ኤርትራ ሃገራዊ ትንሳኤ/Eritrea Hagerawi Tnsaea

  • Home
  • ኤርትራ ሃገራዊ ትንሳኤ/Eritrea Hagerawi Tnsaea

ኤርትራ ሃገራዊ ትንሳኤ/Eritrea Hagerawi Tnsaea Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ኤርትራ ሃገራዊ ትንሳኤ/Eritrea Hagerawi Tnsaea, News & Media Website, .

ቀ/ሚ ኣቢ  ስልጣኑ  ኣብ ዝገድፍሉ፡ ብሚልዮናት ዝኣኽሉ ኢትዮጵውያን ከም ዝበኽእዩን ጌታቸው ረዳ  ኣብ መንበሪ ገዛኡ፡ ካብ ደብደብ ድሮን ንስክላ ከም ዝደሓነን ተሓቢሩ ============~...
30/09/2022

ቀ/ሚ ኣቢ ስልጣኑ ኣብ ዝገድፍሉ፡ ብሚልዮናት ዝኣኽሉ ኢትዮጵውያን ከም ዝበኽእዩን ጌታቸው ረዳ ኣብ መንበሪ ገዛኡ፡ ካብ ደብደብ ድሮን ንስክላ ከም ዝደሓነን ተሓቢሩ
============~~~~~~~`=============
ኣንደርሶን "ንናይ ኖበል ሰላም ዝበቕዓ፡ ንኲናት ሕድሕድ የተባብዕ ድ'ዩ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ ናይ 26 መስከረም 2022 ጽሑፉ፡ ኣብ ርክቡ ምስ ቀ/ሚ ኣቢ፡ " ዋላ ኣብ'ዚ ሃገር ብዝሕ ሕልኽላኻት እንተሃለወ፡ ኣብ ህዝቢ ዘዘክረኒ ስምብራት ከም ዝገድፍ ርግጻኛ'ያ 100 ካብ 100። ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ኢትዮጵውያን ስልጣነይ ኣብ ዝገድፍሉ፡ ከም ዝበኽዩ ይፈልጥ'የ። እንቋዕ ስልጣን ገደፈ ኣይክብሉንን'ዮም። ክትሪኢ ኢኻ። ሰባት እንታይ ሰሪሓ ከም ዝሓልፍ ክርድኡ'ዮም። "ቢሉ፡ ርግጸኛ ኮይኑ ከም ዝነገሮ ኣንደርሶን ኣብ ጽሑፉ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብኣጋጣሚ እንክተረኽቦ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ወጻኢ ከም ዝመስል፡ ኣንደርሶን ዝገለጸ፡ ኣብ ሓምላይ ስራሕ ስምብራት ኢዱ ክገድፍ ብሚልዮንት ዝቚጸር ፍልሲ ድሮ ከም ዝተኸለ ይሕብር። ኣብ ዝርርቦም ዝበዘሓ ብቐ/ሚ ኣቢ ተዓብሊሉ ምንባሩ ዝገለጸ ኣንደርሶን፡ ይዂን እምበር፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘገድሶ፡ መልስኻን እምነትካን ኣብ'ቲ ጉዳይ ንምፍላጥ፡ መልስኻ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበ ገሊጹ።

ቀ/ኣቢ፡ ንመራሕቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ርእይትኡ ንኽህብ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ኦቦማ፡ ብዝሕ ዘናቓቕሕ ከም ዝገበረ፡ ግን ዝጭበጥ ስራሕ ከም ዘይሰረሐ፡ ቱራምፕ፡ ንሕመኣ ከም ዝዕነዋን ብዛዕብኡ ብዝሕ ምዝራብ ከምዘይግባእን፡ ባይደን "ከም'ቲ ብሽክለታ ክዝውር ፈቲኑ እሞ ምኻኣል ስኢኑ ዝወደቐ፡ ከም ዕድሚኡ ክኸውን ይመነየሉ" ቢሉ ከም ዝተዛረበ፡ ኣንደርሶን ኣብ ጽሑፉ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ መፋርቕ መስከረም ምስ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ድማ፡ ጌታቸው ካብ ደብዳብ ድሮን ኣብ መንበሪ ገዛኡ፡ ንስክላ ከም ዝደሓነን ብኸመይ ከይተቐተለ ከም ዝተረፈን ከምዝተደንጸወን ኣንደርሶን ይሕብር።

ጌታቸው ብምውሳኽ፡ ብቴሌፎን ምዝርራብ ውሕስነት ከምዘይህቦን፡ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝነበረ ዝርርብ ቀልጢፉ ከም ዝተቋረጸን ሓቢሩ። ድሕሪ ዝርርቦም'ውን ድሮን ኣብ መቐለ ከም ዝደብደባ ኣመልኪቱ ኣብ ተዊተሩ ገጻቱ ጌታቸው ከም ዝለጠፈን ኣንደርሶን ወሲዂ ኣብ ጽሑፉ ጸብጺቡ ኣሎ።

ጆን ሊ ኣንደርሶን ካብ 1998 ኣትሒዙ ንኒዮርከር ጽሕፍ ከቕርብ ዝጸነሐ ኮይኑ፡ ካልኦት ብዝሓት ዝዝከሩን ዝድነቑን መጻሓፍቲ ዝጸሓፈ'ውን ኢዩ።
https://www.google.com/amp/s/www.newyorker.com/magazine/2022/10/03/did-a-nobel-peace-laureate-stoke-a-civil-war/amp

After Ethiopia’s Prime Minister, Abiy Ahmed, ended a decades-long border conflict, he was heralded as a unifier. Now critics accuse him of tearing the country apart.

ብሓቂ ድዩ ብኸም'ዚ ዝእምነት?! ዝገርም’ዩ። ካብ'ዚ ጽሑፍ ሓንቲ ንኤርትራዊ ለውጢ ዝምልከት ኣይትምልከትን። ክልወጡ እምበር ክንልወጥ ዝብል ሓንቲ ሓርግ ኣይተንብብ። ብዘይካይ ስነፍልጠት ዝጸ...
27/09/2022

ብሓቂ ድዩ ብኸም'ዚ ዝእምነት?! ዝገርም’ዩ። ካብ'ዚ ጽሑፍ ሓንቲ ንኤርትራዊ ለውጢ ዝምልከት ኣይትምልከትን። ክልወጡ እምበር ክንልወጥ ዝብል ሓንቲ ሓርግ ኣይተንብብ። ብዘይካይ ስነፍልጠት ዝጸንቀቐ የለን ገዚፍ ዕሽነት ኢዩ። ብቖንዱ ብሓይሊ ኣተሓሳስባ ኣይተጥፍእን!
ዝገራጮ ክፋል'ዚ ጽሑፍ፡
1. ውህደት(ኢንተግረሽን) ጥርዚ ዝበጸሐ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ሃገራት'ዩ። ኣየማትእን ንናይ ሓባር ግዕዞ ዝያዳ ባይታ ዝህብ'ዩ። ይኹን እምበር ውህደት ውጽኢት ሊበራላዊ ኣተሓሳስ’ዩ። ሊበራልነት ኸ ከም ፖለቲካውን ሞራልውን ፍልስፍና፡ ኣብ ወልቀ መሰል፡ ናጽነትን ልዕልና ሕግን ዘኣምን ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ውህደት እዚ ዝወለዶ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ቴክኖክራትን/ሞያነትን ፖለቲካን ብምፍልላ'ዩ!

ይዂን'ምበር፡ ኣብ ናትና ክንዛረብ፡ እዚ ምልኪ ጸረ እዞም ኲሎም ዝተጠቐሱ'ዩ። ካልእ፡ ውህደት/ኢንተግረሽን ናይ ህዝባዊ ውሳነ ብውሁድ ትካላዊ መስርሕ ዝፍጸም’ዩ። ናብ'ዚ ክእቶ ህዝቢ ዝዋንዩ ስርዓት ምህላው የድሊ። ህዝቢ ሓያላት ትካላት፡ ንኽቖጻጸርን ከከታተልን ዘኽእሎ ባይታ ኣቐዲሙ ክፈጥር ይግባእ። ሓያል ሓጋጊ ኣካልን ፈራድን ሃገር ምፍጣር የድል'ያ። እሞ ብምልኪ ዝመሓደር ሃገር፡ ብኸመይ ናብ'ዚ ከኣቱ ይሕለም?! ጽሓፊ ድማ ንእዚ ንምትዕርራይ ዝውሰዱ ስጉምታት ኣይሓበረን።

2.ህዝቢ ኤርትራ ንምስራሕ ለውጢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓላፍነት ክወስድ ድ'ዩ ዝሕሰብ ዘሎ?! ፖለቲካዊ መሰል ኢትዮጵያውያን ከ?! ጸጋ እዚ ሃገር ድሩት ዶ ኣይኮነን?! ወዘተ ከይወሰኽካ! ንምእንታይ?! ክልሕልሕ?! ይከኣል ድ'ዩ ኸ?!

