልካ ጅግና ህዝቢ ወረዳ ጭላ ፤ እንኳዕ ንበዓል ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን ብሰላም ኣብፀሐካ ይብል መላእ ኣመራርሓ ወረዳ ጭላ !!

ትማሊ ምእንተ ሓርነት ምእንተ መላእ ውፅዕ ህዝቢ ኢልካ ኣብ እንግዳዕኻ ተድዓኒኑ ዝነበረ ጭቆናን ወፅዓን ብፍላይ ድማ ፀላኢ ንዓኻ ንምብርካኽ ኣብ ልዕሌኻ ድርዕቶ ቁምብላታ ከም ማይ እንትርብርብ ግን ድማ ገድልኻ ነዊሕን መሪርን ምዃኑ ኣሚትካ ብኡ ልክዕ ምእንተ ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳር ትግራይ መሪር መስዋእቲ ዝኸፈልካ ወረጃ ህዝቢ ኢኻ 'ሞ ክብሪ ይግበአካ እዩ ክበር ህዝበይ !

ዝኸበርካ ህዝቢ ወረዳ ጭላ

ትማሊ ወርቃዊ ታሪኽ ንምስራሕ ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ዝተፈተንካ ተባዕ ህዝቢ ኢኻ ። ትማሊ ዝገጠመካ ተደራራቢ ፀገም ፤ ፀገም ንምብዳህ ሓያሎ መስዋእቲ ከፊልካ ፀላእትኻ ቀቢርካ ኢኻ ብዓወት መሰስ ኢልካ ኣብ ጎኒ መንግስትኻ ብምዃን ኣብ ኩለ መዳይ ናይ ልምዓት ምንቅስቓስ እጃምካ እናኣበርከትካ ዝመፃኻ ህዝቢ ኢኻ ። ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ እውን እንተኾነ ናይ ደገን ውሽጥን ፀረ ሰላም ሓይልታት ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ ደጊሞም እንትለዓሉ ከም ወትሩ ኣሰላልፋ ፀላእቲ ካብ ተመኩሮኻን ካብቲ ውሕሉልን ተቐዲሑ ዘይውዳእ ናይ ሰላም ድሌትካን ትዕግስትኻን ዝብገስ ኣብጎኒ ውድብካን መንግስትኻን ብምዃን ዝመከትካ መምህር ገድልን በዓል ቅያን ህዝቢ ኢኻ ህዝቢ ወረዳ ጭላ ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ወረዳ ጭላ

ትማሊ ምእንተ ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳር ትግራይ ኢልካ የእላፍ ሂወት ዝገበርካሉ ነፃነትካ ክነጥቁ ካብቲ ካብቲ ዝተኣከቡ ናፈቕቲ ኣሃዳዊ ስርዓት እምቢ ንሓርነተይ እየ ተሰዊአ ንሓርነተይ ኣይዋገን እየ ብምባል ኣብ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ ትግራይ ፍፁም ዴሞክራስያውን ተኣማንን መረፃ ኮይኑ ክሓልፍ ከም ቤተሰብ ረቢብካ ፖሎቲካዊ ሓድነትካ ብምስጣም ብዓወት ዛዚምካዮ ኢኻ ኣንታ ጅግና ህዝቢ ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ወረዳ ጭላ

ምምሕዳርን ህዝቢ ወረዳ ጭላ ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ስሉጥን ለውጥን ንምምፃእ ኣብ ኩለ መዳይ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ካብ ዝኾነ እዋን ብላዕሊ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ይግበር ። በዚ ኣጋጣሚ መላእ መሪሕነት ወረዳ ጭላ ብዝተወደበ ምንቅስቓስ ንምስራሕ ተዳልዩ ኣሎ ። ከም ወትሩ ብልሒ ድልውነትካ ብምሕያል ኣብ ጎኒ እቲ ኣመራርሓ ብምዃን ሃናፃይ ነቐፌታኻ ብምጉልባት ናይ ሓባር ኣጀንዳና ህዝቢ ጭላ ፍትሒ ሰናይ ምምሕዳርን ክረክብ ኣሐየልና እንሰርሓሉ ዓመት ክኸውን ህዝብን ምምሓዳርን ወረዳ ጭላ ይፅውዕ !!

ርሑስ በዓል ሓድሽ ዓመት 2013 ዓ/ም

04/09/2020

ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዝምልከት ዝወፀ መግለፂን ውሳነን ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ

ቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ መበል 6ይ ዙር ክልላውን ከባብያውን መረፃ 2012ዓ/ም ብ/ክ/መ//ትግራይ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ. ከምኡ እውን ሕገ መንግስቲ ብ/ክ/መ/ትግራይ እዋኑ ሓልዩ ንኽካየድ ብምውሳኑ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክልልና ግቡኦምን ብፅሒቶምን ኣብ ምውፋይ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን ቅድሚ መረፃ ክፍፀሙ ዘለዎም ኩሎም ናይ ቅድመ መረፃ ምንቅስቓሳት ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም እናተዛዘሙ ስለዝርከቡ ዝቐሪ መረፃ ምክያድን ብውሳነ ህዝቢ መንግስቲ ምምስራትን ይኸውን።

