13/11/2021
ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት
====
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ቕድሚ ሓደ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓደ ዓብን ሓደገኛን ዝኾነ ሽርሒ ከም ፍሕኛ ቶኪሱ ከም ዘበርዓነ ገሊጽናዮ ኔርና ኢና። ድሮ ሓበሬታታት ከም ዘአንፍትዎ ዘለዉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ልዕሊ 300,000 ፈኮስትን ማእከላይን ኣጽዋር ተታሒዙ ይርከብ። ብዙሓት ኣብዚ ሽርሒ ኢድ ዘለዎም ሰባት ዉን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ክሳብ ረቀቕቲ ብሳትላይት ዝሰርሑ መራኸቢ ኣቕሓ ሒዞም ዝጸንሑ ሰባት ዉን ብክፍሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ኣትዮም'ዮም። እዚ ኣካል ናይቲ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ብተረተር ክህነጽ ዝጸንሐ ገዚፍ ኣጀንዳ ሙዃኑ ዉን ምስጢራዉያን ሰነዳት ኣንፈታት ይህቡ። ከምቲ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና፡ እዚ ኣጀንዳ እዚ ብቐንዱ ወተሃደራዊ ዕንደራ ጃንዳ ማለሊት ናብ ማእከል ኢትዮጲያ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ምስቲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ቑጠባ፡ ሜድያ፡ ፖለቲካን ካልእን ኣሲሩ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ዘየዕርፍ መጥቃዕቲ ተደማሚሩ ኣብ ባይታ ዉጽኢት ክህብ ተስፋ ተጌሩሉ ጸኒሑ'ዩ። እንተኾነ ከምቲ ቕድሚ 4 መዓልታት ዝሓበርናዮ፡ እቲ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ዝተሰርሓሉ ኣጀንዳ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ ይርከብ።
መረዳእታና ክሰፍሕ መታን ንድሕሪት ምልስ ንበል። ምምሕዳር ባይደን ብዉልቁን ምስ መሓዙቱን ብምጽማድ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸቕጥታት ክገብር ጸኒሑ'ዩ። ቐንዲ ዕላማ ናይዚ ፖለቲካዊ ጸወታ እዚ፡ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ክፍጽሞ ዝህቅን ዘሎ "ወራር"፡ ብሽፋን ቕልዉላዉ ሰሜን ኢትዮጲያ ክጭብጦ ይህቅን ምህላዉ ጭብጢ ዝህብ'ዩ። ብዓንደርእሱ ዉን እቲ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኩናት ብፍቓድ ምምሕዳር ዋሽንግተን'ዩ ጀሚሩ ከብል ዝኽእል ባይታ ድሮ ተፈጢሩ ምህላዉ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ቐንዲ ምኽንያት ናይዚ ሽግር እዚ- እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራን ጅዳን ዝተኸተመ ዉዕል ሰላም ሙዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። እቲ ምንታይ እዚ ዉዕል እዚ ብመሰረቱ ነቲ ብሓላፊት ዴስክ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ጃንዳይ ፍሬዘር ዝተሃንደሰ ፖሊሲ ዘፍርስ ብምዃኑ። ብርድኢት ልሂቃን ዋሽንግተን፡ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጲያን፡ ቐንዲ ሽግር ናይቲ ሕጂ ኣብ ዋሽንግተን ሳዕሪሩ ዘሎ "ጂኦ-ፖለቲካዊ" ራዕዲ ሙዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ዝገልጽዎ'ዩ።
ጂኦ-ፖለቲካዊ ግንዛቤ ልሂቃን ዋሽንግተን እንታይ ይመስል፧
------
ብመሰረት ንድፊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዕብለላ ዋሽንግተን፡ ቻይና ቐንዲ ጸላኢት ኣሜሪካ ሙዃና ሰፊሩ ንረኽቦ። ብራኸ ጽልዋታት በይጂንግ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ 2 ዓበይቲ ዓንድታት ከም ዝስመር ብግቡእ ይርድኡ።
1- ዞባ ቐይሕ ባሕሪ- እዚ ዞባ'ዚ መዉጽእን መእተዉን ናይቲ ሕጂ ቻይና እትሃንጾ ዘላ ሓዲድ ንግዲ ሙዃኑ ኣብ ዋሽንግተን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። (ቑጽጽር- ኤርትራ)
