12/06/2023
እቲ ካብ ወረዳ ጭላ መበገሲ ጌሩ ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ዝተረኸበ መዳበርያ ተፃርዩ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ክትትል ኣለና። ኮይኑ ግን ምምሕዳር እቲ ወረዳ ከም ዝሸጦ ገለ ወገናት ዘቅረብክሞ ግን ሓቂ ዘይብሉን ፀለመ ምዃኑ እናሓበርና እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ካብ ገባራይና እናጭበርበሩ ዝኣከብዎ ከም ዝኾነ እዙይ ድማ ናይ ኩሉ ማሕበረሰብ ቃልሲ ክኸውን በዚ ኣጋጣሚ ንፅውዕ።