ይኹን እምበር ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እዚ ከይዲ መረፃ ደው ክብል ከምዘለዎ እንተዘይኾይኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ነቲ ዝተልኣኸ ደብዳበ ብእዋኑ ግልፂ መልሲ ተዋሂቡዎ እዩ። ሕዚ’ውን ግን ብዘይተለመደ ኣግባብ ኣጀንድኡ ዘይፍለጥ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፅሓፈ ናይ መልሲ ደብዳበ ብግልፂ ከምዘቐመጥናዮ ንክልላዊ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንምዕንቓፍ ዝመሓላለፉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ። ሓደ ህዝቢ ብመረፃ መተሓዳደርቱ ክመርፅ ይተባባዕ እምበር መረፃ ከይተካይድ ደው ኣብል እንተዘየለ ስጉምቲ ክወስደልካ እየ ኢልካ ምሕሳብ ጥራሕ ባዕሉ ነውራምን ፀረ ዴሞክራሲን እዩ። ክልላዊ መረፃና ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብዝለዓለ መንፈስ፥ ድሌት፥ ብልዑል ተሳትፎ ንኹሉ ግልፂ ብዝኾነ ኣግባብ ንምክያድ ኣብ ጫፍ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን ከይዲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብፌደራል መንግስቲ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ናይ ሃገር ህልውና ሓደጋ ዘምፅእ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዝኾነ እውን ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ ዝስዕብ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

1. መበል 6ይ ክልላውን ከባብያውን መረፃ 2012 ዓ/ም ብሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.ን ብ/ክ/መ/ትግራይን መሰረት ዝካየድ ዘሎ ብምኻኑ ብዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነትን ፀቕጥን ንሰከንድ እውን ደው ክብል ከምዘይኽእል ደጊምና ነረጋግፅ።

2. ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መረፃ ትግራይ ደው ንምባል ይኹን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ዝፈጥር ውሳነ እንተሕልፍ ናይ ኹናት ኣዋጅ ምእዋጅ ምዃኑ ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ጥፍኣት ንባዕሉ ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።

3. ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስዒቡ ዝመፅእ ግብረ መልስን ጉድኣትን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ቀ/ሚኒስትር ሃገርን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ንኹሉ ፈታውን ፀላእን ግልፂ ክንገብር ንፈቱ።

4. ዝተኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ነቲ መግለፂ ዓርሰ ውሳነኻ ዝኾነ መረፃኻ ንምትዕንቓፍ ብፌደራል መንግስቲ ይኹን ብኻሊእ ንዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ብብቕዓት መኪትና ዘይተርፍ ዓወትካ ንኽተረጋግፅ ተዳሎ።

5. ዝተኸበርኩም ብሄር፥ ብሄረሰባትን፥ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊስትን፣ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረፃ ዕላምኡ ሕገ መንግስታዊ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተጠቒሙ ሕጋዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ብምኻኑ ንኸይዲ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ኩሉመዳያዊ ደገፍ ክትገብሩን ነዚ መረፃ ንምትዕንቃፍ ብፌደራል መንግስቲ ይኹን ካልኦት ሓይልታት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብፅንዓት ክትቃወሙን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ንክትብሉን ፃውዒትና ነቕርብ።

6. ሕገ መንግስቲ ንምሕላውን ዲሞክራሲ ስርዓት ንምዕሟቕን ዝተጣየሽኩም ሃገራዊ ትካላት ኩሉኹም ነዚ ኣብ ክልልና ዝካየድ መረፃ ዕዉት ንምግባር ካባኹም ትፅቢት ዝግበር ድጋፍ ክትገብሩን መረፃና ንምትዕንቓፍ ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ብምቅዋም ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ንፅውዕ።

7. ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንዕዉትነት እዚ መረፃ ድጋፍ ክተገብሩን መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ክትኩንኑን ፀቕጢ ክትፈጥሩን ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡ ፃውዒትና ነቕርብ።

8. ሕዚ’ውን ኣብ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ኩሉ ዝምልከቶ ወገን ብዘሳትፍ ዘተ ዝፍታሕ እምበር ብሓይለ መልጢን ብፀቕጢን ንምፍታሕ ምፍታን እዛ ሃገር ናብ ዝለዓለ ሓደጋ ዘእቱ ብምኻኑ ህዝቢ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ መሰሉን ስልጣኑን ተጠቒሙ ንዘካይዶ መረፃ ንምትዕንቓፍ ኮነ ንምሕማስ ዝሓስብ ኣካል ኮነ ምስዚ ተሰሊፉ ኣንፃር ህልውናን ድሕንነትን ህዝብና ዝወፍር ሓይሊ ካብ’ዚ እኩይ ተግባሩ ክእርነብ ይግባእ እናበልና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ህዝብና መሰል ዓርሰ ምሕደራ ንምርግጋፅ ዘለዎ ኩለመዳያዊ ድሉውነት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ደጊሚና ነረጋግፅ።

ስራሕ ፈፃሚ ብ/ክ/መ/ትግራይ
መቐለ 28 ነሓሰ 2012 See Less

እዋናውን ዘላቕን መትከል ህወሓት=====================
23/08/2020

እዋናውን ዘላቕን መትከል ህወሓት
=====================

መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣ/ወንበር ውድብና ህወሓት==================ሕዚ'ውን ባህግና ሓንቲ ጥይት እንከይተኮስና፣ ህላወን ድሕነትን ህዝብና ውሑስምግባር'ዩ!~~~~~~~~~~~~~~...
16/08/2020

መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣ/ወንበር ውድብና ህወሓት
==================
ሕዚ'ውን ባህግና ሓንቲ ጥይት እንከይተኮስና፣ ህላወን ድሕነትን ህዝብና ውሑስ
ምግባር'ዩ!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ኩልና ከምንፈልጦ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝተኸተልናዮ ውሕሉል
ኣካይዳን ውሽጣዊ ውዳበታትና ኣሰጣጢምና ብዘካየድናዮ መኸተን ንኹሎም
ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝነበሩ ማሕለኻታት ብብቕዓት እናመከትና ጉዕዞና
ቀፂልና ኢና። እንተኾነ እቲ ናይ ቃልስን መኸተን ንኡስ መድረኽ
ኣይተዛዘመን፥ገና'ዩ። ሕዚ'ውን ሓንቲ ጥይት እንከይተኮስና ህላወን ድሕንነትን
ህዝብና ምውሓስ እዩ ባህግና፣ ምኽንያቱ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ድሌትና
ድኽነትን ድሕረትን ብምቕባር፣ ምዕብልቲ ትግራይ ምህናፅ ስለዝኾነ።
ስለዚ ኣብዚ ናይ ቃልስን መኸተን ንኡስ መድረኽ እውን ከም ሕሉፍ
ተሰጣጢምና፣ ውሽጣዊ ውዳበታትና ኣሐይልና፣ ክህልው ዝኽእሉ ምዕባለታት
ብጥብቂ ክንከታተሎ ኣብ ዘገድድ ኩነታት ንርከብ። ኣብ ቅድሚትና ምስ ኣብ
ትግራይ ዝካየድ መረፃን ለውጥታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተፃብኦታት ብምትንታን
ዘሎ መድረኽ ብብቕዓትን ብዘተኣማምንን ንምስጋር ዘኽእል ኣተሓሳስባን
ኩለመዳይ ድሉውነትን ምፍጣር የድሊ፣ ይግባእ።
ኣብዚ'ውን እታ ቁልፊ ናይ ዓወት መንገዲ፣ ውሽጣዊ ሓድነትን ዓቕሚን
ኣረጋጊፅናን ኣደልዲልናን፣ ዘጋጥሙ ዕድላት ንረብሓና እናተጠቐምና፥ ናይ
ፀላእትና ታህዲድን ወፍሪታትን እናምከንና፣ ብዝለዓለ ጥንቃቐ እናሰጎምና፥ ናይ
ሓባር ባህግና ክነዕውት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ናፍቲ ዘይቐሪ ዓወት ንመርሽ።
ኣቦ ወንበር ውድብና ብፃይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

12/08/2020

መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ትግራይ ዝረጋገፅ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)እዩ!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣

መንስኤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ውድብና ህወሓትን ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ፃምእ ሓርነት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳርን፣ ፃምእ ወሳንነት ህዝቢን ፍትሕን እዩ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ተፃዒኑዎ ዝነበረ ኣርዑት ብሄራዊ ዕብለላን ወፅዓን ካብ ዕቅን ንላዕሊ ተበሳቢሱ፣ ተናዒቑ ዝነበረ፣ ብዙሕ ናይ መከራ ዘመን ዘሕለፈ ህዝቢ እዩ፡፡ ብትግራዋይነቱ ከይኾርዕ፣ ብመንነቱ ተኣማሚኑ ከይነብር ኣብ ልዕሊኡ እናተፈፀመ ዝነበረ በደል ማእለያ ኣይነበሮን፡፡ ብቛንቛኡ ከይዛረብ፣ ከይመሃር ተኸልኪሉ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፣ ባህሉ ከየማዕብል ብባህሉ ኮሪዑ ከይነብር ተኣጊዱ ንኽበርስ ተበይንሉ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡፡

ኣብ መገዛ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተቖፀረ፣ ብጥርጣረ ዓይኒን ክሕደትን ዝረኣይ ህዝቢ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ብሰንኪ ብሄራዊ ዕብለላ ባዕሉ ንባዕሉ ከይውስን፣ ዓርሰ ምሕደረኡ ኣረጋጊፁ ከይነብር “ከፋፊልካን ኣጥሚኻን ግዛእ” ዝብል ናይ ኣድልዎ ፖሊሲ ተሓንፂፅሉ ኣብ ድኽነት ክነብር፣ ብትምክሕተኛታት ፀላእቲ ተደረብቲ ኣሽማት እናውፅኡ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ “ችጋራም ህዝቢ” እናተባሃለ ብመንነቱ ክሓፍርን ክሽቑረርን ዝተገበረ ህዝቢ እዩ። ውድብና ህወሓት እዚ ሕሰምን መከራን ህዝቢ ትግራይ ዝወለዳ ውድብ እያ፡፡