2- መፋስስ ኒል- ኣብ ዓለም እቲ ብሕጂ እንርእዮ ዝዓበየ ግጥም ኣብ ማይ ሙዃኑ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ምህናጽ ግድብ ህዳሴ ተኣሳሲሩ፡ ኢትዮጲያ ሓደ ዓቢ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣጽዋር ትዓጥቕ ምህላዋ ድሮ እንዳ ተነጸረ መጺኡ ኣሎ። ከም ስግኣት፡ ኣሜሪካ እትመርሐን ዓበይቲ ሃገራት፡ በዚ ግድብ እዚ ክድቅሳ ኣይከኣላን ዘለዋ። (ቑጽጽር- ኢትዮጲያ)
ነዘን 2 ዓበይቲ ዓንድታት ምስ እነላግበን፡ ሓደ ገዚፍ ቑጽሪ ይህበና። እዚ ቑጽሪ'ዚ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ቕማሬ፡ "ኣቶሚክ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብኻልእ ኣዘራርባ- እቲ ኣብ ኣስመራን ጅዳን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ሓደ ኣቶሚክ ፈጢሩ ምህላዉ'ዩ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ዝርከብ ኣጽዋር። ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ዓቢ ወራር ክትፍጽም ትዳሎ ምህላዋ ኣተንቢህና ኔርና ኢና። እዚ ወራር እዚ- ነዚ ሕጂ ብኣቶሚክ ዝግለጽ ዘሎ ዓቢ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣጽዋር ንምምንዛዕ ሙዃኑ እቲ ሕሳብ የረድኣና። ስለዚ- ልሂቃን ዋሽንግተን ብኢትዮጲያ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ናይ ምምጻእ ዕላምኦም ድሮ ተኸሽሑ'ዩ። ኣብ ሱዳን ክገብርዎ ዝጸንሑ ሰፊሕ ስራሕ ዉን ድሮ ርኢናዮ ኣሎና። ሱዳን ዉን ኣብቲ ናይ "ኒል" እንብሎ ሕሳብ ስለ እትርዕም።
04 ሕዳር 2020 ስለ ምንታይ፧
-------
ኣሜሪካ ንጃንዳ ማለሊት ከም ሰረገላ'ያ ክትጥቀመላ ጸኒሓ። ነዛ ሰረገላ ሒዛ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኪኖ ኢትዮጲያ ሓሊፋ ዉን ኣብ መላእ ቐርኒ ኣፍሪቃ ንልዕሊ 27 ረብሓታታ ክትሕሉ ኪኢላ'ያ። እንተኾነ ምስቲ ኣብ 2018 ዝመጸ ለዉጢ ተኣሳሲሩ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን ዕብለላ ቻይና ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ድማ ክብርኽ ከም ዝጀመረን ብምርዳእ፡ መፍትሒ ክትገብር ክትፍትን ዝተጸበናዮ ነገር'ዩ። ስለዚ ጅኣብ 04 ሕዳር 2020 ጃንዳ ማለሊት ብምትብባዕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ብምኽፋት፡ ናብ ማእከል ኢትዮጲያ ኣትያ ዕልዋ መንግስቲ ከተካይድ ተንቀሳቐሰት። እቲ ኩናት ክትወጾ ከም ዘይትኽእል ኣብ ኩናት ባዕኸር ክትግንዘብ ብምጅማራ፡ ዞባዊ ንምግባሩ ኣብ 13 ሕዳር 2020 ንከተማ ሰንዓፈ ደብዳብ ብምግባር፡ ኣብ 17 ሕዳር 2020 ድማ ንኸተማ ኣስመራ ብሮኬት ብምድብዳብ ኤርትራ ነብሳ ንምክልኻል ስጉምቲ ንኽትወስድ ኣገደደት። በዚ ኣቢላ ድማ ንኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤዉሮጳ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ካልኦትን ነቲ ኩናት ብቓልዕ ከም ዝኣትወኦ ገበረት። ዞባዊ መልክዕ ድማ ኣትሓዘቶ።
ኣሜሪካ ነዚ ዕድል ተጠቒማ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ዝና ንምምላስ ህርዲግ ክትብል ከም ዝጸንሐት ክትዕ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ጸቕጥታት ዝፈጥር በንጻሩ ድማ ጃንዳ ማለሊት ዘተባብዕ እማመታት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዉራድ፡ "AMERICAN INITIATIVE" ከም ዘሎ ኣምሲላ ዓለም ከተታልል ሃቀነት። እንተኾነ እቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ሸለብ ገለብ ዳርጋ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ በጺሑ ከብል ዝኽእል ኩነት ተፈጢሩ ይርከብ። እንታይ ንምባል'ዩ- ብሰንኪ'ቲ ቻይናን ሩስያን ሂንድን ሒዘንኦ ዘለዋ ተሪር መርገጺ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጃላነት ተፈጢሩ'ሎ። ስለዚ ምምሕዳር ባይደን ሓድሽ መኣዝን ሒዙ ዝኸይድ ዲፕሎማሲያዊ ዕብዳን ምጅማሩ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጲያ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ፧