እቲ ካልእ ዝመጽእ፡ ንምእንታይ ምዕባለ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ይሕሰብ?! ሱዳን የመን ከ ዘይጥመት?! ካብ ወደባት ኤርትራ፡ ምስራሕን ምሕሳብን ተሳኢኑ ኢዩ ዘሎ እምበር፡ ደቡብ ሱዳን ከ ርሑቕ ድ'ዩ?!

3. ብቖንዱ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ህግደፍ ዶ ዘይህግደፍ እንታይ ኣምጸኦ?! ንእሱ’ውን ክወሃሃድ?! እቲ ዕላማ ናብ ሓደ ሃገር ዝኸይድ ጅማሮ ድ'ዩ?

! ብቖንዱ እዚ ሃገር ናይ ኲሉ ኤርትራዊ ዋላ ናይ ህግደፍ ጥራይ?! ክሳብ ክንድ'ዚ ጽሉል ሓሳብ ምሕሳብ ይከኣል ድ'ዩ?! እሞ ኣብ'ዚ ዘመን። ህግደፍ ናይ ህግደፋውያን ጥራይ ኢዩ። ኤርትራ ግን ናይ ኲሉ ኤርትራዊ! ዝኣመነ ፖለቲካ መስመር ይእመን! እዚ ተራ ሞራላዊ ብህሎ'ዩ! እዚ ክስበር ዘለዎ ናይ ደንቊር ኣተሓሳስባ'ዩ!!!!!!!

4. እቲ ዘስደምም ምምስራት ሓያል ምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ ዝብል'ዩ። ኤርትራ ስግኣት የብላን ድ'ያ ካብ ኢትዮጵያ?! ምስ ንፋስ ዝነፍስን ዝተፈራኸሸን ፖለቲካ እቲ ሃገር፡ ጽባሕ እንተ ውሽጣዊ ጸጋማቱ ንግዳም ከጠምት እንተ ከስፋሕፍሕ ናብኣና ክጥምት ኣይክእል ድ'ዩ?! ብውሕዱ ብደረጃ ስግኣት ኣይንጥምቶን ዲና?! ንእዚ ክንምክት ክንደይ ሰብ ክንከፍል?! ክንድ'ዚ እናኸፈልና ኸ ኣበይ ክንበጽሕ?!

5. ኩሉ ይትረፍ ተራ ሰላምን ንግድን ጥራይ ምግባር ይከኣል። ኲሉ ህውተታ ኢዩ። ብኸም'ዚ ዝሓስብ እንተደኣሃል'ዩ ደሚርካ ጽላለ'ዩ። ዕብዳን'ዩ!
Amanuel Berhe Kaleab Ghebray ሳግም ሳሕል Salah A Ejail Iyob Tseggai Elsa Sium Samson Redeab Samson Maekele Ibrahim Mahamed Noor Daniel Tesfay Zeresenay Tesfay Mehari Eyob Eru Semere Tecle

17/09/2022

የማን ጸጋም ከይከድና፡ ኤርትራዊ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ መንነት ጥራይ ይህልዎ! ምዕራይን ምልዋጥን ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ሱዳናዊ ኣይከውን ምስ ትግራዋይ፡ ምስ ኤርትራዊ ጥራይ!

17/09/2022

ቃልስና እንታይ ንምርካብ'ዩ?! መሰል ሓሳብካ ምግላጽ?! ከም'ዚ ዝበሃል ገና ህንጸትና ከይወደኣና፡ ብዛዕባ እንዳን ቀቢላን ንምዝራብ?! ብትእምርታት ንምምጓት?! ሕመኣ ነዚ ትገብሮ ድ'ያ?!

17/09/2022

ቃልስና እንታይ ንምርካብ'ዩ?! ፍትሕን ልዕልና ሕግን ተዛማዲ'ዩ! ከም መን ወይ ኣብ ከመይ ደረጃ ክነብጸሖ?! መዓስ?! ምስ ህንጸት ኤርትራውነት ብኸመይ ነሳንእዮ?!

17/09/2022

ሕጂ'ውን ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ንፍትሕን ልዕልና ሕግን፡ ቃልሲ ምቕያር፡ ዘይኮነ ቃልሲ ለውጢ'ዩ! ለውጢ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን! ቃልሲ ንትካላቱ ዝሃንጽን ዘበርኽን! ቃልሲ ጽሬትን ውሽጣዊ ቃልስን'ዩ!

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኤርትራ ሃገራዊ ትንሳኤ/Eritrea Hagerawi Tnsaea posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share