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣

ህዝቢ ትግራይ ካብ መፈለምትኡ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ቃልሲ እንትጅመር እንተሎ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፃዒኑ ዝነበረ ፍፁም ፀረ ህዝቢ ስርዓትን ብሄራዊ ወፅዓን ንምውጋድ ኢሉ እዩ ተቓሊሱ። ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉ፣ ንመንነቱን ንመሰል ዓርሰ ውሳንኡን ክኽበር ኢሉ እዩ ተቓሊሱ። ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዝተቓለሰ ባህጊ ኩናት ሃልይዎ እንተይኮነስ ነዚ ቅኑዕ ዕላማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካሊእ መማረፂ ስለዝተስኣነ እዩ። መሰሉን ረብሓታቱን ክሕለወሉ እምበር ናይ ካሊእ መሰልን ረብሓን ንምድፋእ ኣይነበረን። ጭቆናን ግፍዕን ንምውጋድ ‘ምበር ንሓደ ጭቆናን ግፍዕን ብካሊእ ጭቆናን ግፍዕን ንምትካእ ኣይነበረን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፁር መሰል ርእሰ ውሳንኡን ዓርሰ ምሕደሩኡን ኮይኑ ምስ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ብሰላም፣ ብማዕርነትን ሕውነትን ንምንባር፤ ብፃዕርና ብራሃፅና ካብ ድኽነትን ጥምየትን ሓራ ንምውፃእ ኢሉ እዩ ክባር ዋጋ ከፊሉ። ነቲ ዝተሓላለኸን ዓቐብ፣ ቁልቁል ዝበዝሖ ቃልሲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ዘይተመጣጠነ ቃልሲ መብረ ከይሓተተ ነቲ ከቢድ ሸከም ሓላፍነት ወሲዱ ንምግማቱ ዘፅግም ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ሃገርና ብዝተፈጠረ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ድኽነትን ጥምየትን ተምሳሌት ዝነበረት ሃገር ብዝሓዝናዮ ህዝባዊ ቅኑዕ መስመርን ብናይ ህዝብና ዘይተሓለለ ፃዕርን ቃልስን ካብ ናይ ምብትታንን ምንቁልቋልን ሓደጋ ወፂኣ ከም ሃገር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ክትሰጋገርን ምስሊ ሃገርና ብመሰረቱ ክቕየር ክኢሉ እዩ።

ነቲ ዝጀመርናዮ ለውጥን ምዕባለን ህያው ብምግባር ሓያልነት ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመርናን ኣብ ፅላል እዚ መስመር ዓሲሉ ተኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብናን ሒዝና ዳግም ዘሕብን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምስራሕ ኣብ መንገዲ ብሩህ ጉዕዞ ኮይና 27 ዓመታት ተጓዒዝና ኢና። ህዝቢ ትግራይ ድማ ንኽብርን ሉኣላውነትን እዛ ሃገር ኩሉ ዝኽፈል ኸፊሉ እዩ። ንሂወቱ እንከይሰሰዐ መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብምኽፋል ነቲ ከቢድ ፃውራ ተሸኪምዎ ሓሊፉ። ብጥምየት፣ ብመከራ፣ ብግፍዒ ከይተሰኮነ ሰብ ክፃወሮ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ካብ ዝግመት ሽግርን መከራን ንላዕሊ ተፃዊሩ ብፅንዓት ተቓሊሱ ናብ ዓወት በፂሑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ “እንኳዕ ብሌን ዓይነይ ዝኾነት ውድበይ ረኸብኩ፣ ብመንገዲ ቅንዕቲ ውድበይ እናተመራሕኹ ኩሎም ረብሓታተይ ከማልእ እየ” ኢሉ ምስ ውድቡ ኮይኑ ተቓሊሱ ተዓዊቱ፡፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ደጊምና ደጋጊምና ‘ንብሎ ህዝቢ ትግራይ ደጋፊ ህወሓት ዘይኮነስ በዓል ዋና ናይዚ ህወሓት ዝተዓወተሉ መስመር ኮይኑ ተቓሊሱ ንመላእ ህዝብታት እዛ ሃገር ዝኸውን ስርዓት ፈጢሩ፣ ሃኒፁ፣ ናይ መላእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን መስመር ክኸውን ገይሩ፡፡

ናይ ህወሓት መለለይ ዕላማታት ዝፍልፍል ካብ ውግንና ህዝቢ እዩ፡፡ ህወሓት ውግንንኡ፣ ኣሰላልፈኡን እምነቱን ምስቲ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ፡፡ ውድብና ምስ ሓፋሽ ህዝቢ እንትውግን፣ ወሰናይነት ሓፋሽ ብፅንዓት እንትቕበል ብኣጋጣሚ ዝመፀ፣ ወይከዓ ፖሊሲታቱን ዕላማታቱን ብኣጋጣሚ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዝጠቅም ስለዝኾነ ኣይኮነን፡፡ ውድብና ነዚ እንትገብር ካብ መፈለምትኡ ፈሊጡዎን ኣሚንሉን እዩ፡፡ ፖሊሲታቱ እንተውፅእ፣ ንፁር ዕላማ እንትቐርፅ ቅድሚ ኩሉ መበገሲኡን ሽኻሉን ዝገብሮ ህዝቢ እዩ፡፡ ንወሳንነት ህዝብን ምርግጋፅ መሰል ህዝብታትን እዩ፡፡ ካብ ትንተናን ጭቡጥ ኩነታትን ብምብጋስ ናይ ሓፋሽ ወሳንነትን መሰል ዓርሰ ምምሕዳርን ረብሓን ዘረጋግፅ ኣንፈት ኣየንኡ ‘ዩ ካብ ዝብል ስለ ዝብገስ ‘ዩ። ንዝኾነ ሓሳብ ዝቕበለሉን ዝነፅገሉን ቑልፊ መመዘኒ ንናይ ህዝቢ መሰል ዓርሰ ውሳነን ረብሓ ህዝብን ማእኸል ብምግባር ‘ዩ። ናይ ህወሓት መንነት ዝግለፅ ንናይ ሓፋሽ ህዝብና ረብሓን ጥቕምን ብዘለዎ ውግንናን ኣብ ዝኾነ እዋንን ኩነታትን ዘይልወጥ ህዝባዊ መትከላቱን እዩ።

