ሃገረ ትግራይ The State Of Tigrai

  • Home
  • ሃገረ ትግራይ The State Of Tigrai

ሃገረ ትግራይ The State Of Tigrai መራከቢ ኤጀንሲ ሓፊሾ ትግራይ

 #ዝኽሪ ሰማእታት!!============ #ህዝቢ ከተማ  #ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣብ ድሮ መርድእን ብሄራዊ ሓዘንን ኒሕን ሓቦን ብዘስንቅ ዝኽሪ ስማእታት ናይ ጥዋፍ ምውላዕን ናይ ሕልና ፀሎትን ...
13/10/2023

#ዝኽሪ ሰማእታት!!
============

#ህዝቢ ከተማ #ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣብ ድሮ መርድእን ብሄራዊ ሓዘንን ኒሕን ሓቦን ብዘስንቅ ዝኽሪ ስማእታት ናይ ጥዋፍ ምውላዕን ናይ ሕልና ፀሎትን ፕሮግራም ኣካይዶም ኣለው!!!

#ስውኣትና ብሰላም ዘርፉ!!

#ፎቶ ኣማኒኤል ጫካ!!

14/07/2023
እዛ ትምልከትዋ ዘለኹም ካብ ዓብዪ ዓዲ ናብ ወርዒ --> ማይቅነጣል መንገዲ ዘይተፈንጀረት ዝተቀበረት ቁምቡላ እያ: እሞ ኸዓ መኻይን ይመላለሳላ እየን ዝውዕላ: ህዝቢ ቅድሚ ምውዳኣ ዝምልከቶ ...
24/04/2023

እዛ ትምልከትዋ ዘለኹም ካብ ዓብዪ ዓዲ ናብ ወርዒ --> ማይቅነጣል መንገዲ ዘይተፈንጀረት ዝተቀበረት ቁምቡላ እያ: እሞ ኸዓ መኻይን ይመላለሳላ እየን ዝውዕላ: ህዝቢ ቅድሚ ምውዳኣ ዝምልከቶ ኣካል ብቅልጡፍ ክትፅረግ ክገብር ኣለዎ።

photo ኣዝመራ ገብረፃድቅ

29/08/2022

😂

ኻሊእ መልክዕ Genocide (መሕመምቲ ታሪኻት ትግራይ)፡1- ኣዶ ንደቃ እተብልዖም ብምስኣና ደቃ ኣብ ቅድሚ ዓይና ብጥምየት ክሕለቡ ምርኣይ ኸቢድዋ ባዕላ ኣጥፊኣ።2- ኣብ ቃልሲ ብኸቢድ ተወ...
30/07/2022

ኻሊእ መልክዕ Genocide (መሕመምቲ ታሪኻት ትግራይ)፡

1- ኣዶ ንደቃ እተብልዖም ብምስኣና ደቃ ኣብ ቅድሚ ዓይና ብጥምየት ክሕለቡ ምርኣይ ኸቢድዋ ባዕላ ኣጥፊኣ።

2- ኣብ ቃልሲ ብኸቢድ ተወቂዑ ቆሲሉ ናብ ገዝኡ ዝተመለሰ ተጋዳላይ ምኽንያቱ ብለይፍለጥ ንባዕሉ ኣጥፊኡ።

3- ሰራዊት ኤርትራ ዝደፈርዋ ንዓርከይ ዓባይ ሓፍቱ ብሰንኪ እቲ ዝበፅሓ ጥቅዓት ባዕላ ኣጥፊኣ።

4- እዚ ኣብ ታሕቲ ለሎ ምስሊ ድማ ብ16 ጉንበት 2014ዓ/ም ኣብ ቅፅሪ ኣብርሃ ካስትል (መቐለ) ባዕሉ ዘጥፈአ ኣቦ እዩ።

09/05/2022

ከመይ ቀኒካትኩም
ተመሊስና ኣለና!

17/02/2022

እንካዕ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ኣብፃሓኩም ኣብፀሓና ንኩሉኩም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን!!

