Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ

  • Home
  • Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ

Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ ሓቅን ሚዛናውነትን!!

ደቂ ነብስሄር ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ዶክተር ኣርቲስት ኪሮስ ኣለማዮዲያቆን መዓርግ ኪሮስዲያቆን ከኣሎ ኪሮስ
10/05/2024

ደቂ ነብስሄር ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ዶክተር ኣርቲስት ኪሮስ ኣለማዮ

ዲያቆን መዓርግ ኪሮስ
ዲያቆን ከኣሎ ኪሮስ

25/03/2024

መግለፂ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ክልል ኣምሓራ መሬት ትግራይ ኣብ ካርትኡ ኣስፊሩን ኣካል ስርዓተ ትምህርቱ ገይሩን እናምሃረሉ ከምዘሎን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረዲኡ ኣሎ።

እዚ ክልል መሬት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ስርዓተ ትምህርቱ ዘስፈሮ ካርታ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ቆራሪስካ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ደዉ ንከይብል ብዝኸፍአ መልክዑ ይሰርሓሉ ምህላዉ ዘረጋግፅ ምዃኑ እውን ተገንዚብና ኣለና።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናፈፀሞ ዝመፅአን ሕዚ ብሓይሊ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕን መንከራን ከይኣክልን ብዝፈፀሞም ጥፍኣታት ኣብ ክንዲ ዝጥዓስን ናብ ከምዚ ዝበለ ታሪካዊ ስሕተት ምእታዉ ብቐፃልነት ዋጋ ከምዘኽፍሎ ፈሊጡ ብህፁፅ ክእርሞ ኣለዎ።

መንግስቲ ፌዴራል እውን ቅድሚ ሕዚ ብትካላት ፌዴራል ሎሚ ድማ ብክልል ኣምሓራ ዝዳለዉ ዘለዉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ካርታታት ክእርሞምን ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ፈፀምቲ ኣካላትን ትካላትን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን እናተገብአ ርእዩ ከምዘይርኣየ ምሕላፉ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ክኸውን።

ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ ብርኪ ብምፍፃም ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ብልዑል ሓላፍነት ኣብ ንሰርሓሉ እዋን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከምዚ ዓይነት ነገር ምፅሕታር ነቲ መስርሕ ሰላም ንምህዋኽ ኮነ ኢሉ ዝፍፀሞ ጥፍኣት ምዃኑ እውን ክስመረሉ ይግባእ።

ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናተፈፀመ ዝመፅአን ሕዚ እውን ዝቕፅል ዘሎን ግፍዕን በደልን ደው ይበል ኢሉ ኣብ ጎኒ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ጠጠው ንክብሉ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።

እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ስዒቡ ናይ ዝመፅእ ነገር ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ባዕሉ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ ክነፍልጥ ንደሊ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
16 መጋቢት 2016ዓ.ም
መቐለ

09/03/2024

ሕማቅ ኣብነት እዮም እትብሎም ሰባት
ናብቲ ደረጆም ከይትወርድ ዓብይ ትምህርቲ ዝህቡኻ ፅቡቃት መማህርካ እዮም!!

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ፓሊስ ዝወዓለ ብርክት ዝበለ መጥቀሚ ሽሻን ካልኦት መዐወኒ ሓሽሽን ሎሚ ክውገድ ከም  ዝተገበረ ፓሊስ ከተማ  ኣኽሱም ኣፍሊጡ። ፓሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ...
20/12/2023

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ፓሊስ ዝወዓለ ብርክት ዝበለ መጥቀሚ ሽሻን ካልኦት መዐወኒ ሓሽሽን ሎሚ ክውገድ ከም ዝተገበረ ፓሊስ ከተማ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።

ፓሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ከምዚ ዝበለ መንእሰይ ወለዶ ዘብርስ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቁጠቡን ኣብዚ ንህዝብና ኣብ ዘይምጥን ተግባር ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ አተሓሳሲቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ዝውዕል ናውቲ ሕክምና  ብሓገዝ ሂቡ።እቲ ሓገዝ ብድምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልየን ብር (5,000,000)ዝዋግኡ ናውቲ  ሕክምና  ኮይኑ 105 ፆታዊ ጥ...
11/12/2023

ውድብ ጥዕና ዓለም ንግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ።

እቲ ሓገዝ ብድምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልየን ብር (5,000,000)ዝዋግኡ ናውቲ ሕክምና ኮይኑ 105 ፆታዊ ጥቕዓት ንዝወረደን ደቂ ኣነ-ስትዮ ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ፋይል ካብኔት ፣ 105 ሰለስተ ተዓፃፊ መኸወሊ ተሓከምቲ ፣ 105 ዓራት ተሓከምቲ ዝርከቦ እዩ ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝህቦ ሓገዝ ቀፃሊ ምዃኑ ዝተገለፀ ኮይኑ እቲ ናውቲ ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝለኣኽ እቲ ቢሮ ሓቢሩ ኣሎ ።

