ኢሮብ
ሐዚ እውን ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ሓሰረ መከራ ይርከብ
ህዝበይ ኣይጥዓሞን 😡💔😡
ህዝበይ ኣይጥዓሞን 😡💔😡
ኣብ መረበቱ ዘሎ ኣብ ክባን ዕፅዋን ተደጋጋሚ ደብዳብ፡
ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣብ እስሪቤትን ሰቀቀንን፡
ኣብ ፍቃድኡ ዓረብ ዘሎ መፃወቲ ደላላታትን ጨካናት ዓረብን ከምቲ ኣብቲ video ትሪእዎ ዘለኩም :-
ዘለናዮ ግዜ ትግራዋይ ከም ትግራዋይ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ሓድነቱ ኣስጢሙ ኢሂን ምሂን እናተብሃለ ብጥበብን ብብልሓትን ክሓልፎ ዘለዎ እዋን እዪ።
መፃኢ ትግራይ ፅብቅትን ምችውትን ንምግባር ብትኩሮት ክንሓስብን ኣርሒቅና ክንርኢን ይግባእ።
ትግራይ ናይ ፖለቲካዊ ኢኮነምያዊ ምዕባለ የድልያ ኣሎ። መፃኢት ትግራይ ኣብ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ጉዳያታ ንኣማኢት ዓመታት ሒዝናያ ዝመፃና ትግራይ ዓይነት ክትከውን የብላን ለውጢ የድልያ ኣሎ ካብ ካድረነትን ምትህልላክን ጊዚያዊ ረብሓታትን ፅልዋታትን ወፂና ንህዝባን ካልኦት ዝብህግዋን ትግራይ ክንፈጥር ክንግደድ ኣለና።
ተጋሩ እዙይ ናይ ምግባር ዓቅሚ ኣለና ብፍልጠት ይኩን ብጉልበት ስኣን መሪሕነት ጥርናፈ መመሊስና እንርቅሞሸሉ ግዜ ጠጠው ክብል ኣለዎ።
ከምቲ ንዘመናት ዘርኣናዮ ዓለም ዘገረምናሉ ውትድርናዊ ጥበብን ጅግንነትን ኣብቲ ፖለቲካውን ኢኮነምያውን ዓቅምና እውን ፀብለልታ ንምምፃእን ካብ ድክነትን ዕንክሊል ፖለቲካ ፈንፂሕና ንምውፃእ ናይ ኩላትና ትልምን ፃዕርን የድሊ ፅባሕ ብርሃን ንምፍጣር ።
ንዞም ወገናትና ድማ ድምፂ ንኩን #s
ምድላው 11 ለካቲት 2014 ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣርሚ 33 ሙሴ ክፍላተ ሰራዊት።
ምድላው 11 ለካቲት 2014 ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣርሚ 33 - ኮር 331 - ሙሴ ክፍላተ ሰራዊት።
https://youtu.be/kyh-W--aLW0