TDF+Uzi 💪💪
13/02/2022

TDF+Uzi
💪💪

07/02/2022
https://twitter.com/i/spaces/1yNxaYevQEdxj ናብዚኣ እስከ እተው challenge እኒኣ🙏😍ተጋሩዋኒ ኩሉኩም ዕዱማት ጥራሕ ዘይኮንኩምስ ግዴታን ዕዮን እንሄና❤️💪
05/02/2022

https://twitter.com/i/spaces/1yNxaYevQEdxj
ናብዚኣ እስከ እተው challenge እኒኣ🙏😍
ተጋሩዋኒ ኩሉኩም ዕዱማት ጥራሕ ዘይኮንኩምስ ግዴታን ዕዮን እንሄና❤️💪

GebreKrstos’s space · 1.3K listening · Where live audio conversations happen

04/01/2022

TDF መቐለ ክቆፃፀር ከሎ USA ኣብ ትግራይ transitional government ተፀብያ ነይራ።

TPLF እዉን ናይ ideology ለዉጢ ክገብር ተፀብዮም ነይሮም። ካብ Communist more liberal ንክኸዉን። TPLF ግን ቤሄርተኛ ስለዘይኮነ ናቱ Ideology ዓቂቡ ጎኒንጎኒ ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይ እዉን ይቃለስ። በዙሕ ዋጋ ብዘኽፍል መንገዲ።

ሕብረት ኣዉሮፓ ድማ ዘጨንቆም እቲ ዉግእ ከይሰፍሕ እሞ ብዙሕ ስደተኛ ከይመፆም ጥራሕ እዩ። እቲ ዉግእ ኣብ ትግራይ ንንዉሕ ዝበለ ግዜ ዋላ እንተዝቅፅል ብዙሕ ዘጨንቆም ኣይኮነን።

TPLF ንፁር መርገፂ ስለዘይብሉ USA ክትሕግዘና ኣይከኣለትን። ግብፅን ሱዳንን ክሕግዛና ዝኽእላ ናፅነት እነተኢልና ጥራሕ እዩ። ግብፂ እነተደጊፋትካ ዓረብ ሊግ influence ብምግባር ንUAE, Turkey and Somalia ጠጠዉ ክተብለን ትኽእል እያ። ሰዳን ደማ directly ትሳተፍ። USA እዉን ንግብፂ ክትብል ከምኡዉን USA በጀካ ናይ TPLF Ideology ትግራይ ዘይትሕግዘሉ ምኽንያት የብላን።

Now ትግረይ ኣንፃር ኢትዮጱያ፣ ኣምሓራ፣ ህግደፍ፣ ኢራን ፣ ቱርኪን ሀAEን በይና ትቃለስ ኣላ። ከምኡ እዉን ቻይናን ሩስያ veto power ተጠቂመን ዉሳነ ከይሓልፍ ይገብራ።

USA and EU ድማ ንትግራይ ምንም ኣብ ዘይሕግዙዋ ሓገዝታ ንኽመስሉ "we are concerned" ይብሉ። ከምኡ ክብሉ ከለዉ ቻይና and ሩስያ ንኢትዮጱያ ብግብሪ ይሕግዘኣ።

ግብፅን ሱዳንን ድማ ንትግራይ ክጠቅማኣን ክትጠቕመንን እናተኽኣለ neural ኮይንነ ኣለዋ።

እዘን ክልተ ሃገራት ንትግራይ ምንም ዘይገበራላ እናሃለዋ ኢትዮጱያ ንትግራይ ይሕግዛ ከምዘለዋ ኣምሲላ ህዝቢ መለዓዓሊ ትጥቀመለን።

ክሳብ ሐዚ ዝተረኸበ ዓወት ብህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ጥራሕ አዩ። እቲ መሪሕነት ግን ፀገሙ ይመርምር።

ንTPLF ህዝቢ ትግራይ ይፅለኣዮ ይፍተዎ ብዘየገድስ ኣብ ዓለም ደጋፊ ዘይብሉ ዉድብ እዩ። ስለዚ ተቃወምቲ ናብ ስልጣን ምሕዋስ,ፐPLF forces ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ይዉፅኡ ዘይኮነ ዝበሃልስ Tigray defence forces ይበሃል። እዚ እንተገይርና ሃገራት ምሳና alliances ንኽፈጥራ ዕድል ይህብ። After strategic alliance military technology ንረክብ፣ future strategic and economic importanceና እዉን ንኽሪኣ ዕድል ይፍጠር።

TPLF General assembly ፀዊዑ ናይ ርእዮተ ዓለም ምምሕያሽ ይግበር።ንEmpire ዝወፀ ርእዮተ ዓለም may not be the best for nation state.

Then ሓድሽ መንግስቲ ይመስረት and the war is not between The Ethiopian government and TPLF. It is Ethio Tigray war.

ዝተመረፀ መንግስቲ ገለ ዝበሃል ኣይሰርሕን። ህልዉና ትግራይ vs keeping ዝተመረፀ መንግስቲ

ህልዉና ትግራይ!!!

ግድቡ ተሽጧል፣ ቴሌ ተሽጧል እናበለ ምሰ USA and ግብፂ ዘፃብእ ፖለሲ TPLF ንትግራይ ኣየድልያን።

እቲ ዋና ነገር ምንቲ ክንህሊ ምስ ምዕራባዉያን ኣብ ዘቀራርበና ንስራሕ። TPLF ዝብል ንሕና ንፍተዎ ንፅለኣዮ ዓለም ከምዝፈንፈነቶ ክንፈልጥ ኣለና።

ኣብ ዲኘሎማሲ matter ዝገብር ዓለም ከመይ ትርደአካ እዩ።

ህዉሓት ካብ ስሕታ ክትምሃር ኣለዋ።

ብቅልፅምና ዝበሃል ነገር ከምዘሎ ኾይኑ ዲፕሎማሲ እዉን የድልየና እዩ።

ኢትዮጱያ ኩሉ ዝፃወተላ እንዳ ጉሓፍ እያ። ነዚ እዉን ኢትዮጱያ ብዙሓት ሃገራት ዓዲማ ኣላ ። ትግራይ ነዚ ዝገብር ብጥቅሙ ዘይደራደር መራሒ የድልያ። ዕጡቓት Houthi የመን ድሮን ወኒኖም ኣለዉ። ሕወሓት ግን መንግስቲ እየ በሃላይ እዩ ግን ?

ኢራን ንዑጡቓት የመን ትሕግዝ UAE ድማ ንመኝግስቲ የመን። ኣብ ትግራይ በፂሐን ግን ሓደ ኮይነን ኣንፃርና ኮይን ኣለዋ። ንምንታይ??

ህዝብን ሰራዊትን ስርሑ successfully እናፈፀመ እዩ። እቲ መሪሕነት ግን ዕንቅፋት ይኸዉን ኣሎ። ፀገሙ ይመርምር። just now. ግዚኡ ሐዚ እዩ።

 #ልዕሊ 6,000  ተወለድቲ ትግራይ   #አብዓላ/ሽኸት  መብዛሕትኦም ደቂ አንስትዮን ህፃውንት ዝኾኑ ተሓፊሶም ናብ  ደቡባዊ  ዓፋር ሳመራ ተወሲዶም አብ  ካምፒ ከምዝዳጎንዎምን ብዙሕ ማሕሰ...
03/01/2022

#ልዕሊ 6,000 ተወለድቲ ትግራይ #አብዓላ/ሽኸት መብዛሕትኦም ደቂ አንስትዮን ህፃውንት ዝኾኑ ተሓፊሶም ናብ ደቡባዊ ዓፋር ሳመራ ተወሲዶም አብ ካምፒ ከምዝዳጎንዎምን ብዙሕ ማሕሰይቲ ከም ዝበፅሖም ዘሎን ይግለፅ ኢሎ ንህዝብና ድምፂ ነኹኖም 🙏