ምርግጋፅ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳርን ህዝብታት ክሳብ ምግንፃል መሰሎም ብዘይገደብ ክረጋገፀሎም ኣለዎ ዝብል ቁልፊ መለለይ ፖለቲካዊ እምነት ህወሓት እዩ፡፡ ሕቶ ብሄር፣ ሕቶ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት፣ ብሓፂሩ ወሳንነት ህዝቢ ውድብና ህወሓት ንዋጋ ዕዳጋ ኣሕሊፉ ዘይህብ፣ ዘይደረዳረሉን መሰረታዊ መለለዪ እምነቱ እዩ፡፡ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ኢሉ ተቓሊሱ፣ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ዝተዓወተ ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት የማነ ፀጋም ከይበለ ክኽበር ተቓሊሱን ኣቃሊሱን እዩ፡፡ ህዝቢታት ኣብ ሰናይ ድሌየቶም፣ ነፃ ኣተሓሳስበኦም ‘ምበር “ኣነ ዝበልኩኻ ስማዕ፣ ኣነ እየ ዝፈልጠልካ፣ ኣነ ዝበልኩኻ ግበር” ንዝብሉ ሓይልታት ቅድሚት ኮይኑ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ውድብ እዩ፡፡

ህወሓት መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ክሳብ ምግንፃል መሰሎም ክኽበረሎም ኣብ ሕገ- መንግስቲ ብድሙቕ ቀለም ክፃሓፍ ዝገበረ ውድብ ‘ዩ። ብተግባር ህዝብታት መሰል ዓርሰ ውሳነኦም ክሳብ ምንፃል መሰሎም ብዘይገደብ ክኽበረሎምን ውሕስና ክረኽቡን ዘረጋግፅ ዓንቀፅ 39 ውሑስ ዝገበረ ውድብ እዩ። ከምዚ ዝበለ ቅዋም ሒዙ ተቓሊሱ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣስፊሩ ዘተግበረ ሓይሊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ እዛ ዓለም የለን፡፡ ብሓፈሻ ከም ህወሓት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝተቓለሰ ሓይሊ የለን፡፡ ህወሓት ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝፍለየሉ ቁልፊ መለለዪ እምነቱ ከዓ እዚ እዩ፡፡

ህወሓት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝተዋደቐ፣ ተቓሊሱ ዘተግበረ፣ ዘይንቕነቕ መሰል ህዝብታት ክኸውን ዝተጋደለን ዘጋደለን ንድሕሪት ዘይምለስ መስመር ህዝብታት ኮይኑ ክወፅእ ዝገበረ ውድብ እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ወሳንነት ድማ ቁልፊ መለለዪ እምነቱ እዩ፡፡ ውድብና ስልጣን ክብል ከሎ እውን ማእኸሉ ናይ ህዝቢ ስልጣን ማለቱ እዩ፡፡ እዚ ሙሉእ ዘይጉድል መሰል ህዝቢ እዩ ኢሉ ኣሚኑ ዝቃለስ መስዋእቲ ዝኸፍል ውድብ እዩ፡፡

ውድብና ህወሓት “ወሳኒ ህዝቢ እዩ፣ ታሪኽ ዝሰርሕ እውን ህዝቢ እዩ” ኢሉ ብፅንዓት ዝኣምን ‘ዩ። ናይ መጀመርታን መወዳእታን እምነት ውድብና ድማ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ካብዚ ወፃእ ንውድብና ኣያን ጎይታን ክኾኖ ዝኽእል ካሊእ ምድራዊ ሓይሊ የለን፡፡ ክነብር እውን ኣይኽእልን፡፡ ኩሎም እምነታት ውድብና ካብዚ መሰረታዊ ሓቂ ይፍልፍሉን ይቕድሑን፣ መበገሲኦም ከዓ ንሱ ይኸውን። ህወሓት መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ክትግበርን ክኽበርን ብፅንዓት ተቓሊሱ እዩ። ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና እውን ንመሰረታዊ መለለዪ እምነትና ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተቐቢሎም በዚ ልክዕ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ። ነዚ መሰረታዊ እምነትና ተፃሪሮም ደው ዝበሉ ህዝብታት የለውን፡፡ ክነብሩ እውን ኣይኽእሉን፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ ህዝቢታት ኢትዮዽያ ንመሰረታዊ እምነት ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣይፀልኡን፣ ፀሊኦም ‘ውን ኣይፈልጡን፤ እንትንብል ካብ ተራ ነገር ተበጊስና ክንብል ስለዝደለና ኣይኮነን፡፡ ነዚ ብተግባር ዘረጋገፅዎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ክፃረሩ ኣይኽእሉን ማለትና እዩ። ብኣንፃሩ እምነት ፀላእትና ድማ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ህዝብታት ተፃሪሮም ደው ይብሉ፣ ብመሰረቱ ድሌት ህዝቢታትን ድሌት ፀላእትን ክዕረቕ ኣይኽእልን፡፡ ብተግባር ንሪኦ ዘለና ሓቂ እውን ንሱ እዩ፡፡ ካብዚ ወፃእ እውን ክኾን ኣይኽእልን፡፡ ስለዚ ንሕናን ካሎኦት ሓይልታትን ዝፈልየና መሰረታዊ ነገር ኣብ ህዝቢ ዘለና ውግንናን እምነትናን እዩ፡፡ እዚ ቅዋም እዚ ‘ውን ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚ፣ ናይ ፅባሕ፣ ናይ ወትሩ ነቕ ዘይብል እምነት ህወሓት እዩ፡፡