----------
ጃንዳ ማለሊት- ካብ ኮረም ተበጊሱ ናብ ቖቦ፡ ወልድያ፡ መርሳ፡ ዓለት፡ ደሴ፡ ኮምቦልቻ፡ ከሚሴ ዝኸይድ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ምጅማራ ብዙሕ ክገርመና የብሉን። እቲ ምንታይ- እቲ ምንቅስቓስ ብዓንደርእሱ ወተሃደራዊ ዕላማ ክህልዎ ስለ ዘይክእል። ምናልባት እቲ ክጭበጥ ዝኽእል ዝነበረ ዝዓበየ ዕላማ ንሚሊ መጥቃዕቲ ጌርካ ንመስመር ጅቡቲ ኣዲስ ኣበባ ዓጺኻ ኣብ ልዕሊ ቑጠባ ኢትዮጲያ ጸቕጢ ምፍጣር ጥራይ'ዩ ክኸዉን ዝኽእል ዝነበረ። ነዚ ወፍሪ ንምግባር ማለሊት ካብ ምምሕዳር ባይደን ቐጠልያ መብራህቲ ምርካባ ብዙሕ ዝገርም ኣይኮነን። እቲ ምንታይ- ምምሕዳር ባይደን ኣእዳዉ ቐ/ሚ ኢትዮጲያ ጠዉዩ ኣብ ጠረቤዛ ንምጻእ ኪኖኡ ሓሊፉ ዉን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ከኽእል'ዩ ዝብል እምነት ስለ ዝጸንሖ።
ሀ) ወተሃደራዊ
ኣሜሪካ ጃንዳ ማለሊት ንወገን ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ከም ዝፍጽም ምሉእ ኣፍልጦ ኔሩዋ'ዩ። ኔሩዋ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ወራር ንኽካየድ ከተተባብዕ ጸኒሓን ኣላን። እቲ ምስጢር ኣሜሪካ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ልዕሊ ቐ/ሚ ኢትዮጲያ ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣሚና'ያ ከተካይዶ ጸኒሓ። እቲ ሽግር- ጃንዳ ማለሊት ክሳብ 120,000 ሰራዊት ከፊላ ዝኣተወቶ መሬት ክልል ኣምሓራ፡ ብወገን ጨርጨርን ጉላ ላፍቶን ተቖሪጹ መዉጽኢ ስኢኑ ብምህላዉ፡ ኣብ ፍጹም ከበባ ኣትዩ ካብ ከባቢ ከሚሴ ፍሕት ምባል ኣብዩ ይርከብ። ብዘይካ'ዚ እቲ ንደሴን ኮምቦልቻን በጺሑ ዝነበረ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት፡ ነቲ ዝሓዞ ከተማታት ኣጽኒዑ ክከላኸለሉ ብዘይምኽኣሉ፡ ንወገን መቕደላ ሒዙ ናብ ንፋስ መዉጫ ከምልጥ ህርዲግ ኣብ ምባል ይርከብ። እቲ ንሚሊ ቖሪጹ መገዲ ጅቡቲ-ኣዲስ ኣበባ ሓኒቑ ክዓጹ ክህቅን ዝቐነየ ሓይሊ ድማ፡ በቲ ካብ ክልል ዓፋር ተበጊሱ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር ጸሚዱ መጥቃዕቲ ዝኸፈተ ፍሉይ ኣሃዱ (ሪፓፕሊካን ጋርድ) ከም ሕሱም ተመኪቱ ዳርጋ ደኺሙ ክበሃል ይከኣል።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሕ'የ ብምባል "ፕሮፖጋንዳ" ክነዝሕ ዝጸንሐ ሓይሊ፡ እቲ ታህዲድ ፍረ ከም ዘይብሉ ድሮ ተረዲኡ ብምህላዉ፡ ዳርጋ ኣብ ቐታሊ ምንቅስቓስ ኣትዩ'ሎ ክበሃል ይከኣል። እዚ ማለት እቲ ዘለዎ ኣማራጺ ኢድካ ምሃብ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ሓቂ ከይቅበል ኣብ ቕድሚኡ ዝርከብ ህዝቢ ከም ዓጺድ እንዳ ጎመደ ናይ ምኻድ ሓደገኛ ዉሳነ ኣብ ቕድሚኡ ተፈጊሙ ይርከብ።
ለ) ቑጠባዊ
ኣሜሪካ ቐ/ሚ ኢትዮጲያ ኢዱ ክህብ የኽእል'ዩ ዝበለቶ ቑጠባዊ ጸቕጥታት ኣብ ምግባር'ያ ጸኒሓ። ምምሕዳር ባይደን ንኢትዮጲያ ካብ U.S. trade program ክኣልያ ምዉሳኑ ሓደ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቑጠባዊ ኩናት'ዩ። እቲ ካልኣይ ዝተሰርሓሉ እቲ Africa Growth Opportunity Act (AGOA) ተባሂሉ ዝፍለጥ እገዳ'ዩ።
ሐ) ፖለቲካዊ፦