11/12/2023

ፅብቅቲ መልእኽቲ❤😂

ኣብ ትግራይ ዓብይ ገበን ፈፂምካ መንግስቲ ከይረኽበካ ትሕበአሉ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቅዐሉ ከባብታት እዩ😂😂
ምኽንያቱ መንግስቲ ናብኡታት ኣይኸድይ😂

ብሰንኪ ጥሜት ህይወትና ንምትራፍ ኩዕንቲ ናብ ምእራይ ኣቲና። ንሱ እውን ተተረኺቡ እዩ።ነበርቲ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ______________________በብመዓልቱ ዝስማዕ ዘሎ ዘሕዝን ሓበሬታታት...
10/12/2023

ብሰንኪ ጥሜት ህይወትና ንምትራፍ ኩዕንቲ ናብ ምእራይ ኣቲና። ንሱ እውን ተተረኺቡ እዩ።
ነበርቲ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ
______________________

በብመዓልቱ ዝስማዕ ዘሎ ዘሕዝን ሓበሬታታት ብድርቂ ዝተጠቅዐ ከባብን ዝመውት ዘሎ ህዝብን ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ወረዳታት ኣበርገለ ኣፅቢ ወጀራት ኢሮብ ብሰንኪ ጥሜት ብኣማኢት ዝቁፀር ሰብ ህይወቱ ዝሓለፈ እንትኾን ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ድማ 67 ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ዝርከባ 6 ጣብያታት ንሓደጋ ድርቂ ከም ዝተቓለዓን ብሰንኪ ድርቂ ዝወለዶ ጥሜት ዛጊድ ልዕሊ 67 ወገናት ከም ዝሞቱ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ 6 ጣብያታት ማርዋ፣ወልዋሎ፣ሰውነ ፣ገብሌን፣ታሕታይ ዝባንን መስሑልን ንሓደጋ ድርቂ ከም ዝተቓለዓ ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ብወገን እንስሳት እውን ገጢሙ ዘሎ ድርቂን ሕሱም ጥሜትን ልዕሊ 1700 እንስሳት ከም ዝሞታ ምምሕዳር እታ ወረዳ ንቴሌቪዥን ትግራይ ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብቲ ወረዳ ብምኽንያት ድርቂ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ከም ዘለውን ኣብ ጣብያ ማርዋ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ብሓደጋ ደርቂ ተዓፅያ ከም እትርከብ እውን ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ናብ ጉድኣት ኣካል ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ዑደት ገይሮም።
09/12/2023

ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ናብ ጉድኣት ኣካል ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ዑደት ገይሮም።

07/12/2023

Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ

06/12/2023

ወኒ!❤

ኣከዳድና ነፀላ ከም ናይ ወለድና ናተላመድኩ♥😁📸 እናከድካ ምፅባይ
05/12/2023

ኣከዳድና ነፀላ ከም ናይ ወለድና ናተላመድኩ♥😁
📸 እናከድካ ምፅባይ

01/12/2023

ፃውዒት ብፅሑልና!!

ካብ እሱራት ስዑዲ ዓረብ ሽመሺ እስር ቤት
21 ሕዳር 2016 ዓ/ም

ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን! ካብ ተራ ክትራን (ሃንጊ) ናብ - ካራ ናብ - ቦምቢ_____________________________________ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ  ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለከተማ...
25/08/2023

ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን!
ካብ ተራ ክትራን (ሃንጊ) ናብ - ካራ ናብ - ቦምቢ
_____________________________________

ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍለከተማ ቐዳማይ ወያነ ቀበሌ 15 "ቤት መስተ ዳዕሮ" ኣብ ልበሃል እንዳ መስተ ሰባት ተኣኪቦም እናተዘናግዑ እንተለው ዝተደርበ ቦምቢ ኣብ ሰባት ናይ ሞትን ሞቕሰልትን ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እቲ መጥቃዕቲ ለይቲ 8:00 ሰዓት ብደገ ዝተደርበየ ኮይኑ በቲ ሓደጋ ሽዑ ንሽዑ ዝሞቱ 3 ዋላ እኳ እንተነበሩ ኣብ ሕክምና ኣትዮም ካብ ዝነበሩ ቁሱላት በዝሒ ሞት እናወሰኸ ቁፅሪ መወትቲ 5 ከም ዝበፅሐ ይግለፅ ኣሎ። ብዜካ እዚ ካልኦት ዝቆሰሉ ሰባት ከም ዘለው እውን ይግለፅ ኣሎ።

ኩነታት ፀጥታ ከተማ መቐለ ይኹን ካልኦት ከተማታት ኣብ ፍፁም ሓደጋ ካብ ዝወደቕ ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። መንግስቲ እየ በሃሊ ኣካል ብተደጋጋሚ ጉዳይ ፀጥታ ቀዳምነት ክህበሉ እንተተሓተተ እውን ክሰምዕን ለውጢ ከምፅእን ኣይከኣለን።

ኣብ ጎረቤትና ንሪኦ ዝነበርናን ዘለናን ብዕጥቂ ዝተሓገዘ ግጭትን ሕንፍሽፍሽን ስርዓት ኣልቦነትን ኣባና እውን ቀስ ብቀስ እናዓበየ ይመፅእ ኣሎ።

ሐዚ እውን ጉዳይ ፀጥታ ብቀዳምነት ትኹረት ይገበረሉ!!

