ኣዝማሪኖ PRESS

  • Home
  • ኣዝማሪኖ PRESS

ኣዝማሪኖ PRESS news ,sport tech ,polotics from trusted ones
(4)

🚨 ቸልሲ ንመስርሕ ምስግጋር ጄደን ሳንቾ ንምዝዛም ተወሳኺ ሰዓት ንኽወሃባ ወላኳ  ናብ ኤፍ.ኤ. ሕቶ እንተቕረበት ክሳዕ ሕጂ ትካል ኤፍኤ ንሕቶኣ ከምዝተቐበሎ ወይ ከምዝነጸጎ ዝገልጽ ዝኾነ ወ...
31/08/2024

🚨 ቸልሲ ንመስርሕ ምስግጋር ጄደን ሳንቾ ንምዝዛም ተወሳኺ ሰዓት ንኽወሃባ ወላኳ ናብ ኤፍ.ኤ. ሕቶ እንተቕረበት ክሳዕ ሕጂ ትካል ኤፍኤ ንሕቶኣ ከምዝተቐበሎ ወይ ከምዝነጸጎ ዝገልጽ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይወጸን ፤ ( ✍️ 4:10pm😴 ) ጉዳይ ሳንቾ እንድዒ ....

ወዲ 29 ዓመት ፡ ራሂም ስርረሊንግ ሕክምናዊ መርመራታቱ ብዓወት  ድሕሪ ምዝዛሙ ምስ ክለብ  ቸልሲ ብወግዒ ተፈላልዩ ኣባል ጋነርስ 04/05 ምዃኑ ተረጋጊጺ ። ናይቲ መስርሕ  ዝውውር 'ዲል ...
31/08/2024

ወዲ 29 ዓመት ፡ ራሂም ስርረሊንግ ሕክምናዊ መርመራታቱ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ምስ ክለብ ቸልሲ ብወግዒ ተፈላልዩ ኣባል ጋነርስ 04/05 ምዃኑ ተረጋጊጺ ።

ናይቲ መስርሕ ዝውውር 'ዲል ሺት'deel sheet ነቲ ምስግጋር ነይዚ ተጻዋታይ ክሳብ ሰዓት 3 pm ከምዝናዋሕ ምግባሩ ክግለጽ ከሎ ኩሉ ነገር ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓት ብዓወት ኤዱጋስፐር ክዛዘም ክኢሉ ።

በዚ መሰረት እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ራሂም ስተርሊንግ ብወግዒ ተጸዋታይ ክለብ ኣርሰናል ምዃኑ ተረጋጊጹ! ➙ [David Ornstein]

ሚከል ሜሪኖ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰሙናት ካብ ጸወታ ክርሕቕ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
30/08/2024

ሚከል ሜሪኖ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰሙናት ካብ ጸወታ ክርሕቕ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

🚨BREAKING  ኣርሰናል መስርሕ  ምስግጋር ተጻወቲ ቅድሚ ምውድኡ 2ሰዓት ክወሃባ ብምሕታታ ኣብ ዝቕጽል 2 ሰዓታት ንስተርሊንግ ክተፈርም  ንኔልሰን ናብ ፉልሃም ክትሸጦ ትኽእል እያ።
30/08/2024

🚨BREAKING

ኣርሰናል መስርሕ ምስግጋር ተጻወቲ ቅድሚ ምውድኡ 2ሰዓት ክወሃባ ብምሕታታ ኣብ ዝቕጽል 2 ሰዓታት ንስተርሊንግ ክተፈርም ንኔልሰን ናብ ፉልሃም ክትሸጦ ትኽእል እያ።

DEAL DONE ኮይና'ላ !                            🇪🇷
30/08/2024

DEAL DONE ኮይና'ላ !

🇪🇷

    ኮይና'ላ !                           🇪🇷
30/08/2024

ኮይና'ላ !

🇪🇷

ክለብ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ኣጥቃዓይ ራሂም ስተርሊንግ ብልቓሕ ናብ መሳርዓ ንምጽንባር ምስ ብሉስ ዳግማይ ዝርርብ ከምዝጀመረት ተሓቢሩ።  ጋነርስ ቅድሚ ምዝዛም መስኮት ዝውውር ተጻወቲ ንወዲ 2...
30/08/2024

ክለብ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ኣጥቃዓይ ራሂም ስተርሊንግ ብልቓሕ ናብ መሳርዓ ንምጽንባር ምስ ብሉስ ዳግማይ ዝርርብ ከምዝጀመረት ተሓቢሩ።

ጋነርስ ቅድሚ ምዝዛም መስኮት ዝውውር ተጻወቲ ንወዲ 29 ዓመት ኣጥቃዓይ ራሂም ስተርሊንግ ከተፈርሞ ልዑል ድሌት ከምዘርኣየት ካብ እሙናት ምንጭታተይ ረኺበዮ ክብል ኣብ ብሬኪን ኒውስ ቂድሚ ሒደት ደቀቓይቕ ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ዜና ዝሓበረ ዘ ኣትለቲክ ኢዩ፣

ኣብ መሸጣ ተጻወቲ ናይዚ ክራማት ጽቡቕ ከም ዝተንቀሳቐሰት ዝንገረላ ክለብ ኣርሰናል ፡ ነዚ ተጻዋታይ ንምፍራም ፥ ምስታ ፍጹም ከምዘየድልያ ኮፍ ኣቢላ ዝነገረቶ ብሉዝ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ እነተኺኢላ ምስቲ ተጻዋታይ ብውልቂ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ከምዘይትጽገም ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ ።
ጋነርስ ብመጀመርታ ከመይ ረኺብኩማ & ትኸውን ዶ ይመስለኩም ?