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣

መሰል ዓርሰ ውሳነኻን ዓርሰ ምምሕዳርካን ብቃልስኻ ናይ ምርግጋፅ ሕቶ ኣብ ህልውናኻ ክሳብ ክንደይናይ ወሳኒ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ባዕልኻ ብተግባር እትቃለሰሉ ዘለኻ ኽቡር ዕላማ እዩ፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ክቡር ዕላማኻ ተሓንጊጡ ዝመርሕ ዘሎን ክመርሕ ዝኽእልን ውድብካ ህወሓት ምዃኑ እውን ልዕሌኻ ዝፈልጥ የለን፡፡ ቅድሚ ሐዚ ንምርግጋፅ መሰልካን ረብሓኻን ዘካየድካዮ ፍትሓዊ ቃልስን ዝኸፈልካዮ ዋጋን ትፈልጦ እውን ባዕልኻ ኢኻ፡፡ ተቓሊስካ ዝተዓወትካ፣ ዘይገሃሱን ዘይግሰሱን ዝመስሉ ዝነበሩ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ሓምሺሽካ ብሄራዊ ዕብለላን ሸንሸል ጭቆናን በጣጢስካ መሰል ዓርሰ ውሳነኻ ዘረጋገፅካ እውን ባዕልኻ ብቓልስኻ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ታሪኽ ዘይርስዖ ቀዋሚ ሓወልቲ ህዝቢ ትግራይ ዝመርሐ ውድብካ ህወሓት እውን ብልሒ ጫፍ ናይቲ ቓልሲ ኮይኑ ዓወት ኣረጋጊፁ፡፡ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ጭቁናት ህዝብታትን ብፅንዓት ተቓሊሱ ተዓዊቱ፡፡

መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢታት ብመሰረቱ ባህ እንትብለካ ዝትኮብ ባህ እንተዘይሉካ ዝኽልከል ገይፂ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ እዋን ዘይጠሓስን ዘይሸራረፍን ናይ ህዝቢታት መሰል እዩ፡፡ ህወሓት ኣብዚ መዳይ ብዝኾነ ይኹን ንፋስ ዘይናወፅ፣ የማነ ፀጋም ዘይብል መትከል ዘለዎ፤ ብዘረባ ዘይኮነስ ብተግባር ሰሪሑ ዘርኣየ ውድብ እዩ፡፡ ይኹን እምበር እዚ ቀንዲ መለለይ እምነት ውድብና ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ህዝቢታት ሐዚ ፈተና ገጢምዎ ኣሎ፡፡ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓትና ናብ ሓደጋ ዘእቱ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝጥሕስ፣ ሃገር ዘፍርስ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ውድብና ህወሓት ድማ ህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ባርነት ከይኣቱ ቀፃሊ ዘየቛርፅ ቃልሲ ይገብር ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ብዓርሱ ክመሓደር፣ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝተመስረተ ስርዓት ክሃንፅ እዚ ኣብ ዘይኾነሉ እዋን ድማ ክሳብ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን ብፅንዓት ዝተቓለሰን ዝቃለስን ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ዝለዓለ ጫፍ ናይቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሰፊሩ ናይ ባዕልና ክልል መስሪትና ናይ ባዕልና ክልላዊ መረፃ ነካይድ ኣለና፡፡ እዚ ባዕሉ ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ውድቡ ህወሓትን እዩ፡፡ሐዚ እውን መሰልና እነረጋግፅ ብመሪሕ ውድብና እዩ፡፡ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ንላዕሊ ኮይኑ ክጣበቕ ወይከዓ ክዛረብ ዝኽእል ሓይሊ ፈፂሙ የለን፡፡ ንቕድሚት እውን ኣይህሉን። ምኽንያቱ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝብና ዝረጋገፅ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝኽበር ብመንገዲ ህወሓት ጥራሕ እዩ። ኣብ ማዕርነት፣ ኣብ ሰናይ ድልየትን ማዕርነታዊ ሓድነትን ህዝብታት ዝምስረት ሓድነት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብዝለዓለ ብቕዓት መሪሑ ናብ ዓወት ከብፅሕን ውሕስነት ከረጋግፅን ዝኽእል ብቑዕ መሪሕ ውድብ ህወሓት እዩ።

ውድብና ህወሓት ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝኾነ ህዝቢ ከም ፀላኢ ገይሩ ወሲዱ ኣይፈልጥን፡፡ እኳድኣስ ነዚ ከምዚ ዝበለ እምነት ዘለዎ ሓይሊ ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ኣሚኑ ብትረት ይቃለስ። ብመሰረት እምነታት ውድብና ንሓደ ህዝቢ ከምፀላኢ ወሲድካ፣ ናተይ ንእትብሎ ህዝቢ ከም ፈታዊ ገይርካ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምርግጋፅ ኣይካኣልን። ምኽንያቱ ንሓደ ህዝቢ ፀሊእኻ ፅባሕ ንጉሆ እቲ ናተይ ትብሎ ህዝቢ ከምፀላኢ ገይርካ ንከይትወስዶ ውሕስነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ሩባን ሽንጥሮን ንናይ ህዝብታት መንነት ኣይውክልን፡፡ ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ “ናዓኻ ዝመስል የለን” ዝብል መታለሊ ኣባሃህላ መሰል ዓርሰ ውሳነ ኣየረጋግፅን፡፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ምድዕዓስ ካሊእ ሓዱሽ ታሪኽ ንከይትሰርሕ፣ዝገብር እዩ፡፡ ስለዙይ ውድብና ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም፣ ነቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ሓቂ ዝገልፅ ኣረኣእያን ተግባርን ሒዙ ዝቃለስ፣ ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ክሳብ ምንፃል ሙሉእ መሰሉ ዝረጋገፅ ብዲሞክራስያዊ ብሄርተኝነት እምበር ብኻሊእ መንገዲ ክረጋገፅ ኣይኽእልን ኢሉ ብፅንዓት ዝኣምንን ውድብ እዩ፡፡