18/12/2021

መግለጺ ስእሊ,
ዕዱማት ምረቓ መፅሓፍ መምህር ገብረኪዳን
ዘሰክፋ ዓንቀፃት
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ምሁር ታሪኽ ሳሙኤል ኪዳነ ብወገኖም ነቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታሙ ከምዝገምገሙዎ ይገልፁ።
ብዛዕባ ሃፀይ ምኒሊክ ምስ ጥልያን ኣብ ውዕል ፈረስማይ ዘካይድዎ ስምምዕ ኣመልኪቶም ድማ ብኽልተ ገፁ ፈላልዮም ኣቕሪቦምዎ።
"ብልሒ ሃፀይ ምኒሊክ ተባሂሉ ክጥቀስ ካብ ዝግበኦ ሓደ ነጥቢ፥ ጥልያን ዝደልዮ ዝነበረ ዕድል ኣይሃብዎን። ጥልያን ኣብ ዕርዱ ኰይኑ ንዝመፅኦ እናተኸላኸለ ክስዕር እዩ ደልዩ ነይሩ። እዚኣ ድማ ውፅኢታዊት ኣይኰነትን።" ይብሉ።
ካብዚ ወፃኢ ግና ጣልያንን ኢትዮጵያን ከምቲ ብልሙድ ዝዝረብ ብዓንቀፅ 17 ከምዘይተበኣሳ የረድኡ።
"እቲ ቐንዲ ኣብ ዓንቀፃት ሰለስተን ኣርባዕተን ዝሰፈረን ሃፀይ ምኒሊክ ኣብ መረብ ምላሽን ኣብታ ናይ ሎሚ ትግራይ ዝነበረ ህዝቢ ተፈላልዩ ንኽነብር ዝነበሮም ድልየት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ድማ ህረፍ ስልጣን ዝወለዶ ፀገም እምበር ክልቲኡ ህዝቢ ነንበይኑ ነይሩ ዝብል ታሪኻዊ መርትዖ ወይ ድማ ጭብጢ የብሉን" ኢሎም።
እቲ መፅሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ ተሰናዲኡ፤ብኣምሓርኛ ዝተፀሓፈሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ "ዝበዝሕ ኢትዮጵያዊ ከንብቦን ክርደኦን ይኽእል እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ እየ ፅሒፈዮ" ብምባል መልሲ ሂቦም መምህር ገብረኪዳን።
እቲ መፅሓፍ 542 ገፅ ኣለዎ፤ ኣብ 19 ምዕራፋት ዝተመደበ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ንንባብ ተባፂሑ'ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብትካል ኣከፋፋሊ መፅሓፍቲ ሜጋ ኣቢሉ ናብ መላእ ሃገር ከምዝባፃሕ ተፈሊጡ'ሎ።
መምህር ገብረኪዳን ደስታ ቅድሚ ሎሚ ብኣምሓርኛ ብ1998 ዓ.ም "የትግራይ ህዝብና የትምክህተኞች ሴራ ከትላንት እስከ ዛሬ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝፀሓፍዎ ብስፍሓት ዝተባፀሐን ብዙሕ ዘካተዐን መፅሓፍ ምንባሩ ይዝከር።
ብድሕሪኡ እውን ብ2005 ዓ.ም "እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ፥ታሪኽ ዘበነ መዋእል ሃፀይ ዮሃንስ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ" ዝብል ስያመ ዝሓዘ መፅሓፎም እውን ፅሒፎም።
መምህር ገብረኪዳን ብተወሳኺ ንዕብየት ቋንቋን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ዝሕግዙ "ፅውፅዋይ ትግርኛን መቐረት ምስላታት ትግርኛ" ዝብሉ ክልተ ስነ ቃላዊ መፅሓቲ ትግርኛ እውን ፅሒፎምን ኣሐቲሞምን እዮም።
#ትግራይ