( ካልኣይ ሰማያዊ መድፍዕ ንርኢ ዶ ንኸውን 😎 )

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኣብ ናይዚ ክራማት  መስኮት ዝውውር ተጻወቲ  5 ተጻወትቲ ብቐዋምነት፡ ሓደ ተጻዋታይ ድማ ብልቓሕ ዘፈረመት ጋነርስ፡ ናይዚ ክራማት መስርሕ ምዝዋውዋር ተጻወቲ  ቅድሚ ምዕጻዉ ዝኾነ ተጻዋታይ ...
30/08/2024

ኣብ ናይዚ ክራማት መስኮት ዝውውር ተጻወቲ 5 ተጻወትቲ ብቐዋምነት፡ ሓደ ተጻዋታይ ድማ ብልቓሕ ዘፈረመት ጋነርስ፡
ናይዚ ክራማት መስርሕ ምዝዋውዋር ተጻወቲ ቅድሚ ምዕጻዉ ዝኾነ ተጻዋታይ ከተፈርም ትጽቢት ከምዘይግበር ዴቪድ ኦርነስተይን ሓቢሩ።

ኣብዚ ክራማት ክለብ ኣርሰናል ዘፈረመቶም ተጻወቲ፦
¯¯¯¯¯¯ ¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯ ¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯ ¯¯¯¯¯¯
- ሪካርዶ ካላፊዮሪ፡ - ብ42 ሚልዮን ፓውንድ

- ሚከል ሜሪኖ፡ - 32 ሚልዮን ፓውንድ

- ዴቪድ ራያ :- ብ30 ሚልዮን ፓውንድ

- ቶሚ ሴትፎርድ (ሓላዊ ልዳት)፡ - 1 ሚልዮን ፓውንድ

- ሉካስ ኒጋርድ (ሓላዊ ልዳት)፡ - ነጻ ዝውውር

- ኔቶ (ሓላዊ ልዳት)፡ - ለቓሕ

👉 እንተኾነ ዝበዝሑ ደገፍቲ ጋነርስ ሳፕራይዝ ኤዱ ጋስፐር ኣብ ምጽባይ ይርከቡ ኣለዎሞ .... what do u except .

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

   - ቸልሲ ንጄደን ሳንቾ   ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘለዎ ልቓሕ ከተፈርሞ ፡ ምስ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ትዘራረብ ምህላዋ ተገሊጹ ።  - ሓላዊ ልዳት ቸልሲ ፔትሮቪች ብልቓሕ ናብ ስትራ...
30/08/2024



- ቸልሲ ንጄደን ሳንቾ ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘለዎ ልቓሕ ከተፈርሞ ፡ ምስ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ትዘራረብ ምህላዋ ተገሊጹ ።

- ሓላዊ ልዳት ቸልሲ ፔትሮቪች ብልቓሕ ናብ ስትራስበርግ ተጸንቢሩ።

- ቪላርያል ስጳኛዊ ኣከፋፋሊ ጁዋን በርናት ብልቓሕ ካብ ፒ.ኤስ.ጂ ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ።

- ዎልቭስ ንኣጥቃዓይ ኣያክስ ካርሎስ ፎርብስ ንምፍራም ተቓሪባ ምህላዋ ተገሊጹ።

- ንኣርሰናል ከም ሳልሳይ ሓላዊ ልዳት ክትጥቀመሉ ክተጣይቐሉ ዝቐንየት ሓላዊ ልዳት ዎልቭስ ዳን ቤንትለይ ኣብታ ክለብ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ ።

- ቸልሲ ምስ ክለብ ናፖሊ ብጉዳይ ኦሲመን ንዝጀመረቶ ዝርርብ መዕለቢ ንኽትገብረሉ ናይ መወዳእታ ውሳነ ቪክቶር ኦሲመን ትጽበ ከምዘላ ተገሊጹ ።

- ኢፕስዊች ታውን ንኣርማንዶ ብሮሃን ብልቓሕ ካብ ቸልሲ ንምፍራም ዳግማይ ናብ ዝርርብ ከምዝተመልሰት ተገሊጹ ።

ምንጪ [The Athletic]

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ክለብ ቸልሲ ንጃደን ሳንቾ ንምፍራም ወግዓዊ ናይ ምስግጋር ሕቶ ናብ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣቕሪባ ።   ብሉስ ነዚ ተጻዋታይ  ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘለዎ ልቓሕ ከተፈርሞ ከምዝሓተት ክገ...
30/08/2024

ክለብ ቸልሲ ንጃደን ሳንቾ ንምፍራም ወግዓዊ ናይ ምስግጋር ሕቶ ናብ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣቕሪባ ።

ብሉስ ነዚ ተጻዋታይ ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘለዎ ልቓሕ ከተፈርሞ ከምዝሓተት ክገለጽ ከሎ ፡ ቸልሲ ካብቲ ጁቬንቱስ ኣብዝሓለፈ መዓልታት ነዚ ተጻዋታይ ንምስዳዕ ካብ ዝቐረበቶ ውዕል ዝያዳ ነዚ ተጻዋታይ ተጠቃሚ ክገብሮ ይኽእልዩ ዝበለቶ ውዕል ሒዛ ከም ዝቐረበት ኢዩ ተገሊጹ ።