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣

ቀንዲ ልኡኽ እዚ ንኡስ መድረኽ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝመፅእ ተፃብኦ ብዘተኣማምን ደረጃ ንምምካትን መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራና ትግራይ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ክበፅሕ ምግባር እዩ፡፡ ሓይልታት ኣሃዳውያንን ውልቀ መለኽትን ህዝቢ ትግራይ መራሒ ስኢኑ ክብተን፣ ንኣሃዳውያን ሰጥ ለበጥ ኢሉ ክግዛእ፣ ብሳላ ቃልሱን መስዋእቱን ዝረኸቦ ዓወትን ረብሓን ናብ ጭቃ ክለውሱ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለው፡፡ ነዚ ከምዚ ዝበለ ግብረ እከይ ተግባር ከፍፅሙሎም ዝኽእሉ ዕሱባትን ባንዳታትን መልሚሎም ሁውከትን ዕግርግርን ክፈጥሩ ይፅዕሩ ኣለዉ፡፡ እዞም ብሄሮም ተጋሩ ኮይኖም ብዓስብን ትካዎን ህዝቢ ትግራይ ንከብርስ ምስ ዝተሰለፈ ሓይሊ ኮይኖም ኩሉ ክገብርዎ ዝኽእሉ ሽርሕታትን ተንኮላትን ይፍሕሱን ክትግብሩ ይፍትኑን ኣለው፡፡

ይኹን ‘ምበር ናይ ክሳብ ሐዚ ምንቅስቓስና ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ብዘካይዶ ዘሎ ሙሉእ ዘይጉድል ቃልስን ምንቅስቓስን ዘይቑርጠም ሓይሊ ኮይኑዎም ናብ ዓብዪ ተስፋ ምቑራፅ ክኣትው ጀሚሮም ኣለው። ካብዚ ዝብገስ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ፀረ-ህዝቢ ትግራይን ውድብና ህወሓትን ስጉምቲታት ንምውሳድ ብዕሊ ኣውጆም ኣለው፡፡ መረፃ ከካይድ እየ ንዝበለ ህዝብን ውድብን ኣብ ክንዲ ሓገዙን ሞሳን ኲናት ምእዋጅ ኮይኑ ምላሹ፡፡ መረፃ ትግራይ ስግር እቲ መረፃ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ እንብለሉ ምኽንያት እውን ካብዚ እዩ ዝብገስ፡፡
ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ መኸተን ምርግጋፅ ዓርሰ ምምሕዳርን ትግራይ ብዝለዓለ ብቕዓት ክመርሕ ዝኽእል ውድብና ህወሓት ጥራሕ እዩ፡፡ ንኹሎም ዓይነት ሽርሕታትን ተፃብኦታትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ክበጣጥሶም ዝኽእል፣ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሱ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቡ ውሑስ ክገብር ዝኽእል መሪሕ ውድብካ ህወሓት እዩ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ዝህሉ ኣማራፂ ዕጥቅኻ ፈቲሕኻ ንፀላኢ ኢድካ ምሃብ እዩ ክኸውን። ስለዚ መኸተኻ ክዕወት፣ መሰል ዓርሰ ውሳነኻን ዓርሰ ምምሕዳርካን ውሑስ ዝኸውን ሐዚ እውን ብውድብካ ህወሓት ጥራሕ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፣

ናይ ሐዚ መረፃ ናይ ህልውና መረፃ እዩ። እዚኣ ከተዓናቕፍ የማን ፀጋም ዝብል ዘሎ ፀረ ህዝቢ ሓይሊ ድማ ነዚኣ ንምብርዓን እዩ፡፡ ስለዚ ቆቛሕ ኮይንካ ኩነታት ተኸታተል፣ ቅድሚ መረፃ፣ እዋን መረፃ፣ ድሕሪ መረፃ ክህሉ ዝኽእል ምንቅስቓስ ፀላእቲ ዝኽተልዎ ስልትታት ተረዲእኻ ብብቕዓት መክት፡፡ እዚ ብዘተኣማምን ብርኪ ክዕወት እንተኾይኑ ውድብካ ህወሓት ሒዝካ እዩ፡፡ መሪሕ ወድብካ ክጠናኸር ኣብዚ መረፃ ስዒሩ ክወፅእ ድምፅኻ ንህወሓት ሃብ።