18/12/2021

መግለጺ ስእሊ,
2 መጋቢት 2018
መምህር ገብረኪዳንን ዕዱም በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዳዊት ገብረ እግዚኣብሄርን
"ከመይ እንተበልካ" ክብሉ ይሓቱ ፥ "ከመይ እንተበልካ ንጉስ ኡምቦርቶ እንተይተዋገአ መረብ ምላሽ ረኺቡ፤ ሃፀይ ምኒሊክ ድማ ዓንቀፅ 17 ተሰሪዙሎም" ብምብል መደምደምታ ይህቡ።
"ንሕና ፍርቂ ጎንና ኢና ተቘሪፅና" ዝበሉ መምህር ገብረኪዳን ካብ ዘመነ ደኣማት፣ ዘመነ ኣግኣዝያን፣ ካብ ዘመነ ኣክሱማዊት መንግስቲ ኣትሒዙ ቀይሕ ባሕርን ኣዶሊስን ሒዙ ን3000 ዓመታት ዝነበረ ህዝቢ ቆሪፁ ንጥልያን ዘረከበ እዩ ብምባል ይትንትኑ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ምሁር ታሪክ ዶክተር ፀጋይ በርሀ ሓደ ካብቶም ነቲ መጽሓፍ ዝገምገሙ ምሁራት እዮም።
"እቲ መጽሓፍ ሓደ ጥንኩር ጎኑ ዝረኣናዮ ቅድሚ ሕዚ ብልሙድ ኲናት ዓድዋ ብውዕል ኣዲስ ኣበባ ከምዝተዛዘመ ተገይሩ ይውሰድ ነይሩ። ሕዚ መምህር ገብረኪዳን ዘቕረብዎ መርትዖ ኲናት ዓድዋ ዝደምደመ ብሚስጢር ተታሒዙ ዝፀነሐ ውዕሊ ፈረስማይ እዩ" ይብሉ።
"እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ውዕል ነዚ እዩ ኣጠናኺሩ። ስለዚ እቲ ኲናት ዝተዛዘመ መጋቢት 8 1888 ኣብ መንጎ ምኒሊክን ጥልያንን ብዝተኻየደ ውዕሊ ፈረስማይ ምዃኑ ተረጋጊፁ'ሎ" ኢሎም ዶክተር ፀጋይ።
ከመይከ ንዳንዮም?
ብኻልእ ገፅ ዶክተር ፀጋይ ዝሓለፉ ንጉሳት ክንዳንዮም እንተለና ብናይ ሎሚ ፍልጠት፣ቴክኖሎጂን ስልጣነን ንድሕሪት ተመሊስና ንምዝነሉ ኣከያይዳ ብዓይኒ ገምጋም ታሪኽ ጌጋ ከይንፍፅም ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።
"ሓደ ሰብ ብዋናነት ክምዘነሉ ዝግበኦ በቲ እዋን ዝነበረ ኩለመዳያዊ ባህሪ፣ ኣተሓሳስባ፣በቲ እዋን ዝነበረ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወሃቦ ቦታ እዩ ክግምገም ዘለዎ።" ይብሉ።
ንኣብነት ሃፀይ ቴድሮስ፣ሃፀይ ዮሃንስን ሃፀይ ምኒሊክን ውፅኢት ዘመነ መሳፍንቲ ምዃኖም ወሲኾም እዛረቡ።
"ኣብቲ እዋን ንወፃእተኛ ሓይሊ ከም ሓደ ፍልፍል ስልጣን ደኣ'ምበር ከም ሓደጋ ናፅነትን ሉኣላውነትን ሃገር ተገይሩ ኣይውሰድን ነይሩ። ከም ከባብያዊ መስፍን ኰይንካን ከም ሃገር እተመሓዳድር ንጉሰ ነገስት ኰይንካ እትሓስቦን ሓደ ኣይኰነን። ስለዚ በቲ ዘመኖም ክንመዝኖም ጠቓሚ እዩ" እንትብሉ ምሁራዊ ትንታነ ሂቦም።
#ትግራይ