ጄደን ሳንቾ ኣብ ኦልድትራፎርድ ሕጉስ ከም ዘይኮነን ናብ ቸልሲ ክጽንበር ድሉው ምዃኑ ብተወሳኺ ምንጭታት ፋብሪዝዮ ሮማኖ ይሕብራ ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ናይ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ  ኣመዝጋቢ ሸቶ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ  ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማሕበር  ዩዌፋ ንዝተበርከተሉ ብዓይነቱ ፍሉይ  ሽልማት ተቐቢሉ ።  ሮናልዶ ኣብቲ ስነስርዓት ምዕዳል ሽ...
29/08/2024

ናይ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማሕበር ዩዌፋ ንዝተበርከተሉ ብዓይነቱ ፍሉይ ሽልማት ተቐቢሉ ።

ሮናልዶ ኣብቲ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡

"ቻምፕዮንስ ሊግ ንዓይ ዝዓበየን ፍሉይን መድረኽ ኩዕሶ እግሪ'ዩ፡ ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ስለ ስለዝተዓወትኩሉ " ክብል ዝመደረ Cr7

"ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ኣለኒ" ናይ መጀመርታ ናይ ሻምፕየንስ ሊግ ጸወታይ ክሳብ ሕጂየ ዝዝክራ ክብል ተዛሪቡ ።

ሮናልዶ ዳግማይ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምጽዋት ዕድል ይህልዎ'ዶ ድዩ ተባሂሉ ኣብዝተሓተተሉ

𝓬𝓻7 "መን ክፈልጥ ይኽእል ናይ መጻኢ" ክብል ሓጺር መልሲ ሂቡ።

👉 ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዘካየዶ 183 ጸወታታት 140 ሸቶታት ብምምዝጋብ CR7 ናይዚ ውድድር ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ምዃኑ ይፍለጥ ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ተኸፈልቲ ክለብ ቸልሲ ምዃኑ ዝፍለጥ ራሂም ስተርሊንግ  ናይ 3 ዓመት ዎዕል ተሪፋዎ እንከሎ  ንዝኽደና ቁጽሪ 7 ማልያ ከይተረፈ  ንኻልእ ተጻዋታይ (ፔድሮ ኔቶ) ብምሃብ ...
29/08/2024

ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ተኸፈልቲ ክለብ ቸልሲ ምዃኑ ዝፍለጥ ራሂም ስተርሊንግ ናይ 3 ዓመት ዎዕል ተሪፋዎ እንከሎ ንዝኽደና ቁጽሪ 7 ማልያ ከይተረፈ ንኻልእ ተጻዋታይ (ፔድሮ ኔቶ) ብምሃብ

መጀመርታ ፦

-ካብቲ ኣሰልጣኒ ማሬስካ ሒዘዮ መጺአ ዝበሎ ፕሮጀክት ወጻኢ ምዃኑ ብሓለፍቲ ክለብ ቸልሲ ተነጊሩዎ ፡

- ጸኒሑ ድማ ፦

-ብswap deal ብሉስ ናብ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክትሸጦ ትዘራረብ ምህላዋ ዝገልጽ ዜና ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተነገረሉ ፡ ንመስርሕ መስኮት ምዝውዋር ተጻወቲ ብኣንከሮ ንዝከታተሉ ኣፍቀርቲ ስፖርት ግር ዘበለ ፤ ብፉሉይ ድማ ንደገፍቲ ዩናይትድ ዘሰመበደ ኣጋጣሚ ኔሩ ።

እንተኾነ ሕጂ ዝወጹ ሓበሬታታት ከም ዝገልጽዎ ዩናይትድ ብጉዳይ እቲ ተጻዋታይ ምስ ብሉስ ንምዝርራብ ቂድሚ ናብ ጣውላ ምምጻኣ ንወኪል ናይቲ ተጻዋተይ ነዘን ዝስዕባ ቅድመ ኩነት ከምዘቕረበትሉ ይግለጽ ኣሎ፤

➺ እቲ ተጻዋታይ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ምጽንባሮ ድሌት እንተሃልይዎ ፡

✴️ ዩናይትድ ሰሙናዊ ክትከፍሎ እትኽል ገንዘብ ትሕቲ 150 ሽሕ ፓውንድ ምዃኑ (ፍርቂ ናይቲ ኣብ ቸልሲ ዝረኽቦ )

✴️ እቲ ተጻዋታይ ብቕዓቱ ኣመስኪሩ ቦትኡ ክሳዕ ዘውሕስ ነቲ ተጻዋታይ ኣብ ቦታ ተቐየርቲ ኮፍ ከምዘብልዎ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ቃል ነቲ ተጻዋታይ ክኣትዉሉ ከምዘይክእሉ ንወኪል ናይቲ ተጻዋታይ ከምዝሓበሩዎ 'ዩ ተገሊጹ ።