ኣሸንዳ ትግራይ!♥Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ
11/08/2023

ኣሸንዳ ትግራይ!♥
Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ

10/08/2023

ባህላዊ ትልሂቱ ኮላይ ሳዕስዒቱ ኮላይ ናይ ተምቤን ዝልኡ ኩሉ ዘማለአቶ ቆልዓ ትግራይ!♥

ቆልዓ ኣሸንዳ ትግራይ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ
09/08/2023

ቆልዓ ኣሸንዳ ትግራይ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ

ኣሸንዳ ኣብ ሰብ ዋንኡ ኣብ ተጋሩ!♥
07/08/2023

ኣሸንዳ ኣብ ሰብ ዋንኡ ኣብ ተጋሩ!♥

ይሓዛ እንዶ ይቀበላኒ ብሱሩ🥰😁
06/08/2023

ይሓዛ እንዶ ይቀበላኒ ብሱሩ🥰😁

06/08/2023

ፍርቂ ትግራይ ሒዘ ሙሉእ ጋመ ኣይቁነንን!!💔
ዋዕሮታት ደቂ ኣሸንዳ ትግራይ!!♥

ኣሸንዳ ተኾነስ ኣብ ትግራይ እዩ እምበይ!❤💛
03/08/2023

ኣሸንዳ ተኾነስ ኣብ ትግራይ እዩ እምበይ!❤💛

01/04/2023

"ይሕመኒሎ"

ህዝበየ ሕማምካ ሕማመይ
ንስኻ ሓሚምካስ ዘይሕመኒ ከመይ

ወሎዶይ ሕቶኻ እንትምለስ
ሕማመይ ሽዑ እዩ ዝፍወስ
______________________

ድምፃዊ ሙሉ ጌታ/ ማሉዳ ሙሉጌታ ማሉዳ

ሙሉእ ቪድዮ ሊንክ👇
https://youtu.be/0K6VRZFIL14

24/03/2023

ናይዛ ቆልዓ እዚኣ ጅግንነት ሓቦ ፅንዓት ብቅዓት ንምግላፅ ብጣዕሚ ተፀጊመ

➖ #ትማሊ፦ ክሓዊ እሞ ናብ ብፆተይ ክኸድ ክሕግዞም እየ ዝደሊ!!

➖ #ሎሚ፦ ዋላ ዝሃለወ ተሃለወኒ ካብ ብፆተይ ንላዕሊ ክኽደን ካብ ብፆተይ ሕልፊ ክኸውን ሕልፊ ክረአ ፈፂመ ኣይደልን!!

➖ሰብ መዐቀኒኡ ዘብለጭልጭ ደጋዊ ነገር ዘይኮነስ ውሽጣዊ ፅባቐ እዩ ዘድሊ!!

➖ንስድራ ስወኣት ነብስና ኣብ ቦትአን ኣእቲና ንሕና እቲ ንሳተን ዘለውኡ ተንኸውን ኢልና ሓሲብና ኣበይ ኣለኽን ክንብለን ፀገመን ክንርደአለን ክንሕግዘን ይግበአና!!

➖ንጉድኣት ኣካል ኣሕዋትና ትኹረት ክግበረሎም ኣለዎ ትማሊ ብክልተ እግሮም እናጎየዩ ነይሮም ብክልተ ኢዶም ድላዮም እናሰርሑ ነይሮም ሎሚ ዝከናኸኖም ስኢኖም እቲ ዝወፁሉ ዕላማ ከየናሰሖም ከይጨናነቁ ፍሉይ ትኹረት ይገበሮም!!

ምልክት ተስፋ ሓቦን ፅንዓትን
ተጋዳሊት ሚዛን እምባዩ♥

https://youtu.be/rnQPzy12FK0

07/09/2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን
ኣብ ከባቢ ማርሳ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፋኖን ምልሻን ኣምሓራ ከቢድ ዕንወት ከም ዝበፅሖ
ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም ኣለው!

30/08/2022

ካብ ኮኾብ ፅባሕ ተወሳኺ መማረፂ በዚ ፔጅ እንተመፂኹም እውን ብክብሪ ከተኣናግደኩም እየ ኣሓትን ኣሕዋትን!

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kokob Studio ኮኾብ ስቱድዮ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share