18/12/2021

ኲናት ዓድዋ ዝደምደመ ብሚስጢር ተታሒዙ ዝፀንሐ ውዕሊ ፈረስማይ እዩ"
2 መጋቢት 2018

መምህር ገብረኪዳን ዝፀሓፍዎ "አፄ ዮሃንስና አፄ ምኒልክ፥ በኢትዮጵያ ታሪክ መነፅር" ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መፅሃፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ተመሪቑ። አዘራራቢ ድማ ኾይኑ ቀንዩ።
ብዙሓት ፀሓፍቲ ሃፀይ ሚኒሊክ ከም ጅግናን ናይ ኲናት ዓድዋ ገባርን ሓዳግን ገይሮም'ዮም ኣብ ታሪኽ ስኢሎሞም።
ኲናት ዓድዋ ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ብ1896 ኣብ መንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝተኻደ እንትኸውን እቲ ዝተረኽበ ዓወት ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምንጪ ኩርዓትን ሓቦን እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግና ቅድሚ እቲ ኲናት ዝተፈረመ ውዕሊ ውጫሌ ሓዊሱ እቲ ኲናት ዝተዛዘመሉን ብፍላይ ድማ ግዝኣት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ጥልያን ክፀንሕ ዝተገበረሉን ኩነታት ኣልዒሎም ሃፀይ ምኒሊክ ዝነቕፉ ሙሁራትን ተመራመርትን እናበዝሑ እዮም።
ካብ መንጎ እዚኦም ሓደ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ይርከቡዎም።
ጭብጢ እቲ ሓድሽ መፅሓፎም፥ ሃፀይ ዮሃንስ ንህልውና ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ተጋድሎን ፥ ኣብ ኲናት ዓድዋ ዝተኸፈለ መስዋእትነትን ከምኡውን ሃፀይ ሚኒሊክ እቲ ኲናት እንትዛዘም ብድሕሪት ተዋዓዒሎሞ ዝበሉዎ ምስጢራዊ ውዕል ዝትንትን ምዃኑ ይዛረቡ።
ብጎኒ ዝተፈረመ ውዕሊ
"ዕላማ ዓወት ዓድዋ ንጣልያንን ፀራሪግካ ናብ ባሕረ ኤርትራ ምስጣም እዩ ነይሩ።" ይብሉ ፀሓፋይ ታሪኽ መምህር ገብረኺዳን።
"ንጥልያን ምስተሰዓረ በዓል ራእሲ ኣሉላ መረብ ሰጊሮም ቀልቀል ዓዲ ዃላ በፂሖም እዮም። ካልኦት ድማ ብሩባ በለሳ ገይሮም ንኣኮለግዛይ ሰጊሮም ንጥልያን የባርርዎ ነይሮም" ይብሉ።
ከምኡ ድማ፥ " እቲ ኲናት ብዓወት ተዛዚሙስ ነቲ ብሰንኪ ሃፀይ ምኒሊክ ብውዕል ውጫለ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ክውዕል ዝተገብረ ግዝኣት ትግራይ ትግርኚ ሓራ ንምውፃእ እቲ ውግእ ቀፂሉ ነይሩ፤" ይብሉ።
እቲ ውግእ ቀፂሉ። ጥልያንን ሃፀይ ምኒሊክን ግን ብድሕሪት "ውዕሊ ፈረስማይ" ከምዝተውዓዓሉ እዮም ዝዛረቡ።
ድሕሪ ዓወት ዓድዋ "ምኒሊክ ተዓዊቶም ፤ ንጉስ ኢቦርቶ እውን ተዓዊቱ" ይብሉ።
#ትግራይ

03/12/2021

ንምንታይ እባ ተጋሩ ዲያስፖራ ኣብዙይ ዘይንሰራሓሉ ?

03/11/2021

ዞኾነ ይኹን ፈተና ትሕቲ ሞት እዩ!
:
ትግራዋይ ግን ሞት እዉን ዘየሰኩኖ ተኣምራዊ ፍጡር እዩ!✊

ከመይ ቀኒካትኩም!!
23/10/2021

ከመይ ቀኒካትኩም!!

09/10/2021

ኣብይ ኣሕመድ እቲ ብ Pr ናይ ሳውዝ ሱዳን ዝቀረበ ናይ ስላም መፀዋዕታ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታ ብልፅግናን ተቀቢሉ ክብል ሓደ ናይ ሳውዝ ሱዳን ማዕከን ዜና ገሊፁ!
ወይለከ ዓድዋ ንዕነ በለት ማማ ኣረጋሽ ዘይስማዕ የለን🤔

ንሕና እንትንድይብ ንሳቶም እንትወርዱ ኣብ መንገዲ ጎፍ ንጎፍ ተራኪብና!
01/10/2021

ንሕና እንትንድይብ ንሳቶም እንትወርዱ ኣብ መንገዲ ጎፍ ንጎፍ ተራኪብና!

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ህጻናት  ኣንጻር እቲ ብ ፊሽሽት ጉጅለ ብኣብይ ኣሕመድ ዝግበር ዘሎ ዕጽዋን ጥሜት ከም መሳርሒ ኪናት ጌርካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምፅናት ዓሌት ተቋው...
01/10/2021

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ህጻናት ኣንጻር እቲ ብ ፊሽሽት ጉጅለ ብኣብይ ኣሕመድ ዝግበር ዘሎ ዕጽዋን ጥሜት ከም መሳርሒ ኪናት ጌርካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምፅናት ዓሌት ተቋውምኦም ኣስሚዖም።

ከመይ ኣምሲካትኩም!💪
29/09/2021

ከመይ ኣምሲካትኩም!💪

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሃገረ ትግራይ The State Of Tigrai posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Videos

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Videos
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share