ህወሓት ከምዚ ዝበለ እምነትን መርገፅን ብምሓዙ ምኽንያት ዝፀንሐን ዘሎን ፀለመን ሽርሕን ቀሊል ኣይኮነን። ንህልውናና ኢልና ነካይዶ ዘለና መረፃ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ትግራይ ንምጭፍላቕ ዝተዋደደ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው። ንሓድነትካን ፅንዓትካን ክዘርጉ ዝፅዕሩ ጉላላት ‘ውን ኣይተሳእኑን። ብምኳኑ ‘ውን ነዚ ኩሉ ሽርሕን ተፃብኦን ንምምካት “ፍፁም ኣይንምብርከኽን ዘበት ዳግማይ ባርነት” ኢልና ክንወፍር ኣብ ዘገድድ እዋን ኣለና። ፍፁም ኣይንምብርከኽን ዘበት ዳግማይ ባርነት ንብል ዘለና ንማለቱ ወይ ክንብል ስለዝደለና ንጥቀመሉ ዘለና ኣባሃህላ ኣይኮነን። ወይ ካብዙይ እዙይ ይሓይሽ ኢልና ንመርፅ ስለዘለና ኣይኮነን። ሕሉፍ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ናይ ቃልሲ ፅንዓትን ተኣማሚና ንብሎ ዘለና ‘ውን ኣይኮነን። መከራ ምሕላፍ፣ ብመከራ ተፈቲኑ ዝሓልፍ ህዝብን ውድብን ስለዘለና ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ፈተና ብፅንዓት ተቓሊስና ምሕላፍን “ፍፁም ናብቲ ሕሉፍ ባርነት ኣይንምለስን” ኢልና ካብ ምቅላስ ወፃእ ካሊእ መማረፂ ስለዘየለ ‘ውን ‘ዩ። ዝሓለፈ መከራን ዓቐብ ቁልቁልን ሓሊፍና፣ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊልና፣ መላምል ደቂ ህዝቢ ኣብ ንእስነት ዕድሚኦም ሂወቶም ገቢሮም፣ ኣካሎም ተሓምሺሹ ዝተሃነፀ ስርዓት፣ ዓርሰ ምሕደራ ትግራይ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዳግም ባርነት ክንኣቱ ፍፁም የብልናን ክንብል ስለዘለና ‘ውን ‘ዩ።

ሎሚ ‘ውን ዘይንሰግሮ ዘይንሓልፎ ፈተናን መፃብብን ክህሉ ኣይኽእልን። እናተሃደሰን እናጎልበተን ዝኸይድ ፅሩይ ልምዓታዊ ዲሞክራስያዊ መስመርና ሒዝና፤ ነዚ መስመር ብፅንዓት ሒዙ ናብ ዓወት ዝወስደና ውድብና ሒዝና፤ ኣብ ፅላል እዚ መስመር ዓሲሉ ታኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና ሒዝና ክንሓልፎ ኢና። ሎሚ ፈተና እንተጋጠመና ብቃልስና ብፅንዓትና ፅባሕ መሊኡ ክወግሕ ‘ዩ። ትማሊ እኳ ብጥምየት፣ ብመከራ፣ ብግፍዒ ከይተሰኮነ ሰብ ክፃወሮ ይኽእል ‘ዩ ተባሂሉ ካብ ዝግመት ሽግርን መከራን ንላዕሊ ተፃዊሩ ናብ ዓወት ዝበፅሐ ሎሚ ዝስኮነሉ ምኽንያት ፍፁም ኣይህሉን። ሓድግን ሕላገትን ህዝቢ ትግራይ ትዕግስቲ፣ ዓቕሊ፣ ብልሓት፣ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ተዓዋታይነትን ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዘካየድና፣ ፅሩይ መስመርና ክሳብ ዝሓዝና ብዘይጥርጥር ክንስዕር ኢና። ንፀገማት ምፍታሕ፣ ምስጋርን ብፀገማት ሓድሽ ጥንካረ ሒዙ ናይ ምውፃእ ፅንዓትን ተመኩሮን ዘለዎ ውድብናን ህዝብናን ሒዝና ዘይንሰግሮ ሩባ የለን፤ ፍፁም ኣይንብርከኽን ኢልና ንዳግም ዓወት፣ ንዳግም ታሪኽ፣ ንምውሓስን ምብራኽን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ “ውፈር ተበገስ”!! ኢልና ንላዓል። እዚ ምግባር ዝካኣል ድማ ብመንገዲ ህወሓት ጥራሕ ምኳኑ ተረዲእኻ ንህወሓት ምረፅ/ ምረፂ።ናይ መጀመርታን መወዳእታን ተልእኾና ሕድሪ ሰማእታት ምፍፃም እዩ፡፡ ዓወት ንህዝቢ ትግራይ፣ ዓወት ንህወሓት፣ ዓወት ንክልላዊ መረፃና፡፡

መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!

ንሓርነት ኢና ተሰዊእና፡ ብሓርነትና ኣይንዋገን!

መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ትግራይ ዝረጋገፅ ብህወሓት እዩ!!

ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን!

ህወሓት ይምረፁ/ፃ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
ነሓሰ 2012 ዓ/ም
መቐለ፤

09/08/2020
"ዘይዛሪ ሓቦን ፅንዓትን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ መትከል ህዝባዊ መንነት ትግራይ" =========================ሓይሊ ፀፅታ ወረዳ ጭላ====
09/08/2020

"ዘይዛሪ ሓቦን ፅንዓትን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ መትከል ህዝባዊ መንነት ትግራይ"
=====================
====ሓይሊ ፀፅታ ወረዳ ጭላ====

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Chila TPLF office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share