👉 መስርሕ ዝውውር ንክልቲአን ክለባት ብኸመይ ተጠቀምቲ ይገብረን፦

ዝተፈላለዩ ተጻወታ ብምሻጥን ከምኡውን ከም ኣንቶኒ ማርሺያል: ራፋኤል ቫራን ... ንዝኣመሰሉ ካብታ ክለብ ልዑል ደሞዝ ንዝኽፈሉ ተጻወቲ ብምቕናስ ካብ ተሓታትነት ሕጊ psr ንምሙላቕ ትጽዕር ዘላ ዩናይትድ ካብቲ ንሳንቾ ብመልክዕ ደሞዝ ክትከፍሎ ዝገብኣ ዓመታዊ ከባቢ £15M ብልዕሊ ፍርቂ ክትንክዮ ከም ዘኽእላ ክግለጽ ከሎ በተወሳኺ ነቲ ተጻዋታይ ሓጺር ውዕል ብምሃብ ከም መሓለውታ ክሕዝዎ እንተዘይኮይኑ ኣብ ናይ ነዊሕ ግዜ መደቦም የእቲዮም ክጥቀሙሉ ዝኾነ ሓሳብ ከምዘይብሎምዩ ተገሊጹ።

እንተኾነ እዚ መስርሕ ዝውውር እዚ ንክለብ ቸልሲውን ተጠቃሚት ክገብራ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ ፤

ዘይምቅዳው ቸልሲን ስተርሊንግ ብዘለዎ ቐጺሉ ጉዳዮም ናብ ቤትፍርዲ እንተ ኣምሪሑ ስተርሊንግ ካብ ክለብ ቸልሲ ናይ ከባቢ £40M ካሕሳ ክረክብ ከምዝኽእል ይግመት ፤

(ብመሰረት ሕጊ PSR ክለባት ንደሞዝ ይኹን ንመሸጣ ወይውን ንኻሕሳ ዝወጽኦኦ ገንዘብ ብማዕረ ከም ወጻኢታት ናይታ ክለብ ስለዝምዝገብ )

👉👉👉ሕቶ

ክንደይ ካባኹም ግን ስተርሊንግ ዕሉል ደጋፊ ዩናይትድ ምዃኑ ትፈልጡ ትኾኑ ?

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኣከፋፋሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ሜሰን ማውንት ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብ4-5  ሰሙናት  ካብ ጸወታ ክርሕቅ ምዃኑ ዘ ኣትለቲክ ሓቢሩ።  እቲ ተጻዋታይ ክለቡ  ኣንጻር ብራይተን ተጻዊታ ኣብ ዝተሳዕ...
29/08/2024

ኣከፋፋሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ሜሰን ማውንት ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብ4-5 ሰሙናት ካብ ጸወታ ክርሕቅ ምዃኑ ዘ ኣትለቲክ ሓቢሩ።
እቲ ተጻዋታይ ክለቡ ኣንጻር ብራይተን ተጻዊታ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ ተቐይሩ ከም ዝወጸ ይዝከር።

➙[The Athletic]

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኢጣልያዊት ክለብ ናፖሊ ንቤልጁማዊ ኣጥቃዓይ ሮሜሉ ሉካኩ ካብ ክለብ ቸልሲ ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ።  እዛ ናይ ኔፕልስ ክለብ ነዚ ተጻዋታይ 30 ሚልዮን ዩሮ ከምዝኸፈለትሉ ክተፍልጥ ከላ ፤ ሉካኩ...
29/08/2024

ኢጣልያዊት ክለብ ናፖሊ ንቤልጁማዊ ኣጥቃዓይ ሮሜሉ ሉካኩ ካብ ክለብ ቸልሲ ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ።

እዛ ናይ ኔፕልስ ክለብ ነዚ ተጻዋታይ 30 ሚልዮን ዩሮ ከምዝኸፈለትሉ ክተፍልጥ ከላ ፤ ሉካኩ ኣብ ስታድየም ድየጎ ኣርማንዶ ማራዶና፣ ንሰለስተ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል ከምዘፈረመቶ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

ብኣሰልጣኒ ኣንቶንዮ ኮንተ እትምራሕ ክለብ ናፖሊ፡ ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታታት ንምስግጋር ስኮትላንዳዊ ስኮት ማክቶሚነይ ብዕሊ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ናይ ምዕራብ ለንደን ክለብ ቸልሲ ኣብዚ ሕጂ ካብቶም ኣብ ትሕቲኣ ካብ ዝርከቡ 8 ሓለወቲ ልዳት ንገለ ካብኦም  ብልቓሕ ኣብ ምፍዃስ  ትርከብ።  ስፔናዊ ሓላዊ ልዳት ኬፓ ኣሪዛባላጋ፡ ንሓደ ዓ...
29/08/2024

ናይ ምዕራብ ለንደን ክለብ ቸልሲ ኣብዚ ሕጂ ካብቶም ኣብ ትሕቲኣ ካብ ዝርከቡ 8 ሓለወቲ ልዳት ንገለ ካብኦም ብልቓሕ ኣብ ምፍዃስ ትርከብ።

ስፔናዊ ሓላዊ ልዳት ኬፓ ኣሪዛባላጋ፡ ንሓደ ዓመተ- ስፖርት ብልቓሕ ምስ ክለብ ቦርንማውዝ ክጸንሕ ምዃኑ ክግለጽ ከሎ፤

ሓላዊ ልዳት ፔትሮቪች ድማ ብተመሳሳሊ ብናይ ሓደ ዓመት ልቓሕ ናብ ስትራስበርግ ንምጽንባር ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ምግባር ዝርከብ ተገሊጹ ፤

ኣሰልጣኒ ኤንዞ ማሬስካ ንሮበርት ሳንቸዝ ኣብዚ ዓመተ-ስፖርት ቁጽሪ ሓደ ሓላዊ ልዳት እታ ክለብ ጌሩ ክጥቀመሉ ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሉዝ ካብ ትውንኖም ሸሞንተ ሓለውቲ ልዳት እቶም ሽዱሽተ ምስ ቀዳመይቲ ጋንታ ክለብ ቸልሲ ምጽንባራ ብተወሳኺ ተፈሊጡ ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS ኣዝማሪኖ PRESS

👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ሓድሽ ፈራሚ ዘሎስ ብላንኮስ  ብራዚላዊ  ኣንድሪክ ንክለብ ሪያል ማድሪድ  ፈላሚት ሸቶኡ  ንምምዝጋቡ ስዒባ ፡ ማድሪድ  ንናይ ቅደም ክለብ እቲ ተጻዋታይ ዝኾነት ክለብ  ፓልሜራስ ገንዘብ ክት...
28/08/2024

ሓድሽ ፈራሚ ዘሎስ ብላንኮስ ብራዚላዊ ኣንድሪክ ንክለብ ሪያል ማድሪድ ፈላሚት ሸቶኡ ንምምዝጋቡ ስዒባ ፡ ማድሪድ ንናይ ቅደም ክለብ እቲ ተጻዋታይ ዝኾነት ክለብ ፓልሜራስ ገንዘብ ክትከፍላ ምዃና ተሓቢሩ ።

ወድ 18 ዓመት ኤንድሪክ ናይ መጀመርታ ናይ ላሊጋ ሸቶኡ ኣንጻር ሪያል ቫላዶሊ ተቐይሩ ብምእታው ኣብ 96' ድሕሪ ምምዝጋቡ ዘሎስ ብላንኮስ ነዛ ዝተመዝገበት ሸቶ ንክለብ ፓልሜራስ 35 ሽሕ ዩሮ ክከፍሉላ ምዃኖምን ፤ብተወሳኺ
እቲ ተጻዋታይ ኣብ ዝቕጽል ጸወታታት ሸቶ እንተድኣ ኣመዝጊቡ፡ ማድሪዳውያን ንሓንቲ ሸቶ ብሕሳብ 35 ሽሕ ዩሮ ንፓልሜራስ ክኸፍሉ ዘገድድ ስምምዕ ኣብ ውዕል ክልቲአን ክለባት ተጻሒፉ ከምዝርከብ'ዩ ተገሊጹ።

ክሳዕ መዓስዩ ግን እዚ ውዕል ዝጸንዕ
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
ብመሰረት ውዕል ክልቲአን ክለባት ኤንድሪክ ኣብ ዘመዝገባ ነፍስ ወከፍ ሸቶ ፣ ክለብ ሪያል ማድሪድ 35 ሽሕ ዩሮ ንክለብ ፓልሜራስ ንኽትከፍል ከም እትግደድ ክግለጽ ከሎ ፣
እዚ ስምምዕ እቲ ተጻዋታይ ብማልያ ዘሎስብላንኮስ 25 ሸቶታት ክሳዕ ዘመዝግብ ከምዝጸንዕዩ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ክለብ ፓልሜራስ ካብ ads on ጥራይ12.5 ሚልዮን ዩሮ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር 😎 Яєαℓ вυѕιииєѕ

(ንፋይናንሻል ኣድቫይዘር ፓልሜራስ ግን ዘብሉስ እነተዘፈርምዎ ዶ ምሓሸ ?🤔

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ናብ ክለብ ሊቨርፑል ንምጽንባር ሕክምናዊ መርመራ ጥራይ ተሪፉዎ ዝርከብ ኢጣልያዊ ኣጥቃዓይ ፈደሪኮ ኬሳ፡ በዚ መስርሕ ዝውውር ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።ተጻዋታይ ሊቨርፑል ብምዃነይ ፡ ኣዝየ ሕጉስ እ...
28/08/2024

ናብ ክለብ ሊቨርፑል ንምጽንባር ሕክምናዊ መርመራ ጥራይ ተሪፉዎ ዝርከብ ኢጣልያዊ ኣጥቃዓይ ፈደሪኮ ኬሳ፡ በዚ መስርሕ ዝውውር ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።

ተጻዋታይ ሊቨርፑል ብምዃነይ ፡ ኣዝየ ሕጉስ እየ፡ስድራቤተይውን ኣዝዮም ሕጉሳት'ዮም" ብምባል በቲ መስርሕ ዝውውር ንዘለዎ ዕጋበት ዝገለጸ ፈደሪኮ ኬሳ ናይ ንእስነት ሕልሙ ናብ ጋህዲ ንምቕያር ንዝሓገዝዎ ሓለፍተትን ደገፍትን ክለብ ጁቬንቱስን " ንዓይ ኩሉ ግዜ ፍሉያት እዮም ነይሮም፡ ብምባል ኣመስጊኑ '' ።

ሊቨርፑላውያን ከመይ ሪኣኹማ ንዓይ trust me ኣብዚ 4 ዓመት እዛ ክለብ ካብ ዘፈረመቶም ተጻወቲ ብጽሬቱ ዘርክቦ ዘሎ ተጻዋታይ ዘሎ ኣይመስለንን ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ናይ ቻምፕዮን ሺፕ ክለብ በርንሊ ንቱኒዝያዊ ኣከፋፋሊ ሃኒባል መጅብሪ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዘፈረመቶ ብወግዒ  ኣፍሊጣ።  ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ ካብ ዝውውር ናይዚ ተጻዋታይ ትሽዓተ ሚልዮን...
28/08/2024

ናይ ቻምፕዮን ሺፕ ክለብ በርንሊ ንቱኒዝያዊ ኣከፋፋሊ ሃኒባል መጅብሪ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዘፈረመቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ ካብ ዝውውር ናይዚ ተጻዋታይ ትሽዓተ ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ናይ ዝውውር ሕሳብ ከምዝተቐበሉ ክግለጽ ከሎ ብዘይካዚ ዩናይትድ ካብ መጻኢ መሸጣ ናይዚ ተጻዋታይ ሓምሳ ሚእታዊት ክትረክበሉ ዘኽእላ ስምምዕ ኣብቲ ውዕል ከምዘእተወት ተገሊጹ።

ወዲ 21 ዓመት ኣከፋፋሊ ሃኒባል ማጅብሪ ዝሓለፈ ዓመተ-ስፖርት ብልቓሕ ኣብ ክለብ ሰቪያ ከም ዘሕለፈ ይፍለጥ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ተቐይሩ ናብ ሜዳ ብምእታው ምስ ክለብ ባርሰሎና ናይ መጀመርታ ናይ ላሊጋ ጸወትኡ ዘካየደ ዳኒ ኦልሞ  ንመዐወቲት ሸቶ ባርሳ  ኣመዝጊቡ ። ኣባል ናይታ ኣብ 20023/24 ዋንጫ ኤውሮጳ ዝተዓተ...
28/08/2024

ተቐይሩ ናብ ሜዳ ብምእታው ምስ ክለብ ባርሰሎና ናይ መጀመርታ ናይ ላሊጋ ጸወትኡ ዘካየደ ዳኒ ኦልሞ ንመዐወቲት ሸቶ ባርሳ ኣመዝጊቡ ።

ኣባል ናይታ ኣብ 20023/24 ዋንጫ ኤውሮጳ ዝተዓተረት ሃ/ ጋንታ ስፔን ዝነበረን ከምኡውን ኣብቲ ውድድር ብዘንጸባረቖ ብቕዓት ኣብ ዓይኒ ዓበይቲ ክለባት ክኣትው ካብ ዝኸኣሉ ተጻወቲ ሓደ ዳኒ ኦልሞ፡ ኣብ ናይዚ ክራማት መስኮት ዝውውር ተጻወቲ ስሙ ምስ ዝተፈላለያ ክለባት ወላኳ ክለዓል እንተጸንሐ ንሱ ግን ምርጭኡ ፡ ነዛ ካታሎንያዊት ክለብ ምግባሩ ይፍለጥ ።

ሎሚ ባርሳ ነቲ ተጻዋታይ ኣብ ፔሮል ላሊጋ ከምዘመዝገበቶ ንምግላጻ ስዒቡ ፤ ናይ መጀመርታ ናይ ላሊጋ ጸወትኡ ኣንጻር ራዮ ቮልካኖ ዘካየደ ኦልሞ ኣብ 2ይ እብረ ናይቲ ጸወታ ተቐይሩ ብምእታው ኣብ መበል 82 ደቒቕ ካብ ላሚን ያማል ብዝረኸባ ኩዕሶ ንመዐወቲ ሸቶ ባርሳ ከመዝግብ ክኢሉ ። (ያማል 2 laliga ጸወታ 1 G &2A)

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ንመበል 899 ሸቱኡ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ሎሚ ዘመዝገበ  ክርስትያኖ ሮናልዶ  ነዛ ናይ ሎሚ ሓዊስካ ብጠቕላላ 64  ቅላዕ መቕጻዕትታት በእግሪ 𝙘𝙧7 ናብ ሸቶ ተቐይረን ኣለዋ  ።𝙬𝙝𝙖𝙩 𝙖 🐐 👌...
27/08/2024

ንመበል 899 ሸቱኡ ብቕላዕ መቕጻዕቲ ሎሚ ዘመዝገበ ክርስትያኖ ሮናልዶ ነዛ ናይ ሎሚ ሓዊስካ ብጠቕላላ 64 ቅላዕ መቕጻዕትታት በእግሪ 𝙘𝙧7 ናብ ሸቶ ተቐይረን ኣለዋ ።
𝙬𝙝𝙖𝙩 𝙖 🐐 👌👌👌

ስዑዲ ዓረብያዊት ክለብ ኣል-ሂላል ንፖርቱጋላዊ ተኸላኻላይ ጃኦ ካንሰሎ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ከምዘፈረመቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ።   ሲቲዘንስ ካብዚ ዝውውር ናይዚ ተጻዋታይ ጹሩይ  €25𝕞 ፓውንድ ና...
27/08/2024

ስዑዲ ዓረብያዊት ክለብ ኣል-ሂላል ንፖርቱጋላዊ ተኸላኻላይ ጃኦ ካንሰሎ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ከምዘፈረመቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ሲቲዘንስ ካብዚ ዝውውር ናይዚ ተጻዋታይ ጹሩይ €25𝕞 ፓውንድ ናብ ማሕፉዶኦም ከምዘእተዉ ክግለጽ ከሎ ብተወሳኺ ጃይ ካንሰሎ ዓመታዊ 15 ሚልዮን ዩሮ ብክለብ ኣል-ሂላል ንክኽፈል ኣብታ ክለብ ንሰለስተ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል ከም ዝፈረመ ተገሊጹ ።

ጋይስ 😎ጓርድዮላ ንዘጸልኦ ተጻዋታይ ከመይ ጌሩ ከም ዝቐትሎ ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጥ ይመስለኒ ! ካልእ መን ትዝክሩ ብሰንኪ ምስ ፔፕ ዘይምስምምዑ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዕምሩ ዘሕጸረ ተጻዋታይ ? ሓደራ ስተርሊንግ ከይትብሉ ?

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኣብ  ኦሎምፒክ ፓሪስ ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቴብል ቴኒስ ንሃገሮም ሰሜን ኮርያ ብምውካል ብሩር መዳልያ ዘምጽኡ ስፖርተኛታት ናይታ ሃገር ብመንግስቲ  ሰሜን ኮርያ ንክቕጽዑ ጉዳዮም ይምርመር...
27/08/2024

ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቴብል ቴኒስ ንሃገሮም ሰሜን ኮርያ ብምውካል ብሩር መዳልያ ዘምጽኡ ስፖርተኛታት ናይታ ሃገር ብመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንክቕጽዑ ጉዳዮም ይምርመር ከምዘሎ ተገሊጹ ።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ስፖርተኛታት ሃገሩ ምስ ስፖርተኛታት ደቡብ ኮርያ ፍሽኽታ ብዝተመልአ ሰልፊ (ስእሊ ) ድሕሪ ምውሳዶም ንጉዳዮም ብዕቱብ ብምሓዝ መርመራ ይገብር ምህላውዩ ተፈሊጡ ።

ብኪም ጆንግ ኡን ዝምራሕ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ፡ ንኩሎም ስፖርተኛታት እታ ሃገር ናብ ፓሪስ ኣብ ዘቕንዑሉ እዋን ንስፖርተኛታት ደቡብ ኮርያ ሓዊስካ ካብ ዝኾነት ሃገር ምስ ዝመጹ ስፖርተኛታት ንከይዛረቡ ሓያል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉሎም ከምዝነበረ'ዩ ተገሊጹ፤

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ድኹም ብቕዓት ንዘንጸባረቑ ስፖርተኛታት ሰሜን ኮርያ ከምዝተቐጽዑን ፡ ሃገራዊ ግዴታኹም ብዝግባእ ኣይፈጸምኩምን ተባሂሎም ብመንግስቲ እታ ሃገር ነጻ ናይ ጉልበት ስራሕ (ሚነዋለ) ክሰርሑ ከም መቕጻዕቲ ከምዝተበየነሎም ይዝከር ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ኣከፋፋሊ ናይ ሰሜን ለንደናዊት ክለብ ኣርሰናል ፋብዮ ቬራ ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘይብሉ ለቓሕ ምስ ፖርቱጋላዊት ክለብ ፖርቶ ከምዝተጸንበረ ተገሊጹ።  ወዲ 24 ዓመት ፋብዮ ቬራ፡ ክሳዕ መወዳ...
27/08/2024

ኣከፋፋሊ ናይ ሰሜን ለንደናዊት ክለብ ኣርሰናል ፋብዮ ቬራ ናይ ምግዛእ ኣማራጺ ብዘይብሉ ለቓሕ ምስ ፖርቱጋላዊት ክለብ ፖርቶ ከምዝተጸንበረ ተገሊጹ።

ወዲ 24 ዓመት ፋብዮ ቬራ፡ ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ-ስፖርት ብልቓሕ ምስ ናይ ቀደም ክለቡ ነበር FC PORTO ከምዝጸንሕ ክግለጽ ከሎ ምስኣ ኣብዝጸንሓሉ ግዜ ክለብ ፖርቶ ንሙሉእ ደሞዝ ናይቲ ተጻዋታይ ከምትሽፍን ብተወሳኺ ተገሊጹ ።

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

ናይ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክርስትያኖ ሮናልዶ ጽባሕ ሓሙስ ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ፍሉይ ሽልማት ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሮናልዶ ኣብቲ ዝመጽእ ሓሙስ ...
27/08/2024

ናይ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ክርስትያኖ ሮናልዶ ጽባሕ ሓሙስ ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ፍሉይ ሽልማት ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሮናልዶ ኣብቲ ዝመጽእ ሓሙስ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣብ ዝርከብ መስርሕ ዕጫ ምውዳቕ ንግጥማት ሻምፕየንስ ሊግ ኤውሮጳ ንሽልማቱ ካብ ኢድ ፕረዚደንት ዩዌፋ ኣሌክሳንደር ሰፈሪን ክቕበል ምዃኑ ኣዩ ተፈሊጡ ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዘካየዶ 183 ጸወታታት 140 ሸቶታት ብምምዝጋብዩ ናይዚ ውድድር ናይ ወትሩ ዝበዝሐ ኣመዝጋቢ ሸቶ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሰቨን ጎራን ኤሪክሰን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ!  ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ነበር ስቨን ጎራን ኤሪክሰን ኣብ መበል 76 ዓመቱ ብሕማም ካንሰር ቅድሚ ሒደት ሰዓታት  ምዕራፉ ተገሊጹ...
26/08/2024

ሰቨን ጎራን ኤሪክሰን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ!

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ነበር ስቨን ጎራን ኤሪክሰን ኣብ መበል 76 ዓመቱ ብሕማም ካንሰር ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ምዕራፉ ተገሊጹ።

ንክለብ ሊቨርፑል ምስልጣን ናይ ወትሩ ሕልሙ ምዃኑ ደጋጊሙ ክዛረብ ዝስማዕ ኤሪክሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣታዊኡ ንግብረ ሰናይ ትካላት ኣብ ዝተገብረ ጸወታ ንገዳይም ተጻወትቲ ሊቨርፑል ነበር መሪሑ ኣንጻር ኣያክስ ብምግጣም ሕልሙ ህያው ምግባሩ ይዝከር ።

ስቨን ጎራን ኤሪክሰን ብዘይካ ሃ/ጋንታ እንግሊዝ ንክለባት ማንቸስተር ሲቲ፡ ሌስተር ሲቲ፡ ሮማን ላዝዮን ሓዊሱ ንዓሰርተ ክልተ ክለባት ብምዕላም 18 ዋንጫታት ዘልዓለ ምኩር ኣሰልጣኒ ምዃኑ ይፍለጥ።
R.I.P

ኣባላት ናይጀርያዊት ክለብ Heartland FC ናብ ካልእ ከተማ ንጸወታ ኣብ ዞኸዱሉ እዋን ከቢድ ሓደጋ መኪና ከምዘጋሞም ማዕከናት ዜና ናይጀርያ የገልጻ ኣለዋ ።  ኣብቲ ሓደጋ ኣሰልጣኒ ናይ...
24/08/2024

ኣባላት ናይጀርያዊት ክለብ Heartland FC ናብ ካልእ ከተማ ንጸወታ ኣብ ዞኸዱሉ እዋን ከቢድ ሓደጋ መኪና ከምዘጋሞም ማዕከናት ዜና ናይጀርያ የገልጻ ኣለዋ ።

ኣብቲ ሓደጋ ኣሰልጣኒ ናይታ ክለብ ብኡንብኡ ሂወቶም ክትሓልፍ ከላ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ተጻወትቲን ኣባላትን ናይታ ጋንታ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦምከም ዝርከቡ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

➙ [TRAFRICA]

ኣብ ጸወታታት ካልኣይ ሰሙን መደብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ብራይተን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2ብ1 ተሳዒራ ። ➺ዳኒ ዌልቤክን ፡ ጃኦ ፔድሮን ንመዐወቲ ሸቶታት ብራይተን...
24/08/2024

ኣብ ጸወታታት ካልኣይ ሰሙን መደብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ብራይተን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2ብ1
ተሳዒራ ።

➺ዳኒ ዌልቤክን ፡ ጃኦ ፔድሮን ንመዐወቲ ሸቶታት ብራይተን ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ኣማድ ዲያሎ ድማ ካብ ስዕረት ንዘየናገፈት ሸቶ ዩናይትድ ኣመዝጊቡ።

✴️ ኣብዚ ጸወታ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ዳኒ ዌልቤክ ኣብልዕሊ ናይ ቀደም ክለቡ 5 ሸቶታት ዘመዝገበ ናይ መጀመርታ ተጻዋታይ ኮይኑ።

➙ ወዲ 31 ዓመት መንእሰይ ኣሰልጣኒ ብራይተን ፋብያን ሁርዝለር ፡ ንክለብ ብራይተን ሒዙ ኣብ ዘካየዶ ክልተ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ 6 ነጥቢ ከመዝግብ ዝኸኣለ ብዕድመ ዝነኣሰ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ።

👉 ኣብ ታሪኸ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ዝገጠመተን ክለባት ብሚእታዊት ክረአከሎ ክለብ ብራይተን ዝበዝሐ
ስዕረት ዘመዝገበትላ ክለብ ኮይና ተመዝጊባ ትርከብ ( 47% )
(ኣብ ርክብ ክልቲአን ክለባት ኣብ ፕረሚየርሊግ ጸወታ ብ47%ስዕረት ዩናይትድ ይዛዘም ኔሩ ማለትዩ )

➙ ካብ ምጅማር ዓመተ ስፖርት 2022/23 ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ 90 ደቓይቕ ኣብ ፕሪምየር ሊግ 6 ሸቶታት ኣብ ልዳታ ክተአንግድ ከላ፤ እዚ ድማ ካብ ዝኾነ ጋንታ ንላዕሊ ድሕሪ 90' ዝበዝሐ ጎል ዘአንገደት ክለብ ይገብራ።

➙ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ቴን ሃግ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ካብ ዘካየደቶ ጸወታታት ኣብ

- 17 😳❌ ስዕረት ኣመዝጊባ
- 16 ዓወታት
- 6 ማዕረ

Next Match :-

ማንቸስተር ዩናይትድ VS ሊቨርፑል

ኣርሰናል VS ብራይተን

ተወሳኺ ስፖርታዊ ዜናታትን ትንታነን ንምርካብ
👇
FB : ኣዝማሪኖ PRESS
👇
https://www.instagram.com/azmarinopress_1

Address


Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኣዝማሪኖ PRESS posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ኣዝማሪኖ PRESS:

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share