ኣሜሪካ ብጀካ'ቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (ባይቶ ጸጥታ ዓለም)፡ ሕብረት ኤዉሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓለምለኻዉያን ማሕበራትን እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓሳት፡ ንኸም ብዓል CNN፡ BBC፡ VOA፡ Reuters፡ CBC'ን ካልኦት ኣለዋ ዝበሃላ ዓበይቲ መርበብ ሓበሬታታት ኣኽቲታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘየዕርፍ ጸቕጥታት ኣብ ምግባር ተጸሚዳ ትርከብ። ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳደር ጀፍ ፈልትማን ብምኽታት ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ካብ ምግባር ዉን ኣይተቖጠበትን። ኣብዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ሳምንታይ ዉን ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሶጎን ኣባሳንጆ ከም ኣካል ናይቲ እትገብሮ ዘላ ጸቕጥታት ክትጥቀመሉ ተራእያ ኣላ። ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሚስተር ሙሳ ፋቂ ማህማት ዉን ከም ኣካል ናይዚ ገዚፍ ዓንኬል ክትግልገለሉ ኣይሓነኸትን። ከም ፕ/ት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቪኒ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዉን ኣካል ናይዚ ዓንኬል ካብ ሙዃን ኣየምለጡን።
እንታይ'ዩ ክጭበጥ ዝህቀን ዘሎ፧
----------
ከም ኣምር ዕልዋ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ'ዩ። ልክዕ ከምቲ ኩናት ንሓደ ክትጭብጦ ዝደለኻ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምጭባጥ እትጥቀመሉ ስልቲ፡ ዕልዋ መንግስቲ ድማ ብተመሳሳሊ ንኽትጭብጦ ዝደለኻ ፖለቲካዊ ዕላማ ከጨብጠካ ዝኽእል ስልቲ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ጫፍ ብልሒ ናይ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ'ዩ ምባል'ዉን ይከኣል'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ከም ኣብነት ኣልዒልና ምስ እንዛረብ፡ መንግስቲ ቐ/ሚ ሓምዶክ ኣብ ዉሽጡ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዉጥጥ መንግስቲ (ስርዓት) ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ብምኽኣሉ፡ እቲ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዝምራሕ ሓይሊ ጀነራል ቡርሃን፡ ቕልጡፍን ንዝኾነ ምትእትታዋት ዘይዕድምን ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ተራእዩ። ኣብ ፖለቲካ ዝነበረ ፍልልይ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ክመጽእ ርኢና። ኣብ ኢትዮጲያ ዉን ተመሳሳሊ ነገር ኢና ርኢና። ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ዝተራእየ ፖለቲካዊ፡ ቑጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊ ነዉጺ ንጃንዳ ማለሊት ብሓይሊ ወቒዑ ካብ ስሕበት ክኣልያ ብምኽኣሉ፡ ኣብ 2016 መሰረታዊ ለዉጢ ተራእዩ፡ ኣብ 2017 መንግስቲ ኢህወደግ ፈርከሽከሽ ክብል ተራእዩ። ከም ዉጽኢቱ ድማ ጃንዳ ማለሊት ነቲ ንልዕሊ 27 ከም ዕርዲ ዓሪዳትሉ ዝነበረት ኣራት ኪሎ ሓዲጋ ናብ መቐለ ክትሃድም ኣገዲዱ። ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ስምምዕ ሰላም ክፍረም ብምኽኣሉ፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ፍጹም ከበባ ከም ዝኣተወት ክሱቆራ ብምጅማሩ፡ ካብዚ ከበባ ንምብጣስ'ዩ እምበኣርከስ ካብ 2019 ጀሚራ ቕልጡፍ መንግስቲ ናይ ምእላይ ኣጀንዳ ብምሕንጻጽ፡ ደጊማ ኣራት ኪሎ እትምለሰሉ ስትራተጂ ከተተግብር ዝተራእየት። ብምስምስ "ስግኣታት" ድማ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ብወግዒ ኩናት ኣበገሰት።
ከምቲ ኣርእስትና ኣቐሚጥዎ ዘሎ- ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት'ዩ ዘሎ ነገራት። ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ናዕብን ዕግርግርን ኣፍሊሶም ረብሓታቶም ከዉሕሱ ክህቅኑ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ በታ ባዕላቶም ዝወልዕዋ ኩናት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ።